መዝሙር 77
ኣብ ጸልማት ዚበርህ ብርሃን
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ካብ ጸልማት ይበርህ ኣሎ፡
ብርሃን ካብ ኣምላኽና።
ኪወግሕ፡ ወገግ ኪብል’ዩ፡
ያህ ዜብርሆ ባና።
(ኣዝማች)
ጸልማት ዚገልህ’ዩ፡
ካብ ድቃስ ዜንቅሕ’ዩ፡
ብስራት ኣምላኽና።
ድሙቕ’ዩ ኸም ቀትሪ፡
ብሩህ ተስፋ ዚህብ’ዩ፡
መልእኽትና።
2. ደቂሶም ኣለዉ ሰባት፣
ይነብሩ ኣብ ጸልማት።
ንንገሮም፡ ሃየ ነበስር፡
ኪመጹ ናብ ህይወት።
(ኣዝማች)
ጸልማት ዚገልህ’ዩ፡
ካብ ድቃስ ዜንቅሕ’ዩ፡
ብስራት ኣምላኽና።
ድሙቕ’ዩ ኸም ቀትሪ፡
ብሩህ ተስፋ ዚህብ’ዩ፡
መልእኽትና።
(ዮሃ. 3:19፣ 8:12፣ ሮሜ 13:11, 12፣ 1 ጴጥ. 2:9 እውን ርአ።)