ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • fg ትምህርቲ 4 ሕቶ. 1-5
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
  • ብስራት ኣምላኽ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • የሱስ ክርስቶስ—ብኣምላኽ እተላእከ ድዩ፧
    ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ
  • የሱስ ክርስቶስ መን ኢዩ፧
    ኣምላኽ ካባና ዝደልዮ ብቕዓት እንታይ ኢዩ፧
  • በጃ—ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
ብስራት ኣምላኽ
fg ትምህርቲ 4 ሕቶ. 1-5

ትምህርቲ 4

የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧

1. ህይወት የሱስ ብኸመይ ጀሚሩ፧

1. የሱስ ኣብ ሰማይ፣ 2. ህጻን የሱስ ምስ ማርያምን ዮሴፍን፣ 3. የሱስ ቈልዑ ኺምህር ከሎ

ንየሱስ ተቐራቢ ዝገበሮ ባህርያት እንታይ እዩ፧​—ማቴዎስ 11:29፣ ማርቆስ 10:13-16።

የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ፡ መንፈሳዊ ፍጡር ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይነብር ስለ ዝነበረ፡ ካብ ደቂ ሰብ እተፈልየ እዩ። (ዮሃንስ 8:23) ንሱ ናይ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ እዩ። ካልእ ኵሉ ኣብ ምፍጣር ከኣ ሓጊዙ እዩ። ብየሆዋ ብቐጥታ እተፈጥረ ንሱ ጥራይ ስለ ዝዀነ፡ “ንኣቦኡ [ንኣምላኽ] ሓደ ዝዀነ ወዲ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ዮሃንስ 1:14) የሱስ ከም ኣፈኛ ኣምላኽ ኰይኑ ስለ ዘገልገለ እውን፡ “ቃል” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።—ምሳሌ 8:22, 23, 30፣ ቈሎሴ 1:15, 16 ኣንብብ።

2. የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ ስለምንታይ እዩ፧

ኣምላኽ ንህይወት ወዱ ኻብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ሓንቲ ማርያም እትብሃል ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ብምስጋር፡ ንወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ። ስለዚ፡ የሱስ ሰብኣዊ ኣቦ ኣይነበሮን። (ሉቃስ 1:30-35) የሱስ ናብ ምድሪ ዝመጸ፡ (1) ብዛዕባ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኺምህር፡ (2) ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እውን ከይተረፈ ብኸመይ ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ከም እንኽእል ኣብነት ኪሓድገልና፡ (3) ፍጹም ህይወቱ “በጃ” ኺህብ ኢሉ እዩ።—ማቴዎስ 20:28 ኣንብብ።

3. በጃ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

በጃ ንሓደ ሰብ ካብ ሞት ሓራ ንምውጻእ ዚኽፈል ዋጋ እዩ። (ዘጸኣት 21:29, 30) ሞትን እርጋንን ክፋል እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ኣይነበረን። ከምኡ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧ ኣምላኽ ነቲ ናይ መጀመርታ ሰብ ዝዀነ ኣዳም፡ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙ ኸም ዚመውት ነጊርዎ ነበረ። ስለዚ፡ ኣዳም እንተ ዘይሓጥእ ነይሩ ኣይምሞተን። (ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 5:5) ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሞት ብኣዳም ኣቢሉ ናብ ናይ ደቂ ሰብ ዓለም ‘ኣተወ።’ በዚ ኸምዚ፡ ኣዳም ናብ ኵሎም ዘርኡ፡ ሓጢኣትን እቲ መቕጻዕቲ ሓጢኣት ዝዀነ ሞትን ኣሕለፈ። ካብቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ መቕጻዕቲ ሞት ሓራ ምእንቲ ኽንወጽእ ድማ በጃ የድልየና።—ሮሜ 5:12፣ 6:23 ኣንብብ።

ነቲ ኻብ ሞት ሓራ ዜውጽኣና በጃ ኪኸፍሎ ዚኽእል መን እዩ፧ ክንመውት ከለና፡ ዕዳ ሓጢኣትና ጥራይ ኢና እንኸፍል። ዝዀነ ይኹን ዘይፍጹም ሰብ፡ ዕዳ ሓጢኣት ካልኦት ኪኸፍል ኣይክእልን እዩ።—መዝሙር 49:7-9 ኣንብብ።

4. የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧

የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ከሎ፡ ድሕሪ ካብ ሞት ተንሲኡ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ኪገዝእ ከሎ

የሱስ ከማና ዘይኰነስ፡ ፍጹም እዩ ነይሩ። ሓጢኡ ስለ ዘይፈልጥ ከኣ፡ ብሰንኪ ሓጢኣቱ ኺመውት ኣየድለዮን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ምእንቲ ሓጢኣት ካልኦት ኢሉ እዩ ሞይቱ። ኣምላኽ ከም መግለጺ እታ ንደቂ ሰብ ዘላቶ መወዳድርቲ ዘይብላ ፍቕሪ፡ ንወዱ ምእንታና ኺመውት ለኣኾ። የሱስ እውን ንኣቦኡ ተኣዚዙ ምእንቲ ሓጢኣትና ህይወቱ ብምሃብ፡ ንዓና ዘላቶ ፍቕሪ ኣርእዩ እዩ።—ዮሃንስ 3:16፣ ሮሜ 5:18, 19 ኣንብብ።

የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ

5. ሎሚ የሱስ እንታይ ይገብር ኣሎ፧

የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ፡ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምውታት ኣተንሲኡ፡ እተፈላለየ ጸገማት ንዝነበሮም ሰባት እውን ካብ ስቓይ ኣናጊፍዎም እዩ። በዚ ኸምዚ ኣብ መጻኢ ንዅሎም እዙዛት ደቂ ሰብ እንታይ ከም ዚገብረሎም ኣርኣየ። (ማቴዎስ 15:30, 31፣ ዮሃንስ 5:28) የሱስ ምስ ሞተ፡ ኣምላኽ መንፈሳዊ ህይወት ሂቡ ኣተንስኦ። (1 ጴጥሮስ 3:18) ድሕሪኡ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኺገዝእ ዜኽእሎ ስልጣን ካብ የሆዋ ኽሳዕ ዚወሃቦ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐመጠ። (እብራውያን 10:12, 13) ኣብዚ እዋን እዚ፡ ንጉስ ኰይኑ ኣብ ሰማይ ይገዝእ ኣሎ፣ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ሰዓብቱ ኸኣ ኣብ መላእ ዓለም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይእውጁ ኣለዉ።—ዳንኤል 7:13, 14፣ ማቴዎስ 24:14 ኣንብብ።

ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሱስ ነቲ ኸም ንጉስ መጠን ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ፡ ንዅሉ መከራን ነቶም መከራ ዜውርዱን ኬጥፍኦም እዩ። ኵሎም እቶም ብእኡ ዚኣምኑን ዚእዘዝዎን ሰባት ግና፡ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ብህይወት ኪነብሩ እዮም።—መዝሙር 37:9-11 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 4ን 5ን እታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ