-
ጽሑፋትና ዚጸሓፍን ዚትርጐምን ብኸመይ እዩ፧ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
-
-
ትምህርቲ 23
ጽሑፋትና ዚጸሓፍን ዚትርጐምን ብኸመይ እዩ፧
ክፍሊ ጽሕፈት፡ ሕ.መ.ኣ.
ደቡብ ኮሪያ
ኣርመንያ
ቡሩንዲ
ስሪ ላንካ
“ንዅሎም ኣህዛብን ነገዳትን ቋንቋታትን ህዝብታትን” “ብስራት” ንምብሳር ዚከኣለና ዘበለ ምእንቲ ኽንገብር፡ ብልዕሊ 750 ቋንቋ ጽሑፋት ነዳሉ ኢና። (ራእይ 14:6) ነዚ በዳሂ ዕዮ እዚ ብኸመይ ኢና እንፍጽሞ፧ ብሓገዝ እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ጸሓፍትን ውፉያት ተርጐምትን ኢና እዚ ኽንገብር ክኢልና፣ ኵሎም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም።
እቲ በዅሪ ጽሑፍ ብእንግሊዝኛ ይዳሎ። ኣመሓዳሪ ኣካል ንንጥፈታት እቲ ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትና ዚርከብ ክፍሊ ጽሕፈት ይከታተል። ክፍሊ ጽሕፈት ድማ፡ ነቲ እቶም ኣብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈትን ኣብ ገሊአን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ዜገልግሉ ጸሓፍቲ ዚዓይዎ ዕዮ የተሓባብር። ኣባላት ክፍሊ ጽሕፈት እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ምዃኖም፡ እተፈላለየ ባህሊ ንዘለዎም ሰባት ዚትንክፍ ጽሑፋት ከነዳሉ ሓጊዙና እዩ፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ጽሑፋትና ዓለምለኻዊ ትሕዝቶ ኺህልዎ ኽኢሉ እዩ።
እቲ ጽሑፍ ናብ ተርጐምቲ ይለኣኽ። እቲ ጽሑፍ ምስ ተሰናደወን ምስ ጸደቐን፡ ብኤሌክትሮኒካዊ መገዲ ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዘለዉ ጕጅለታት ተርጐምቲ ይለኣኽ፣ ንሳቶም ከኣ ነቲ ጽሑፍ ተርጒሞም ይእርምዎን የጽፍፍዎን። ንትርጉም እቲ ብእንግሊዝኛ እተጻሕፈ ጽሑፍ ምሉእ ብምሉእ ብቛንቋኦም ዜመሓላልፍ “ልክዕ ቃላት ሓቂ” ኺሓርዩ እዮም ዚጽዕሩ።—መክብብ 12:10።
ኮምፕዩተር ነቲ መስርሕ የቀላጥፎ። ኮምፕዩተር ናይ ጸሓፍትን ተርጐምትን ስራሕ ኪሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ኮምፕዩተር ዚርከብ መዝገበ ቓላትን ካልእ ንትርጉምን ንምርምርን ዚሕግዝ ናውትን ነቲ ስራሕ ኬቀላጥፎ ይኽእል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ማልቲላንጐጅ ኤሌክትሮኒክ ፓብሊሽንግ ሲስተም (መፕስ) ዚብሃል ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ኣዳልዮም ኣለዉ። እዚ ፕሮግራም እዚ፡ ብኣማእታት ዚቝጸር ቋንቋታት ክትጽሕፈሉን ንጽሑፍ ምስ ስእሊ ጌርካ ኸተሰናድዎን ጽሑፋት ንሕትመት ከተዳሉን ይሕግዝ።
ሒደት ኣሽሓት ሰባት ብዚዛረብዎ ቛንቋታት እውን ከይተረፈ ጽሑፋት ከነዳሉ ጻዕሪ እንገብር ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ፡ “ኵሉ ዓይነት ሰብ ኪድሕንን ናብ ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ኺመጽእን” ፍቓድ የሆዋ እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4።
ጽሑፋትና ብኸመይ ይጽሓፍ፧
ጽሑፋትና ብብዙሕ ቋንቋታት እንትርጕሞ ስለምንታይ ኢና፧
-
-
ዓለምለኻዊ ዕዮና ብኸመይ ይምወል፧ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
-
-
ትምህርቲ 24
ዓለምለኻዊ ዕዮና ብኸመይ ይምወል፧
ነፓል
ቶጎ
ብሪጣንያ
ውድብና፡ ዓመታዊ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸር መጽሓፍ ቅዱሳትን ካልእ ጽሑፋትን ይሓትምን ብናጻ ይዕድልን እዩ። ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ንሃንጽን ንጽግንን ኢና። ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ቤት-ኤላውያንን ሚስዮናውያንን ደገፍ ንገብረሎም፡ መዓት ኬጋጥም ከሎ ድማ ረድኤት ንልእኽ ኢና። ስለዚ፡ ‘እዚ ዅሉ ብኸመይ እዩ ዚምወል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።
ዕሽር ኣይንወስድን፡ ገንዘብ ኣይነኽፍልን፡ ወይ እናዞርና ገንዘብ ኣይንእክብን። ነቲ እንዓዮ ዕዮ ወንጌላውነት ብዙሕ ወጻኢታት ነውጽእ እኳ እንተ ዀንና፡ ገንዘብ ኣይንልምንን ኢና። ልዕሊ ሓደ ዘመን ይገብር ዝወጸት ካልአይቲ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ደገፍ የሆዋ ዘሎና ምዃንና ኸም እንኣምን፡ ‘ናይ ሰብ ረድኤት ከኣ ከም ዘይንልምን ወይ ከም ዘይንሓትት’ ጠቒሳ ነይራ፣ ክሳዕ ሎሚ እውን ከምኡ ኣይገበርናን።—ማቴዎስ 10:8።
ንጥፈታትና ብወለንታ ብዚግበር ወፈያታት ይድገፍ። ብዙሓት ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምሃር ዕዮና ስለ ዜማስዉሉ፡ ንዕኡ ዚኸውን ወፈያ ይውፍዩ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ ኣብ መላእ ዓለም ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ግዜኦምን ጕልበቶምን ገንዘቦምን ካልእ ጥሪቶምን ተሓጒሶም የዋጽኡ እዮም። (1 ዜና መዋእል 29:9) ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትናን፡ ነቶም ወፈያ ኺገብሩ ዚደልዩ እተዳለወ ሳጹናት ውጽኢት ኣሎ። ወይ ከኣ በቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ኣቢልካ እውን ወፈያ ኪግበር ይከኣል እዩ። መብዛሕትኡ ገንዘብ፡ ውሱን ዓቕሚ ኻብ ዘለዎም ሰባት እዩ ዚርከብ፣ ንሳቶም ድማ ምስታ ኣብ መመጽወቲ ኽልተ ሰናቲም ዘውደቐት እሞ የሱስ ጽቡቕ እተዛረበላ ድኻ መበለት ኪመሳሰሉ ይኽእሉ እዮም። (ሉቃስ 21:1-4) ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ “ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ” ምእንቲ ኺህብ፡ በብእዋኑ ‘ኣዋህሊሉ ኬቐምጥ’ ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 16:2፣ 2 ቈረንቶስ 9:7።
የሆዋ፡ ፍቓዱ ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቶም ‘ብጥሪቶም ኬኽብርዎ’ ዚደልዩ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኪድግፉ ወትሩ ልቦም ከም ዜለዓዕል ንኣምን ኢና።—ምሳሌ 3:9።
ውድብና ኻብ ካልኦት ሃይማኖታት ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧
ብወለንታ ዚግበር ውጽኢት ብኸመይ ኢና እንጥቀመሉ፧
-
-
ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚህነጽ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
-
-
ትምህርቲ 25
ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚህነጽ ስለምንታይን ብኸመይን እዩ፧
ቦሊቭያ
ናይጀርያ፡ ቀደምን ሕጅን
ታሂቲ
ከምቲ እቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚብል ስም ዚእምቶ፡ እቲ ኣብኡ ዚቐርብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብታ የሱስ ኣብ ኣገልግሎቱ ዜተኵረላ ዝነበረት መንግስቲ ኣምላኽ ዘተኰረ እዩ።—ሉቃስ 8:1።
ኣብቲ ማሕበረሰብ፡ ማእከላት ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብቲ ቦታ እቲ ተላዒልካ እዩ ዚግበር። (ማቴዎስ 24:14) ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ እተፈላለየ ዕቤትን ንድፍን እኳ እንተ ኣለዎ፡ ኵሉ ግና ተራ ኣዳራሽ ኰይኑ፡ መብዛሕትኡ ንልዕሊ ሓንቲ ጉባኤ የገልግል። ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ምስ ወሰኽ ጉባኤታትና ንምስጓም፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸር ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ (ብገምጋም ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ) ሃኒጽና ኢና። እዚ ኸመይ ኢሉ ኪኸውን ክኢሉ፧—ማቴዎስ 19:26።
ንማእከላዊ ማዕከን ብእተገብረ ወፈያታት ይህነጽ። እዚ ወፈያታት እዚ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይለኣኽ እሞ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሃንጻ ወይ ኬጥርያ ንዚደልያ ጉባኤታት ይውሃበን።
እተፈላለየ ደረጃ ናብራ ብዘለዎም ዘይክፈሎም ወለንተኛታት ይህነጽ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ጕጅለታት ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተወዲቡ ኣሎ። ጕጅለታት ኣገልገልትን ወለንተኛታትን ህንጸት፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ካብ ሓንቲ ጉባኤ ናብ ካልእ ጉባኤ፡ አረ ናብ ግሉል ቦታታት እውን እናተንቀሳቐሱ፡ ኣብኡ ንዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ምህናጽ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ይሕግዝዎም እዮም። ኣብ ካልኦት ሃገራት ድማ፡ ብቑዓት ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንህንጸትን ንሕደሳን ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪቈጻጸሩ ተሸይሞም ኣለዉ። ብዙሓት ክኢላታት ሰብ ሞያ ብወለንታ ጕልበቶም ይውፍዩ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህንጸት ዚካየደሉ ቦታ፡ ኣባላት እታ ዚህነጸላ ጉባኤ ንመብዛሕትኡ እቲ ዜድሊ ጕልበት የበርክቱ እዮም። መንፈስ የሆዋን ህዝቡ ብምሉእ ነፍሶም ዚገብርዎ ጻዕርታትን፡ ነዚ ዅሉ ኸም ዚከኣል ይገብሮ ኣሎ።—መዝሙር 127:1፣ ቈሎሴ 3:23።
ቦታታት ኣምልኾና፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ ብዘላ ዓለም ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኪህነጽ እተኻእለ ብኸመይ እዩ፧
-