“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
1. “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ መጽሓፍ ንምንታይ ዕላማ እያ ተሓቲማ፧
1 ነታ “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ብምርካብና፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ተሓጒስና! ኣመሓዳሪ ኣካል ናብ ኵሎም ኣፍቀርቲ የሆዋ ዝጸሓፋ ደብዳበ፡ በዘን ዚስዕባ ቓላት እያ እትዛዝም፦ “ንሓቂ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ንኽትዓየላ፡ በዚ ኸምዚ ድማ ናብ ‘ህይወት ዘለኣለም’ ንምብጻሕ ንርእስኻ ‘ብፍቕሪ ኣምላኽ’ ንኽትሕልዋ እዛ መጽሓፍ ክትሕግዘካ ተስፋ ንገብር።—ይሁ. 21።”
2. እዛ ሓዳስ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ምንታይ መዳያት ህይወት እያ ኽትሕግዘና፧
2 እንታይ ክትጽበ ኸም እትኽእል፦ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ከም ዕርክነት፡ መዘናግዒ፡ ንስልጣን ዚወሃብ ኣኽብሮት፡ ብሕታዊ ልማዳት፡ መውስቦ፡ ዘረባ፡ ዝጸንሐ ልምድታት ብኸመይ ይዓዪ፧ ሕልናና ብመሰረት እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተገልጸ ልዑል ስርዓታት ጽድቂ ኪቕረጽ እዩ። (መዝ. 19:7, 8) ብዛዕባ ኣተሓሳስባ የሆዋ ዘሎና ምርዳእ እናሰፍሐ ኪኸይድ ከሎ፡ ንኸነሐጕሶ ሓያል ባህጊ ስለ እነሕድር፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ክንእዘዞ ኢና።—ምሳ. 27:11፣ 1 ዮሃ. 5:3።
3. ኣብ ሰሰሙን ኣብ ዚግበር መጽናዕቲ ንኽንሳተፍ ዚከኣለና ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
3 ነዛ መጽሓፍ ንኽትጥቀመላ ቘራጽነት ግበር፦ ኣብ መጻኢ፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኸነጽንዓ ንጽበ እኳ እንተ ዀንና፡ ኣጸቢቕኩም ንኽትፈልጥዋ ግን ሕጂ ኸተንብብዋ ነተባብዓኩም። እዚ ኸኣ ምስ ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ኣብ እትገብርዎ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብታ ብስድራ ቤት ኣምልኾ እትገብሩላ ምሸት እውን ንኽትጥቀሙላ ኬኽእለኩም እዩ። ብግቡእ ተዳሊና ሕጽር ዝበለ ሓሳባት እንተ ሂብና፡ ንኻልኦት ሰባት ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ከነነቓቕሖም፡ ነቲ መጽናዕቲ ድማ ህያውን ትርጕም ዘለዎን ንኪኸውን ኣበርክቶ ኽንገብር ኢና። (እብ. 10:24) ብተወሳኺ፡ እምነትና ኽንገልጽ ከለና፡ ሓጐስና እተማልአ ኪኸውን እዩ።
4. ትእዛዛት የሆዋ ኽንሕሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 የሱስ ኣብታ ሰብ ኰይኑ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ንትእዛዛት የሆዋ ምሕላው፡ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ምስ ምጽናዕ ኣተኣሳሲርዎ እዩ። (ዮሃ. 15:10) ብሓገዝ እዛ “ፍቕሪ ኣምላኽ” እትበሃል መጽሓፍ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንኸነውዕሎን ‘ንርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ንኽንሕሉን’ ዝያዳ ቘራጽነት ኪህልወና እዩ።—ይሁ. 21።