ንዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ድኻም እነለልየሉን እነሰንፈሉን መገዲ
ብመሰረት ግሪኻዊ ያታ: ኣኪላዝ ኣብቲ ኣንጻር ከተማ ትኾይ እተገብረ ውግእ ትሮጃን ዝበሃል ወፈራ ካብቶም ግሪኻውያን ተዋጋእቲ እቲ ዝተብዐ ነበረ። እቲ ያታ: ኣኪላዝ ቈልዓ ኸሎ ኣዲኡ ኣብ ማይ ሩባ ስቲክስ ኣጥሊቓ ከም ዘውጽኣቶ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ብዘይካ እቲ ኣዲኡ ሒዛቶ ዝነበረት ኵርዅረኡ ካልእ ክፍሊ ኣካላቱ ጕድኣት ክበጽሖ ከም ዘይክእል ገበረቶ ብምባል ይገልጽ። በዚ ድማ: እቲ ድኹም ጐድኒ ንምምልካት ዝውዕል ቃል ብቓሉ ኵርዅረ ኣኪላዝ ዝብል ትርጕም ዘለዎ ኣኪላዝ ሂል ዝበሃል ምስላ ወጸ። እታ በቲ ፓሪስ: ወዲ እቲ ፕርያም ዝስሙ ንጉስ ትኾይ እተሰንደወት በላሕ ቀስቲ ዝወቕዓቶ ልክዕ ኣብ ኵርዅረኡ ነበረ እሞ ሞተ።
ክርስትያናት ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ዝካፈሉ ወተሃደራት ክርስቶስ ኢዮም። (2 ጢሞቴዎስ 2:3) ሃዋርያ ጳውሎስ “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር: ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን” ብምባል ይገልጽ። እወ: ጸላእትና ካብ ሰይጣን ድያብሎስን ኣጋንንቱን ሓሊፎም ካልኦት ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም።—ኤፌሶን 6:12
ከም ሓቂ ኽርአ ኸሎ ሓገዝ ናይቲ “ተዋጋኢ” ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ የሆዋ ኣምላኽ እንተ ዘይንረክብ ነይርና: እቲ ውግእ ፈጺሙ ዘይመጣጠን ምዀነ ነይሩ። (ዘጸኣት 15:3) ንርእስና ካብቲ ሕሱም ጸላኢና ምእንቲ ኽንከላኸለላ: መንፈሳዊ ዕጥቂ ተዋሂቡና ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ሃዋርያ “ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” ብምባል ዝመዓደ።—ኤፌሶን 6:11
እቲ ብየሆዋ ኣምላኽ እተዳለወ ዕጥቂ ዝበለጸን ንዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ መጥቃዕቲ ክጻወር ዘኽእል ምዃኑን ኣየጠራጥርን ኢዩ። ነቲ ጳውሎስ ዘርዚርዎ ዘሎ ዕጥቂ ርአ:- ዕጣቕ ሕቖ ዝዀነ ሓቂ: ድርዒ ጽድቂ: ሳእኒ ብስራት: ዋልታ እምነት: ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ: ከምኡውን ናይ መንፈስ ሰይፊ። ሓደ ሰብ ካብዚ ዝበልጽ ከመይ ዝበለ መሳርሒ ክጽበ ይኽእል፧ ሓደ ክርስትያን ወተሃደር ከምዚ ዝኣመሰለ ዕጥቂ ምስ ዝዕጠቕ: ብርቱዕ ጸላኢ የጋጥሞ ብዘየገድስ ንኽስዕር ምሉእ ኣጋጣሚ ኣለዎ።—ኤፌሶን 6:13-17
እቲ ካብ የሆዋ ዝርከብ መንፈሳዊ ዕጥቂ ዝበለጸን ምንጪ ድሕንነትናን እኳ እንተዀነ: ንቕልስና ኣቕሊልና ክንርእዮ ግን የብልናን። ነቲ ክሰዓር ኢዩ ኢልካ ዘይሕሰብ ዝነበረ ኣኪላዝ ኣብ ግምት ብምእታው: ንሕና እውን መንፈሳዊ ድኹም ጐድኒ ክህልወና ይኽእል ድዩ፧ ከይተፈለጠና ኣብ ሓደጋ ክንወድቕ ንኽእል ኢና።
መንፈሳዊ ዕጥቅኻ መርምር
በሓደ ልዑል ኣካላዊ ብቕዓት ዝነበሮ ኣብ ኦሎምፒካዊ ውድድር ምንሽርታት በረድ ክልተ ግዜ ናይ ወርቂ መዳልያ እተሸለመ ሰብ: ስፖርታዊ ልምምድ እናገበረ ኸሎ ሃንደበት ወዲቑ ሞተ። ብድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ: ኣብ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ “ፍርቂ ካብቶም ኣብ ዓመት ዓመት ሕማም ልቢ ዘጋጥሞም 600,000 ኣመሪካውያን ኣቐዲሙ ዝረኣዮም ምልክት የለን” ዝብል ዘሰምብድ ዜና ወጸ። ኵነታት ጥዕናና በቲ ዝስምዓና ጥራይ ብቐሊሉ ክውሰን ከም ዘይክእል ንጹር ኢዩ።
ብመንፈሳዊ ጥዕናና ዝመጸ ድማ ከምኡ ኢዩ። “እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዚመስሎ: ከይወድቕ ይጠንቀቕ” ዝብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:12) መንፈሳዊ ዕጥቅና ዝበለጸ እኳ እንተዀነ: ድኻም ክርአ ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ከጋጥም ዝኽእል ሓጥኣን ኴንና ስለ እተወለድና ኢዩ: እቲ ሓጥእ ፍጹም ዘይኰነን ባህርና ድማ ነቲ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ዝኣተናዮ ውሳነ ብቐሊሉ ከዳኽሞ ይኽእል ኢዩ። (መዝሙር 51:5) ጽቡቕ ዕላማ እውን ይሃልወና: እቲ ጐራሕ ልብና ንድኻምና ኣቕሊልና ክንርእዮ ከምኡውን ኣብ ጽቡቕ መንፈሳዊ ኵነታት ከም ዘሎና ገይርና ብምሕሳብ ገዛእ ርእስና ክንጥብር ሓቂ ዝመስል ምኽንያታት ብምእላም ከታልለና ይኽእል ኢዩ።—ኤርምያስ 17:9፣ ሮሜ 7:21-23
ብተወሳኺውን: ኣብታ ቕኑዕን ጌጋን መብዛሕትኡ እዋን እተሓዋወሰላን እተደናገረላን ዓለም ኢና እንነብር ዘሎና። ሓደ ነገር ቅኑዕ ወይ ጌጋ ምዃኑ ዝውሰን በቲ ሓደ ሰብ ኣብቲ ጕዳይ እቲ ዘለዎ ስምዒት ክኸውን ይኽእል። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ኣብ ሬክላማት: ህቡብ መዘናግዒታት: ከምኡውን ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ኣስፋሕፊሑ ይርከብ። እንተ ዘይተጠንቂቕና ቀስ ብቐስ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ክንጥሕልን መንፈሳዊ ዕጥቅና ምዝላቕ ክጅምርን ምዃኑ ንጹር ኢዩ።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛ ኵነታት ኣብ ክንዲ እንወድቕ: ነቲ “ብእምነት እንተ አሊኹም: ርእስኹም ፈትኑ: ርእስኹም መርምሩ” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ከነቕልበሉ ይግብኣና። (2 ቈረንቶስ 13:5) ከምዚ ምስ እንገብር: ነቲ ተራእዩ ክኸውን ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ድኻማት ከነለልዮ: ጸላእትና ነቲ ድኻማት ብምልላይ መጥቃዕቲ ቅድሚ ምፍናዎም ድማ ንኸነዐርዮ ኣድላዪ ስጕምትታት ክንወስድ ክንክእል ኢና። ከምዚ ዝኣመሰለ መርመራ ክንገብር እንኽእል ግን ብኸመይ ኢና፧ ርእሰ-መርመራ ክንገብር ከሎናኸ ክንዕዘቦም ዝግብኣና ገለ ምልክታት እንታይ ኢዮም፧
ነቲ ምልክታት ምልላዩ
መንፈሳዊ ድኻም ክሕብር ዝኽእል ሓደ ልሙድ ምልክት ነቲ ብሕታዊ መጽናዕቲ ናይ ምግባር ልምድና ሸለል ምባል ኢዩ። ገሊኦም ዝያዳ ከጽንዑ ዝግብኦም ምዃኑ ዝስምዖም እኳ እንተዀነ እቲ ዘድሊ ግዜ ወሲዶም ጻዕሪ ዝገብሩ ኣይመስሉን ኢዮም። ኣብዚ ሎሚ ዘሎ ትሑዝ ዝዀነ ናብራ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ኵነታት ክትወድቕ ቀሊል ኢዩ። እቲ ዝኸፍአ ግን ሰባት ኣብ ዝጠዓሞም እዋን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ስለ ዘንብቡን ኣብ ገለ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክካፈሉ ብምኽኣሎምን ጥራይ መብዛሕትኡ እዋን ጽቡቕ ዘለዉ ኰይኑ ይስምዖም።
ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ርእስኻ ምትላል ኢዩ። እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ልክዕ ከምቲ ናይቲ ኮፍ ኢሉ ግቡእ መግቢ ክበልዕ ግዜ ዘይብሉ ኰይኑ ዝስምዖ እሞ ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸበሉ ግዜ ጥራይ ዝጠዓዕም ሰብ ኢዩ። ብጥሜት እኳ እንተ ዘይተሳሕገ: ውዒሉ ሓዲሩ ግን ጥዕንኡ ክጕዳእ ይኽእል ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ስርዓታውያን ኴንና መንፈሳዊ መግቢ ዘይንምገብ እንተድኣ ዄንና: መንፈሳዊ ዕጥቅና ብቕልጡፍ ክዘልቕ ይኽእል ኢዩ። ብዘይ ምቍራጽ ብዓለማዊ ፕሮፓጋንዳን ኣረኣእያን ስለ እንንፋሕ: ብቐሊሉ በቲ ቐታሊ ዝዀነ ናይ ሰይጣን መጥቃዕትታት ክንወድቕ ንኽእል ኢና።
ካልእ ምልክት መንፈሳዊ ድኻም ድማ ኣብ መንፈሳዊ ውግእና ናይ ህጹጽነት ስምዒት ምጥፋእ ኢዩ። ሓደ ኣብ ግዜ ሰላም ዘሎ ወተሃደር ወጥርን ኣብ ውግእ ዝርአ ሓደጋን ኣየጋጥሞን ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: ናይ ህጽጹነት ስምዒት ኣይስምዖን ይኸውን። ሃንደበት ንውግእ ምስ ዝጽዋዕ ድማ ፈጺሙ ከይተዳለወ ክጸንሕ ይኽእል ኢዩ። ብመንፈሳዊ መገዲ ድማ ከምኡ ኢዩ። እቲ ናይ ህጹጽነት ስምዒትና ክዝሕል እንተድኣ ኣፍቂድናሉ: ነቲ ዘጋጥመና መጥቃዕትታት ንምቅዋም ዘይተዳሎና ክንከውን ንኽእል ኢና።
ይኹን እምበር: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ከም ዝወደቕና ብኸመይ ኢና ክንግንዘብ እንኽእል፧ ነቲ ናይ ሓቂ ዅነታት ክገልጽ ዝኽእል ገለ ሕቶታት ንገዛእ ርእስና ክንሓትት ንኽእል ኢና:- ከምቲ ንዙረት ክኸይድ ዝህንጠ ኣብ ኣገልግሎት ክካፈልከ እህንጠ ድየ፧ ከምቲ ግዜ ወሲደ ገለ ነገር ክዕድግ ወይ ተሌቪዥን ክርኢ ድሌት ዘሎኒ ግዜ ወሲደ ንኣኼባታት ክዳሎኸ ድሌት ኣሎኒ ድዩ፧ ነቲ ክርስትያን ክኸውን ከሎኹ ዝጠንጠንክዎ ሸቶታትን ኣጋጣሚታትን እጠዓሰሉ ድየ፧ በቲ ኻልኦት ሰባት ዘሕልፍዎ ምቾት ዘለዎ ናብራ እቐንእ ድየ፧ እዚ ሕቶታት እዚ ዘተሓሳስብ ኢዩ: መንፈሳዊ ዕጥቅና ንኸይዘልቕ ግን ሓጋዚ ኢዩ።
መከላኸሊ ዕጥቅና መንፈሳዊ ስለ ዝዀነ: መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ናብራና ኸይተኸልከለ ክፈስስ ኣድላዪ ኢዩ። እዚ በቲ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ንጥፈታትና ዝርኣየሉ ደረጃ ኢዩ ዝንጸባረቕ። ካልኦት ንስኻ ዘይትፈትዎ ነገር ክገብሩ ወይ ክዛረቡ ከለዉ ብቐሊሉ ዲኻ እትቝጣዕ ወይ እትሓርቕ፧ ምኽሪ ምቕባል ኣጸጋሚ ኰይኑ ዲኻ እትረኽቦ: ወይ ድማ ካልኦት ኵሉ ግዜ ዝወቕሱኻ ዀይኑ ድዩ ዝስምዓካ፧ በቲ ኻልኦት ዝረኽብዎ በረኸት ወይ ዓወት ኣዚኻ ዲኻ እትቐንእ፧ ምስ ካልኦት ሰባት ብፍላይ ምስ መዛኑኻ ምቅዳው ኣጸጋሚ ኰይኑ ዲኻ እትረኽቦ፧ ሓቅነት ዝመልኦ ርእስኻ ናይ ምምርማር ተግባር: ህይወትና ብፍረ መንፈስ ኣምላኽ ዝመልአ እንተ ዀይኑ ወይ ግብሪ ስጋ ቀስ ብቐስ ኣብ ኣካላትና ይሰፍር እንተድኣ ኣልዩ ንኽንርዳእ ክሕግዘና ኢዩ።—ገላትያ 5:22-26፣ ኤፌሶን 4:22-27
መንፈሳዊ ድኻም ንምስናፍ ዝጠቅም ኣወንታዊ ስጕምትታት
ንምልክታት መንፈሳዊ ድኻም ምልላዩ ሓደ ነገር ኢዩ: ነቲ ድኻም እቲ ክትጋጠሞን ንኸተዐርዮ ስጕምትታት ምውሳድን ግን ካብኡ ንላዕሊ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት ናብ ምምኽናይ: ነቲ ግድል ኣቕሊልካ ናብ ምርኣይ: ወይ ግድል ከም ዘለዎም ናብ ምኽሓድ ኢዮም ዝዛዝዉ። ከምቲ ዘይተማልአ ዕጥቂ ተዓጢቕካ ናብ ውግእ ምኻድ ሓደገኛ ዝዀነ እዚ እውን ክሳዕ ክንደይ ሓደገኛ ኰን ኢዩ! ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ምሓዝ ንመጥቃዕቲ ሰይጣን እተቓላዕና ኢዩ ዝገብረና። ኣብ ክንድኡ ግን: ነቲ ከነስተብህለሉ ዝኸኣልና ዝዀነ ይኹን ድኻም ንምዕራይ ቀልጢፍና ኣወንታዊ ስጕምትታት ክንወስድ ይግብኣና። እንታይ ኢና ክንገብር እንኽእል፧—ሮሜ 8:13፣ ያእቆብ 1:22-25
ኣብቲ ንክርስትያናዊ ኣእምሮን ልብን ምቍጽጻር ዘጠቓልል መንፈሳዊ ውግእ ንካፈል ስለ ዘሎና: ኣተሓሳስባና ክንሕሉ ዝከኣለና ዘበለ ዅሉ ክንገብር ኣሎና። ካብ መንጎ እቲ ክፍልታት መንፈሳዊ ዕጥቅና ንልብና ዝከላኸል ‘ድርዒ ጽድቂ’ ከምኡውን ንኣእምሮና ዝከላኸል “ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ” ምዃኑ ኣይትረስዓዮ። ነዚ ምድላዋት እዚ ብዘስልጥ መገዲ ክትጥቀመሉ ምምሃር ናይ ዓወትን ስዕረትን ጕዳይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።—ኤፌሶን 6:14-17፣ ምሳሌ 4:23፣ ሮሜ 12:2
‘ድርዒ ጽድቂ’ ብግቡእ ምልባስ ነቲ ንጽድቂ ዘሎና ፍቕርን ንዓመጻ ዘሎና ጽልእን ብዝምልከት ገዛእ ርእስና ብዘይ ምቍራጽ ምምርማር ዝሓትት ኢዩ። (መዝሙር 45:7፣ 97:10፣ ኣሞጽ 5:15) መዐቀኒታትና ልክዕ ከምቲ ናይ ዓለም መዐቀኒታት የንቈልቈል ድዩ ዘሎ፧ ሕጂ በቲ ሓደ ግዜ ዘስካሕክሓና ወይ ዘሕርቐና ዝነበረ መዘናግዒታት—በቲ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት እንርእዮ ወይ ኣብ ተሌቪዥንን ሲነማታትን: ኣብ መጻሕፍትን መጽሔታትን ዘሎ መዘናግዒታት—ንዘናጋዕ ዲና፧ እቲ ንጽድቂ ዘሎና ፍቕሪ ነቲ ኣብ ዓለም ከም ክቡር ዝርአ ናጽነትን ዓለማዊ ጥበብን: ኣብ ውሽጡ ፍኑው ኣነባብራን ትዕቢትን ከም ዘሎ ንኽንርዳእ ይሕግዘና ኢዩ።—ሮሜ 13:13, 14፣ ቲቶስ 2:12
“ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ” ምግባር እቲ ብልጭልጭ ዝብልን ዝማርኽን ናይ ዓለም ነገራት መገድና ከስሕተና ከየፍቀድና ነቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዘገርም በረኸታት ኣጸቢቕና ምዝካሩ ዘጠቓልል ኢዩ። (እብራውያን 12:2, 3፣ 1 ዮሃንስ 2:16) ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ምሓዝ ንመንፈሳዊ ረብሓታት ቅድሚ ስጋዊ ረብሓ ወይ ብሕታዊ ጥቕሚ ክንሰርዖ ክሕግዘና ኢዩ። (ማቴዎስ 6:33) ስለዚ ኸኣ: ነዚ ዕጥቂ እዚ ኣብ ቦትኡ ብግቡእ ከም እተዓጠቕናዮ ንምርግጋጽ: ገዛእ ርእስና ብቕንዕና ከምዚ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና:- ኣብ ናብራይ ደድሕሪ እንታይ ኢየ ዝጐዪ ዘለኹ፧ ንጹር መንፈሳዊ ሸቶታትዶ ኣሎኒ ኢዩ፧ ነቲ ሸቶታት ክበጽሖኸ እንታይ ኢየ ዝገብር ዘሎኹ፧ ካብቶም ክርስትያናት ቅቡኣት ተረፍ ንኹን ካብቶም ማእለያ ዘይብሎም “ዓቢ ጭፍራ” ብዘየገድስ: ነቲ ኸምዚ ዝስዕብ ዝበለ ጳውሎስ ክንቀድሖ ኣሎና:- “ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ: ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ: ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ . . . እጐዪ አሎኹ።”—ራእይ 7:9 NW፣ ፊልጲ 3:13, 14
ጳውሎስ ነቲ ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕጥቅና ዝሃቦ መግለጺ በቲ “ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ: ምስናይ እዚውን ብዅሉ እናተጸመምኩም: ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ” ዝብል ማዕዳ ኢዩ ዝድምድሞ። (ኤፌሶን 6:18) እዚ ንዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ድኻም ንምስናፍ ወይ ንምክልኻል ክንወስዶ እንኽእል ክልተ ኣወንታዊ ስጕምትታት ከም ዘሎ ዝሕብር ኢዩ። ንሱ ድማ:- ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ምምዕባልን ምስ ክርስትያናት ብጾት ጥብቂ ሕብረት ምምስራትን ኢዩ።
“ብዅሉ” ዓይነት ጸሎት (ናይ ሓጢኣትና ነስሓ: ምሕረት ንምርካብ ዝግበር ምህለላ: መምርሒ ንምርካብ ዝግበር ልመና: ብዝረኸብናዮ በረኸታት ዝቐርብ ምስጋና: ካብ ልቢ ዝነቐለ ውዳሰ) ገይርና “ኵሉ ሳዕ” (ኣብ ቅድሚ ህዝቢ: ብሕት ኢልና: ውልቃዊ ጕዳይ: ሃንደበታዊ ጸሎት) ናብ የሆዋ ምቕራብ ልምዲ ምስ እንገብሮ: ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ከነማዕብል ኢና። እዚ እቲ ክንረኽቦ እንኽእል ዝዓበየ ዕቝባ ኢዩ።—ሮሜ 8:31፣ ያእቆብ 4:7, 8
በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ “ስለ ዅሎም ቅዱሳን” ማለት ምእንቲ ክርስትያን ብጾትና ክንጽሊ ተማዒድና ኢና። ክንጽሊ ኸሎና ነቶም ኣብ ርሑቕ ቦታታት መስጐጕቲ ወይ ካልእ መከራታት ዘሕልፉ ዘለዉ መንፈሳውያን ኣሕዋትና ንዝክሮም ንኸውን። ብዛዕባ እቶም መዓልቲ መዓልቲ ምሳና ዝዓዩን ዝሓብሩን ክርስትያናትከ እንታይ ክበሃል ይከኣል፧ ከምቲ የሱስ ምእንቲ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ዝጸለየ: ምእንትኦም ኢልና እውን ክንጽሊ ግቡእ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:9፣ ያእቆብ 5:16) ከምዚ ዝኣመሰለ ጸሎት ኣብ ንሓድሕድና ከም እንቀራረብ ክገብረና: ንመጥቃዕትታት እቲ “ክፉእ” ንምቅዋም ድማ ከሐይለና ኢዩ።—2 ተሰሎንቄ 3:1-3
ኣብ መወዳእታ: ነቲ ናይ ሃዋርያ ጴጥሮስ ፍቕራዊ ማዕዳ ኣጸቢቕካ ዘክሮ:- “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። ስለዚ ርእስኹም ግትኡ ንጸሎትውን ንቕሑ። ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ: ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም።” (1 ጴጥሮስ 4:7, 8) ናይ ካልኦት ሰባትን ናይ ገዛእ ርእስናን ሰብኣዊ ዘይፍጽምና: ናብ ኣልባብናን ኣእምሮናን ሰሊኹ ብምእታው መዐንቀፊ ክዀነና ምፍቃድ ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ። ሰይጣን ነዚ ሰብኣዊ ድኻም እዚ ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ዝፈልጦ። ሓደ ካብቲ ጐራሕ ሜላታቱ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: በቲ ኣብ ንሓድሕድና ዘሎና ዓሚቝ ፍቕሪ ገይርና ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ንምሽፋን ቅልጡፋት ክንከውን ኣሎና: ‘ንድያብሎስ ስፍራ ክንህቦ’ የብልናን።—ኤፌሶን 4:25-27
ሕጂ ብመንፈስ ጽኑዕ ዄንካ ቀጽል
ጸጕርኻ ዘይተመሸጠ ምዃኑ ወይ ክራባታኻ ዘቢላ ምህላዋ ምስ እትግንዘብ: እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ከም እተዐርዮ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግዳማዊ ጕድለት ዘምጽኦ ለውጢ የለን ኢሎም ብምሕሳብ ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ሸለል ዝብልዎ ሒደት ሰባት ጥራይ ኢዮም። ብመንፈሳዊ ድኻምና ዝመጸ እውን ቀልጢፍና መልሰ-ግብሪ ከነርኢ ይግብኣና። ግዳማዊ ጕድለት: ሰባት ነቲ ሰብ እቲ ምርኣዩ ከም ዝጸልእዎ ክገብሮም ይኽእል ኢዩ: እቲ ከይተዓረየ ዝግደፍ መንፈሳዊ ጕድለት ግን ስምረት የሆዋ ከም እትስእን ክገብር ይኽእል ኢዩ።—1 ሳሙኤል 16:7
የሆዋ ንዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ድኻም ምሒና ንምእላይ ብመንፈስ ጽኑዓት ኴንና ንኽንቅጽል ዘድልየና ኵሉ ሓገዝ ፍቕራዊ ብዝዀነ መገዲ ሂቡና ኣሎ። እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ብክርስትያናዊ ኣኼባታት: ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት: ከምኡውን ብብሱላትን ሕያዎትን ክርስትያናት ብጾት ኣቢሉ ዘየቋርጽ መዘኻኸሪታትን ጠቓሚ ምኽርን የዳልወልና ኢዩ። ነዚ ኽንቅበሎን ኣብ ግብሪ ከነውዕሎን ሓላፍነትና ኢዩ። ከምዚ ንምግባር ጻዕርን ርእስኻ ምቕጻዕን ዝሓትት ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ብቕንዕና እንታይ ከም ዝበለ ኣይትረስዓዮ:- “ኣነ እጐዪ አሎኹ: ግናኸ ከምቲ ንዘይፍሉጥ ዚጐዪ ኣይኰንኩን: እምክት አሎኹ: ከምቲ ንንፋስ ዚወቅዕ ግና ኣይኰንኩን። ንኻልኦት እናሰበኽኩ: ንርእሰይ ድርቡይ ምእንቲ ኸይከውን: ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ።”—1 ቈረንቶስ 9:26, 27
ንቑሕ ኩን: መንፈሳዊ ድኹም ጐድኒ ክርአ ድማ ፈጺምካ ኣይተፍቅድ። እኳ ድኣስ: ነቲ ዘሎና ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ድኻም ንምልላይን ንምስናፍን ሕጂ ብትሕትናን ብትብዓትን ኣድላዪ ዘበለ ንግበር።
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ብእምነት እንተ አሊኹም: ርእስኹም ፈትኑ: ርእስኹም መርምሩ።” —2 ቈረንቶስ 13:5
[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
“ንጸሎትውን ንቕሑ። ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ: ቅድሚ ዅሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ትሀሉኹም።” —1 ጴጥሮስ 4:7, 8
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ንርእስኻ ከምዚ ኢልካ ተወከሳ . . .
◆ ከምቲ ግዜ ወሲደ ገለ ነገር ክዕድግ ወይ ተሌቪዥን ክርኢ ዝህንጠ ግዜ ወሲደ ንኣኼባታት ክዳሎኸ ድሌት ኣሎኒዶ፧
◆ በቲ ካልኦት ሰባት ዘሕልፍዎ ምቾት ዘለዎ ናብራ እቐንእ ድየ፧
◆ ካልኦት ኣነ ዘይፈትዎ ገለ ነገር ክገብሩ ወይ ክዛረቡ ከለዉ ብቐሊሉ ድየ ዝቝጣዕ፧
◆ ምኽሪ ምቕባል ኣጸጋሚ ዀይኑ ድየ ዝረኽቦ ወይ ድማ ካልኦት ኵሉ ግዜ ዝወቕሱኒ ኰይኑ ድዩ ዝስምዓኒ፧
◆ ምስ ካልኦት ሰባት ምቅዳው ኣጸጋሚ ዀይኑ ድየ ዝረኽቦ፧
◆ መዐቀኒታተይ ልክዕ ከምቲ ናይ ዓለም መዐቀኒታት የንቈልቈል ድዩ ዘሎ፧
◆ ንጹር መንፈሳዊ ሸቶታት ኣሎኒዶ ኢዩ፧
◆ ነዚ መንፈሳዊ ሸቶታተይ እዚ ንምብጻሕ እንታይ ኢየ ዝገብር ዘሎኹ፧
[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ኣኪላዝ:- ካብታ ግሬት መን ኤንድ ፈይመስ ዉመን እትበሃል መጽሓፍ፣ ወተሃደራት ሮሜ ከምኡውን ገጽ 21:- Historic Costume in Pictures/Dover Publications, Inc., New York