ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • fg ትምህርቲ 8 ሕቶ. 1-5
  • ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
  • ብስራት ኣምላኽ
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • መከራ ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • እከይን መከራን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ብስራት ኣምላኽ
fg ትምህርቲ 8 ሕቶ. 1-5

ትምህርቲ 8

ኣምላኽ፡ እከይን መከራን ኪህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

1. እከይ ብኸመይ ጀመረ፧

1. ኣዳም ነታ ኽልክልቲ ፍረ ኺርእያ ኸሎ፣ 2. እተፈላለዩ ሰብኣውያን ገዛእቲ፣ 3. ውግእ

ኣምላኽ፡ ሰባት ንጸገማት ደቂ ሰብ ኪፈትሑ ኸም ዘይክእሉ ምእንቲ ኼርእዩ፡ እኹል ግዜ ብምሃብ ኬመሓድሩ ፈቐደሎም

እከይ ኣብ ምድሪ ዝጀመረ፡ ሰይጣን ንፈለማ እዋን ምስ ሓሰወ እዩ። ሰይጣን ኪፍጠር ከሎ ፍጹም መልኣኽ እዩ ነይሩ፣ ኰይኑ ግና፡ “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዐን።” (ዮሃንስ 8:44) ነቲ ንኣምላኽ ጥራይ ዚግባእ ኣምልኾ ንርእሱ ደለዮ። ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝዀነት ሄዋን ሓሰዋ፡ ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ንዕኡ ኸም እትእዘዞ ድማ ገበረ። ኣዳም እውን ምስ ሰበይቱ ሓቢሩ ኻብ ኣምላኽ ዓለወ። እቲ ኣዳም ዝገበሮ ውሳነ ኸኣ፡ እከይን መከራን ኣስዓበ።—ዘፍጥረት 3:1-6, 19 ኣንብብ።

ሰይጣን ንሄዋን፡ ንኣምላኽ ከይትእዘዞ ኺሓብላ ኸሎ፡ ኣንጻር ልዑላውነት ኣምላኽ እዩ ዕልወት ዜለዓዕል ነይሩ። መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ፡ ምስ ሰይጣን ሓቢሮም ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ ነጸግዎ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሰይጣን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዀነ።—ዮሃንስ 14:30፣ 1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።

2. ኣምላኽ ንፍጡራቱ ምስ ጕድለቶም ድዩ ፈጢርዎም፧

ኵሉ ፍጥረት ኣምላኽ ፍጹም እዩ። እቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም ደቂ ሰብን መላእኽትን፡ ንኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ኪእዘዝዎ ኽእለት ነይርዎም እዩ። (ዘዳግም 32:4, 5) ኣምላኽ፡ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ክንመርጽ ዜኽእል ናጽነት ሂቡ እዩ ፈጢሩና። እዚ ናጽነት እዚ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ።—ያእቆብ 1:13-15፣ 1 ዮሃንስ 5:3 ኣንብብ።

3. ኣምላኽ ክሳዕ ሎሚ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ነቲ ኣንጻር ልዑላውነቱ እተላዕለ ዕልወት ንእተወሰነ ግዜ ኪቕጽል ፈቒዱ እዩ። ስለምንታይ፧ ንኣገዛዝኣኡ ነጺግካ ብርእስኻ ምምሕዳር፡ ንደቂ ሰብ ከም ዘይጠቕሞም ምእንቲ ኼርኢ ኢሉ እዩ። (መክብብ 7:29፣ 8:9) እዚ ሓቂ ኸም ዝዀነ ድማ፡ ኣብቲ 6,000 ዓመት ዝገበረ ታሪኽ ደቂ ሰብ ብንጹር ተራእዩ እዩ። ሰብኣውያን ገዛእቲ፡ ውግእ፡ ገበን፡ ዘይፍትሓውነት፡ ኰነ ሕማም ኬወግዱ ኣይከኣሉን።—ኤርምያስ 10:23፣ ሮሜ 9:17 ኣንብብ።

ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ እተቐበሉ ሰባት ተጠቒሞም እዮም። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ኬጥፍአን እዩ። እቶም ብኣምላኽ ኪግዝኡ ዝመረጹ ሰባት ጥራይ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።—ኢሳይያስ 11:9።—ዳንኤል 2:44 ኣንብብ።

ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ

4. ትዕግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና፧

ሰይጣን ንየሆዋ ብተኣማንነት ዚእዘዞ ሰብ ከም ዘይህሉ እዩ ገሊጹ። እዚ ሓሶት ምዃኑ ኸተርኢ ምደለኻዶ፧ ከተርኢ ትኽእል ኢኻ! ኣምላኽ ክሳዕ ሕጂ ምዕጋሱ፡ ንኣገዛዝኣ ኣምላኽ ወይ ንኣገዛዝኣ ደቂ ሰብ ክንመርጽ ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ። ምርጫና ድማ ብኣነባብራና ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—እዮብ 1:8-12፣ ምሳሌ 27:11 ኣንብብ።

5. ንኣምላኽ ገዛኢና ኽንገብሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኸለዉ

ምርጫና፡ ኣምላኽ ገዛኢና ኪኸውን ንደሊ እንተ ዄንና ይሕብር

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ብምድላይን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን፡ ንኣምላኽ ከም ገዛኢና ጌርና ኸም እተቐበልናዮ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 4:23) ብዘይካዚ፡ ኣብ ፖለቲካን ውግእን ኢድና ብዘይምእታው ኣብነት የሱስ ንስዕብ እንተ ደኣ ዄንና፡ ሰይጣን ገዛኢና ኪኸውን ከም ዘይንደሊ ኸነርኢ ንኽእል ኢና።—ዮሃንስ 17:14 ኣንብብ።

ሰይጣን ብሓይሉ ተጠቒሙ፡ ርኹስን ጐዳእን ተግባራት ኪግበር ይደፋፍእ እዩ። ካብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ክንርሕቕ ከለና፡ ገሊኦም ፈተውትናን ኣዝማድናን የላግጹልና ወይ ይቃወሙና ይዀኑ። (1 ጴጥሮስ 4:3, 4) ስለዚ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ምርጫ ኽንገብር የድልየና እዩ። እሞኸ፡ ምስቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ሰባት ክንሓብር ዲና፧ ነቲ ጥበብን ፍቕርን ዚንጸባረቐሉ ሕግታት ኣምላኽ ክንእዘዞ ዲና፧ ከምኡ እንተ ደኣ ጌርና፡ እቲ ሰይጣን፡ ‘ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ንኣምላኽ ኣይእዘዞን እዩ’ ኢሉ ዝሃቦ ሓሳብ፡ ሓሶት ምዃኑ ኢና እነርኢ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ 15:33 ኣንብብ።

እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ፡ እከይን መከራን ከም ዜብቅዕ ውሕስነት ይዀነና እዩ። እቶም ነዚ ሓቂ እዚ ኸም ዚኣምኑሉ ዜርእዩ ሰባት፡ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 11 እታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ