መዝሙር 23
የሆዋ እዩ ሓይልና
1. የሆዋ ኣምላኽ እዩ ሓይልና፡
ምንጪ ሓጐስና’ዩ፡ መድሓኒና፣
መሰኻኽርካ’ና ባሮት ናትካ፡
ንሰባትውን ንነግሮም ክብርኻ።
(ኣዝማች)
የሆዋ ኣምላኽ፡ ዋልታ፡ ሓይልና፡
ስምካ ንእውጅ ኣዘውቲርና።
ኵሉ ዚኽእል’ዩ፡ ያህ ኣምላኽና፡
መናገፊና’ዩ፡ መድሓኒና።
2. ምንጪ ደስታና’ዩ ’ቲ ብርሃንካ፡
ሓቂ ኣርኢኻና፡ ኣነጺርካ፣
ምስ መርመርናዮ ንትእዛዛትካ፡
ተሰሊፍና’ሎና፡ ኣብ ጐድንኻ።
(ኣዝማች)
የሆዋ ኣምላኽ፡ ዋልታ፡ ሓይልና፡
ስምካ ንእውጅ ኣዘውቲርና።
ኵሉ ዚኽእል’ዩ፡ ያህ ኣምላኽና፡
መናገፊና’ዩ፡ መድሓኒና።
3. ዎ የሆዋ ኣምላኽ ደግፈና፡
ፍቓድካ ኽንገብር’ዩ ድሌትና፡
ሰይጣን ብውዲቱ ተጽበበልና፡
ንኣምነካ ኢና ኣጽንዓና።
(ኣዝማች)
የሆዋ ኣምላኽ፡ ዋልታ፡ ሓይልና፡
ስምካ ንእውጅ ኣዘውቲርና።
ኵሉ ዚኽእል’ዩ፡ ያህ ኣምላኽና፡
መናገፊና’ዩ፡ መድሓኒና።
(2 ሳሙ. 22:3፣ መዝ. 18:2፣ ኢሳ. 43:12 እውን ርአ።)