መዝሙር 41
ብመዓልትታት ንእስነትካ ንየሆዋ ኣምልኮ
1. ፍቑራን ኢኹም ዎ መንእሰያት፡
ኣብ ቅድሚ የሆዋውን ክቡራት፣
የሆዋ ፍቕሩ ይዝርግሓልኩም፡
ብስድራ ቤትኩም፡ ብፈተውትኹም።
2. ንወለድኹም እውን ኣኽብሩ፡
ኣይትቋየቑ፡ ’ይትከራኸሩ፣
ኣብ ቅድሚ ዅሉ ዚርከብ ሞገስ፡
ንንእስነትኩም ይመልኦ ሓጐስ።
3. ወትሩ ንፈጣሪኹም ዘክሩ፡
ንሓቂውን ናታትኩም ግበሩ፣
ንኣምላኽ ውፉያት እንተ ዄንኩም፡
ንልቡ ሓጐስ ተምጽኡ ኢኹም።
(መዝ. 71:17፣ ድጕ. 3:27፣ ኤፌ. 6:1-3 እውን ርአ።)