ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bt ምዕ. 18 ገጽ 140-147
  • “ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ”
  • ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣብ ዕዳጋ” ምምሃር (ግብሪ ሃዋርያት 17:16-21)
  • “ኣቱም ሰብ ኣቴና” (ግብሪ ሃዋርያት 17:22, 23)
  • ኣምላኽ “ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” እዩ (ግብሪ ሃዋርያት 17:24-28)
  • “ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ኪንስሑ ይነግር ኣሎ” (ግብሪ ሃዋርያት 17:29-31)
  • “ገለ ሰብኡት ኣመኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 17:32-34)
  • ‘ናብ ምምሃር ኣቕልብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ንኻልኦት ከተረድእ ዚሕግዘካ ኽእለት ኣማዕብል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • እቲ ሕምብርቲ ጥንታዊት ኣቴንስ ዝዀነ ናይ ዕዳጋ ቦታ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ብዛዕባ እቲ ግራውቲ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
bt ምዕ. 18 ገጽ 140-147

ምዕራፍ 18

“ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ”

ጳውሎስ ሓባራዊ ባይታ ኣንበረ፡ ንሰማዕቱ እውን ኣብ ግምት ኣእተወ

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 17:16-34 እተመስረተ

1-3. (ሀ) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ኣቴና ኣመና እተረበሸ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ነቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምጽናዕ፡ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ጳውሎስ ኣመና ተረበሸ። ኣብታ ሶቅራጦስን ፕላቶን ኣሪስቶትልን ምሂሮምላ ዝነበሩ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ከተማ ኣቴና እዩ ነይሩ። ኣቴና ሃይማኖታዊት ከተማ እያ ነይራ። ሰብ ኣቴና ብዙሓት ኣማልኽቲ የምልኹ ስለ ዝነበሩ፡ ጳውሎስ ኣብ ኣብያተ መቕደስን ኣብ ኣደባባያትን ኣብ ጐደናታትን፡ ኰታስ ኣብ ዝኸዶ ዘበለ እተፈላለዩ ጣኦታት ረኣየ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንኣምልኾ ጣኦት ብኸመይ ከም ዚርእዮ፡ ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዘጸ. 20:4, 5) እዚ እሙን ሃዋርያ እውን፡ ከም የሆዋ ንጣኦታት ይፍንፍኖም እዩ ነይሩ!

2 ምናዳ እቲ ጳውሎስ ኣብ ዕዳጋ ዝረኣዮ ነገር ዜሰምብድ እዩ ነይሩ። ብልዕቲ ደቂ ተባዕትዮ ዘለዎ ሓውልትታት ሄርሜስ፡ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኵርናዕ፡ ጥቓ እቲ ቐንዲ መእተዊ ይርከብ ነበረ። እቲ ዕዳጋ ብቕዱስ ዚብሃል ቦታታት መሊኡ ነበረ። እቲ ቐናእ ሃዋርያ ኣብቲ ኣምልኾ ጣኦት ዝመልኦ ሃዋህው ብኸመይ ኪሰብኽ ክኢሉ፧ ስምዒታቱ ተቘጻጺሩ ምስቶም ሰማዕቱ ዜረዳድኦ ሓባራዊ ባይታ ረኺቡዶ፧ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪደልይዎን ኪረኽብዎን ሓጊዝዎምዶ፧

3 እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 17:22-31 ተመዝጊቡ ዚርከብ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቶም ፈላጣት ሰብ ኣቴና ዘቕረቦ መደረ፡ ክእለትን ብልሓትን ምስትውዓልን እተራእየሉ ኣብነት እዩ ነይሩ። ነቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምጽናዕ፡ ንሰማዕትና ኺሓስቡ ምእንቲ ኽንሕግዞም ብኸመይ ሓባራዊ ባይታ ኸም እነንብር ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና።

“ኣብ ዕዳጋ” ምምሃር (ግብሪ ሃዋርያት 17:16-21)

4, 5. ጳውሎስ ኣብ ኣቴና፡ ኣበይ እዩ ሰቢኹ፧ እንታይ ኣጸገምቲ ሰማዕቲ እዮምከ ኣጓኒፎምዎ፧

4 ብ50 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ናብ ኣቴና ኸደ።a ንሲላስን ጢሞቴዎስን ካብ ቤርያ ኺመጽዎ እናተጸበዮም ከሎ፡ ከም ልማዱ፡ “ኣብ ምኵራብ ምስ ኣይሁድ . . . ይዛራረብ ነበረ።” ኣይሁድ ዘይኰኑ ሰብ ኣቴና ንምርካብ እውን፡ “ኣብ ዕዳጋ” ምስ ዝረኸቦም ሰባት ይዛራረብ ነበረ። (ግብ. 17:17) እቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣክሮጶሊስ ዚርከብ ዝነበረ ዕዳጋ ኣቴና፡ ሓሙሽተ ሄክታር ዚኣክል ስፍሓት ነበሮ። እቲ ዕዳጋ እተፈላለየ ነገራት ዚዕደገሉን ዚሽየጠሉን ቦታ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣደባባይ እታ ኸተማ እውን እዩ ነይሩ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ “ቍጠባውን ፖለቲካውን ባህላውን ልቢ እታ ኸተማ” ምንባሩ ገሊጹ ኣሎ። ሰብ ኣቴና ኣብኡ ተኣኪቦም፡ ንኣእምሮ ዜስፍሕ ምይይጥ ምግባር የሕጕሶም እዩ ነይሩ።

ኣቴና—ባህላዊት ርእሲ ኸተማ ጥንታዊት ዓለም

ካብቲ ብሻውዓይ ዘመን ቅ.ክ. ታሪኽ ከተማ ኣቴና ኺምዝገብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣቐዲሙ፡ ኣብታ ኸተማ ዚርከብ ኣክሮጶሊስ ድልዱል ዕርዲ ነበረ። ኣቴና ዋና ኸተማ ኣውራጃ ኣቲካ ዀነት፡ ብኣኽራንን ባሕርን እተኸበበ 2,500 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓቱ ቦታ ድማ ክትገዝእ ጀመረት። ስም እታ ኸተማ ምስታ ሓላዊት እታ ኸተማ ጌርካ እትርአ ኣቴና እትብሃል ኣምላኽ ዚተሓሓዝ እዩ ዚመስል።

ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ሶሎን ዝስሙ ሓጋጊ ብዓል ኣቴና፡ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሕጋውን ቍጠባውን መዋቕር እታ ኸተማ ተሓድሶ ገበረ። ናብራ እቶም ድኻታት ኣመሓየሸ፡ ንዲሞክራስያዊ ዓይነት መንግስቲ ድማ መሰረት ኣንበረ። ይኹን እምበር፡ እቶም ሓራ ዝዀኑ ኽፋል እቲ ህዝቢ ጥራይ እዮም በቲ ዲሞክራሲ ዚጥቀሙ ነይሮም፡ ዝዓበየ ኽፋል ተቐማጦ እታ ኸተማ ባሮት እዮም ነይሮም።

ኣብ ሓምሻይ ዘመን ቅ.ክ.፡ ግሪኻውያን ንፋርሳውያን ምስ ሰዓርዎም፡ ኣቴና ርእሲ ኸተማ እታ ንእሽቶ ሃጸያዊት ግዝኣት ኰነት፣ እታ ሃጸያዊት ግዝኣት ብባሕሪ እትገብሮ ዝነበረት ንግዲ ኻብቲ ብምዕራብ ዚርከብ ኢጣልያን ሲሲሊን ክሳዕ እቲ ብምብራቕ ዚርከብ ቆጵሮስን ሶርያን ይዝርጋሕ ነበረ። ኣቴና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ብልጽግና በጺሓትሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ብስነ ጥበብን ድራማን ፍልስፍናን ጣቋ መደረን ስነ ፍልጠትን ጸብለል ዝበለት ብምንባራ፡ ባህላዊት ማእከል ጥንታዊት ዓለም እያ ነይራ። ብሓያሎ ህንጻታትን መቓድስን መልኪዓ ነበረት። ካብ ማዕዶ ኽትርአ ኸላ፡ እቲ ኣክሮጶሊስ ዚብሃል ኵርባ ጐሊሑ ይርአ ነበረ፣ ኣብቲ ዅርባ ኸኣ፡ ፓርተኖን ዚብሃል ቤተ መቕደስን 12 ሜተር ዝቝመቱ ብወርቅን ስኒ ሓርማዝን እተሰርሐ ጣኦት ኣቴናን ይርከብ ነበረ።

ኣቴና ፈለማ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ስፓርታውያን፡ ድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ መቄዶናውያን፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ትሕቲ ሮማውያን ወደቐት፣ እዚኣቶም ድማ ሃብታ ዘረፉ። ኰይኑ ግና፡ ብግዜ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሳላ እቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኽብራ፡ ሓለፋ ኻልኦት እያ እትርአ ነይራ። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ብሮሜ ዚመሓደር ኣውራጃ ኣይተጠቓለለትን፣ የግዳስ፡ ንዜጋታት ባዕላ ሕግታታ ኸተውጽእ ተፈቕደላ፡ ንሮሜ ግብሪ ኸይትግብር ድማ ናጻ ዀነት። ዝለዓለ ኽብሪ ዝረኸበትሉ ግዜ ሓሊፉ እኳ እንተ ነበረ፡ ደቂ ሃብታማት መጽናዕቲ ዚገብሩሉ ዩኒቨርሲቲ ዚርከበላ ኸተማ ዀይና ቐጺላ እያ።

5 ጳውሎስ ኣብቲ ዕዳጋ ኣጸገምቲ ሰማዕቲ እዮም ኣጓኒፎምዎ። ገለ ኻብቶም ሰማዕቱ፡ ኣባላት እተን ንሓድሕደን ዚቀናቐና ኣብያተ ትምህርቲ ፍልስፍና ዝዀኑ ሰዓብቲ ኤጲቁሬዎስን ሰዓብቲ እስጦይኮስን ነበሩ።b ሰዓብቲ ኤጲቁሬዎስ፡ ህይወት ብድንገት ከም ዝመጸ እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ብዛዕባ ህይወት ዝነበሮም ኣረኣእያ፡ “ኣምላኽ ኣየፍርህን፣ ሞት ኣየፍርህን፣ ሰናይ ኪብጻሕ ይከኣል፣ እከይ ኪጽወር ይከኣል” ብዚብል ቃላት ኪግለጽ ይከኣል እዩ። ሰዓብቲ እስጦይኮስ ከኣ፡ ኣብ ርትዓውን ስነ መጐታውን ኣተሓሳስባ ዜተኵሩ ዀይኖም፡ ኣምላኽ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ከም ዝዀነ ገይሮም ኣይኣምኑሉን እዮም ነይሮም። ሰዓብቲ ኤጲቁሬዎስ ኰኑ ሰዓብቲ እስጦይኮስ፡ ኣብቲ ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዚምህርዎ ትንሳኤ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም። እቲ እዞም ክልተ ጕጅለታት ዚስዕብዎ ፍልስፍና ምስቲ ጳውሎስ ዚሰብኮ ዝነበረ ኽብ ዝበለ ናይ ሓቂ ክርስትና ዚሰማማዕ ኣይነበረን።

6, 7. ገሊኦም ግሪኻውያን ምሁራት ንትምህርቲ ጳውሎስ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ ሎሚኸ እንታይ ተመሳሳሊ ዅነታት ኬጋጥመና ይኽእል፧

6 እቶም ግሪኻውያን ምሁራት ንትምህርቲ ጳውሎስ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ ገሊኦም፡ “ዓጃው” ወይ ቃል ብቓሉ “ለቓሚ ዘርኢ” ዝትርጉሙ ቓል እዮም ተጠቒሞም። (ግብ. 17:18) ሓደ ምሁር፡ ብዛዕባ እዛ ናይ ግሪኽኛ ቓል እዚኣ ኸምዚ በለ፦ “እታ ቓል ኣብ ፈለማ፡ እናዞረት እኽሊ ንእትለቅም ንእሽቶ ዑፍ ተመልክት ነበረት፣ ጸኒሑ ኸኣ ድርባይ ምግብን ካልእ ጐሓፍን ካብ ዕዳጋ ንዚለቕሙ ሰባት ይዕየየላ ነበረ። ድሕርዚ ድማ፡ ብስእላዊ ኣዘራርባ ምትእስሳር ዘይብሉ ሓበሬታ ንዚለቓቕም፡ ምናዳ ኸኣ ብሓባር ኪጥርንፎ ንዘይክእል ሰብ ከተመልክት ጀመረት።” ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እቶም ሰባት ንጳውሎስ ካብ ካልእ ዝቐድሖ ሓሳብ ዚደግም ደንቈሮ ኸም ዝዀነ ገይሮም እዮም ርእዮምዎ። እንተዀነ ግና፡ ከምዚ ቐጺልና እንርእዮ፡ ጳውሎስ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጸርፊ ኣይተዳህለን።

7 ሎሚ እውን ካብኡ እተፈልየ ኣይኰነን። ንሕና ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነትና ኣደዳ ጸርፊ ዄንና ኢና። ንኣብነት፡ ገሊኦም መምህራን፡ ፍልቀት ጭቡጥ ሓቂ ምዃኑ ይምህሩ፡ ኣስተውዓሊ እንተ ዄንካ ኸኣ ክትቅበሎ ኸም ዘሎካ ይዛረቡ እዮም። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቶም ኣብኡ ዘይኣምኑ ኸም ደናቝር ገይሮም እዮም ዚርእይዎም። ብሰንኪ ኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ምሁራት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኽንገልጽን ንተፈጥሮ ንድፊ ኸም ዘለዎ ኽንሕብርን ከለና፡ ሰባት ‘ለቐምቲ ዘርኢ’ ኸም ዝዀንና ገይሮም ኪርእዩና ይኽእሉ እዮም። ንሕና ግና በዚ ኣይንደሃልን ኢና። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ህይወት ኣብ ምድሪ ኺህሉ ዝኸኣለ እቲ ኣስተውዓሊ ነዳፊ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ስለ ዝገበሮ ምዃኑ፡ ብምትእምማን ንዛረብ ኢና።—ራእ. 4:11።

8. (ሀ) ገሊኦም ንስብከት ጳውሎስ ዝሰምዑ እንታይ ምላሽ ሃቡ፧ (ለ) ንጳውሎስ ናብ ኣርዮስፋጎስ ምውሳዶም እንታይ ማለት ኪኸውን ይኽእል፧ (ዘሎ እግረ ጽሑፍ ርአ።)

8 ገለ ኻብቶም ኣብቲ ዕዳጋ ንስብከት ጳውሎስ ዝሰምዑ ግና፡ እተፈልየ ምላሽ እዮም ሂቦም። “ሰባኺ ጓኖት ኣማልኽቲ ይመስል” በሉ። (ግብ. 17:18) ጳውሎስ ንሰብ ኣቴና ሓደስቲ ኣማልኽቲ ድዩ ዜፋልጦም ነይሩ፧ እዚ ኣርዚንካ ዚርአ ጕዳይ እዩ ነይሩ፣ ሶቅራጥስ ቅድሚ እተወሰነ ዘመናት ብተመሳሳሊ ኽሲ ተኸሲሱ፡ ንሞት ተፈሪድዎ ነይሩ እዩ። ስለዚ ድማ፡ ንጳውሎስ ናብ ኣርዮስፋጎስ ወሲዶም፡ እቲ ንሰብ ኣቴና ጋሻ ነገር ዝመስሎም ትምህርቲ ኺገልጸሎም ሓተትዎ።c ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቶም ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ዘይፈልጡ ሰባት፡ ንእምነቱ ብኸመይ ተጣቢቑሉ፧

ሰዓብቲ ኤጲቁሬዎስን ሰዓብቲ እስጦይኮስን

ሰዓብቲ ኤጲቁሬዎስን ሰዓብቲ እስጦይኮስን፡ ሰዓብቲ ኽልተ እተፈላለየ ኣብያተ ትምህርቲ ፍልስፍና እዮም ነይሮም። ክልቲኦም ጕጅለ ኣብ ትንሳኤ ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም።

ሰዓብቲ ኤጲቁሬዎስ፡ ኣማልኽቲ ኸም ዘለዉ ይኣምኑ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንሰባት ከም ዘይግደሱሎምን በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ዓስቢ ኸም ዘይህብዎምን ከም ዘይቀጽዕዎምን ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ፡ ጸሎት ኰነ መስዋእቲ ኸም ዘይጠቅም እዮም ዚዛረቡ ነይሮም። ተድላ ምርካብ፡ ኣብ ህይወት ዚርከብ ዝበለጸ ጽቡቕ ነገር ምዃኑ ይኣምኑ ነበሩ። ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ዚጥሕስ እዩ ነይሩ። መጠን ሓሊኻ ምምልላስ የተባባዑ እኳ እንተ ነበሩ፡ እዚ ግና ፋሉል ምዃን ካብ ዜምጽኣሎም ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኬምልጡ ኢሎም እዮም ዚገብርዎ ነይሮም። ፍልጠት ዚደልዩ ዝነበሩ እውን፡ ካብ ሃይማኖታዊ ፍርህን ማሪታዊ እምነትን ኬምልጡ ጥራይ ኢሎም እዮም።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሰዓብቲ እስጦይኮስ፡ ኵሉ ነገራት ክፍሊ እቲ ብርእሱ ሓሲቡ ዚዓዪ ኣካል ዘይብሉ መለኮት ከም ዝዀነ፡ ነፍሲ ሰብ ድማ ካብዚ ኸም ዝመንጨወት እዮም ዚኣምኑ ነይሮም። ገሊኣቶም፡ ነፍሲ ውዒላ ሓዲራ ምስ ዩኒቨርስ ብሓባር ከም እትጠፍእ ይኣምኑ ነበሩ። ገሊኣቶም ከኣ፡ ነፍሲ ኣብ መወዳእታ ዳግም ክፍሊ እቲ መለኮት ከም እትኸውን ይኣምኑ ነበሩ። እቶም ሰዓብቲ እስጦይኮስ ዝዀኑ ፈላስፋታት፡ ንተፈጥሮ ብምስዓብ ሓጐስ ከም ዚርከብ ይዛረቡ ነበሩ።

“ኣቱም ሰብ ኣቴና” (ግብሪ ሃዋርያት 17:22, 23)

9-11. (ሀ) ጳውሎስ ምስ ሰማዕቱ ዜረዳድኦ ሓባራዊ ባይታ ንምንባር ዝጸዓረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣብ ኣገልግሎትና ኣብነት ጳውሎስ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

9 ጳውሎስ በቲ ዝረኣዮ ኣምልኾ ጣኦት ኣመና ተረቢሹ ምንባሩ ትዝክሮ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ቀይዲ ዘይብሉ መጥቃዕቲ ኣብ ክንዲ ዚፍኑ፡ ብህድኣት ተዛረበ። ብሜላ ሓባራዊ ባይታ ብምንባር፡ ንሰማዕቱ ኼእምኖም ጸዓረ። “ኣቱም ሰብ ኣቴና፡ ብዅሉ ነገር ብዝያዳ ፍርሃት ኣማልኽቲ ኸም ዘሎኩም እርኢ ኣለኹ” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ። (ግብ. 17:22) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ‘ብዝያዳ ሃይማኖተኛታት ምዃንኩም እርኢ ኣለኹ’ እዩ ዚብል ነይሩ። ሃይማኖተኛታት ብምዃኖም ብጥበብ ነኣዶም። ገለ ኻብቶም በቲ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ዝዓወሩ ሰባት፡ ዚሰምዕ ልቢ ኺህልዎም ከም ዚኽእል ይፈልጥ ነበረ። ከመይሲ፡ ንሱ ንባዕሉ ኣብ ሓደ እዋን “ብዘይ ፍልጠትን ብዘይ እምነትን” ይገብር ምንባሩ ኣይረስዖን።—1 ጢሞ. 1:13።

10 ጳውሎስ ኣብቲ ሓባራዊ ባይታ ኺሃንጽ ከሎ፡ ሰብ ኣቴና ሃይማኖተኛታት ምዃኖም ዜርኢ ጭቡጥ መረጋገጺ ምዕዛቡ ገለጸ፣ እዚ ድማ እቲ “ንዘይተፈልጠ ኣምላኽ” ዝወፈይዎ መሰውኢ እዩ። ብመሰረት ሓደ ምንጪ፡ “ግሪኻውያንን ካልኦትን ኣብ ኣምልኾኦም ዝረስዕዎ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይቅየሞም ኢሎም፡ ‘ንዘይተፈልጡ ኣማልኽቲ’ መሰውኢታት ናይ ምውፋይ ልማድ ነበሮም።” ሰብ ኣቴና በቲ መሰውኢ እቲ ኣቢሎም፡ ዘይፈልጥዎ ኣምላኽ ከም ዘሎ ተኣሚኖም እዮም። ጳውሎስ በቲ መሰውኢ እቲ ተጠቒሙ፡ ናብቲ ዚሰብኮ ዝነበረ ብስራት ሰገረ። “እዚ ኸይፈለጥኩም እተምልኽዎ ዘለኹም፡ ኣነ እሰብከልኩም ኣለኹ” በሎም። (ግብ. 17:23) ሓያል ነጥቢ እዩ ኣቕሪቡ። ከምቲ ገሊኦም ዝኸሰስዎ፡ ሓድሽ ወይ ጓና ኣምላኽ ኣይኰነን ዚሰብከሎም ነይሩ። ነቲ ንሳቶም ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ ዚገልጸሎም ነይሩ።

11 ኣብ ኣገልግሎትና ኣብነት ጳውሎስ ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ኣስተውዓልቲ እንተ ዄንና፡ ሓደ ሰብ ሃይማኖተኛ ምዃኑ ኽንዕዘብ ንኽእል ኢና፣ ምናልባት ሃይማኖታዊ ነገራት ኬንጠልጥል፡ ኣብ ቤቱ ኺሰቅል፡ ወይ ኣብ ቀጽሩ ኺገብር ይኽእል እዩ። ‘ሃይማኖተኛ ምዃንካ እርኢ ኣለኹ። ምስ ሃይማኖተኛ ሰብ ከዛራርብ እደሊ እየ’ ኽንብሎ ንኽእል ኢና። ነቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዘለዎ ስምዒት ብሜላ ብምንኣድ፡ ሓባራዊ ባይታ ኸነንብር ንኽእል ኢና። ንሰባት ብምኽንያት ሃይማኖቶም ኣቐዲምና ኽንፈርድ ዕላማና ኸም ዘይኰነ ኣይንረስዕ። ኣብ መንጎና፡ ንናይ ሓሶት ሃይማኖት ብቕንዕና ተቐቢሎምዎ ዝነበሩ ብዙሓት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኣለዉ።

ሓደ መንእሰይ ኣብ ናይ ስነ ፍልጠት ክፍሊ፡ ንመምህሩን ንደቂ ኽፍሉን ይዛረቦም።

ሓባራዊ ባይታ ኸተንብር ፈትን

ኣምላኽ “ካብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ” እዩ (ግብሪ ሃዋርያት 17:24-28)

12. ጳውሎስ ንሰማዕቱ ኣብ ግምት ዘእተወ ብኸመይ እዩ፧

12 ጳውሎስ ሓባራዊ ባይታ እኳ እንተ ኣንበረ፡ ኪምስክረሎም ከሎ ግና ነዚ ዓቂብዎዶ፧ ሰማዕቱ ብፍልስፍና ግሪኻውያን እተማህሩን ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ሌላ ዘይብሎምን ምዃኖም ስለ ዝፈለጠ፡ ኣብ ኣቀራርባኡ ብእተፈላለየ መገዲ ነዚ ኣብ ግምት ኣእተወ። ቀዳማይ፡ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብቐጥታ ኸይጠቐሰ፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ኣቕረበ። ካልኣይ፡ ኣብ ገሊኡ “ንሕና” እናበለ፡ ከምቶም ሰማዕቱ ምዃኑ ዜንጸባርቕ ኣዘራርባ ተጠቕመ። ሳልሳይ፡ ገሊኡ ዚምህሮ ነገራት ኣብ ጽሑፋቶም ከም ዘሎ ንምሕባር፡ ካብ ጽሑፋት ግሪኽኛ ጠቐሰ። ሕጂ ነቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ ሓያል መደረ ንመርምር። ብዛዕባ እቲ ሰብ ኣቴና ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ኣምላኽ እንታይ ኣገዳሲ ሓቅታት እዩ ዝገለጸሎም፧

13. ጳውሎስ ብዛዕባ ምንጪ ዩኒቨርስ እንታይ እዩ ዝገለጸ፧ ኬመሓላለፎ ዝደለየ መልእኽቲኸ እንታይ እዩ ነይሩ፧

13 ኣምላኽ ንዩኒቨርስ ፈጢርዎ። ጳውሎስ፡ “እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎ ዅሉን ዝገበረ ኣምላኽ፡ ንሱ ጐይታ ሰማይን ምድርን ብምዃኑ፡ ብኢድ ኣብ እተሃንጸ ኣብያተ መቕደስ ኣይነብርን እዩ” በለ።d (ግብ. 17:24) ዩኒቨርስ ብድንገት ኣይኰነን ናብ ህልውና መጺኡ። ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ፡ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እዩ። (መዝ. 146:6) እቲ ልዑላዊ ጐይታ ሰማይን ምድርን ከምቶም ክብሮም ኣብ ኣብያተ መቕደስን መሰውኢታትን ዚምርኰስ ጣኦት ኣቴናን ካልኦት ኣማልኽትን ዘይኰነስ፡ ብኢድ ሰብ እተሃንጸ ኣብያተ መቕደስ ኣይሕዞን እዩ። (1 ነገ. 8:27) ጳውሎስ ኬመሓላልፎ ዝደለዮ መልእኽቲ ንጹር እዩ፦ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብቲ ብሰብ ኣብ እተሃንጸ ኣብያተ መቕደስ ዚርከብ ሰብ ዝሰርሖ ጣኦታት ዝዓበየ እዩ።—ኢሳ. 40:18-26።

14. ኣምላኽ ኣብ ሰባት ከም ዘይምርኰስ፡ ጳውሎስ ብኸመይ ገለጸ፧

14 ኣምላኽ ኣብ ሰባት ኣይምርኰስን እዩ። ኣምለኽቲ ጣኦት ንምስልታቶም ክንክን ዜድልዮም ገይሮም ስለ ዚሓስቡ፡ ብሉጽ ኽዳውንቲ ይኸድንዎም፡ ክቡር ህያባት ይህብዎም፡ ምግብን መስተን ከኣ የቕርቡሎም ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ካብቶም ንጳውሎስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ግሪኻውያን ፈላስፋታት፡ ሓደ ኣምላኽ ካብ ሰባት ዋላ ሓደ ነገር ከም ዘይደሊ ይኣምኑ ነይሮም ይዀኑ። ከምኡ ዚኣምኑ እንተ ነይሮም፡ ነቲ ጳውሎስ፡ “[ኣምላኽ] ገለ ኸም ዚጐድሎስ ያኢ ብኢድ ሰብ ኣይግልገልን እዩ” ኢሉ እተዛረቦ ዘረባ ኸም እተሰማምዑሉ ኣይጠራጠርን እዩ። እወ፡ ሰባት ንፈጣሪ ኺህብዎ ዚኽእሉ ዋላ ሓደ ነገር የሎን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሱ ንሰባት ዜድልዮም፡ ማለት “ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን፡” እንተላይ ጸሓይን ዝናምን ፍርያም ምድርን ይህቦም እዩ። (ግብ. 17:25፣ ዘፍ. 2:7) ስለዚ፡ እቲ ወሃቢ ዝዀነ ኣምላኽ፡ ኣብቶም ተቐበልቲ ዝዀኑ ሰባት ኣይምርኰስን እዩ።

15. ጳውሎስ ነቲ ሰብ ኣቴና ኻብ ግሪኻውያን ዘይኰኑ ሰባት ከም ዚበልጹ ዝነበሮም እምነት ብኸመይ ሓዞ፧ ካብ ኣብነቱኸ እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል፧

15 ኣምላኽ ንሰብ ፈጠሮ። ሰብ ኣቴና ኻብ ግሪኻውያን ዘይኰኑ ሰባት ንላዕሊ ምዃኖም ይኣምኑ ነበሩ። ብዜግነትካ ወይ ብዓሌትካ ምሕባን ግና፡ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ዚጋጮ እዩ። (ዘዳ. 10:17) ጳውሎስ ነዚ ተነቃፊ ጕዳይ እዚ ብሜላን ብኽእለትን ሓዞ። “[ኣምላኽ] ካብ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ዅላ ገጽ ምድሪ ኺነብሩ፡ ኵሉ ህዝቢ ገይሩ እዩ” ኺብል ከሎ፡ ንሰማዕቱ ሓንሳእ ከም ዚሓስቡ ገይርዎም ኪኸውን ኣለዎ። (ግብ. 17:26) ነቲ ብዛዕባ እቲ ኣቦ ዅሎም ዓሌት ደቂ ሰብ ዝዀነ ኣዳም ዚገልጽ ኣብ ዘፍጥረት ዚርከብ ጸብጻብ እዩ ዚሕብር ነይሩ። (ዘፍ. 1:26-28) ኵሎም ደቂ ሰብ ሓደ ኣቦ ስለ ዘለዎም፡ ዋላ ሓደ ዓሌት ወይ ብሄር ካብ ካልእ ኣይበልጽን እዩ። እቶም ንጳውሎስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት ነዚ ነጥቢ እዚ ኺስሕትዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ካብ ኣብነቱ፡ ኣገዳሲ ትምህርቲ ኢና እንምሃር። ኣብ ዕዮ ስብከትና ሜለኛታትን ሚዛናውያንን ክንከውን እኳ እንተ ኣሎና፡ ሰባት ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኪቕበልዎ ኢልና፡ ሓይሉ ኸነድክሞ ኣይንደልን ኢና።

16. ፈጣሪ ብዛዕባ ደቂ ሰብ እንታይ ዕላማ እዩ ዘለዎ፧

16 ዕላማ ኣምላኽ፡ ሰባት ናብኡ ኪቐርቡ እዩ። እቶም ንጳውሎስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ፈላስፋታት ብዛዕባ ዕላማ ህልውና ሰብ ንነዊሕ እዋን ዋላ እንተ ተኻትዑ፡ ዜዕግብ መልሲ ኪረኽቡ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ጳውሎስ ግና ነቲ ፈጣሪ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኺገልጸሎም ከሎ፡ “ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሓቐ ኽነሱ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ ኢሉ እዩ” በለ። (ግብ. 17:27) እቶም ሰብ ኣቴና ዘይፈልጥዎ ዝነበሩ ኣምላኽ፡ ከቶ ዘይፍለጥ ኣይኰነን። መሕልፎ እኳ ደኣስ፡ ካብቶም ብሓቂ ኺረኽብዎን ብዛዕባኡ ኺምሃሩን ዚደልዩ ዘይረሓቐ እዩ። (መዝ. 145:18) ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፍና” ኺብል ከሎ፡ ንርእሱ ምስቶም ንኣምላኽ ‘ኪደልይዎን ሃሰስ ኪብልዎን’ ዘለዎም ሰባት ከም ዝቘጸራ ኣስተብህል።

17, 18. ደቂ ሰብ፡ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ስሕበት ኪስምዖም ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧ ካብቲ ጳውሎስ ንሰማዕቱ ዝቐረበሉ መገዲኸ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

17 ደቂ ሰብ፡ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ስሕበት ኪስምዖም ይግባእ። ጳውሎስ፡ “ብእኡ [ብኣምላኽ] ኢና እንነብርን እንወሳወስን፡ ብእኡ እውን ኢና ዘለና” በለ። ገሊኦም ምሁራት፡ ጳውሎስ ንቓላት እቲ ኣብ ሻድሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ኢጲመኒደስ ዚብሃል ቅሬጥሳዊ ገጣሚ ይእምት ምንባሩ ይገልጹ፣ እዚ ገጣሚ እዚ፡ “ኣብ ሃይማኖታዊ ልምዲ ሰብ ኣቴና ኣገዳሲ” እዩ ነይሩ። ደቂ ሰብ፡ ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ስለምንታይ ስሕበት ኪስምዖም ከም ዚግባእ፡ ጳውሎስ ኪገልጽ ከሎ፡ “ከምቲ ገለ ኻብ ተቐነይትኹም ዚብልዎ፡ ‘ንሕና እውን ደቁ ኢና’” በለ። (ግብ. 17:28) ደቂ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዝምድና ኸም ዘለዎም ኪስምዖም ይግባእ፣ ንሱ ነቲ ኣቦ ዅሎም ደቂ ሰብ ዝዀነ ሰብ ፈጢርዎ እዩ። ጳውሎስ ንሰማዕቱ ንምስሓብ ኢሉ፡ ብጥበብ ካብቲ ሰማዕቱ ብዘይ ጥርጥር ዜኽብርዎ ጽሑፋት ግሪኽኛ ብቐጥታ ጠቐሰ።e ንሕና እውን ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ፡ ካብ ዓለማዊ ታሪኽ፡ ካብ መዝገበ ፍልጠት፡ ወይ ካብ ካልእ ቅቡል መወከሲታት ብእተወሰነ መጠን ንጠቅስ ኢና። ንኣብነት፡ ኣኽቢርካ ኻብ ዚርአ ምንጪ ዚጥቀስ ጥቕሲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዘይኰኑ ሰባት፡ ብዛዕባ መበቈል ገሊኡ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ልምድታት ወይ በዓላት ኬእምኖም ይኽእል እዩ።

18 ጳውሎስ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ዝረኣናዮ ኽፋል ዘረባኡ፡ ንሰማዕቱ ኣብ ግምት እናኣእተወ፡ ብዛዕባ ኣምላኽ ኣገዳሲ ሓቅታት ኣመሓላሊፉ እዩ። ነቶም ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰብ ኣቴና በቲ ሓበሬታ እቲ ተደሪኾም እንታይ ኪገብሩ እዩ ዚደልዮም ነይሩ፧ ዘረባኡ ኪቕጽል ከሎ፡ ከይተደናጐየ ነዚ ነገሮም።

“ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ኪንስሑ ይነግር ኣሎ” (ግብሪ ሃዋርያት 17:29-31)

19, 20. (ሀ) ሰብ ንዝሰርሖ ጣኦታት ምምላኽ ዕሽነት ምዃኑ፡ ጳውሎስ ብሜላ ዘቃልዐ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቶም ንጳውሎስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት እንታይ ስጕምቲ ኺወስዱ ነበሮም፧

19 ጳውሎስ ነቶም ሰማዕቱ ኺምሕጽኖም ተዳለወ። ምስቲ ኻብ ጽሑፋት ግሪኽኛ ዝወሰዶ ጥቕሲ ኣተሓሒዙ፡ “እምበኣር፡ ደቂ ኣምላኽ ካብ ኰንና፡ ኣምላኽ ከምቲ ብብልሓትን ብምህዞን ሰብ እተገብረ ወርቂ ወይ ብሩር ወይ እምኒ ኸም ዚመስል ጌርና ኽንሓስቦ ኣይግብኣናን እዩ” በሎም። (ግብ. 17:29) እወ፡ ንሰባት ዝገበሮም ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ከመይ ገይሩ ደኣ እዩ ኣምላኽ መልክዕ እቲ ብሰባት እተገብረ ጣኦታት ኪሕዝ ዚኽእል፧ ጳውሎስ ብሜላ ዘቕረቦ መረዳእታ፡ ሰብ ዝሰርሖም ጣኦታት ምምላኽ ዕሽነት ምዃኑ ኣቃልዐ። (መዝ. 115:4-8፣ ኢሳ. 44:9-20) ኰይኑ ግና፡ “ኣይግብኣኩምን እዩ” ዘይኰነስ፡ “ኣይግብኣናን እዩ” ብምባሉ፡ ነቲ መግናሕቲ ኸይከብዶም ሓጊዙ ኪኸውን ኣለዎ።

20 ኣስዕብ ኣቢሉ፡ ስጕምቲ ኺወስዱ ኸም ዘለዎም ንጹር ንምግባር፡ “ኣምላኽ ነቲ ግዜያት ድንቍርና [ማለት፡ ነቲ ኣምላኽ በቶም ኣምለኽቲ ጣኦት ከም ዚሕጐስ ገይሮም ዚሓስቡሉ እዋን] ሸለል ኢልዎ እዩ፣ ሕጂ ግና ኣብ ኵሉ ቦታ ንዘለዉ ዅሎም ሰባት ኪንስሑ ይነግር ኣሎ” በሎም። (ግብ. 17:30) ገሊኦም ንጳውሎስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ነዚ ኺንስሑ ዝቐረበሎም ጻውዒት ምስ ሰምዑ፡ ሰምቢዶም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሓያል ዘረባኡ ግና፡ ህይወቶም ካብ ኣምላኽ ከም እተዋህቦም፡ በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸብጻብ ዚህቡ ምዃኖም ብንጹር ኣርእይዎም እዩ። ንኣምላኽ ኪደልይዎን ብዛዕባኡ ሓቂ ኺምሃሩን ህይወቶም ምስቲ ሓቂ ኼሰማምዑን ነይርዎም። ስለዚ ድማ፡ ኣምልኾ ጣኦት ሓጢኣት ምዃኑ ፈሊጦም፡ ካብኡ ኺርሕቑ ነበሮም።

21, 22. ጳውሎስ ንዘረባኡ ብምንታይ ሓያል ቃላት እዩ ዝዛዘመ፧ እዚኸ ንዓና እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧

21 ጳውሎስ ዘረባኡ በዚ ዚስዕብ ሓያል ቃላት ደምደመ፦ “[ኣምላኽ] በቲ ዝሸሞ ሰብኣይ ኣቢሉ ንዓለም ብጽድቂ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ኣሎ፣ ንዕኡ ኻብ ምዉታት ብምትንሳእ ከኣ፡ ንዅሎም ሰባት መተኣማመኒ ሂብዎም ኣሎ።” (ግብ. 17:31) መዓልቲ ፍርዲ ትመጽእ ምህላዋ፡ ንናይ ሓቂ ኣምላኽ ኪደልይዎን ኪረኽብዎን ኣቕሊልካ ዘይርአ ምኽንያት እዩ ዚዀኖም። ጳውሎስ ነቲ እተመደበ ፈራዲ ኣይጠቐሰሎምን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብዛዕባ እቲ ፈራዲ ሓደ ዜደንጹ ነገር ገለጸ፣ እዚ ኸኣ ሰብ ኰይኑ ይነብር ምንባሩን ሙማቱን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንሰኦን እዩ።

22 እቲ ዜነቓቕሕ መደምደምታ፡ ሎሚ ንዓና ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ። እቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ፈራዲ፡ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ዮሃ. 5:22) መዓልቲ ፍርዲ፡ ሓደ ሽሕ ዓመት ዚኣክል ንውሓት ከም ዚህልዋን ብቕልጡፍ ትቐርብ ከም ዘላን እውን ንፈልጥ ኢና። (ራእ. 20:4, 6) እዛ መዓልቲ እዚኣ ንእሙናት ሰባት እዚ ዘይብሃል በረኸት ከም እተምጽኣሎም ስለ እንፈልጥ፡ ንመዓልቲ ፍርዲ ኣይንፈርሃን ኢና። ዜደንቕ መጻኢ ኸም ዚጽበየና ዘሎና ተስፋ፡ በቲ ኻብ ኵሉ ተኣምራት ዝዓበየ ተኣምር እዩ ተረጋጊጹ፣ እዚ ኸኣ ትንሳኤ የሱስ ክርስቶስ እዩ።

“ገለ ሰብኡት ኣመኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 17:32-34)

23. እቶም ንዘረባ ጳውሎስ ዝሰምዑ እንታይ እተፈላለየ ምላሽ እዮም ሂቦም፧

23 እቶም ንዘረባ ጳውሎስ ዝሰምዑ እተፈላለየ ምላሽ ሃቡ። ገሊኦም ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ምስ ሰምዑ፡ “ኣላገጹሉ።” ገሊኦም ከኣ ዋላ እውን ብእሩም መገዲ እንተ ተዛረቡ፡ ስጕምቲ ኺወስዱ ስለ ዘይደለዩ ግና፡ “ብዛዕባ እዝስ ካልእ ግዜ እውን ክንሰምዓካ ኢና” በልዎ። (ግብ. 17:32) ይኹን እምበር፡ “ገለ ሰብኡት ከኣ ሓበርዎ፡ ኣመኑ እውን። ካባታቶም ድማ እቲ ዳኛ መጋባእያ ኣርዮስፋጎስ ዝነበረ ድዮኒስዮስን ደማሪስ እትብሃል ሰበይትን ካልኦትን ነበሩ።” (ግብ. 17:34) ንሕና እውን ኣብ ኣገልግሎትና ተመሳሳሊ ምላሽ እዩ ዜጋጥመና። ገሊኦም ኬላግጹልና ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና በቲ መልእኽትና ግዲ እኳ እንተ ዘይብሎም፡ ብእሩም መገዲ ይምልሱልና። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪቕበሉን ኣመንቲ ኪዀኑን ከለዉ የሐጕሰና እዩ።

24. ካብቲ ጳውሎስ ኣብ ኣርዮስፋጎስ እተዛረቦ ዘረባ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

24 ነቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ዘረባ ኸነስተንትነሉ ኸለና፡ ብዛዕባ ስነ መጐታውን ዜእምንን ኣዘራርባ፡ ከምኡ እውን ብኸመይ ንሰማዕትና ኣብ ግምት ከነእቱ ኸም ዘሎና ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብናይ ሓሶት ሃይማኖት እምነታት ንዝዓወሩ ሰባት ክንዕገሶምን ብሜላ ኽንቀርቦምን ከም ዘሎና ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ንሰማዕትና ኸነሐጕስ ኢልና ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኽንለማለም ከም ዘይብልና እውን ንምሃር ኢና። ኣብነት ጳውሎስ ብምስዓብ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ዝያዳ ውጽኢታውያን መምህራን ክንከውን ንኽእል ኢና። ሓለውቲ እውን ኣብ ጉባኤ ዝያዳ ብቕዓት ዘለዎም መምህራን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ሰባት “ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ፡ ሃሰስ ኢሎም እውን እንተ ረኸብዎ” ኢልና ንምሕጋዞም ብግቡእ እተዓጠቕና ንኸውን።—ግብ. 17:27።

a “ኣቴና—ባህላዊት ርእሲ ኸተማ ጥንታዊት ዓለም” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b “ሰዓብቲ ኤጲቁሬዎስን ሰዓብቲ እስጦይኮስን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

c ኣርዮስፋጎስ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣክሮጶሊስ ዚርከብ ኰይኑ፡ መአከቢ ቐንዲ ባይቶ ኣቴና እዩ ነይሩ። እቲ “ኣርዮስፋጎስ” ዚብል መጸውዒ፡ ነቲ ባይቶ ወይ ነቲ ዅርባ ኼመልክት ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ እተወስደሉ ቦታ እተፈላለየ ኣረኣእያ እዩ ዘሎ፣ ገሊኦም ናብቲ ዅርባ ኸም እተወስደ ሓሳብ ኪህቡ ኸለዉ፡ ገሊኦም ግና ናብ ካልእ መአከቢ እቲ ባይቶ፡ ምናልባት ከኣ ናብቲ ኣብ ዕዳጋ ዚርከብ መአከቢ ኸም እተወስደ ይገልጹ።

d እታ “ዓለም” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል ኮስሞስ እትብል ኰይና፡ ግሪኻውያን ነዛ ቓል እዚኣ ንግኡዝ ዩኒቨርስ ንምግላጽ ይጥቀሙላ ነበሩ። ጳውሎስ ምስቶም ሰማዕቱ ሓባራዊ ባይታ ኺህልዎ ይጽዕር ስለ ዝነበረ፡ ነዛ ቓል እዚኣ በዚ መገዲ እዚ ተጠቒሙላ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

e ጳውሎስ ካብቲ ፌኖሚና ዚብሃል ሰዓቢ እስጦይኮስ ዝዀነ ኣራጦስ ዝገጠሞ ነዊሕ ግጥሚ እዩ ጠቒሱ። ተመሳሳሊ ቓላት ኣብ ካልእ ጽሑፋት ግሪኽኛ፡ እንተላይ ኣብቲ በቲ ሰዓቢ እስጦይኮስ ዝዀነ ቅሊንጠስ እተጻሕፈ ሂም ቱ ዙስ እውን ይርከብ እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ