ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 28-32
እዮብ ንጽህና ብምሕላው ዝመጸ ብሉጽ ኣብነት ሓዲጉ
እዮብ ንስነ ምግባራዊ ስርዓታት የሆዋ ኺስዕብ ቈሪጹ ነበረ
ንኣዒንቱ ብምቍጽጻር፡ ፍቕራዊ ቘላሕታኡ ኣብ ሰበይቱ ጥራይ ገበረ
እዮብ በቲ ንኻልኦት ዝሓዘሉ መገዲ ሰናይ ኣብነት ሓደገ
ትሑትን ፍትሓውን መሓርን እዩ ነይሩ። ማሕበራውን ቍጠባውን ደረጃኦም ብዘየገድስ ንዅሎም ሰባት ይሓልየሎም ነበረ
እዮብ ስሱዕ ዘይኰነስ ለጋስ እዩ ነይሩ
ንኻልኦት ይሕግዝን ንጽጉማት ይልግሰሎምን ነበረ