ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • g16 ቍ. 1 ገጽ 10-11
  • ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብኸመይ ከም እተጥሪ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብኸመይ ከም እተጥሪ
  • ንቕሑ!—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸገም
  • ክትፈልጦ ዘሎካ
  • ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
  • ተክኖሎጂ ምስ ካልኦት ንዘሎካ ዕርክነት ብኸመይ ይጸልዎ፧
    ንቕሑ!—2021
  • ኣብዛ ፍቕሪ ዘይብላ ዓለም ዕርክነት ምዕቃብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንቕሑ!—2016
g16 ቍ. 1 ገጽ 10-11
ክልተ መንእሰያት ኪዛራረቡ ኸለዉ

ንስድራ ቤት | ንመንእሰያት

ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ብኸመይ ከም እተጥሪ

ጸገም

ክልተ መእሰያት ኣብ ድልድል ማዕዶ ንማዕዶ ደው ኢሎም ከለዉ

ሎሚ ሳላ ተክኖሎጂ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ምስ ብዙሓት ሰባት ብቐሊሉን ምሹእ ብዝዀነ መገድን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ጥብቂ ርክብ ግና ኣይህልወካን ይኸውን። ሓደ መንእሰይ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቲ ምስ ካልኦት ዘሎኒ ዕርክነት ብቐሊሉ ኺፈርስ ዚኽእል ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ኣቦይ ግና ምስ ኣዕሩኹ ንሓያሎ ዓመታት ዝጸንሐ ጥብቂ ርክብ ኣለዎ” በለ።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ነባርን ትርጉም ዘለዎን ዕርክነት ምምስራት ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

ተክኖሎጂ ብእተወሰነ መጠን ተሓታቲ እዩ። ብሞባይል መልእኽቲ ብምጽሕሓፍ ዚግበር ርክብን ካልእ ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ምስ ሰብ ብኣካል ከይተራኸብካ ምትዕርራኽ ቀሊል ዝገበሮ እዩ ዚመስል። ትርጉም ዘለዎ ዕላል በቲ ብሞባይልን ብማሕበራዊ መራኸቢታትን ዚለኣኽ ሓጺር መልእኽትታት ተተኪኡ ኣሎ። ኣርተፊሻል ማቹሪቲ ዚብሃል መጽሓፍ ከምዚ በለ፦ “ሰባት ገጽ ንገጽ ዚገብርዎ ዝርርብ እናነከየ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ተምሃሮ ኻብቲ ብሓንሳእ ዜሕልፍዎ ግዜ ንላዕሊ ምስ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታት ዜሕልፍዎ ግዜ ይዛይድ ኣሎ።”

ተክኖሎጂ፡ ሰባት ዝያዳ ምሕዝነት ኪፈጥሩ ዚሕግዝ ኪመስል ይኽእል እዩ። ወዲ 22 ዓመት ብራያንa ከምዚ በለ፦ “ኣብዚ ቐረባ እዋናት፡ ናይ ሞባይል መልእኽቲ ብምልኣኽ ሃለዋት ኣዕሩኸይ ንምፍላጥ ጻዕሪ ዝገብር ኣነ ጥራይ ምዃነይ ተገንዚበ። ሃለዋተይ ኪፈልጡ ተበግሶ ዚወስዱ ኽንደይ ኣዕሩኽ ከም ዘለዉኒ ንምፍላጥ ድማ መልእኽቲ ምጽሓፍ ኣቋሪጸዮ። ሓቂ ምዝራብ ይሓይሽ፡ ብዙሓት ኣይኰኑን ጽሒፎምለይ። ገሊኦም ከምቲ ዝሓስቦ ናይ ቀረባ ኣዕሩኸይ ኣይነበሩን።”

ኰይኑ ግና፡ መልእኽቲ ምጽሕሓፍን ካልእ ማሕበራዊ መራኸብን ምስ ሰባት ርክብ ኪህልወካን ምሕዝነትካ ኸተደልድልን ዚሕግዝዶ ኸይኰነ፧ ምሳታቶም ብኣካል እውን ትራኸብ እንተ ዄንካ፡ ኪሕግዝካ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ዜራኽብ ድልድል ኰይኑ ጥራይ እዩ ኺጠቕመካ ዚኽእል እምበር፡ ምስ ካልኦት ኬቀራርበካ ኣይክእልን እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ትርጉም ናይ ሓቂ ዕርክነት ፍለጥ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዓርኪ ዚብሃል፡ “ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ” ሰብ ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። (ምሳሌ 18:24) እሞኸ ኸምዚ ዓይነት ኣዕሩኽ ዲኻ እትደሊ፧ ንስኻ ኸምኡ ዓይነት ዓርኪ ዲኻ፧ ነዚ ሕቶታት እዚ ንምምላስ፡ ኣዕሩኽካ ኺህልዎም እትደልዮ ሰለስተ ባህርያት ጽሓፍ። ኣዕሩኽካ ዚፈትዉልካ ሰለስተ ባህርያትካ እውን ጽሓፍ። ንርእስኻ ድማ ከምዚ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ብኢንተርነት ዝረኽቦም ሰባት ከምቲ ኣዕሩኸይ ኪህልዎም ዚደልዮ ባህርያት ድዩ ዘለዎም፧ ንሳቶም ዚፈትዉለይ ባህርያትከ እንታይ እዩ፧’—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ፊልጲ 2:4።

ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ስራዕ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ብኢንተርነት ዚፍጠር ዕርክነት ኣብቲ ብሓባር ዜገድሰካ ነገራት እተመስረተ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ብሓባር ዜገድሰካ ነገራት ንላዕሊ እቲ ብሓባር ኣኽቢርካ እትርእዮ ነገራት ዝያዳ ኣገዳስነት ኪህልዎ ይግባእ። ጓል 21 ዓመት ሊን፡ “ብዙሓት ኣዕሩኽ እኳ እንተ ዘይብለይ፡ እቶም ዘለዉኒ ግና ዝሓሽኩ ሰብ ንምዃን ጻዕሪ ኽገብር እዮም ዚሕግዙኒ” በለት።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 13:20።

ምስ ሰባት ብኣካል ተራኸብ። ብቓና ድምጽን ኣብ ገጽ ብዚርአ መግለጺታትን ብኣካላዊ ምንቅስቓስን ንዚመሓላለፍ መልእኽቲ እናረኣኻ ምስ ሰባት ገጽ ንገጽ ከም ምዝርራብ ዚመስልዎ ነገር የለን።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ተሰሎንቄ 2:17።

ደብዳበ ጽሓፍ። ደብዳበ ምጽሓፍ ግዜኡ ዝሓለፎ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ሓሳብካ ኸይተኸፋፈለ ደብዳበ ምጽሓፍካ ግና ነቲ እትጽሕፈሉ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ከም እትግደሰሉ ዜርኢ እዩ። ከመይሲ፡ ኣብዛ ብሃልኪ ዝመልአት ዓለም ከምዚ ዓይነት ትዅረት ምግባር ከቢድ እዩ። ንኣብነት፡ ሼሪ ተርክል ኣብቲ ኣሎን ቱጌዘር ዘርእስቱ መጽሓፋ ብዛዕባ ኣብ ህይወቱ ውልቃዊ ደብዳበ ተቐቢሉ ዘይፈልጥ መንእሰይ ጽሒፋ እያ። ንሱ ብዛዕባ እቲ ሰባት ደብዳበ ዚጽሕፉሉ ዝነበረ ግዜ፡ “ኣብቲ ግዜ እቲ እኳ እንተ ዘይተወለድኩ፡ ነቲ ግዜ እቲ እምነዮ እየ” በለ። እሞኸ ዕርክነት ንምምስራት፡ ነዚ ‘ናይ ቀደም ተክኖሎጂ’ ንምንታይ ዘይትጥቀመሉ፧

ቀንዲ ነጥቢ፦ ናይ ሓቂ ዕርክነት፡ ሃለዋት ካልኦት ምፍላጥ ጥራይ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንስኻን ዓርክኻን ከም ፍቕርን ትዕግስትን ምሕረትን ዝኣመሰለ ባህርያት ምርኣይ ዚሓትት እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ኸኣ፡ ዓስቢ ዘለዎ ዕርክነት ኪህልወኩም ይሕግዝ። ብኢንተርነት ጥራይ ክትራኸብ ከለኻ ግና፡ ነዚ ባህርያት እዚ ኸተርኢ ኣጸጋሚ እዩ።

a ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ገሊኡ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ቀንዲ ጥቕስታት

  • “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።” —ፊልጲ 2:4።

  • “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን፡ ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን።”—ምሳሌ 13:20።

  • “ገጽኩም ክንርኢ . . . ብዙሕ ኢና ጽዒርና።”—1 ተሰሎንቄ 2:17።

ኣልዛቤል

ኣልዛቤል

“ክንድቈስ ከለና እንዛረቦ ሰብ ንደሊ ኢና። ኣዕሩኽ ድማ ብሓቂ ይርድኡናን ባህ ዜብለና ነገራት ይፈልጡን እዮም። ክንሕጐስ ከለና ምሳና ይሕጐሱ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ክንወድቕ ከለና እውን ይድግፉና እዮም።”

ጆርዳን

ጆርዳን

“ንእሽቶ ኸለኹ፡ ምስ ሰብ ሕዉስ ኣይነበርኩን፣ ኣዕሩኽ ክረክብ እውን ጻዕሪ ኣይገብርን እየ ነይረ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ዜሕዝን ህይወት እየ ኣሕሊፈ። ደሓር ግና፡ ዝያዳ ምስ ሰብ ክሕወስ ክኢለ እየ። ኣብ ጽንኩር እዋናት ዚድግፉኻን ዜሐጕስ ነገራት ኬጋጥመካ ኸሎ ምሳኻ ባህ ዚብሎምን ኣዕሩኽ ኪህልዉኻ ኣድላዪ እዩ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ