መዝሙር 31
ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ!
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
	(ሚክያስ 6:8)
- 1. ተመላለስ ብትሕትና፣ - ፍቶ ተኣማንነት። - ተጸጋዕ ኣብ ያህ፡ ናብኡ’ውን ልገብ፣ - ተመላለስ ብለውሃት። - ኣጽኒዕካ ሓዝ ነቲ እሙን ቃል፣ - መታን ከይትውሰድ። - ንየሆዋ ተኣዘዞ፡ - ኪመርሓካ’ውን ፍቐድ። 
- 2. ተመላለስ ቅዱስ ኴንካ፣ - ንጹህ ይኹን ሓሳብካ። - ፈተናታት ’ኳ ’ተ ’ጋጠመካ፡ - እሙን’ዩ ረዳኢኻ። - ዚንኣድ ዘበለ፡ ሃናጺ፡ - ተፈታዊ፡ ሓቂ፡ - ብዛዕባ ’ዚ ወትሩ ሕሰብ። - ኪዀነልካ’ዩ ጽድቂ። 
- 3. ተመላለስ ምስ ኣምላኽካ፣ - ብእኡ ተሓጒስካ። - ስለ ውህበቱ፡ ምስጋና ይኹን፡ - ወትሩ ኣብ ከናፍርካ። - ተመላለስ ንኣምላኽ ሒዝካ፣ - ዘምር’ውን ብደስታ። - ናይ የሆዋ ኣምላኽ ’ንዲኻ፡ - ናይቲ ሕያዋይ ጐይታ። 
(ዘፍ. 5:24፣ 6:9፣ ፊል. 4:8፣ 1 ጢሞ. 6:6-8 እውን ርአ።)