ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bt ምዕ. 16 ገጽ 124-132
  • “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ”
  • ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና” (ግብሪ ሃዋርያት 16:6-15)
  • “እቶም ህዝቢ ድማ ተላዕልዎም” (ግብሪ ሃዋርያት 16:16-24)
  • “ቀልጢፎም ተጠምቁ” (ግብሪ ሃዋርያት 16:25-34)
  • “ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኼውጽኡና፧” (ግብሪ ሃዋርያት 16:35-40)
  • ልድያ ንኣምላኽ እተምልኽ ዝነበረት ተቐባሊት ጋሻ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ሲላስ እቲ ምንጪ ምትብባዕ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • “እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ሓደ ሓላው እሱራት ሓቂ ፈለጠ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ዝያዳ ርአ
‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
bt ምዕ. 16 ገጽ 124-132

ምዕራፍ 16

“ናብ መቄዶንያ ሕለፍ”

እተመደበልካ ዕዮ ምቕባልን ንዚወርደካ መስጐጕቲ ብሓጐስ ምስጋርን፡ በረኸት የምጽእ

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 16:6-40 እተመስረተ

1-3. (ሀ) ጳውሎስን ብጾቱን ካብ መንፈስ ቅዱስ መምርሒ እተዋህቦም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እንታይ ፍጻመታት ኢና ኽንምርምር፧

ጕጅለ ኣንስቲ ኻብታ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ከተማ ፊልጲ ወጻ። ነዊሕ ከይጸንሓ ናብ ርባ ጋንጊቲስ በጽሓ። ከም ልማደን፡ ናብ ኣምላኽ እስራኤል ንምጽላይ ኣብ ጥቓ እቲ ርባ ኾፍ በላ። የሆዋ ይዕዘበን ነበረ።—2 ዜና 16:9፣ መዝ. 65:2።

2 እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ናብ ምብራቕ ፊልጲ ልዕሊ 800 ኪሎ ሜተር ርሒቑ፡ ጕጅለ ሰብኡት ካብታ ኣብ ደቡባዊ ገላትያ እትርከብ ከተማ ልስጥራ ወጹ። ድሕሪ እተወሰነ መዓልትታት፡ ናብቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝነበረሉ ኽፋል ኣውራጃ እስያ ዚመርሕ ሮማውያን ዝጸረግዎ መገዲ በጽሑ። እቶም ሰብኡት፡ ማለት ጳውሎስን ሲላስን ጢሞቴዎስን በቲ መገዲ ኣቢሎም ናብተን ብዛዕባ ክርስቶስ ኪሰምዑ ዘለዎም ኣሽሓት ሰባት ዚቕመጡለን ኤፌሶንን ካልኦት ከተማታትን ንምኻድ ተሃንጥዮም እዮም ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ ጕዕዞኦም ቅድሚ ምጅማሮም፡ መንፈስ ቅዱስ ከልከሎም። ኣብ እስያ ኸይሰብኩ ተኸልከሉ። ስለምንታይ፧ የሱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ኣቢሉ፡ ንጳውሎስን ንብጾቱን፡ ንንእሽቶ እስያ ሓሊፎም፡ ባሕሪ ኤጀያ ሰጊሮም፡ ናብ ጥቓ ርባ ጋንጊቲስ እዩ ኺመርሖም ደልዩ።

3 የሱስ ንጳውሎስን ንብጾቱን ናብ መቄዶንያ ኣብ ዝገበርዎ ዘይተለምደ ጕዕዞ ዝመርሓሉ መገዲ፡ ንዅላትና ጠቓሚ ትምህርቲ ይህበና እዩ። ስለዚ፡ ንገለ ኻብቲ ብ49 ድ.ክ. ኣቢሉ ኣብ ዝጀመረ ኻልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ ዘጋጠመ ፍጻመታት እስከ ንመርምር።

“ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና” (ግብሪ ሃዋርያት 16:6-15)

4, 5. (ሀ) ጳውሎስን ብጾቱን ጥቓ ቢቲንያ ምስ በጽሑ እንታይ ኣጋጠሞም፧ (ለ) እቶም ደቀ መዛሙርቲ እንታይ ውሳነ እዮም ገይሮም፧ እንታይ ውጽኢትከ ረኺቦም፧

4 ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ እስያ ኸይሰብኩ ስለ እተኸልከሉ፡ ኣብ ከተማታት ቢቲንያ ንምስባኽ ናብ ሰሜን ገጾም ኣቕንዑ። ኣብኡ ንምብጻሕ፡ ንሓያሎ መዓልትታት በቲ ኣብቲ ብዙሕ ህዝቢ ዘይብሉ ዞባታት ፍርግያን ገላትያን ዚርከብ ዘይተጸርገ መገዲ ኺጐዓዙ ነበሮም። ይኹን እምበር፡ ጥቓ ቢቲንያ ምስ በጽሑ፡ የሱስ ዳግም ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ኸልከሎም። (ግብ. 16:6, 7) ድሕርዚ፡ እቶም ሰብኡት ደንጽይዎም ኪኸውን ኣለዎ። እንታይ ከም ዚሰብኩን ብኸመይ ከም ዚሰብኩን ይፈልጡ እኳ እንተ ነበሩ፡ ኣበይ ከም ዚሰብኩ ግና ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ኣብቲ ናብ እስያ ዚመርሕ ኣፍ ደገ እኳ እንተ ኸዱ ኣይተኸፍተሎምን። ናብ ቢቲንያ ዚመርሕ ኣፍ ደገ ኸይዶም እውን ኣይተኸፍተሎምን። ጳውሎስ ግና፡ ክሳዕ ዚኽፈተሉ ጻዕሪ ኺገብር ቈሪጹ ነበረ። ድሕሪኡ፡ እቶም ሰብኡት ንምርዳኡ ዜጸግም ውሳነ ገበሩ። ናብ ምብራቕ ተጠውዮም፡ ናብታ ናብ መቄዶንያ እተስግር ወደብ ጥሮኣስ ክሳዕ ዚበጽሑ ሓያሎ ኸተማታት እናሓለፉ ን550 ኪሎ ሜተር ተጓዕዙ። (ግብ. 16:8) ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ ንሳልሳይ ግዜ ጳውሎስ ብሓደ ኣፍ ደገ ኺኣቱ ፈተነ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ ጋህ ኢሉ ተራሕወሉ!

5 እቲ ጸሓፍ ወንጌል ዝዀነ ሉቃስ፡ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ብዓል ጳውሎስ ተጸምበረ፣ ከምዚ ኢሉ ድማ ጸብጸበ፦ “ንጳውሎስ ከኣ ብለይቲ ራእይ ተራእዮ፣ ሓደ ብዓል መቄዶንያ ሰብኣይ ደው ኢሉ፡ ‘ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና’ ኢሉ ይልምኖ ነበረ። ንሱ ራእይ ምስ ረኣየ፡ ከነበስሮም ኣምላኽ ከም ዝጸውዓና ተረዲእና፡ ብኡብኡ ናብ መቄዶንያ ኽንከይድ ደለና።”a (ግብ. 16:9, 10) ኣብ መወዳእታ፡ ጳውሎስ ኣበይ ከም ዚሰብኽ ፈለጠ። ኣብ ፍርቂ እቲ ጕዕዞ ተስፋ ብዘይምቝራጹ ሓጐስ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ኣለዎ። ብኡብኡ፡ ኣርባዕቲኦም ብመርከብ ናይ መቄዶንያ ኸዱ።

ሃዋርያ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ኣብ መርከብ ደው ኢሎም ኣለዉ። እቶም መርከበኛታት ስራሖም እናሰርሑ፡ ጢሞቴዎስ ናብ ማዕዶ የመልክት።

“ሽዑ፡ ካብ ጥሮኣስ ብመርከብ ነቐልና።”​—ግብሪ ሃዋርያት 16:11

6, 7. (ሀ) ካብቲ ጳውሎስ ኣብ ዝገበሮ ጕዕዞ ዘጋጠመ ነገራት እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧ (ለ) ካብ ተመክሮ ጳውሎስ እንታይ መረጋገጺ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

6 ካብዚ ጸብጻብ እዚ እንታይ ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል፧ ጳውሎስ ናብ እስያ ኪኸይድ ድሕሪ ምንቃሉ እዩ መንፈስ ኣምላኽ ጣልቃ ኣትዩ፣ ናብ ቢቲንያ ድሕሪ ምቕራቡ እዩ የሱስ ጣልቃ ኣትዩ፣ ኣብ ጥሮኣስ ድሕሪ ምብጻሑ ኸኣ እዩ የሱስ ናብ መቄዶንያ ኺሓልፍ መምርሒ ሂብዎ። የሱስ ርእሲ ጉባኤ ስለ ዝዀነ፡ ሎሚ እውን ንዓና ብተመሳሳሊ መገዲ መምርሒ ኺህበና ይኽእል እዩ። (ቈሎ. 1:18) ንኣብነት፡ ፈለምቲ ዄንና ንምግልጋል ወይ ናብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ንምግዓዝ ንሓስብ ንኸውን። ኰይኑ ግና፡ ሸቶና ንምውቃዕ ንጹር ስጕምትታት ድሕሪ ምውሳድና እዩ የሱስ ብመንፈስ ኣምላኽ ኣቢሉ ኺመርሓና ዚኽእል። ስለምንታይ፧ ብዛዕባ እዚ ኣብነት እዚ እሞ ሕሰብ፦ ሓደ መራሕ ማኪና ንማኪናኡ ናብ ጸጋም ወይ የማን ኪመርሓ ዚኽእል፡ ማኪናኡ ኽትንቀሳቐስ ድሕሪ ምጅማራ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ የሱስ ኣገልግሎትና ኸነስፍሕ ዚመርሓና፡ ክንንቀሳቐስ፡ ማለት ሸቶና ንምውቃዕ ናይ ሓቂ ጻዕሪ ኽንገብር ድሕሪ ምጅማርና እዩ።

7 ኰይኑ ግና፡ ጻዕርታትና ብኡብኡ ፍረ እንተ ዘየፍረየኸ፧ ክንሕለልን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘይመርሓና ዘሎ ጌርና ኽንሓስብን ይግባእዶ፧ ኣይግባእን። ጳውሎስ እውን ዕንቅፋታት ከም ዘጋጠሞ ኣይንረስዕ። ኰይኑ ግና፡ ዚኽፈተሉ ኣፍ ደገ ኽሳዕ ዚረክብ ጻዕሩ ኣየቋረጸን። ንሕና እውን “ናብ ዕዮ ዜእቱ ዓብዪ ኣፍ ደገ” ንምርካብ ብጽንዓት እንገብሮ ጻዕሪ፡ ተመሳሳሊ ዓስቢ ኸም ዜምጽእ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።—1 ቈረ. 16:9።

8. (ሀ) ንኸተማ ፊልጲ ግለጻ። (ለ) ጳውሎስ ኣብቲ ‘ጸሎት ዚግበሮ’ ቦታ ብምስባኹ እንታይ ዜሐጕስ ፍረ ረኸበ፧

8 ጳውሎስን ብጾቱን ኣብ መቄዶንያ ምስ በጽሑ፡ ናብታ ብሮማዊ ዜግነቶም ዚሕበኑ ተቐማጦ ዘለውዋ ኸተማ ፊልጲ ገጾም ተጓዕዙ። እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ጡረታ ዝወጹ ወተሃደራት ሮሜ፡ ነታ ብቐጥታ ብሮሜ እትመሓደር ፊልጲ ኸም ንእሽቶ ኢጣልያ፡ ማለት ከም ኣብ መቄዶንያ እተተኽለት ንእሽቶ ሮሜ ገይሮም ይርእይዋ ነበሩ። እቶም ሚስዮናውያን ካብ ዓንቀጽ እታ ኸተማ ወጺኦም፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ርባ፡ “ጸሎት ይግበሮ” ኢሎም ዝሓሰብዎ ቦታ ረኸቡ።b ሰንበት ናብቲ ቦታ ምስ ከዱ፡ ንኣምላኽ ኬምልኻ ኢለን ኣብኡ እተኣከባ ኣንስቲ ረኸቡ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኾፍ ኢሎም፡ ነተን ኣንስቲ ተዛረብወን። ልድያ ዝስማ ሰበይቲ፡ ‘ትሰምዖም ነበረት፣ የሆዋ ድማ ልባ ኸፈተላ።’ በቲ ኻብቶም ሚስዮናውያን እተማህረቶ ኣዝያ ስለ እተተንከፈት፡ ንሳን ስድራ ቤታን ተጠምቁ። ድሕሪኡ፡ ንጳውሎስን ንብጾቱን ናብ ቤታ ኸም ዚኣትዉ ገበረቶም።c—ግብ. 16:13-15።

9. ሎሚ ብዙሓት ሰባት ኣብነት ጳውሎስ ዝሰዓቡ ብኸመይ እዮም፧ እዚኸ እንታይ በረኸት ኣምጸኣሎም፧

9 ጥምቀት ልድያ ዘምጸኦ ሓጐስ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! ጳውሎስ ነቲ “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ” ዚብል ጻውዒት ምቕባሉን የሆዋ ብእኡን ብብጾቱን ገይሩ ጸሎት እተን ፍርሃት ኣምላኽ ዘለወን ኣንስቲ ምምላሱን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኣሐጒስዎ ኪኸውን ኣለዎ! ሎሚ እውን ንኣሽቱን ዓበይትን፡ ንጽልን ሰብ ሓዳርን ዝዀኑ ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ናብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ይግዕዙ እዮም። ሽግር ዜሕልፉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ከም ልድያ ዝኣመሰሉ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚቕበሉ ሰባት ምስ ረኸቡ ዚስምዖም ዕግበት ግና፡ ነቲ ሽግር የረስዖም እዩ። ናብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ኽሊ ‘ንምሕላፍ’ ዜኽእለካ ምትዕርራያት ክትገብር ትኽእልዶ፧ ከምኡ እንተ ጌርካ፡ በረኸት እዩ ዚጽበየካ። ንኣብነት፡ ናብ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ እትርከብ ሃገር ንዝገዓዘ ኣሮን ዝስሙ ኣብ 20ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ሓው እስከ ንውሰድ። ንሱ፡ “ኣብ ወጻኢ ምግልጋል ብመንፈስ ምእንቲ ኽዓብን ናብ የሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ክቐርብን ሓጊዙኒ። ኣገልግሎት ወፍሪ እውን ጽቡቕ እዩ፣ ሸሞንተ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕ ኣለኹ!” ብምባል ናይ ብዙሓት ስምዒት ገሊጹ ኣሎ።

ክልተ ኣሓት ኣብ መገዲ ንዝረኸባኣ መንእሰይ ይሰብካላ። ሓደ መንእሰይ ብዛዕባ እንታይ ከም ዚዛረባ ዘለዋ ኺርኢ ይፍትን።

ከመይ ጌርና ኢና ‘ናብ መቄዶንያ ኽንሓልፍ’ እንኽእል፧

“እቶም ህዝቢ ድማ ተላዕልዎም” (ግብሪ ሃዋርያት 16:16-24)

10. ነቲ ጳውሎስን ብጾቱን ዚገብርዎ ዝነበሩ ዕዮ ስብከት ዚጻረር እንታይ ጋኔናዊ ንጥፈት እዩ ኣጋጢሙ፧

10 ሰይጣን፡ ኣብቲ ንሱን ኣጋንንቱን ብዘይ ተቐናቓኒ ዚዕንድሩሉ ዝነበሩ ኽፋል ዓለም፡ እቲ ብስራት ሱር ኪሰድድ ከሎ ምርኣዩ ኣነዲርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ነቲ ጳውሎስን ብጾቱን ዚገብርዎ ዝነበሩ ዕዮ ስብከት ዚጻረር ጋኔናዊ ንጥፈት ምግጣሙ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን! ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ቦታ ኪኸዱ ኸለዉ፡ ሓንቲ ንጐይተታ ብምጥንቋላ እተርብሖም ዝነበረት ጋኔን ዝሓደራ ግዝእቲ ኣጓነፈቶም። ንሳ ኸኣ፡ “እዞም ሰባት እዚኦም ባሮት እቲ ልዑል ኣምላኽ እዮም፣ መገዲ ድሕነት ከኣ ይሰብኩልኩም ኣለዉ” ኢላ እናጨደረት ኣስኣሰር ጳውሎስን ብጾቱን ሰዓበት። እቲ ጋኔን ነታ ጓል ከምዚ ኢላ ኸም እትጭድር ዝገበረሉ ምኽንያት፡ እቲ ጥንቈላኣን ትምህርትታት ጳውሎስን ካብ ሓደ ምንጪ ኸም ዝመጸ ኼምስል ኢሉ እዩ ዚኸውን። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ተመልከትቲ ኣብ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ካብ ምትኳር ኣቓልቦኦም ይስረቕ። ጳውሎስ ግና ነቲ ጋኔን ብምውጻእ፡ ነታ ጓል ስቕ ኣበላ።—ግብ. 16:16-18።

11. እቲ ጋኔን ካብታ ጓል ምስ ወጸ፡ ንጳውሎስን ሲላስን እንታይ ኣጋጠሞም፧

11 እቶም ጐይተት እታ ግዝእቲ፡ እቲ ብቐሊሉ ዚኸስቡሉ ዝነበሩ ምንጪ ረብሓኦም ከም ዘቋረጸ ምስ ረኣዩ፡ በዚ ሓረቑ። ንጳውሎስን ሲላስን ናብቲ ተወከልቲ ሮሜ ዝዀኑ ሓላቑ ዚፈርዱሉ ዕዳጋ ሰሓብዎም። እቶም ጐይተታ፡ ‘እዞም ኣይሁድ እዚኦም፡ ንሕና ሮማውያን ክንቅበሎ ዘይተፈቕደልና ልምድታት እናሰበኹ፡ የናዕቡ ኣለዉ’ ኢሎም ብምኽሳስ፡ ነቲ እቶም ፈራዶ ዘለዎም ኣቐዲምካ ናይ ምፍራድ ባህርይን ሃገራውነትን ኪምዝምዙ ፈተኑ። ዘረባኦም ብኡብኡ ፍረ ኣፍረየ። “እቶም [ኣብቲ ዕዳጋ ዝነበሩ] ህዝቢ ድማ [ንጳውሎስን ንሲላስን] ተላዕልዎም፡” እቶም ኣመሓደርቲ ድማ “ብሽመል ኪዘብጥዎም ኣዘዙ።” ድሕሪኡ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። እቲ ሓላው እሱራት ናብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፡ ኣእጋሮም ከኣ ኣብ ጕንዲ ኣጽኒዑ ኣሰረ። (ግብ. 16:19-24) ነቲ ማዕጾ ምስ ዓጸዎ፡ ድቕድቕ ጸልማት ስለ ዝዀነ፡ ጳውሎስን ሲላስን ኪረኣኣዩ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። የሆዋ ግና ይርእዮም ነይሩ እዩ።—መዝ. 139:12።

12. (ሀ) ሰዓብቲ ክርስቶስ ንመስጐጕቲ ብኸመይ እዮም ርእዮምዎ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ሰይጣንን ተወከልቱን እንታይ ዓይነት ምጽራር እዮም ዚጥቀሙ፧

12 ዓመታት ኣቐዲሙ፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኪሰጕጉኹም እዮም” ኢልዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 15:20) እምበኣር፡ ጳውሎስን ብጾቱን ናብ መቄዶንያ ኺሓልፉ ኸለዉ፡ ምጽራር ኬጋጥሞም ከም ዚኽእል ተዳልዮም እዮም ነይሮም። መስጐጕቲ ምስ ኣጋጠሞም፡ የሆዋ ኸም ዘይሰመሮም ገይሮም ዘይኰነስ፡ ሰይጣን ከም እተቘጥዐ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ። ሎሚ ዘለዉ ተወከልቲ ሰይጣን ከምቲ እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ሰባት እተጠቕሙሉ ሜላታት እዮም ዚጥቀሙ። መታለልቲ ተጻረርቲ ኣብ ቤት ትምህርትን ኣብ ስራሕን ዘይበልናዮ ጠውዮም ብምቕራብ፡ ምጽራር የለዓዕሉ እዮም። ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ሃይማኖታውያን ተጻረርቲ፡ ‘እዞም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚኦም፡ ንሕና “ናይ ኣቦታትና እንስዕብ ዘበልና” ኽንቅበሎ ዘይተፈቕደልና ስርዓት እናሰበኹ፡ የናዕቡ ኣለዉ’ ዚብል መልእኽቲ ዘለዎ ኽስታት ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቦም እዮም። ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ተዘቢጦምን ናብ ቤት ማእሰርቲ ተደርብዮምን እዮም። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ይርኢ ኣሎ።—1 ጴጥ. 3:12።

“ቀልጢፎም ተጠምቁ” (ግብሪ ሃዋርያት 16:25-34)

13. እቲ ሓላው እሱራት፡ “ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧” ኢሉ ኺሓትት ዝደረኾ እንታይ እዩ፧

13 ጳውሎስን ሲላስን በቲ በታ መዓልቲ እቲኣ ዘጋጠሞም ናዕቢ ሰምቢዶም ኪዀኑ ኣለዎም። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ግና፡ ብርታዐ ስለ ዝረኸቡ፡ “ይጽልዩን ብመዝሙር ንኣምላኽ ይውድሱን ነበሩ።” ድሕሪኡ፡ ብድንገት ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ነታ ቤት ማእሰርቲ ኣናወጻ! እቲ ሓላው እሱራት ምስ ተበራበረ ኸኣ፡ መዓጹ ተኸፊቱ ስለ ዝረኣየ፡ እቶም እሱራት ዝመለቑ መሰሎ። ነቶም እሱራት ኬምልጡ ብምሕዳጉ ኸም ዚቕጻዕ ስለ ዝፈለጠ፡ “ሰይፉ መሊሑ ርእሱ ኪቐትል ደለየ።” ጳውሎስ ግና፡ “ኵላትና ኣብዚ ኣለና እሞ፡ ርእስኻ ኣይትጕዳእ!” እናበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። እቲ ጨኒቕዎ ዝነበረ ሓላው እሱራት፡ “ጐይተተይ፡ ምእንቲ ኽድሕንሲ፡ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ፧” ኢሉ ሓተተ። የሱስ ጥራይ ደኣ እምበር፡ ጳውሎስን ሲላስን ኬድሕንዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ስለዚ ድማ፡ “ብጐይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤተ ሰብካን ክትድሕኑ ኢኹም” ኢሎም መለሱሉ።—ግብ. 16:25-31።

14. (ሀ) ጳውሎስን ሲላስን ነቲ ሓላው እሱራት እንታይ ሓገዝ እዮም ገይሮምሉ፧ (ለ) ጳውሎስን ሲላስን ነቲ ዘጋጠሞም መስጐጕቲ ብሓጐስ ብምስጋሮም እንታይ በረኸት ረኸቡ፧

14 እቲ ሓላው እሱራት ናይ ልቡ ድዩ ዚሓትት ነይሩ፧ ጳውሎስ ንቕንዕና እቲ ሰብኣይ ኣይተጠራጠረሉን። እቲ ሓላው እሱራት ካብቶም ንቕዱሳት ጽሑፋት ዘይፈልጡ ኣህዛብ እዩ ነይሩ። ክርስትያን ቅድሚ ምዃኑ፡ መሰረታዊ ሓቅታት ቅዱሳት ጽሑፋት ኪምሃርን ኪቕበሎን ነበሮ። ስለዚ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ግዜ ወሲዶም ቃል የሆዋ ነገርዎም። ቅዱሳት ጽሑፋት ኪምህሩ ኸለዉ፡ ነቲ መዝበጥቲ ዘስዓበሎም ቃንዛ ረሲዖምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሓላው እሱራት ግና፡ ዝባኖም ተተልቲሉ ምንባሩ ኣስተብሃለ፡ ኣቝሳሎም ድማ ሓጸበሎም። ሽዑ ንሱን ስድራ ቤቱን “ቀልጢፎም ተጠምቁ።” ጳውሎስን ሲላስን ነቲ ዘጋጠሞም መስጐጕቲ ብሓጐስ ብምስጋሮም፡ ከመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዮም ረኺቦም!—ግብ. 16:32-34።

15. (ሀ) ሎሚ ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብነት ጳውሎስን ሲላስን ዝሰዓቡ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ነቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ብተደጋጋሚ ኽንበጽሖም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

15 ሎሚ እውን ብዙሓት ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ከም ጳውሎስን ሲላስን ምእንቲ እምነቶም ኣብ እተኣስሩሉ እዋን፡ ነቲ ብስራት ሰቢኾምን ጽቡቕ ፍረ ረኺቦምን እዮም። ንኣብነት፡ ኣብ ሓንቲ ንጥፈታትና ተኣጊዱላ ዝነበረት ሃገር፡ ኣብ ሓደ እዋን 40 ሚእታዊት እቶም ኣብታ ሃገር ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዛዕባ የሆዋ ዚገልጽ ሓቂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዮም ተማሂሮምዎ። (ኢሳ. 54:17) እቲ ሓላው እሱራት፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድሕሪ ምዃኑ ሓገዝ ኪውሃቦ ኸም ዝሓተተ እውን ነስተብህል። ሎሚ እውን ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘይቅበሉ ዝነበሩ ገሊኦም ውልቀ ሰባት፡ ዜናውጽ ነገራት ምስ ኣጋጠሞም ከምኡ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። ነቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ብተኣማንነት ደጋጊምና ብምብጻሕ፡ ንምሕጋዞም ድሉዋት ምዃንና ነረጋግጽ።

“ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኼውጽኡና፧” (ግብሪ ሃዋርያት 16:35-40)

16. ጽባሕ እታ ጳውሎስን ሲላስን እተዘብጡላ መዓልቲ፡ እቲ ነገር እተገልበጠ ብኸመይ እዩ፧

16 ምድሪ ምስ ወግሐ፡ እቶም ሓላቑ፡ ጳውሎስን ሲላስን ኪፍትሑ ኣዘዙ። ጳውሎስ ግና፡ “ንሕና ሮማውያን ክነስና፡ ከይተፈርደና ብግህዶ ገሪፎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ደርብዮምናስ፡ ሕጂ ድማ ብሕቡእዶ ኼውጽኡና፧ ባዕላቶም ደኣ መጺኦም የውጽኡና እምበር፡ እዝስ ከቶ ዘይከውን እዩ” ኢሉ መለሰ። እቶም ሓላቑ ኸኣ፡ እቶም ክልተ ሰብኡት ሮማውያን ምዃኖም ምስ ሰምዑ፡ መሰሎም ስለ ዝጠሓሱ፡ “ፈርሁ።”d እቲ ነገር ተገልበጠ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብግህዶ እዮም ተዘቢጦም፣ ስለዚ ድማ እቶም ሓላቑ ብግህዶ ይቕረታ ኺሓቱ ነበሮም። ንጳውሎስ ንሲላስን ካብ ፊልጲ ኺወጹ ለመንዎም። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ምስዚ ተሰማምዑ፣ ፈለማ ግና፡ ግዜ ወሲዶም ነቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ኣተባብዕዎም። ድሕሪኡ ናብ ካልእ ሓለፉ።

17. እቶም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ፡ ጳውሎስን ሲላስን ኪግፍዑ ኸለዉ ብምርኣዮም እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዮም ተማሂሮም፧

17 ጳውሎስን ሲላስን ከም ዜጋታት ሮሜ መጠን መሰሎም እንተ ዚሕለወሎም ነይሩ፡ ካብ መዝበጥቲ ምተናሕፉ ነይሮም። (ግብ. 22:25, 26) እቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ግና፡ እቶም ሰብኡት በቲ ፍሉይ መሰሎም ተጠቒሞም ካብቲ ምእንቲ ክርስቶስ ዚወርድ መከራ ኸም ዘምለጡ ገይሮም ምረኣይዎ ነይሮም። እዚ ነቶም ዜጋታት ሮሜ ዘይኰኑ ደቀ መዛሙርቲ ብኸመይ ምጸለዎም፧ እቲ ሕጊ ንዓታቶም ካብ መግረፍቲ ኣየናግፎምን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ጳውሎስን ብጻዩን ዝወረዶም መቕጻዕቲ ብምቕባሎም፡ ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ትሕቲ መስጐጕቲ ጸኒዖም ኪቘሙ ኸም ዚኽእሉ፡ ነቶም ሓደስቲ ኣመንቲ ኣርኣይዎም። ዜግነቶም ዚፈቕደሎም መሰል ኪሕሎ ብምጥላቦም ከኣ፡ ነቶም ሓላቑ ብግህዶ ዘይሕጋዊ ነገር ከም ዝገበሩ ኺእመኑ ኣገደድዎም። እዚ እውን ብግዲኡ፡ እቶም ሓላቑ ነቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ጳውሎስ ከየጋፍዕዎም ዓጊትዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ መጻኢ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምእንቲ ኸይፍኖ ድማ ሕጋዊ ዕቝባ ዀይኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

18. (ሀ) ሎሚ ዘለዉ ክርስትያን ሓለውቲ፡ ኣብነት ጳውሎስ ዚስዕቡ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና ‘ነቲ ብስራት ክንማጐተሉን ብሕጊ ኽንስርቶን’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 ሎሚ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ሓለውቲ፡ ብኣብነቶም እውን ይመርሑ እዮም። ንዅሉ እቲ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኪገብርዎ ዚጽበይዎ ነገራት፡ ንሳቶም እውን ኪገብርዎ ፍቓደኛታት እዮም። ብዘይካዚ፡ ከም ጳውሎስ፡ ሕጋዊ መሰላትና መዓስን ብኸመይን ከም እንጥቀመሉ ተጠንቂቕና ንግምግም ኢና። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ኣምልኾና ንምፍጻም ዚሕግዝ ሕጋዊ ዕቝባ ንምርካብ፡ ናብ ከባብያዊ፡ ሃገራዊ፡ ወይ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣቤት ንብል ኢና። ሸቶና ማሕበራዊ ለውጢ ኺግበር ኣይኰነን፣ የግዳስ፡ ከምቲ ጳውሎስ ካብቲ ኣብ ፊልጲ እተኣስረሉ ዓሰርተ ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ ነታ ኣብኡ ዝነበረት ጉባኤ ዝጸሓፎ፡ ‘ነቲ ብስራት ክንማጐተሉን ብሕጊ ኽንስርቶን’ እዩ። (ፊል. 1:7) ኰይኑ ግና፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ ጕዳይና ዜፍርዮ ፍረ ብዘየገድስ፡ ከም ጳውሎስን ብጾቱን፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ዝመርሓና ዘበለ፡ ከየባተኽና “ከነበስሮም” ቈሪጽና ኢና።—ግብ. 16:10።

ሉቃስ—ጸሓፍ ግብሪ ሃዋርያት

መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ክሳዕ ምዕራፍ 16፡ ፍቕዲ 9፡ ብሳልሳይ ኣካል እያ እትትርኽ። እዚ ድማ፡ እቲ ጸሓፊ ነቲ ኻልኦት ዝበልዎን ዝገበርዎን ይትርኽ ምንባሩ ይሕብር። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 16:10, 11 ግና፡ እቲ ኣገባብ ኣጸሓሕፋ ተቐዪሩ ኣሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ፍቕዲ 11፡ እቲ ጸሓፊ ኸምዚ በለ፦ “ካብ ጥሮኣስ ብመርከብ ነቐልና፣ ትኽ ኢልና ድማ ናብ ሳሙትራኬ ኣቕናዕና።” እቲ ነታ መጽሓፍ ዝጸሓፋ ሉቃስ፡ ካብዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣትሒዙ ኣብቲ ዕዮ ተጸምበሮም። ኰይኑ ግና፡ ስም ሉቃስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ስለ ዘይርከብ፡ ንሱ ጸሓፊ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ሉቃስ ኣብ ሰደቓ ተደጊፉ ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ይጽሕፍ።

መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብቲ ኣብ መእተዊ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያትን ወንጌል ሉቃስን ዘሎ ሓሳባት ኪርከብ ይከኣል እዩ። ክልቲኡ መእተዊ፡ ናብ “ቴዎፍሎስ” ዚብሃል ሰብ እዩ ተጻሒፉ። (ሉቃ. 1:1, 3፣ ግብ. 1:1) ኣብ መእተዊ ግብሪ ሃዋርያት ዚርከብ ቃላት፡ “ኦ ቴዎፍሎስ፡ ኣብቲ ቐዳማይ ዛንታ፡ ካብቲ የሱስ ኪገብርን ኪምህርን ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ” ይብል። ሉቃስ ነቲ “ቐዳማይ ዛንታ” ማለት ንወንጌሉ ኸም ዝጸሓፎ ጥንታውያን ፈላጣት ስለ ዚሰማምዑሉ፡ ንግብሪ ሃዋርያት እውን ንሱ ጽሒፍዋ ኪኸውን ኣለዎ።

ብዛዕባ ሉቃስ ብዙሕ እንፈልጦ ነገር የብልናን። ስሙ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ሳዕ ጥራይ እዩ ዚርከብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሉቃስ “ፍቑር ሓኪም” ኢሉ ኣብ ርእሲ ምጽዋዑ፡ ሓደ ኻብቶም “መዓይይተይ” ዚብሎም ምዃኑ እውን ገሊጹ ኣሎ። (ቈሎ. 4:14፣ ፊሞ. 24) እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት “ንሕና” እናተባህለ እተተረኸሉ ኽፋል፡ ማለት እቲ ሉቃስ ንርእሱ ኣብቲ ዛንታ ዘእትወሉ ኽፋል፡ ፈለማ ሉቃስ ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ብ50 ድ.ክ. ኣቢሉ ኻብ ጥሮኣስ ናብ ፊልጲ ኸም ዝኸደ፡ ድሕሪኡ ግና ጳውሎስ ካብ ፊልጲ ኺሓልፍ ከሎ፡ ሉቃስ ምስኡ ኸም ዘይከደ ይሕብረና። እዞም ክልተ ሰባት እዚኦም ብ56 ድ.ክ. ኣቢሉ ኸም ብሓድሽ ኣብ ፊልጲ ተራኸቡ፡ ምስ ሸውዓተ ኻልኦት ኣሕዋት ድማ ካብ ፊልጲ ናብ የሩሳሌም ተጓዕዙ፡ ኣብኡ ኸኣ ጳውሎስ ተኣስረ። ድሕሪ ኽልተ ዓመት፡ ሉቃስ ነቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ጳውሎስ ኣሰንዩ ኻብ ቂሳርያ ናብ ሮሜ ኸደ። (ግብ. 16:10-17, 40፣ 20:5–21:17፣ 24:27፣ 27:1–28:16) ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ እተኣስረሉን ዚቕተለሉ ግዜ ኸም ዝቐረበ ኣብ ዝፈለጠሉን እዋን፡ “ሉቃስ ጥራይ” ምስኡ ነበረ። (2 ጢሞ. 4:6, 11) ሉቃስ ነዊሕ ጕዕዞ ይገብር ምንባሩን ምእንቲ ወንጌል ሽግር ኬሕልፍ ፍቓደኛ ምንባሩን ንጹር እዩ።

ሉቃስ ነቲ ብዛዕባ የሱስ ዝጸሓፎ ብዓይኑ ኸም ዝረኣዮ ኣይገለጸን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣብቲ “ብኣዒንቶም ዝረኣዩ” ዝሃብዎ ጸብጻባት ተመርኲሱ ‘ዛንታ ኸም ዝጸሓፈ’ ገለጸ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ “ንዅሉ ኻብ ፈለማ ብልክዕ ስለ ዝመርመርክዎ፡ በብተራ ኽጽሕፈልካ ሓሲበ” በለ። (ሉቃ. 1:1-3) እቲ ሉቃስ ዝዓየዮ ዕዮ፡ ጥንቁቕ ተመራማሪ ምንባሩ እዩ ዚሕብር። ምናልባት ዜድልዮ ሓበሬታ ምእንቲ ኺእክብ ኢሉ፡ ንኤልሳቤጥን ንማርያም ኣደ የሱስን ንኻልኦትን ቃለ መጠይቕ ገይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ካልእ ወንጌላት ዘይርከብ ብዙሕ ነገራት ጽሒፉ ኣሎ።—ሉቃ. 1:5-80።

ሉቃስ ሓኪም ምንባሩ፡ ጳውሎስ ገሊጹ ኣሎ፣ እቲ ሉቃስ ዝጸሓፎ ጽሑፋት ድማ፡ ከም ሓኪም መጠን በቶም ዝሓመሙ ዚግደስ ምንባሩ ይሕብረና። ገለ ኻብቲ ነዚ ዜርኢ ኣብነታት ንምጥቃስ፦ የሱስ ነቲ ጋኔን ዝሓደሮ ሰብ ኣብ ዘሕወየሉ እዋን፡ ‘እቲ ጋኔን ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኻብኡ ኸም ዝወጸ’ ሉቃስ ገሊጹ ኣሎ፣ ሓማት ሃዋርያ ጴጥሮስ “ብርቱዕ ረስኒ” ኸም ዝነበራ እውን ገለጸ፣ ብዛዕባ ሓንቲ የሱስ ዘሕወያ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ን18 ዓመት መንፈስ ድኻም ዝሓደራ ሰበይቲ ነበረት፣ ንሳ ድማ ኣመና ጐቢጣ፡ ክትቀንዕ እውን ከቶ ኣይትኽእልን ነበረት” በለ።—ሉቃ. 4:35, 38፣ 13:11።

እምበኣር፡ ሉቃስ ን“ዕዮ ጐይታ” ኣብ ህይወቱ ቐዳምነት ይህቦ ኸም ዝነበረ ንጹር እዩ። (1 ቈረ. 15:58) ከም ሓኪም መጠን ብዙሕ ኣታዊ ወይ ዝና ኺረክብ ዘይኰነስ፡ ሰባት ንየሆዋ ምእንቲ ኺፈልጥዎን ምእንቲ ኼገልግልዎን ኪሕግዞም እዩ ዚደሊ ነይሩ።

ልድያ—“ሸያጢት ጁዅ”

ልድያ ኣብታ ኣብ መቄዶንያ እትርከብ ፊልጲ እትብሃል ፍልጥቲ ኸተማ ትነብር ነበረት። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ብዓልቲ ትያቲራ እያ ነይራ፣ ትያቲራ ድማ ኣብታ ኣብ ምዕራባዊ ንእሽቶ እስያ፡ ልድያ ኣብ ዚብሃል ዞባ እትርከብ ከተማ እያ ነይራ። ከም ሸያጢት ጁዅ (ሕዋስ ቀይሕን ሰማያውን) ኰይና ንምዕያይ፡ ንባሕሪ ኤጀያ ሰገረት። ጁዅ ዝሕብሩ ምንጻፍን ዓለባን ቀለምን ትሸይጥ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኣብ ፊልጲ እተረኽበ ጽሑፍ፡ ኣብታ ኸተማ ጁዅ ዚሸጡ ጕጅለ ኸም ዝነበሩ ይሕብር።

ልድያ ዓለባ ተርኢ።

ልድያ “ንኣምላኽ እተምልኽ” ተባሂላ ኣላ፣ እዚ ድማ ጵሮሴሊት ከም ዝነበረት ዚሕብር ኪኸውን ኣለዎ። (ግብ. 16:14) ኣብ ዓዳ ኸላ፡ ብዛዕባ ኣምልኾ የሆዋ ፈሊጣ ኽትከውን ትኽእል እያ። ትያቲራ ኸም ፊልጲ ኣይነበረትን፣ ቦታ ኣምልኾ ኣይሁድ እውን ነይርዋ እዩ። ገሊኦም ሰባት፡ ልድያ ዚብል ስም ኣብ ፊልጲ ዝወጸላ “ልድያዊት” ዝትርጉሙ ሳጓ ምዃኑ ይኣምኑ እዮም። ይኹን እምበር፡ ልድያ ዚብል ስም ተጸውዖ ኸም ዝነበረ ዚሕብር ሰነዳት ኣሎ።

ብግዜ ሆመር፡ ማለት ኣብ ታሽዓይ ወይ ሻምናይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ልድያውያንን ጐረባብቶምን ቀይሕ ወይ ጁዅ ሕብሪ ብምድላው ፍሉጣት እዮም ነይሮም። ማይ ትያቲራ “ድሙቕን ዘይሃስስን ሕብሪ” የፍሪ ምንባሩ ይፍለጥ እዩ።

ጁዅ እተለኽየ ነገራት፡ ሃብታማት ጥራይ ኪዕድግዎ ዚኽእሉ ኽቡር ነገር እዩ ነይሩ። ጁዅ ሕብሪ ንምርካብ እተፈላለየ ኣገባብ እኳ ዚጥቀሙ እንተ ነበሩ፡ ሻሽ ንምቕላም ዜገልግል ዝነበረ ዝበለጸን ዝኸበረን ዓይነት ግና፡ ካብ ድርዓዊ እንስሳ ባሕሪ እዩ ዚርከብ ነይሩ። ካብ ነፍሲ ወከፍ ሞሉስካ ንጣብ ቀለም ኪርከብ ይከኣል ነበረ፣ ሓደ ግራም ዚኣክል ክቡር ዝዋጋኡ ፈሳሲ ሕብሪ ንምርካብ ድማ 8,000 ዚኣክል ሞሉስካ የድሊ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ በዚ ሕብሪ እዚ እተለኽየ ኽዳን፡ ዋጋኡ ኣዝዩ ኽቡር እዩ ነይሩ።

ልድያ እትሰርሖ ዝነበረት ዕዮ ብዙሕ ገንዘብ ዚሓትት ብምንባሩ፡ ንጳውሎስን ሲላስን ጢሞቴዎስን ሉቃስን ኬአንግድ ዚኽእል ዓብዪ ቤት እውን ስለ ዝነበራ፡ ሃብታም ነጋዲት እያ ነይራ ኽትከውን ዘለዋ። “ቤተ ሰባ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ኣዝማዳ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም፣ ባሮትን ኣገልገልትን ከም ዝነበርዋ ዚሕብር እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ግብ. 16:15) ጳውሎስን ሲላስን ካብታ ኸተማ ቕድሚ ምሕላፎም፡ ኣብ ቤት እታ ተቐባሊት ኣጋይሽ ዝነበረት ልድያ ምስ ኣሕዋት ምርኻቦም፡ ቤታ ነቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ቐዳሞት ክርስትያናት ከም መአከቢ ዀይና ተገልግል ምንባራ ይእምት።—ግብ. 16:40።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ፡ ጳውሎስ ነታ ኣብ ፊልጲ ዝነበረት ጉባኤ ኺጽሕፈላ ኸሎ፡ ንልድያ ኣይጠቐሳን። ስለዚ፡ ብዛዕባኣ እንፈልጦ ነገር፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 16 ጥራይ እዩ ዚርከብ።

a “ሉቃስ—ጸሓፍ ግብሪ ሃዋርያት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b ፊልጲ ወተሃደራዊ ባህርይ ዘለዋ ኸተማ ብምንባራ፡ ኣይሁድ ኣብታ ኸተማ ምኵራብ ከይሰርሑ ተኸልኪሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ወይ ከኣ ምኵራብ ንምቛም ዜድሊ ዝወሓደ ቝጽሪ ደቂ ተባዕትዮ ኣይሁድ፡ ማለት ዓሰርተ ኣይሁድ ኣብታ ኸተማ ኣይነበሩን ይዀኑ።

c “ልድያ—‘ሸያጢት ጁዅ’” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

d ሕጊ ሮሜ፡ ንሓደ ዜጋ ግቡእ ፍርዲ ኺውሃቦ፡ ከይተፈርዶ ድማ ብግህዶ ኸይዝበጥ ይእዝዝ ነበረ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ