መዝሙር 143
ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ግዝኣት ያህ ቅኑዕ ምዃኑ፡
የሆዋ ጻድቕ ምዃኑ፡
እዚ ዚረጋገጸሉ፡
ቀሪቡ’ዩ እዋኑ።
(ኣዝማች)
ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት፡
ተሓጒስና’ውን ንጠምት፡
ናብታ ናይ ሓቂ ህይወት።
2. እቲ ወዱ ዚስዕረሉ፡
ጸላእቱ ዜወግደሉ፡
ተመዲቡ’ዩ እዋኑ፡
ዓወት ዜበስረሉ።
(ኣዝማች)
ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት፡
ተሓጒስና’ውን ንጠምት፡
ናብታ ናይ ሓቂ ህይወት።
3. ኵሉ ፍጥረት ’ናስቈርቈረ፡
ንሕና ግን ንጽበ ’ለና፡
’ታ መዓልቲ ኽትመጸልና፡
ክንነብር ሓራ ዄንና።
(ኣዝማች)
ወትሩ ንዕየ፡ ንጸበ፡ ንቋመት፡
ተሓጒስና’ውን ንጠምት፡
ናብታ ናይ ሓቂ ህይወት።
(ማቴ. 25:13፣ ሉቃ. 12:36 እውን ርአ።)