መዝሙር 41
ጸሎተይ ስማዕ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
	(መዝሙር 54)
- 1. ለዋህ ኣቦይ፡ ስማዕ መዝሙረይ። - ንዓኻ’የ ዝህብ ኣምልኾይ። - ስምካ ግሩም፡ ቅዱስ’ዩ፡ ዓብዪ፣ - (ኣዝማች) - ኦ ኣምላኽ፡ ስማዕ ንጸሎተይ። 
- 2. ኦ ኣምላኸይ፡ ምስጋና ’ብጻሕካ፣ - ብርሃን ርእየ፡ ሳላ ብርሃንካ። - እፈልጥ’የ ኸም ’ትሓልየለይ፣ - (ኣዝማች) - ኦ ኣምላኽ፡ ስማዕ ንጸሎተይ። 
- 3. ትምኒተይ’ዩ ቕኑዕ ክገብር፣ - ስርዓታትካ ወትሩ ኽምርምር። - ደግፈኒ ኣብ ኵሉ ጾረይ፣ - (ኣዝማች) - ኦ ኣምላኽ፡ ስማዕ ንጸሎተይ። 
(ዘጸ. 22:27፣ መዝ. 106:4፣ ያእ. 5:11 እውን ርአ።)