መዝሙር 10
“እኔኹ ልአኸኒ”
1. ሎሚ ንስም ኣምላኽ ሰባት፡
የምጽኡ’ዮም ጸርፊ ውርደት፣
ይብልዎ ድኹም’ዩ ጨካን፡
ዓያሱውን ይብሉ ‘የለን።’
ስም ኣምላኽ መን’ዩ ዘነጽር፧
ውዳሴኡ መን ይዘምር፧
“ኔኹ! ልኣኸኒ ጐይታ፡
ንኽዝምር ውዳሴኻ፡
(ኣዝማች)
የለን ካብዚ ዚዓቢ ኽብሪ፡
እኔኹ! ልኣኸኒ።”
2. ’ቶም ፍርሂ ኣምላኽ ዘይብሎም፡
ኣምላኽ ደንጓዪ ይመስሎም፡
ጣኦት የምልኹ ገሊኦም፡
ናይ ኣምላኽ ንቄሳር ሂቦም።
ጥፍኣት ኣሎ መን ይበሎም፧
ውግእ ኣምላኽ ዘጠንቅቖም፧
“ኔኹ! ልኣኸኒ ጐይታ፡
ንኸብጽሕ መጠንቀቕታ፡
(ኣዝማች)
የለን ካብዚ ዚዓቢ ኽብሪ፡
እኔኹ! ልኣኸኒ።”
3. ሎሚ ትሑታት ይሓዝኑ፡
ወትሩ እከይ ብምስፋኑ፡
ካብ ልቢውን የናድዩ፡
ሓቂ ኺረኽቡ ይደልዩ።
መን ይኺድ ኬጸናንዖም፧
መገዲ ጽድቂ ኼትሕዞም፧
“ኔኹ! ልኣኸኒ ጐይታ፡
ክምህር ብህድኣት ቃልካ፡
(ኣዝማች)
የለን ካብዚ ዚዓቢ ኽብሪ፡
እኔኹ! ልኣኸኒ።”