መዝሙር 137
እሙናት ኣንስቲ፡ ክርስትያን ኣሓት
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
	(ሮሜ 16:2)
- 1. ሳራን ማርያምን ሩትን ካልኦትን፡ - ወራዙት፡ እሙናት፡ ዘይፈትዋ ኽፍኣት፣ - ንኣምላኽ ውፉያት፡ ኣንስቲ እምነት፣ - ንፈልጠን ኢና ’ወ ነዘን እሙናት። - ነይረን’ውን ’የን የሆዋ ዚፈትወን፡ - ’ተ ዘይተጻሕፈ’ኳ፡ ኣብቲ ጽሑፍ ስመን። 
- 2. ኣብተን ኣንስቲ ተራእያ’ያ ሓልዮት፣ - ተመላሊሰን’ውን ወትሩ ብትብዓት፣ - ኣየ ሕያውነት፡ ኣየ መንፍዓት! - በዚ’ውን ይዀና ሰናይ ኣብነት። - ኦ ኽቡራት፡ ክርስትያን ኣሓትና፡ - ብሰናይ ግብርኽን ወትሩ ተዅርዓና። 
- 3. ኣዴታት፡ ኣሓት፡ ኣዋልድ፡ ኣንስቲ፡ - ወትሩ እትጽዕራ መዓልቲ ለይቲ፣ - ትሑታት ካብ ልቢ፡ ኢኽን ለባማት፣ - ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ’ውን ኢኽን ክቡራት። - ኣትን ኣሓት፡ የሆዋ የዕቍብክን፡ - ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ፡ ኵሉ ሳዕ የጽልልክን። 
(ፊል. 4:3፣ 1 ጢሞ. 2:9, 10፣ 1 ጴጥ. 3:4, 5 እውን ርአ።)