ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ
1. ሃይማኖት
ሀ. ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ እያ ዘላ
ሓንቲ ተስፋ: ሓንቲ እምነት: ሓንቲ ጥምቀት። ኤፌ 4:5, 13
ኣባላታ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ተመዘዙ። ማቴ 28:19፣ ግብ 8:12፣ 14:21
ብፍሪኣ ትልለ። ማቴ 7:19, 20፣ ሉቃ 6:43, 44፣ ዮሃ 15:8
ኣብ መንጎ ኣባላታ ፍቕርን ስኒትን ኣሎ። ዮሃ 13:35፣ 1 ቈረ 1:10፣ 1 ዮሃ 4:20
ለ. ናይ ሓሶት ሰረተ -እምነት እተዀነነ እዩ
የሱስ ንናይ ሓሶት ሰረተ-እምነት ኰኒንዎ። ማቴ 23:15, 23, 24፣ 15:4-9
ከምዚ ዝገበረ ነቶም ዝዓወሩ ንኼዕቍቦም ኢሉ እዩ። ማቴ 15:14
ሓቂ ሓራ ኣውጺኣ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ትገብሮም። ዮሃ 8:31, 32
ሐ. ሓደ ሰብ ሃይማኖቱ ጌጋ ምዃና እንተ ኣረጋጊጹ: ኪቕይር ኣለዎ
ሓቂ ሓራ ተውጽእ፣ ብዙሓት ኣብ ጌጋ ኸም ዘለዉ ተረጋግጽ። ዮሃ 8:31, 32
እስራኤላውያንን ካልኦትን ቅድም ዝነበሮም ኣምልኾ ሓደጉ። እያ 24:15፣ 2 ነገ 5:17
ቀዳሞት ክርስትያናት ኣረኣእያኦም ቀየሩ። ገላ 1:13, 14፣ ግብ 3:17, 19
ጳውሎስ ሃይማኖቱ ቐየረ። ግብ 26:4-6
ብዘላ ዓለም ስሒታ ኣላ፣ ሓሳብና ኽንሕድስ ኣሎና። ራእ 12:9፣ ሮሜ 12:2
መ. “ኣብ ኵሉ ሃይማኖታት ጽቡቕ ” ዚመስል እኳ እንተሎ: ስምረት ኣምላኽ ኣየረጋግጽን
ኣምላኽ ብኸመይ ከነምልኾ ኸም ዘሎና መምርሒ ሂቡና። ዮሃ 4:23, 24፣ ያእ 1:27
ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዘይሰማማዕ እንተደኣ ዀይኑ: ጽቡቕ ኣይኰነን። ሮሜ 10:2, 3
“ሰናይ ተግባራት” ተቐባልነት ከይህልዎ ይኽእል። ማቴ 7:21-23
ብፍሪኦም እዮም ዚልለዩ። ማቴ 7:20
2. ህይወት
ሀ. እዙዛት ደቅሰብ ብርግጽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም
እቲ ዘይሕሱ ኣምላኽ ህይወት ከም ዚህበና ተመባጺዑ። ቲቶ 1:2፣ ዮሃ 10:27, 28
ንዚኣምኑ ዅሎም ናይ ዘለኣለም ህይወት ተዳልዩሎም ኣሎ። ዮሃ 11:25, 26
ሞት ኪጠፍእ እዩ። 1 ቈረ 15:26፣ ራእ 21:4፣ 20:14፣ ኢሳ 25:8
ለ. ሰማያዊ ህይወት ነቶም ስጋ ክርስቶስ ዝዀኑ እተሓዝአ እዩ
ኣምላኽ ንሱ ኸም ዚደልዮ ገይሩ ኣካላት ይመርጽ። ማቴ 20:23፣ 1 ቈረ 12:18
ካብ ምድሪ እተዓደጉ ሰባት: 144,000 ጥራይ እዮም። ራእ 14:1, 4፣ 7:2-4፣ 5:9, 10
ዮሃንስ መጥመቕ እውን እንተዀነ ናብ ሰማይ ኣይከይድን እዩ። ማቴ 11:11
ሐ. ቍጽሮም ዘይተወሰነ “ኻልኦት ኣባጊዕ ” ምድራዊ ህይወት ኪረኽቡ መብጽዓ ተኣትወሎም
እቶም ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚነግሱ ቝጽሮም ውሱን እዩ። ራእ 14:1, 4፣ 7:2-4
“ካልኦት ኣባጊዕ” ኣሕዋት ክርስቶስ ኣይኰኑን። ዮሃ 10:16፣ ማቴ 25:32, 40
ሎሚ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ተስፋ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ይእከቡ ኣለዉ። ራእ 7:9, 15-17
ካልኦት ድማ ምድራዊ ህይወት ንምርካብ ካብ ሞት ኪትንስኡ እዮም። ራእ 20:12፣ 21:4
3. ሓጢኣት
ሀ. ሓጢኣት እንታይ እዩ፧
ነቲ ፍጹም ዝዀነ ሕጊ ኣምላኽ ምፍራስ እዩ። 1 ዮሃ 3:4፣ 5:17
ሰብ ከም ፍጥረት ኣምላኽ መጠን ብኣምላኽ ተሓታቲ እዩ። ሮሜ 14:12፣ 2:12-15
ሕጊ ሙሴ: ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ብምግላጽ ንሰባት ኣፍለጦም። ገላ 3:19፣ ሮሜ 3:20
ኵሎም ሓጢኦም: ነቲ ፍጹም ስርዓት ኣምላኽ ኣየማልኡን። ሮሜ 3:23፣ መዝ 51:5
ለ. ኵሎም ሰባት ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ዚሳቐዩ ስለምንታይ እዮም፧
ኣዳም ንዅሎም ዘርኡ ዘይፍጽምናን ሞትን ኣመሓላለፈሎም። ሮሜ 5:12, 18
ኣምላኽ ንደቅሰብ ብምጽዋሩ ምሕረቱ ኣርኣየ። መዝ 103:8, 10, 14, 17
መስዋእቲ የሱስ ሓጢኣት የተዓርቕ። 1 ዮሃ 2:2
ሓጢኣትን ኵሉ ግብሪ ድያብሎስን ኪጠፍእ እዩ። 1 ዮሃ 3:8
ሐ. እታ እተኸልከለት ፍረ ዘይምእዛዝ ደኣ እምበር: ጾታዊ ርክብ ኣይኰነትን
ሄዋን ከይተፈጥረት ከላ: ካብታ ኦም ከይብላዕ ሕጊ ተዋህበ። ዘፍ 2:17, 18
ኣዳምን ሄዋንን ደቂ ኺወልዱ ተነግሮም። ዘፍ 1:28
ውሉዳት ፍረ ሓጢኣት ዘይኰኑስ: በረኸት ኣምላኽ እዮም። መዝ 127:3-5
ሄዋን ሰብኣያ ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ሓጢኣት ገበረት: ብእኡ ድማ ቀጸለት። ዘፍ 3:6፣ 1 ጢሞ 2:11-14
እቲ ርእሲ ዝነበረ ኣዳም ካብ ሕጊ ኣምላኽ ዓለወ። ሮሜ 5:12, 19
መ. ኣብ መንፈስ ቅዱስ ምሕጣእ እንታይ ማለት እዩ፧ (ማቴ 12:32፣ ማር 3:28, 29)
እቲ ዝወረስናዮ ሓጢኣት ከምዚ ዓይነት ሓጢኣት ኣይኰነን። ሮሜ 5:8, 12, 18፣ 1 ዮሃ 5:17
ሓደ ሰብ ንመንፈስ ኣጕህዩ ኽነሱ: ኪምለስ ይኽእል እዩ። ኤፌ 4:30፣ ያእ 5:19, 20
ደይመደይ ኢልካ ሓጢኣት እናገበርካ ምንባር ናብ ሞት ይመርሕ። 1 ዮሃ 3:6-9
ንኸምዚኣቶም ዚፈርዶም ኣምላኽ እዩ: መንፈሱ ኣይህቦምን። እብ 6:4-8
ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ዘይንስሑ ሰባት ክንጽልየሎም የብልናን። 1 ዮሃ 5:16, 17
4. መርዓ (መውስቦ)
ሀ. ማእሰር መርዓ ኽቡር ኪኸውን ኣለዎ
መርዓ ምስ ክርስቶስን መርዓቱን ተመሳሲሉ ኣሎ። ኤፌ 5:22, 23
መደቀሲ ኣሚን ዘይረኸሰ ኪኸውን ኣለዎ። እብ 13:4
ሰብ ሓዳር ከይፈላለዩ ተማዒዶም እዮም። 1 ቈረ 7:10-16
ንፍትሕ መሰረት ዚኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ፓርንያ ጥራይ እዩ። ማቴ 19:9
ለ. ክርስትያናት ነቲ ናይ ርእስነት ስርዓት ኬኽብርዎ ኣለዎም
ሰብኡት ከም ርእሲ መጠን ንስድራቤቶም ኬፍቅርዎምን ኪሓልይሎምን ኣለዎም። ኤፌ 5:23-31
ሰበይቲ ንሰብኣያ ኽትግዝኦን ከተፍቅሮን ክትእዘዞን ኣለዋ። 1 ጴጥ 3:1-7፣ ኤፌ 5:22
ውሉዳት እዙዛት ኪዀኑ ኣለዎም። ኤፌ 6:1-3፣ ቈሎ 3:20
ሐ. ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ዘለዎም ሓላፍነት
ግዜኹምን ኣቓልቦኹምን ብምሃብ ከም እተፍቅርዎም ከተርእዩ ኣለኩም። ቲቶ 2:4
ኣይተዀርይዎም። ቈሎ 3:21
መንፈሳዊ ነገራት እውን ሓዊስካ ዜድልዮም ነገራት ኣዳልዉሎም። 2 ቈረ 12:14፣ 1 ጢሞ 5:8
ህይወቶም ብኸመይ ከም ዚመርሕዋ ኣለማምድዎም። ኤፌ 6:4፣ ምሳ 22:6, 15፣ 23:13, 14
መ. ክርስትያናት ንክርስትያናት ጥራይ ኪምርዓዉ ኣለዎም
“ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ተመርዓዉ። 1 ቈረ 7:39፣ ዘዳ 7:3, 4፣ ነህ 13:26
ሰ. ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምምርዓው ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን
ኣብ መጀመርታ: ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ ጥራይ ክትህልዎ እዩ ተመዲቡ ነይሩ። ዘፍ 2:18, 22-25
የሱስ ንክርስትያናት እዚ ስርዓት እዚ እዩ ኸም ብሓድሽ ሂብዎም። ማቴ 19:3-9
ቀዳሞት ክርስትያናት ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ኣየእተዉን። 1 ቈረ 7:2, 12-16፣ ኤፌ 5:28-31
5. መስርዕ ፍጻመታት
ሀ. ዘመናት ኣህዛብ ብ1914 (ድ.ክ.) እዩ ተወዲኡ
መስመር ገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብ607 ቅ.ክ. ኣቋረጸ። ህዝ 21:25-27
ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ክሳዕ ዚምለስ “ሾብዓተ ግዝያት” ኪሓልፍ ነበሮ። ዳን 4:32, 16, 17
ሸውዓተ = 2 × 3 1/2 ግዝያት: ወይ 2 × 1,260 መዓልትታት። ራእ 12:6, 14፣ 11:2, 3
ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሓንቲ ዓመት። [2,520 ዓመት ይኸውን] ህዝ 4:6፣ ዘሁ 14:34
ዘመናት ኣህዛብ ክሳዕ ምቛም መንግስቲ ኣምላኽ ይቕጽል። ሉቃ 21:24፣ ዳን 7:13, 14
6. መስቀል
ሀ. የሱስ ከም ሓደ ገበነኛ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቕለ
የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ወይ ዓንዲ ተሰቕለ። ግብ 5:30፣ 10:39፣ ገላ 3:13
ክርስትያናት መስቀሎም ኬልዕሉ: ማለት ኪዋረዱ ኣለዎም። ማቴ 10:38፣ ሉቃ 9:23
ለ. መስቀል ኪምለኽ የብሉን
የሱስ እተሰቕለላ ዕንጨይቲ ምምላኽ ላግጺ እዩ። እብ 6:6፣ ማቴ 27:41, 42
ኣብ ኣምልኾ መስቀል ምጥቃም ኣምልኾ ጣኦት እዩ። ዘጸ 20:4, 5፣ ኤር 10:3-5
የሱስ መንፈስ እዩ: ገና ኣብ ዕንጨይቲ ኣይኰነን ዘሎ። 1 ጢሞ 3:16፣ 1 ጴጥ 3:18
7. መንግስቲ ኣምላኽ
ሀ. መንግስቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ እትገብረሎም ነገራት
ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ተምጽእ። ማቴ 6:9, 10፣ መዝ 45:6፣ ራእ 4:11
ንጉስን ሕግን ዘለዋ መንግስቲ እያ። ኢሳ 9:6, 7፣ 2:3፣ መዝ 72:1, 8
ንእከይ ኣጥፊኣ ንብምልእታ ምድሪ ኸተመሓድራ እያ። ዳን 2:44፣ መዝ 72:8
ንደቅሰብ ንምሕዳስን ምድሪ ናብ ገነት ንምልዋጥን 1,000 ዓመት ክትገዝእ እያ። ራእ 21:2-4፣ 20:6
ለ. ግዝኣታ እትጅምር ገና ጸላእቲ ክርስቶስ ከይጠፍኡ ኸለዉ እዩ
የሱስ ምስ ተንስአ ንግስነት ንምሓዝ ነዊሕ ኪጽበ ነበሮ። መዝ 110:1፣ እብ 10:12, 13
ስልጣን ምስ ሓዘ: ምስ ሰይጣን ተወግአ። መዝ 110:2፣ ራእ 12:7-9፣ ሉቃ 10:18
መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ቆመት: ንምድሪ ወይለኺ ተባህለላ። ራእ 12:10, 12
እዚ ሕጂ ዘሎ ጸገማት ብወገን መንግስቲ ኣምላኽ ክንቀውም ከም ዘሎና ይሕብር። ራእ 11:15-18
ሐ. መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ‘ልቢ’ ሰባት የላን ወይ ብጻዕሪ ሰባት ኣይትመጽእን
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዘይኰነስ: ኣብ ሰማይ ኣላ። 2 ጢሞ 4:18፣ 1 ቈረ 15:50፣ መዝ 11:4
ኣብ ‘ልቢ’ ሰብ ኣይኰነትን፣ የሱስ ንፈሪሳውያን እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ሉቃ 17:20, 21
ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን። ዮሃ 18:36፣ ሉቃ 4:5-8፣ ዳን 2:44
ንመንግስትታት ዓለምን ስርዓታተንን ክትትክአን እያ። ዳን 2:44
8. መንፈስ: ሓተታ መናፍስቲ
ሀ. መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
ኣካል ዘለዎ ዘይኰነስ: ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። ግብ 2:2, 3, 33፣ ዮሃ 14:17
ንምፍጣር: መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽሓፍ: ወ.ዘ.ተ. ኣገልጊሉ። ዘፍ 1:2፣ ህዝ 11:5
ነቶም ኣባላት ኣካል ክርስቶስ ውልድነት ይህብን ይቐብእን። ዮሃ 3:5-8፣ 2 ቈረ 2:21, 22
ሎሚ ንዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ የበራትዖምን ይመርሖምን። ገላ 5:16, 18
ለ. ሓይሊ ህይወት: መንፈስ ተባሂሉ ይጽዋዕ
ህይወት ብእስትንፋስ እያ ምንባር እትቕጽል። ያእ 2:26፣ እዮ 27:3
ንሓይሊ ህይወት ዚቈጻጸር ኣምላኽ እዩ። ዘካ 12:1፣ መክ 8:8
ሓይሊ ህይወት ሰባት ይኹን እንስሳታት ናይ ኣምላኽ እዩ። መክ 3:19-21
መንፈስ ብተስፋ ትንሳኤ ኣቢላ ኣብ ኣምላኽ ትምዕቈብ። መዝ 31:5
ሐ. ሓተታ መናፍስቲ: ግብሪ ኣጋንንቲ ኸም ምዃኑ መጠን ከነርሕቖ ኣሎና
ቃል ኣምላኽ ይኽልክሎ። ኢሳ 8:19, 20፣ ዘሌ 19:31፣ 20:6, 27
ጥንቈላ ግብሪ ኣጋንንቲ ስለ ዝዀነ: ኪዅነን ኣለዎ። ግብ 16:16-18
ናብ ጥፍኣት ይመርሕ። ገላ 5:19-21፣ ራእ 21:8፣ 22:15
ቈጸራ ኸዋኽብቲ ኽልኩል እዩ። ዘዳ 18:10-12፣ ኤር 10:2
9. መጽሓፍ ቅዱስ
ሀ. ቃል ኣምላኽ መንፈስ ዝነፈሶ እዩ
ሰባት ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኾም እዮም ጽሒፎምዎ። 2 ጴጥ 1:20, 21
ትንቢት ዝሓዘ እዩ። ዳን 8:5, 6, 20-22፣ ሉቃ 21:5, 6, 20-22፣ ኢሳ 45:1-4
ብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን እዩ። 2 ጢሞ 3:16, 17፣ ሮሜ 15:4
ለ. ንግዜና ዚኸውን ግብራዊ መምርሒ ዝሓዘ እዩ
ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዕሽሽ ምባል ሞት የስዕብ። ሮሜ 1:28-32
ብጥበብ ሰባት ኣይትካእን። 1 ቈረ 1:21, 25፣ 1 ጢሞ 6:20
ካብቲ ዝሓየለ ጸላኢ ይከላኸለልና። ኤፌ 6:11, 12, 17
ንሰባት ብቕኑዕ መገዲ ይመርሖም። መዝ 119:105፣ 2 ጴጥ 1:19፣ ምሳ 3:5, 6
ሐ. መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን እዩ ተጻሒፉ
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምብራቕ እዩ ኺጸሓፍ ተጀሚሩ። ዘጸ 17:14፣ 24:12, 16፣ 34:27
እዚ ኣምላኽ ዝገበሮ ምድላው ንኣውሮጳውያን ጥራይ ኣይኰነን። ሮሜ 10:11-13፣ ገላ 3:28
ኣምላኽ ንዅሎም ዓሌት ሰባት ይቕበል። ግብ 10:34, 35፣ ሮሜ 5:18፣ ራእ 7:9, 10
10. ማርያም ምምላኽ
ሀ. ማርያም ኣደ የሱስ ደኣ እምበር: “ወላዲት ኣምላኽ ” ኣይኰነትን
ኣምላኽ መጀመርታ የብሉን። መዝ 90:2፣ 1 ጢሞ 1:17
ማርያም ንወዲ ኣምላኽ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ እያ ኣዲኡ ዝነበረት። ሉቃ 1:35
ለ. ማርያም “ድንግል” ኰይና ኣይቀጸለትን
ንዮሴፍ ተመርዕያ እያ። ማቴ 1:19, 20, 24, 25
ብዘይካ የሱስ ካልኦት ደቂ ነበርዋ። ማቴ 13:55, 56፣ ሉቃ 8:19-21
እዚኣቶም ኣብቲ ግዜ እቲ “ብመንፈስ ኣሕዋቱ” ኣይነበሩን። ዮሃ 7:3, 5
11. ምምላስ ክርስቶስ
ሀ. ምምላስ ክርስቶስ ብዓይኒ ኣይርኤን እዩ
ንደቀ መዛሙርቱ ዓለም ድሕሪ ደጊም ከም ዘይትርእዮ ነገሮም። ዮሃ 14:19
ኪዓርግ ከሎ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ ረኣይዎ፣ ኪምለስ ከሎ ልክዕ ከምኡ እዩ። ግብ 1:6, 10, 11
ሕጂ ዘይርአ መንፈሳዊ ኣካል ሒዙ ኣብ ሰማይ እዩ ዘሎ። 1 ጢሞ 6:14-16፣ እብ 1:3
ብሰማያዊ ሓይሊ መንግስቱ ይምለስ። ዳን 7:13, 14
ለ. በቲ ጭቡጥ ኵነታት ይፍለጥ
ደቀ መዛሙርቱ ምልክት ህላወኡ ሓተትዎ። ማቴ 24:3
ክርስትያናት ህላወ ክርስቶስ ብናይ ምርዳእ ክእለቶም “ይርእይዎ”። ኤፌ 1:18
ንህላወኡ መረጋገጺ ዚኸውን ብዙሕ ፍጻሜታት ኣሎ። ሉቃ 21:10, 11
ጸላእቱ ኣብ ልዕሊኦም ጥፍኣት ኪወርድ ከሎ “ኺርእይዎ” እዮም። ራእ 1:7
12. ምምስካር
ሀ. ኵሎም ክርስትያናት ብስራት ኪሰብኩ ኣለዎም
ስምረት ንኽንረክብ ንየሱስ ኣብ ቅድሚ ሰብ ክንእመኖ ኣሎና። ማቴ 10:32
እምነት ብምርኣይ ገበርቲ ቓል ክንከውን ኣሎና። ያእ 1:22-24፣ 2:24
ሓደስቲ ሰባት እውን መምህራን ኪዀኑ ኣለዎም። ማቴ 28:19, 20
ኣብ ቅድሚ ሰባት ምእማን ወይ ምዝራብ ድሕነት የምጽእ። ሮሜ 10:10
ለ. ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን ከየቋረጽካ ምምስካርን የድሊ
መወዳእታ ይመጽእ ምህላዉ መጠንቀቕታ ኺወሃብ ኣለዎ። ማቴ 24:14
ኤርምያስ ንዓመታት ጥፍኣት የሩሳሌም ኣዊጁ። ኤር 25:3
ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: ንሕናውን ክንሓድጎ ኣይኰነልናን። ግብ 4:18-20፣ 5:28, 29
ሐ. ካብ ደም ካልኦት ናጻ ንምዃን ምምስካር ኣድላዪ እዩ
ብዛዕባ እቲ ዚመጽእ ዘሎ መወዳእታ ኸነጠንቅቕ ኣሎና። ህዝ 33:7፣ ማቴ 24:14
ከምዚ ዘይምግባር ናይ ደም ገበነኛ ይገብር። ህዝ 33:8, 9፣ 3:18, 19
ጳውሎስ ኵሉ ሓቂ ብምምስካር ካብ ደም ካልኦት ናጻ ዀነ። ግብ 20:26, 27፣ 1 ቈረ 9:16
ነቲ ዚምስክርን ነቲ ዚሰምዕን ድሕነት የምጽእ። 1 ጢሞ 4:16፣ 1 ቈረ 9:22
13. ምስልታት
ሀ. ምስሊ ዀነ ሓወልቲ ንኣምልኾ ምጥቃም: ንኣምላኽ ውርደት እዩ
ምስሊ ኣምላኽ ኪሰርሕ ዚኽእል የልቦን። 1 ዮሃ 4:12፣ ኢሳ 40:18፣ 46:5፣ ግብ 17:29
ክርስትያናት ምስልታት ከይገብሩ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም። 1 ቈረ 10:14፣ 1 ዮሃ 5:21
ኣምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ኪምለኽ ይግብኦ። ዮሃ 4:24
ለ. ምስልታት ምምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ጥፍኣት ኣስዓበሎም
ኣይሁዳውያን ንምስልታት ከየምልኹ ተነጊርዎም ነበረ። ዘጸ 20:4, 5
ምስልታት ኪሰምዑ ዀነ ኺዛረቡ ኣይክእሉን እዮም: እቶም ዚሰርሕዎም ድማ ከምኣቶም ኪዀኑ እዮም። መዝ 115:4-8
መፈንጠራን ጥፍኣትን ኣምጽኡሎም። መዝ 106:36, 40-42፣ ኤር 22:8, 9
ሐ. “ናብ ኣምላኽ ንኬቕርበና ጥራይ እዩ ” ኢልካ ዚግበር ኣምልኾ ኣይፍቀድን
ኣምላኽ እቲ ንዕኡ ዚግባእ ኣምልኾ ንኻልእ ኣይህብን። ኢሳ 42:8
ኣምላኽ ጥራይ እዩ ‘ጸሎት ዚሰምዕ።’ መዝ 65:1, 2
14. ምትሕንፋጽ እምነት
ሀ. ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ምትሕውዋስ ኣምላኽ ዚፈትዎ መገዲ ኣይኰነን
ሓንትን ጸባብን መገዲ እያ ዘላ: እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም። ኤፌ 4:4-6፣ ማቴ 7:13, 14
ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነት ከም ዜበላሹ መጠንቀቕታ ተዋሂቡ። ማቴ 16:6, 12፣ ገላ 5:9
ክንፍለ ትእዛዝ ተዋሂቡና። 2 ጢሞ 3:5፣ 2 ቈረ 6:14-17፣ ራእ 18:4
ለ. “ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ጽቡቕ ኣሎ ” ምባል ቅኑዕ ኣይኰነን
ገሊኦም ቅንኣት እኳ እንተለዎም: ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ግን ዚሰማማዕ ኣይኰነን። ሮሜ 10:2, 3
እቲ ኽፉእ ነቲ ጽቡቕ የበላሽዎ። 1 ቈረ 5:6፣ ማቴ 7:15-17
መምህራን ሓሶት ጥፍኣት የምጽኡ። 2 ጴጥ 2:1፣ ማቴ 12:30፣ 15:14
ንጹህ ኣምልኾ ምሉእ ተወፋይነት ይሓትት። ዘዳ 6:5, 14, 15
15. ምድሪ
ሀ. ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ
ገነት ፍጹማት ሰባት ምእንቲ ኺነብሩላ ኣብ ምድሪ ተዳለወት። ዘፍ 1:28፣ 2:8-15
ዕላማ ኣምላኽ ብርግጽ ኪፍጸም እዩ። ኢሳ 55:11፣ 46:10, 11
ምድሪ ብሰላማውያንን ፍጹማትን ሰባት ክትመልእ እያ። መዝ 72:7፣ ኢሳ 45:18፣ 9:6, 7
ገነት ብመንግስቲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ክትቀውም እያ። ማቴ 6:9, 10፣ ራእ 21:3-5
ለ. ፈጺማ ኣይክትጠፍእን ወይ ኣይክትባድምን እያ
ምድሪ ጸኒዓ ንሓዋሩ ኽትነብር እያ። መክ 1:4፣ መዝ 104:5
ብግዜ ኖህ ሰባት እምበር: ምድሪ ኣይጠፈአትን። 2 ጴጥ 3:5-7፣ ዘፍ 7:23
ካብቲ ጥፍኣት ክንድሕን ከም እንኽእል ዜተስፉ ኣብነት ኣሎ። ማቴ 24:37-39
እኩያት ኪጠፍኡ ኸለዉ: እቶም “ብዙሓት ሰብ” ግን ኪድሕኑ እዮም። 2 ተሰ 1:6-9፣ ራእ 7:9, 14
16. ምጽራር: መስጐጕቲ
ሀ. ክርስትያናት ምጽራር ዚወርዶም ስለምንታይ እዩ፧
የሱስ ተጸሊኡ: ምጽራር ከም ዜጋጥም ተነብዩ። ዮሃ 15:18-20፣ ማቴ 10:22
ነቲ ቕኑዕ ስርዓታት ጠቢቕካ ምስዓብ: ንዓለም የቘጥዓ። 1 ጴጥ 4:1, 4, 12, 13
እቲ ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ ሰይጣን ንመንግስቲ ኣምላኽ ይጻረራ። 2 ቈረ 4:4፣ 1 ጴጥ 5:8
ሓደ ክርስትያን: ኣምላኽ ከም ዜዕቍቦ ስለ ዚፈልጥ ኣይፈርህን። ሮሜ 8:38, 39፣ ያእ 4:8
ለ. ሰበይቲ: ሰብኣያ ኻብ ኣምላኽ ኪፈልያ ኸተፍቅደሉ የብላን
ካልኦት ብጌጋ ኼረድእዎ ኸም ዚኽእሉ ኣቐዲሙ ተነጊርና። ማቴ 10:34-38፣ ግብ 28:22
ናብ ኣምላኽን ክርስቶስን ክትጥምት ኣለዋ። ዮሃ 6:68፣ 17:3
ብተኣማንነታ ንዕኡውን ከተድሕኖ ትኽእል እያ። 1 ቈረ 7:16፣ 1 ጴጥ 3:1-6
ሰብኣይ ርእሲ ሰበይቲ እዩ: ኣብ ኣምልኾኣ ግን ኪእዝዛ ኣይክእልን። 1 ቈረ 11:3፣ ግብ 5:29
ሐ. ሰብኣይ: ሰበይቱ ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ክትክልክሎ ኼፍቅደላ የብሉን
ንሰበይቱን ደቁን ኬፍቅር ኣለዎ: ህይወት ኪረኽቡ ይደልዮም። 1 ቈረ 7:16
ውሳነ ኺገብርን ዜድልዮም ኬማልኣሎምን ሓላፍነት ኣለዎ። 1 ቈረ 11:3፣ 1 ጢሞ 5:8
ኣምላኽ በቲ ኣብ ሓቂ ዚጸንዕ ሰብኣይ ባህ እዩ ዚብሎ። ያእ 1:12፣ 5:10, 11
ምእንቲ ሰላም ኢልካ ምልምላም ስምረት ኣምላኽ ከም እትስእን እዩ ዚገብር። እብ 10:38
ንስድራቤትካ ናብቲ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚርከብ ሓጐስ ምርሓዮም። ራእ 21:3, 4
17. ምፍዋስ: ብቛንቋታት ምዝራብ
ሀ. መንፈሳዊ ምፍዋስ ነባሪ ጥቕምታት ኣለዎ
መንፈሳዊ ሕማም ኣዕናዊ እዩ። ኢሳ 1:4-6፣ 6:10፣ ሆሴ 4:6
የሱስ ቀንዲ ተልእኾኡ መንፈሳዊ ምፍዋስ እዩ ነይሩ። ዮሃ 6:63፣ ሉቃ 4:18
ካብ ሓጢኣት የጽሪ: ሓጐስን ህይወትን ድማ ይህብ። ያእ 5:19, 20፣ ራእ 7:14-17
ለ. መንግስቲ ኣምላኽ ነባሪ ኣካላዊ ምሕዋይ ከተምጽእ እያ
የሱስ ድኑሳት ኣሕውዩ: መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት ድማ ሰቢኹ እዩ። ማቴ 4:23
ነባሪ ምፍዋስ ክንረክብ መብጽዓ እተገብረልና በታ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ እዩ። ማቴ 6:10፣ ኢሳ 9:7
ሞት እውን ከይተረፈ ኺጠፍእ እዩ። 1 ቈረ 15:25, 26፣ ራእ 21:4፣ 20:14
ሐ. ዘመናዊ ናይ እምነት ምፍዋስ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘሎካ ዜረጋግጽ ኣይኰነን
ደቀ መዛሙርቲ ንርእሶም ብተኣምር ኣይፈወሱን። 2 ቈረ 12:7-9፣ 1 ጢሞ 5:23
ተኣምር ናይ ምግባር ውህበት ድሕሪ ሃዋርያት ኣብቂዑ። 1 ቈረ 13:8-11
ምፍዋስ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘሎካ ዜረጋግጽ ኣይኰነን። ማቴ 7:22, 23፣ 2 ተሰ 2:9-11
መ. ብቛንቋታት ምዝራብ ግዝያዊ ምድላው ነበረ
ምልክት እዩ ነይሩ፣ ክርስትያናት ካብኡ ዚዓቢ ውህበት ኪደልዩ ነበሮም። 1 ቈረ 14:22፣ 12:30, 31
ተኣምር ናይ ምግባር ውህበት መንፈስ ከም ዜብቅዕ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ እዩ። 1 ቈረ 13:8-10
ተኣምራት ስምረት ኣምላኽ ምህላው ዜረጋግጽ ኣይኰነን። ማቴ 7:22, 23፣ 24:24
18. ሞት
ሀ. ጠንቂ ሞት
ሰብ ንዘለኣለም ኪነብር ዜኽእሎ ፍጹም ኣጀማምራ ነበሮ። ዘፍ 1:28, 31
ዘይምእዛዝ ናይ ሞት ፍርዲ ኣምጽአ። ዘፍ 2:16, 17፣ 3:17, 19
ሓጢኣትን ሞትን ናብ ኵሎም ደቂ ኣዳም ሓለፈ። ሮሜ 5:12
ለ. ኵነታት ምዉታት
ኣዳም ነፍሲ ተዋሂብዎ ዘይኰነስ: ንባዕሉ ነፍሲ እዩ። ዘፍ 2:7፣ 1 ቈረ 15:45
እቲ ሰብ: ማለት እቲ ነፍሲ እዩ ዚመውት። ህዝ 18:4፣ ኢሳ 53:12
ምዉታት ገለ ሓንቲ ኣይፈልጡን። መክ 9:5, 10፣ መዝ 146:3, 4
ምዉታት ደቂሶም ወይ ዓሪፎም ትንሳኤ እዮም ዚጽበዩ ዘለዉ። ዮሃ 11:11-14፣ 23-26፣ ግብ 7:60
ሐ. ምስ ምዉታት ምዝርራብ ኣይከኣልን እዩ
ምዉታት መንፈሳውያን ኰይኖም ብህይወት ምስ ኣምላኽ የለዉን። መዝ 115:17፣ ኢሳ 38:18
ምስ ምዉታት ክትዛረብ ኢልካ ምፍታን ጌጋ ምዃኑ ተነጊሩና። ኢሳ 8:19፣ ዘሌ 19:31
መናፍስቲ ዚጥይቑን ጠንቈልትን ተዀኒኖም እዮም። ዘዳ 18:10-12፣ ገላ 5:19-21
19. ሰማይ
ሀ. 144,000 ጥራይ እዮም ናብ ሰማይ ዚኸዱ
ምስ ክርስቶስ ነገስታት ዚዀኑ ቝጽሮም እተወሰነ እዩ። ራእ 5:9, 10፣ 20:4
ክርስቶስ ፈላሚ: ካልኦት ከኣ ብድሕሪኡ እተመርጹ እዮም። ቈሎ 1:18፣ 1 ጴጥ 2:21
ብዙሓት ካልኦት ኣብ ምድሪ ኺነብሩ እዮም። መዝ 72:8፣ ራእ 21:3, 4
እቶም 144,000 ካልኦት ዘይረኽብዎ ፍሉይ ቦታ ኺረኽቡ እዮም። ራእ 14:1, 3፣ 7:4, 9
20. ሰንበት
ሀ. ክርስትያናት ብመዓልቲ ሰንበት ኣይቅየዱን እዮም
እቲ ሕጊ ብሞት የሱስ ተሳዕረ። ኤፌ 2:15
ክርስትያናት ብሕጊ ሰንበት ኣይቅየዱን። ቈሎ 2:16, 17፣ ሮሜ 14:5, 10
ሰንበትን ካልእን ብምሕላዎም ተገሰጹ። ገላ 4:9-11፣ ሮሜ 10:2-4
ናብ ዕረፍቲ ኣምላኽ ብእምነትን ተኣዛዝነትን ኢና እንኣቱ። እብ 4:9-11
ለ. ሰንበት ምሕላው ካብ ጥንታዎት እስራኤላውያን ጥራይ እዩ ዚድለ ነይሩ
ሰንበት: እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጻኦም ንመጀመርታ ግዜ ተባዕለት። ዘጸ 16:26, 27, 29, 30
ብስጋ እስራኤላውያን ንዝዀኑ ፍልይቲ መፈለጥታ ነበረት። ዘጸ 31:16, 17፣ መዝ 147:19, 20
ኣብ ሕጊ ሙሴ: ዓመት ሰንበት እውን ክትሕሎ ነበራ። ዘጸ 23:10, 11፣ ዘሌ 25:3, 4
ሰንበት ምሕላው ንክርስትያናት ኣገዳሲ ኣይኰነን። ሮሜ 14:5, 10፣ ገላ 4:9-11
ሐ. ኣምላኽ ዜዕርፈላ ሰንበት (7ይቲ መዓልቲ እታ ናይ ፍጥረት “ሰሙን”)
ፍጥረታት ምድሪ ምስ ተወድአ ጀሚራ። ዘፍ 2:2፣ እብ 4:3-5
ድሕሪ እቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዘሕለፎ ግዜ ትቕጽል ነበረት። እብ 4:6-8፣ መዝ 95:7-9, 11
ክርስትያናት ንጥቕሚ ርእሶም ብዘይምዕያይ ካብ ግብሮም ይዓርፉ። እብ 4:9, 10
እታ ሰንበት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዘለዋ ዕዮ ኣብ እትፍጽመሉ ግዜ ትውዳእ። 1 ቈረ 15:24, 28
21. ሲኦል (ሃደስ: ሺኦል)
ሀ. ሰባት ብሓዊ ዚሳቐይሉ ቦታ ኣይኰነን
እቲ ዚሳቐ ዝነበረ እዮብ ናብ ሲኦል ኪኸይድ ለመነ። እዮ 14:13
ዝዀነ ንጥፈት ዘይብሉ ቦታ እዩ። መዝ 6:5፣ መክ 9:10፣ ኢሳ 38:18, 19
የሱስ ካብ መቓብር ወይ ሲኦል ተንስአ። ግብ 2:27, 31, 32፣ መዝ 16:10
ሲኦል ምዉታቱ ድሕሪ ምውፋይ ኪጠፍእ እዩ። ራእ 20:13, 14
ለ. ሓዊ ንጥፍኣት እዩ ዜመልክት
ጥፍኣት ብሓዊ ተመሲሉ ኣሎ። ማቴ 25:41, 46፣ 13:30፣ 2 ተሰ 1:7-9
ዘይንስሑ ሓጢኣተኛታት ከምቲ ብሓዊ ዚጠፍኡ ዀይኖም ንዘለኣለም ይጠፍኡ። እብ 10:26, 27
ሰይጣን ብሓዊ ‘ምስቓዩ’ ናይ ዘለኣለም ጥፍኣት እዩ ዜመልክት። ራእ 20:10, 14, 15
ሐ. ብዛዕባ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ዚገልጽ ዛንታ ናይ ዘለኣለም ስቓይ ኣየመልክትን
ልክዕ ከምቲ ሕቝፊ ኣብርሃም: እቲ ሓዊ እውን ምሳልያዊ እዩ። ሉቃ 16:22-24
ሞገስ ኣብርሃም ምስ ጸልማት ተነጻጺሩ ኣሎ። ማቴ 8:11, 12
ጥፍኣት ባቢሎን እውን ናይ ሓዊ ስቓይ ተባሂሉ ኣሎ። ራእ 18:8-10, 21
22. ስላሴ
ሀ. እቲ ኣቦ እተባህለ ኣምላኽ ሓደ ኣካል እዩ: ኣብ ዩኒቨርስ ድማ እቲ ዝለዓለ እዩ
ኣምላኽ ሰለስተ ኣካላት ኣይኰነን። ዘዳ 6:4፣ ሚል 2:10፣ ማር 10:18፣ ሮሜ 3:29, 30
እቲ ወዲ ፍጡር እዩ፣ ቅድሚኡ ኣምላኽ በይኑ ነበረ። ራእ 3:14፣ ቈሎ 1:15፣ ኢሳ 44:6
ኣምላኽ ዘለኣለማዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት እዩ። ፊል 2:5, 6፣ ዳን 4:35
ኣምላኽ ልዕሊ ዅሉ ኽብ ኪብል ኣለዎ። ፊል 2:10, 11
ለ. ወዲ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ይኹን ድሕሪኡ ትሕቲ ኣቦ እዩ
ወዲ ኣብ ሰማይ እዙዝ ብምዃኑ ኣቦ ናብ ምድሪ ለኣኾ። ዮሃ 8:42፣ 12:49
ኣብ ምድሪ እዙዝ ነበረ: ኣቦ ኻብኡ ይዓቢ። ዮሃ 14:28፣ 5:19፣ እብ 5:8
ናብ ሰማይ ልዕል እኳ እንተ በለ: ገና ግን ተገዛኢ እዩ። ፊል 2:9፣ 1 ቈረ 15:28፣ ማቴ 20:23
የሆዋ ንክርስቶስ ርእሱን ኣምላኹን እዩ። 1 ቈረ 11:3፣ ዮሃ 20:17፣ ራእ 3:12
ሐ. ሓድነት ኣምላኽን ክርስቶስን
ወትሩ ፍጹም ስምምዕ ኣለዎም። ዮሃ 8:28, 29፣ 14:10
ከም ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ሓድነት ኣለዎም። ዮሃ 10:30፣ ማቴ 19:4-6
ኵሎም ኣመንቲ ኸምዚ ዓይነት ሓድነት ኪህልዎም ኣለዎ። ዮሃ 17:20-22፣ 1 ቈረ 1:10
ብክርስቶስ ኣቢልካ ንየሆዋ ዚቐርብ ሓደ ኣምልኾ ንዘለኣለም ይቕጽል። ዮሃ 4:23, 24
መ. መንፈስ ቅዱስ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ
ሓይሊ ደኣ እምበር ኣካል የብሉን። ማቴ 3:16፣ ዮሃ 20:22፣ ግብ 2:4, 17, 33
ኣብ ሰማይ ምስ ኣምላኽን ክርስቶስን ዚርከብ ኣካል ኣይኰነን። ግብ 7:55, 56፣ ራእ 7:10
ብመሪሕነት ኣምላኽ ዕላማታት የሆዋ ይፍጽም። መዝ 104:30፣ 1 ቈረ 12:4-11
እቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉ መንፈስ ቅዱስ ይቕበሉ: ብእኡ ድማ ይምርሑ። 1 ቈረ 2:12, 13፣ ገላ 5:16
23. በዓላት፣ መዓልቲ ልደት
ሀ. ቀዳሞት ክርስትያናት መዓልቲ ልደቶም ይኹን በዓል ልደት ኣየብዕሉን ነበሩ
ናይ ሓሶት ኣምለኽቲ ነዚ በዓላት እዚ የብዕሉ ነበሩ። ዘፍ 40:20፣ ማቴ 14:6
የሱስ ዚሞተላ ዕለት ክትዝከር ኣለዋ። ሉቃ 22:19, 20፣ 1 ቈረ 11:25, 26
ጓይላ ተባሂሉ ዘሎ ቐይዲ ዘይበሉ ድግስ ግቡእ ኣይኰነን። ሮሜ 13:13፣ ገላ 5:21፣ 1 ጴጥ 4:3
24. በዓል ዝኽሪ: ቍርባን
ሀ. ዝኽሪ ድራር ጐይታ
ኣብ ዓመት ሓንሳእ ኣብ እዋን ፋስጋ ዚበዓል እዩ። ሉቃ 22:1, 17-20፣ ዘጸ 12:14
መስዋእታዊ ሞት ክርስቶስ ዚዝከረላ ዕለት እያ። 1 ቈረ 11:26፣ ማቴ 26:28
እቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ካብቲ ቕጫን ወይንን ይወስዱ። ሉቃ 22:29, 30፣ 12:32, 37
ሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ተስፋ ኸም ዘለዎ ብኸመይ ኪፈልጥ ይኽእል፧ ሮሜ 8:15-17
ለ. ቍርባን ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን
ሕድገት ሓጢኣት ደም ምፍሳስ ይሓትት። እብ 9:22
ክርስቶስ በይኑ ጥራይ እዩ ማእከላይ እቲ ሓድሽ ኪዳን። 1 ጢሞ 2:5, 6፣ ዮሃ 14:6
ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ኣሎ፣ ብኻልእ ካህን ኣይወርድን። ግብ 3:20, 21
መስዋእቲ ክርስቶስ ኪድገም ኣየድልን። እብ 9:24-26፣ 10:11-14
25. በጃ
ሀ. ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ‘ኣብ ክንዲ ዅሉ በጃ ’ ዀይኑ ተኸፍለ
የሱስ ህይወቱ በጃ ኽትከውን ሃበ። ማቴ 20:28
ዋጋ እቲ ዝፈሰሰ ደም ካብ ሓጢኣት ናጻ ይገብር። እብ 9:14, 22
ሓደ መስዋእቲ ንዅሉ ግዜ እኹል እዩ። ሮሜ 6:10፣ እብ 9:26
ብኡብኡ ኣይኰነን ጥቕሚ ዚርከብ፣ ቅድም ኣፍልጦ ኺወሃበሉ ኣለዎ። ዮሃ 3:16
ለ. ተመዓራራዪ ዋጋ ነበረ
ኣዳም ፍጹም ኰይኑ እዩ ተፈጢሩ። ዘዳ 32:4፣ መክ 7:29፣ ዘፍ 1:31
ሓጢኣት ብምግባሩ ንርእሱን ንዘርኡን ፍጽምና ኣጥፈአ። ሮሜ 5:12, 18
ዘርኡ ብዘይ ሓገዝ ተረፉ፣ ማዕረ ኣዳም ዝዀነ ኣድለየ። መዝ 49:7፣ ዘዳ 19:21
ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት የሱስ በጃ ዀይኑ ተኸፍለ። 1 ጢሞ 2:5, 6፣ 1 ጴጥ 1:18, 19
26. ቤተ-ክርስትያን
ሀ. ኣብ ክርስቶስ እተሃንጸት መንፈሳዊት ቤተ -ክርስትያን
ኣምላኽ ብኢድ ሰብ ኣብ እተሃንጸ መቓድስ ኣይሓድርን። ግብ 17:24, 25፣ 7:48
ናይ ሓቂ ቤተ-ክርስትያን ብህያዋን ኣእማን እተሃንጸት መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ እያ። 1 ጴጥ 2:5, 6
ክርስቶስ እምኒ መኣዝን: ሃዋርያት ድማ ብኻልኣይ ደረጃ ዚስርዑ መሰረት እዮም። ኤፌ 2:20
አምላኽ ብመንፈስን ብሓቅን ኪምለኽ ይግባእ። ዮሃ 4:24
ለ. እታ ቤተ -ክርስትያን ኣብ ጴጥሮስ ኣይተሃንጸትን
የሱስ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ጴጥሮስ እያ ተሃኒጻ ኣይበለን። ማቴ 16:18
የሱስ እቲ “ኸውሒ” ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። 1 ቈረ 10:4
ጴጥሮስ: የሱስ መሰረት ምዃኑ ገሊጹ። 1 ጴጥ 2:4, 6-8፣ ግብ 4:8-12
27. ትንሳኤ
ሀ. ተስፋ ምዉታት
ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅሎም ኪትንስኡ እዮም። ዮሃ 5:28, 29
ትንሳኤ የሱስ ውሕስነት ይኸውን። 1 ቈረ 15:20-22፣ ግብ 17:31
ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዚሓጥኡ ኣይኪትንስኡን እዮም። ማቴ 12:31, 32
እቶም እምነት ዜርእዩ ኺትንስኡ ምዃኖም ርግጽ እዩ። ዮሃ 11:25
ለ. ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ ህይወት ንምርካብ ምትንሳእ
ኵሎም ብሰንኪ ኣዳም ይሞቱ፣ ብየሱስ ህይወት ይረኽቡ። 1 ቈረ 15:20-22፣ ሮሜ 5:19
እተፈላለየ ዓይነት ትንሳኤ ኣሎ። 1 ቈረ 15:40, 42, 44
እቶም ምስ የሱስ ዚዀኑ ንዕኡ ኺመስሉ እዮም። 1 ቈረ 15:49፣ ፊል 3:20, 21
እቶም ገዛእቲ ዘይኰኑ ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ። ራእ 20:4ለ, 5, 13፣ 21:3, 4
28. ነፍሲ
ሀ. ነፍሲ እንታይ እያ፧
ሰብ ነፍሲ እዩ። ዘፍ 2:7፣ 1 ቈረ 15:45፣ እያ 11:11፣ ግብ 27:37
እንስሳታት እውን ነፍሳት ተባሂሎም ይጽውዑ። ዘሁ 31:28፣ ዘፍ 9:12, 15, 16፣ ህዝ 47:9
ነፍሲ ደም ኣለዋ: ክትበልዕን ክትመውትን ትኽእል። ዘፍ 9:5፣ ዘሌ 7:18፣ ህዝ 18:4
ሰብ ህይወት ምስ ዚህልዎ: ነፍሲ ኣላቶ ኺበሃል ይከኣል እዩ። ማር 8:36፣ ዮሃ 10:15
ለ. ኣብ መንጎ ነፍስን መንፈስን ዘሎ ፍልልይ
ህይወት ሰብ ወይ ህይወት ፍጡር ነፍሲ እያ። ዮሃ 10:15፣ ዘሌ 17:11
ንነፍሲ ኸም እትንቀሳቐስ ዚገብር ሓይሊ ህይወት “መንፈስ” ወይ “ትንፋስ” ኪበሃል ይከኣል። መዝ 146:4፣ 104:29፣ ያእ 2:26
ሓደ ሰብ ምስ ዚመውት: እቲ ሓይሊ ህይወቱ ናይ ምቍጽጻር ክእለት ናብ ኣምላኽ ይምለስ። መክ 12:7
ኣምላኽ ጥራይ እዩ ንሓይሊ ህይወት መሊሱ ኺህብ ዚኽእል። ህዝ 37:12-14
29. ናይ ሓሶት ነብያት
ሀ. ናይ ሓሶት ነብያት ከም ዚመጹ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ፣ ብግዜ ሃዋርያት ድማ ነይሮም እዮም
ናይ ሓሶት ነብያት ከተለልየሉ እትኽእል መምርሒ። ዘዳ 18:20-22፣ ሉቃ 6:26
ከም ዚመጹ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ: ብፍሪኦም ይልለዩ። ማቴ 24:23-26፣ 7:15-23
30. ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ሀ. ኣጀማምራ ናይ የሆዋ መሰኻኽር
የሆዋ መንነት መሰኻኽሩ ገሊጹ ኣሎ። ኢሳ 43:10-12፣ ኤር 15:16
መስመር እቶም እሙናት መሰኻኽር ካብ ኣቤል እዩ ጀሚሩ። እብ 11:4, 39፣ 12:1
የሱስ እሙንን ናይ ሓቅን ምስክር እዩ። ዮሃ 18:37፣ ራእ 1:5፣ 3:14
31. ኣምልኾ ኣቦሓጎታት
ሀ. ኣምልኾ ኣቦሓጎታት ከንቱ እዩ
ኣቦሓጎታት ሞይቶም እዮም: ገለ እኳ ኣይፈልጡን። መክ 9:5, 10
ቀዳሞት ወለድና ኺምለኹ ኣይግብኦምን። ሮሜ 5:12, 14፣ 1 ጢሞ 2:14
ኣምላኽ ንኸምዚ ዓይነት ኣምልኾ ይኽልክሎ። ዘጸ 34:14፣ ማቴ 4:10
ለ. ሰባት ክብሪ ኺወሃቦም ይኽእል እዩ: ኪምለኽ ዘለዎ ግን ኣምላኽ ጥራይ እዩ
ንኣሽቱ ብዕድመ ንዚዓብይዎም ኬኽብሩ ይግባእ። 1 ጢሞ 5:1, 2, 17፣ ኤፌ 6:1-3
ግናኸ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ኺምለኽ ዚግባእ። ግብ 10:25, 26፣ ራእ 22:8, 9
32. ኣርማጌዶን
ሀ. እከይ ንምጥፋእ ዚግበር ውግእ ኣምላኽ
ኣህዛብ ናብ ኣርማጌዶን ይእከቡ። ራእ 16:14, 16
ኣምላኽ ብወዱን መላእኽትን ገይሩ ይዋጋእ። 2 ተሰ 1:6-9፣ ራእ 19:11-16
ብኸመይ ክንድሕን ንኽእል፧ ጸፎ 2:2, 3፣ ራእ 7:14
ለ. ፍቕሪ ኣምላኽ ኣይገሃስን
ዓለም ካብ መጠን ንላዕሊ ተበላሽያ እያ። 2 ጢሞ 3:1-5
ኣምላኽ ዕጉስ እዩ: ምእንቲ ፍትሒ ግን ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። 2 ጴጥ 3:9, 15፣ ሉቃ 18:7, 8
ቅኑዓት ንኺብልጽጉ: ረሲኣን ኪጠፍኡ ኣለዎም። መዝ 21:18፣ ራእ 11:18
33. ኣገልጋሊ
ሀ. ኵሎም ክርስትያናት ኣገልገልቲ ኪዀኑ ኣለዎም
የሱስ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ነበረ። ሮሜ 15:8, 9፣ ማቴ 20:28
ክርስትያናት ኣብነቱ ይስዕቡ። 1 ጴጥ 2:21፣ 1 ቈረ 11:1
ኣገልግሎቶም ንምፍጻም ኪሰብኩ ይግብኦም። 2 ጢሞ 4:2, 5፣ 1 ቈረ 9:16
ለ. ኣገልጋሊ ንምዃን ዜድሊ ብቕዓታት
መንፈስ ኣምላኽን ፍልጠት ቃል ኣምላኽን ኪህልወካ የድሊ። 2 ጢሞ 2:15፣ ኢሳ 61:1-3
ኣብ ስብከት ኣብነት የሱስ ምስዓብ። 1 ጴጥ 2:21፣ 2 ጢሞ 4:2, 5
ኣምላኽ ብመንፈሱን ብማሕበሩን ኣቢሉ ይምህር። ዮሃ 14:26፣ 2 ቈረ 3:1-3
34. እከይ: ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ
ሀ. በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ ተሓታቲ መን እዩ፧
ሎሚ ዘሎ መከራ ብምኽንያት እኩይ ኣገዛዝኣ መጺኡ። ምሳ 29:2፣ 28:28
ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ጸላኢ ኣምላኽ እዩ። 2 ቈረ 4:4፣ 1 ዮሃ 5:19፣ ዮሃ 12:31
ድያብሎስ ሓጺር ግዜ ተሪፍዎ ስለ ዘሎ መከራ የምጽእ። ራእ 12:9, 12
ድያብሎስ ኪእሰር እዩ: ሰላም ኪሰፍን እዩ። ራእ 20:1-3፣ 21:3, 4
ለ. እከይ ኪቕጽል እተፈቕደ ስለምንታይ እዩ፧
ድያብሎስ ነቲ ፍጡራት ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። እዮ 1:11, 12
እሙናት ዘበሉ ተኣማንነቶም ኬርእዩ ኣጋጣሚ ተዋህቦም። ሮሜ 9:17፣ ምሳ 27:11
ድያብሎስ ሓሳዊ ዀይኑ ስለ እተረኽበ: እቲ ጕዳይ መዕለቢ ኺረክብ እዩ። ዮሃ 12:31
እቶም እሙናት ናይ ዘለኣለም ህይወት ዓስቢ ኣለዎም። ሮሜ 2:6, 7፣ ራእ 21:3-5
ሐ. መወዳእታ ግዜ ምንዋሑ ናይ ምሕረት ምድላው እዩ
ልክዕ ከምቲ ብግዜ ኖህ: መጠንቀቕታ ምሃብ ግዜ ይወስድ። ማቴ 24:14, 37-39
ኣምላኽ ደንጓዪ ዘይኰነስ: መሓሪ እዩ። 2 ጴጥ 3:9፣ ኢሳ 30:18
መጽሓፍ ቅዱስ ዘንጊዕና ኸይንጸንሕ የጠንቅቐና። ሉቃ 21:36፣ 1 ተሰ 5:4
ሎሚ ነቲ ኣምላኽ ንኼዕቍበና ኢሉ ዝገብሮ ምድላዋት ንጠቐመሉ። ኢሳ 2:2-4፣ ጸፎ 2:3
መ. ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ መፍትሒኡ ኻብ ሰብ ኣይኰነን
ደቅሰብ ፈሪሆምን ተደናጊሮምን ኣለዉ። ሉቃ 21:10, 11፣ 2 ጢሞ 3:1-5
መንግስትታት ደቅሰብ ዘይኰነስ: መንግስቲ ኣምላኽ ትዕወት። ዳን 2:44፣ ማቴ 6:10
ብህይወት ንኽንነብር: ምስቲ ንጉስ ናይ ሰላም ዕርቂ ንግበር። መዝ 2:9, 11, 12
35. የሆዋ ኣምላኽ
ሀ. ስም ኣምላኽ
እታ “ኣምላኽ” እትብል ቃል ሓባራዊ ስም እያ፣ ጐይታና ናይ ብሕቲ ስም ኣለዎ። 1 ቈረ 8:5, 6
ስሙ ኪቕደስ ንጽሊ ኢና። ማቴ 6:9, 10
ስም ኣምላኽ የሆዋ እዩ፣ ኣብ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝ 83:18፣ ዘጸ 6:2, 3፣ 3:15፣ ኢሳ 42:8፣ ከምኡውን መዝገበ-ቓላት
የሱስ ስም ኣምላኽ ከም ዚፍለጥ ገይሩ። ዮሃ 17:6, 26፣ 5:43፣ 12:12, 13, 28
ለ. ህልውና ኣምላኽ
ንኣምላኽ ርኢኻ ብህይወት ምንባር ኣይከኣልን። ዘጸ 33:20፣ ዮሃ 1:18፣ 1 ዮሃ 4:12
ንኽንኣምን ንኣምላኽ ክንርእዮ ኣየድልየናን። እብ 11:1፣ ሮሜ 8:24, 25፣ 10:17
ኣምላኽ በቲ ዚርአ ግብሩ እዩ ዚፍለጥ። ሮሜ 1:20፣ መዝ 19:1, 2
ፍጻመ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዘሎ የረጋግጽ። ኢሳ 46:8-11
ሐ. ባህርያት ኣምላኽ
ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። 1 ዮሃ 4:8, 16፣ ዘጸ 34:6፣ 2 ቈረ 13:11፣ ሚክ 7:18
ብጥበብ ሓለፍ ዝበለ እዩ። እዮ 12:13፣ ሮሜ 11:33፣ 1 ቈረ 2:7
ብፍትሒ ዚመላለስ ፍትሓዊ ኣምላኽ እዩ። ዘዳ 32:4፣ መዝ 33:5 ትርጕም 1990
ኵሉ ዚኽእል ሓያል ኣምላኽ እዩ። እዮ 37:23፣ ራእ 7:12፣ 4:11
መ. ኵሎም ሰባት ንሓደ ኣምላኽ ኣይኰኑን ዜምልኹ
ቅንዕቲ እትመስል መገዲ ብዅሉ ቕንዕቲ እያ ማለት ኣይኰነን። ምሳ 16:25፣ ማቴ 7:21
ክልተ መገድታት ኣለዋ: ናብ ህይወት እትወስድ መገዲ ሓንቲ ጥራይ እያ። ማቴ 7:13, 14፣ ዘዳ 30:19
ብዙሓት ኣማልኽቲ እኳ እንተለዉ: እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግና ሓደ እዩ። 1 ቈረ 8:5, 6፣ መዝ 82:1
ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምፍላጥ ህይወት ንምርካብ ኣገዳሲ እዩ። ዮሃ 17:3፣ 1 ዮሃ 5:20
36. የሱስ
ሀ. የሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ: ንጉስ ኪኸውን ተሸይሙ እዩ
በዅሪ ወዲ ኣምላኽ እዩ: ኣምላኽ ካልእ ኵሉ ነገራት ንምፍጣር ተጠቕመሉ። ራእ 3:14፣ ቈሎ 1:15-17
ካብ ሰበይቲ እተወልደ ሰብ ብምዃን ካብ መላእኽቲ ትሕት በለ። ገላ 4:4፣ እብ 2:9
ብመንፈስ ቅዱስ ኣምላኽ ተወልደ: ኣብ ሰማይ ኪነብር ተመደበ። ማቴ 3:16, 17
ካብቲ ቕድሚ ሰብ ምዃኑ ዝነበሮ ኽብሪ ንላዕሊ ኽብ በለ። ፊል 2:9, 10
ለ. ብየሱስ ክርስቶስ ምእማን ንድሕነት ኣድላዪ እዩ
ክርስቶስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ኣብርሃም እዩ። ዘፍ 22:18፣ ገላ 3:16
ሊቀ ኻህናትን በጃን ንሱ በይኑ ጥራይ እዩ። 1 ዮሃ 2:1, 2፣ እብ 7:25, 26፣ ማቴ 20:28
ህይወት ንኣምላኽን ንክርስቶስን ብምፍላጥ ከምኡውን ብምእዛዝ እዩ ዚርከብ። ዮሃ 17:3፣ ግብ 4:12
ሐ. ኣብ የሱስ ካብ ምእማን ንላዕሊ የድሊ
እምነት ብግብሪ ኽትስነ ኣለዋ። ያእ 2:17-26፣ 1:22-25
ክንእዘዝን ከምቲ ዝገበሮ ኽንገብርን ኣሎና። ዮሃ 14:12, 15፣ 1 ዮሃ 2:3
ስም ጐይታ ዚጽውዑ ዅሎም ኣይኰኑን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኣትዉ። ማቴ 7:21-23
37. ደም
ሀ. ምምሕልላፍ ደም ንቕድስና ደም የርክስ
ኖህ: ደም ቅዱስን ህይወትን ምዃኑ ተነጊርዎ ነበረ። ዘፍ 9:4, 16
ሕጊ ኺዳን ደም ምብላዕ ይኽልክል። ዘሌ 17:14፣ 7:26, 27
ክርስትያናት እውን ካብ ደም ኪኽልከሉ ተነጊርዎም። ግብ 15:28, 29፣ 21:25
ለ. ህይወት ንምድሓን ኢልካ ሕጊ ኣምላኽ ምጥሓስ ተቐባልነት የብሉን
ምእዛዝ ካብ መስዋእቲ ይበልጽ። 1 ሳሙ 15:22፣ ማር 12:33
ህይወት ሰብ ልዕሊ ሕጊ ኣምላኽ ምስራዕ ውጽኢቱ ጥፍኣት እዩ። ማር 8:35, 36
38. ዳሕሮት መዓልትታት
ሀ. “መወዳእታ ዓለም” ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
እዚ ኣገባብ እዚ ኼብቅዕ ወይ ኪፍጸም እዩ። ማቴ 24:3፣ 2 ጴጥ 3:5-7፣ ማር 13:4
መወዳእታ ናይ ምድሪ ዘይኰነስ: መወዳእታ እኩይ ኣገባብ እዩ። 1 ዮሃ 2:17
ድሕሪ ግዜ መወዳእታ: ጥፍኣት ኪስዕብ እዩ። ማቴ 24:14
ጻድቃን ካብቲ ጥፍኣት የምልጡ፣ ሓድሽ ኣገባብ ይስዕብ። 2 ጴጥ 2:9፣ ራእ 7:14-17
ለ. ምልክታት ዳሕሮት መዓልትታት ብንቕሓት ክንከታተል ኣሎና
ምልክታት: ኣምላኽ መምርሒ ኪዀነና ኢሉ ዘዳለዎ እዩ። 2 ጢሞ 3:1-5፣ 1 ተሰ 5:1-4
ዓለም ርዝነት እዚ ምልክታት እዚ ኣይተገንዘበቶን። 2 ጴጥ 3:3, 4, 7፣ ማቴ 24:39
ኣምላኽ ኣይድንጕን እዩ: መጠንቀቕታ እዩ ዚህብ ዘሎ። 2 ጴጥ 3:9
ንቕሓትን ጥንቃቐን ዓስቢ ኣለዎ። ሉቃ 21:34-36
39. ድሕነት
ሀ. ድሕነት ብበጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ኣቢሉ ብኣምላኽ እዩ ዚርከብ
ህይወት: ኣምላኽ ብወዱ ዝሃበና ውህበት እያ። 1 ዮሃ 4:9, 14፣ ሮሜ 6:23
ድሕነት ብመስዋእቲ የሱስ ጥራይ እዩ ኺርከብ ዚከኣል። ግብ 4:12
ኣብ “ኣፍ ሞት ኴንካ ብዚግበር ነስሓ” ኺርከብ ኣይከኣልን እዩ። ያእ 2:14, 26
ድሕነት ንምርካብ ጻዕሪ የድሊ። ሉቃ 13:23, 24፣ 1 ጢሞ 4:10
ለ. “ሓንሳእ እንተ ድሒንካ: ንሓዋሩ ድሒንካ ኢኻ ” ዚብል ኣተሓሳስባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን
እቶም ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስ ኪወድቁ ይኽእሉ። እብ 6:4, 6፣ 1 ቈረ 9:27
ብዙሓት እስራኤላውያን ካብ ግብጺ እኳ እንተ ደሓኑ: ደሓር ግን ጠፊኦም። ይሁ 5
ድሕነት ብቕጽበት ኣይኰነን ዚርከብ። ፊል 2:12፣ 3:12-14፣ ማቴ 10:22
እቶም ንድሕሪት ዚምለሱ ኻብ ቀዳማዮም ዳሕራዮም ዝገደደ ይኸውን። 2 ጴጥ 2:20, 21
ሐ. “ኵሉ ኺድሕን እዩ ” ዚብል ሓሳብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን
ገሊኦም ኪንስሑ ኣይከኣሎምን እዩ። እብ 6:4-6
ኣምላኽ ብሞት ረሲእ ባህ ኣይብሎን እዩ። ህዝ 33:11፣ 18:32
ይኹን እምበር: ፍቕሪ ንእከይ ሸለል ኣይትብልን እያ። እብ 1:9
እኩያት ኪጸንቱ እዮም። እብ 10:26-29፣ ራእ 20:7-15
40. ድያብሎስ: ኣጋንንቲ
ሀ. ድያብሎስ መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎ ፍጡር እዩ
ኣብ ውሽጢ ሰብ ዚርከብ ክፍኣት ዘይኰነስ መንፈሳዊ ኣካል ዘለዎ ፍጡር እዩ። 2 ጢሞ 2:26
ድያብሎስ ልክዕ ከም መላእኽቲ ኣካል ኣለዎ። ማቴ 4:1, 11፣ እዮ 1:6
ሕማቕ ባህግታት ብምሕዳር ንገዛእ ርእሱ ድያብሎስ ገበራ። ያእ 1:13-15
ለ. ድያብሎስ ዘይርአ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ
ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝዀነ: ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ እያ። 2 ቈረ 4:4፣ 1 ዮሃ 5:19፣ ራእ 12:9
እቲ እተላዕለ ጕዳይ ክሳዕ ዚምለስ ኪጸንሕ ተፈቕደሉ። ዘጸ 9:16፣ ዮሃ 12:31
ኣብ መዓሙቝ ኪእሰር: ብድሕሪኡ ድማ ኪጠፍእ እዩ። ራእ 20:2, 3, 10
ሐ. ኣጋንንቲ ዓለወኛታት መላእኽቲ እዮም
ንሰይጣን ቅድሚ ማይ ኣይሂ ሓበርዎ። ዘፍ 6:1, 2፣ 1 ጴጥ 3:19, 20
ናብ መዓሙቝ ተደርበዩ: ካብ ኵሉ መንፈሳዊ ብርሃን ተሰጉ። 2 ጴጥ 2:4፣ ይሁ 6
ምስ ኣምላኽ ይዋግኡ: ንደቅሰብ ድማ ይጭቍኑ። ሉቃ 8:27-29፣ ራእ 16:13, 14
ምስ ሰይጣን ኪጠፍኡ እዮም። ማቴ 25:41፣ ሉቃ 8:31፣ ራእ 20:2, 3, 10
41. ጥምቀት
ሀ. ሓደ ክርስትያን ኬማልኦ ዘለዎ ብቕዓት
የሱስ ኣብነት ገዲፉ ኣሎ። ማቴ 3:13-15፣ እብ 10:7
ርእስኻ ናይ ምቕባጽ ወይ ናይ ምውፋይ ምልክት። ማቴ 16:24፣ 1 ጴጥ 3:21
እቶም ኪመሃሩ ዚኽእሉ ዓበይቲ ጥራይ ዚወስድዎ ስጕምቲ። ማቴ 28:19, 20፣ ግብ 2:41
እቲ ግቡእ መገዲ ኣብ ማይ ምጥሓል እዩ። ግብ 8:38, 39፣ ዮሃ 3:23
ለ. ንሓጢኣት ዚሓጽብ ኣይኰነን
የሱስ ሓጢኣቱ ኼጽሪ ኢሉ ኣይኰነን እተጠምቀ። 1 ጴጥ 2:22፣ 3:18
ደም የሱስ እዩ ሓጢኣት ዚሓጽብ። 1 ዮሃ 1:7
42. ጸሎት
ሀ. ኣምላኽ ዚሰምዖ ጸሎት
ኣምላኽ ሰባት ንዚጽልይዎ ጸሎት ይሰምዖ። መዝ 145:18፣ 1 ጴጥ 3:12
እኩያት መገዶም እንተ ዘይለዊጦም: ጸሎቶም ኣይስማዕን። ኢሳ 1:15-17
ጸሎት ብስም የሱስ ኪቐርብ ኣለዎ። ዮሃ 14:13, 14፣ 2 ቈረ 1:20
ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኽንጽሊ ኣሎና። 1 ዮሃ 5:14, 15
እምነት ኣዝያ ኣገዳሲት እያ። ያእ 1:6-8
ለ. ጸሎት ምድግጋም: ናብ ማርያም ወይ ናብ “ቅዱሳን” ምጽላይ ቅቡል ኣይኰነን
ናብ ኣምላኽ ብስም የሱስ ክንጽሊ ኣሎና። ዮሃ 14:6, 14፣ 16:23, 24
ቃላት ብምድግጋም ዚግበር ጸሎት ተሰማዕነት የብሉን። ማቴ 6:7
43. ጽሕፍቶ (ዕድሎት)
ሀ. ሰብ ጽሕፍቶ የብሉን
ዕላማ ኣምላኽ ኣይፈሽልን። ኢሳ 55:11፣ ዘፍ 1:28
ውልቀ-ሰባት ንኣምላኽ ኬገልግሉ ምርጫ ተዋህቦም። ዮሃ 3:16፣ ፊል 2:12
44. ፍጥረት
ሀ. ምስ እተረጋገጸ ስነ -ፍልጠት ይሰማማዕ: ፍልቀት ጌጋ ምዃኑ ድማ የርኢ
ስነ-ፍልጠት ምስ መስርዕ ደረጃታት ፍጥረት ይሰማማዕ። ዘፍ 1:11, 12, 21, 24, 25
እቲ ‘ንዓይነት’ ዚምልከት ሕጊ ኣምላኽ ሓቅነቱ ተረጋጊጹ። ዘፍ 1:11, 12፣ ያእ 3:12
ለ. እተን ናይ ፍጥረት መዓልትታት 24 ሰዓት ንውሓት ዘለወን ኣይኰናን
“መዓልቲ” ኺበሃል ከሎ ንሓደ እተወሰነ ንውሓት ዘለዎ ግዜ ኼመልክት ይኽእል። ዘፍ 2:4
መዓልቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ነዊሕ ግዜ ኪኸውን ይኽእል። መዝ 90:4፣ 2 ጴጥ 3:8