ጸጋም፦ ብ1931፡ ሓንቲ ኮልፖርተር ሓብቲ ኣብ ኮሪያ ኽትሰብኽ ከላ፣ የማን፦ ሎሚ ኣብ ኮሪያ ብቛንቋ ምልክት ዚግበር ስብከት
2ይ ክፋል
ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ—ነቲ ብስራት ኣብ ብዘላ ዓለም ምዝርጋሕ
ካብ ዓለማዊ ስራሕካ ናጻ ኣብ እትዀነላ መዓልቲ፡ ብንግሆኡ ናብ ኣገልግሎት ክትወጽእ ትዳሎ። ቍሩብ ድኻም ስለ እተሰምዓካ ግና፡ ንእተወሰነ ህሞት ትወላወል። ኣዕሪፍካ ኸተርፍድ ቃሕ ይብለካ። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ እዚ ድሕሪ ምጽላይካ፡ ክትከይድ ትውስን። ድሕሪኡ፡ ምስ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት እምንቲ ሓብቲ ተገልግል፣ ተጻዋርነታን ለውሃታን ከኣ ንልብኻ ይትንክዮ። ኣብ በቤት እናኸድካ መልእኽቲ ሓቂ ኸተካፍል ከለኻ፡ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትካን ኣሕትካን ብሕደ ጽሑፋት ገይሮም ሕደ መልእኽቲ የካፍሉ ኸም ዘለዉ፡ ኵላትና ድማ ካብ ሕደ ስልጠና ኸም እንጥቀም ትዝክር። ናብ ቤት ኣብ እትምለሰሉ እዋን፡ ዝያዳ ብርታዐ ኸም ዝረኸብካ ይስምዓካ። ኣብ ቤት ዘይምውዓልካ ድማ የሐጕሰካ።
ሕጂ፡ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቀንዲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። የሱስ፡ ዕዮ ስብከት ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ዜደንቕ ዝርጋሐ ኸም ዚህልዎ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 24:14) እዚ ትንቢቱ ኸመይ ኢሉ ይፍጸም ኣሎ፧ ኣብዚ ኽፋል እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣዝዩ ኣገዳሲ እጃም ዘለዎ ህዝብን ሜላታትን ናውትን ክንምርምር ኢና። እዚ ድማ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዘለዉ ሚልዮናት ሰባት፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ናይ ሓቂ ገይሮም ኪርእይዋ ይሕግዞም ኣሎ።