ክርስትያናዊ ህይወት
ዕዮና ኣብ ኲበክ ሕጋውነት ዝለበሰሉ መገዲ
ጳውሎስ ኣብ ፍርዲ ምስ ቀረበ፡ ናብ ቄሳር ይግባይ ኢሉ እዩ። በቲ ዝነበሮ ሮማዊ ዜግነት ተጠቒሙ ዝገበሮ ነገር ከኣ ንዓና ዚኸውን ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ነታ ዕዮና ኣብ ኲበክ ሕጋውነት ዝለበሰሉ መገዲ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ኣብ ኵበክ ዚነብሩ ኣሕዋትና ምእንቲ ብስራት ኢሎም፡ ሕጋዊ መሰናድዎ ብኸመይ ከም እተጠቕሙ ፍለጥ። ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኣብ ኵበክ ዚርከቡ ኣሕዋትና እንታይ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዎም ነይሩ፧
እንታይ ፍልይቲ ትራክት እዮም ኣበርኪቶም፧ እንታይ ውጽኢትከ ነይርዎ፧
ሓውና ኣይመ ቡሸ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ካናዳ ንጕዳይ ሓውና ቡሸ ብዚምልከት እንታይ ውሳነ እዩ ኣሕሊፉ፧
እቶም ኣሕዋት እንታይ ሕጋዊ መሰናድዎ እዮም ተጠቒሞም፧ እንታይ ውጽኢትከ ነበሮ፧
ብድፍኢት ኣቕሽሽቲ፡ ፓሊስ ንክርስትያናዊ ኣኼባ ብምቍራጾም፡ እንታይ ኣጋጠመ፧