ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bt ምዕ. 25 ገጽ 196-202
  • “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!”
  • ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ቄሳር ቈይመ ኣለኹ” (ግብሪ ሃዋርያት 25:1-12)
  • “ምእዛዝ ኣይኣበኹን” (ግብሪ ሃዋርያት 25:13–26:23)
  • “ክርስትያን ክኸውን መእመንካኒ” (ግብሪ ሃዋርያት 26:24-32)
  • ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ክቡራት ሰባት ብትብዓት ይምስክር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንክቕበሉ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • “ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢለ አሎኹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • ኣጆኻ፡ የሆዋ ረዳኢኻ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
bt ምዕ. 25 ገጽ 196-202

ምዕራፍ 25

“ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!”

ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ብስራት ብምምጓት ዝመጸ ኣብነት ሓደገ

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 25:1–26:32 እተመስረተ

1, 2. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ነይሩ፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባይ ንምባል ዝገበሮ ውሳነ እንታይ ሕቶ እዩ ዚልዓል፧

ጳውሎስ ኣብ ቂሳርያ ብጽኑዕ ይሕሎ ነበረ። ቅድሚ ኽልተ ዓመት ናብ ይሁዳ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልትታት ኣይሁድ ሰለስተ ሳዕ ኪቐትልዎ ፈተኑ። (ግብ. 21:27-36፣ 23:10, 12-15, 27) ዋላ እኳ እንተ ዘይሰለጦም፡ በዚ ግና ኣይተሓለሉን። ጳውሎስ ኣብ ኢዶም ኪኣቱ ኸም ዚኽእል ምስ ተረድአ፡ ነቲ ሹም ይሁዳ ዀይኑ እተሸመ ፌስጦስ፡ “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!” በሎ።—ግብ. 25:11።

2 የሆዋ ነቲ ጳውሎስ ናብ ሃጸይ ሮሜ ይግባይ ንምባል ዝገበሮ ውሳነ ደጊፍዎዶ፧ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ እዚ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ንምስክር ስለ ዘለና፡ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ንዓና የገድሰና እዩ። ‘ነቲ ብስራት ብምምጓትን ብሕጊ ብምስራትን’ ዝመጸ፡ ጳውሎስ ኣብነት ሓዲጉልና እንተ ዀይኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና።—ፊል. 1:7።

“ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ቄሳር ቈይመ ኣለኹ” (ግብሪ ሃዋርያት 25:1-12)

3, 4. (ሀ) ኣይሁድ፡ ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ኪመጽእ ሕቶ ዘቕረቡ ስለምንታይ እዮም፧ ጳውሎስ ካብ ሞት ዘምለጠኸ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ኸምቲ ንጳውሎስ ዘጽንዖ ገይሩ፡ ነዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ኣገልገልቱ ዜጽንዖም ብኸመይ እዩ፧

3 እቲ ሓድሽ ሹም ይሁዳ ዀይኑ ብሮሜ እተሸመ ፌስጦስ፡ ካብቲ ነቲ ሽመት እተቐበለሉ ሰለስተ መዓልቲ ጸኒሑ ናብ የሩሳሌም ከደ።a ኣብኡ ኸኣ ሊቃውንቲ ኻህናትን ኣውራታት ኣይሁድን ንጳውሎስ ብኸቢድ ገበን ከሰስዎ። እቲ ሓድሽ ሹም ምሳታቶምን ምስ ኵሎም ኣይሁድን ሰላም ኪገብር ብርቱዕ ጸቕጢ ይወርዶ ምንባሩ ይፈልጡ ነይሮም እዮም። ስለዚ ድማ፡ ንጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ኣምጺኡ፡ ኣብ ፍርዲ ኬቕርቦ ሞገስ ለመንዎ። ኰይኑ ግና፡ ንሳቶም ውዲት እዮም ኣሊሞም ነይሮም። ጳውሎስ ካብ ቂሳርያ ናብ የሩሳሌም ኪኸይድ ከሎ፡ ኣብ መገዲ ኪቐትልዎ እዮም ሓሲቦም። ፌስጦስ፡ “ካባኻትኩም ስልጣን ዘለዎም ምሳይ [ናብ ቂሳርያ] ይውረዱ እሞ፡ ኣብቲ ሰብኣይ እቲ በደል እንተ ኣልዩ ይኽሰስዎ” ብምባል ንልማኖኦም ነጸጎ። (ግብ. 25:5) በዚ ኸምዚ፡ ጳውሎስ እንደገና ኻብ ሞት ኣምለጠ።

4 ኣብ ኵሉ እቲ ጳውሎስ ኣብ ፍርዲ ቐሪቡ እተመርመረሉ እዋን፡ የሆዋ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኣጽኒዕዎ እዩ። የሱስ ንሃዋርያኡ፡ ብራእይ፡ “ኣጆኻ!” ኸም ዝበሎ ትዝክር ትኸውን። (ግብ. 23:11) ሎሚ እውን ንህዝቢ ኣምላኽ ዕንቅፋትን ምጕብዕባዕን የጋጥሞም እዩ። የሆዋ ንዅሉ ጸገማት ዘየወግደልና እኳ እንተ ዀነ፡ ክንጾሮ ዜኽእለና ጥበብን ብርታዐን ግና ይህበና እዩ። እቲ ፈቃር ኣምላኽና ወትሩ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኸም ዚህበና ንተኣማመን ኢና።—2 ቈረ. 4:7።

5. ፌስጦስ ንጕዳይ ጳውሎስ ብኸመይ ሓዞ፧

5 ድሕሪ እተወሰነ መዓልትታት፡ ፌስጦስ ኣብቲ ኣብ ቂሳርያ ዚርከብ “መንበር ፍርዲ” ተቐመጠ።b ጳውሎስን ከሰስቲ ጳውሎስን ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ነበሩ። ጳውሎስ ነቲ ዝቐረበሉ መሰረት ዘይብሉ ኽስታት ኪምልስ ከሎ፡ “ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ኰነ ወይስ ንቄሳር ኣይበደልኩን” በለ። ንጹህ ስለ ዝነበረ፡ ናጻ ኺወጽእ እዩ ነይርዎ። ፌስጦስ እንታይ ወሰነ፧ ንኣይሁድ ባህ ኬብል ስለ ዝደለየ፡ ንጳውሎስ፡ “ናብ የሩሳሌም ክትድይብ እሞ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣብኣ ኣብ ቅድመይ ክትፍረድዶ ትደሊ ኢኻ፧” በሎ። (ግብ. 25:6-9) ከመይ ዝበልዎ ግርምቢጥ ዝዀነ ሓሳብ ኰን እዩ! ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም እንተ ዚለኣኽ፡ እቶም ከሰስቱ፡ ፈራዶኡ ስለ ዚዀኑ፡ ብርግጽ ሞት ምተጸበዮ ነይሩ። ኣብቲ ህሞት እቲ፡ ፌስጦስ ካብ ናይ ሓቂ ፍትሒ ንላዕሊ፡ ፖለቲካዊ ረብሓ እዩ ዚመርጽ ነይሩ። ኣቐዲሙ ሹም ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ፡ ንሓደ ኻብ ጳውሎስ ንላዕሊ ኣገዳስነት ዝነበሮ እሱር ኣብ ዚምልከት ጕዳይ ተመሳሳሊ ስጕምቲ እዩ ወሲዱ። (ዮሃ. 19:12-16) ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ደያኑ እውን ብፖለቲካዊ ጸቕጢ ኺምብርከኹ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ኣብያተ ፍርዲ ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዚምልከት ጕዳይ፡ ምስቲ ዝቐረበ መርትዖ ዚጻረር ብይን እንተ በየነ ኼገርመና የብሉን።

6, 7. ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባይ ዝበለ ስለምንታይ እዩ፧ በዚ ኸምዚኸ ሎሚ ንዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉሎም፧

6 ፌስጦስ ንኣይሁድ ባህ ኬብል ኢሉ፡ ንህይወት ጳውሎስ ኣብ ሓደጋ መእተዋ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጳውሎስ ነቲ ኸም ሮማዊ መጠን ዝነበሮ መሰል ተጠቕመሉ። ንፌስጦስ፡ “ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ቄሳር ቈይመ ኣለኹ፣ ኣብኡ ኽፍረድ ከኣ እዩ ዚግብኣኒ። ንስኻ ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኸም ዘለኻ፡ ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን። . . . ናብ ቄሳር ይግባይ ኢለ ኣለኹ!” በሎ። ሓደ ሰብ በዚ ኸምዚ ይግባይ እንተ ኢሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ጥርዓን ኪቕየር ኣይከኣልን እዩ ነይሩ። ፌስጦስ ነዚ ኼጕልሕ ከሎ፡ “ናብ ቄሳር ይግባይ ኢልካ ኢኻ እሞ፡ ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ” በሎ። (ግብ. 25:10-12) ጳውሎስ ናብ ዝለዓለ ሕጋዊ ስልጣን ዘለዎ ኣካል ይግባይ ብምባል፡ ሎሚ ንዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብነት ሓዲጉሎም እዩ። ተጻረርቲ፡ ‘ብስም ሕጊ ሽግር ኪምህዙ’ ኸለዉ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ንምምጓት ዜኽእሎም ሕጋዊ መገድታት ይጥቀሙ እዮም።c—መዝ. 94:20።

7 በዚ ኸምዚ፡ ጳውሎስ ንልዕሊ ኽልተ ዓመት ብዘይወዓሎ ገበን ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ጕዳዩ ኣብ ሮሜ ኸይዱ ንኬቕርብ ተፈቕደሉ። ቅድሚ ምንቃሉ ግና፡ ካልእ ገዛኢ ኺረኽቦ ደለየ።

ኣብ ቤት ፍርዲ ብይን ምስ ተዋህበ፡ ሓደ ሓውን ጠበቓታቱን ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ዝን ይብሉ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት ይሕጐሱ፣ ነቶም ኣንጻር እቲ ሓው እተማጐቱ ሰብ ሞያ ሕጊ ድማ እንቋዕ ሓጐሰኩም ይብልዎም።

ዘይፍትሓዊ ብይን ኪብየን ከሎ፡ ይግባይ ንብል ኢና

“ምእዛዝ ኣይኣበኹን” (ግብሪ ሃዋርያት 25:13–26:23)

8, 9. ንጉስ ኣግሪጳ ናብ ቂሳርያ ኺበጽሕ ዝኸደ ስለምንታይ እዩ፧

8 ካብቲ ጳውሎስ ናብ ቄሳር ይግባይ ዝበለሉ እተወሰነ መዓልትታት ጸኒሑ፡ ንጉስ ኣግሪጳን በርኒቄ ሓብቱን ነቲ ሓድሽ ሹም “ብወግዒ ኺበጽሕዎ” መጹ።d ሮሜ ኣብ እትገዝኣሉ ዝነበረት እዋን፡ ሰበ ስልጣን ንሓደስቲ ሹማት ኪበጽሕዎም ልሙድ እዩ ነይሩ። ኣግሪጳ ንፌስጦስ ‘እንቋዕ ሓጐሰካ’ ብምባል፡ ኣብ መጻኢ ኺጠቕሞ ዚኽእል ፖለቲካውን ብሕታውን ርክብ ይምስርት ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን እዩ።—ግብ. 25:13።

ኣብዚ ግዜና ምእንቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይግባይ ምባል

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ዕንቅፋት ኬወግዱ ኢሎም፡ ናብ ላዕለዋይ ኣብያተ ፍርዲ ይግባይ ዝበሉሉ ግዜያት ኣሎ። ክልተ ኣብነታት ኣብዚ እንሆ፦

ብ28 መጋቢት 1938፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕ.መ.ኣ.፡ ነቶም ብሓደ ቤት ፍርዲ ኸም ገበነኛታት እተራእዩ፡ ኣብ ግሪፍን፡ ጆርጅያ፡ ሕ.መ.ኣ. መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ኪዕድሉ እተታሕዙ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናጻ ገበሮም። እዚ ኻብቲ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስራት ንምስባኽ ዘለዎም መሰል ዝሰምዓሉ ናይ መጀመርታ ይግባይ እዩ ነይሩ።g

ካልእ ጕዳይ፡ ኣብ ግሪኽ ንዚነብር ሚኖስ ኮኪናኪስ ዚብሃል ናይ የሆዋ ምስክር ዚምልከት እዩ ነይሩ። እዚ ሰብ እዚ፡ ኣብ 48 ዓመት፡ “ሃይማኖት ኣቐዪርካ” ብዚብል ክሲ ልዕሊ 60 ግዜ ተኣሲሩ እዩ። ኣብ 18 ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ እዩ። ንሓያሎ ዓመታት፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኑን ኣብ ባሕሪ ኤጀያ ኣብ ዚርከባ ደሴታት ተሓይሩን እዩ። ብ1986 ንመወዳእታ ግዜ ገበነኛ ተባሂሉ ምስ ተፈርዶ፡ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግሪኽ ይግባይ ኣቕሪቡ ተሰማዕነት ኣይረኸበን። ስለዚ፡ ካብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ሓገዝ ሓተተ። ብ25 ግንቦት 1993፡ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ግሪኽ ነቲ ሓው ኮኪናኪስ ዘለዎ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ከም ዝገሃሰት በየነ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሓያሎ ጕዳያት ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ይግባይ ኢሎም እዮም፣ ኣብ መብዛሕትኡ ድማ ተዓዊቶም እዮም። ሃይማኖታዊ ዀነ ኻልእ ውድብ፡ ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ገይሩ ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ብዛዕባ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ተማጒቱ እተዓወተ የሎን።

ካልኦት ሰባት ካብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚረኽብዎ ሕጋዊ ዓወታት ይጥቀሙ ድዮም፧ ቻርለስ ሲ. ሄንዝ ዚብሃል ምሁር፡ “ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከነመስግኖም ኣሎና። ሽሕ ሳዕ ይጸረፉ፡ ካብ ከተማ ይሰጐጉ፡ ወይ ኣካላዊ መጥቃዕቲ ይውረዶም ብዘየገድስ፡ ንናይ ሃይማኖት ናጽነቶም (ብእኡ ኣቢሎም ድማ ንናትና) ምቅላስ ኣየቋርጹን እዮም። ኪዕወቱ ኸለዉ፡ ኵላትና ኢና እንዕወት” በለ።

g ነቲ ኣብ ናይ 8 ጥሪ 2003 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 3-11 እተሓትመ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕ.መ.ኣ. ብዛዕባ ናይ ምዝራብ ናጽነት ዝገበሮ ውሳነ ርአ።

9 ፌስጦስ ነቲ ንጉስ ብዛዕባ ጳውሎስ ነገሮ፣ ኣግሪጳ ድማ ነቲ ነገር ኪሰምዖ ደለየ። ንጽብሒቱ፡ ክልቲኦም ገዛእቲ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐመጡ። ካብቲ ስልጣኖምን ግርማኦምን ንላዕሊ ግና፡ እቲ እሱር ኣብ ቅድሚኦም እተዛረቦ ቓላት ዝያዳ መሳጢ ነበረ።—ግብ. 25:22-27።

10, 11. ጳውሎስ ንኣግሪጳ ኣኽብሮት ዘርኣዮ ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ ታሪኽ ህይወቱኸ እንታይ እዩ ዝነገሮ፧

10 ጳውሎስ፡ ንጉስ ኣግሪጳ ዅሉ ስርዓት ኣይሁድን ክርክሮምን ከም ዚፈልጥ ድሕሪ ምግላጹ፡ ብዛዕባ ጕዳዩ ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ኺማጐት ብምኽኣሉ ብኣኽብሮት ኣመስገኖ። ቀጺሉ፡ “ከምቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዚጥንቀቕ ወገን ኣምልኾና፡ ፈሪሳዊ ኸም ዝነበርኩ” ብምባል ብዛዕባ ታሪኽ ህይወቱ ገለጸ። (ግብ. 26:5) ፈሪሳዊ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ መሲሕ ኪመጽእ ይጽበ ነይሩ እዩ። እቲ ንነዊሕ ትጽቢት እተገብረሉ መሲሕ፡ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ብትብዓት መስከረ። በቲ ንሱን ከሰስቱን ዚሰማምዑሉ ነገር፡ ማለት ስለቲ ኣምላኽ ንኣቦታቶም ዘተስፈዎም ቃል ተስፋ፡ ኪፍረዶ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ ገለጸ። ኣግሪጳ ነዚ ምስ ሰምዐ፡ ብዛዕባ እቲ ጳውሎስ ዚብሎ ነገራት ዝያዳ ተገዳስነት ኣሕደረ።e

11 ጳውሎስ ነቲ ንክርስትያናት ዚገፍዓሉ ዝነበረ እዋን ኪዝክር ከሎ፡ “ኣነ እውን ምስ ስም የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ዚጻረር ነገር ክገብር ከም ዚግብኣኒ ይመስለኒ ነይሩ። . . . [ንሰዓብቲ ክርስቶስ] ኣዝየ ተሃንዲደዮም ስለ ዝነበርኩ፡ ክሳብ እተን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ኸተማታት ከይደ ሰጒጐዮም እየ” በለ። (ግብ. 26:9-11) ከምኡ ኺብል ከሎ፡ የጋንን ኣይኰነን ነይሩ። በቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዘውረዶ ግፍዒ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። (ገላ. 1:13, 23) ኣግሪጳ፡ ‘ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብኣይ ደኣ እንታይ እዩ ቐዪርዎ፧’ ኢሉ ሓሲቡ ይኸውን እዩ።

12, 13. (ሀ) ጳውሎስ ነቲ እምነቱ ዝቐየረሉ ኣጋጣሚ ብኸመይ ገለጾ፧ (ለ) ጳውሎስ ‘ንመጕጠዪ ይረግሕ’ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

12 ጳውሎስ ቀጺሉ እተዛረቦ ቓላት፡ ነዚ መልሲ ዚኸውን እዩ ነይሩ፦ “ካብ ሊቃውንቲ ኻህናት ስልጣንን መዝነትን ተዋሂቡኒ፡ ናብ ደማስቆ ክኸይድ ከለኹ፡ ኦ ንጉስ፡ ቀትሪ ኣብ መገዲ፡ ካብ ጸሓይ ዚደምቕ ብርሃን ካብ ሰማይ ኣብ ዙርያይን ኣብ ዙርያ እቶም ምሳይ ዚኸዱ ዝነበሩን ኪበርህ ከሎ ርእየ። ኵላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ፡ ‘ሳውል፡ ሳውል፡ ስለምንታይ ትሰጕጐኒ ኣለኻ፧ ንመጕጠዪ ትረግሕ እንተ ዄንካ፡ ንዓኻ እዩ ዚገድደካ’ ዚብለኒ ድምጺ ሰሚዐ። ኣነ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ መን ኢኻ፧’ ኢለ ሓቲተ። ጐይታ ኸኣ ከምዚ ኢሉኒ፦ ‘እቲ ንስኻ እትሰጕጎ ዘለኻ የሱስ እየ።’”f—ግብ. 26:12-15።

13 ጳውሎስ ቅድሚ እዚ ልዕለ ባህርያዊ ፍጻመ እዚ፡ ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ ‘ንመጕጠዪ ይረግሕ’ እዩ ነይሩ። ከምቲ ሓደ መጽዓኛ ንሓደ በሊሕ መጕጠዪ እንተ ረጊሑ ገዛእ ርእሱ ዚጐድእ፡ ጳውሎስ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብምጽራሩ ንርእሱ እዩ ብመንፈሳዊ መዳይ ጐዲኡ። እቲ ኻብ ምዉታት ዝተንስአ የሱስ ነቲ ቕኑዕ ዝልቡ ግናኸ ዝሰሓተ ሰብኣይ፡ ናብ ደማስቆ ኣብ እትወስድ መገዲ ስለ እተራእዮ፡ እቲ ሰብኣይ ኣተሓሳስባኡ ቐየረ።—ዮሃ. 16:1, 2።

14, 15. ጳውሎስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወቱ ዝገበሮ ለውጥታት እንታይ በለ፧

14 ጳውሎስ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጥታት ገይሩ እዩ። ንኣግሪጳ ኺዛረቦ ኸሎ፡ “ነቲ ሰማያዊ ራእይ ምእዛዝ ኣይኣበኹን፣ የግዳስ፡ ቅድም ነቶም ኣብ ደማስቆ ዝነበሩ፡ ደሓር ከኣ ነቶም ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ሃገር ይሁዳን ዝነበሩን ንኣህዛብን፡ ንንስሓ ዚበቅዕ ግብሪ እናገበሩ ኺንስሑን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱን ነጊረዮም እየ” በለ። (ግብ. 26:19, 20) ነቲ የሱስ ክርስቶስ ቀትሪ ብራእይ ዝሃቦ መዝነት፡ ንሓያሎ ዓመታት ፈጺምዎ እዩ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየ፧ እቶም ነቲ ጳውሎስ ዝሰብኮ ዝነበረ ብስራት እተቐበሉ ሰባት፡ ካብ ርኽሰቶምን ምትላሎምን እናተነስሑ ናብ ኣምላኽ ተመልሱ። ንሕግን ስርዓትን ዜኽብሩ ንፉዓት ዜጋታት እውን ኰኑ።

15 እቶም ተጻረርቲ ጳውሎስ ዝዀኑ ኣይሁድ ግና፡ ነዚ ረብሓታት እዚ ፋዕራ ኣይገብሩሉን። ጳውሎስ ከምዚ በለ፦ “ስለዚ ኸኣ ኣይሁድ ኣብ ቤተ መቕደስ ሓዙኒ፡ ኪቐትሉኒ እውን ፈቲኖም። ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ስለ ዝረኸብኩ ግና፡ ንንእሽቶን ንዓብይን ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ እምስክር ኣለኹ።”—ግብ. 26:21, 22።

16. ንደያኑን ገዛእትን ብዛዕባ እምነትና ኽንዛረቦም ከለና፡ ከመይ ጌርና ኢና ንጳውሎስ ክንመስሎ እንኽእል፧

16 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ብዛዕባ እምነትና ‘ንዚሓትተና ዘበለ ምላሽ ንምሃብ ኵሉ ሳዕ እተዳሎና’ ኽንከውን ኣሎና። (1 ጴጥ. 3:15) ንደያኑን ገዛእትን ብዛዕባ እምነትና ኽንዛረቦም ከለና፡ እቲ ጳውሎስ ንኣግሪጳን ፌስጦስን ኪዛረቦም ከሎ እተጠቕመሉ ሜላ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትና ዀነ ንህይወት እቶም ንመልእኽትና ዚቕበልዎ ብኸመይ ከም ዘመሓየሾ ብኣኽብሮት ብምንጋር፡ ልቢ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ክንትንኪ ንኽእል ኢና።

“ክርስትያን ክኸውን መእመንካኒ” (ግብሪ ሃዋርያት 26:24-32)

17. ፌስጦስ ነቲ ጳውሎስ እተዛረቦ ዘረባ ምስ ሰምዐ እንታይ በለ፧ ኣብዚ ግዜናኸ እንታይ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ እዩ ዘሎ፧

17 እቲ ጳውሎስ ዘቕረቦ ዜእምን ምስክርነት ነቶም ክልተ ገዛእቲ ሓያል ጽልዋ ኣሕደረሎም። “ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኺማጐት ከሎ ድማ፡ ፌስጦስ ዓው ኢሉ፡ ‘ጳውሎስ፡ ተጸሊልካ ኢኻ! ብዙሕ ትምህርቲ የጸልለካ ኣሎ!’ በሎ።” (ግብ. 26:24) ኣብዚ ግዜና እውን ከም ናይ ፌስጦስ ዓይነት ኣረኣእያ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ነቶም ናይ ሓቂ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሩ ሰባት ከም ጥሩፋት ገይሮም እዮም ዚርእይዎም። ኣብ ዓለም ከም ጥበበኛታት ጌርካ ዚርኣዩ ሰባት፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ምዉታት ዚምህሮ ትምህርቲ ምቕባሉ ይኸብዶም እዩ።

18. ጳውሎስ ንፌስጦስ እንታይ ኢሉ መለሰሉ፧ እዚኸ ንኣግሪጳ እንታይ ኢሉ ኸም ዚምልስ ገበሮ፧

18 ጳውሎስ ግና ነቲ ሹም ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ኦ ኽቡር ፌስጦስ፡ ቃል ሓቅን ልብምናን ደኣ እዛረብ ኣለኹ እምበር፡ ኣይተጸለልኩን። እዚ ኣነ ብትብዓት ዝዛረቦ ዘለኹ ንጉስ እኳ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኣጸቢቑ ይፈልጥ እዩ፣ . . . ኦ ንጉስ ኣግሪጳ፡ ንነብያትሲ ትኣምኖም ዲኻ፧ ከም እትኣምን እፈልጥ እየ።” ኣግሪጳ ኸኣ፡ “ኣብ ሓጺር ግዜስ ክርስትያን ክኸውን መእመንካኒ” በሎ። (ግብ. 26:25-28) ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ካብ ልቡ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምስክርነት ኣብቲ ንጉስ ሓያል ጽልዋ ኣሕዲሩ እዩ።

19. ፌስጦስን ኣግሪጳን ብዛዕባ ጳውሎስ እንታይ እዮም ወሲኖም፧

19 ድሕርዚ ኣግሪጳን ፌስጦስን ካብ ምቕማጦም ተንስኡ። “ካብኡ ኪኸዱ ኸለዉ ግና፡ ‘እዚ ሰብ እዚ ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ ሓንቲ እኳ ኣይገበረን’ ኢሎም ንሓድሕዶም ተዛራረቡ። ኣግሪጳ ኸኣ ንፌስጦስ፡ ‘እዚ ሰብ እዚ ናብ ቄሳር ይግባይ እንተ ዘይብል ነይሩ፡ ኪፍታሕ ምተኻእለ’ በሎ።” (ግብ. 26:31, 32) እቲ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ ዝነበረ ሰብኣይ ንጹህ ምዃኑ ፈለጡ። ምናልባት ድሕሪኡ ብዛዕባ ክርስትያናት ዝነበሮም ኣረኣእያ ተመሓይሹ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

20. ጳውሎስ ንላዕለዎት ሰበ ስልጣን ዝሃቦ ምስክርነት እንታይ ኣፍረየ፧

20 ክልቲኦም እዞም ጽልዋ ዝነበሮም ገዛእቲ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እተቐበሉ ኣይመስሉን እዮም። እሞኸ ደኣ፡ ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እዞም ገዛእቲ እዚኦም ምቕራቡ ረብሓ ነይርዎ ድዩ፧ እወ። ኣብ ቅድሚ “ነገስታትን ሹማምንትን” ይሁዳ ኪቐርብ ብምኽኣሉ፡ ነቶም ብቐሊሉ ዘይርከቡ ሰበ ስልጣን ሮሜ ኺምስክረሎም ክኢሉ እዩ። (ሉቃ. 21:12, 13) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ተመክሮታቱን ኣብ ትሕቲ ፈተና ዘርኣዮ ተኣማንነትን፡ ንእምነት ኣሕዋቱን ኣሓቱን ኣበራቲዑ እዩ።—ፊል. 1:12-14።

21. ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ጸኒዕና እንተ ቐጺልና፡ እንታይ ኣወንታዊ ፍረ ኽንረክብ ንኽእል፧

21 ሎሚ እውን ካብዚ እተፈልየ ኣይኰነን። ፈተናታትን ምጽራርን እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ጸኒዕና እንተ ቐጺልና፡ ብዙሕ ኣወንታዊ ፍረ ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ምናልባት ብቐሊሉ ኺርከቡ ንዘይክእሉ ሰበ ስልጣን ንምስክረሎም ንኸውን። ብተኣማንነት ምጽናዕና፡ ንክርስትያናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኬተባብዖምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ኪምስክሩ ዝያዳ ኺድርኾምን ይኽእል እዩ።

ጶርቅዮስ ፌስጦስ—ሹም ይሁዳ

ብዛዕባ ጶርቅዮስ ፌስጦስ ዘሎና ቐጥታዊ ሓበሬታ፡ ካብ ግብሪ ሃዋርያትን ካብ ጽሑፋት ፍላቭየስ ጆሰፈስን ጥራይ ኢና እንረኽቦ። ፌስጦስ ብ58 ድ.ክ. ኣቢሉ ሹም ይሁዳ ዀይኑ ኣብ ክንዲ ፌሊክስ ተሸመ፣ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመት ዚኣክል ምስ ኣመሓደረ ድማ፡ ኣብ ሽመቱ ኸሎ ሞይቱ ኪኸውን ኣለዎ።

ጶርቅዮስ ፌስጦስ።

ኣብ መብዛሕትኡ እዋን፡ ፌስጦስ ከምቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ፌሊክስን ድሕሪኡ ዝነበረ ኣልቢኑስን ዘይኰነስ፡ ኣስተውዓልን ክኢላን ሹም ዝነበረ እዩ ዚመስል። ንሱ ኣብ ይሁዳ ስልጣኑ ኣብ እተረከበሉ እዋን፡ ኣብ ይሁዳ ብዙሓት ሸፋቱ ነይሮም እዮም። ብመሰረት እቲ ጆሰፈስ ዝበሎ ግና፡ “ፌስጦስ . . . ነቶም ኣብታ ሃገር ዚርብሹ ኺእርሞም ዕላማ ገበረ። ስለዚ፡ ንመብዛሕትኦም ዘረፍቲ ሓዞም፡ ንሓያሎ ኻባታቶም ድማ ኣጥፍአ።” ኣብ ግዜ ስልጣኑ፡ ኣይሁድ ነቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ዚግበር ነገራት፡ ንጉስ ኣግሪጳ ምእንቲ ኸይርእዮ ኢሎም መንደቕ ሃነጹ። ኣብ ፈለማ፡ ፌስጦስ ኬፍርስዎ ኣዘዞም። ምስ ለመንዎ ግና፡ ጕዳዮም ናብ ሮማዊ ሃጸይ ኔሮ ኬቕርቡ ፈቐደሎም።

ፌስጦስ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታትን መናዓብትን ድልዱል መትከል ዝነበሮ እዩ ዚመስል። ምስ ኣይሁድ ጽቡቕ ርክብ ምእንቲ ኺህልዎ ኢሉ ግና፡ እንተ ወሓደ ኣብ ጕዳይ ሃዋርያ ጳውሎስ ንፍትሒ ኺዕምጽጽ ፍቓደኛ ዀይኑ ነይሩ እዩ።

ንጉስ ዳግማዊ ሄሮድስ ኣግሪጳ

እቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 25 ተጠቒሱ ዘሎ ኣግሪጳ፡ ንጉስ ዳግማዊ ሄሮድስ ኣግሪጳ ዚብሃል፡ ወዲ ወዱ ንሄሮድስ እቲ ዓብይን ወዲ እቲ ቕድሚ 14 ዓመት ኣብ ልዕሊ ጉባኤ የሩሳሌም መጥቃዕቲ ዝፈነወ ሄሮድስን እዩ ነይሩ። (ግብ. 12:1) ኣግሪጳ ኻብ መሳፍንቲ እንዳ ሄሮድስ ናይ መወዳእታ እዩ ነይሩ።

ንጉስ ዳግማዊ ሄሮድስ ኣግሪጳ።

ብ44 ድ.ክ. ኣቦኡ ምስ ሞተ፡ ሽዑ ወዲ 17 ዓመት ዝነበረ ኣግሪጳ ኣብ ሮሜ ነበረ፣ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሮማዊ ሃጸይ ቅላውዴዎስ ይምሃር ነበረ። ኣማኸርቲ እቲ ሃጸይ ንኣግሪጳ ስልጣን ኣቦኡ ንምውራስ ዕድሚኡ ገና ኸም ዝዀነ ገይሮም ረኣይዎ፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ ካብ ሮሜ ኣመሓዳሪ ተሸመ። ይኹን እምበር፡ ብመሰረት ፍላቭየስ ጆሰፈስ፡ ኣግሪጳ ኣብ ሮሜ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ኣብ ክንዲ ኣይሁድ ኰይኑ ይዛረብ ነበረ።

ብ50 ድ.ክ. ኣቢሉ፡ ቅላውዴዎስ ንኣግሪጳ ኣብ ልዕሊ ካልኪስ ነጉስ ገበሮ፣ ብ53 ድ.ክ. ከኣ ኣብ ልዕሊ ኢጡርያን ጥራኮኒቲስን ኣቢለኔን ኣንገሶ። ኣግሪጳ ነታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤተ መቕደስ ብሓላፍነት ኪቈጻጸር፡ ንሊቀ ኻህናት ኣይሁድ ድማ ኪሸይም ስልጣን ተዋህቦ። ንቅላውዴዎስ ዝተክኦ ኔሮ፡ ንግዝኣት ኣግሪጳ ኣስፊሑ ገሊላን ጴርያን ወሰኸሉ። ኣግሪጳ ምስ ጳውሎስ ኣብ እተራኸበሉ እዋን፡ ምስታ ንሰብኣያ ንጉስ ቂልቅያ ዝሓደገቶ በርኒቄ ሓብቱ፡ ኣብ ቂሳርያ እዩ ነይሩ።—ግብ. 25:13።

ብ66 ድ.ክ.፡ ኣግሪጳ ነቲ ኣይሁድ ካብ ሮሜ ብምዕላው ዝፈጸምዎ ተግባር ምቍጽጻር ምስ ሰኣነ፡ ንሱ ንባዕሉ ዕላማ እቶም ዓለወኛታት ኰነ፣ ምስ ሮማውያን ካብ ምሕባር ሓሊፉ እውን ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ዕልወት ኣይሁድ ምስ ተጨፍለቐ፡ እቲ ሓድሽ ሃጸይ ዝነበረ ቨስፓስያን ንኣግሪጳ ከም ዓስቢ ገይሩ ተወሳኺ ኽልታት ሃቦ።

a “ጶርቅዮስ ፌስጦስ—ሹም ይሁዳ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

b “መንበር ፍርዲ፡” ኣብ መድረኽ ዚቕመጥ መንበር እዩ ነይሩ። እቲ ፈራዲ ኣብ በሪኽ ቦታ ምቕማጡ፡ ዚብይኖ ብይን ርዝነት ከም ዘለዎን ናይ መወዳእታ ምዃኑን የመልክት። ጲላጦስ ነቲ የሱስ እተኸሰሰሉ ኽሲ ኺምርምር ከሎ፡ ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ነበረ።

c “ኣብዚ ግዜና ምእንቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ይግባይ ምባል” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

d “ንጉስ ዳግማዊ ሄሮድስ ኣግሪጳ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

e ጳውሎስ ክርስትያን ስለ ዝነበረ፡ ንየሱስ ከም መሲሕ ተቐቢልዎ ነይሩ እዩ። እቶም ንየሱስ ዝነጸግዎ ኣይሁድ፡ ንጳውሎስ ከም ከሓዲ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም።—ግብ. 21:21, 27, 28።

f ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር፡ ነቲ ጳውሎስ “ቀትሪ” ይጐዓዝ ምንባሩ ዝገለጾ ሓሳብ ብዚምልከት፡ “ሓደ ተጓዓዛይ ኣመና እንተ ዘይተሃዊኹ፡ ብሰንኪ እቲ ቐትሪ ዘሎ ሃሩር የዕርፍ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ጳውሎስ ነቲ ኺሰጕጕ እተዋህቦ ተልእኾ ኽሳዕ ክንደይ ይጽዕረሉ ኸም ዝነበረ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና” በለ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ