ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 2 ገጽ 12-ገጽ 13 ሕ.ጽ. 10
  • የሱስ ገና ኸይተወልደ ኽብሪ ተዋህቦ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሱስ ገና ኸይተወልደ ኽብሪ ተዋህቦ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከይተወልደ ከሎ ክብሪ እተዋህቦ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ገብርኤል ንማርያም በጽሓ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ሓደ መልኣኽ ንማርያም ይበጽሓ
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • “እነኹ ባርያ የሆዋ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 2 ገጽ 12-ገጽ 13 ሕ.ጽ. 10
ማርያም ኣብ ኣድጊ ተወጢሓ ኸላ፣ ማርያም ናብ ቤት ኤልሳቤጥ ክትኣቱ ኸላ፡ ኤልሳቤጥ ኣብ ማሕጸና ዝነበረ ሕጻን ኪሰራሰር ተሰምዓ፣ ማርያም ንኤልሳቤጥ ኣብ ዕዮ ቤት ትሕግዛ

ምዕራፍ 2

የሱስ ገና ኸይተወልደ ኽብሪ ተዋህቦ

ሉቃስ 1:34-56

  • ማርያም ንዘመዳ ኤልሳቤጥ በጽሓታ

ገብርኤል መልኣኽ ነታ ጐርዞ ዝነበረት ማርያም ናይ ዘለኣለም ንጉስ ዚኸውን የሱስ ዚብሃል ወዲ ኽትወልድ ምዃና ምስ ነገራ፡ “ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ዘይገብር ክነሰይሲ፡ እዚ ኸመይ ኢሉ ይኸውን፧” ኢላ ሓተተቶ።—ሉቃስ 1:34።

ገብርኤል ከኣ፡ “መንፈስ ቅዱስ ኪወርደኪ፡ ሓይሊ እቲ ልዑል እውን ኬጽልለኪ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ እቲ ዚውለድ፡ ቅዱስ፡ ወዲ ኣምላኽ ኪብሃል እዩ” ኢሉ መለሰላ።—ሉቃስ 1:35።

ገብርኤል ነቲ መልእኽቱ ምእንቲ ኽትኣምኖ ኢሉ እዩ ዚኸውን፡ “እንሆ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ዘመድኪ ኣብ እርጋና ወዲ ጠኒሳ ኣላ፣ ነታ መኻን እትብሃል ከኣ፡ እዚ ሻድሻይ ወርሓ እዩ፣ ንኣምላኽሲ ዝበሎ ዘበለ ምፍጻሙ ኣይሰኣኖን እዩ” በላ።—ሉቃስ 1:36, 37።

ማርያም ነቲ ገብርኤል ዝበሎ ኸም እተቐበለቶ፡ ኣብ መልሳ ተራእዩ እዩ። እወ፡ “እነኹ ባርያ የሆዋ፡ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነለይ” እያ ዝበለት።—ሉቃስ 1:38።

ገብርኤል ድሕሪ ምኻዱ፡ ማርያም ነታ ምስ ሰብኣያ ዘካርያስ ኣብቲ ኣብ ኵርባታት ይሁዳ እትነብር ዝነበረት ኤልሳቤጥ ንምብጻሕ ክትከይድ ተዳለወት። ካብቲ ማርያም ትነብረሉ ዝነበረት ናዝሬት፡ እዚ ምናልባት ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዚወስድ ነዊሕ ጕዕዞ እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታኡ፡ ማርያም ኣብ ቤት ዘካርያስ በጽሐት። ናብታ ቤት ክትኣቱ ኸላ ድማ፡ ንኤልሳቤጥ ሰላም በለታ። ሽዑ፡ ኤልሳቤጥ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኣ ንማርያም፡ “ንስኺ ኻብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ ፍረ ኸርስኺ እውን ብሩኽ እዩ! ኣደ ጐይታይ ናባይ ክትመጽስ፡ እዚ ኸመይ ኢሉ ዀይኑለይ፧ እንሆ፡ ድምጺ ሰላምታኺ ኣብ ኣእዛነይ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ከርሰይ ዘሎ ሕጻን ብሓጐስ ተሰራሲሩ” በለታ።—ሉቃስ 1:42-44።

ማርያም እዚ ምስ ሰምዐት፡ ከምዚ ዚስዕብ ኢላ ልባዊ ምስጋና ኣቕረበት፦ “ነፍሰይ ንየሆዋ ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድሓንየይ፡ ባህ ይበሎ፣ ከመይሲ፡ ባርያኡ ለጠቕ ዝበለት ምዃና ርእዩ እዩ። እንሆ፡ ካብ ሕጂ ዅሎም ወለዶታት ሕጕስቲ ኺብሉኒ እዮም፣ ምኽንያቱ፡ እቲ ሓያል ዓብዪ ግብሪ ገይሩለይ እዩ።” ሞገስ ከም ዝረኸበት እኳ እንተ ተገልጸላ፡ ኵሉ ኽብሪ ንኣምላኽ ከም ዚግባእ እያ ተዛሪባ። እወ፡ ቀጺላ፡ “ስሙ እውን ቅዱስ እዩ፣ ምሕረቱ ኸኣ ኣብቶም ዚፈርህዎ ንውሉድ ወለዶ እዩ” በለት።—ሉቃስ 1:46-50።

ማርያም ቀጺላ ንኣምላኽ ክትውድስ ከላ እዚ ብድራኸ መንፈስ እተዘርበ ትንቢታዊ ቓላት ተዛረበት፦ “ብቕልጽሙ ሓያል ግብርታት ገይሩ፡ ነቶም ብሓሳብ ልቦም ዕቡያት ዝዀኑ ድማ ፋሕ ኣቢልዎም። ንሰበ ስልጣን ካብ ዝፋናት ኣውሪድዎም፡ ንትሑታት ከኣ ልዕል ኣቢልዎም፣ ንጥሙያት ብጽቡቕ ነገር ኣጽጊብዎም፡ ንሃብታማት እውን ጥራይ ኢዶም ሰዲድዎም። ምሕረቱ ንዘለኣለም ዘኪሩስ ንእስራኤል ጊልያኡ ረዲእዎ፣ ከምቲ ንኣቦታትና፡ ንኣብርሃምን ንዘርኡን ዝነገሮም ድማ ገይሩ።”—ሉቃስ 1:51-55።

ማርያም ንኤልሳቤጥ ኣብ ዕዮ ቤት ትሕግዛ

ማርያም ምስ ኤልሳቤጥ ዳርጋ ሰለስተ ወርሒ ኣቢላ ጸንሐት፡ ኣብቲ ኤልሳቤጥ ብጽሕቲ ወርሒ ዝነበረትሉ ግዜ ኸኣ ዓብዪ ሓገዝ ገይራትላ ኽትከውን ኣለዋ። እዘን ብሓገዝ ኣምላኽ ውሉድ ተሰኪመን ዝነበራ ኽልተ እሙናት ኣንስቲ፡ ኣብቲ ኽፋል ህይወተን እቲ ብሓንሳእ ምዃነንሲ ብሓቂ ጽቡቕ እዩ ነይሩ!

የሱስ ገና ኸይተወልደ እኳ ኽብሪ ኸም እተዋህቦ ድማ ነስተብህል። ኤልሳቤጥ “ጐይታይ” ኢላ እያ ጸዊዓቶ፡ እቲ ዘይተወልደ ውሉዳ ድማ ማርያም ምጽእ ምስ በለት፡ “ብሓጐስ ተሰራሲሩ” እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ብሕጂ እንርእዮ፡ ካብቲ ገሊኦም ጸኒሖም ኣብ ልዕሊ ማርያምን ኣብ ልዕሊ ወዳን ዝገበርዎ ተግባር ኣመና እተፈልየ እዩ።

  • ገብርኤል፡ ማርያም ብኸመይ ከም እትጠንስ ኬረድኣ ኸሎ እንታይ እዩ ዝበለ፧

  • የሱስ ገና ኸይተወልደ ኽብሪ እተዋህቦ ብኸመይ እዩ፧

  • ማርያም ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እያ ምስ ኤልሳቤጥ ዝጸንሐት፧ ስለምንታይከ እያ ኸምኡ ዝገበረት፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ