ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • bt ምዕ. 23 ገጽ 181-188
  • “ዘቕርበልኩም መጐተ ስምዑ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ዘቕርበልኩም መጐተ ስምዑ”
  • ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ንኣምላኽ ኣሞጊሶም” (ግብሪ ሃዋርያት 21:18-20ሀ)
  • ብዙሓት “ንሕጊ ቕንኣት ኣለዎም” (ግብሪ ሃዋርያት 21:20ለ, 21)
  • “ዝሰምዕዎ ወረስ ከንቱ ምዃኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 21:22-26)
  • “ብህይወት ኪነብር ኣይግብኦን እዩ” (ግብሪ ሃዋርያት 21:27–22:30)
  • “ኣነ ፈሪሳዊ . . . እየ” (ግብሪ ሃዋርያት 23:1-10)
  • ኣብ ቅድሚ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ነቲ ብስራት ምምጓት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ቀዳሞት ክርስትያናትን ሕጊ ሙሴን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ኣጆኻ፡ የሆዋ ረዳኢኻ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
ዝያዳ ርአ
‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር’
bt ምዕ. 23 ገጽ 181-188

ምዕራፍ 23

“ዘቕርበልኩም መጐተ ስምዑ”

ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ ቝጡዕ ህዝብን ኣብ ቅድሚ እቲ ዋዕላን ምእንቲ ሓቂ ተማጐተ

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 21:18–23:10 እተመስረተ

1, 2. ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ የሩሳሌም ዝኸደ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብኡኸ እንታይ ብድሆታት እዩ ኣጋጢምዎ፧

ጳውሎስ ናብታ ብህዝቢ ዝመልአ ጸቢብ ጐደናታት ዝነበራ ኸተማ የሩሳሌም ተመልሰ። ኣብ ታሪኽ ህዝቢ የሆዋ፡ ማዕረ እዛ ኸተማ እዚኣ ኣገዳስነት ዘለዋ ኻልእ ከተማ የላን። መብዛሕትኦም ተቐማጦኣ ብታሪኾም ይሕበኑ ነይሮም እዮም። ብዙሓት ክርስትያናት እውን ኣብ ሕሉፍ ከም ዘተኰሩን ምስቲ ዚግስግስ ዕላማ የሆዋ ኸም ዘይሰጐሙን፡ ጳውሎስ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣብ ርእሲ እቲ ኻብ ኤፌሶን ናብታ ዓባይ ከተማ ኪኸይድ ዝደረኾ ስጋዊ ስእነት፡ ኣብታ ኸተማ እቲኣ መንፈሳዊ ስእነት ከም ዘሎ እውን ኣስተውዓለ። (ግብ. 19:21) ሓደጋ ኼጋጥሞ ኸም ዚኽእል እኳ እንተ ፈለጠ፡ ካብ ዕላማኡ ፈልከት ኣይበለን።

2 እሞኸ ኣብ የሩሳሌም እንታይ ኣጋጢምዎ፧ ገሊኦም ሰዓብቲ ክርስቶስ በቲ ብዛዕባ ጳውሎስ ዝሰምዕዎ በላበለው ስለ እተረበሹ፡ እዚ ሓደ ብድሆ ዀይንዎ እዩ። ካብኡ ዚዓቢ ብድሆ ግና፡ ካብቶም ጸላእቲ ክርስቶስ እዩ ኣጋጢምዎ። ብሓሶት ከሲሶምዎ፡ ዘቢጦምዎ፡ ኪቐትልዎ እውን ፈቲኖም እዮም። ጳውሎስ በቲ ሽዑ ዘጋጠመ ሕንፍሽፍሽ ተጠቒሙ፡ ብዛዕባ ርእሱ ተማጐተ። ኣብቲ ጕዳይ እቲ እተራእየ ትሕትናኡን ትብዓቱን እምነቱን፡ ሎሚ ንዘለዉ ክርስትያናት ብሉጽ ኣብነት እዩ ዚኸውን። ብኸመይ ከምኡ ኸም ዚኸውን እስከ ንርአ።

“ንኣምላኽ ኣሞጊሶም” (ግብሪ ሃዋርያት 21:18-20ሀ)

3-5. (ሀ) ጳውሎስ ኣብ የሩሳሌም፡ ኣብ ምንታይ ኣኼባ እዩ እተሳተፈ፧ እንታይ ኢሉ እዩኸ እተዛረበ፧ (ለ) ካብቲ ጳውሎስ ምስ ሽማግለታት የሩሳሌም ዝገበሮ ኣኼባ እንታይ ትምህርቲ ኽንረክብ ንኽእል፧

3 ጳውሎስን ብጾቱን ጽባሕ እታ ኣብ የሩሳሌም ዝበጽሑላ መዓልቲ፡ ናብቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሽማግለታት እታ ጉባኤ ኸዱ። ኣብቲ ጸብጻብ፡ ዋላ ሓደ ኻብቶም ብህይወት ዝነበሩ ሃዋርያት ኣይተጠቕሰን፣ ምናልባት ኵሎም ኣብ ካልእ ቦታ ንምግልጋል ከይዶም ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ኰይኑ ግና፡ ያእቆብ ሓው የሱስ ኣብኡ ነበረ። (ገላ. 2:9) “ኵሎም እቶም ሽማግለታት” ምስ ጳውሎስ ኣብ እተኣከቡሉ እዋን፡ ያእቆብ ነቲ ኣኼባ ይመርሖ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ።—ግብ. 21:18።

4 ጳውሎስ ነቶም ሽማግለታት ሰላም ድሕሪ ምባሉ፡ “ብኣገልግሎቱ ኣቢሉ ኣምላኽ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ነገር ብዝርዝር ኣዘንተወሎም።” (ግብ. 21:19) እዚ ጸብጻብ እዚ ብዙሕ ኣተባቢዕዎም ኪኸውን ኣለዎ። ንሕና እውን ኣብ ካልእ ሃገራት ዚግበር ዕዮ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝገስገሰ ኽንሰምዕ ከለና ንሕጐስ ኢና።—ምሳ. 25:25።

5 ጳውሎስ ነቲ ኻብ ኤውሮጳ ሒዝዎ ዝኸደ ውጽኢት ጠቒስዎ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ እቶም ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዝነበሩ ኣሕዋት ዘርኣይዎ ሓልዮት፡ ንኣልባብ እቶም ንጳውሎስ ዚሰምዕዎ ዝነበሩ ኣሕዋት ተንክይዎ ኪኸውን ኣለዎ። ከመይሲ፡ እቶም ሽማግለታት ዘረባ ጳውሎስ ምስ ሰምዑ፡ “ንኣምላኽ ኣሞጊሶም” እዮም። (ግብ. 21:20ሀ) ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ነቶም ሓደጋታት ዘጋጠሞም ወይ ከቢድ ሕማም ዝሓመሙ ኺሕግዝዎምን ኬተባብዕዎምን ከለዉ፡ ኣልባብ እቶም እተወጽዑ ይትንከ እዩ።

ብዙሓት “ንሕጊ ቕንኣት ኣለዎም” (ግብሪ ሃዋርያት 21:20ለ, 21)

6. ጳውሎስ እንታይ ሽግር ከም ዘሎ እዩ እተነግሮ፧

6 እቶም ሽማግለታት ቀጺሎም ንጳውሎስ፡ ኣብ ይሁዳ ንዕኡ ብብሕቲ ዚምልከት ሽግር ከም ዘሎ ኺገልጹሉ ኸለዉ ኸምዚ በሉ፦ “ሓውና፡ ካብ ኣይሁድ ክንደይ ኣእላፋት ከም ዝኣመኑ ትርኢ ኣለኻ፣ ኵላቶም ከኣ ንሕጊ ቕንኣት ኣለዎም። ኣብ መንጎ ኣህዛብ ንዘለዉ ዅሎም ኣይሁድ፡ ደቆም ከይገዝሩን ብልምድታት ከይመላለሱን እናነገርካ፡ ምስ ሙሴ ዚጻረር ክሕደት ትምህር ከም ዘለኻ፡ ወረ ሰሚዖምልካ ኣለዉ።”a—ግብ. 21:20ለ, 21።

7, 8. (ሀ) ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ብዙሓት ክርስትያናት እንታይ ግጉይ ኣረኣእያ ነበሮም፧ (ለ) ገሊኦም ኣይሁድ ክርስትያናት ግጉይ ኣተሓሳስባ ምሓዞም፡ ንእምነት ከም ዝኸሓዱ ጌርካ ኺረኣዩ ዘይብሎም ስለምንታይ እዩ፧

7 ካብቲ ሕጊ ሙሴ እተሳዕረሉ ልዕሊ 20 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ገና ብዙሓት ክርስትያናት ንሕጊ ሙሴ ቕንኣት ዝነበሮም ስለምንታይ እዮም፧ (ቈሎ. 2:14) ብ49 ድ.ክ.፡ ኣብ የሩሳሌም እተኣከቡ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ናብ ጉባኤታት ደብዳበ ልኢኾም እዮም፣ ኣብታ ደብዳበ ድማ፡ ካብ ኣህዛብ ዝኣመኑ ክርስትያናት ኪግዘሩን ሕጊ ሙሴ ኺሕልዉን ግዴታ ኸም ዘይብሎም ገሊጾም እዮም። (ግብ. 15:23-29) ይኹን እምበር፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ኣብታ ደብዳበ ኣይተጠቕሱን፣ ብዙሓት ካባታቶም ከኣ እቲ ሕጊ ሙሴ ድሕሪ ደጊም ከም ዘይዓዪ ኣይተረድኦምን።

8 እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ብሰንኪ እቲ ግጉይ ኣተሓሳስባኦም፡ ክርስትያናት ንምዃን ዘይበቕዑ ድዮም ነይሮም፧ ኣይፋል። ኣቐዲሞም ኣረማውያን ኣይነበሩን፣ ኣረማዊ እምነት ከኣ ኣይኰኑን ዚስዕቡ ነይሮም። እቲ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ኣኽቢርካ ዚርአ ዝነበረ ሕጊ፡ ካብ የሆዋ እዩ ተዋሂቡ። ኣጋንንታዊ ወይ ጌጋ ዚብሃል ኣይነበሮን። ይኹን እምበር፡ እቲ ሕጊ ምስ ብሉይ ኪዳን ዚተኣሳሰር ኪኸውን ከሎ፡ ክርስትያናት ግና ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኪዳን እዮም። እቲ ኣብ ሕጊ ኺዳን ዚብዓል ዝነበረ በዓላት፡ ከም ንጹህ ኣምልኾ ጌርካ ዚርኣየሉ ግዜ ሓሊፉ እዩ ነይሩ። እቶም ነቲ ሕጊ ቕንኣት ዝነበሮም እብራውያን ክርስትያናት፡ ጐደሎ ምርዳእ እዩ ነይርዎም፣ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን እኹል ምትእምማን ኣይነበሮምን። ኣተሓሳስባኦም ምስቲ ሓድሽ ዚግለጽ ዝነበረ ሓቂ ኼተዓራርዩ ነበሮም።b—ኤር. 31:31-34፣ ሉቃ. 22:20።

“ዝሰምዕዎ ወረስ ከንቱ ምዃኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 21:22-26)

9. ጳውሎስ ብዛዕባ ሕጊ ሙሴ እንታይ እዩ ምሂሩ፧

9 ጳውሎስ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ንዘለዉ ኣይሁድ፡ “ደቆም ከይገዝሩን ብልምድታት ከይመላለሱን” ከም ዚምህር እተወርየ ወረ ሓቅነት ነይርዎዶ፧ ጳውሎስ ንኣህዛብ ሃዋርያኦም እዩ ነይሩ፣ ነቲ ንሳቶም በቲ ሕጊ ኺመላለሱ ግዴታ ኸም ዘይብሎም እተገብረ ውሳነ እውን ይድግፍ ነይሩ እዩ። ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ኣህዛብ ንሕጊ ሙሴ ኸም ዚግዝኡ ኼርእዩ ኢሎም ኪግዘሩ ኸም ዘለዎም ኼእምን እንተ ፈቲኑ እውን፡ እዚ ጌጋ ምዃኑ ኣቃሊዑ እዩ። (ገላ. 5:1-7) ኣብቲ ዝኸዶ ኸተማታት ንዚርከቡ ኣይሁድ፡ ነቲ ብስራት ሰቢኹሎም እዩ። ነቶም እተቐበልዎ ሰባት ከኣ፡ ሞት የሱስ ነቲ ሕጊ ኸም ዝሰዓሮ፡ ጽድቂ ድማ ብእምነት ደኣ እምበር ብግብሪ እቲ ሕጊ ኸም ዘይርከብ ገሊጹሎም ኪኸውን ኣለዎ።—ሮሜ 2:28, 29፣ 3:21-26።

10. ጳውሎስ ብዛዕባ ሕጊ ሙሴን ግዝረትን እንታይ ሚዛናዊ ኣረኣእያ እዩ ነይርዎ፧

10 ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ፡ ከም ኣብ ሰንበት ዘይምስራሕ ወይ ገሊኡ ዓይነት ምግቢ ዘይምብላዕ ዝኣመሰለ ልምድታት ኣይሁድ ኪስዕቡ ንዚደልዩ ሰባት ስምዒቶም ተረዲኡሎም እዩ። (ሮሜ 14:1-6) ብዛዕባ ግዝረት እውን ሕጊ ኣየውጽአን። እኳ ደኣስ፡ ኣይሁድ ነቲ ኣቦኡ ግሪኻዊ ዝነበረ ጢሞቴዎስ ብዓይኒ ጥርጣረ ምእንቲ ኸይርእይዎ ኢሉ፡ ወሲዱ ገዚርዎ እዩ። (ግብ. 16:3) ግዝረት ንብሕታዊ ውሳነ እተገድፈ ጕዳይ እዩ ነይሩ። ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ፡ “እታ ብፍቕሪ እትዓዪ እምነት ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ዘይግዝረት ዋጋ የብሉን” በሎም። (ገላ. 5:6) እንተዀነ ግና፡ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኽትከውን ኢልካ ዚግበር ግዝረት ኰነ፡ ስምረት የሆዋ ንምርካብ ግዝረት ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ጌርካ ዚዝረብ ዘረባ፡ ጕድለት እምነት እዩ ዜርኢ።

11. እቶም ሽማግለታት ንጳውሎስ እንታይ ምኽሪ ሃብዎ፧ ጳውሎስ ነዚ ንምፍጻምከ እንታይ ኪገብር ነበሮ፧ (እግረ ጽሑፍ እውን ርአ።)

11 ስለዚ፡ እቲ ወረ ልክዕ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣመንቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ግና ብእኡ ተረቢሾም ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ እቶም ሽማግለታት ንጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብ ዚብል መምርሒ ሃብዎ፦ “መብጽዓ ዘለዎም ኣርባዕተ ሰብኡት ኣለዉና። ነዚኣቶም ተማልኣዮም እሞ ምሳታቶም ንጻህ፣ ርእሶም ኪላጸዩ እውን፡ ወጻኢታቶም ሸፍነሎም። ሽዑ፡ ንስኻ እውን ሕጊ እናሓሎኻ ብስርዓት ከም እትመላለስ እምበር፡ እዚ ብዛዕባኻ ዝሰምዕዎ ወረስ ከንቱ ምዃኑ፡ ኵሎም ኪፈልጡ እዮም።”c—ግብ. 21:23, 24።

12. ጳውሎስ ነቲ ኻብ ሽማግለታት የሩሳሌም እተዋህቦ ምኽሪ ምስ ሰምዐ፡ ተዓጻጻፍን ተሓባባርን ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

12 ጳውሎስ፡ ናይ ሓቂ ሽግር ዚፈጥር ዘሎ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዚውረ በላበለው ዘይኰነስ፡ እቲ ገሊኦም ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያናት ንሕጊ ሙሴ ዜርእይዎ ዝነበሩ ቕንኣት ምዃኑ ኺማጐት ምኸኣለ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ መሰረታዊ ስርዓታት ኣምላኽ ክሳዕ ዘይጠሓሰ፡ ኪዕጸፍ ፍቓደኛ ዀነ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ “ትሕቲ ሕጊ ንዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀይነ” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ። (1 ቈረ. 9:20) ስለዚ ድማ፡ ምስ ሽማግለታት የሩሳሌም ብምትሕብባር፡ “ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ” ዀነ። ከምኡ ብምግባሩ፡ ንሕና ምስ ሽማግለታት ክንተሓባበርን ዝበልናዮ ኪዀነልና ግዲ ኸይንብልን፡ ሰናይ ኣብነት ሓደገልና።—እብ. 13:17።

ስእልታት፦ 1. ጳውሎስ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ካብ ዚርከቡ ሽማግለታት እተዋህቦ መምርሒ ይሰምዕ። 2. ኣብዚ ግዜና ኣብ ዚግበር ኣኼባ ሽማግለታት፡ ሓደ ሓው ብኣትኵሮ እናተዓዘበ፡ ካልኦት ሽማግለታት ኣእዳዎም የልዕሉ።

ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ዘይጠሓሰሉ እዋን፡ ጳውሎስ ነቲ ዝበልዎ ተቐቢልዎ እዩ። ንስኻኸ፧

ሕጊ ሮሜን ዜጋታት ሮሜን

ሰበ ስልጣን ሮሜ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት መንግስቲ ብዙሕ ጣልቃ ኣይኣትዉን እዮም ነይሮም። ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ፡ ኣይሁድ ብሕጎም እዮም ዚመሓደሩ ነይሮም። ኣብ ጕዳይ ጳውሎስ ጣልቃ ዝኣተዉ፡ እቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እተላዕለ ናዕቢ ንስርዓት ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ብምንባሩ እዩ።

ሰበ ስልጣን ሮሜ ኣብቶም ዜጋታት ሮሜ ዘይኰኑ ተገዛእቲ ብዙሕ ስልጣን ነበሮም። ንዜጋታት ሮሜ ግና ብእተፈልየ መገዲ ኺሕዝዎም ነበሮም።f ሓደ ሰብ ዜግነት ሮሜ ኺረክብ ከሎ፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ኣኽቢርካ ዚርአ ሓለፋታት ነይርዎ እዩ። ንኣብነት፡ ማእሰርቲ ወይ መግረፍቲ ንባሮት ጥራይ ከም ዝዀነ ጌርካ ይርአ ብምንባሩ፡ ንሓደ ሮማዊ ኸይተፈርዶ ኺእሰር ወይ ኪግረፍ ኣይግባእን እዩ ነይሩ። ዜጋታት ሮሜ ነቲ ሓደ ምስለኔ ወይ ሹም ዝወሰኖ ውሳነ፡ ናብቲ ኣብ ሮሜ ዚርከብ ሃጸይ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ነበሮም።

ዜግነት ሮሜ ብእተፈላለየ መገዲ ኺርከብ ይከኣል ነበረ። እቲ ቐዳማይ መገዲ ብውርሲ እዩ ነይሩ። ሳሕቲ ሃጸያት ንገሊኦም ውልቀ ሰባት፡ ወይ ከኣ ናጻ ንዝዀኑ ተቐማጦ ገሊአን ከተማታት ወይ ኣውራጃታት፡ ከም ዓስቢ እቲ እተዋህቦም ኣገልግሎት፡ ዜግነት ይህቡ ነበሩ። ካብ ሓደ ሮማዊ ዜጋ ናጽነቱ ዝዓደገ ባርያ፡ ብሮማዊ ናጻ ዝወጸ ባርያ፡ ወይ ምስ ሰራዊት ሮሜ ብሓባር ዘገልገለ ጡረታ ዝወጸ ወተሃደር፡ ሮማዊ ይኸውን ነበረ። ኣብ ትሕቲ እተወሰነ ዅነታት እውን፡ ዜግነት ኪዕደግ ይከኣል ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ቅላውዴዎስ ሊስያስ ዝስሙ ሓለቓ ሽሕ ንጳውሎስ፡ “ኣነ ነዚ መሰል ዜግነት እዚ ብብዙሕ ገንዘብ እየ ዓዲገዮ” በሎ። ጳውሎስ ከኣ፡ “ኣነስ እባ ተወሊደሉ እየ” ኢሉ መለሰሉ። (ግብ. 22:28) ስለዚ፡ ሓደ ኻብቶም ኣቦታት ጳውሎስ ብገለ መገዲ ሮማዊ ዀይኑ ኪኸውን ኣለዎ።

f ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ.፡ ኣብ ይሁዳ ብዙሓት ዜጋታት ሮሜ ኣይነበሩን። ኵሎም ተገዛእቲ ሮሜ፡ ሮማዊ ዜግነት እተዋህቦም፡ ኣብ ሳልሳይ ዘመን እዩ።

“ብህይወት ኪነብር ኣይግብኦን እዩ” (ግብሪ ሃዋርያት 21:27–22:30)

13. (ሀ) ገሊኦም ኣይሁድ ኣብቲ ቤተ መቕደስ እምባጋሮ ዝፈጠሩ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ጳውሎስ ካብ ሞት ዘምለጠ ብኸመይ እዩ፧

13 ኣብ ቤተ መቕደስ ሓደ ሽግር ተፈጥረ። መብጽዓ ዚፍጸመለን መዓልትታት ኪውድኣ ምስ ቀረባ፡ ካብ እስያ ዝመጹ ኣይሁድ ንጳውሎስ ረኣይዎ እሞ፡ ንኣህዛብ ናብ ቤተ መቕድስ ሒዙ ኸም ዝኣተወ ገይሮም ብሓሶት ስለ ዝኸሰስዎ፡ እምባጋሮ ተላዕለ። ሓደ ሮማዊ ሓለቓ ሽሕ ጣልቃ እንተ ዘይኣቱ ነይሩ፡ ንጳውሎስ ክሳዕ ዚመውት ምቐጥቀጥዎ ነይሮም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ሓለቓ ሽሕ መጺኡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ኣእተዎ። ካብታ ዕለት እቲኣ ኣትሒዙ፡ ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ ልዕሊ ኣርባዕተ ዓመት እዩ ወሲዱሉ። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ካብቲ ሽዑ ኣንጸላልዩ ዝነበረ ሓደጋ፡ ገና ምሉእ ብምሉእ ኣየምለጠን ነይሩ። እቲ ሓለቓ ሽሕ ነቶም ህዝቢ ስለምንታይ ንጳውሎስ ከም ዝዘበጥዎ ምስ ሓተቶም፡ እተፈላለየ ኽስታት ኣቕረቡ። ብሰንኪ እቲ ያዕያዕታ ኸኣ፡ ዋላ ሓንቲ ኺርዳኣ ኣይከኣለን። እቲ ጫውጫው እናበዝሐ ምስ ከደ፡ እቶም ወተሃደራት ንጳውሎስ ተሰኪሞም ኪወስድዎ ተገደዱ። ጳውሎስን እቶም ወተሃደራት ሮሜን ናብ ሰፈር ኪኣትዉ ምስ ቀረቡ፡ ጳውሎስ ነቲ ሓለቓ ሽሕ፡ “ንህዝቢ ኽዛረብ ክትፈቕደለይ . . . እልምነካ ኣለኹ” በሎ። (ግብ. 21:39) እቲ ሓለቓ ሽሕ ፈቐደሉ፣ ጳውሎስ ከኣ ቀጺሉ ብዛዕባ እምነቱ ብትብዓት ተማጐተ።

14, 15. (ሀ) ጳውሎስ ንኣይሁድ እንታይ ገለጸሎም፧ (ለ) እቲ ሮማዊ ሓለቓ ሽሕ፡ ኣይሁድ እተቘጥዑሉ ምኽንያት ንምፍላጥ እንታይ ስጕምትታት ወሰደ፧

14 ጳውሎስ፡ “ዘቕርበልኩም መጐተ ስምዑ” ኢሉ ዘረባኡ ጀመረ። (ግብ. 22:1) ብቛንቋ እብራይስጢ ስለ እተዛረቦም፡ ጸጥ በሉ። ሰዓቢ ክርስቶስ ዝዀነሉ ምኽንያት ብቐጥታ ገለጸሎም። እንተ ደልዮም ኬረጋግጽዎ ዚኽእሉ ነጥብታት ከኣ፡ ብሜላ ጠቐሰሎም። ኣብ እግሪ እቲ ውሩይ ዝነበረ ገማልኤል እዩ ተማሂሩ፣ ንሰዓብቲ ክርስቶስ እውን ይሰጎም ነበረ፣ ነዚ ድማ ምናልባት ገሊኦም ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ይፈልጥዎ ነይሮም እዮም። ይኹን እምበር፡ ናብ ደማስቆ ኪኸይድ ከሎ፡ ካብ ምዉታት ዝተንስአ ክርስቶስ ብራእይ ተዛረቦ። ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ብርቱዕ ብርሃን ርእዮምዎ፡ ነቲ ድምጺ ኸኣ ሰሚዖምዎ እዮም፣ ነቲ ቓላት ግና ብምስትውዓል ኣይሰምዕዎን። (ግብ. 9:7፣ 22:9) ድሕሪኡ፡ ንሱ ስለ ዝዓወረ፡ ብጾቱ መሪሖም ናብ ደማስቆ ወሰድዎ። ኣብኡ ኸኣ፡ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ኣይሁድ ኣጸቢቖም ዚፈልጥዎ ዝነበሩ ሃናንያ ዚብሃል ሰብኣይ፡ ብተኣምራዊ መገዲ ኻብ ዑረቱ ኣሕወዮ።

15 ጳውሎስ ቀጺሉ፡ ናብ የሩሳሌም ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ የሱስ ከም እተራእዮ ገለጸ። ድሕርዚ፡ እቶም ኣይሁድ በዚ ዘረባ እዚ ኣመና ስለ እተቘጥዑ፡ “ከምዚ ዝበለ ሰብ ብህይወት ኪነብር ኣይግብኦን እዩ እሞ፡ ካብ ምድሪ ይርሓቕ!” ኢሎም ጨደሩ። (ግብ. 22:22) እቲ ሓለቓ ሽሕ ንጳውሎስ ምእንቲ ኼድሕን ኢሉ፡ ናብ ሰፈር ወተሃደራት ኣእተዎ። ኣይሁድ ብጳውሎስ እተቘጥዑሉ ምኽንያት ኪፈልጥ ደልዩ ኸኣ፡ ብመግረፍቲ ኺምርመር ትእዛዝ ሃበ። ጳውሎስ ግና በቲ ብሕጊ እተዋህቦ ዕቝባ ተጠቕመ፡ ሮማዊ ምዃኑ ድማ ገለጸ። ሎሚ ዘለዉ ኣምለኽቲ የሆዋ እውን ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ እምነቶም ምእንቲ ኺማጐቱ ኢሎም ንሕጋዊ ዕቝባ ተጠቒሞም እዮም። (“ሕጊ ሮሜን ዜጋታት ሮሜን” ዘርእስታ ሳጹን፡ ከምኡ እውን ኣብ ታሕቲ እትርከብ፡ “ዘመናዊ ሕጋዊ ቓልስታት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ጳውሎስ ሮማዊ ምዃኑ ምስ ፈለጠ፡ ሓበሬታ ዚረኽበሉ ኻልእ መገዲ ኺጥቀም ከም ዘለዎ ተረድአ። ንጽብሒቱ፡ ንጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ንፍሉይ ዕላማ እተጸውዐ ዋዕላ፡ ማለት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣይሁድ ኣቘሞ።

ዘመናዊ ሕጋዊ ቓልስታት

ዘመናውያን መሰኻኽር የሆዋ ነቲ ኣብ ዕዮ ስብከቶም ዜጋጥሞም ቀይድታት ንምስጋር፡ ከም ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንዅሉ ኽፉት ሕጋዊ መገድታት ተጠቒሞምሉ እዮም። ‘ነቲ ብስራት ኪማጐቱሉን ብሕጊ ኺስርትዎን’ ብቕንኣት ዓይዮም እዮም።—ፊል. 1:7።

ኣብ 1920ታትን 1930ታትን፡ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብምዕዳሎም፡ ኣማእታት ተኣሲሮም እዮም። ንኣብነት፡ ክሳዕ 1926 ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ጀርመን 897 ዚኣክል ጕዳያት ተወዚፉ ነበረ። ብዙሕ ምጕት ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጨንፈር ጀርመን ክፍሊ ሕጊ ምቛም ኣድለየ። ኣብ 1930ታት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ጥራይ ካብ ቤት ናብ ቤት ብምስባኾም እተኣስሩ ሰባት፡ ኣብ ዓዓመት ብኣማእታት ይቝጸሩ ነበሩ። ብ1936፡ እዚ ቝጽሪ እዚ ናብ 1,149 ክብ በለ። ንኣሕዋት ዜድሊ ምኽሪ ንምሃብ ተባሂሉ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እውን ክፍሊ ሕጊ ቘመ። ኣብ ሩማንያ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ 1933 ክሳዕ 1939፡ 530 ኣብ ቤት ፍርዲ እተታሕዘ ጕዳያት ነበሮም። ይኹን እምበር፡ ሓያሎ ኻብቲ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሩማንያ ዝቐረበ ይግባይ እተባህለ ጕዳያት፡ ብጽቡቕ ብይን ተዛዚሙ እዩ። ኣብ ሓያሎ ኻልኦት ሃገራት እውን ተመሳሳሊ ዅነታት ማዕቢሉ እዩ።

ክርስትያናት ንገለልትነቶም ኣብ ዚጥሕስ ንጥፈታት ከይሳተፉ ብሕልናኦም ተደሪኾም ምስ ኣበዩ፡ ሕጋዊ ጕዳያት ተላዒሉ እዩ። (ኢሳ. 2:2-4፣ ዮሃ. 17:14) ተጻረርቲ ኣልዕል ኣቢሎም መናዓብቲ ኸም ዝዀኑ ኸሲሶምዎም እዮም፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ብሰሪ እዚ ኽስታት እዚ፡ ንጥፈታት ክርስትያናት ተኣጊዱ እዩ። ይኹን እምበር፡ ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜስግኡ ዘይምዃኖም፡ ብዙሓት መንግስትታት ኣሚነናሉ እየን።g

g ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ንእተረኽበ ሕጋዊ ዓወታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዚምልከት ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 15፡ ከምኡ ድማ ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፕሮክለይመርስ ኦቭ ጎድስ ኪንግደም ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 30 ርአ።

“ኣነ ፈሪሳዊ . . . እየ” (ግብሪ ሃዋርያት 23:1-10)

16, 17. (ሀ) ጳውሎስ ነቶም ኣብቲ ዋዕላ እተቐመጡ ኺዛረቦም ከሎ እንታይ ከም ዘጋጠመ ግለጽ። (ለ) ጳውሎስ ምስ ተወቕዐ፡ ብትሕትና ዝመጸ ኣብነት ዝሓደገ ብኸመይ እዩ፧

16 ጳውሎስ ነቶም ኣብቲ ዋዕላ እተቐመጡ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብፍጹም ጽሩይ ሕልና እየ ተመላሊሰ” ኢሉ መጐተኡ ጀመረ። (ግብ. 23:1) ድሕርዚ ግና፡ ዘረባኡ ኪቕጽል ኣይከኣለን። “ሃናንያ እቲ ሊቀ ኻህናት ነቶም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ ኣፉ ኺወቕዕዎ ኣዘዞም።” (ግብ. 23:2) ኣየ ንዕቀት! ገና መርትዖኡ ኸይሰምዑ ኸም ሓሳዊ ገይሮም ስለ ዝረኣይዎ፡ እዚ ተግባር እዚ፡ ከይመርመሩ ኣቐዲሞም ዚፈርዱ ምንባሮም እዩ ዜርኢ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ ጳውሎስ፡ “ኣታ ብኖራ እተለቕለቐ መንደቕ፡ ኣምላኽ ኪወቕዓካ እዩ። ከም ሕጊ ጌርካ ኽትፈርደኒ ተቐሚጥካ ኸለኻስ፡ ሕጊ ጥሒስካዶ ኺወቕዑኒ ትእዝዝ ኣለኻ፧” ኢሉ ዝመለሰ።—ግብ. 23:3።

17 ገሊኦም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሰባት፡ በቲ ንጳውሎስ ዝዘበጦ ሰብ ዘይኰነስ፡ በቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምላሽ ሰምበዱ። “ንሊቀ ኻህናት ኣምላኽዶ ትጸርፎ ኣለኻ፧” ኢሎም እውን ሓተትዎ። ጳውሎስ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ትሕትናን ነቲ ሕጊ ዝነበሮ ኣኽብሮትን ኣርኣየ። “ኣሕዋተይ፡ ‘ንሓለቓ ህዝብኻ ኣይትጽረፍ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ሊቀ ኻህናት ምዃኑ ኣይፈለጥኩን” በሎም።d (ግብ. 23:4, 5፣ ዘጸ. 22:28) ድሕርዚ፡ ጳውሎስ ካልእ ስልቲ ተጠቕመ። ኣብቲ ዋዕላ ገሊኦም ፈሪሳውያን፡ ገሊኦም ከኣ ሰዱቃውያን ምዃኖም ምስ ኣስተብሃለ፡ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ኣነ ፈሪሳዊ ወዲ ፈሪሳውያን እየ። ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ምዉታት እፍረድ ኣለኹ” በለ።—ግብ. 23:6።

ሓደ ሓው ንሓደ ኻህን ኪምስክረሉ ኸሎ፡ እቲ ኻህን ንሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኣትኵሮ ይርእያ።

ካልእ ሃይማኖት ንዘለዎም ሰባት ክንዛረቦም ከለና፡ ከም ጳውሎስ ሓባራዊ ባይታ ነናዲ ኢና

18. ጳውሎስ፡ ፈሪሳዊ ኸም ዝዀነ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ ንሕናኸ ኣብ ገሊኡ ዅነታት ብተመሳሳሊ መገዲ ኽንዛረብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 ጳውሎስ፡ ፈሪሳዊ ኸም ዝዀነ እተዛረበ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ “ወዲ ፈሪሳዊ፡” ማለት ኣባላት እቲ ጕጅለ ሃይማኖት ካብ ዝዀኑ ስድራ ቤት እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ብዙሓት ከም ፈሪሳዊ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም።e ኰይኑ ግና፡ ከመይ ገይሩ እዩ ምስቲ ፈሪሳውያን ብዛዕባ ትንሳኤ ዝነበሮም እምነት ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ዀይኑ ዝቐረበ፧ ፈሪሳውያን፡ ነፍሲ ድሕሪ ሞት ከም እትቕጽልን ነፍሳት ጻድቃን ኣብ ስጋ ሰብ ኣትየን እንደገና ህያው ከም ዝዀናን ይኣምኑ ኸም ዝነበሩ እዩ ዚንገር። ጳውሎስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ኣይኣምነሉን እዩ ነይሩ። ነቲ የሱስ ዝመሃሮ ትንሳኤ እዩ ዚኣምነሉ ነይሩ። (ዮሃ. 5:25-29) እንተዀነ ግና፡ ድሕሪ ሞት፡ ህይወት ኪርከብ ከም ዚከኣል ብምእማን፡ ምስ ፈሪሳውያን ይሰማማዕ ነበረ፣ ሰዱቃውያን ግና ብዛዕባ ናይ መጻኢ ህይወት ኣይኣምኑን እዮም ነይሮም። ምስቶም ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃኖም ዚዛረቡ ሰባት ክንመያየጥ ከለና፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ኽንዛረቦም ንኽእል ኢና። ንሕና እውን ከምኦም፡ ኣብ ኣምላኽ ከም እንኣምን ክንነግሮም ንኽእል ኢና። ልክዕ እዩ፡ ንሳቶም ኣብ ስላሴ ኺኣምኑ ኸለዉ፡ ንሕና ግና ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ኣምላኽ ኢና እንኣምን። እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ከም ዘሎ ምእማንና፡ ሓደ ዜሕብረና ነገር እዩ።

19. እቲ ኣብቲ ዋዕላ እተገብረ ኣኼባ ብሕንፍሽፍሽ እተዘርገ ስለምንታይ እዩ፧

19 ጳውሎስ እተዛረቦ ዘረባ፡ ነቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝነበሩ ኣብ ክልተ ኸፈሎም። “ብዙሕ ታዕታዕ ድማ ኰነ፣ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝዀኑ ገለ ጸሓፍቲ ኸኣ፡ ‘ኣብዚ ሰብ እዚ ገለ ኽፉእ እኳ ኣይረኸብናን፣ መንፈስ ወይስ መልኣኽ ተዛሪብዎ እንተ ዀነኸ፡—’ እናበሉ ኣበርቲዖም ተኻትዑ።” (ግብ. 23:9) ኣብ ቅድሚ እቶም ብመላእኽቲ ዘይኣምኑ ዝነበሩ ሰዱቃውያን፡ መልኣኽ ንጳውሎስ ተዛሪብዎ ኪኸውን ይኽእል ዚብል ሓሳብ ውጉዝ እዩ ነይሩ። (ኣብ ታሕቲ እትርከብ፡ “ሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ብዙሕ ጫውጫው ምስ ኰነ፡ እቲ ሮማዊ ሓለቓ ሽሕ እንደገና ነቲ ሃዋርያ ኣድሓኖ። (ግብ. 23:10) ገና ግና ጳውሎስ ኣብ ሓደጋ እዩ ነይሩ። ቀጺሉ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ነዚ ኽንርኢ ኢና።

ሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን

እቲ ኸም ቤት ምኽሪ ሃገራዊ ምምሕዳርን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ኣይሁድ ኰይኑ ዜገልግል ዝነበረ ዋዕላ፡ ሰዱቃውያንን ፈሪሳውያንን ብዚብሃሉ ኽልተ መቐናቕንቲ ጕጅለታት እተዓብለለ እዩ ነይሩ። ብመሰረት እቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ፍላቭየስ ጆሰፈስ ዚብሃል ጸሓፍ ታሪኽ፡ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ጕጅለ ዝነበረ ቐንዲ ፍልልይ፡ ፈሪሳውያን ኣብቲ ህዝቢ ሓያሎ ስርዓታት ኪጽዕኑ ኺፍትኑ ኸለዉ፡ ሰዱቃውያን ግና ነቲ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዚርከብ ጥራይ ኣድላዪ ኸም ዝዀነ ገይሮም ይርእይዎ ምንባሮም እዩ። ክልቲኦም ጕጅለ ኣብቲ ንየሱስ ዝነበሮም ምጽራር ሓቢሮም ነይሮም እዮም።

እቶም ብሓፈሻ ዓቃባውያን ዝነበሩ ሰዱቃውያን፡ ምስ ክህነት ስጡም ርክብ ዝነበሮም እዮም ዚመስሉ፣ ሊቀ ኻህናት ኰይኖም ዘገልገሉ ሃናን ቀያፋን እውን ካብዞም ሓያል ጽልዋ ዝነበሮም ጕጅለ እዮም ነይሮም። (ግብ. 5:17) ጆሰፈስ ከም ዝገለጾ ግና፡ ትምህርትታቶም “ንሃብታማት ጥራይ ዜእምን” እዩ ነይሩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ፈሪሳውያን ኣብቲ ሓፋሽ ዝያዳ ጽልዋ ነበሮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ንንጽህና ዚምልከት ጥሩፍ ኣረኣእያኦም፡ ነቲ ሕጊ ጾር ከም ዚኸውን ገበሮ። ፈሪሳውያን፡ ኵሉ ነገር ብጽሕፍቶ ኸም እተወሰነ ይኣምኑ ነበሩ፣ ነፍሲ ድሕሪ ሞት ከም እትቕጽል፡ በቲ ዝገበረቶ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ተግባር ድማ ግቡእ ዓስቢ ወይ መቕጻዕቲ ኸም ዚጽበያ ይኣምኑ ነበሩ። ሰዱቃውያን ግና ነዚ ኣይኣምኑሉን ነበሩ።

a ንኽንድዚ ዚኣኽሉ ኣይሁድ ክርስትያናት ብመንፈስ ዜድልዮም ንምምላእ፡ ኣብ ብሕታዊ ኣባይቲ ዚእከባ ሓያሎ ጉባኤታት ነይረን ኪዀና ኣለወን።

b ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ እብራውያን መልእኽቱ ጸሓፈ። ኣብታ መልእኽቱ ድማ፡ ሓድሽ ኪዳን ብሉጽ ምዃኑ መርትዖ ኣቕረበ። እቲ ሓድሽ ኪዳን ነቲ ብሉይ ኪዳን፡ ብሉይ ከም ዝገበሮ ብንጹር ገለጸ። በቲ ኣብኡ ዘቕረቦ ሓያል መረዳእታ ኣቢሉ፡ እቶም ኣይሁድ ክርስትያናት ነቶም ነቐፍቲ ዝዀኑ ኣይሁድ እንታይ ኢሎም ኪምልሱሎም ከም ዚኽእሉ ዜእምን መርትዖ ኣብ ርእሲ ምሃቡ፡ ነቶም እምብዛ ኣብ ሕጊ ሙሴ ዜተኵሩ ዝነበሩ ገሊኦም ክርስትያናት እውን እምነቶም ኣደልዲሎም እዩ።—እብ. 8:7-13።

c ገሊኦም ምሁራት፡ እቶም ሰብኡት መብጽዓ ናዝራዊ ኸም እተመባጽዑ ሓሳብ ይህቡ እዮም። (ዘሁ. 6:1-21) ልክዕ እዩ፡ እቲ ኸምኡ ዝኣመሰለ መብጽዓ ዚእተወሉ ሕጊ ሙሴ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ተሳዒሩ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ጳውሎስ፡ እቶም ሰብኡት ንየሆዋ ዝኣተውዎ መብጽዓ ምፍጻሞም ጌጋ ኸም ዘይኰነ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ድማ፡ ወጻኢታቶም ምኽፋሉን ኣሰንይዎም ምኻዱን ጌጋ ኣይነበረን። እንታይ ዓይነት መብጽዓ ኸም ዝገበሩ ብልክዕ ኣይንፈልጦን ኢና፣ ዝዀነ ዀይኑ ግና፡ ጳውሎስ ነቲ መስዋእቲ እንስሳታት (ብናዝራውያን ዚግበር)፡ ሓጢኣት ከም ዜንጽህ ገይሩ ኺኣምነሉ ዘይመስል እዩ። እቲ ፍጹም መስዋእቲ ክርስቶስ ንመስዋእቲ እንስሳታት፡ ሓጢኣት ኬተዓርቕ ከም ዘይክእል ገይርዎ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ዝገበረ ይግበር ብዘየገድስ፡ ንሕልናኡ ዚጥሕስ ዝዀነ ይኹን ነገር ከም ዘይገበረ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

d ገሊኦም ሰባት፡ ጳውሎስ ድኹማት ኣዒንቲ ኸም ዝነበራኦን ነቲ ሊቀ ኻህናት ኬለልዮ ኸም ዘይከኣለን ሓሳብ ይህቡ እዮም። ምናልባት ከኣ ካብ የሩሳሌም ካብ ዚወጽእ ኣዝዩ ነዊሕ ስለ ዝገበረ፡ ነቲ ሽዑ ዝነበረ ሊቀ ኻህናት ኣየለለዮን ይኸውን። ወይ እውን ብዙሓት ሰባት ከቢቦምዎ ስለ ዝነበሩ፡ ኪወቕዕዎ ዝኣዘዘ መን ምዃኑ ኺርኢ ኣይከኣለን ይኸውን።

e ብ49 ድ.ክ. ሃዋርያትን ሽማግለታትን፡ ኣህዛብ ንሕጊ ሙሴ ኺሕልዉ ዜድልዮም እንተ ዀይኑ ኺመያየጡ ኸለዉ፡ ገለ ኻብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ “ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን” ተባሂሎም ተገሊጾም ኣለዉ። (ግብ. 15:5) እቶም ኣመንቲ ዝዀኑ ክርስትያናት፡ ብእተወሰነ መዳይ በቲ ኣቐዲሞም ዝነበሩሉ እምነት ይጽውዑ ነበሩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ