ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr18 ሓምለ ገጽ 1-8
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ሓምለ 2018

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ሓምለ 2018
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2018
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 2-8 ሓምለ
  • 9-15 ሓምለ
  • 16-22 ሓምለ
  • 23-29 ሓምለ
  • 30 ሓምለ–5 ነሓሰ
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2018
mwbr18 ሓምለ ገጽ 1-8

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—ሓምለ 2018

2-8 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 6-7

“ብልግሲ ስፈሩ”

(ሉቃስ 6:37) “ደጊም ኣይትፍረዱ፡ ከቶ ድማ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፣ ደጊም ኣይትዀንኑ፡ ከቶ እውን ኣይክትኵነኑን ኢኹም። ሕደጉ፡ ኪሕደገልኩም ድማ እዩ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 6:37

ሕደጉ፡ ኪሕደገልኩም ድማ እዩ፦ እታ “ሕደጉ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ “ሓራ ኣውጽኡ፡ ልቐቑ (ንኣብነት፡ ንእሱር)” ማለት እያ። ኣብዚ ሓሳብ እዚ ምስ ምፍራድን ምዅናንን ክትነጻጸር ከላ፡ መቕጻዕትን ሕነ ምፍዳይን ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ናጻ ምልቃቕን ይቕረ ምባልን ዚብል ሓሳብ ተመሓላልፍ።

w08 15/5 9-10 ¶13-14

ጽቡቕ ግበሩ

ወንጌል ማቴዎስ ንቓላት የሱስ፡ “ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ” ብምባል ትጠቅስ። (ማቴ. 7:1) ብመሰረት ሉቃስ ከኣ፡ የሱስ፡ “ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ” በለ። (ሉቃ. 6:37) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ፈሪሳውያን ኣብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታቶም ተመርኲሶም ንኻልኦት ብሕማቕ ይፈርዱ ነበሩ። ነቶም ከምኡ ዚገብሩ ዝነበሩ ሰማዕቲ የሱስ፡ ‘ከይፈርዱ’ ተነግሮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ኪሓድጉ፡’ ማለት ንኻልኦት ጕድለቶም ይቕረ ኺብሉሎም ነበሮም። ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ይቕረ ምባል ተመሳሳሊ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ይቕረ ብምባሎም፡ ካልኦት ሰባት ይቕረ ናይ ምባል መንፈስ ንኺህልዎም ይድርኹ። የሱስ፡ “ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ” በለ። (ማቴ. 7:2) ንኻልኦት ብዘሎና ኣተሓሕዛ ብዚምልከት፡ ዝዘራእናዮ ኢና እንዓጽድ።—ገላ. 6:7።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 6:38

ሃቡ፦ እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ንቐጻሊ ተግባር ስለ እተመልክት፡ “ብቐጻሊ ሃቡ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 6:38

ሕቝፍኹም፦ እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ “ደረት ኣፍ ልብኹም” ማለት እኳ እንተ ዀነት፡ ኣብዚ ሓሳብ እዚ ግና ነቲ ኣብ ልዕሊ ዕጣቕ ዚርከብ ግፍሕ ዝበለ ናይ ላዕሊ ኽዳን ብምዕጻፍ ዚፍጠር ዕጻፍ ኬመልክት ይኽእል እዩ። ገሊኦም ነጋዶ፡ ንእተዓደገ ነገራት ኣብቲ ንላዕሊ እተዓጽፈ ኽዳን እቶም ዓደግቲ ናይ ምግባር ልምዲ ስለ ዝነበሮም፡ እቲ “ኣብ ሕቝፍኹም ኪህቡኹም እዮም” ዚብል መግለጺ ነዚ ልምዲ እዚ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ሉቃስ 6:12, 13) በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኪጽሊ ናብ ከረን ደየበ፣ ምሉእ ለይቲ ድማ ናብ ኣምላኽ ኪጽሊ ሓደረ። 13 መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ሃዋርያት ኢሉ ዝሰመዮም 12 ኻባታቶም ሓረየ፦

w07 1/8 6 ¶2

ናይ ሓቂ መንፈሳውነት ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧

የሱስ መብዛሕትኡ እዋን ኪጽሊ ኸሎ ነዊሕ ግዜ የሕልፍ ነበረ። (ዮሃንስ 17:1-26) ንኣብነት ነቶም ሃዋርያቱ ዝዀኑ 12 ሰብኡት ቅድሚ ምምራጹ፡ “ኺጽሊ ናብ ከረን ደየበ፡ ለይቲ ብምልእታ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ነቒሑ ሐደረ።” (ሉቃስ 6:12) እቶም መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት እውን ንኺጽልዩ ምሉእ ለይቲ እኳ እንተ ዘይሓደሩ፡ ኣብነት የሱስ ይስዕቡ እዮም። ኣብ ህይወቶም ዓበይቲ ውሳነታት ቅድሚ ምግባሮም፡ ንመንፈሳውነቶም ዜደልድል ውሳነታት ምእንቲ ኺገብሩ መምርሒ መንፈስ ቅዱስ ኪወሃቦም ብምድላይ እኹል ግዜ መዲቦም ናብ ኣምላኽ ይጽልዩ እዮም።

(ሉቃስ 7:35) ዝዀነ ዀይኑ፡ ጥበብ ብዅሎም ደቃ እዩ ጽድቃ ዚረጋገጽ።”

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 7:35

ደቃ፦ ወይ “ፍሪኣ።” ኣብዚ፡ ጥበብ ብሰብ ተመሲላን ደቂ ኸም ዘለዋ ጌርካ ተገሊጻን ኣላ። ኣብቲ ኣብ ማቴ 11:19 ዚርከብ ተመሳሳሊ ጸብጻብ፡ ጥበብ “ግብሪ” ኸም ዘለዋ ጌርካ ተገሊጻ ኣላ። ደቂ ወይ ግብሪ ጥበብ—ማለት፡ እቲ ብዮሃንስ መጥምቕን የሱስን ዝቐረበ መርትዖ—እቲ ዝቐረበሎም ክሲ ሓሶት ምንባሩ የረጋግጽ። እምበኣር፡ የሱስ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ‘ነቲ ግብሪ ጽድቂ ርኣዩ እሞ፡ እቲ ኽሲ ሓሶት ምዃኑ ኽትፈልጡ ኢኹም’ እዩ ዚብል ነይሩ።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ሉቃስ 7:36-50) ሓደ ኻብ ፈሪሳውያን ድማ፡ ምስኡ ኺበልዕ ይልምኖ ነበረ። ናብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣትዩ ኸኣ፡ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 37 እንሆ ድማ፡ ኣብታ ኸተማ ሓጥእ ብምዃና እተፈልጠት ሰበይቲ ኣብ ቤት እቲ ፈሪሳዊ ኣብ መኣዲ ኸም እተቐመጠ ፈሊጣ፡ ቅዱይ ቅብኢ ዝመልአ ብልቃጥ ኣልባስጥሮስ ኣምጽአት። 38 ብድሕሪኡ ኣብ ጥቓ እግሩ ዀይና፡ እናበኸየት ብንብዓታ እግሩ ኸተጠልቅዮ ጀመረት፣ ብጸጕሪ ርእሳ ኸኣ ደረዘቶ። ኣእጋሩ ድማ ኣጥቢቓ ሰዓመት፡ በቲ ቕዱይ ቅብኢ እውን ለኸየቶ። 39 እቲ ዝዓደሞ ፈሪሳዊ ነዚ ርእዩ፡ “እዚ፡ ነብዪ እንተ ዚኸውንሲ፡ እዛ እትትንክዮ ዘላ ሓጥእ እያ እሞ፡ መን ምዃናን እንታይ ዓይነት ሰበይቲ ምዃናን ምፈለጠ” ኢሉ ብልቡ ሓሰበ። 40 የሱስ ከኣ፡ “ስምኦን፡ ዝብለካ ኣሎኒ” ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ድማ፡ “መምህር፡ ተዛረብ” በሎ። 41 “ንሓደ ኣለቃሒ ኽልተ ሰብ ዕዳ ነበርዎ፣ እቲ ሓደ 500 ዲናር፡ እቲ ሓደ ድማ 50 ዲናር ተዓድዮም ነበሩ። 42 ዚፈድይዎ ስለ ዝሰኣኑ ግና፡ ንኽልቲኦም ሓደገሎም። ካባታቶምሲ ዝያዳ ዜፍቅሮ መኖም እዩ፧” 43 ስምኦን ከኣ፡ “ንዓይሲ እቲ ዝያዳ እተሓድገሉ ይመስለኒ” ኢሉ መለሰ። ንሱ ድማ፡ “ቅኑዕ ፈሪድካ” በሎ። 44 ናብታ ሰበይቲ ግልጽ ኢሉ ኸኣ፡ ንስምኦን ከምዚ በሎ፦ “ነዛ ሰበይቲ እዚኣስ ትርእያዶ ኣለኻ፧ ናብ ቤትካ ኣትየ፡ ንእግረይ ማይ ኣይሃብካንን። እዚኣ ግና ንኣእጋረይ ብንብዓታ ኣጠልቅያቶ፡ ብጸጕራ እውን ደሪዛቶ። 45 ንስኻ ኣይሰዓምካንን፣ እዚኣ ግና ካብታ ዝኣቶኹላ ሰዓት ኣትሒዛ፡ ኣእጋረይ ኣጥቢቓ ኻብ ምስዓም ኣየቋረጸትን። 46 ንስኻ ንርእሰይ ብዘይቲ ኣይለኸኻንን፣ እዚኣ ግና ንኣእጋረይ ብቕዱይ ቅብኢ ለኽያቶ። 47 ስለዚ፡ ሓጢኣታ ብዙሕ እኳ እንተ ዀነ፡ ብዙሕ ስለ ዘፍቀረት፡ ተሓዲጉላ፡ እብለካ ኣለኹ። እቲ ሒደት እተሓድገሉ ግና፡ ሒደት እዩ ዜፍቅር።” 48 ንዕኣ ድማ፡ “ሓጢኣትኪ ተሓዲጉልኪ” በላ። 49 እቶም ምስኡ ኣብ መኣዲ እተቐመጡ ኸኣ፡ ብልቦም፡ “ሓጢኣት እኳ ዚሓድግሲ፡ እዚ መን እዩ፧” ኪብሉ ጀመሩ። 50 ንሱ ግና ነታ ሰበይቲ፡ “እምነትኪ ኣድሒናትኪ፣ ብሰላም ኪዲ” በላ።

9-15 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 8-9

“ሰዓብየይ ኩን—እንታይ የድሊ፧”

(ሉቃስ 9:57, 58) ኣብ መገዲ ኪኸዱ ኸለዉ ኸኣ፡ ሓደ፡ “ናብ እትኸዶ ዘበለ ኽስዕበካ እየ” በሎ። 58 የሱስ ግና፡ “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ሰፈር ኣለወን፣ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” በሎ።

it-2-E 494

ሰፈር

ሓደ ጸሓፊ ንየሱስ፡ “መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኽስዕበካ እየ” ምስ በሎ፡ የሱስ፡ “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ሰፈር ኣለወን፣ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” ብምባል እዩ መሊሱሉ። (ማቴ 8:19, 20፣ ሉቃ 9:57, 58) እቲ ሰብኣይ ንየሱስ ኪስዕቦ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ሰባት ብሓፈሻ ዜስተማቕርዎ ምሾት ኪሓድግ ፍቓደኛ ኪኸውንን ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኺውከልን ከም ዘለዎ እዩ የሱስ ዜጕልሕ ነይሩ። እዚ ስርዓት እዚ ኣብቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና” ብምባል ኪጽልዩ ዝመሃሮም ትምህርትን ኣብቲ፡ “ዋላ ሓደ ኻባኻትኩም፡ ኵሉ ንብረቱ ኸይቀበጸ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ” ዝበሎ ዘረባን ተንጸባሪቑ እዩ።—ማቴ 6:11፣ ሉቃ 14:33።

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 9:59, 60

ንኣቦይ ክቐብሮ፦ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ኣቦኡ ስለ ዝሞተ ኪቐብሮ ኪኸይድ ኣይኰነን ዚሓትት ነይሩ። ከምኡ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ምስ የሱስ ኪዛረብ ኣብቲ ቦታ እቲ ኣይምሃለወን። ኣብ ጥንታዊ ማእከላይ ምብራቕ፡ ሓደ ኣባል ስድራ ቤት ምስ ዚመውት፡ ብቕልጡፍ፡ ብሓፈሻ ኸኣ ኣብታ መዓልቲ እቲኣ እዩ ዚቕበር ነይሩ። ስለዚ፡ ኣቦ እቲ ሰብኣይ ሞይቱ ዘይኰነስ፡ ሓሚሙ ወይ ኣሪጉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ የሱስ ነቲ ሰብኣይ፡ ነቲ ዝሓመመን ሓገዝ ዜድልዮን ወላዲኡ ጠንጢኑ ኺስዕቦ ኺነግሮ ዘይመስል እዩ፣ ስለዚ፡ ነቲ ንወላዲኡ ዜድልዮ ነገራት ኬማልኡ ዚኽእሉ ኻልኦት ኣባላት ስድራ ቤት ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (ማር 7:9-13) እቲ ሰብኣይ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ‘ኣቦይ ብህይወት ክሳዕ ዘሎ ኽስዕበካ ኣይክእልን እየ። ኣቦይ ክሳዕ ዚመውት እሞ፡ ክሳዕ ዝቐብሮ ተጸበየኒ’ እዩ ዚብል ነይሩ። ብኣረኣእያ የሱስ ግና፡ እቲ ሰብኣይ ነቲ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቱ ቐዳማይ ቦታ ኺህብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ እዩ ዜጥፍእ ነይሩ።—ሉቃ 9:60, 62።

ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበርዎም፦ ኣብ ነጥቢ መጽናዕቲ ሉቃ 9:59 ከም እተገልጸ፡ ኣቦ እቲ የሱስ ዚዛረቦ ዝነበረ ሰብኣይ ሞይቱ ዘይኰነስ፡ ሓሚሙ ወይ ኣሪጉ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ የሱስ፡ ‘እቶም ብመንፈስ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበርዎም’ እዩ ዚብል ነይሩ፣ እዚ ኸኣ፡ እቲ ሰብኣይ፡ ኣቦኡ ሞይቱ ኪቕበር ክሳዕ ዜድልዮ፡ ካልኦት ቤተ ሰቡ ኪኣልይዎ ኺሓድጎም ከም ዘለዎ ዚሕብር እዩ ነይሩ። እቲ ሰብኣይ ንየሱስ ብምስዓብ፡ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዚመርሕ መገዲ ኺረክብን ሓደ ኻብቶም ብኣረኣእያ ኣምላኽ ብመንፈስ ምዉታት ዚዀኑ ሰባት ከይከውንን ይኽእል ነይሩ። የሱስ ብምላሹ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ምሃብን ብዛዕባኣ ብሰፊሑ ምእዋጅን፡ ብመንፈሳዊ መገዲ ህያው ንምዃን ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኣርኣየ።

(ሉቃስ 9:61, 62) ሓደ ኻልእ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፣ ግናኸ፡ ቅድም ንቤተ ሰበይ ክሰናበት ፍቐደለይ” በሎ። 62 የሱስ ግና፡ “ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ” በሎ።

nwtsty ሚድያ

ማሕረስ

ማሕረስ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ብብርቱዕ ሃሩር ሓጋይ ፈንከው ዝበለ መሬት፡ ዝናም ኣዝመራ መጺኡ ኣብ ዜለስልሰሉ እዋን እዩ ዚግበር ነይሩ። (ኣብ መ.ጽ. ለ15 ርአ።) ገሊኡ ዕርፊ ብዕንጨይቲ ወይ ብሓጺን ምስ እተሰርሐ በሊሕ ዝጫፉ ማሕረሻን ምስ ነዊትን እተተሓሓዘ ብሓደ ወይ ብጽምዲ እንስሳ ዚስሓብ እዩ ነይሩ። እቲ መሬት ምስ ተሓርሰ፡ ዘርኢ ይዝራእ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ እቲ ልሙድ ዝነበረ ዕዮ ማሕረስ ኣብ ምሳልያዊ መግለጺታት ውዒሉ እዩ። (መሳ 14:18፣ ኢሳ 2:4፣ ኤር 4:3፣ ሚክ 4:3) የሱስ ብዙሕ ግዜ ሕርሻዊ ንጥፈታት ተጠቒሙ፡ ኣገዳሲ ትምህርትታት ኣብሪሁ እዩ። ንኣብነት፡ ብምሉእ ልቡ ውፉይ ዝዀነ ወደ መዝሙር ምዃን ዘለዎ ኣገዳስነት ኬጕልሕ ከሎ፡ ዕዮ ማሕረስ ጠቒሱ እዩ። (ሉቃ 9:62) ሓደ ሓረስታይ ኪሓርስ ከሎ እንተ ኣስጊሉ፡ ጥውይዋይ ነግሕታት እዩ ዜውጽእ። ብተመሳሳሊ፡ ዜስግል ወይ ሓላፍነታቱ ኻብ ምፍጻም ንድሕሪት ዚምለስ ወደ መዝሙር የሱስ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ።

w12 15/4 15-16 ¶11-13

ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ኣገልግሎ

ነታ የሱስ ዝመሰላ ምሳሌ ብዝያዳ ንምንጻር፡ ብዝርዝር እስከ ንመርምራ። ሓደ ዓያዪ ይሓርስ ኣሎ ንበል። እናሓረሰ ኸሎ ግና፡ ኣእምሮኡ ኣብቲ ስድራ ቤቱን ፈተውቱን ዘለውዎ ኸምኡውን ኣብቲ ምግብን ሙዚቃን ሰሓቕን ጽላልን ዝመልኦ ቤቱ እዩ ዘሎ። ነዚ ነገራት እዚ ንኺረኽቦ ኸኣ ሃረር ይብል። ንእተወሰነ እዋን ምስ ሓረሰ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ባህ ዜብል ነገራት ንኺረኽቦ ዘለዎ ድሌት እናወሰኸ ስለ ዚኸይድ፡ ‘ንድሕሪት ይርኢ።’ እቲ ግራት ክሳዕ ዚዝራእ ገና ብዙሕ ዚዕየ ነገራት እኳ እንተሎ፡ እቲ ዓያዪ ኣቓልቦኡ ስለ እተሰርቀ፡ ስራሑ ብግቡእ ኣይፍጽምን እዩ። ጐይታ እቲ ዓያዪ፡ እቲ ዓያዪ ብጽንዓት ብዘይምስርሑ ኸም ዚጕሂ ፍሉጥ እዩ።

ምስቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ምሳሌ ዚመሳሰል ዘመናዊ ዅነታት እስከ ንርአ። እቲ ዓያዪ ምስ ሓደ ደሓን ዚመስል፡ ግናኸ ኣብ መንፈሳዊ ሓደጋ ዘሎ ክርስትያን ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣብ ኣገልግሎት ብንጥፈት ዚዓዪ ሓው እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። እዚ ሓው እዚ ኣብ ኣኼባታት ይእከብ ከምኡውን ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ይካፈል እኳ እንተ ዀነ፡ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ እቲ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዚርከብ ዚስሕብ ነገራት ይሓስብን ብልቡ ድማ ይምነዮን እዩ። ንየሆዋ ንእተወሰነ ዓመታት እኳ እንተ ኣገልገሎ፡ ነቲ እዛ ዓለም እዚኣ እተቕርቦ ነገራት ኪረክብ ዘለዎ ባህጊ እናወሰኸ ስለ ዚኸይድ፡ ግልጽ ኢሉ ‘ንድሕሪት ኪርኢ’ ይጅምር። ኣብ ኣገልግሎት ኪዕየ ዘለዎ ብዙሕ ዕዮ እኳ እንተሎ፡ ‘ነቲ ቓል ህይወት ኣጽኒዑ ስለ ዘይሕዞ፡’ ኣብ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታት ዚገብሮ ዝነበረ ተሳትፎ ይንኪ። (ፊል. 2:16) እቲ “ጐይታ እኽሊ” ዝዀነ የሆዋ ድማ፡ እቲ ሓው ብዘይምጽናዑ ይጕሂ።—ሉቃ. 10:2።

እቲ ትምህርቲ ንጹር እዩ። ኣብ ከም ኣኼባታት ጉባኤ ምእካብን ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ምስታፍን ዝኣመሰለ ባህ ዜብልን ዜዕግብን ዕዮ ኣዘውቲርና ምክፋልና ዚነኣድ እኳ እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ብፍጹም ልቢ ምግልጋል ግና ካብኡ ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። (2 ዜና 25:1, 2, 27) ሓደ ክርስትያን ብልቡ ገና ነቲ ‘ኣብ ድሕሪት ዘሎ ነገራት፡’ ማለት ንገሊኡ ናብራ እዛ ዓለም እዚኣ ዜፍቅሮ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ኣብ ሓደጋ እዩ ዜእትዎ። (ሉቃ. 17:32) ነቲ “ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ” ዚብል ምኽሪ ንስዕቦ እንተ ዄንና ጥራይ ኢና ‘ንመንግስቲ ኣምላኽ እንበቅዕ።’ (ሮሜ 12:9፣ ሉቃ. 9:62) ስለዚ፡ ኵልና ዝዀነ ይኹን ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ ነገራት፡ ዋላ እውን ጠቓሚ ወይ ባህ ዜብል ይምሰል፡ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ልብና ኻብ ምፍጻም ከይዓግተና ኽንጥንቀቕ ኣሎና።—2 ቈረ. 11:14፣ ፊልጲ 3:13, 14 ኣንብብ።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 8:3

የገልግላኦም ነበራ፦ ወይ “ይድግፋኦም (ይዕንግላኦም) ነበራ።” እታ ዲያኮኖ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ነቲ ምግቢ ብምምጻእን ብምኽሻንን ብምቕራብን ብኻልእ መገድን፡ ንኻልኦት ብስጋ ዜድልዮም ነገር ምሕላይ ከተመልክት ትኽእል እያ። ኣብ ሉቃ 10:40 (“ከገልግል”)፡ ሉቃ 12:37 (“ኬገልግሎም”)፡ ሉቃ 17:8 (“ኣገልግለኒ”)፡ ከምኡ ድማ ኣብ ግብ 6:2 (“ምግቢ ኽንዕድል”) እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ተዓይዩላ ኣላ፣ ግናኸ፡ ንዅሉ ኻልእ ተመሳሳሊ ኣገልግሎታት ከተመልክት እውን ትኽእል እያ። ኣብዚ፡ እተን ኣብ ፍቕዲ 2ን 3ን እተጠቕሳ ኣንስቲ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦም መዝነት ኪፍጽሙ ብኸመይ ከም ዝደገፋኦም ትገልጽ። ከምኡ ብምግባረን ንኣምላኽ ክብሪ ኣምጺአናሉ እየን፣ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ልግሰን ኵሉ ዚመጽእ ወለዶ ምእንቲ ኼንብቦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚምዝገብ ብምግባር ሞሳኡ ኣርኣየን። (ምሳ 19:17፣ እብ 6:10) ኣብ ማቴ 27:55፣ ማር 15:41፡ ንገሊአን ኣንስቲ ንምግላጽ እዛ ናይ ግሪኽኛ ቓል ተዓይዩላ እዩ።

(ሉቃስ 9:49, 50) ዮሃንስ ከኣ፡ “መምህር፡ ሓደስ ብስምካ ኣጋንንቲ ኼውጽእ ርኢናዮ፣ ምሳና ስለ ዘይሰዓበ ኸኣ፡ ክንክልክሎ ፈቲንና” ኢሉ መለሰሉ። 50 የሱስ ግና፡ “ዘይጻረረኩም ዘበለ፡ ምሳኻትኩም እዩ እሞ፡ ክትክልክልዎ ኣይትፈትኑ” በሎ።

w08 15/3 31 ¶3

ካብ ወንጌል ሉቃስ ዚጐልሕ ነጥብታት

9:49, 50—የሱስ ነቲ ዘይስዕቦ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ኣጋንንቲ ኸየውጽእ ዘይከልከሎ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ነቲ ሰብኣይ ዘይከልከሎ፡ እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ገና ዘይተመስረተት ስለ ዝነበረት እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሰብኣይ ኣብ የሱስ እምነት ንምሕዳርን ኣጋንንቲ ንምውጻእን ናይ ግድን ንየሱስ ኪስዕቦ ኣየድልዮን እዩ ነይሩ።—ማር. 9:38-40።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ሉቃስ 8:1-15) ደድሕርዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ኣብ ከከተማን ኣብ ቈቍሸትን ይዘውር ነበረ። እቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ ምስኡ ነበሩ፣ 2 ካብ እኩያት መናፍስትን ካብ ሕማምን ዝሓወያ ገለ ኣንስቲ፡ እታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዝወጹላ መግደላዊት እትብሃል ማርያም፡ 3 ዮሃና ሰበይቲ እቲ ኩዛ ዚብሃል ኣዛዝ ቤት ሄሮድስ፡ ሱሳና፡ ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲ እውን ነበራ፣ ንሳተን ብገንዘበን የገልግላኦም ነበራ። 4 ብዙሓት ህዝቢ ምስቶም ካብ ከከተማ ናብኡ ዝኸዱ ምስ ተኣከቡ፡ ብምሳሌ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 5  “ሓደ ዘራኢ ዘርኡ ኺዘርእ ወፈረ። ኪዘርእ ከሎ ኸኣ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ተረግጸ እውን፣ ኣዕዋፍ ሰማይ ድማ በልዓኦ። 6 ገሊኡ ኸኣ ኣብ ከውሒ ወደቐ፣ ምስ በቘለ ድማ፡ ጠሊ ስለ ዘይነበሮ፡ ነቐጸ። 7 ገሊኡ እውን ኣብ ማእከል ኣእሻዅ ወደቐ፣ እቲ ምስኡ ዝዓበየ ኣእሻዅ ድማ ሓነቖ። 8 ገሊኡ ኸኣ ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ እሞ፡ ምስ በቘለ፡ 100 ዕጽፊ ፈረየ።” እዚ ምስ በለ፡ “ንምስማዕ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ” ኢሉ ጨደረ። 9 ደቀ መዛሙርቱ ግና፡ እዛ ምሳሌ እዚኣ እንታይ ማለት ምዃና ሓተትዎ። 10 ንሱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ንዓኻትኩም፡ እቲ ቕዱስ ምስጢራት መንግስቲ ኣምላኽ ክትርድኡ ተዋሂቡኩም ኣሎ፣ ንኻልኦት ግና፡ እናረኣዩ ምእንቲ ኸይርእዩ፡ እናሰምዑ እውን ምእንቲ ኸየስተውዕሉስ፡ ምሳሌታት እዩ ዚዀኖም። 11 እታ ምሳሌ ኸምዚ ማለት እያ፦ እቲ ዘርኢ፡ ቃል ኣምላኽ እዩ። 12 እቶም ኣብ ጥቓ መገዲ ዘለዉ፡ ዝሰምዑ እሞ፡ ድሕሪኡ ድያብሎስ መጺኡ ምእንቲ ኸይኣምኑን ከይድሕኑን ኢሉ ነቲ ቓል ካብ ልቦም ዚወስዶ እዮም። 13 እቶም ኣብ ከውሒ ዘለዉ፡ ነቲ ቓል ምስ ሰምዕዎ ብሓጐስ ዚቕበልዎ፡ ግናኸ ሱር ዘይብሎም እዮም። ንግዜኡ እዮም ዚኣምኑ፣ ብግዜ ፈተና ግና ይወድቁ። 14 እቲ ኣብ ኣእሻዅ ዝወደቐ ኸኣ፡ እዚኣቶም ዝሰምዑ፡ ግናኸ ብናይ እዚ ህይወት እዚ ጭንቀትን ሃብትን ተድላን ስለ ዚውሰዱ፡ ምሉእ ብምሉእ ዚሕነቑ፡ ዋላ ሓንቲ እውን ዘይፈርዩ እዮም። 15 እቶም ኣብ ጽቡቕ መሬት ዘለዉ ድማ፡ እዚኣቶም ነቲ ቓል ብቕኑዕን ብጽቡቕን ልቢ ምስ ሰምዕዎ፡ ዚዓቝርዎ፡ ብተጻዋርነት ከኣ ፍረ ዚፈርዩ እዮም።

16-22 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 10-11

“ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ”

(ሉቃስ 10:29-32) ንሱ ግና ርእሱ ኼጽድቕ ደልዩ፡ ንየሱስ፡ “ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧” በሎ። 30 የሱስ ከኣ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ፣ ንሳቶም ከኣ ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ኣይምዉት ኣይስሩር ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ። 31 ብኣጋጣሚ፡ ሓደ ኻህን በታ መገዲ እቲኣ ወረደ፣ ምስ ረኣዮ ግና፡ ብመንጽሩ ሓለፈ። 32 ከምኡ ድማ፡ ሓደ ሌዋዊ ናብታ ቦታ እቲኣ ምስ መጸን ምስ ረኣዮን፡ ብመንጽሩ ሓለፈ።

nwtsty ሚድያ

ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ እትወስድ መገዲ

ኣብዛ ሓጻር ቪድዮ ዚርአ ዘሎ መገዲ (1) ነቲ ንየሩሳሌም ምስ ያሪኮ ዜራኽብ ዝነበረ ጥንታዊ መገዲ ዚስዕብ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ መገዲ ልዕሊ 20 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱን ጸድፊ ዝነበሮን እዩ ነይሩ፣ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ድማ ናይ 1 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ቍልቍለት ነበሮ። ኣብቲ በረኻን ጽምው ዝበለ ቦታን ከተርቲ ብብዝሒ ይርከቡ ስለ ዝነበሩ፡ ንተጐዓዝቲ ንምዕቋብ ኣብቲ ቦታታት ሰራዊት ይዓርድ ነይሩ እዩ። ናይ ሮማውያን ያሪኮ (2) ኣብታ ኻብ በረኻ ይሁዳ እትቕልቀል መገዲ ትርከብ ነበረት። እታ ጥንታዊት ከተማ ያሪኮ (3) ካብታ ናይ ሮማውያን ከተማ ኣስታት 2 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ትርከብ ነይራ።

w02 1/9 16-17 ¶14-15

“ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን”

ካልኣይ፡ ነቲ ብዛዕባ ሕያዋይ ሳምራዊ ዝገለጾ ምሳልያዊ ዛንታ እሞ ዘክሮ። የሱስ “ሓደ ሰብኣይ ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ፡ ኣብ ኢድ ከተርቲ ወደቐ። ገፈፍዎን ከትከትዎን፡ ዳርጋ ምዉት ገይሮም ከኣ ገዲፎምዎ ኸዱ” ብምባል ኢዩ ዘረብኡ ዝጀመረ። (ሉቃስ 10:30) ነታ “ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ” እትወስድ መገዲ ምጥቃሱ ሓደ ትርጕም ኣለዎ። ነዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ ኸዘንቱ ኸሎ፡ ካብ የሩሳሌም ብዙሕ ከይረሓቐ ኣብ ምድሪ ይሁዳ ኢዩ ነይሩ፣ ስለዚ ሰማዕቱ ብዛዕባ እታ መገዲ እቲኣ ዝፈልጡ ክዀኑ ኣለዎም። እታ መገዲ እቲኣ ብፍላይ ንሓደ በይኑ ዝጓዓዝ ሰብ ኣዝያ ሓደገኛ ኢያ ነይራ። ጥውይዋይ መገዲ ስለ ዝነበረት ከተርቲ ኣድብዮም ንኽጸንሑ ዝምችእ ቦታታት ነበራ።

የሱስ ብዛዕባ እታ መገዲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ካብ የሩሳሌም ናብ ያሪኮ ኺወርድ ከሎ” ምባሉ ኣቓልቦ ኽንገብረሉ ዝግባእ ነጥቢ ኢዩ። ኣብታ ዛንታ ቐጺሉ፡ ፈለማ ሓደ ኻህን ድሕሪኡ ኸኣ ሓደ ሌዋዊ በታ መገዲ ኸም ዝሓለፉ፡ ነቲ ግዳይ ግን ክሕግዝዎ ደው ከም ዘይበሉ ገሊጹ ኢዩ። (ሉቃስ 10:31, 32) ኣብቲ ግዜ እቲ ኻህናት ኣብ የሩሳሌም የገልግሉ ነበሩ፡ ሌዋውያን እውን ይሕግዝዎም ነይሮም ኢዮም። ያሪኮ ኻብ የሩሳሌም 23 ኪሎ ሜትር ጥራይ ርሒቓ ስለ እትርከብ፡ ብዙሓት ካህናትን ሌዋውያንን ከኣ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ዘየገልግሉሉ እዋን ኣብ ያሪኮ ይቕመጡ ነበሩ። ስለዚ ብዘይጥርጥር በታ መገዲ እቲኣ ይጐዓዙ ነይሮም ኢዮም። እቲ ኻህንን እቲ ሌዋውን “ካብ የሩሳሌም” ተበጊሶም ይጐዓዙ ምንባሮም፡ ማለት ናብቲ ቤተ መቕደስ ይኸዱ ዘይምንባሮም እውን ኣስተብህለሉ። ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም ሓልዮት ዘየርኣይሉ ምኽንያት እቲ ሰብኣይ ምዉት ስለ ዝመሰሎም እሞ፡ ምዉት እንተ ተንክዮም ከኣ ንግዚኡ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ከገልግሉ ስለ ዘይክእሉ ኢዮም ዝብል ምኽኒት ክቐርብ ኣይክእል ኢዩ። (ዘሌዋውያን 21:1፣ ዘሁልቍ 19:11, 16) የሱስ ኣብ እተጠቕመሉ ምስላታት እቶም ሰማዕቱ ኣጸቢቖም ዝፈልጥዎ ነገር ከም ዝጠቐሰስ ንጹርዶ ኸይኰነ፧

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 10:33, 34

ሓደ ሳምራዊ፦ ኣይሁድ ብሓፈሻ ንሳምራውያን ይንዕቅዎምን ምሳታቶም ኣይተሓባበሩን ነበሩ። (ዮሃ 4:9) ገሊኦም ኣይሁድ ነታ “ሳምራዊ” እትብል ቃል ንምንሻውን ንምውራድን እውን ከይተረፈ ይጥቀሙላ ነይሮም እዮም። (ዮሃ 8:48) ኣብ ሚሽና፡ ሓደ ረቢ፡ “እንጌራ ሳምራውያን ዚበልዕ፡ ልክዕ ከም ሓደ ስጋ ሓሰማ ዚበልዕ እዩ” ከም ዝበለ ተጠቒሱ ኣሎ። (ሸቢት 8:10) ብዙሓት ኣይሁድ፡ ምስክርነት ሓደ ሳምራዊ ኣይኣምኑን፡ ወይ ሳምራዊ ዚህቦ ኣገልግሎት ኣይቅበሉን ነበሩ። የሱስ ነቲ ኣይሁድ ብሓፈሻ ዝነበሮም ንዕቀት ዝመልኦ ኣረኣእያ ይፈልጦ ስለ ዝነበረ፡ በታ መብዛሕትኡ ግዜ ምሳሌ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ ተባሂላ እትጽዋዕ ምሳሌ ኣቢሉ ሓያል ትምህርቲ ኣመሓላለፈ።

ዘይትን ወይንን ኣፍሲሱ፡ ኣቝሳሉ ዘነነሉ፦ እቲ ሓኪም ዝነበረ ሉቃስ፡ ነቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ልሙድ ዝነበረ ንቝስሊ ዚግበር ሜላታት ክንክን ብምግላጽ፡ ንምሳሌ የሱስ ብጥንቃቐ እዩ መዝጊብዎ። ዘይትን ወይንን ቍስሊ ንምሕካም ዚውዕል ዝውቱር ዘቤታዊ መድሃኒት እዩ ነይሩ። ዘይቲ ሓድሓደ ግዜ ንኣቝሳል ንምልስላስ የገልግል ነይሩ እዩ (ምስ ኢሳ 1:6 ኣረኣኢ)፣ ወይኒ ድማ ከም ጸረ ረኽስን ጸረ ተህዋስን ኰይኑ የገልግል ስለ ዝነበረ እተወሰነ ሕክምናዊ ጥቕሚ ነይርዎ እዩ። ሉቃስ እቲ ቝስሊ እናበኣሰ ኸይከይድ ንምክልኻል ብኸመይ ይዝነን ከም ዝነበረ እውን ገሊጹ እዩ።

መሕደር ኣጋይሽ፦ እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ፡ “ንዅሉ ሰብ እትቕበለሉ ቦታ” ማለት እያ። ተጐዓዝትን እንስሳታቶምን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታታት መሕደሪ ኺረኽቡ ይኽእሉ ነይሮም እዮም። እቲ ሓላው መሕደር ኣጋይሽ ገንዘብ ተቐቢሉ ንተጐዓዝቲ ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ይቕርብን ነቶም ኣብ ትሕቲ ሓልዮቱ እተሓድጉ ይከናኸንን ነበረ።

(ሉቃስ 10:36, 37) ነቲ ኣብ ኢድ ከተርቲ ዝወደቐስ፡ ካብዞም ሰለስተ፡ ብጻይ ዝዀኖ ኣየናዮም ይመስለካ፧” 37 ንሱ ድማ፡ “እቲ ምሕረት ዝገበረሉ” በለ። የሱስ ከኣ፡ “ንስኻ እውን ኪድ እሞ፡ ከምኡ ግበር” በሎ።

w98 1/7 31 ¶2

ሓደ ሳምራዊ ሕያዋይ ብጻይ ምዃኑ የረጋግጽ

እቲ ናይ የሱስ ምሳሌያዊ ዛንታ፡ ናይ ሓቂ ቕኑዕ ሰብ ዝበሃል እቲ ንሕግታት ኣምላኽ ዝእዘዝ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ንባህርያቱ እውን ዝቐድሕ ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር። (ኤፌሶን 5:1) ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ “ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ” ይነግረና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34) ነዚ ብዝምልከት ንኣምላኽ ንቐድሖ ዲና፧ እዚ ዘነቓቕሕ ናይ የሱስ ምሳሌያዊ ዛንታ ብጻይነትና ሃገራውን ባህላውን ሃይኖማኖታውን ሓጹራት ዝሰግር ክኸውን ከም ዘለዎ ዝሕብር ኢዩ። ብሓቂ፡ ክርስትያናት ከምቲ ናቶም ማሕበራዊ ደረጃ፡ ዓሌት ወይ ድማ ሃገር ዘለዎም ሰባት ከምኡውን ንኣመንቲ ብጾቶም ጥራይ ዘይኰነስ ‘ንዅሉ ሰብ ሰናይ ክገብሩ’ ተኣዚዞም ኢዮም።—ገላትያ 6:10።

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 10:18

ሰይጣን ድሮ ኸም በርቂ ኻብ ሰማይ ወዲቑ ርእየዮ፦ የሱስ፡ ሰይጣን ድሮ ኻብ ሰማይ ተደርብዩ ኸም ዝረኣየ ኺገልጽ ከሎ ትንቢት ይዛረብ ከም ዝነበረ ንጹር እዩ። ራእ 12:7-9፡ ኣብ ሰማይ ውግእ ከም እተኻየደ ትገልጽን ንውድቀት ሰይጣን ምስ ምውላድ መሲሓዊት መንግስቲ ተተሓሕዞን እያ። የሱስ ኣብቲ ኣብ መጻኢ ዚካየድ ውግእ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብርግጽ ከም ዚስዓሩ እዩ ዜጕልሕ ነይሩ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ ነቶም ዘይፍጹማት ሰባት ዝነበሩ 70 ደቀ መዛሙርቲ እውን ከይተረፈ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ ሓይሊ ሂብዎም ነይሩ እዩ።—ሉቃስ 10:17።

w08 15/3 31 ¶12

ካብ ወንጌል ሉቃስ ዚጐልሕ ነጥብታት

10:18—የሱስ ነቶም 70 ደቀ መዛሙርቱ፡ “ሰይጣን ከም መብረቕ ካብ ሰማይ ኪወድቕ ከሎ ርኤኽዎ” ኺብሎም ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ የሱስ፡ ሰይጣን ድሮ ኻብ ሰማይ ተደርብዩ ማለቱ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ሰይጣን ካብ ሰማይ እተደርበየ፡ ክርስቶስ ብ1914 ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ኻብ ዚነግስ ድሕሪ ሓጺር እዋን እዩ። (ራእ. 12:1-10) ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ የሱስ ነቲ ኣብ መጻኢ ዚፍጸም ነገራት ብሕሉፍ እዋን ገይሩ ብምዝራብ፡ እዚ ነገር እዚ ብርግጽ ከም ዚፍጸም ዚገልጽ ዘሎ እዩ ዚመስል።

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 11:5-9

ዓርከይ፡ ሰለስተ እንጌራ ኣለቅሓኒ፦ ኣብ ባህሊ ማእከላይ ምብራቕ፡ ከምቲ ኣብዚ ምሳሌ እውን ተንጸባሪቑ ዘሎ፡ ሰባት ልግሲ ምርኣይ ይፈትዉን ግዴታኦም ገይሮም ይርእይዎን እዮም። እቲ ጋሻ ብሃንደበትን ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነን እኳ እንተ መጸ፡—እዚ ኸኣ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ናብቲ ዝሓሰብካዮ ቦታ ሰዓት ክንደይ ከም እትበጽሕ ክትግምቶ ዘይከኣል ከም ዝነበረ ዚሕብር እዩ፡—እቲ ኣአንጋዲ ንጋሻኡ ገለ ዚብላዕ ኪህቦ ዘለዎ ዀይኑ ተሰሚዕዎ እዩ። ስለዚ፡ ኣብታ ሰዓት እቲኣ ንጐረቤቱ ኺርብሾን ካብኡ እንጌራ ኺልቃሕን ግዴታ ዘለዎ ዀይኑ እውን ተሰሚዕዎ እዩ።

ደጊም ኣይተሸግረኒ፦ እቲ ኣብዛ ምሳሌ እተጠቕሰ ዓርኪ፡ ንምሕጋዝ ተወላዊሉ እዩ፣ ከምኡ ዝገበረ ሕሱም ስለ ዝነበረ ዘይኰነ ግና፡ ድሮ ደቂሱ ስለ ዝነበረ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ ኣባይቲ፡ ምናዳ ኸኣ ኣባይቲ ድኻታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ዓብዪ ኽፍሊ ጥራይ እዩ ነይርዎ። እቲ ብዓል ቤት ኪትንስእ እንተ ዀይኑ፡ ንብምልእታ እታ ስድራ ቤት፡ እንተላይ ነቶም ዝደቀሱ ቘልዑ ኺርብሽ ይኽእል ነይሩ እዩ።

ላሕ፦ እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃል ብቓሉ ኽትትርጐም ከላ፡ “ትሕትና ዝጐደሎ” ወይ “ሕንከት ኣልቦ” ማለት እያ። ኣብዚ ሓሳብ እዚ ግና ከየቋረጽካ ወይ ብጽኑዕ ምልማን እያ እተመልክት። እቲ ኣብ ምሳሌ የሱስ ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ፡ ብዛዕባ እቲ ዜድልዮ ነገር ከየቋረጸ ንምልማን ኣይሓፈረን ወይ ኣየድሓርሓረን፣ የሱስ እውን ንደቀ መዛሙርቱ ብተመሳሳሊ ኸየቋረጹ ኺጽልዩ እዩ ነጊርዎም።—ሉቃ 11:9, 10።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ሉቃስ 10:1-16) ድሕርዚ፡ ጐይታ፡ ካልኦት 70 መዘዘ፣ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ቦታን ቀቅድሚኡ ለኣኾም። 2 ከምዚ ድማ በሎም፦ “እቲ እኽልስ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ጐይታ እኽሊ፡ ናብ እኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ ለምንዎ። 3 ኪዱ። እንሆ፡ ከም ዕያውቲ ናብ መንጎ ተዃሉ እልእከኩም ኣለኹ። 4 ማሕፉዳ ዀነ፡ ለቘታ ስንቂ ዀነ፡ ኣሳእን ኰነ ኣይትማልኡ፣ ኣብ መገዲ ድማ ንሓደ እኳ ሰላም ኣይትበሉ። 5 ኣብ እትኣትውዋ ቤት፡ ቅድም፡ ‘ነዛ ቤት እዚኣ ሰላም ይኹን’ በሉ። 6 ኣብኣ ፈታው ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሓድር እዩ። እንተ ዘየልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ። 7 ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣብታ ቤት ዝሃቡኹም እናበላዕኩምን እናሰተኹምን ተቐመጡ። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ። 8 “ኣብ እትኣትውዋ ኸተማ እውን፡ እንተ ተቐቢሎምኹም፡ ዝቐረቡልኩም ብልዑ፡ 9 ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ‘መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ’ ኸኣ በልዎም። 10 ኣብታ እትኣትውዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐቢሎምኹም ግና፡ ናብ ጐደናኣ ወጺእኩም፡ 11 ‘እቲ ኻብ ከተማኹም ኣብ ኣእጋርና ዝለገበ ደሮና እኳ ንነግፈልኩም ኣለና። መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ’ በሉ። 12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ካብ ነታ ኸተማ እቲኣ፡ ንሶዶም ኪቐልል እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ። 13 “ወይለኺ ኰራዚን! ወይለኺ ቤት-ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን እተገብረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶንን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን፡ ኣብ ሓምዅሽቲ ድማ ተቐሚጠን፡ ቀደም ምተነስሓ ነይረን። 14 ስለዚ፡ ብፍርዲ፡ ካብ ንዓኻትክን ንጢሮስን ንሲዶንን ኪቐልል እዩ። 15 ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳብ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳብ መቓብር እባ ኽትወርዲ ኢኺ! 16 “እቲ ንዓኻትኩም ዚሰምዓኩም፡ ንዓይ እውን ይሰምዓኒ። እቲ ንዓኻትኩም ዚንዕቀኩም፡ ንዓይ እውን ይንዕቀኒ። እቲ ንዓይ ዚንዕቀኒ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚንዕቆ።”

23-29 ሓምለ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 12-13

“ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም”

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 12:6

ጨራሩ፦ እታ ስትሮትዮን እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ንዝዀነት ትኹን ንእሽቶ ዑፍ እተመልክት እኳ እንተ ዀነት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ነተን ንምግቢ ኪዀና ዚሽየጣ ዝነበራ ዝሓሰራ ዓይነት ኣዕዋፍ እያ እተመልክት።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 12:7

ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን፦ ጸጕሪ ርእሲ ሰብ ብገምጋም ልዕሊ 100,000 ከም ዚበጽሕ እዩ ዚንገር። እቲ የሆዋ ብዛዕባ ኸምዚ ዝኣመሰለ ደቂቕ ዝርዝራት ዘለዎ ዓሚቝ ፍልጠት፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ሰዓቢ ክርስቶስ ኣጸቢቑ ኸም ዚግደስ የረጋግጸልና።

(ሉቃስ 12:7) ኵለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ተቘጺረን እየን። ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ጨራሩ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።

cl 241 ¶4-5

‘ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኽፈልየና’ ዝኽእል የለን

ቀዳማይ፡ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ኣኽቢሩ ኸም ዝርእዮ መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና እዩ። ንኣብነት፡ የሱስ ከምዚ በለ፦ “ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። ጸጕሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። እምብኣርስኸ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ።” (ማቴዎስ 10:29-31) እዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት እንታይ ትርጕም ከም ዝነበረን እሞ ንርአ።

ሰብ ንምንታይ እዩ ዑፍ ዝዕድግ ኢልና ንግረም ንኸውን። እታ የሱስ ዝጠቐሳ ዓይነት ዑፍ ኣብ ግዜኡ ኻብተን ንመግቢ ዝሽየጣ ዝነበራ ኣዕዋፍ እታ ዝሓሰረት እያ ነይራ። ብሓንቲ ብዙሕ ዋጋ ዘይብላ ሳንቲም ክልተ ኣዕዋፍ ይዕደጋ ነበራ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ቀጺሉ ኸም ዝገለጾ ብኽልተ ሳንቲም ኣርባዕተ ዘይኰናስ ሓሙሽተ ኣዕዋፍ ይዕደጋ ነበራ። እታ ሓንቲ ኸም መቝሽሽ እያ እትወሃብ ነይራ። ሰባት ነዘን ኣዕዋፍ እዚኣተን ብዙሕ ዋጋ ከም ዘይብለን ገይሮም ዝቘጽርወን እኳ እንተ ነበሩ፡ ፈጣሪ ግን ከመይ ገይሩ እዩ ዝርእየን፧ የሱስ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ [እታ ኸም መቝሽሽ እትወሃብ እውን ከይተረፈ] ኣይትርሳዕን እያ” በለ። (ሉቃስ 12:6, 7) ሕጂ ነቲ የሱስ ከመሓላልፎ ደልዩ ዘሎ መልእኽቲ ምልስ ኢልና ንርኣዮ። የሆዋ ንሓንቲ ዑፍ ክሳዕ ክንድዚ ኣኽቢሩ ዝርእያ ኻብ ኰነ፡ ንሰብኣዊ ፍጡር ደኣ ኽንደይ ዝያዳ ኣኽቢሩ ዘይርእዮ! ከምቲ የሱስ ዝገለጾ የሆዋ ብዛዕባና ዝርዝር ነገራት ይፈልጥ እዩ። አረ ጸጕሪ ርእስና እኳ ኸይተረፈ ቝጹራት እየን!

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 13:24

ተጋደሉ፦ ወይ “ብቐጻሊ ተቓለሱ።” እቲ የሱስ ዝሃቦ ምሕጽንታ፡ በታ ጸባብ ኣፍ ደገ ንምእታው ብዅሉ ነፍስና ኽንጽዕር ከም ዜድልየና ዜጕልሕ እዩ። እተፈላለየ መወከሲ ጽሑፋት፡ እዚ ሓሳብ እዚ፡ “ዝበርትዐ ጻዕሪ ግበሩ፣ ብዚከኣለኩም ጽዓሩ” ተባሂሉ ኺትርጐም ሓሳብ ይህብ እዩ። እታ ኣጎኒዞማይ እትብል ናይ ግሪኽኛ ግሲ ምስታ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣትለቲካዊ ውድድር ንምምልካት እትውዕል ብስም ዝቘመት ኣጎኒ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል ትዛመድ እያ። እዛ ብስም ዝቘመት ቃል፡ ኣብ እብ 12:1 ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ንህይወት ዚግበር ክርስትያናዊ “ቕድድም” ንምምልካት ውዒላ ኣላ። ብሓፈሻ ኸኣ ን“ገድሊ” ንምምልካት ትውዕል። (ፊል 1:30፣ ቈሎ 2:1፣ 1ጢሞ 6:12፣ 2ጢሞ 4:7) እታ ኣብ ሉቃ 13:24 እትርከብ ናይ ግሪኽኛ ግሲ ኸኣ፡ “ዚወዳደር” (1ቈረ 9:25) ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ን‘ገድሊ’ ንምምልካት እውን ውዒላ ኣላ። (ቈሎ 1:29፣ 4:12፣ 1ጢሞ 4:10፣ 6:12) ገሊኦም፡ ድሕረ ባይታ እዛ ቓል እዚኣ ምስቲ ኣብ ጸወታታት ኣትለቲክስ ዚግበር ውድድር ዚተሓሓዝ ብምዃኑ፡ እቲ የሱስ ዜተባብዖ ዝነበረ ጻዕሪ ምስቲ ሓደ ጐያዪ ሽልማት ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ ብዅሉ ሓይሉ ዚገብሮ ገድሊ ኺነጻጸር ከም ዚኽእል ሓሳብ ይህቡ እዮም።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 13:33

ዘይከውን ስለ ዝዀነ፦ ወይ “ዘይሕሰብ ስለ ዝዀነ።” መሲሕ ኣብ የሩሳሌም ከም ዚመውት ብንጹር ዚገልጽ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እኳ እንተ ዘየልቦ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ዳን 9:24-26 እተመስረተ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣይሁድ ንነብዪ፡ ብፍላይ ድማ ንመሲሕ ኪቐትልዎ እንተ ዀይኖም፡ ኣብዛ ኸተማ ኪቐትልዎ እዩ ትጽቢት ዚግበረሉ። ከመይሲ፡ እቲ 71 ኣባላት ዝነበርዎ ዋዕላ፡ ማለት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ የሩሳሌም ይእከብ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ናይ ሓሶት ነብያት ከም ዝዀኑ እተኸስሱ ዘበሉ ኣብዛ ኸተማ እዚኣ እዮም ዚፍረዱ ነይሮም። ኣብ ርእሲ እዚ የሱስ፡ ስሩዕ መስዋእቲ ንየሆዋ ዚቐርብን ገንሸል ፋስጋ ዚሕረድን ኣብ የሩሳሌም ከም ዝዀነ ይሓስብ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቃላት የሱስ ድማ ተፈጺሙ እዩ። ኣብ የሩሳሌም ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላ ቐሪቡን ተዀኒኑን እዩ። ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ክንየው መናድቕ እታ ኸተማ ድማ እዩ ‘ገንሸል ፋስጋ’ ዀይኑ ሞይቱ።—1ቈረ 5:7።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ሉቃስ 12:22-40) ንደቀ መዛሙርቱ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ስለዚ፡ እብለኩም ኣለኹ፡ ብዛዕባ ህይወትኩም ብእትበልዕዎ ወይስ ብዛዕባ ሰብነትኩም ብእትኽደንዎ ደጊም ኣይትጨነቑ። 23 ህይወት ካብ ብልዒ፡ ሰብነት ከኣ ካብ ክዳን ይበልጽ። 24 ንኳዃት እሞ ኣስተብህሉሎም፦ ኣምላኽ ይምግቦም እምበር፡ ኣይዘርኡ፡ ኣይዓጽዱ፣ ቆፎ ወይስ ማዕከን እውን የብሎምን። ካብ ኣዕዋፍሲ ንስኻትኩምዶ ኣዚኹም ኣይትበልጹን፧ 25 ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ 26 እዛ ንእሽቶ ነገር እኳ ኽትገብሩ ኻብ ዘይትኽእሉስ፡ ስለምንታይ ደኣ ብዛዕባ ኻልእ እትጭነቑ፧ 27 ዕምባባታት ከመይ ኢሎም ከም ዚዓብዩ ኣስተብህሉ፦ ኣይጽዕሩ፡ ኣይፈትሉ፣ ኣነ ግና፡ ሰሎሞን እኳ በቲ ዅሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ኣየጌጸን፡ እብለኩም ኣለኹ። 28 ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ከኣ ናብ እቶን ዚድርበ ኣትክልቲ መሮር እኳ ኸምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ፡ ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ንዓኻትኩም ግዳ ኸመይ ኣብሊጹ ዘይከድነኩም! 29 እምበኣር፡ እትበልዕዎን እትሰትይዎን ደጊም ኣይትድለዩ፡ ደጊም እውን ኣይትጨነቑ፣ 30 ነዚ ዅሉስ ኣህዛብ ዓለም ኣጸቢቖም ይደልይዎ እዮም፣ እዚ ዅሉ ኸም ዜድልየኩም ግና ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። 31 መንግስቱ ደኣ ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ድማ ይውሰኸልኩም። 32 “ኣታ ሒደት መጓሰ፡ መንግስቲ ኺህበኩም ኣቦኹም ሰሚርዎ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ። 33 ንብረትኩም ሽጡ፡ ምጽዋት እውን ሃቡ። ሰራቒ ኣብ ዘይቀርቦ፡ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ዘይበሊ ማሕፉዳን ዘይጐድል መዝገብን ኣብ ሰማያት ግበሩ። 34 መዝገብኩም ኣብ ዘለዎስ፡ ኣብኡ ድማ ልብኹም ኣሎ። 35 “ሓቛቝኹም ዕጡቕ፡ መብራህትታትኩም ድማ ውሉዕ ይኹን፣ 36 ንስኻትኩም እውን፡ ጐይታኦም ካብ መርዓ ኺምለስ ከም ዚጽበዩ እሞ፡ መጺኡ ዃሕኳሕ ምስ ኣበለ፡ ብኡብኡ ኸም ዚኸፍቱሉ ሰባት ኩኑ። 37 እቶም ጐይታኦም ኣብ ዚመጸሉ እዋን ነቒሖም ዚረኽቦም ባሮት ሕጉሳት እዮም! ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ተዓጢቑ ኣብ መኣዲ ኬቐምጦም፡ ቀሪቡ እውን ኬገልግሎም እዩ። 38 ኣብ ካልአይቲ ዀነ፡ ኣብ ሳልሰይቲ ኽፋል ሓለዋ እኳ እንተ መጸ እሞ፡ ተዳልዮም እንተ ረኺብዎም፡ ሕጉሳት እዮም! 39 ግናኸ እዚ ፍለጡ፦ ብዓል ቤት፡ ሰራቒ ኣበየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ እንተ ዚፈልጥ ነይሩ፡ ሰራቒ ናብ ቤቱ ኺኣቱ እውን ኣይምፈቐደን። 40 ንስኻትኩም እውን፡ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ እሞ፡ ድሉዋት ኩኑ።”

30 ሓምለ–5 ነሓሰ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃ 14-16

“ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ዝጠፍአ ወዲ”

(ሉቃስ 15:11-16) ከምዚ ድማ በለ፦ “ሓደ ሰብኣይ፡ ክልተ ደቂ ነበርዎ። 12 እቲ ንእሽቶ ኸኣ ንኣቦኡ፡ ‘ኣቦይ፡ ካብዚ ጥሪት፡ እቲ ዚብጽሓኒ ግደ ሃበኒ’ በሎ። ንሱ ድማ ገንዘቡ መቐሎም። 13 ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ከኣ፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ዘለዎ ዅሉ ኣኪቡ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ፣ ኣብኡ ድማ ነቲ ጥሪቱ ብዝርጋን ዘረዎ። 14 ዘለዎ ዅሉ ምስ ወድአ፡ ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር ብርቱዕ ጥሜት ኰነ፣ ንሱ ኸኣ ኪስእን ጀመረ። 15 ከይዱ ምስ ሓደ ኻብ ደቂ እታ ሃገር ተጸግዐ፣ ንሱ ኸኣ፡ ሓሰማታት ኪጓሲ ኢሉ፡ ናብ መሬቱ ሰደዶ። 16 ካብቲ ሓሰማታት ዚበልዓኦ ቛርፍ ከብዱ ኺመልእ ድማ ሃረር ይብል ነበረ፣ ዚህቦ ግና ሓደ እኳ ኣይረኸበን።

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 15:11-16

ሓደ ሰብኣይ፡ ክልተ ደቂ ነበርዎ፦ ገሊኡ መዳያት ምሳሌ እቲ ዘራዊ ወዲ (“እቲ ዝጠፍአ ወዲ” ተባሂላ እውን ትፍለጥ እያ) ፍሉይ እዩ። እዛ ምሳሌ እዚኣ፡ ሓንቲ ኻብተን የሱስ ዝሃበን ነዋሕቲ ምሳሌ እያ። ሓደ ኻብቲ ፍሉይ ዚገብሮ ድማ፡ እቲ ዝጠቐሶ ርክብ ስድራ ቤት እዩ። የሱስ ኣብ ካልእ ምሳሌታት፡ ከም እተፈላለየ ዓይነት ዘርኢ ወይ ሓመድ ዝኣመሰለ ህይወት ዘይብሉ ነገራት፡ ወይ ድማ ኣብ መንጎ ጐይታን ባሮትን ንዘሎ ወግዓዊ ርክብ እዩ ጠቒሱ። (ማቴ 13:18-30፣ 25:14-30፣ ሉቃ 19:12-27) ኣብዚ ምሳሌ እዚ ግና፡ የሱስ ነቲ ኣብ መንጎ ኣቦን ደቁን ዘሎ ጥቡቕ ርክብ እዩ ኣጕሊሑ። ነዛ ምሳሌ እዚኣ ዝሰምዕዋ ብዙሓት ሰባት፡ ከምኡ ዓይነት ለዋህን ፈቃርን ኣቦ ኣይነበሮምን ይኸውን። እዛ ምሳሌ እዚኣ፡ ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ነቶም ምስኡ ዚለግቡን ነቶም ጠፊኦም ነይሮም ናብኡ ዚምለሱን ምድራውያን ደቁ ዘለዎ ዓሚቝ ርሕራሐን ፍቕርን እያ እትገልጽ።

እቲ ንእሽቶ፦ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ እቲ በዅሪ ዕጽፊ ምቅሊት እዩ ዚቕበል ነይሩ። (ዘዳ 21:17) ስለዚ፡ እቲ ኣብዛ ምሳሌ እተጠቕሰ ዓብዪ ወዲ በዅሪ እንተ ነይሩ፡ ርስቲ እቲ ንእሽቶ ወዲ ፍርቂ ናይቲ ዓብዪ ወዲ እዩ ነይሩ ማለት እዩ።

ዘረዎ፦ እታ ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “(ናብ እተፈላለየ መኣዝናት) ፋሕ ምባል” ማለት እያ። (ሉቃ 1:51፣ ግብ 5:37) ኣብ ማቴ 25:24, 26 እውን ‘ምዝራው’ ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ኣብዚ ጥቕሲ እዚ ግና ንምብታን፡ ብዕሽነት ንምዝራው ተመልክት።

ብዝርጋን፦ ወይ ‘ብሸለልትነት ኣባኺኑ፣ ብፋሉል ህይወት።’ ኣብ ኤፌ 5:18፣ ቲቶ 1:6፣ 1ጴጥ 4:4፡ ተመሳሳሊ ትርጉም ዘለዋ ምስ እዛ ቓል እዚኣ እትዛመድ ካልእ ናይ ግሪኽኛ ቓል ኣብ ጥቕሚ ውዒላ ኣላ። እታ ቓል እቲኣ፡ ምሕሻሽ ወይ ምብኻን ንዝመልኦ ኣነባብራ ኸተመልክት ስለ እትኽእል፡ ገሊኦም ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምሕሻሽ ብዝመልኦ ህይወት” ዚብል ሓረግ ይጥቀሙ እዮም።

ሓሰማታት ኪጓሲ፦ ብመሰረት ሕጊ ሙሴ፡ እዘን እንስሳታት ርኹሳት ስለ ዝነበራ፡ እዚ ስራሕ እዚ ንሓደ ኣይሁዳዊ ዜዋርድን ንዑቕን እዩ ነይሩ።—ዘሌ 11:7, 8።

ቛርፍ፦ ቋርፍ ለቘታ ዚመስልን ዜንጸባርቕን መሸፈኒ ዘለዎ፡ ጁዅ-ቡናዊ ድማ ዝሕብሩ እዩ፣ ምስቲ ናይ ግሪኽኛ ስሙ (ከራቲዮን፡ “ንእሽቶ ቐርኒ”) ዚሰማማዕ ቀርኒ ዚመስል ጥውይ ዝበለ ቅርጺ ኸኣ ኣለዎ። ቋርፍ ኣብዚ ግዜና እውን ኣብ ብዙሕ ቦታታት ምግቢ ኣፍራስን ከብትን ሓሰማታትን እዩ። እቲ መንእሰይ ምግቢ ሓሰማታት እውን ኪበልዕ ፍቓደኛ ምዃኑ ኽሳዕ ክንደይ ተዋሪዱ ኸም ዝነበረ ዜርኢ እዩ።—ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 15:15 ርአ።

(ሉቃስ 15:17-24) “ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ ኸኣ፡ ‘ኣነ ኣብዚ ብጥሜት ክመውት ከለኹ፡ ክንደይ ዕሱባት ኣቦይ እንጌራ ይተርፎም ኣሎ! 18 ተንሲአ ደኣ ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፡ “ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሚ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢአ እየ። 19 ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ። ከም ሓደ ኻብ ዕሱባትካ ግበረኒ” ኽብሎ’ በለ። 20 ተንሲኡ ኸኣ ናብ ኣቦኡ ኸደ። ኣቦኡ ድማ፡ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፣ ጐይዩ ኸኣ፡ ሓኒቑ ሰዓሞ። 21 እቲ ወዲ ድማ፡ ‘ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሚ ሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢአ እየ። ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ’ በሎ። 22 ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፡ ‘ቀልጥፉ! ወለል ዚብል ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፣ ቀለቤት ኣብ ኢዱ፡ ኣሳእን እውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። 23 ስቡሕ ምራኽ ኣምጺእኩም ከኣ ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሓጐስ፣ 24 እዚ ወደይሲ ሞይቱ ነይሩ፡ ከም ብሓድሽ ህያው ኰይኑ፣ ጠፊኡ ነይሩ እውን፡ ተረኺቡ እዩ’ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ።

nwtsty፡ ነጥብታት መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 15:17-24

ዕሱባት፦ እቲ ንእሽቶ ወዲ ናብ ቤት ምስ ተመልሰ፡ ከም ወዲ ዘይኰነስ ከም ዕሱብ ኪቕበሎ ንኣቦኡ ኺሓትቶ መደበ። ዕሱብ ልክዕ ከም ባሮት ውርሻ ዚምልከቶ ኣይነበረን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ንሓደ መዓልቲ ተቘጺሩ ዚዓዪ ጓና ድማ እዩ ነይሩ።—ማቴ 20:1, 2, 8።

ሓኒቑ ሰዓሞ፦ እታ “ሓኒቑ ሰዓሞ” እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ቃለ ኣጋንኖ እታ ሓድሓደ ግዜ ‘ምስዓም’ (ማቴ 26:48፣ ማር 14:44፣ ሉቃ 22:47) ተባሂላ እትትርጐም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ‘ምፍታው’ (ዮሃ 5:20፣ 11:3፣ 16:27) ዚብል ትርጉም ዘለዋ ፊልዮ እትብል ግሲ እያ። እቲ ኣብታ ምሳሌ እተጠቕሰ ኣቦ ብኸምዚ ዝኣመሰለ ፍቕራውን ውዕዉዕን መገዲ ገይሩ ነቲ እተነስሐ ወዱ ሓንጐፋይ ኢሉ ኪቕበል ፍቓደኛ ምዃኑ ኣርኣየ።

ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፦ ኣብ ገሊኡ ኢደ ጽሑፋት፡ “ከም ሓደ ኻብ ዕሱባትካ ግበረኒ” ዚብል ሓሳብ ተወሲኽዎ ኣሎ፣ እቲ ኣብዚ ሰፊሩ ዘሎ ቐንዲ ሓሳባት ግና ብእተፈላለየ ጥንታውን ወግዓውን ኢደ ጽሑፋት ይድገፍ እዩ። ገሊኦም ምሁራት፡ እቲ ተወሳኺ ሓሳባት፡ ነታ ፍቕዲ ምስ ሉቃ 15:19 ከም እትሰማማዕ ንምግባር ተባሂሉ እተወሰኸ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይገልጹ እዮም።

ክዳን . . . ቀለቤት . . . ኣሳእን፦ እዚ ክዳን እዚ ተራ ዘይኰነስ ወለል ዚብል ብሉጽ ክዳን፡ ምናልባት እውን ከምቲ ንኽቡር ጋሻ ዚውሃብ እተሰለመ ኽዳን እዩ ነይሩ። ቀለቤት ኣብ ኢድ እቲ ወዲ ምእታው፡ ንስምረትን ፍቕርን እቲ ኣቦ ዜርኢ እዩ ነይሩ፣ ብዘይካዚ እውን እቲ እተመልሰ ወዲ ኽብርን ልዑል ቦታን ከም እተዋህቦ የርኢ። መብዛሕትኡ ግዜ ባሮት ቀለቤትን ኣሳእንን ኣይገብሩን እዮም ነይሮም። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ኣቦ ንወዱ ማዕረ ኻልኦት ኣባላት እታ ስድራ ቤት ገይሩ ኸም እተቐበሎ ብንጹር ኣርኣየ።

(ሉቃስ 15:25-32) “እቲ ዓብዪ ወዱ ኸኣ ናብ ግራት ወፊሩ ነበረ፣ ተመሊሱ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ ድማ፡ ሙዚቃን ጓይላን ሰምዐ። 26 ንሓደ ኻብቶም ገላዉ ጸዊዑ፡ እዚ እንታይ ምዃኑ ሓተቶ። 27 ንሱ ኸኣ፡ ‘ሓውካ መጺኡ፡ ኣቦኻ ድማ ብደሓኑ ስለ ዝረኸቦ፡ ስቡሕ ምራኽ ሓሪዱሉ’ በሎ። 28 ንሱ ግና ኰረየ፡ ምእታው እውን ኣበየ። ኣቦኡ ኸኣ ወጺኡ ለመኖ። 29 ንሱ ድማ ንኣቦኡ፡ ‘እንሆ፡ ክንድዚ ዚኣክል ዓመታት ተገዚአካ፡ ካብ ትእዛዝካ እውን ከቶ ኣይሓለፍኩን፣ ግናኸ፡ ንዓይሲ ምስ ኣዕሩኸይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ እኳ ኣይሃብካንን። 30 እዚ ንገንዘብካ ምስ ኣመናዝር በሊዑ ዝወድአ ወድኻ ምጽእ ምስ በለ ግና፡ ስቡሕ ምራኽ ሓሪድካሉ’ ኢሉ መለሰሉ። 31 ንሱ ኸኣ፡ ‘ወደየ፡ ንስኻስ ኵሉ ሳዕ ምሳይ ኣለኻ፡ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ። 32 እዚ ሓውካ ግና ሞይቱ ነይሩ፡ ህያው ኰይኑ፣ ጠፊኡ ነይሩ እውን፡ ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ክንሕጐስን ባህ ኪብለናን ይግብኣና እዩ’ በሎ።”

ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ

(ሉቃስ 14:26) “ናባይ ዚመጽእ እንተ ኣልዩ እሞ፡ ኣቦኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ደቁን ኣሕዋቱን ኣሓቱን፡ ህይወቱ እውን ከይተረፈት እንተ ዘይጸሊኡ፡ ወደ መዝሙረይ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

nwtsty፡ ነጥቢ መጽናዕቲ ኣብ ሉቃ 14:26

ዘይጸሊኡ፦ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ ‘ጽልኢ’ እትብል ቃል፡ እተፈላለየ ትርጉም ኣለዋ። ክፍኣት ንዝመልኦን ንኻልኦት ክትጐድእ ንዚድርኸካን ሓያል ጽልኢ ኸተመልክት ትኽእል እያ። ወይ ድማ ንሓደ ሰብ ወይ ንሓደ ነገር ናይ ዘይምፍታው ሓያል ስምዒት ከተመልክት ትኽእል እያ፣ እዚ ስምዒት እዚ ኸኣ ካብቲ ሰብ ወይ ነገር ምሉእ ብምሉእ ከም እትርሕቕ ይገብረካ። ወይ ድማ እዛ ቓል እዚኣ ኣውሒድካ ምፍቃር ዚብል ትርጉም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ያእቆብ ንልያ ‘ጸሊእዋ’ ንራሄል ግና ኣፍቂርዋ ኺብሃል ከሎ፡ ንልያ ኻብቲ ንራሄል ዘፍቀራ ዝወሓደ ኣፍቂርዋ ማለት እዩ። (ዘፍ 29:31፡ እ.ጽ.፣ ዘዳ 21:15፡ እ.ጽ.) እዛ ቓል እዚኣ ተመሳሳሊ ትርጉም ሒዛ ኣብ ካልእ ጥንታዊ ጽሑፋት ኣይሁድ እውን ትርከብ እያ። ስለዚ የሱስ፡ ሰዓብቱ ንኣባላት ስድራ ቤቶምን ንገዛእ ርእሶምን ሓያል ናይ ጽልኢ ስምዒት ኪህልዎም ኣለዎም ማለቱ ኣይነበረን፣ ከምኡ እንተ ዚኸውን፡ እዚ ምስ ካልእ ሓሳባት ቅዱሳት ጽሑፋት ዚጋጮ ምዀነ ነይሩ። (ምስ ማር 12:29-31፣ ኤፌ 5:28, 29, 33 ኣረኣኢ።) ኣብዚ ሓሳብ እዚ፡ እታ “ዘይጸሊኡ” እትብል ቃል፡ “ኣውሒዱ እንተ ዘየፍቂሩ” ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ።

(ሉቃስ 16:10-13) ብንእሽቶ እሙን ዝዀነ፡ ብብዙሕ እውን እሙን እዩ፣ እቲ ብንእሽቶ ዚዕምጽ ድማ፡ ብብዙሕ እውን ዓማጺ እዩ። 11 እምበኣር፡ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት እንተ ዘይኴንኩም፡ ነቲ ናይ ሓቂ ደኣ መን ብሕድሪ ኺህበኩም እዩ፧ 12 ብናይ እማትኩም እሙናት እንተ ዘይኴንኩምሲ፡ ናትኩም ደኣ መን ኪህበኩም እዩ፧ 13 ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል ጊልያ የልቦን፣ ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይ ከኣ ናብቲ ሓደ ለጊቡ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።”

w17.07 8-9 ¶7-8

ናይ ሓቂ ሃብቲ ድለ

ሉቃስ 16:10-13 ኣንብብ። እቲ የሱስ ኣብ ምሳሌኡ ዝጠቐሶ ዓማጺ ኣመሓዳሪ ንጥቕሙ ኢሉ ኣዕሩኽ ኣጥርዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ንሰዓብቱ፡ ጥቕሚ ርእሶም ከይሓሰቡ ኣብ ሰማይ ኣዕሩኽ ኬጥርዩ ኣተባቢዕዎም እዩ። ኣብታ ድሕሪ እታ ምሳሌ ዘላ ፍቕዲ፡ “ገንዘብ ዓመጻ” ንኣምላኽ እሙን ምስ ምዃን ተተሓሒዙ ተገሊጹ ኣሎ። ስለዚ የሱስ፡ በቲ ዘጥረናዮ ገንዘብ ኣቢልና ንኣምላኽ ‘እሙናት ክንከውን’ ከም እንኽእል እዩ ኼጕልሕ ደልዩ ነይሩ። ግናኸ፡ ብኸመይ ኢና ኸምኡ ኽንገብር እንኽእል፧

ሓደ ኻብቲ እሙናት ምዃንና ብገንዘብና ኸነርእየሉ እንኽእል መገዲ፡ ነቲ የሱስ እተነበዮ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ዚኸውን ገንዘብ ብምውፋይ እዩ። (ማቴ. 24:14) ንኣብነት፡ ኣብ ህንዲ እትነብር ንእሽቶ ጓል፡ ሳጹን ኣዳልያ በብግዜኡ ሰናቲም ተቐምጥ ነበረት፣ ንመግዝኢ ባምቡላ ዚውሃባ ገንዘብ እውን ኣብታ ንእሽቶ ሳጹና ተዋህልሎ ነበረት። እታ ሳጹን ምስ መልአት ከኣ፡ ነቲ ገንዘብ ንዕዮ ስብከት ኪኸውን ወፈየቶ። ኣብ ህንዲ ዚነብር ሓደ ሕርሻ ኮኮናት ዘለዎ ሓው፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ትርጉም ቋንቋ ማልያላም ብዙሕ ኮኮናት ሒዙ መጸ። እቲ ቤት ጽሕፈት ኮኮናት ምዕዳጉ ስለ ዘይተርፎ፡ ንመዐደጊ ኮኮናት ዚኸውን ገንዘብ ኣብ ክንዲ ዚውፊ ብቐጥታ ኮኮናት ሒዙ ምምጻኡ ዝሓሸ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ እዩ ኸምኡ ገይሩ። እዚ ድማ ጥበባዊ ስጕምቲ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ግሪኽ ዚርከቡ ኣሕዋት ዘይቲ ኣውልዕን ጅብናን ካልእ ምግብታትን ኵሉ ሳዕ ናብ ቤት-ኤል የምጽኡ እዮም።

ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

(ሉቃስ 14:1-14) ሓደ እዋን፡ ብሰንበት ናብ ቤት ሓደ ኻብ ኣሕሉቕ ፈሪሳውያን ኪበልዕ ምስ ኣተወ፡ ንሳቶም ይከታተልዎ ነበሩ። 2 እንሆ ኸኣ፡ ኣካላቱ ዝሓበጠ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚኡ ነበረ። 3 የሱስ ነቶም ፈለጥቲ ሕግን ፈሪሳውያንን፡ “ብሰንበት ምሕዋይሲ ተፈቒዱ ድዩ ኣይፋልን፧” ኢሉ ሓተቶም። 4 ንሳቶም ግና ኣጽቀጡ። ንሱ ድማ ሒዙ ኣሕወዮ፡ ሰደዶ እውን። 5 “ካባኻትኩምከ ወዱ ወይ ብዕራዩ ናብ ዒላ እንተ ወዲቑ፡ ብኡብኡ ብመዓልቲ ሰንበት ዘየውጽኦ መን ኣሎ፧” ድማ በሎም። 6 ነዚ ኸኣ ኪምልሱሉ ኣይከኣሉን። 7 እቶም ዕዱማት ምርኡይ ቦታ ይሓርዩ ኸም ዘለዉ ምስ ረኣየ ድማ፡ ከምዚ ኢሉ ምሳሌ መሰለሎም፦ 8 “ሓደ ናብ መርዓ ምስ ዚዕድመካ፡ ኣብ ምርኡይ ቦታ ኣይትቀመጥ። ምናልባት ካባኻ ዚኸብር ዓዲሙ እንተ ኣልዩ፡ 9 እቲ ንኽልቴኹም ዝዓደመኩም መጺኡ፡ ‘እዛ ቦታ እዚኣ ነዚ ሕደገሉ’ ኺብለካ እዩ። ሽዑ፡ እናሓፈርካ ናብታ ዝተሓተት ቦታ ኽትወርድ ትጅምር። 10 ግናኸ፡ ምስ ተዓደምካ፡ እቲ ዝዓደመካ መጺኡ፡ ‘ዓርከይ፡ ናብ ዝለዓለ ኺድ’ ምእንቲ ኺብለካ፡ ኬድካ ኣብታ ዝተሓተት ቦታ ተቐመጥ። ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም መተዓድምትኻ ኽትከብር ኢኻ። 11 ርእሱ ዜልዕል ኵሉ ኺትሕት፡ ርእሱ ዜትሕት ከኣ ኪልዕል እዩ።” 12 ነቲ ዝዓደሞ ሰብኣይ ድማ ከምዚ በሎ፦ “ምሳሕ ወይ ድራር ምስ እትገብር፡ ኣዕሩኽካ፡ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትዓድም። እንተ ዘይኰነስ፡ መሊሶም እንተ ዓዲሞምኻ፡ ክትፍደ ኢኻ። 13 ድግስ ምስ እትገብርሲ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ዓድም፣ 14 ዚፈድዩኻ ስለ ዘይብሎም፡ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ። ከመይሲ፡ ብትንሳኤ ጻድቃን ክትፍደ ኢኻ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ