መዝሙር 37
ቅዱሳት ጽሑፋት—መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ
1. ቃል ኣምላኽ ይህብ ብርሃን፡
ነእጋርና ትኽ የብለን።
ምስ ’ነርኢ ድልድልቲ እምነት፡
ንነብርውን ብሓርነት።
2. ዝነፈሶ’ዩ መንፈስ፡
ፍልጠት ኣምላኽ ይልግስ፣
ይረድኣና ንምዕራይ፡
ተግሳጽ የሆዋ ምጽባይ።
3. በዚ ጽሑፋት ጌርና፡
ፍቕሪ ኣምላኽ ፈሊጥና፣
ንምርምሮ ዕለት ዕለት፡
ንኽንረክብ ዓስቢ ህይወት።
(መዝ. 119:105፣ ምሳ. 4:13 እውን ርአ።)