ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sjj መዝሙር 31
  • ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!
  • ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ምስ ኣምላኽካ ተመላለስ!
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ‘ዚሓይሽ መርምሩ’
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ምስ ኣምላኽ ክትመላለስ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ምስ የሆዋ ንመላለስ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
sjj መዝሙር 31

መዝሙር 31

ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

(ሚክያስ 6:8)

  1. 1. ተመላለስ ብትሕትና፣

    ፍቶ ተኣማንነት።

    ተጸጋዕ ኣብ ያህ፡ ናብኡ’ውን ልገብ፣

    ተመላለስ ብለውሃት።

    ኣጽኒዕካ ሓዝ ነቲ እሙን ቃል፣

    መታን ከይትውሰድ።

    ንየሆዋ ተኣዘዞ፡

    ኪመርሓካ’ውን ፍቐድ።

  2. 2. ተመላለስ ቅዱስ ኴንካ፣

    ንጹህ ይኹን ሓሳብካ።

    ፈተናታት ’ኳ ’ተ ’ጋጠመካ፡

    እሙን’ዩ ረዳኢኻ።

    ዚንኣድ ዘበለ፡ ሃናጺ፡

    ተፈታዊ፡ ሓቂ፡

    ብዛዕባ ’ዚ ወትሩ ሕሰብ።

    ኪዀነልካ’ዩ ጽድቂ።

  3. 3. ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ፣

    ብእኡ ተሓጒስካ።

    ስለ ውህበቱ፡ ምስጋና ይኹን፡

    ወትሩ ኣብ ከናፍርካ።

    ተመላለስ ንኣምላኽ ሒዝካ፣

    ዘምር’ውን ብደስታ።

    ናይ የሆዋ ኣምላኽ ’ንዲኻ፡

    ናይቲ ሕያዋይ ጐይታ።

(ዘፍ. 5:24፣ 6:9፣ ፊል. 4:8፣ 1 ጢሞ. 6:6-8 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ