ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • be ገጽ 272-ገጽ 281 ሕ.ጽ. 3
  • እቲ ኽንሰብኮ ዚግባእ መልእኽቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ኽንሰብኮ ዚግባእ መልእኽቲ
  • ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ”
  • ‘ምስክር የሱስ ምሓዝ’
  • “እዚ ወንጌል መንግስቲ”
  • ን“ክርስቶስ” እንስዕቦ ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • “ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ” መንግስቲ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
ዝያዳ ርአ
ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
be ገጽ 272-ገጽ 281 ሕ.ጽ. 3

እቲ ኽንሰብኮ ዚግባእ መልእኽቲ

የሆዋ “ምስክረይ ኢኹም: . . . ኣነውን ኣምላኽ እየ” ብምባል ሓላፍነትን ዓብዪ ኣጋጣምን ሂቡና ኣሎ። (ኢሳ. 43:12) ንሕና ኣመንቲ ጥራይ ኣይኰንናን። የግዳስ: ነቲ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓል ኣምላኽ ዚርከብ ኣገዳሲ ሓቅታት ንህዝቢ እንነግር መሰኻኽር ኢና። እቲ የሆዋ ኣብዚ ግዜና ኸነብጽሖ ዝመዘዘና መልእኽቲ እንታይ እዩ፧ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ: ከምኡውን ኣብታ መሲሓዊት መንግስቲ ዘተኰረ እዩ።

“ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ”

ቅድሚ ክርስትና ምምስራቱ ነዊሕ ይገብር: የሆዋ ነቲ እሙን ኣብርሃም ብዛዕባ እቲ “ህዝብታት ኵላ ምድሪ” ዚባረኹሉ መሰናድዎ ነገሮ። (ዘፍ. 22:18) ንሰሎሞን እውን ብዛዕባ እቲ ዅሎም ሰባት ዘለዎም መሰረታዊ ሓላፍነት ከምዚ ኢሉ ንኺጽሕፍ ኣለዓዓሎ:- “እዚ ናይ ሰብ ኵለንትና እዩ እሞ: ንኣምላኽ ፍርሃዮ: ንትእዛዛቱውን ሐልዎ።” (መክ. 12:13) እንተዀነ ግን: ኵሎም ህዝብታት ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኸመይ ገይሮም እዮም ዚመሃሩ፧

ኣብ ኵሉ ታሪኽ ወድሰብ: ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚኣምኑ ገለ ሰባት ተሳኢኖም ዘይፈልጡ እኳ እንተ ዀኑ: መጽሓፍ ቅዱስ “ብመዓልቲ ጐይታ” እቲ ብስራት ንዅሎም ኣህዛብ ዚበጽሓሉ ሰፊሕ ዓለምለኻዊ ምስክርነት ከም ዚወሃብ ይሕብር እዩ። እዚ ብ1914 ጀመረ። (ራእ. 1:10) ራእይ 14:6, 7 ብዛዕባ እዚ ግዜ እዚ ኣመልኪታ: ኣብ ትሕቲ ኣላይነት መላእኽቲ “ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” ኪስበኸሎም ምዃኑ ትገልጽ እያ። ንሰባት “እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ: ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ” ዚብል ምሕጽንታ ኺወሃቦም እዩ። እዚ መልእኽቲ እዚ ንኺበጽሕ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ኣብቲ ዕዮ እቲ ናይ ምክፋል ክቡር ኣጋጣሚ ኣሎና።

እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ። የሆዋ “ንስኻትኩም ምስክረይ . . . ኢኹም” ኢሉ እተዛረበ: ጕዳይ ኣምላኽነት ኣብ ክርክር ቀሪቡ ኣብ ዝነበረሉ ዅነታት እዩ ነይሩ። (ኢሳ. 43:10) እቲ ኺመሓላለፍ ዘለዎ መልእኽቲ: ሰባት ሃይማኖት ኪህልዎም ኣለዎ ወይ ኣብ ሓደ ዝዀነ ይኹን ኣምላኽ ኪኣምኑ ኣለዎም ዚብል ኣይኰነን። የግዳስ: እቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ጥራይ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ንኺፈልጡ ኣጋጣሚ ኺወሃቦም ኣለዎ። (ኢሳ. 45:5, 18, 21, 22፣ ዮሃ. 17:3) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ብዛዕባ መጻኢ ዜተኣማምን ትንቢት ኪዛረብ ዚኽእል። እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን እተፈጸመ ቓል የሆዋ: ነቲ ኣብ መጻኢ እተመባጽዖ ዅሉ ነገራት ከም ዚፍጸም ንምትእምማን ብቑዕ መሰረት ከም ዚኸውን ናይ ምሕባር ሓላፍነት ኣሎና።—እያ. 23:14፣ ኢሳ. 55:10, 11

ልክዕ እዩ: ብዙሓት እንምስክረሎም ሰባት: ካልኦት ኣማልኽቲ የምልኹ ወይ ንዋላ ሓደ ኣምላኽ ኣይነምልኽን ኢና ይብሉ እዮም። ሰማዒት እዝኒ ምእንቲ ኽንረክብ: ብሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራት ክንጅምር የድልየና ይኸውን። ካብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 17:22-31 ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣብነት ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ ሜላ እኳ እንተ ተጠቕመ: ኵሎም ሰባት ኣብ ቅድሚ እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ተሓተትቲ ምዃኖም ብንጹር ሓቢሩ እዩ።

ስም ኣምላኽ ከም ዚፍለጥ ምግባር። ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብስሙ ኻብ ምጽዋዕ ድሕር ኣይትበል። የሆዋ ንስሙ ይፈትዎ እዩ። (ዘጸ. 3:15፣ ኢሳ. 42:8) ሰባት ንስሙ ኺፈልጥዎ እዩ ዚደልዮም። ነቲ ግርማዊ ስሙ ኣብ በዅሪ ጽሑፋት 7,000 ሳዕ ከም ዚጥቀስ ገይሩ እዩ። ንሰባት ነዚ ስም እዚ ኸም ዚፈልጡ ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣሎና።—ዘዳ. 4:35

ናይ መጻኢ ህይወት ኵሎም ደቅሰብ: ንየሆዋ ኣብ ምፍላጥን ብእምነት ኣብ ምጽዋዑን እዩ ዚምርኰስ። (ዮኤ. 2:32፣ ሚል. 3:16፣ 2 ተሰ. 1:8) ኰይኑ ግን: ብዙሓት ሰባት ንየሆዋ ኣይፈልጥዎን እዮም። ካብ መንጎ እዚኣቶም ድማ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተገልጸ ኣምላኽ ኢና እነምልኽ ዚብሉ ሓያሎ ሰባት ይርከብዎም። መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ኣለዎም ዜንብብዎ እውን እንተ ዀኑ: ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ ሓያሎ ዘመናዊ ትርጕማት ስለ ዘይኣተወ ኺፈልጥዎ ኣይክእሉን እዮም። ገሊኦም ሰባት ንስም የሆዋ ዝሰምዑሉ እንኮ ኣጋጣሚ: መራሕቲ ሃይማኖቶም ነቲ ስም ከይትጥቀሙሉ ኢሎም ኪነግርዎም ከለዉ ጥራይ እዩ።

ንሰባት ስም ኣምላኽ ከነፍልጦም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ: እንተ ተኻኢሉ ድማ ካብ መጽሓፍ ቅዱሶም ምርኣዮም ዚመስልዎ ውጽኢታዊ መገዲ የልቦን። ኣብ ገሊኡ ብኻልእ ቋንቋታት ዚርከብ ትርጕማት: እዚ ስም እዚ ብኣሽሓት ግዜ ይርከብ እዩ። ኣብ ገሊኡ ኸኣ ኣብ መዝሙር 83:18፣ ዘጸኣት 6:3-6፣ ወይ ኣብ እግረ-ጽሑፍ ዘጸኣት 3:14, 15፣ 6:3 ይርከብ እዩ። ኣብ ሓያሎ ትርጕማት: እቲ በዅሪ ቛንቋ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኪጠቅስ ከሎ: ከም “ጐይታ:” “ኣምላኽ:” ከምኡውን “እግዚኣብሄር” ዚብል መተካእታ ስያመታት: ብፍልይ ዝበለ ኣጸሓሕፋ የስፍሮ እዩ። ዘመናዊ ትርጕማት ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዘይጥቀመሉ ኣጋጣሚ: እንታይ ከም እተገብረ ንኸተርእዮም ዝቐደመ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም የድልየካ ይኸውን። ኣብ ገሊኡ ሃገራት ኣብ ሃይማኖታዊ ማህሌት ወይ ኣብ ህዝባዊ ህንጻታት ኣብ እተጻሕፈ ጽሑፍ ከተመልክቶም ትኽእል ኢኻ።

ነቶም ንኻልኦት ኣማልኽቲ ዜምልኹ እውን እንተ ዀነ: ካብ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኤርምያስ 10:10-13 ብምጥቃስ ብውጽኢታዊ መገዲ ኽትጥቀመላ ትኽእል ኢኻ። እዛ ጥቕሲ እዚኣ ንስም ኣምላኽ ትጠቅስ ጥራይ ዘይኰነትስ: መን ምዃኑ እውን ብንጹር ትገልጽ እያ።

ንስም የሆዋ ኸምቲ ህዝበ-ክርስትያን እትገብሮ: ብድሕሪ እቲ “ኣምላኽ:” “እግዚኣብሄር:” ከምኡውን “ጐይታ” ዚብል ስያመታት ኣይትሕብኣዮ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን: ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ ዝርርብ ንስም የሆዋ ኽንጥቀመሉ ኣሎና ማለት ኣይኰነን። ገሊኦም ሰባት ከይፈለጡ ጽልኢ ስለ ዘሕደሩ: ነቲ ምይይጥ ኬቋርጽዎ ይኽእሉ እዮም። ንዝርርብ ዚኸውን መሰረት ድሕሪ ምንባርካ ግን: ነቲ መለኮታዊ ስም ካብ ምጥቃም ድሕር ኣይትበል።

መጽሓፍ ቅዱስ ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ካብቲ “ጐይታ” ኸምኡውን “ኣምላኽ” ዚብል ስያመታት ብድምር ተጠቒሱ ዚርከበሉ ቦታታት ንላዕሊ ዚጠቕሶ ምዃኑ ኸነስተብህለሉ ዚግባእ እዩ። ኰይኑ ግን: ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምሉእ ሓሳብ ኬጠቓልልዎ ኣይፈተኑን። ብባህርያዊ መገድን ከይተሰከፉን ብኣኽብሮትን እዮም ተጠቒሞምሉ። ነዚ ኣብነት እዚ ምስዓብ ሰናይ እዩ።

እቲ በቲ ስም ዚፍለጥ ኣምላኽ። ኣምላኽ ብሕታዊ ስም ከም ዘለዎ ምፍላጥ ንባዕሉ ኣገዳሲ ሓቂ እኳ እንተ ዀነ: እዚ ግን መጀመርታ ጥራይ እዩ።

ሰባት ንየሆዋ ንኼፍቅርዎን ብእምነት ንኺጽውዕዎን: እንታይ ዓይነት ኣምላኽ ምዃኑ ኺፈልጡ ኣለዎም። የሆዋ ንሙሴ ኣብ ከረን ሲና ስሙ ኼፍልጦ ኸሎ: ነታ “የሆዋ” እትብል ቃል ደጋጊሙ ጠቒሱ ጥራይ ኣይሓደጎን። ናብ ገለ ኻብቲ ጕሉሕ ባህርያቱ ኸም ዜተኵር ገበሮ። (ዘጸ. 34:6, 7) እዚ እውን ንሕና ኽንቀድሖ ዘሎና ኣብነት እዩ።

ንሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ክትምስክር ወይ ኣብታ ጉባኤ መደረ ኽትህብ ከለኻ: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት ኣብ እትዛረበሉ እዋን: እዚ ብዛዕባ እቲ ነዚ መብጽዓታት እዚ ዝኣተወ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚሕብረና ጥቐስ። ንትእዛዛቱ ኽትጠቅስ ከለኻ: ነቲ እዚ ዜንጸባርቖ ጥበብን ፍቕርን ኣጕልሕ። ኣምላኽ ዚሓቶ ብቕዓታት ከም ዘየጸግመና: የግዳስ ንኺጠቕመና ተባሂሉ ኸም እተዳለወ ኣነጽሮ። (ኢሳ. 48:17, 18፣ ሚክ. 6:8) ነፍሲ ወከፍ የሆዋ ሓይሉ ዝገለጸሉ ኣጋጣሚ: ብዛዕባ ባህርያቱን መለክዒታቱን ዕላማታቱን እንታይ ከም ዚገልጽ ሓብር። የሆዋ ንባህርያቱ ኣብ ዜርእየሉ መገዲ ሚዛናዊ ምዃኑ ኣተኵረሉ። ብዛዕባ የሆዋ ዘሎካ ስምዒት ንሰባት ግለጸሎም። ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ: ካልኦት ከምኣ ዓይነት ፍቕሪ ንኼሕድሩ ኸተለዓዕል ትኽእል እያ።

እቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ህጹጽ መልእኽቲ: ኵሎም ሰባት ንኣምላኽ ኪፈርህዎ ዝቐረበ ጻውዒት እዩ። በቲ እንብሎ ነገራት: ሰባት ፍርሃት ኣምላኽ ከም ዚሓድሮም ክንገብር ኣሎና። እዚ ፍርሃት እዚ: ጥዑይ ፍርሃት ኪኸውን ከሎ: ንየሆዋ ዓሚቝ ኣኽብሮት ከም ዘሎና ዜርኢ እዩ። (መዝ. 89:7) የሆዋ ልዕሊ ዅሉ ልዑል ዝዀነ ዳኛ ምዃኑን መጻኢና ሞገሱ ኣብ ምርካብ ከም ዚምርኰስን ምፍላጥ የጠቓልል። (ሉቃ. 12:5፣ ሮሜ 14:12) ስለዚ: ከምዚ ዝኣመሰለ ፍርሃት: ምስቲ ንዕኡ ዘላትና ዓማቝ ፍቕሪ እተኣሳሰረ ኪኸውን ከሎ: በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ንኸነሐጕሶ ሓያል ባህጊ ይሓድረና። (ዘዳ. 10:12, 13) ብዘይካዚ: ፍርሃት ኣምላኽ ክፉእ ዘበለ ንኽንጸልእ: ትእዛዛት ኣምላኽ ንኽንሕሉ: ከምኡውን ብምሉእ ልብና ንኸነገልግሎ ይድርኸና። (ዘዳ. 5:29፣ 1 ዜና 28:9፣ ምሳ. 8:13) ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት እናፈተና ንኣምላኽ ከነገልግል ከይንፍትን ይሕልወና።—1 ዮሃ. 2:15-17

ስም ኣምላኽ—“ጽኑዕ ግምቢ።” ንየሆዋ ብሓቂ ዚፈልጥዎ ሰባት: ብዙሕ ዕቝባ እዮም ዚረኽቡ። ከምዚ ዚረኽቡ: ብሕታዊ ስሙ ስለ ዚጥቀሙ ወይ ገለ ኻብ ባህርያቱ ኺዝርዝሩ ስለ ዚኽእሉ ጥራይ ኣይኰነን። የግዳስ: ኣብ የሆዋ ስለ ዚውከሉ እዮም። ምሳሌ 18:10 ብዛዕባኦም “ስም እግዚኣብሄር ጽኑዕ ግምቢ እዩ: ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ” ትብል።

ንእትረኽቦ ዘበለ ኣጋጣሚታት: ሰባት ኣብ የሆዋ ንኺውከሉ ንምትብባዕ ብግቡእ ተጠቐመሉ። (መዝ. 37:3፣ ምሳ. 3:5, 6) ከምዚ ዝኣመሰለ ትውክልቲ: ኣብ የሆዋን ኣብ መብጽዓታቱን ብዚህልወና እምነት ይንጸባረቕ። (እብ. 11:6) ሰባት: የሆዋ ልዑላዊ ዅሉ ፍጥረት ምዃኑ ብምፍላጦም: መገዱ ብምፍቃሮም: ከምኡውን ካብኡ ጥራይ ናይ ሓቂ ድሕነት ከም ዚመጽእ ብምእማኖም ‘ስሙ ምስ ዚጽውዑ:’ ቃል ኣምላኽ ከም ዜረጋግጸልና: ኪድሕኑ እዮም። (ሮሜ 10:13, 14) ንኻልኦት ክትምህሮም ከለኻ: ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቶም ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ንኺሃንጹ ሓግዞም።

ሓያሎ ሰባት ብዙሕ ብሕታዊ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ መዋጽኦ ኣይረኣዮምን ይኸውን። መገድታት የሆዋ ንኺመሃሩን ኣብኡ ንኺውከሉን ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ንኼውዕልዎን ተማሕጸኖም። (መዝ. 25:5) ሓገዝ ኣምላኽ ንምርካብን ነቲ ዝሃቦም በረኸት ንምምስጋንን ብዕቱብ ኪጽልዩ ኣተባብዓዮም። (ፊል. 4:6, 7) ንየሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኡ እተወሰነ ሓሳባት ኣንቢቦም ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ህይወቶም መብጽዓታቱ ኺፍጸም ከሎ ብተመክሮ ርእዮም ምስ ፈለጥዎ: ነቲ ስም የሆዋ ብሓቂ ዚውክሎ ነገር ብምግንዛብ ዚመጽእ ዕቝባ ኺስምዖም ኪጅምር እዩ።—መዝ. 34:8፣ ኤር. 17:7, 8

ሰባት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ምፍራህን ትእዛዛቱ ምሕላውን ጥበባዊ ምዃኑ ንኺርድኡ: ብእትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ኣጋጣሚታት ሓግዞም።

‘ምስክር የሱስ ምሓዝ’

የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምትንሳኡን ናብ ሰማይ ቅድሚ ምምላሱን ንደቀ መዛሙርቱ: “ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብ. 1:8) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ‘ምስክር የሱስ ሒዞም ኣለዉ።’ (ራእ. 12:17) ነቲ ምስክርነት ኣብ ምሃብ ክሳዕ ክንደይ ኢኻ ብትግሃት እትሳተፍ፧

ኣብ የሱስ ንኣምን ኢና ዚብሉ ብዙሓት ሰባት: ንሱ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ብዛዕባ ዝነበሮ ህይወት ዋላ ሓንቲ ኣይፈልጡን እዮም። ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብሓቂ ሰብ ምንባሩ እውን ኣየስተውዕሉን እዮም። ወዲ ኣምላኽ ተባሂሉ ምጽዋዑ እንታይ ማለት ምዃኑ ኣይርድኦምን እዩ። ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ብዛዕባ ዘለዎ ግደ ብዙሕ ኣይፈልጡን እዮም። ሕጂ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ኣይፈልጡን: ህይወቶም በቲ ኣብ መጻኢ ዚገብሮ ብኸመይ ከም ዚትንከፍ እውን ኣየስተውዕሉን እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ የሱስ ኣይኣምኑን እዮም ዚብል ግጉይ እምነት እውን ይህልዎም ይኸውን። ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ እቲ ሓቂ ንኸነፍልጦም ሓላፍነት ኣሎና።

ገሊኦም ድማ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ የሱስ ብሓቂ ብህይወት ምንባሩ ኣይኣምኑሉን እዮም። ገሊኦም ንየሱስ ከም ሓደ ዓብዪ ሰብ ጥራይ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ብዙሓት ሰባት: ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምንባሩ ኣይቅበልዎን እዮም። ኣብ መንጎ ኸምዚ ዝኣመሰሉ ሰባት: “ምስክር የሱስ” ምሓዝ: ዝያዳ ጻዕርን ዓቕልን ሜላን ይሓትት።

ኣረኣእያ ሰማዕትኻ ብዘየገድስ: ካብቲ ኣምላኽ ዘሰናደዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪጥቀሙ እንተ ዀይኖም: ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ኪፈልጡ ኣለዎም። (ዮሃንስ 17:3) ህያው ዘበለ ዅሉ “የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን:” ንስልጣኑ ኸኣ ኪግዛእ ከም ዘለዎ ኣምላኽ ብንጹር ገሊጹ እዩ። (ፊል. 2:9-11) ስለዚ: ሓያል ግን ከኣ ግጉይ ኣረኣእያ ዘለዎም ወይ ብድብድቡ ጽልኢ ዘለዎም ሰባት ኣብ ዜጋጠሙና እዋን: ነዚ ጕዳይ እዚ ዕሽሽ ክንብሎ ኣይንኽእል ኢና። ኣብ ገሊኡ መዳያት ኣብ መጀመርታ ምብጻሕ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ብቐሊሉ ኽንዛረብ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና: ኣብ ገሊኡ ግን ሰማዕትና ብዛዕባኡ ቕኑዕ ኣተሓሳስባ ንኺህልዎም ዚሕግዝ ሓሳባት ብጥንቃቐ ኽንዛረብ የድልየና እዩ። ኣብ መጻኢ ኣብ እንገብሮ ምብጻሓት ከኣ ብዛዕባ እዚ ርእሰ ነገር ተወሳኺ ነጥብታት እነጠቓልለሉ መገድታት ክንሓስብ የድልየና ይኸውን። ይኹን እምበር: ምስ ሓደ ሰብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ክሳዕ ዘይጀመርና: ንዅሉ እቲ ምስዚ ዚተኣሳሰር ጕዳይ ክንመያየጠሉ ኣይንኽእልን ንኸውን።—1 ጢሞ. 2:3-7

የሱስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ኣገዳሲ ቦታ። የሱስ “መገዲ” ስለ ዝዀነን ‘ብዘይ ብእኡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ ስለ ዘየልቦን:’ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እምነት ከይሃለወና ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ክንምስርት ከም ዘይንኽእል ንሰባት ከነረድኦም ኣሎና። (ዮሃ. 14:6) ሓደ ሰብ ነቲ የሆዋ ንበዅሪ ወዱ ዝሃቦ ኣገዳሲ ግደ ኽሳዕ ዘየስተውዓለ: መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኦ ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ኣብ ምፍጻም ዕላማኡ ንወዱ ኣገዳሲ ቦታ ሂብዎ ኣሎ። (ቈሎ. 1:17-20) ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ እዩ ዜተኵር። (ራእ. 19:10) ኵሉ እቲ ብዕልወት ሰይጣንን ብሓጢኣት ኣዳምን ዝመጸ ጸገማት: ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ እዩ ፍታሕ ዚረክብ።—እብ. 2:5-9, 14, 15

ሓደ ሰብ ነቲ ክርስቶስ ዘለዎ ግደ ንኺርድኦ: ሰባት ብገዛእ ርእሶም ሓራ ኺወጹ ኣብ ዘይኽእሉሉ ዜሕዝን ኵነታት ከም ዘለዉ ኺፈልጥ ኣለዎ። ኵላትና ብሓጢኣት ኢና ተወሊድና። እዚ ኣብ ህይወትና ብእተፈላለየ መገዲ ኺጸልወና ይኽእል እዩ። ውዒሉ ሓዲሩ ኸኣ ሞት ምስዓቡ ዘይተርፍ እዩ። (ሮሜ 3:23፣ 5:12) ነቶም እትምስክረሎም ሰባት ነዚ ጭቡጥ ሓቂ እዚ ኣረድኣዮም። ድሕሪኡ: የሆዋ ብመስዋእታዊ በጃ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ነቶም ኣብቲ መሰናድዎ እምነት ዜርእዩ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ዜድሕነሉ ፍቕራዊ ኣጋጣሚ ኸፊቱ ምህላዉ ሓብር። (ማር. 10:45፣ እብ. 2:9) እዚ ነቶም እምነት ዜርእዩ ሰባት ፍጹማት ኰይኖም ንዘለኣለም ኪነብሩ መገዲ ዚኸፍተሎም እዩ። (ዮሃ. 3:16, 36) ብዝዀነ ይኹን ካልእ መገዲ ኺግበር ኣይከኣልን እዩ። (ግብ. 4:12) መምህር ከም ምዃንካ መጠን: ንሰባት ብውልቂ ኸተዘራርብ ከለኻ ዀነ ኣብታ ጉባኤ ንብዙሓት ሰባት መደረ ኸተቕርብ ከለኻ: ነቲ ሓቅታት ጥራይ ጠቒስካ ኣይትሕለፍ። የግዳስ ብሕያውነትን ብትዕግስትን: ሰማዕትኻ ነቲ ክርስቶስ ከም መድሓኒ መጠን ዘለዎ ግደ ምስጋና ኸም ዚሓድሮም ግበር። ነዚ መሰናድዎ እዚ ዘሎና ሞሳ: ኣብ ኣረኣእያን ኣካይዳን ሸቶታትን ሓደ ሰብ ዓሚቝ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።—2 ቈረ. 5:14, 15

ልክዕ እዩ: የሱስ ሓንሳእ ጥራይ እዩ ህይወቱ ሰዊኡ። (እብ. 9:28) ይኹን እምበር: ሕጂ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ ብንጥፈት የገልግል ኣሎ። እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ ንኻልኦት ኣረድኣዮም። ብሰሪ እቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ሰባት ዚገብርዎ ሕሱም ተግባራት: ውጥረት: ጓሂ: ስቓይ: ወይ ጸገም ይስምዖም ድዩ፧ የሱስ ሰብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን: ነዚ ዅሉ ኣሕሊፉ እዩ። ከመይ ከም ዚስምዓና ይፈልጥ እዩ። ዘይፍጹማት ብምዃንና ምሕረት ኣምላኽ ከም ዜድልየና ይስምዓና ድዩ፧ ኣምላኽ ብመሰረት መስዋእቲ የሱስ ይቕረ ኺብለልና እንተ ጸሊና: የሱስ “ጠበቓ ኣብ ኣቦ” ዀይኑ እዩ ዜገልግለና ዘሎ። ብድንጋጽ ‘ምእንታና ይልምን’ ኣሎ። (1 ዮሃ. 2:1, 2፣ ሮሜ 8:34) ብመሰረት መስዋእቲ የሱስን ብመሰረት እቲ ኸም ሊቀ ኻህናት መጠን ዚህበና ኣገልግሎትን: ናብ “ዝፋን ጸጋ” የሆዋ ብምቕራብ ብግዜ ጸበባ ሓገዝ ንረክብ ኢና። (እብ. 4:15, 16) ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና: እቲ የሱስ ከም ሊቀ ኻህናት መጠን ዚህበና ሓገዝ: ንኣምላኽ ብንጹህ ሕልና ንኸነገልግሎ የኽእለና።—እብ. 9:13, 14

ብዘይካዚ: የሱስ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኪኸውን ኣምላኽ ስለ ዝሸሞ: ዓብዪ ስልጣን እዩ ዘለዎ። (ማቴ. 28:18፣ ኤፌ. 1:22, 23) በዚ ኣቢሉ ድማ: ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብምስምማዕ መምርሒ ይህብ። ንኻልኦት ክትምህር ከለኻ: ርእሲ እታ ጉባኤ የሱስ ክርስቶስ ደኣ እምበር ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘይኰነ ኣረድኣዮም። (ማቴ. 23:10) ካብቲ ምስ ተገደስቲ ሰባት ንፈለማ ግዜ እትራኸበሉ ግዜ ኣትሒዝካ: ናብቲ በቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዘዳለዎ ጽሑፋት ጌርና ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ጉባኤ መጽሓፍ ቅዱስ እነጽንዓሉ ኣኼባታት ዓድሞም። ንርእስነት የሱስ ምእንቲ ኺፈልጥዎ: እቲ “ባርያ” መን ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ጐይታ መን ምዃኑ እውን ግለጸሎም። (ማቴ. 24:45-47) ምስ ሽማግለታት ኣላልዮም: ነቲ እቶም ሽማግለታት ኬማልእዎ ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት እውን ግለጸሎም። (1 ጢሞ. 3:1-7፣ ቲቶ. 1:5-9) እታ ጉባኤ ናይቶም ሽማግለታት ከም ዘይኰነት: የግዳስ እቶም ሽማግለታት ኣሰር የሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ ዚሕግዙና ምዃኖም ሓብር። (ግብ. 20:28፣ ኤፌ. 4:16፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3) ነቶም ተገደስቲ: ኣብ ትሕቲ ርእስነት ክርስቶስ ዚሰርሕ እተወደበ ዓለምለኻዊ ማሕበር ከም ዘሎ ንኺግንዘቡ ሓግዞም።

የሱስ ቀቅድሚ ሞቱ ናብ የሩሳሌም ምስ ከደ: ደቀ መዛሙርቱ “ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ” ኢሎም ከም ዝጸውዕዎ ወንጌላት ይነግረና። (ሉቃ. 19:38) ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዕምቈት እናኣጽንዑ ብዝኸዱ መጠን: የሆዋ ንዅሎም ኣህዛብ ዚትንክፍ ናይ ምግዛእ ስልጣን ከም ዝሃቦ ይመሃሩ እዮም። (ዳን. 7:13, 14) ኣብታ ጉባኤ መደረ ኽትህብ ወይ መጽናዕቲ ኽትመርሕ ከለኻ: ግዝኣት የሱስ ንዓና እንታይ ማለት ምዃኑ ሰባት ንኺርድእዎን ንኼማስዉሉን ሓግዞም።

የሱስ ክርስቶስ ንጉስ ምዃኑ ብሓቂ እንተ ኣሚንናን ንግዝኣቱ ኽንቅበል ፍቓደኛታት እንተ ዄንናን: ብኣነባብራና ኸም ዚርአ ኣጕልሕ። የሱስ ንጉስ ኪኸውን ምስ ተቐብአ: ንሰዓብቱ ኺዓይዎ ዝሃቦም ዕዮ ኣጕልሕ። (ማቴ. 24:14፣ 28:18-20) እቲ ግሩም መካር ዝዀነ የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወት ቀዳምነት ኪወሃቦ ዘለዎ ነገር እንታይ ከም ዝበለ ግለጽ። (ኢሳ. 9:6, 7፣ ማቴ. 6:19-34) እቲ መስፍን ሰላም ብዛዕባ እቲ እቶም ሰዓብቱ ዘበሉ ዜንጸባርቕዎ መንፈስ እንታይ ከም ዝበለ ኣተኵረሉ። (ማቴ. 20:25-27፣ ዮሃ. 13:35) ካልኦት ሰባት ዚከኣሎም ይገብሩ እንተ ኣልዮም: ክትፈርድ ከይትፍትን ተጠንቀቕ: የግዳስ ተግባራቶም ብዛዕባ እቲ ንንግስነት ክርስቶስ ዘለዎም ተገዛእነት እንታይ ከም ዚሕብር ንኺሓስቡሉ ኣተባብዓዮም። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ: ንስኻ እውን ተመሳሳሊ ኽትገብር ከም ዜድልየካ ኣፍልጦ ሃበሉ።

ኣብ ክርስቶስ መሰረት ምስራት። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ክርስትያን ወደ መዝሙር ናይ ምግባር ዕዮ: ኣብቲ መሰረት ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ምስ ምህናጽ የመሳስሎ እዩ። (1 ቈረ. 3:10-15) ነዚ ንምፍጻም: ሰባት ንየሱስ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ገይሮም ንኺፈልጥዎ ሓግዞም። ንዓኻ ይስዕቡኻ ኸም ዘለዉ ገይሮም ከይሓስቡ ተጠንቀቕ። (1 ቈረ. 3:4-7) ናብ የሱስ ክርስቶስ ከም ዜቕልቡ ግበሮም።

እቲ መሰረት ብግቡእ እንተ ተሰሪቱ: ክርስቶስ ‘ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ’ ኣርኣያ ኸም ዝሓደገልና ኺርድኡ እዮም። (1 ጴጥ. 2:21) ኣብኡ ንምህናጽ: ተመሃሮ ነቲ ወንጌላት ከም ሓደ ሓቅነት ዘለዎ ታሪኽ ጥራይ ዘይኰነስ: ኪስዕብዎ ዘለዎም ኣብነት ገይሮም እናረኣዩ ኼንብብዎ ኣተባብዓዮም። ነቲ የሱስ ዝነበሮ ኣረኣእያታትን ባህርያትን ኣብ ልቦም ኬሕድርዎ ሓግዞም። የሱስ ብዛዕባ ኣቦኡ ኸመይ ከም እተሰምዖ: ፈተናታት ብኸመይ ከም ዝሰገረ: ንኣምላኽ ብኸመይ ተገዛእነት ከም ዘርኣየ: ከምኡውን ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ዅነታት ምስ ሰባት ከመይ ዝኣመሰለ ርክብ ከም ዝነበሮ ንኺዕዘቡ ኣተባብዓዮም። ነቲ የሱስ ኣብ ምሉእ ህይወቱ ዚዓዮ ዝነበረ ንጥፈታት ኣጕልሓዮ። ድሕሪኡ: ሓደ ተመሃራይ ኣብ ህይወቱ ውሳነ ኺገብር ምስ ደለየ ወይ ፈተና ምስ ኣጋጠሞ: ንርእሱ ‘የሱስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት እንታይ ምገበረ፧ ተግባራተይ ነቲ ንሱ ዝገበረለይ ግቡእ ሞሳ ኸም ዘሎኒ የርኢ ድዩ፧’ ኢሉ ኺሓትት እዩ።

ኣብ ቅድሚ እታ ጉባኤ መደረ ኸተቕርብ ከለኻ: ኣሕዋት ድሮ ኣብ የሱስ እምነት ስለ ዘለዎም: ናብኡ ብዙሕ ምትኳር ኣድላዪ ኸም ዘይኰነ ጌርካ ኣይትርኣዮ። ኣብቲ እምነት እቲ እንተ ሃኒጽካ: እቲ እትብሎ ዝያዳ ትርጕም ኪህልዎ እዩ። ብዛዕባ ኣኼባታት ክትዛረብ ከለኻ: ነዚ ምስቲ የሱስ ከም ርእሲ እታ ጉባኤ መጠን ዘለዎ ግደ ኣተሓሕዞ። ብዛዕባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትገልጽ ከለኻ: የሱስ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ከሎ ዘርኣዮ መንፈስ ኣተኵረሉ። ሰባት ድሒኖም ናብታ ሓዳስ ዓለም ንኺኣትዉ: ክርስቶስ ከም ንጉስ መጠን ኣብ ዚገብሮ ዘሎ ነገራት ተመርኲስካ ነቲ ኣገልግሎት ኣብርሃዮ።

ብዛዕባ የሱስ መሰረታዊ ሓቅታት ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ ኸም ዜድሊ ፍሉጥ እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያን ንምዃን: ሰባት ኣብኡ እምነት ኬርእዩን ብሓቂ ኼፍቅርዎን ኣለዎም። ከምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ብተኣማንነት ንኺእዘዙ ትድርኾም። (ዮሃ. 14:15, 21) ብዘይካዚ: ኣብ ትሕቲ ጸበባ ንኺጸንዑ: ኣብ ኵሉ መዓልትታት ህይወቶም ኣሰር ክርስቶስ ንኺስዕቡ: ‘ሱር ዝሰደዱን እተሰረቱን’ ብሱላት ክርስትያናት ምዃኖም ንኼመስክሩ ተኽእሎም። (ኤፌ. 3:17) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣካይዳ: ነቲ ኣምላኽን ኣቦን የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ የሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ።

“እዚ ወንጌል መንግስቲ”

የሱስ ብዛዕባ ምልክት ህላወኡን መወዳእታ እዚ ስርዓት እዝን ዝርዝር ነገራት ኪጠቅስ ከሎ: “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ኢሉ ተነበየ።—ማቴ. 24:14

እዚ ሰፊሕ ምስክርነት ዚወሃበሉ መልእኽቲ ብልክዕ እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እታ የሱስ “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢልና ናብ ኣምላኽ ክንጽልየላ ዝመሃረና መንግስቲ ዚወሃብ ምስክርነት እዩ። (ማቴ. 6:10) እቲ ስልጣን ካብ የሆዋ ዚምንጭ ኰይኑ: ክርስቶስ ንጉስ ኪኸውን ስለ ዚወሃቦ: ራእይ 11:15 “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን [የሆዋ] ናይቲ ቕቡኡን [ክርስቶስ]” ምዃና ገሊጻ ኣላ። ይኹን እምበር: እቲ የሱስ ኣብዚ ግዜና ኺስበኽ ምዃኑ ዝገለጾ መልእኽቲ ኻብቲ ሰዓብቱ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝሰበኽዎ ዝሰፍሐ ምዃኑ ኣስተብህል። ንሳቶም “መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ አላ” ኢሎም ይሰብኩ ነበሩ። (ሉቃ. 10:9) እቲ ንጉስ ኪኸውን እተቐብአ የሱስ: ኣብ መንጎኦም እዩ ነይሩ። ኣብ ማቴዎስ 24:14 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ ግን: የሱስ ንምፍጻም ዕላማ ኣምላኽ ኣገዳሲ ዝዀነ ኻልእ ፍጻመታት ኣብ ብዘላ ዓለም ከም ዚስበኽ ተነብዩ ኣሎ።

ነብዪ ዳንኤል ብዛዕባ እዚ ፍጻመታት እዚ ራእይ ርእዩ ነበረ። “ወዲ ሰብ ዚመስል:” ማለት የሱስ ክርስቶስ: ናብ ሓደ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ:” ማለት የሆዋ ኣምላኽ ቀረበ: “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ: ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ።” (ዳን. 7:13, 14) እቲ ኣብ ምሉእ ዩኒቨርስ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገር ብ1914 ኣብ ሰማይ ተፈጸመ። ድሕሪኡ: ድያብሎስን ኣጋንንቱን ናብ ምድሪ ተደርበዩ። (ራእ. 12:7-10) እቲ ኣረጊት ስርዓት ድማ ናይ መወዳእታ መዓልትታቱ ጀመረ። ኰይኑ ግን: እቲ ኣረጊት ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምውጋዱ: ሕጂ የሆዋ ዘንገሶ መሲሓዊ ንጉስ ካብቲ ኣብ ሰማይ ዚርከብ ዝፋን ከም ዚገዝእ ዓለምለኻዊ ስብከት ኪካየድ ነበሮ። ኣብ ኵሉ ዚርከቡ ሰባት ከኣ ይንገሮም ኣሎ። እቲ ዚህብዎ ምላሽ: ነቲ ኣብ ልዕሊ “መንግስቲ ሰብ” ካብ ኵሉ ንላዕሊ ልዑል ዝዀነ ገዛኢ ዘለዎም ኣረኣእያ ይሕብር።—ዳን. 4:32

ሓቂ እዩ: ገና ብዙሕ ዚፍጸም ነገራት ኣሎ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ: “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢልና ንጽሊ ኢና፣ ኰይኑ ግን: መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ ኽትምስረት እያ ኢልና ስለ እንሓስብ ኣይኰነን። የግዳስ: እታ ሰማያዊት መንግስቲ ነቲ ንኸም ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 21:2-4 ዝኣመሰለ ትንቢታት ንምፍጻም ወሳኒ ስጕምቲ ኽትወስድ ምዃና ኻብ ዘሎና ሓሳብ እዩ። ንምድሪ ናብ ገነት ብምቕያር: ንኣምላኽን ንብጻዮምን ብዜፍቅሩ ሰባት ክትምላእ እያ። “እዚ ወንጌል መንግስቲ” ኽንሰብኽ ከለና: ናብዚ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ነገራት ኢና እነመልክት። የሆዋ ንወዱ ምሉእ ስልጣን ከም ዝሃቦ እውን ብምትእምማን ነፍልጥ ኢና። ብዛዕባ እታ መንግስቲ ኽትምስክር ከለኻ ነዚ ወንጌል ወይ ብስራት ተጕልሕ ዲኻ፧

ነታ መንግስቲ ምግላጻ። ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጅ እተዋህበና መዝነት ብኸመይ ክንፍጽም ንኽእል፧ ኣብ እተፈላለየ ርእሰ ነገር ተመርኲስና ዝርርባት ብምጅማር ተገዳስነት ከነለዓዕል ንኽእል ኢና። መልእኽትና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ንጹር ኪኸውን ኣለዎ።

ነዛ መንግስቲ እዚኣ ዚምልከት ጥቕስታት ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምንባብ ወይ ምጥቃስ: ኣገዳሲ መዳይ እዚ ዕዮ እዩ። ነታ መንግስቲ ኽትጠቕሳ ኸለኻ: እቶም እትዛረቦም ዘለኻ ሰባት እንታይነታ ኸም ዚርድእዎ ግበር። መንግስቲ ኣምላኽ: ከም ካልኦት መንግስትታት ብስርዓት ዝቘመት መንግስቲ እያ ምባል ጥራይ እኹል ከይኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት ንሓንቲ ዘይትርአ ነገር ከም መንግስቲ ገይሮም ምርኣይ የጸግሞም እዩ። ብእተፈላለየ መገዲ ጌርካ ኸተረድኦም ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ስሕበት ኣይርአን እዩ: ኣብ ህይወትና ግን ሓያል ጽልዋ ኣለዎ። ነቲ ንሕጊ ስሕበት ዝገበሮ ኣካል ክንርእዮ ኣይንኽእልን ኢና: ዓብዪ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ግን ርዱእ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንዕኡ “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ይብሎ። (1 ጢሞ. 1:17) ወይ ከኣ ነዚ ዚስዕብ መረዳእታ ኸተቕርብ ትኽእል ኢኻ:- ኣብ ሓንቲ ዓባይ ሃገር ብዙሓት ሰባት ናብ ርእሲ ኸተማ ኸይዶም ወይ ንገዛኢኦም ብኣካል ርእዮምዎ ኣይፈልጡን እዮም። ነዚ በቲ ኣብ ዜና ዚቐርብ ጸብጻባት እዮም ዚፈልጥዎ። ብተመሳሳሊ: እቲ ብልዕሊ 2,200 ቋንቋታት እተሓትመ መጽሓፍ ቅዱስ: ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይነግረና፣ መን ስልጣን ከም እተዋህቦን እታ መንግስቲ እንታይ ትገብር ከም ዘላን የፍልጠና። እታ ኻብ ዝዀነ ይኹን በብእዋኑ ዚወጽእ ጽሑፋት ብብዝሒ እትሕተመሉ ቛንቋታት ቀዳምነት ዘለዋ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ: ከምቲ ኣብቲ ገበራ ተገሊጹ ዘሎ “መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ” እያ።

እታ መንግስቲ እንታይ ምዃና ንሰባት ንምርዳእ: ነቲ ንሳቶም ካብ መንግስትታት ኪግበረሎም ዚደልይዎ ነገራት ክትጠቅስ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት: ቍጠባዊ ውሕስነት: ሰላም: ምጥፋእ ገበን: ንዅሎም ጕጅለታት ቀቢላ ኣድልዎ ዘይብሉ ኣተሓሕዛ: ትምህርቲ: ከምኡውን ክንክን ጥዕና ኽትጠቅስ ትኽእል ኢኻ። እዚ ነገራት እዝን ኵሉ ኻልእ ጥዑይ ባህግታት ደቅሰብን ብመንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ኣቢሉ ኸም ዚማላእ ግለጽ።—መዝ. 145:16

ሰባት ነታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ መንግስቲ ተገዛእታ ኪዀኑ ባህጊ ኸተሕድረሎም ጽዓር። እቲ ንመርኣዪ ኪኸውን ዝፈጸሞ ተኣምራት: ሰማያዊ ንጉስ ምስ ኰነ እንታይ ከም ዚገብር ዚሕብር ምዃኑ ግለጽ። ብዛዕባ እቲ ንሱ ዘርኣዮ ዚስሕብ ባህርያት ብዙሕ ሳዕ ተዛረብ። (ማቴ. 8:2, 3፣ 11:28-30) ህይወቱ ኣብ ክንዳና ኣሕሊፉ ኸም ዝሃበን: ድሕሪኡ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዘይትመውት ህይወት ብምሃብ ከም ዘተንሰኦን ግለጽ። ኣብ ሰማይ ተቐሚጡ ኸኣ እዩ ንጉስ ኰይኑ ዚገዝእ።—ግብ. 2:29-35

መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ትገዝእ ከም ዘላ ኣጕልሕ። ይኹን እምበር: መብዛሕትኦም ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ግዝኣት ኪህልዎ ዚጽበይዎ ዅነታት ይርእዩ ኸም ዘየለዉ ኣስተውዕል። ነዚ ኣፍልጦ ሃበሉ: ነቲ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እዚ ኸም መርትዖ ገይሩ ዝሃቦ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥዎ እንተ ዀይኖም ሕተቶም። ገለ ኻብቲ ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 24: ማርቆስ ምዕራፍ 13: ወይ ሉቃስ ምዕራፍ 21 ዚርከብ ሓያሎ ትእምርትታት ግለጽ። ድሕሪኡ: ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ምንጋሱ: ኣብ ምድሪ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዚመርሕ ስለምንታይ ምዃኑ ሕተት። ናብቲ ኣብ ራእይ 12:7-10, 12 ዘሎ ኸም ዜተኵሩ ግበር።

መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እትገብሮ ዘላ ጭቡጥ ነገር ንምሕባር ከኣ: ማቴዎስ 24:14 ኣንብብ እሞ: ነቲ ሕጂ ዚፍጸም ዘሎ ዓለምለኻዊ መደብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግለጽ። (ኢሳ. 54:13) ንሰባት ብዛዕባ እቲ ብምሉኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተን ብዘይ ክፍሊት ዚወሃብን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚጥቀሙሉ እተፈላለየ ኣብያተ-ትምህርቲ ንገሮም። ብዘይካ እቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ኣገልግሎት: ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ንእተፈላለዩ ውልቀ-ሰባትን ስድራቤታትን ኣብ ቤቶም ዚግበር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ናጻ ኣስተምህሮ ኸም ዚወሃብ ግለጽ። ንተገዛእታ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚርከቡ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ሰፊሕ ትምህርታዊ መደብ እተቕርብ ኣየነይቲ ሰብኣዊ መንግስቲ እያ፧ ንሰባት ናብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪመጹ: ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዓበይቲ ኣኼባታት ኪእከቡ: እዚ ትምህርቲ እዚ ንህይወት ሰባት ብኸመይ ይጸልዎ ኸም ዘሎ ባዕሎም ኪርእዩ ዓድሞም።—ኢሳ. 2:2-4፣ 32:1, 17፣ ዮሃ. 13:35

ኰይኑ ግን: እቲ ብዓል ቤት ህይወቱ ብኸመይ ከም ዚትንከፍ ኬስተውዕል ድዩ፧ ዕላማ ምብጻሕካ: ብዛዕባ እቲ ዅሎም ሰባት ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምዃን ዚርከብ ህይወት ንምምራጽ እተኸፍተሎም ኣጋጣሚ ንምምይያጥ ምዃኑ ብሜላ ኽትሕብሮ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ እዮም ነዚ ዚመርጹ፧ ነቲ ኣምላኽ ኬማልእዎ ዚሓቶም ብምፍላጥን ሕጂ ምስኡ ተሰማሚዕካ ብምንባርን እዩ።—ዘዳ. 30:19, 20፣ ራእ. 22:17

ካልኦት ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ኪህብዋ ምሕጋዞም። ሓደ ሰብ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ምቕባሉ እውን እንተ ዀነ: ኪገብሮ ዘለዎ ውሳነታት ኣሎ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ እንታይ ቦታ እዩ ዚህባ፧ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ . . . ድለዩ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ማቴ. 6:33) ንክርስትያናት ብጾትና ኸምኡ ንኺገብሩ ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ባዕልና ሰናይ ኣብነት ብምዃንን ኣብ እንረኽቦ ኣጋጣሚታት ከኣ ብምምይያጥን ንሕግዞም። ሓድሓደ ግዜ: ሓደ ሰብ ንገሊኡ ኣጋጣሚታት ሓሲቡሉ እንተ ዀይኑ ብምሕታትን ካልኦት እንታይ ይገብሩ ኸም ዘለዉ ዜርኢ ተመክሮታት ብምክፋልን ኪሕገዝ ይከኣል እዩ። ንሓደ ሰብ ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕሪ ኼዕምቝ ብዜኽእል መገዲ ንጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምይያጥ እውን ምሕጋዙ ይከኣል እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ብሓቂ ጋህዲ ምዃና ብምጕላሕ ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዕዮ ምዃኑ ብምጕላሕ እውን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ንሰባት እንታይ ኪገብሩ ኸም ዜድልዮም ኣብ ክንዲ እንነግሮም: ነቲ ነገር ንኺገብርዎ ባህጎም ብምልዕዓል ኢና እንሕግዞም።

ኵልና ኽንእውጆ ዘሎና ኣገዳሲ መልእኽቲ ብቐዳምነት ኣብ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን መንግስቲ ኣምላኽን ኬተኵር ከም ዘለዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እቲ ብዛዕባ እዚ ዚገልጽ ኣገዳሲ ሓቅታት ኣብ ህዝባዊ ምስክርነትና: ኣብ ጉባኤታትና: ከምኡውን ኣብ ብሕታዊ ህይወትና ኺጐልሕ ኣለዎ። ከምኡ ኽንገብር ከለና: ብሓቂ ኻብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ንጥቀም ከም ዘሎና ነርኢ።

ኵሎም ሰባት ነዚ ዚስዕብ ኪሰምዑ የድልዮም:-

  • የሆዋ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ምዃኑ።

  • የሆዋ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ።

  • የሆዋ ሓለፍ ዝበለ ፍቕሪ: ብሉጽ ጥበብ: ምሉእ ፍትሒ: ከምኡውን ኵሉ ዚኽእል ሓይሊ ዘለዎ ኣምላኽ ምዃኑ።

  • ንሕና በቲ እንገብሮ ነገራት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓተትቲ ምዃንና።

ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ . . .

  • ንዕኡ ብዘላትና ፍቕሪ ተደሪኽና እንገብሮ ኪኸውን ኣለዎ።

  • ካብ ምሉእ ልብና ደኣ እምበር: ኣብ ዓለም ዘሎ ነገራት እውን ካብ ዚፈቱ ልቢ ኺምንጩ የብሉን።

  • ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ምግባር ክሳዕ ክንደይ ኣኽቢርና ኸም እንርእዮ ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ።

ሰባት ነዚ ዚስዕብ ኪርድኡ ሓግዞም:-

  • ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎም ዚኽእል: ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ጥራይ ምዃኑ።

  • ካብ ሓጢኣትን ሞትን ኪድሕኑ ዚኽእሉ: ኣብ የሱስ ክርስቶስ ብምእማን ጥራይ ምዃኑ።

  • ኵሎም ንየሱስ ጐይታ ኢሎም ብምጽዋዕ ጥራይ ዘይኰነስ: ትእዛዛቱ ብምሕላው ጐይታ ምዃኑ ኣፍልጦ ኺህቡ ፍቓድ ኣምላኽ ምዃኑ።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ዚብሎ ሓቂ ምዃኑ: መብዛሕትኡ ህዝበ-ክርስትያን እትምህሮ ግን ነቲ ሓቅታት ዚጠውዮ ምዃኑ።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:-

  • የሱስ ክርስቶስ ርእሲ እታ ጉባኤ ኸም ምዃኑ መጠን ዘለዎ ግደ ብንጹር ከም ዘስተውዕሎ አርኢ ድየ፧

  • ንመስዋእቲ ክርስቶስ ዘሎኒ ሞሳ ኣብ ህይወተይ ሓያል ድራኸ ኣለዎ ድዩ፧

  • ተግባራተይን ኣረኣእያታተይን ምስቲ ወዲ ኣምላኽ ዝሓደጎ ኣብነት ብዝያዳ ኸሰማምዖ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ንሰባት ነዚ ዚስዕብ ንገሮም:-

  • ሕጂ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማያት ትገዝእ ከም ዘላ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ከኣ ንሰብኣዊ ግዝኣት ክትትክኦ ምዃና።

  • መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ቀዪራ: ንኣምላኽን ንብጻዮምን ብዜፍቅሩ ሰባት ክትመልኣ ምዃና።

  • እቲ ጥዑይ ባህግታት ኵሎም ሰባት ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ጥራይ ዚማላእ ምዃኑ።

  • ሕጂ ብእንገብሮ ነገር: ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንከውን ንደሊ እንተ ዄንና እነርኢ ምዃንና።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:-

  • ኣነባብራይ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ከም ዝህብ የርኢ ድዩ፧

  • ነዚ ብዝያዳ ምእንቲ ኽገብሮ ገለ ምትዕርራያት ክገብር እኽእልዶ፧

  • ካልኦት ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ኪደልዩ ባህጊ ንኺሓድሮም እንታይ ክገብር እኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ