ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w11 1/3 ገጽ 22
  • “ምናፈቕካዮ ኔርካ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ምናፈቕካዮ ኔርካ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ብየሆዋ ተስፋ ግበር”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • መአረምታ እተቐበለ ኣብነታዊ ሰብኣይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • “ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ!”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
w11 1/3 ገጽ 22

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ምናፈቕካዮ ኔርካ”

እትፈትዎ ሰብ ኪሳቐን ኪመውትን ከሎ ምርኣይ፡ ኣዝዩ ዜጨንቕ እዩ። ከምኡ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ንሓዝን ኢና። ፈጣሪና የሆዋ ኣምላኽ ንስምዒትና ኸም ዚርድኦ ምፍላጥና ግን፡ የጸናንዓና እዩ። ብዘይካዚ፡ ፈጣሪና በቲ ዅሉ ንምግባር ዜኽእሎ ሓይሉ ተጠቒሙ፡ ንምዉታት ኬተንስኦም ሃንቀውታ ኣለዎ። ነቲ ኣብ እዮብ 14:13-15 ዚርከብ እዮብ እተዛረቦ ተስፋ ዝሓዘ ቓላት እሞ ኣስተብህለሉ።

ፈለማ እቲ ዅነታት ከመይ ከም ዝነበረ ንርአ። እቲ ሓያል እምነት ዝነበረቶ እዮብ፡ ብዙሕ ፈተናታት ኣሕሊፉ ነበረ፣ ንብረቱ ስኢኑ፡ ዚፈትዎም ደቁ ሞይቶምዎ፡ ዜሳቒ ሕማም ድማ ሓሚሙ ነበረ። ብዙሕ ስለ እተሳቐየ ኸኣ ንኣምላኽ፡ “ኣብ ሲኦል [መቓብር] እንተ ትሐብአኒ” ኢሉ ለመኖ። (ቍጽሪ 13) እዮብ ንሲኦል ካብ ስቓዩ ኸም ዚናገፈሉ ቦታ ገይሩ እዩ ርእይዎ። ኣብ ሲኦል፡ ከም ሓደ ብኣምላኽ እተሓብአ ኽቡር መዝገብ ስለ ዚኸውን፡ ካብ ስቓይን መከራን ኪናገፍ ይኽእል ነበረ።a

እዮብ ንሓዋሩ ድዩ ኣብ ሲኦል ኪኸውን ዚምነ ነይሩ፧ ከምኡ ኣይኰነን ተመንዩ። ቀጺሉ፡ “መዓልቲ ቘጸራ እንተ ትውስነለይ እሞ፡ ብድሕሪኡ እንተ ትዝክረኒ” በለ። ኣብ ሲኦል ንግዜኡ ጥራይ ከም ዚጸንሕን የሆዋ ኸም ዘይርስዖን ይተኣማመን ነበረ። ነቲ ኣብ ሲኦል ዜሕልፎ ግዜ ምስ “ሰልፊ” ኣመሳሲልዎ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ብግዲ ንእትጽበዮ እዋን የመልክት። ክሳዕ መዓስ እዩ ግን ኺጽበ፧ ንሱ ባዕሉ፡ “ምብራየይ ክሳዕ ዚመጽእ፡” ወይ ብመሰረት ትርጕም 1990፡ “ዘመን ዕረፍተይ ክሳዕ ዚመጽእ” በለ። (ቍጽሪ 14) እዚ ዕረፍቲ እዚ፡ ካብ ሲኦል ንዚወጸሉ፡ ወይ ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ትንሳኤ ንዚረኽበሉ እዋን እዩ ዜመልክት።

እዮብ ዘመን ዕረፍቱ ኸም ዚመጽእ ዘተኣማመኖ እንታይ እዩ፧ እቲ ፈቃር ፈጣሪና ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ እሙናት ኣምለኽቱ ኸመይ ከም ዚስምዖ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። እዮብ፡ “ንስኻ ምጸዋዕካኒ፡ ኣነውን ምመለስኩልካ ነይረ፡ ነቲ ተግባር ኢድካ ምናፈቕካዮ ኔርካ” በለ። (ቍጽሪ 15) ብኢድ ኣምላኽ ከም እተፈጥረ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። እቲ ወሃብ ህይወት ዝዀነ ኣምላኽ ንእዮብ፡ ኣብ ማሕጸን ከም ዚፍጠር ኪገብሮ ኻብ ከኣለ፡ ምስ ሞተ እውን ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ዜጠራጥር ኣይነበረን።—እዮብ 10:8, 9፣ 31:15።

እቲ እዮብ እተዛረቦ ቓላት፡ የሆዋ ምስቶም ከም እዮብ ዝበሉ፡ ኣብ ኣዒንቱ ተበሃግቲ ምእንቲ ኪዀኑ ኢሎም ንኪቐርጾም ፍቓደኛታት ዚዀኑ ሰባት፡ ፍሉይ ርክብ ዘለዎ ፈቃር ኣምላኽ ምዃኑ ይምህረና። (ኢሳይያስ 64:8) የሆዋ ነቶም እሙናት ኣምለኽቱ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቱ ‘ይናፍቖም’ እዩ። ሓደ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ እታ “ምናፈቕካዮ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ሓንቲ ኻብተን ሃንቀው ንእትብሎ ነገር እትገልጸሉ ሓያል ቃላት ከም ዝዀነት ዜጠራጥር ኣይኰነን።” እወ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ይዝክሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንደገና ህያዋን ንኺገብሮም እውን ሃንቀው ይብል እዩ።

የሆዋ ኣብዛ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ፈለማ እተጻሕፋ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ እዮብ፡ ንምዉታት ኬተንስኦም ዕላማ ኸም ዘለዎ ምግላጹ ዜሐጕስ እዩ።b የሆዋ ምስቶም ሞይቶም ዘለዉ እትፈትዎም ሰባት እንደገና ኼራኽበካ ይደሊ እዩ። እዚ ምፍላጥካ ኸኣ፡ ብሰሪ ሞት ሰብካ ብዙሕ ንኸይትሓዝን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እሞኸ እዚ ፈቃር ኣምላኽ እዚ መን ምዃኑን መፈጸምታ ዕላማኡ ንኽትርኢ ብኸመይ ኪቐርጸካ ኸም ዚኽእልን ንምንታይ ብዝያዳ ዘይትመሃር፧

ንመጋቢት ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

◼ ኣስቴር 1–እዮብ 15

[እግረ-ጽሑፋት]

a ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እቲ እዮብ “እንተ ትሐብአኒ” ኢሉ እተዛረቦ ቓላት፡ “ንሓደ ኽቡር ነገር ኣብ ውሑስ ቦታ ምቕማጥ” ኬመልክት ከም ዚኽእል ገሊጹ ኣሎ። ካልእ ጽሑፍ ከኣ፡ እተን ቃላት፡ “ከም መዝገብ እንተ ትሓብኣኒ” ዚብል ሓሳብ ከም ዜመሓላልፋ ገሊጹ ኣሎ።

b ኣብታ ጽድቂ ዝሰፈና ሓዳስ ዓለም ብዛዕባ ዚህሉ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ተስፋ ትንሳኤ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ