ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 4 ገጽ 16-ገጽ 17 ሕ.ጽ. 2
  • ማርያም ከይተመርዓወት ጠነሰት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ማርያም ከይተመርዓወት ጠነሰት
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘይተመርዓወት ጥንስቲ
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ካብ ማርያም እንመሃሮ ትምህርቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • “እነኹ ባርያ የሆዋ”
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ‘ኣብ ልባ ትሓስቦ ነበረት’
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 4 ገጽ 16-ገጽ 17 ሕ.ጽ. 2
ማርያም ንዮሴፍ ከም ዝጠነሰት ትነግሮ

ምዕራፍ 4

ማርያም ከይተመርዓወት ጠነሰት

ማቴዎስ 1:18-25 ሉቃስ 1:56

  • ዮሴፍ፡ ማርያም ጥንስቲ ምዃና ፈለጠ

  • ማርያም ሰበይቲ ዮሴፍ ኰነት

ማርያም ካብ እትጠንስ ራብዓይ ወርሓ ሒዛ ነበረት። እቲ ናይ መጀመርታ እዋን ጥንሳ ናብ ደቡብ ናብ ዅርባታት ይሁዳ ኸይዳ ንኤልሳቤጥ ኣብ ምብጻሕ ከም ዘሕለፈቶ ትዝክሮ ትኸውን። ድሕሪኡ ግና ናብ ናዝሬት ናብ ዓዳ ተመልሰት። ጥንሳ ግሁድ ዚዀነሉ ግዜ ይመጽእ ነይሩ እዩ። ኣብ ከመይ ዝበለ ዜጨንቕ ኵነታት ከም ዝነበረት እሞ ገምቶ!

ነቲ ዅነታታ ዘጋደዶ ኸኣ፡ ማርያም ንዮሴፍ እቲ ጸራቢ ተሓጽያ ብምንባራ እዩ። ብመሰረት እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ኸኣ፡ ሓንቲ እተሓጽየት ሰበይቲ ፈትያ ምስ ካልእ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ምስ እትገብር፡ ብዳርባ እምኒ ኽትቅተል ከም ዘለዋ ትፈልጥ ነይራ እያ። (ዘዳግም 22:23, 24) ስለዚ፡ ዋላ እኳ እንተ ዘይመንዘረት፡ ንዮሴፍ ብዛዕባ ጥንሳ ኸመይ ገይራ ኸም እትገልጸሉን እንታይ ከም ዜጋጥማን ሓሲባ ኽትከውን ኣለዋ።

ማርያም ንሰለስተ ወርሒ ገይሻ ስለ ዝነበረት፡ ዮሴፍ ኪረኽባ ኸም ዚህንጠ ኽንግምት ንኽእል ኢና። ምስ ተራኸቡ ኸኣ፡ ማርያም ብዛዕባ ዅነታታ ነገረቶ፣ ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝጠነሰት ክትገልጽ ዚከኣላ ገይራ ኽትከውን ኣለዋ። ዮሴፍ ግና ነቲ ዝነገረቶ ንምርዳኡን ንምእማኑን ኣመና ኸበዶ።

ዮሴፍ፡ ማርያም ጥዕይቲ ምንባራን ጽቡቕ ስም ከም ዝነበራን ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣጸቢቑ ድማ እዩ ዚፈትዋ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ዝበለት እኳ እንተ በለት፡ ካብ ካልእ ሰብ ዝጠነሰት እዩ መሲልዎ። ይኹን እምበር፡ ብዳርባ እምኒ ኽትቅተል ወይ ከኣ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኽትዋረድ ኣይደለየን። ስለዚ፡ ብምስጢር ኪፈትሓ ሓሰበ። ኣብቲ ግዜ እቲ እተሓጽዩ ሰባት ከም እተመርዓዉ እዩ ዚሕሰብ ነይሩ፣ ሕጸኦም ኬፍርሱ እንተ ዀይኖም ድማ፡ ኪፋትሑ ነበሮም።

መልኣኽ የሆዋ ንዮሴፍ ብሕልሚ ይርኣዮ

ጸኒሑ ኸኣ፡ ዮሴፍ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኣብ ውሳነ ኸይበጽሐ ኸሎ ደቀሰ። መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ብሕልሚ ተራእዮ እሞ፡ “ሕጽይትኻ ማርያም ጠኒሳቶ ዘላ ኻብ መንፈስ ቅዱስ እዩ እሞ፡ ናብ ቤትካ ንምውሳዳ ኣይትፍራህ። ወዲ ኽትወልድ እያ፣ ንሱ ኸኣ ንህዝቡ ኻብ ሓጢኣቶም ኬድሕኖም እዩ እሞ፡ ስሙ የሱስ ክትብሎ ኢኻ” በሎ።—ማቴዎስ 1:20, 21።

ዮሴፍ ምስ ተበራበረ፡ ኣየ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ እተሓጐሰ! ከይተደናጐየ ኸምቲ እቲ መልኣኽ ዝሃቦ መምርሒ ገበረ። ንማርያም ናብ ቤቱ ወሰዳ። እዚ ብግህዶ እተወስደ ስጕምቲ፡ ዮሴፍን ማርያምን ከም እተመርዓዉ ዜፍልጥ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ማርያም ንየሱስ ጠኒሳ ኸላ፡ ዮሴፍ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይገበረን።

ማርያም ኣብ ኣድጊ ትውጣሕ፡ ዮሴፍ ከኣ ኣብታ ኣድጊ ይጽዕን

ማርያም ብጽሕቲ ወርሒ ኸላ፡ ዮሴፍን ማርያምን ካብ ዓዶም ናዝሬት ናብ ካልእ ቦታ ኺጕዓዙ ነበሮም። ማርያም ሕርሳ ቐሪቡ ኸሎ ናበይ እዮም ኪኸዱ ዝነበሮም፧

  • ዮሴፍ፡ ማርያም ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠ፡ እንታይ እዩ ዝሓሰበ፧ ስለምንታይከ፧

  • ዮሴፍ ንማርያም ገና ኸይተመርዓዋ ኺፈትሓ ዚኽእል ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

  • እንታይ ብግህዶ እተወስደ ስጕምቲ እዩ ንዮሴፍን ንማርያምን ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ዝገበሮም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ