መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ጥሪ 2018
1-7 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 1-3
“መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ”
(ማቴዎስ 3:1, 2) በተን መዓልትታት እቲአን፡ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መጸ፣ 2 “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” ድማ በለ።
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 3:1, 2
እናሰበኸ፦ ብመሰረቱ፡ እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል “ብግህዶ ምእዋጅ” ማለት እያ። ንዚእወጀሉ መገዲ እተጕልሕ ኰይና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ብግህዶ ዚግበር ኣዋጅ እምበር፡ ነቲ ንሓደ ጕጅለ ዚውሃብ ኣስተምህሮ ኣይተመልክትን እያ።
መንግስቲ፦ እዛ ንፈለማ እዋን ተጠቒሳ እትርከብ ባሲለያ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እዚኣ፡ ንንጉሳዊት መንግስትን ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሓደ ንጉስ ንዘሎ ቦታን ሰባትን ተመልክት። እዛ ናይ ግሪኽኛ ቓል እዚኣ ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ 162 ሳዕ እትርከብ ኰይና፡ ኣብቲ ማቴዎስ ዝመዝገቦ ጸብጻብ ጥራይ 55 ሳዕ ተጠቒሳ ትርከብ፣ ኣብ መብዛሕትኡ ኸኣ ንሰማያዊ ግዝኣት ኣምላኽ ንምምልካት ውዒላ ኣላ። ማቴዎስ ነዛ ቓል እዚኣ ብተደጋጋሚ ስለ እተጠቕመላ፡ እቲ ንሱ ዝጸሓፎ ወንጌል፡ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ይከኣል እዩ።
መንግስተ ሰማያት፦ እዛ ሓረግ እዚኣ፡ 30 ሳዕ ኣቢላ እትርከብ ኰይና፡ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ጥራይ እያ እትርከብ። ኣብ ወንጌል ማርቆስን ወንጌል ሉቃስን፡ እታ “መንግስቲ ኣምላኽ” እትብል መዳርግታ ሓረግ ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ኣላ። እዚ ድማ “መንግስቲ ኣምላኽ” ኣብ መንፈሳዊ ሰማያት ከም እትርከብን ኣብኡ ዀይና ኸም እትገዝእን የመልክት።—ማቴ 21:43፣ ማር 1:15፣ ሉቃ 4:43፣ ዳን 2:44፣ 2ጢሞ 4:18።
ቀሪባ ኣላ፦ እቲ ናይ መጻኢ ገዛኢ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ዚመጸሉ ግዜ ምቕራቡ የመልክት።
(ማቴዎስ 3:4) ዮሃንስ ድማ ጸጕሪ ገመል ይኽደን፡ ዕጣቕ ቈርበት ከኣ ኣብ ሕቘኡ ይዕጠቕ ነበረ። ምግቡ ድማ ኣንበጣን መዓር በረኻን ነበረ።
nwtsty ሚድያ
ክዳንን ትርኢትን ዮሃንስ መጥምቕ
ዮሃንስ ብጸጕሪ ገመል እተኣልመ ኽዳን ይኽደን፡ ንኣሽቱ ነገራት ኪሕዘሉ ዚኽእል ዕጣቕ ቈርበት ድማ ኣብ ሕቘኡ ይዕጠቕ ነበረ። ነብዪ ኤልያስ እውን ተመሳሳሊ ኽዳን ይኽደን ነይሩ እዩ። (2ነገ 1:8) ካብ ጸጕሪ ገመል እተገብረ ኽዳን፡ ድኻታት ዚኽደንዎ ሓርፋፍ ክዳን እዩ ነይሩ። ብኣንጻሩ ግና፡ ካብ ሃሪ ወይ በፍታ እተገብረ ልስሉስ ክዳውንቲ፡ ሃብታማት እዮም ዚኽደንዎ ነይሮም። (ማቴ 11:7-9) ዮሃንስ ካብ ዚውለድ ኣትሒዙ ናዝራዊ ስለ ዝነበረ ጸጕሩ ተቘሪጹ ኣይፈልጥን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ክዳኑን ትርኢቱን፡ ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ኰይኑ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር፡ ቀሊል ናብራ ኸም ዚነብር ዜርኢ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
ኣንበጣ
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ኣንበጣ” እትብል ቃል ንእተፈላለዩ ዓይነት ሓጺር ኣንተና ዘለዎም ጐደበ፡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ብዕስለ ዚጕዓዙ ጐደበ ኸተመልክት ትኽእል እያ። ብመሰረት ኣብ የሩሳሌም እተገብረ ሓደ መጽናዕቲ፡ ኣንበጣ በረኻ 75 ሚእታዊት ትሕዝቶ ፕሮቲን ኣለዎ። ኣብዚ ግዜ እዚ ንምግቢ ኺውዕል ከሎ፡ ርእሱን ኣእጋሩን ኣኽናፉን ከብዱን ይእለ እዩ። እቲ ዝተረፈ ኽፋሉ፡ ማለት ሰደራኡ ግና ብጥረኡ ወይ ከሺንካ ይብላዕ እዩ። እዞም ሓሸራታት እዚኦም ጣዕሞም ከምቶም ጋምበረቲ ወይ ሸርጣን ዚብሃሉ እንስሳታት ባሕሪ ኸም ዝዀነን ብፕሮቲን ዝበልጸጉ ኸም ዝዀኑን እዩ ዚግለጽ።
መዓር በረኻ
ኣብዚ ስእሊ እዚ፡ ብንህቢ በረኻ እተሰርሐ ቖፎ ንህቢ (1)፡ መዓር ዝመልአ ጎጎ (2) ይርአ ኣሎ። እቲ ዮሃንስ ዚበልዖ ዝነበረ መዓር፡ በቲ ኣብቲ ኸባቢ እቲ ዚርከብ ኣፒስ መሊፈራ ሲሪያካ ዚብሃል ጅር ንህቢ በረኻ እተሰርሐ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ሓያል ጅር እዚ፡ እቲ ውዑይን ደረቕን ክሊማ ዘለዎ በረኻ ይሁዳ ይሰማምዖ እዩ። ሰብ ንመፍረ ኺሕዞ ግና ቀሊል ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ካብ ታሽዓይ ዘመን ድ.ክ. ኣትሒዞም፡ ኣብ እስራኤል ዚነብሩ ዝነበሩ ሰባት፡ መጕእ ኣብ ዝቕርጹ ኻይላታት ንህቢ ይሕዙ ነይሮም እዮም። ብርክት ዝበለ ተረፍ እዚ ቖፎታት እዚ፡ ኣብ ስንጭሮ ዮርዳኖስ ኣብ ዚርከብ ከተማ ዝነበረ ቦታ (ሕጂ ቴል ረሆቭ ተባሂሉ ዚፍለጥ ቦታ) ተረኺቡ እዩ። ኣብዚ ቖፎታት እዚ እተረኽበ መዓር፡ ካብቲ ሕጂ ቱርኪ ተባሂሉ ዚፍለጥ ቦታ መጺኡ ኪኸውን ብዚኽእል ጅር ንህቢ ዝፈረየ እዩ ዚመስል።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ማቴዎስ 1:3) ይሁዳ ኻብ ታማር ንፋሬስን ንዜራሕን ወለደ፣ ፋሬስ ንሔጽሮን ወለደ፣ ሔጽሮን ንራም ወለደ፣
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ማቴ 1:3
ታማር፦ ካብተን ማቴዎስ ኣብ ዝመዝገቦ ወለዶ እቲ መሲሕ ተጠቒሰን ዚርከባ ሓሙሽተ ኣንስቲ፡ እታ ቐዳመይቲ እያ። እተን ካልኦት ኣርባዕተ ኸኣ፡ እተን እስራኤላውያን ዘይኰና ረሃብን ሩትን (ፍ. 5)፡ ባትሴባ “ሰበይቲ ኡርያ” (ፍ. 6)፡ ማርያም (ፍ. 16) እየን። እዘን ኣንስቲ እዚአን፡ ኣብቲ ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እተዘርዘሩሉ ወለዶ ተጠቒሰን ዘለዋ፡ ነፍሲ ወከፈን ብፍሉይ መገድታት እኖሓጎ የሱስ ስለ ዝዀና እዩ።
(ማቴዎስ 3:11) ኣነስ ስለ ንስሓኹም ብማይ አጥምቐኩም ኣለኹ፣ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና፡ ካባይ ይብርትዕ እዩ፣ ኣነስ ኣሳእኑ ኸውጽእ እኳ ኣይበቅዕን እየ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ።
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 3:11
አጥምቐኩም ኣለኹ፦ ወይ “አጥሕለኩም ኣለኹ።” እታ ባፕቲዞ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ምጥላቕ፣ ምጥሓል” ማለት እያ። ካልእ መወከሲታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጥምቀት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ምጥሓል ከም ዜጠቓልል ይሕብር። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ዮሃንስ ኣብ ስንጭሮ ዮርዳኖስ ኣብ ጥቓ ሳሊም “ብዙሕ ማይ ስለ ዝነበረ” ኣብኡ የጥምቕ ነበረ። (ዮሃ 3:23) ፊልጶስ ነቲ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ኼጥምቖ ኸሎ፡ ክልቲኦም “ናብቲ ማይ ወረዱ።” (ግብ 8:38) ኣብ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት፡ ኣብ 2ነገ 5:14፡ “ንእማን ኣብ ዮርዳኖስ ሸውዓተ ሳዕ ጠሓለ” ኺብል ከሎ፡ እዛ ናይ ግሪኽኛ ቓል እዚኣ ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ኣላ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ማቴዎስ 1:1-17) መጽሓፍ ታሪኽ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ዳዊት፡ ወዲ ኣብርሃም፦ 2 ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ፣ ይስሃቅ ንያእቆብ ወለደ፣ ያእቆብ ንይሁዳን ንኣሕዋቱን ወለደ፣ 3 ይሁዳ ኻብ ታማር ንፋሬስን ንዜራሕን ወለደ፣ ፋሬስ ንሔጽሮን ወለደ፣ ሔጽሮን ንራም ወለደ፣ 4 ራም ንኣሚናዳብ ወለደ፣ ኣሚናዳብ ንነኣሶን ወለደ፣ ነኣሶን ንሰልሞን ወለደ፣ 5 ሰልሞን ካብ ረሃብ ንቦኣዝ ወለደ፣ ቦኣዝ ካብ ሩት ንዖቤድ ወለደ፣ ዖቤድ ንእሴይ ወለደ፣ 6 እሴይ ንንጉስ ዳዊት ወለደ። ዳዊት ካብ ሰበይቲ ኡርያ ንሰሎሞን ወለደ፣ 7 ሰሎሞን ንሮብዓም ወለደ፣ ሮብዓም ንኣብያ ወለደ፣ ኣብያ ንኣሳ ወለደ፣ 8 ኣሳ ንዮሳፋጥ ወለደ፣ ዮሳፋጥ ንዮራም ወለደ፣ ዮራም ንዑዝያ ወለደ፣ 9 ዑዝያ ንዮታም ወለደ፣ ዮታም ንኣሓዝ ወለደ፣ ኣሓዝ ንህዝቅያስ ወለደ፣ 10 ህዝቅያስ ንምናሴ ወለደ፣ ምናሴ ንኣሞን ወለደ፣ ኣሞን ንዮስያስ ወለደ፣ 11 ዮስያስ ብግዜ ምርኮ ባቢሎን ንየኮንያን ንኣሕዋቱን ወለደ። 12 ድሕሪ ምርኮ ባቢሎን፡ የኮንያ ንሸኣልቲኤል ወለደ፣ ሸኣልቲኤል ንዘሩባቤል ወለደ፣ 13 ዘሩባቤል ንኣብዩድ ወለደ፣ ኣብዩድ ንኤልያቂም ወለደ፣ ኤልያቂም ንኣዞር ወለደ፣ 14 ኣዞር ንጻዶቅ ወለደ፣ ጻዶቅ ንኣኪም ወለደ፣ ኣኪም ንኤልዩድ ወለደ፣ ኤልዩድ ንኣልኣዛር ወለደ፣ ኣልኣዛር ንማታን ወለደ፣ ማታን ንያእቆብ ወለደ፣ 16 ያእቆብ ንዮሴፍ ሰብኣይ ማርያም ወለደ፣ ካብኣ እቲ ክርስቶስ ዚብሃል የሱስ ተወልደ። 17 እምበኣር፡ ኵሉ እቲ ወለዶታት፡ ካብ ኣብርሃም ክሳዕ ዳዊት 14 ወለዶ፡ ካብ ዳዊት ክሳዕ ምርኮ ባቢሎን 14 ወለዶ፡ ካብ ምርኮ ባቢሎን ክሳዕ ክርስቶስ ከኣ 14 ወለዶ እዩ።
8-14 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 4-5
“የሱስ ኣብ ከረን ካብ ዝሃቦ ስብከት እንረኽቦ ትምህርቲ”
(ማቴዎስ 5:3) “መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፡ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 5:3
ሕጉሳት፦ ሓደ ሰብ ባህ ዜብል ግዜ ኼሕልፍ ከሎ ንዚስምዖ ናይ ደስታ ስምዒት ጥራይ ኣይኰነትን እተመልክት። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ሰባት ክትውዕል ከላ፡ ንዅነታት ሓደ ብኣምላኽ እተባረኸን ስምረቱ ዝረኸበን ሰብ ተመልክት። እዛ ቓል እዚኣ ንኣምላኽን ነቲ ሰማያዊ ኽብሪ ዝረኸበ የሱስን ንምግላጽ እውን ውዒላ ኣላ።—1ጢሞ 1:11፣ 6:15።
መንፈሳዊ ነገራት ዚሃርፉ፦ እታ ኣብዚ “ዚሃርፉ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ፡ “ድኻታት (ስኡናት፣ ነዳያት፣ ለመንቲ)” ዝትርጉማ ኽትከውን ከላ፡ ነቶም ሓደ ነገር ዜድልዮም እሞ፡ ከም ዜድልዮም ኣጸቢቖም ዚግንዘቡ ተመልክት። እዛ ቓል እዚኣ፡ ኣብ ሉቃ 16:20, 22፡ ነቲ ኣልኣዛር ዝስሙ “ለማኒ” ንምምልካት እውን ውዒላ ኣላ። እታ ገሊኦም ተርጐምቲ “ብመንፈስ ድኻታት” ኢሎም ዚትርጕምዋ ናይ ግሪኽኛ ሓረግ፡ መንፈሳዊ ድኽነት ከም ዘለዎምን ኣምላኽ ከም ዜድልዮምን ዚግንዘቡ ሰባት ዚብል ሓሳብ እያ እተመሓላልፍ።
(ማቴዎስ 5:7) “መሓርቲ ኺምሓሩ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 5:7
መሓርቲ፦ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “መሓርቲ፡” “ምሕረት” ተባሂለን እተተርጐማ ቓላት፡ ንይቕረታ ወይ ኣብ ፍርዲ ንዚግበር ሕድገት ጥራይ ኣይኰናን ዜመልክታ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ንሽጉራት ንምሕጋዝ ንዚድርኽ ናይ ርሕራሐን ድንጋጽን ስምዒት ይገልጻ።
(ማቴዎስ 5:9) “ገበርቲ ሰላም፡ ውሉዳት ኣምላኽ ኪብሃሉ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 5:9
ገበርቲ ሰላም፦ እቶም ሰላም ዚዕቅቡ ጥራይ ዘይኰኑስ፡ እቶም ሰላም ኣብ ዘይብሉ ሰላም ዜስፍኑ እዮም።
ንውሉድካ ሰላማዊ ኪኸውን ምሃሮ
ክርስትያን ወለዲ፡ ደቆም ‘ንሰላም ኪደልይዋን ኪስዕብዋን’ ንምስልጣን ሓያል ባህጊ ኣለዎም። (1 ጴጥሮስ 3:11) ገባር ሰላም ብምዃን ሓጐስ ስለ ዚርከብ፡ ጥርጣረን ብስጭትን ጽልእን ንምስዓር ጻዕሪ ኺግበረሉ ይግባእ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ማቴዎስ 4:9) “ፍግም ኢልካ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” ድማ በሎ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 4:9
ሰጊድካለይ፦ እዛ “ምስጋድ” ወይ “ምምላኽ” ክትትርጐም እትኽእል ናይ ግሪኽኛ ግሲ እዚኣ ኣብ ሓደ ህሞት ንዚፍጸም ተግባር እያ እተመልክት። “እንተ ሰጊድካለይ” ተባሂላ ምትርጓማ፡ ድያብሎስ ንየሱስ ብቐጻሊ ኼምልኾ ይሓትቶ ኸም ዘይነበረ የርኢ፣ ሓንሳእ ጥራይ ‘ኪሰግደሉ’ እዩ ዚሓትቶ ነይሩ።
(ማቴዎስ 4:23) ድሕርዚ፡ ኣብ ምኵራባቶም እናመሃረን ብስራት መንግስቲ እናሰበኸን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ሕማምን ድናሰን እናኣሕወየን ኣብ ብዘላ ገሊላ ዞረ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 4:23
እናመሃረን . . . እናሰበኸን፦ ምምሃር ካብ ምስባኽ ይፍለ እዩ፣ ከመይሲ፡ መምህር ይእውጅ ጥራይ ዘይኰነስ፡ የስተምህርን ይገልጽን ዜእምን መጐተ ይጥቀምን መርትዖ የቕርብን እዩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ማቴዎስ 5:31-48) “ብተወሳኺ፡ ‘ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ፡ ጽሑፍ መፍትሒኣ ይሃባ’ ተባሂሉ እዩ። 32 ኣነ ግና፡ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዅሉ፡ ንዝሙት የቃልዓ፣ ፍትሕቲ ዚምርዖ ዘበለ ድማ ይዝሙ፡ እብለኩም ኣለኹ። 33 “ነቶም ቀዳሞት፡ ‘መብጽዓኻ ንየሆዋ ሃብ ደኣ እምበር፡ ብኸንቱ ኣይትምሓል’ ከም እተባህሎም እውን ሰሚዕኩም ኣለኹም። 34 ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ከቶ ኣይትምሓሉ፣ ብሰማይ ኰነ፡ ዝፋን ኣምላኽ እዩ እሞ፡ 35 ብምድሪ ዀነ፡ ድኳ እግሩ እያ እሞ፡ ብየሩሳሌም ኰነ፡ ከተማ እቲ ዓብዪ ንጉስ እያ እሞ፡ ከቶ ኣይትምሓሉ። 36 ሓንቲ ጸጕሪ ኸተጻዕድዉ ወይ ከተጸልሙ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ ብርእስኹም እውን ኣይትምሓሉ። 37 ‘እወ’ ዝበልኩምዎ፡ እወ፡ ‘ኣይፋል’ ዝበልኩምዎ ድማ፡ ኣይፋል ይኹን። ካብዚ ዝሓለፈ፡ ካብቲ እኩይ እዩ። 38 “‘ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ፣ ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ’ ኸም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። 39 ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ንእኩይ ኣይትቃወምዎ፣ የግዳስ፡ የማነይቲ ምዕጕርትኻ ንዚጸፍዓካ ዘበለ፡ እታ ኻልአይቲ ምለሰሉ። 40 ሓደ ሰብ ኪኸስሰካን ቀምሽካ ኺወስድን እንተ ደልዩ፡ ክዳንካ እውን ሕደገሉ፣ 41 ሓደ ብዓል ስልጣን ከተገልግሎ ኢሉ ሓደ ምዕራፍ ምስኡ ኽትከይድ እንተ ገዲዱካ፡ ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ። 42 ንዚልምነካ ሃቦ፣ ካባኻ ኺልቃሕ ንዚደሊ እውን ኣይትኽልኣዮ። 43 “‘ብጻይካ ኣፍቅር፡ ጸላኢኻ ድማ ጽላእ’ ከም እተባህለ ሰሚዕኩም ኣለኹም። ኣነ ግና፡ እብለኩም ኣለኹ፦ ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፡ ምእንቲ እቶም ዚሰጕጉኹም እውን ጸልዩ፣ 45 ውሉዳት እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ከኣ ክትኰኑ ኢኹም፣ ንሱ ንእኩያትን ንሕያዎትን ጸሓዩ የብርቕ፡ ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ከኣ ዝናም የዝንም እዩ። 46 ነቶም ዜፍቅሩኹም እንተ ኣፍቂርኩም፡ እንታይ ዓስቢ ኣሎኩም፧ ኣከብቲ ቐረጽከ ኸምኡ ይገብሩዶ የለዉን፧ 47 ንኣሕዋትኩም ጥራይ ሰላም እንተ ኢልኩምከ፡ እንታይ ሓለፋ ጌርኩም፧ ኣህዛብከ ኸምኡ ይገብሩዶ የለዉን፧ 48 እምበኣር፡ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ፍጹም ዝዀነ፡ ንስኻትኩም እውን ፍጹማት ኩኑ።
15-21 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 6-7
“ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ብቐጻሊ ድለዩ”
(ማቴዎስ 6:10) መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።
መሰል ጸሎት
ኣብ ጸሎትና ቐዳምነት ክንህቦ ዘሎና እንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ ፍቓዱን ክንጽሊ ኣሎና። ስለቲ ዝገበረልና ዅሉ ኻብ ልብና ኸነመስግኖ ኣሎና። (1 ዜና መዋእል 29:10-13) እዚ ኽንፈልጥ ዝኸኣልና ድማ፡ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ስለ ዝመሃሮም እዩ። (ማቴዎስ 6:9-13 ኣንብብ።) ብቐዳምነት፡ ብዛዕባ ምቕዳስ ስም ኣምላኽ ኪጽልዩ ምሂሩ እዩ። ድሕርዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእን ፍቓድ የሆዋ ኣብ ኵላ ምድሪ ኪኸውንን ኪጽልዩ ኸም ዘለዎም ጠቐሰ። ብዛዕባ እዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነገራት እዚ ምስ ጸለና ኢና ብዛዕባ ብሕታዊ ጕዳያት ክንጽሊ ዘሎና። የሱስ ከምኡ ኽንገብር እዩ ምሂሩና። ኣብ ጸሎትና ንየሆዋን ንምፍጻም ፍቓዱን ቀዳምነት ሂብና ንጽሊ እንተ ዄንና፡ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ቦታ እንህቦ እንታይ ምዃኑ ኢና እነርኢ።
(ማቴዎስ 6:24) “ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ሓደ እኳ የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 6:24
ኪግዛእ፦ እታ ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ብሓደ ጐይታ ጥራይ ከም ዚውነን ባርያ ወይ ግዙእ ኴንካ ምዕያይ ተመልክት። ሓደ ክርስትያን ንኣምላኽ ከምቲ ዚግብኦ ገይሩ ንበይኑ ውፉይ እናዀነ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ኸኣ ስጋዊ ጥሪት ንምጥራይ ውፉይ ኪኸውን ከም ዘይክእል እዩ የሱስ ዚገልጽ ነይሩ።
(ማቴዎስ 6:33) “ስለዚ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 6:33
ብቐጻሊ ድለዩ፦ እቲ ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ ንቐጻሊ ተግባር የመልክት። ናይ ሓቂ ሰዓብቲ የሱስ ንእተወሰነ እዋን መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ምድላዮም፡ ናብ ካልእ ነገር ኣይከዱን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ወትሩ ኣብ ህይወቶም ቀዳማይ ቦታ ኺህብዋ ኣለዎም።
ጽድቁ፦ እቶም ጽድቂ ኣምላኽ ዚደልዩ፡ ፍቓዱ ይገብሩን ምስቲ ንቕኑዕን ንጌጋን ዚምልከት ስርዓታቱ ተሰማሚዖም ይመላለሱን እዮም። እዚ ትምህርቲ እዚ ኻብ ትምህርትታት እቶም ጽድቂ ርእሶም ኪስርቱ ዚደልዩ ዝነበሩ ፈሪሳውያን ኣዝዩ እተፈልየ እዩ ነይሩ።—ማቴ 5:20።
ስጋዊ ነገራት ዘይኰነስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድለ
ማቴዎስ 6:33 ኣንብብ። ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ወትሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ኬቐድሙ ኣለዎም። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ከምቲ የሱስ ዝበሎ፡ ‘እዚ ዅሉ ይውሰኸልና’ እዩ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ኢሉ፧ ኣብታ ቕድሚኣ ዘላ ፍቕዲ፡ “እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ሰማያዊ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ” ኢሉ ገሊጹ ኣሎ። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና ዜድልየና ምግብን ክዳንን መጽለልን፡ ልዕሌና ኺፈልጦ ይኽእል እዩ። (ፊል. 4:19) ኣየናይ ክዳንና ኸም ዚበሊ ይፈልጥ እዩ። እንታይ ምግቢ ኸም ዜድልየናን ንስድራ ቤትና እንታይ መጽለሊ እኹል ምዃኑን ይፈልጥ እዩ። ብሓቂ ዜድልየና ዘበለ ኸም ዚማልኣልና ድማ ይገብር እዩ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ማቴዎስ 7:12) “እምበኣር፡ ሕግን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም።
ኣብ ኣገልግሎትካ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ስዓባ
ሓደ መዓልቲ፡ ተሌፎን ከም እተደወለልና ጌርና እሞ ንሕሰብ፣ ንድምጺ እቲ ደዋሊ ግና ከነለልዮ ኣይከኣልናን። ዘይንፈልጦ ሰብ እኳ እንተ ዀነ፡ እንታይ ዓይነት ምግቢ ኸም እንፈቱ ሓቲቱና። መን ምዃኑን እንታይ ከም ዝደለየን ንሓስብ ንኸውን። ምናልባት ትሕትና ደሪኹና ቝሩብ እኳ እንተ ኣዘራረብናዮ፡ ብዙሕ ክንዛረብ ኣይንደልን ንኸውን። ብኣንጻሩ ግና፡ እቲ ደዋሊ መንነቱን ኣብ ዓውዲ ስነ ምግቢ ኸም ዚሰርሕን ሓጋዚ ሓበሬታ ኺነግረና ኸም ዚደልን ብለውሃት እንተ ዚነግረና፡ ንኽንሰምዖ ብዝያዳ ፍቓደኛታት ምዀንና። ከመይሲ፡ ሰባት ኬዘራርቡና ኺደልዩ ኸለዉ፡ ብግልጺ ግናኸ ብሜላ ኪቐርቡና ኢና እንደሊ። ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባት፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ኽንቀርቦም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ኣብ ብዙሕ ክልታት፡ ንሰብ ቤት ብዛዕባ እቲ ዝመጻእካሉ ዕላማ ንኽትነግሮም ትጽቢት ይግበረልካ እዩ። ሓቂ እዩ፡ መልእኽትና ነቲ ብዓል ቤት ዜድልዮ ኣገዳሲ ሓበሬታ ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ መንነትናን ስለምንታይ ከም ዝመጻእናን ከይገለጽና፡ “ኣብ ዓለም ንዘሎ ዝዀነ ይኹን ጸገም ክትፈትሖ እንተ ትኽእል፡ ነየናይ ጸገም ምፈታሕካዮ፧” ኢልና ዘረባና ምስ እንጅምርከ፧ ዕላማ እቲ ሕቶ፡ ንኣረኣእያ እቲ ብዓል ቤት ንምፍላጥን ነቲ ምይይጥ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕን ምዃኑ ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ እቲ ብዓል ቤት፡ “እዚ ሰብ እዚ እንታዋይ እዩ፧ ስለምንታይከ እዩ ዚሓትተኒ ዘሎ፧ እንታይ እዩ ደልዩ፧” ኢሉ ኺሓስብ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ እቲ ብዓል ቤት ከይተጨነቐ ምሳና ኸም ዚመያየጥ ንኽንገብር ክንጽዕር ኣሎና። (ፊል. 2:3, 4) ብኸመይ፧
ሓደ ገያሺ ሓላዊ፡ ነዚ ዚስዕብ ኣቀራርባ ውጽኢታዊ ዀይኑ ረኺብዎ እዩ። ሰላምታ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ነቲ ብዓል ቤት ቅዳሕ እታ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት እናሃቦ፡ “ኣብዚ ኸባቢ ንዚርከቡ ሰባት፡ እዛ ትራክት እዚኣ ንህቦም ኣለና። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዜልዕልዎ ሽዱሽተ ሕቶ ድማ እያ እትገልጽ። ክትወስዳ ትኽእል ኢኻ” ይብሎ። እዚ ሓው እዚ ኸም ዝገለጾ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ እቲ ዝመጸሉ ዕላማ ምስ ፈለጡ፡ ፍዅስ ይብሎም እዩ። ድሕሪኡ ነቲ ምይይጥ ብቐሊሉ ኽትቅጽሎ ትኽእል ኢኻ። እቲ ገያሺ ሓላዊ ኣስዕብ ኣቢሉ ነቲ ብዓል ቤት፡ “ንሓንቲ ኻብዘን ሕቶታት እዚአን ሓሲብካለንዶ ትፈልጥ፧” ኢሉ ይሓትቶ። እቲ ብዓል ቤት ሓንቲ ሕቶ እንተ መሪጹ፡ እቲ ሓውና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እታ ሕቶ እንታይ ከም ዚብል የርእዮ። እቲ ብዓል ቤት ስቕ እንተ ኢሉ ግና፡ እቲ ሓው ነቲ ብዓል ቤት ኣብ ክንዲ ዜዋጥሮ፡ ባዕሉ ሓንቲ ሕቶ መሪጹ የመያይጦ። ምይይጥ ክንጅምር እንኽእለሉ ብዙሕ መገድታት እዩ ዘሎ። ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት፡ መምጽኢኻ ቕድሚ ምዝራብካ፡ ክትብሎ ዚግብኣካ ገለ ባህላዊ ሰላምታ ኺህሉ ይኽእል እዩ። እቲ ቐንዲ ነጥቢ፡ ንሰባት በቲ ኣብ ከባቢኦም ልሙድ ዝዀነ መገዲ ኽንቀርቦም ከም ዘሎና እዩ።
(ማቴዎስ 7:28, 29) የሱስ ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ እቶም ህዝቢ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ፣ 29 ከመይሲ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ይምህሮም ነበረ።
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 7:28, 29
ተገረሙ፦ እታ ኣብዚ ዘላ ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ “ብዙሕ ተደመሙ” ተባሂላ ኽትግለጽ ትከኣል እያ። እዛ ቐጻልነት እተመልክት ግሲ እዚኣ፡ ቃላቱ ኣብቶም ህዝቢ ነባሪ ጽልዋ ኸም ዝነበሮ ትእምት።
ብኣመሃህራኡ፦ እዛ ቓል እዚኣ፡ ነቲ የሱስ ዝመሃረሉ መገዲ ወይ ንሜላታቱ ኣመሃህራኡ፡ እንተላይ ነቲ ኣብ ከረን ኣብ ዝሃቦ ስብከቱ ዝመሃሮ ትምህርቲ ተመልክት።
ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፦ የሱስ ከም ልምዲ እቶም ጸሓፍቲ፡ ካብቶም ኣኽቢርካ ዚርኣዩ ዝነበሩ ረቢታት እናጠቐሰ ኣብ ክንዲ ዚዛረብ፡ ንትምህርትታቱ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብምምስራት ስልጣን ከም ዘለዎ ወኪል ኣምላኽ ኰይኑ እዩ ዚዛረብ ነይሩ።—ዮሃ 7:16።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ማቴዎስ 6:1-18) “ብሰብ ምእንቲ ኽትርኣዩ ኢልኩም፡ ጽድቅኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ከይትገብሩ ተጠንቀቑ፣ እንተ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ዓስቢ ኣይኪህልወኩምን እዩ። 2 ስለዚ፡ ክትምጽውት ከለኻ፡ ከምቲ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺምጎሱ ኢሎም ኣብ ምኵራባትን ኣብ ጐደናታትን ዚገብርዎ፡ ኣቐዲምካ መለኸት ኣይትንፋሕ። ዓስቦም ብምሉኡ ረኺቦም እዮም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 3 ንስኻ ኽትምጽውት ከለኻ ግና፡ የማነይትኻ እትገብሮ ጸጋመይትኻ ኣይትፍለጦ፣ 4 በዚ ኸምዚ ምጽዋትካ ብሕቡእ ይኸውን። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ኪኽሕሰካ እዩ። 5 “ክትጽልዩ ኸለኹም እውን፡ ከምቶም ግቡዛት ኣይትኹኑ፣ ንሳቶም ብሰብ ምእንቲ ኺረኣዩ፡ ኣብ ምኵራባትን ኣብ መኣዝናት ጐደናታትን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም። ዓስቦም ብምሉኡ ረኺቦም እዮም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 6 ንስኻ ኽትጽሊ ኸለኻ ግና፡ ናብ ብሑት ክፍልኻ እቶ፡ ማዕጾኻ ዓጺኻ ኸኣ፡ ናብቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ጸሊ፣ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ፡ ኪኽሕሰካ እዩ። 7 ክትጽልዩ ኸለኹም፡ ከምቲ ብምብዛሕ ቃላት ዚስምዑ ዚመስሎም ኣህዛብ ዚገብርዎ፡ ሕደ ቓላት ኣይትደጋግሙ። 8 እምበኣር፡ ኣቦኹም ገና ኸይለመንኩምዎ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም። 9 “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦ “‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ። 10 መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። 11 ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና። 12 ንሕና ንዝበደሉና ኸም ዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና። 13 ካብቲ እኩይ ኣድሕነና እምበር፡ ኣብ ፈተና ኣይተእትወና።’ 14 “ንሰብ በደሎም እንተ ሓዲግኩምሎም፡ ንዓኻትኩም እውን ሰማያዊ ኣቦኹም ኪሓድገልኩም እዩ፣ 15 ንሰብ በደሎም እንተ ዘይሓዲግኩምሎም ግና፡ ንዓኻትኩም እውን ኣቦኹም በደልኩም ኣይኪሓድገልኩምን እዩ። 16 “ክትጾሙ ኸለኹም፡ እቶም ግቡዛት ጸወምቲ ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ ኢሎም ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ደጊም ከማታቶም ገጽኩም ኣይተጸምልዉ። ዓስቦም ብምሉኡ ረኺቦም እዮም፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 17 ንስኻ ኽትጸውም ከለኻ ግና፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካ እውን ተሓጸብ፣ 18 ሽዑ፡ ጸዋሚ ምዃንካ፡ ብሰብ ዘይኰነስ፡ በቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ኽትርአ ኢኻ፣ እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ኪኽሕሰካ እዩ።
22-28 ጥሪ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 8-9
“የሱስ፡ ሰባት የፍቅር ነበረ”
(ማቴዎስ 8:1-3) ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ። እንሆ ድማ፡ ሓደ ድዉይ መጺኡ፡ “ጐይታይ፡ እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ሰገደሉ። ንሱ ኸኣ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” እናበለ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ ድማ፡ ካብ ደዌኡ ነጽሀ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 8:3
ተንከዮ፦ ሕጊ ሙሴ፡ ድዉያት ንኻልኦት ምእንቲ ኸይብክሉ ኺውሸቡ ይእዝዝ ነበረ። (ዘሌ 13:45, 46፣ ዘሁ 5:1-4) ይኹን እምበር፡ መራሕቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ተወሳኺ ሕግታት ኣተኣታትዮም ነበሩ። ንኣብነት፡ ዝዀነ ሰብ ካብ ሓደ ድዉይ ኣርባዕተ እመት፡ ማለት ኣስታት 1.8 ሜተር ኪርሕቕ ነበሮ፣ ንፋስ ኣብ ዚብርትዓሉ መዓልትታት ግና 100 እመት፡ ማለት ኣስታት 45 ሜተር ኪርሕቕ ነበሮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕግታት፡ ድዉያት ብጭካነ ኸም ዚትሓዙ ገይሩ እዩ። ሓደ ኻብ ድዉያት ዚሕባእ ዝነበረ ረቢን ሓደ ኻብኡ ኺርሕቁ ኢሉ እምኒ ዚድርብየሎም ዝነበረ ኻልእ ረቢን ኣብ ያታ ኣይሁድ ብጽቡቕ ይጥቀሱ እዮም። ብኣንጻሩ ግና የሱስ ነቲ ድዉይ ስለቲ ጭንቁ ስለ ዝደንገጸሉ፡ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ኣይሁድ ዘይሕሰብ ዝነበረ ነገር ገበረ፣ እወ፡ ነቲ ሰብኣይ ተንከዮ። ሓንቲ ቓል ጥራይ ኢሉ ኼሕውዮ ዚኽእል ክነሱ ድማ እዩ ኸምኡ ገይሩ።—ማቴ 8:5-12።
እደሊ እየ፦ የሱስ ነቲ ልመና መልሲ ሂቡሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኬሕውዮ ሓያል ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹን ግዴታ ተሰሚዕዎ ኸምኡ ኸም ዘይገበረ ኣርእዩን እዩ።
(ማቴዎስ 9:9-13) የሱስ ካብኡ ኺሓልፍ ከሎ ኸኣ፡ ማቴዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ኣብ መደበር ቀረጽ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ንዕኡ፡ “ሰዓብየይ ኩን” በሎ። ንሱ ድማ ተንሲኡ ሰዓቦ። 10 ደሓር፡ የሱስ ኣብ እንዳ ማቴዎስ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን መጺኦም፡ ምስኡን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ኣብ መኣዲ ተቐመጡ። 11 ፈሪሳውያን ግና ነዚ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ስለምንታይ እዩ መምህርኩም ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧” በልዎም። 12 ንሱ ግና ሰሚዑ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ። 13 ኪዱ እሞ፡ ‘መስዋእቲ ዘይኰነስ፡ ምሕረት እየ ዝደሊ’ ዚብል እንታይ ማለት ምዃኑ ተምሃሩ። ንጻድቃን ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን ክጽውዕ እየ መጺአ” በሎም።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 9:10
ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ፦ ምስ ሓደ ሰብ ኣብ መኣዲ ምቕማጥ፡ ምስቲ ሰብ ናይ ቀረባ ርክብ ከም ዘሎካ ዚሕብር እዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ፡ ብግዜ የሱስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ምስ ኣህዛብ ኣብ መኣዲ ኣይቅመጡን እዮም ነይሮም።
ኣከብቲ ቐረጽ፦ ብዙሓት ኣይሁድ ንሰበ ስልጣን ሮሜ ቐረጽ ይእክብሎም ነበሩ። እዞም ኣይሁድ እዚኦም፡ ምስ ጓኖት ሰበ ስልጣን ይተሓባበሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብቲ እተሰልዐ ቐረጽ ንላዕሊ ብምውሳድ ይምንዝዑ ስለ ዝነበሩ እውን፡ ብህዝቢ ጽሉኣት እዮም ነይሮም። ኣይሁድ ንኣከብቲ ቐረጽ ማዕረ ሓጥኣንን ኣመናዝርን ገይሮም ስለ ዚርእይዎም፡ ይፍንፍንዎም ነበሩ።—ማቴ 11:19፣ 21:32።
(ማቴዎስ 9:35-38) የሱስ ከኣ ኣብ ምኵራባቶም እናመሃረ፡ ብስራት መንግስቲ እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ድናሰን እናኣሕወየ፡ ኣብ ኵሉ ኸተማታትን ኣቝሻትን ዞረ። 36 ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ጓሳ ኸም ዘይብለን ኣባጊዕ ግፉዓትን ድርቡያትን ስለ ዝነበሩ፡ ደንገጸሎም። 37 ሽዑ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። 38 ስለዚ፡ ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ” በሎም።
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 9:36
ደንገጸሎም፦ እዛ ስፕላግክኒዞማይ እትብል ናብ ግሪኽኛ ግሲ፡ ምስታ “ኣምዑት” ተባሂላ እትትርጐም ስፕላግክና እትብል ቃል ትዛመድ እያ፣ ኣብ ውሽጢ ሰብነትካ ንዚስምዓካ ሓያል ስምዒት ድማ ተመልክት። ንናይ ርሕራሐ ስምዒት እትገልጽ ዝሓየለት ናይ ግሪኽኛ ቓል እያ።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ማቴዎስ 8:8-10) እቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ፡ ኣነ ብቑዕ ኣይኰንኩን፣ ሓንቲ ቓል ጥራይ በል እምበር፡ ጊልያይ ኪሓዊ እዩ። 9 ከመይሲ፡ ኣነ እውን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዝመሓደር ሰብ እየ፡ ኣብ ትሕተይ ድማ ወተሃደራት ኣለዉኒ እሞ፡ ነዚ፡ ‘ኪድ!’ እብሎ፡ ይኸይድ፣ ንኻልእ ከኣ፡ ‘ንዓ!’ እብሎ፡ ይመጽእ፣ ንባርያይ እውን፡ ‘እዚ ግበር!’ እብሎ፡ ንሱ ኸኣ ይገብር።” 10 የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ ተገሪሙ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኸምዚ በሎም፦ “ከምዚኣ ዝበለት ዓባይ እምነት ዘላቶስ፡ ሓደ እኳ ኣብ እስራኤል ኣይረኸብኩን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ።
“መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ”
ብተመሳሳሊ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ—ምናልባት እውን ሮማዊ ኢዩ ዝኸውን—ነቲ ዝሓመመ ባርያኡ ኸሕውየሉ ንየሱስ ምስ ለመኖ፡ እዚ ዓቀይታይ እዚ ኣበሳታት ከም ዘለዎ የሱስ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እዚ ሓለቓ ሰራዊት እዚ ብዙሕ ዓመጽ፡ ደም ምፍሳስ፡ ከምኡውን ናይ ሓሶት ኣምልኾ ዘካይድ ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። የሱስ ግን ኣብታ ጽብቕቲ ባህሪ ናይቲ ሰብኣይ ኣተኰረ፡ እዚኣ ኸኣ እታ ሓለፍ ዝበለት እምነቱ ኢያ። (ማቴዎስ 8:5-13) ነቲ ኣብ ጥቕኡ ኣብ መሳቐዪ ዕንጸይቲ እተሰቕለ ገባር ክፉእ ክዛረቦ ኸሎ እውን በቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝገበሮ ዓመጽ ኣይገንሖን፡ የግዳስ ንመጻኢ ተስፋ ኽገብር ኣተባብዖ። (ሉቃስ 23:43) ኣሉታዊ ጐድኒ ኻልኦት ምልዓልን ምንቃፎምን ሕልንኦም ዘዕርብ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ነቲ ዝነኣዱሉ ባህርያቶም ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ምምሕያሽ ንኽገብሩ ኸም ዘተባብዖም ኣየጠራጥርን ኢዩ።
(ማቴዎስ 9:16, 17) ማይ ዘይጠዓመ ቝራጽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ሓደ እኳ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ዓለባ ነቲ ኽዳን ይምንጭቶ፡ እቲ ቐዳድ ከኣ ዝገደደ ይኸውን። 17 ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን እዮም፣ እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ እቲ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፣ ክልቲኡ ድማ ይእርነብ።”
ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዘይጾሙ ስለምንታይ እዮም፧
የሱስ ንደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ሰዓብቱ ምስ ከም ልምዲ ጾም ዝኣመሰለ ብሉይ ልምድታት ኣይሁድነት ተሰማሚዖም ኪነብሩ ትጽቢት ኪግበረሎም ከም ዘይብሉ እዩ ዜረድኦም ነይሩ። ነቲ ኺውገድ ቀሪቡ ዝነበረ ብሉይ ልምድታት ኣምልኾ ለጋጊቡ ኼናውሕ ኣይኰነን መጺኡ። እቲ የሱስ ዜተባብዖ ዝነበረ ኣምልኾ ምስቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ኣይሁድነትን ስርዓታት ሰብን ዚውሃሃድ ኣይነበረን። እወ፡ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ኪልግብ፡ ወይ ሓድሽ ወይኒ ኣብቲ ዝቘርብዐ ኣረጊት ሓርቢ ኬዕርቕ ኣይፈተነን።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ማቴዎስ 8:1-17) ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ። 2 እንሆ ድማ፡ ሓደ ድዉይ መጺኡ፡ “ጐይታይ፡ እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ሰገደሉ። 3 ንሱ ኸኣ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” እናበለ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ ድማ፡ ካብ ደዌኡ ነጽሀ። 4 የሱስ ድማ፡ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፣ ግናኸ ኺድ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፣ ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” በሎ። 5 ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ ለመኖ፣ 6 “ጐይታይ፡ ጊልያይ ለሚሱ ኣብ ቤተይ ደቂሱ ኣሎ፣ ብርቱዕ ቃንዛ እውን ኣለዎ” ድማ በሎ። 7 ንሱ ኸኣ፡ “ምስ መጻእኩ፡ ከሕውዮ እየ” በሎ። 8 እቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ፡ ኣነ ብቑዕ ኣይኰንኩን፣ ሓንቲ ቓል ጥራይ በል እምበር፡ ጊልያይ ኪሓዊ እዩ። 9 ከመይሲ፡ ኣነ እውን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዝመሓደር ሰብ እየ፡ ኣብ ትሕተይ ድማ ወተሃደራት ኣለዉኒ እሞ፡ ነዚ፡ ‘ኪድ!’ እብሎ፡ ይኸይድ፣ ንኻልእ ከኣ፡ ‘ንዓ!’ እብሎ፡ ይመጽእ፣ ንባርያይ እውን፡ ‘እዚ ግበር!’ እብሎ፡ ንሱ ኸኣ ይገብር።” 10 የሱስ እዚ ምስ ሰምዐ ተገሪሙ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኸምዚ በሎም፦ “ከምዚኣ ዝበለት ዓባይ እምነት ዘላቶስ፡ ሓደ እኳ ኣብ እስራኤል ኣይረኸብኩን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 11 ግናኸ፡ ብዙሓት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ኪመጹ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም፡ እብለኩም ኣለኹ። 12 ደቂ መንግስቲ ግና፡ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ድማ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም።” 13 ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ “ኪድ። ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ” በሎ። እቲ ጊልያ ድማ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ። 14 ድሕሪኡ፡ የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ሓማት ጴጥሮስ ረስኒ ስለ ዝነበራ፡ ደቂሳ ረኣያ። 15 ስለዚ፡ ኢዳ ተንከያ እሞ፡ ረስና ሓደጋ፣ ተንሲኣ እውን ኣገልገለቶ። 16 ምስ መሰየ ግና፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ሰባት ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ ነቶም መናፍስቲ ብሓንቲ ቓል ኣውጽኦም፡ ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ ኸኣ ኣሕወዮም። 17 እዚ ድማ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንሱ ንሕማምና ወሲድዎ፣ ንስቓይና ኸኣ ጾይርዎ” እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።
29 ጥሪ–4 ለካቲት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 10-11
“የሱስ ዕረፍቲ የምጽእ”
(ማቴዎስ 10:29, 30) ክልተ ጨራሩ ብዘይትረብሕ ሳንቲም ደይኰናን ዚሽየጣ፧ ሓንቲ ኻባታተን እኳ፡ ኣቦኹም ከይፈለጠ ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን እያ። 30 ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን።
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 10:29, 30
ጨራሩ፦ እታ ስትሮትዮን እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ንዝዀነት ትኹን ንእሽቶ ዑፍ እተመልክት እኳ እንተ ዀነት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ነተን ንምግቢ ኪዀና ዚሽየጣ ዝነበራ ዝሓሰራ ዓይነት ኣዕዋፍ እያ እተመልክት።
ብዘይትረብሕ ሳንቲም፦ ቃ.ቃ.፡ “ብኣሳርዮን።” እዚ፡ 45 ደቒቕ ንዝሰርሐ ሰብኣይ ዚኽፈሎ ደሞዝ እዩ ነይሩ። (ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።) የሱስ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ማለት ኣብ ገሊላ ኣብ ዝገበሮ ሳልሳይ ዙረቱ፡ ክልተ ጨራሩ ብኣሳርዮን ከም ዚሽየጣ ተዛረበ። ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ፡ ማለት ሓደ ዓመት ጸኒሑ ኣብ ይሁዳ ኼገልግል ከሎ ድማ፡ ሓሙሽተ ጨራሩ ብዕጽፊ እዚ ዋጋ እዚ ኺዕደጋ ኸም ዚኽእላ ተዛረበ። (ሉቃ 12:6) ነዚ ጸብጻባት እዚ ኸነነጻጽሮ ኸሎና፡ እታ ሓምሸይቲ ጭሩ ኸም መቝሽሽ ትውሃብ ብምንባራ፡ ጨራሩ ንነጋዶ ብዙሕ ዋጋ ኸም ዘይነበረን ክንርዳእ ንኽእል ኢና።
ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን፦ ጸጕሪ ርእሲ ሰብ ብገምጋም ልዕሊ 100,000 ከም ዚበጽሕ እዩ ዚንገር። እቲ የሆዋ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ደቂቕ ዝርዝራት ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ክርስቶስ ኣጸቢቑ ኸም ዚግደስ የረጋግጸልና።
nwtsty ሚድያ
ጭሩ
ጨራሩ ንምግቢ ኪዀና ዚሽየጣ ዝነበራ ዝሓሰራ ዓይነት ኣዕዋፍ እየን። ክልተ ጨራሩ ብደሞዝ ሓደ ን45 ደቒቕ ዝሰርሐ ሰብኣይ ኪዕደጋ ይኽእላ ነይረን። እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል ንእተፈላለያ ዓይነት ንኣሽቱ ኣዕዋፍ፡ እንተላይ ነተን ጭሩ ገበላን (ፓሰር ዶመስቲከስ ቢብሊከስ) ጭሩ ስጳኛን (ፓሰር ሂስፓኒዮለንሲስ) ዚብሃላ ሎሚ እውን ኣብ እስራኤል ብብዝሒ ዚርከባ ጨራሩ ኸተጠቓልል ትኽእል እያ።
(ማቴዎስ 11:28) ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ።
nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 11:28
ጾር ዝኸበደኩም፦ እቶም የሱስ ናብኡ ኺመጹ ዚጽውዖም ዝነበረ ሰባት፡ ጭንቀትን ጻዕርን ስለ ዝነበሮም፡ ‘ጾር ዝኸበዶም’ እዮም ነይሮም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ርእሲ ሕጊ ሙሴ እተወሰኸ ስርዓታት ሰብ፡ ንየሆዋ ዜቕርብዎ ዝነበሩ ኣምልኾ ጾር ኰይንዎም ነበረ። (ማቴ 23:4) እታ ምንጪ ዕረፍቲ ኽትከውን ተሓሲባ ዝነበረት ሰንበት እኳ ጾር እያ ዀይና ነይራ።—ዘጸ 23:12፣ ማር 2:23-28፣ ሉቃ 6:1-11።
ከዕርፈኩም እየ፦ እታ፡ “ከዕርፈኩም” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል ምእንቲ ኽትሕደስን ሓይሊ ኽትረክብን ምዕራፍ፡ (ማቴ 26:45፣ ማር 6:31) ከምኡ ድማ ካብ ጻዕሪ መስተርሆ ምርካብ (2ቈረ 7:13፣ ፊሞ 7) ከተመልክት ትኽእል እያ። ኣብ ከባቢ እዛ ጥቕሲ ዘሎ ሓሳባት ከም ዚሕብሮ፡ “ኣርዑት” የሱስ ምጻር (ማቴ 11:29)፡ ኣገልግሎት ደኣ እምበር ዕረፍቲ ዜጠቓልል ኣይኰነን። የሱስ በዛ ናይ ግሪኽኛ ግሲ እዚኣ ኣቢሉ ንዝደኸሙ ዘበሉ ነቲ ፈኲስን ምሹእን ኣርዑቱ ምእንቲ ኺስከሙ፡ ሓይሎም ከም ዜሐድሰሎም እዩ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።
(ማቴዎስ 11:29, 30) ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ እውን ተምሃሩ፣ ንርእስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። 30 ከመይሲ፡ ኣርዑተይ ምሹእ፡ ጾረይ እውን ፈኲስ እዩ።”
nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ማቴ 11:29
ኣርዑተይ ጹሩ፦ የሱስ ነታ “ኣርዑት” እትብል ቃል ብምሳልያዊ መገዲ እዩ ተጠቒሙላ፣ ንስልጣንን ንመምርሕን ተገዛኢ ምዃን ድማ ተመልክት። ብዛዕባ ጽምዲ ኣርዑት፡ ማለት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንየሱስ ዘሰከሞ ኣርዑት ይሓስብ እንተ ደኣ ነይሩ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ምስኡ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣርዑት ኪኣትዉ ይዕድሞምን ከም ዚሕግዞም የረጋግጸሎምን ነይሩ ማለት እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እታ ሓረግ፡ “ምሳይ ኣብ ትሕቲ ኣርዑተይ እተዉ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። እቲ ኣርዑት፡ የሱስ ባዕሉ ኣብ ካልኦት ዜእትዎ ሓደ ኣርዑት እንተ ዀይኑ ግና፡ ከም ወደ መዝሙሩ መጠን ንስልጣን ክርስቶስን ንመምርሒኡን ተገዛኢ ምዃን ተመልክት።
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ
(ማቴዎስ 11:2, 3) ዮሃንስ ግና፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ብዛዕባ ግብርታት ክርስቶስ ምስ ሰምዐ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ልኢኹ፡ 3 “እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሉ ሓተቶ።
ዮሃንስ ንየሱስ ሓተቶ
እዝስ ዜገርም ሕቶ ደይኰነን፧ ዮሃንስ ቅድሚ ኽልተ ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ንየሱስ ኬጥምቖ ኸሎ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ የሱስ ኪወርድ ዝረኣየን ድምጺ ኣምላኽ ዝሰምዐን ውፉይ ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ እምነት ዮሃንስ ደኺማ ነይራ ኢልና ኽንሓስብ የብልናን። ከምኡ እንተ ዚኸውን፡ የሱስ ከምቲ ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ዝገበሮ፡ ብዛዕባ ዮሃንስ ክብ ኣቢሉ ኣይምተዛረበን ነይሩ። እሞ ደኣ ዮሃንስ እንተ ዘይተጠራጢሩ፡ ስለምንታይ እዩ እዚ ሕቶ እዚ ዝሓተተ፧
ዮሃንስ፡ የሱስ ባዕሉ እቲ መሲሕ ምዃኑ ኼረጋግጸሉ ጥራይ እዩ ደልዩ ነይሩ ዚኸውን። እዚ ኸኣ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐ ብምንባሩ፡ ኣጸቢቑ ዜበርትዖ ነገር እዩ። ዮሃንስ ዘቕረቦ ሕቶ ግና ካብኡ ንላዕሊ ትርጉም ነይርዎ እዩ። ነቲ ብዛዕባ እቲ ቕቡእ ኣምላኽ ዚገልጽ ንጉስን መድሓንን ከም ዚኸውን ዚሕብር ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ካብቲ የሱስ እተጠምቀሉ ሓያሎ ኣዋርሕ እኳ እንተ ሓለፈ፡ ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ነይሩ። ስለዚ ዮሃንስ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ መሲሕ እተነግረ ትንቢት ዚፍጽም ንየሱስ ዚትክእ ካልእ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ እዩ ዚሓትት ነይሩ።
(ማቴዎስ 11:16-19) “ነዚ ወለዶ እዚ ብመን ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ንመጻውቶም ዚደሃዩ ቘልዑ ይመስሉ። 17 ከምዚ ኸኣ ይብልዎም፦ ‘ሻምብቆ ነፊሕናልኩም፡ ግናኸ ኣይሳዕሳዕኩምን፣ ኣልቂስናልኩም፡ ግናኸ ደረትኩም ኣይወቓዕኩምን።’ 18 ከምኡ ኸኣ፡ ዮሃንስ ከይበልዐን ከይሰተየን ምስ መጸ፡ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ይብሉ። 19 ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን ምስ መጸ ድማ፡ ‘እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን’ ይብሉ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጥበብ ብግብራ እዩ ጽድቃ ዚረጋገጽ።”
እቲ ዘይሰምዕ ወለዶ ወይለኡ
የሱስ ንዮሃንስ መጥምቕ ዓብዪ ኣኽብሮት እኳ እንተ ነበሮ፡ ብዙሓት ግና ንዮሃንስ ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ ዝነበሩ፧ የሱስ ብዛዕባ እቲ “ወለዶ” እቲ፡ “ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ንመጻውቶም ዚደሃዩ ቘልዑ ይመስሉ። ከምዚ ኸኣ ይብልዎም፦ ‘ሻምብቆ ነፊሕናልኩም፡ ግናኸ ኣይሳዕሳዕኩምን፣ ኣልቂስናልኩም፡ ግናኸ ደረትኩም ኣይወቓዕኩምን’” በለ።—ማቴዎስ 11:16, 17።
የሱስ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ እንታይ ማለቱ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ዮሃንስ ከይበልዐን ከይሰተየን ምስ መጸ፡ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ይብሉ። ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን ምስ መጸ ድማ፡ ‘እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን’ ይብሉ” በለ። (ማቴዎስ 11:18, 19) በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ዮሃንስ ከም ናዝራዊ ቐሊል ናብራ እዩ ነይርዎ፣ ወይኒ እውን ኣይሰትን እዩ ነይሩ፣ እቲ ወለዶ እቲ ግና ብዛዕባኡ ‘ጋኔን ኣለዎ’ በለ። (ዘሁልቍ 6:2, 3፣ ሉቃስ 1:15) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ የሱስ ኣብ ኣነባብራኡ ኸም ካልኦት ሰባት እዩ ነይሩ። ሚዛናዊ ዀይኑ ይበልዕን ይሰትን እኳ እንተ ነበረ፡ መጠን ዝሓለፈ ገይሮም ከሰስዎ። ነቶም ሰባት እቲኦም ከተሐጕሶም ዘይከኣል እዩ ነይሩ።
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(ማቴዎስ 11:1-19) የሱስ ን12 ደቀ መዛሙርቱ ኣዚዙ ምስ ወድአ፡ ኣብ ከተማታቶም ኪምህርን ኪሰብኽን ተበገሰ። 2 ዮሃንስ ግና፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ብዛዕባ ግብርታት ክርስቶስ ምስ ሰምዐ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ልኢኹ፡ 3 “እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” ኢሉ ሓተቶ። 4 የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ኬድኩም፡ እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘለኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፦ 5 ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ድዉያት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ድኻታት ድማ ይብሰሩ ኣለዉ። 6 እቲ ብኣይ ዘይዕንቀፍ፡ ሕጉስ እዩ።” 7 እዚኣቶም ኪኸዱ ኸለዉ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ከምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “ኣብ በረኻ እንታይ ክትርእዩ ወጺእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆ፧ 8 እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጺእኩም፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድነ ሰብ፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት እዮም ዘለዉ። 9 ስለምንታይ ደኣ ወጺእኩም፧ ነብዪ ኽትርእዩ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ደኣ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ። 10 እቲ፡ ‘እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ መገድኻ ዚጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ’ ተባሂሉ እተጻሕፈሉ፡ ንሱ እዩ። 11 ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ካብቶም ካብ ኣንስቲ እተወልዱ፡ ካብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዓቢ ኣይተንስአን፣ እቲ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዝነኣሰ ግና፡ ካብኡ ዝዓበየ እዩ። 12 ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሕጂ፡ ንመንግስተ ሰማያት ሸቶኦም ገይሮም ይጋደሉላ ኣለዉ፣ እቶም ዚጋደሉ ድማ ይረኽብዋ ኣለዉ። 13 ነብያትን ሕግን ብሓፈሻስ፡ ክሳዕ ዮሃንስ እዩ ተነብዩ። 14 ክትቅበልዎ ትፈትዉ እንተ ዄንኩም፡ ‘እቲ ዚመጽእ ኤልያስ’ ንሱ እዩ። 15 እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ። 16 “ነዚ ወለዶ እዚ ብመን ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ንመጻውቶም ዚደሃዩ ቘልዑ ይመስሉ። 17 ከምዚ ኸኣ ይብልዎም፦ ‘ሻምብቆ ነፊሕናልኩም፡ ግናኸ ኣይሳዕሳዕኩምን፣ ኣልቂስናልኩም፡ ግናኸ ደረትኩም ኣይወቓዕኩምን።’ 18 ከምኡ ኸኣ፡ ዮሃንስ ከይበልዐን ከይሰተየን ምስ መጸ፡ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ይብሉ። 19 ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን ምስ መጸ ድማ፡ ‘እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን’ ይብሉ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጥበብ ብግብራ እዩ ጽድቃ ዚረጋገጽ።”