ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና እንታይ ክትረክብ ኢኻ፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
    • ትምህርቲ 5

      ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና እንታይ ክትረክብ ኢኻ፧

      ኣብ ኣርጀንቲና ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ

      ኣርጀንቲና

      ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሰራ ልዮን

      ሰራ ልዮን

      ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ በልጅዩም

      በልጅዩም

      ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማለዥያ

      ማለዥያ

      ብዙሓት ሰባት፡ ካብ ሃይማኖታዊ ኣኼባታት መንፈሳዊ መምርሒ ወይ መጸናንዒ ኺረኽቡ ስለ ዘይከኣሉ፡ ናብኡ ምኻድ ኣቋሪጾም እዮም። እሞኸ ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚዳሎ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክትእከብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ኣብኡኸ እንታይ ኢኻ ኽትረክብ፧

      ምስ ፈቃራትን ሓለይትን ሰባት ብምሕባርካ ትሕጐስ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ብጉባኤታት እተወደቡ ነበሩ፣ ንኣምላኽ ንምምላኽን ቅዱሳት ጽሑፋት ንምጽናዕን ንሓድሕዶም ንምትብባዕን ከኣ ኣኼባታት ይገብሩ ነበሩ። (እብራውያን 10:24, 25) ፍቕሪ ኣብ ዝሰፈኖ ሃዋህው ይእከቡ ስለ ዝነበሩ ድማ፡ ምስ ናይ ሓቂ ኣዕሩኾም፡ ማለት ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋቶም ከም እተኣከቡ ዀይኑ ይስምዖም ነበረ። (2 ተሰሎንቄ 1:3፣ 3 ዮሃንስ 14) ንሕና እውን ኣርኣያኦም ንስዕብን ከማታቶም ሓጐስ ንረክብን ኢና።

      ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እተውዕሎ ትምሃር። ከምቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዚግበር ዝነበረ፡ ሎሚ እውን ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ብሓንሳእ እዮም ዚእከቡ። ብቕዓት ዘለዎም መምህራን፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኣብ ናብራና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸም እንኽእል ምእንቲ ኸነስተውዕል፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሮም ይሕግዙና እዮም። (ዘዳግም 31:12፣ ነህምያ 8:8) ኵሉ ሰብ ኣብቲ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን መዝሙር ኣብ ምዝማርን ኪሳተፍ ይኽእል እዩ፣ እዚ ድማ፡ ክርስትያናዊ ተስፋና ኽንገልጽ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና።—እብራውያን 10:23።

      ኣብ ኣምላኽ ዘላትካ እምነት ትድልድል። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓንቲ ብግዜኡ ዝነበረት ጉባኤ፡ “ክርእየኩም እናፍቕ ኣለኹ፣ ማለት፡ ብእምነት ሓድሕድና፡ በታ ናትኩምን በታ ናተይን እምነት፡ ንሓድሕድና ኽንተባባዕ ኢለ እየ” በላ። (ሮሜ 1:11, 12) ኣብ ኣኼባታትና፡ ኣመንቲ ምስ ዝዀኑ ብጾትና ኣዘውቲርና ስለ እንራኸብ፡ እምነትናን ክርስትያናዊ ናብራ ኽንነብር ዝገበርናዮ ቘራጽነትን ይድልድል እዩ።

      እሞኸ፡ ኣብ ዚቕጽል ናብ ኣኼባታትና ኼድካ፡ ነዚ ነገራት እዚ ስለምንታይ ብዓይንኻ ዘይትርእዮ፧ ሓንጐፋይ ኢሎም ኪቕበሉኻ እዮም። መእተዊ ዅሉ ኣኼባታትና ብናጻ እዩ፣ እናዞርካ ድማ ገንዘብ ኣይእከብን እዩ።

      • ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንገብር ከለና፡ ናይ መን ኣርኣያ ኢና እንስዕብ፧

      • ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብምእካብ፡ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

      ንተወሳኺ ሓበሬታ

      ኣብ ኣኼባታትና ኽትእከብ ቅድሚ ምጅማርካ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ውሽጡ ኽትርእዮ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ናብኡ ኺወስደካን ኬርእየካን ሕተቶ።

  • ምስ ክርስትያን ብጾትና ምሕባርና ብኸመይ ይጠቕመና፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
    • ትምህርቲ 6

      ምስ ክርስትያን ብጾትና ምሕባርና ብኸመይ ይጠቕመና፧

      ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ሓቢሮም ግዜ የሕልፉ

      ማዳጋስካር

      ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ንክርስትያን ብጻዩ ይሕግዞ

      ኖርወይ

      ክርስትያን ሽማግለታት ኣማኒት ንዝዀነት ብጸይቶም ይበጽሕዋ

      ሊባኖስ

      ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም ግዜ የሕልፉ

      ኢጣልያ

      ዋላ እውን ጣሻ ኣቋሪጽና ወይ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ተጻዊርና፡ ኣዘውቲርና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ንእከብ ኢና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ህይወቶም ጸገማት ዜሕልፉን ብመዓልታዊ ስራሖም ዚደኽሙን ክነሶም፡ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኪሓብሩ ጻዕሪ ዚገብሩ ስለምንታይ እዮም፧

      ንጥቕምና እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ እንረኽቦም ብጾትና ኺዛረብ ከሎ፡ “ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” በለ። (እብራውያን 10:24) እዚ መግለጺ እዚ፡ ንሓድሕድና ኽንተሓላለ፡ ወይ ንሓድሕድና ኣጸቢቕና ኽንፋለጥ ዚእምት እዩ። ስለዚ፡ ቃላት እቲ ሃዋርያ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ተገዳስነት ኪህልወና የተባብዕ። ምስ ካልኦት ክርስትያን ስድራ ቤታት ኣጸቢቕና ምስ እንፋለጥ፡ ገሊኣቶም ከም ናትና ዝበለ ብድሆታት ብዓወት ከም ዝሰገሩን ንሕና እውን ብዓወት ክንሰግሮ ኺሕግዙና ኸም ዚኽእሉን ክንግንዘብ ኢና።

      ነባሪ ዕርክነት ይሃንጽ። ኣብ ኣኼባታትና፡ ሌላ ምስ ዘሎና ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ቀረባ ዕርክነት ምስ ዘሎና ሰባት እውን ኢና እንእከብ። ኣብ ካልእ እዋናት እውን፡ ምሳታቶም ሓቢርና ብጥዑይ መዘናግዒ ንዘናጋዕ ኢና። እዚ ሕብረት እዚ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ ንሓድሕድና ንከባበር፣ እዚ ኸኣ ንፍቕርና የደልድሎ። ሽዑ፡ ብጾትና ጸገማት ኬጓንፎም ከሎ፡ ድልዱል ዕርክነት ስለ ዝሰረትና፡ ብፍታው ንሕግዞም። (ምሳሌ 17:17) ምስ ኵሎም ኣባላት ጉባኤና ብምሕባር፡ ‘ንሓድሕድና ኸም እንተሓላለ’ ነርኢ።—1 ቈረንቶስ 12:25, 26።

      ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ዘለዉ፡ ፈተውትኻ ኽትገብሮም ነተባብዓካ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፈተውቲ፡ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትረክብ ኢኻ። ምሳና ኻብ ምሕባር፡ ሓደ እኳ ኺዓግተካ ኣይትፍቀድ።

      • ኣብ ኣኼባታት ምስ ካልኦት ምሕባር ንጥቕምና ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

      • ምስ ጉባኤና መዓስ ክትላለ ትደሊ፧

  • ኣኼባታትና ኸመይ ይመስል፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
    • ትምህርቲ 7

      ኣኼባታትና ኸመይ ይመስል፧

      ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኒው ዚላንድ

      ኒው ዚላንድ

      ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጃፓን

      ጃፓን

      ኣብ ኡጋንዳ፡ ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ መስክር መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ

      ኡጋንዳ

      ኣብ ሊትወይንያ፡ ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብመርኣያ የቕርባ

      ሊትወይንያ

      ቀዳሞት ክርስትያናት ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት፡ ብዓብይኡ መዝሙራትን ጸሎትን ንባብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ብዛዕባኡ ዚግበር ምይይጥን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ፣ ሃይማኖታዊ ጽምብል ከኣ ኣይነበሮን። (1 ቈረንቶስ 14:26) ኣብ ኣኼባታትና እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዘሎ።

      እቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱሳውን ግብራውን እዩ። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ህይወትናን ብዛዕባ ግዜናን እንታይ ከም ዚብል ዚገልጽ 30 ደቂቕ ዚወስድ ህዝባዊ መደረ ንምስማዕ ትእከብ እያ። ኵላትና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ኽንከታተል ንተባባዕ ኢና። ድሕሪ እቲ መደረ፡ ሓደ ሰዓት ዚወስድ መጽናዕቲ “ግምቢ ዘብዐኛ” ኣሎ፣ ኣብኡ ኸኣ፡ ኣባላት ጉባኤ ኣብቲ ኣብ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ዓንቀጽ ተመርኲስካ ኣብ ዚግበር ምይይጥ ኪሳተፉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ምይይጥ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መምርሒ ኣብ ህይወትና ኸነውዕሎ ይሕግዘና። ኣብተን ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከባ ልዕሊ 110,000 ጉባኤታት ሕደ ትምህርቲ እዩ ዚጽናዕ።

      ክእለት ኣመሃህራና ኸነመሓይሽ ንሕገዝ። ኣብ መንጎ ሰሙን ሓደ ምሸት ከኣ፡ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ዚብሃል ኣብታ ኣብ ወወርሒ እትወጽእ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን እተመርኰሰ ሰለስተ ኽፋል ዘለዎ ኣኼባ ንገብር ኢና። እቲ ቐዳማይ ክፋል፡ “ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ” ዚብሃል ኰይኑ፡ ካብቲ እታ ጉባኤ ኣቐዲማ ኣንቢባቶ ዝመጸት ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት የቕስመና። ድሕሪኡ፡ እቲ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ” ዚብሃል ክፋል፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ንኻልኦት ብኸመይ ከም እነመያየጥ ዜርኢ መርኣያታት ኣለዎ። ሓደ መኻሪ ድማ ክእለት ንባብን ዘረባን ምእንቲ ኸነመሓይሽ ምኽሪ ይህበና። (1 ጢሞቴዎስ 4:13) ኣብቲ “ክርስትያናዊ ህይወት” ዚብሃል ናይ መወዳእታ ኽፋል ከኣ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ከም እንትግብሮ ንምሃር። ኣብኡ ኸኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ግንዛበ ዜዕምቘልና ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ ኣሎ።

      ኣብ ኣኼባታትና ምስ ተኣከብካ፡ ብጽፈት እቲ ኣብኡ እትረኽቦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትምሰጥ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ኢሳይያስ 54:13።

      • ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይቐርብ፧

      • ኣብ ዚቕጽል፡ ኣብ ኣየናይ ሰሙናዊ ኣኼባታትና ኽትእከብ ትደሊ፧

      ንተወሳኺ ሓበሬታ

      ገለ ኻብቲ ኣብ ዚቕጽል ሒደት ኣኼባታት ዚቐርብ ትምህርቲ መርምር። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ጠቓሚ ኪኸውን ዚኽእል እንታይ ነጥብታት ከም እትረክብ ርአ።

ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ