ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lvs ምዕ. 4 ገጽ 45-59
  • ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
  • ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ኣብ “ፍቕሪ ኣምላኽ” ኣንብብ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከቢድ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ንስልጣን የሆዋ ኸነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
  • ኣብ ስድራ ቤት ኪህሉ ዚግባእ ኣኽብሮት
  • ኣብ ጉባኤ ኺህሉ ዚግባእ ኣኽብሮት
  • ንዓለማዊ ስልጣን ኪህሉ ዚግባእ ኣኽብሮት
  • ንሰብ ኣኽብሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ነቶም ኣብ ልዕሌኹም ስልጣን እተዋህቦም ኣኽብርዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ብምኽባር ትቀዳደም ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ኣኽብሮት ኣበይ ጠፊኡ፧
    ንቕሑ!—2024
ዝያዳ ርአ
ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
lvs ምዕ. 4 ገጽ 45-59
ሓደ ኣቦ ንደቁ ብፍቕሪ ይእርሞም

ምዕራፍ 4

ንስልጣን ከነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

“ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ፡ ንዅሎም ኣሕዋት ኣፍቅሩ፡ ንኣምላኽ ፍርህዎ፡ ንንጉስ ኣኽብርዎ።”—1 ጴጥሮስ 2:17።

1, 2. (ሀ) ናይ መን መምርሒ ኢና ኽንስዕብ ዘሎና፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንምርምር፧

ቈልዓ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን፡ ምናልባት ወለድኻ፡ ክትገብሮ ዘይትደሊ ነገር ክትገብር ኣዚዞምኻ ይዀኑ። ንወለድኻ ትፈትዎም ኢኻ፣ ክትእዘዞም ከም ዘሎካ ድማ ትፈልጥ ኢኻ። ግናኸ፡ ወትሩ ኽትእዘዞም ኣይትደልን ኔርካ ትኸውን።

2 ኣቦና የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ንፈልጥ ኢና። ይሓልየልናን ህይወት ከነስተማቕር ዜድልየና ዘበለ ዅሉ ይህበናን እዩ። ዕዉታት ክንከውን ዜድልየና መምርሒ እውን ይህበና እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብኻልኦት ኣቢሉ መምርሒ ይህበና እዩ። ስለዚ፡ ንስልጣን የሆዋ ከነኽብር ኣሎና። (ምሳሌ 24:21) ሓድሓደ ግዜ ግና መምርሒ ምቕባል ዚኸብደና ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ስለምንታይ እዩ መምርሒ ኽንስዕብ ዚደልየና፧ ንስልጣኑ ኸም እነኽብርከ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧—ተወሳኺ ሓበሬታ 9 ርአ።

ከቢድ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

3, 4. ሰባት ከመይ ኢሎም እዮም ዘይፍጹማት ኰይኖም፧ ካብ ካልኦት መምርሒ ምቕባል ዚኸብደናኸ ስለምንታይ ኪኸውን ይኽእል፧

3 ሰባት ስለ ዝዀንና፡ ዓለወኛታት ናይ ምዃን ዝንባለ ኣሎና። እዚ ድማ ካብቲ እቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ዝሓጥኡሉ እዋን ኣትሒዙ ተራእዩ እዩ። ንሳቶም ዋላ እኳ ፍጹማት ኰይኖም እንተ ተፈጥሩ፡ ካብ ስልጣን ኣምላኽ ግና ዓልዮም እዮም። ካብ ሽዑ ንነጀው እተወልዱ ዅሎም ደቂ ሰብ ዘይፍጹማት እዮም። ስለዚ፡ ሓደ ኻብቲ ኻብ የሆዋን ካብ ሰባትን መምርሒ ምቕባል ኸቢድ ዚገብሮ ምኽንያታት ዘይፍጽምናና እዩ። ካልእ ምኽንያት ከኣ፡ እቶም የሆዋ መምርሒ ንምሃብ ዚጥቀመሎም ሰባት ዘይፍጹማት ምዃኖም እዩ።—ዘፍጥረት 2:15-17፣ 3:1-7፣ መዝሙር 51:5፣ ሮሜ 5:12።

4 ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ዕቡያት ናይ ምዃን ዝንባለ ኣሎና። ትዕቢት እንተ ኣልዩና ድማ፡ መምርሒ ምቕባል ይኸብደና እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ የሆዋ ንሙሴ፡ ንህዝቡ ኺመርሕ ሓርይዎ ነይሩ እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንየሆዋ ንሓያሎ ዓመት ዘገልገሎ ቆራሕ ዝስሙ ሰብኣይ፡ ካብ ትዕቢት ተላዒሉ፡ ንሙሴ ኸም ዚንዕቆ ኣርኣየ። ሙሴ ንህዝቢ ኣምላኽ ይመርሕ እኳ እንተ ነበረ፡ ዕቡይ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ኣብ ምድሪ ኻብ ዝነበረ ሰብ ኵሉ ትሑት ምንባሩ እዩ ተገሊጹ ዘሎ። ቆራሕ ግና ነቲ ኻብ ሙሴ ዚውሃቦ መምርሒ ኪቕበሎ ኣይከኣለን። ንብዙሓት ሰባት እውን ምስኡ ሓቢሮም ካብ ሙሴ ኺዓልዉ ኣእመኖም። እሞ ደኣ ቆራሕን እቶም ዓለወኛታትን እንታይ ኰኑ፧ ኵላቶም ተቐትሉ። (ዘሁልቍ 12:3፣ 16:1-3, 31-35) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ትዕቢት ሓደገኛ ምዃኑ ዚምህር ሓያሎ ኣብነታት ንረክብ ኢና።—2 ዜና መዋእል 26:16-21፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 10 ርአ።

5. ገሊኦም ሰባት ንስልጣኖም ከመይ ገይሮም እዮም ብዘይግቡእ እተጠቕሙሉ፧

5 “ስልጣን የበላሹ” ኺብሃል ሰሚዕካ ትኸውን ኢኻ። ኣብ ምሉእ ታሪኽ ደቂ ሰብ፡ ብዙሓት ሰባት ንስልጣኖም ብዘይግቡእ ተጠቒሞምሉ እዮም። (መክብብ 8:9 ኣንብብ።) ንኣብነት፡ ሳኦል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ብየሆዋ ኣብ እተመርጸሉ እዋን፡ ጥዑይን ትሑትን ሰብ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ትዕቢትን ቅንእን ኣብ ልቡ ኺዓቢ ፈቐደ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ነቲ ንጹህ ዝነበረ ዳዊት ሰጐጎ። (1 ሳሙኤል 9:20, 21፣ 10:20-22፣ 18:7-11) ዳዊት ጸኒሑ ሓደ ኻብቶም ኣብ እስራኤል ዝነገሱ ብሉጻት ነገስታት ኰነ። እንተዀነ ግና፡ ዳዊት ጸኒሑ ንስልጣኑ ብዘይግቡእ ተጠቒሙሉ እዩ። ምስ ባትሴባ ሰበይቲ ኡርያ ጾታዊ ርክብ ገይሩ፡ ድሕሪኡ፡ ሓጢኣቱ ንምሕባእ ከኣ፡ ንኡርያ ኣብ ውግእ ከም ዚቕተል ገይሩ እዩ።—2 ሳሙኤል 11:1-17።

ንስልጣን የሆዋ ኸነኽብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

6, 7. (ሀ) ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ እንታይ ክንገብር እዩ ዚድርኸና፧ (ለ) ተኣዛዝነት ኣጸጋሚ ኣብ ዚዀነሉ ኣጋጣሚ እውን እንተ ዀነ፡ ክንእዘዝ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

6 ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ፡ ነቲ ንሱ ዚህበና መምርሒ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ንየሆዋ ኻብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ስለ እነፍቅሮ፡ ከነሐጕሶ ንደሊ ኢና። (ምሳሌ 27:11፣ ማርቆስ 12:29, 30 ኣንብብ።) ካብቲ ቐዳሞት ሰብ ሓዳር ኣብ ገነት ኤደን ዝነበሩሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ሰይጣን ንሰባት፡ ንስልጣን የሆዋ ኣብ ሕቶ ኸም ዜእትውዎ ኺገብር ይደሊ ነይሩ እዩ። ድያብሎስ፡ ‘የሆዋ እንታይ ክገብር ከም ዘሎኒ ናይ ምእዛዝ መሰል የብሉን’ ኢልና ኽንሓስብ እዩ ዚደልየና። እዚ ሓሳብ ግና ሓሶት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። የግዳስ፡ ነዘን ዚስዕባ ቓላት እዚአን ንሰማማዓለን ኢና፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽና፡ ንዅሉ ንስኻ ፈጢርካዮ፡ ስለ ፍቓድካ እውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ግርማን ክብርን ሓይልን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ።”—ራእይ 4:11።

7 ብግዜ ቝልዕነትና፡ ንወለድና ኽንእዘዝ ኣብ ዘይንደልየሉ እዋን እኳ እንተ ዀነ፡ ክንእዘዞም ከም ዚግባእ ተማሂርና ኢና። ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ መጠን እውን፡ እዙዛት ክንከውን ኣጸጋሚ ዚዀነሉ እዋናት ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ንየሆዋ ነፍቅሮን ነኽብሮን ኢና፣ ስለዚ፡ ንዕኡ እዙዛት ንምዃን፡ ዚከኣለና ዅሉ ንገብር ኢና። የሱስ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ተኣዛዝነት ቀሊል ወይ ምሹእ ኣብ ዘይነበረሉ ኣጋጣሚታት እኳ ንየሆዋ ተኣዚዝዎ እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ ንኣቦኡ፡ “ከም ፍቓድካ እምበር፡ ከም ፍቓደይ ኣይኹን” ዝበሎ።—ሉቃስ 22:42፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 11 ርአ።

8. ገለ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ዚመርሓሉ መገድታት እንታይ እዩ፧ (“ምኽሪ ስማዕ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

8 ሎሚ፡ የሆዋ ብእተፈላለየ መገድታት ኣቢሉ ይመርሓና እዩ። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡና ኣሎ። ሽማግለታት ጉባኤ እውን ሂቡና ኣሎ። ነቶም ንዓና ንምምራሕ ዚጥቀመሎም ዘበሉ ምስ እነኽብሮም፡ ንስልጣን የሆዋ ኸም እነኽብር ኢና ነርኢ። ንዚህቡና ሓገዝ ዘይንቕበል እንተ ዄንና ግና፡ ንየሆዋ ኢና እንንዕቆ። እስራኤላውያን ንሙሴ ምስ ነዓቕዎ፡ የሆዋ ነቲ ነገር ኣኽቢዱ እዩ ርእይዎ። ንዕኡ ኸም ዝነዓቕዎ ገይሩ እዩ ርእይዎ።—ዘሁልቍ 14:26, 27፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 12 ርአ።

ምኽሪ ስማዕ

ሓሓሊፉ፡ ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ይውሃበና እዩ። ምኽሪ ምቕባል ከቢድ ዝዀነሉ ሰለስተ ምኽንያት እስከ ንርአ።—ምሳሌ 19:20።

  • እቲ ምኽሪ ዘይምልከተና ዀይኑ ይስምዓና። ምናልባት፡ እቲ እተዛረበና ሰብ ንዅነታትና ዘይርድኦ ዀይኑ ይስምዓና ይኸውን። (እብራውያን 12:5) ግናኸ፡ እቲ ሰብ እቲ ኸምኡ ኢሉ እተዛረበሉ ብቑዕ ምኽንያት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 19:3) እቲ ምኽሪ እተዋህበሉ ምኽንያት እንተ ተረዲኡካ፡ ንምቕባሉ ኪቐልለካ ይኽእል እዩ።—ምሳሌ 4:13 ኣንብብ።

  • እቲ ምኽሪ እተዋህበሉ መገዲ ኣይንፈትዎን። ፍጹም ሰብ ጥራይ እዩ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ፍጹም ምኽሪ ኺህብ ዚኽእል። (ሮሜ 3:23፣ ያእቆብ 3:2) ኣብቲ እቲ ሰብ ምኽሪ ዝሃበሉ መገዲ ኣብ ክንዲ እተተኵር፡ ኣብቲ ዚብሎ ነገር ኣተኵር፡ ከመይ ጌርካ ኣብ ግብሪ ኸም እተውዕሎ ድማ ሕሰብ።

  • ብምኽንያት ዕድመና ወይ ተመክሮና፡ ምኽሪ ዘየድልየና ዀይኑ ይስምዓና። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል፡ ንጉስ እውን ከይተረፈ ኻብ ነብያትን ካብ ካህናትን ኣብ መንግስቱ ኻብ ዝነበሩ ኻልኦትን ምኽሪ ይውሃቦ ነይሩ እዩ። (2 ሳሙኤል 12:1-13፣ 2 ዜና መዋእል 26:16-20) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ብትሕትና ምስ እንቕበል፡ ንየሆዋ ብዝያዳ ንቐርቦ ኢና።—ቲቶስ 3:2።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ፡ ካብቲ ዜፍቅረናን ጽቡቕና ዚደልን የሆዋ ዚመጽእ ውህበት ምዃኑ ኣይትረስዕ። ንምቕባሉን ንምትግባሩን ዚከኣለካ ዘበለ ግበር።—እብራውያን 12:6-11።

9. ፍቕሪ እንተ ኣልዩና፡ ንዚውሃበና መምርሒ ኽንስዕብ እንድረኽ ብኸመይ ኢና፧

9 ንስልጣን ዘሎና ኣኽብሮት ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ከም እነፍቅሮም እውን የርኢ እዩ። ነዚ ዚስዕብ እሞ ሕሰበሉ። ባህርያዊ ሓደጋ ኼጋጥም ከሎ፡ ረድኤት ዚህቡ ጕጅለ ንሰባት ንምድሓን ብሓባር ኰይኖም ይዓይዩ እዮም። እቶም ጕጅለ ኣብ ስራሖም ምእንቲ ኼድምዑ፡ ሓደ ሰብ ነቲ ስራሕ ኪውድቦ፡ ዝተረፉ ኣባላት እቲ ጕጅለ ድማ መምርሒ ኺስዕቡ ኣለዎም። ሓደ ኻባታቶም ነቲ ዚውሃብ መምርሒ ዕሽሽ እንተ ኢሉን ዝደለዮ እንተ ገይሩን ግና እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ዋላ እውን ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተደሪኹ እንተ ገበሮ፡ ዘይምስማዑ ንብጾቱ ጸገማት ኪፈጥረሎም፡ ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ከቢድ ሓደጋ ኼስዕበሎም ይኽእል እዩ። ንሕና እውን ነቲ ኻብ የሆዋን ካብቶም ንሱ ስልጣን ዝሃቦምን ዚመጽእ መምርሒ እንተ ዘይስዒብና፡ ካልኦት ኪጕድኡ ይኽእሉ እዮም። ንየሆዋ ምስ እንእዘዞ ግና፡ ንኣሕዋትና ኸም እነፍቅሮምን ነቲ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓት ከም እነኽብሮን ነርኢ።—1 ቈረንቶስ 12:14, 25, 26።

10, 11. ሕጂ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

10 ኵሉ እቲ የሆዋ ኽንገብሮ ዚሓትተና ነገራት ንጽቡቕና እዩ። ኣብ ስድራ ቤትናን ኣብ ጉባኤን ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ዘሎና ርክብን ንስልጣን ኣኽብሮት ነርኢ እንተ ዄንና፡ ኵሉ ይጥቀም እዩ።—ዘዳግም 5:16፣ ሮሜ 13:4፣ ኤፌሶን 6:2, 3፣ እብራውያን 13:17።

11 የሆዋ ንኻልኦት ከነኽብር ዚደልየሉ ምኽንያት ምርዳእና፡ ኣኽብሮት ከነርኢ ይሕግዘና እዩ። እምበኣር፡ ኣብ ሰለስተ መዳያት ህይወት ከመይ ጌርና ኣኽብሮት ከም እነርኢ እስከ ብዝርዝር ንመርምር።

ኣብ ስድራ ቤት ኪህሉ ዚግባእ ኣኽብሮት

12. ሰብኣይ ንስልጣን ከም ዜኽብር ከመይ ገይሩ የርኢ፧

12 የሆዋ ንስድራ ቤት ፈጢሩ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ከኣ ገግዲኡ ሂብዎ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት፡ የሆዋ ኻብኡ እንታይ ከም ዚጽበ ምስ ዚርድኦ፡ ስርዓት ስድራ ቤት ብግቡእ ይዓዪ እዩ፣ ብዘላ እታ ስድራ ቤት ድማ ትጥቀም እያ። (1 ቈረንቶስ 14:33) የሆዋ ንሰብኣይ ርእሲ ስድራ ቤት ገይርዎ እዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ የሆዋ ንሰብኣይ፡ ንሰበይቱን ንደቁን ኪሓልን ብፍቕሪ ኺመርሕን ይጽበዮ ማለት እዩ። ስለዚ፡ ሰብኣይ በቲ ንስድራ ቤቱ ዜርእዮ ሓልዮት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓታቲ ይኸውን እዩ። ክርስትያን ሰብኣይ ለዋህን ፈቃርን ኪኸውን ይግባእ፣ ንስድራ ቤቱ ኸኣ ከምቲ የሱስ ንጉባኤኡ ዝሓዘሉ መገዲ ገይሩ ኺሕዝ ይግባእ። ሰብኣይ ከምኡ ምስ ዚገብር፡ ንየሆዋ ኸም ዜኽብሮ የርኢ።—ኤፌሶን 5:23፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 13 ርአ።

ሓደ ኣቦ ንደቁ፡ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ የንብበሎም

ሓደ ክርስትያን ኣቦ ንስድራ ቤቱ ዚሓሊ እንተ ዀይኑ፡ ንክርስቶስ ይመስሎ

13. ሰበይቲ ንስልጣን ከም እተኽብር ከመይ ገይራ ተርኢ፧

13 ክርስትያን ሰበይቲ እውን ኣገዳስን ክቡርን ግደ ኣለዋ። ሰብኣያ ንፉዕ ርእሲ ስድራ ቤት ንምዃን ኣበርቲዑ ኺዓዪ ኸሎ፡ ትድግፎ እያ። ምስኡ ሓቢራ እውን ንውሉዳት ናይ ምስልጣን ሓላፍነት ኣለዋ። ሓደ ኻብቲ ንደቃ ኣኽብሮት ኬርእዩ እትምህረሉ መገዲ፡ ብኣብነታ ገይራ እያ። (ምሳሌ 1:8) ንሰብኣያ ተኽብሮ፡ ምስ ውሳነታቱ እውን ትተሓባበር እያ። ምስኡ ኣብ ዘይትሰማምዓሉ ግዜ እውን እንተ ዀነ፡ ስምዒታታ ብለውሃትን ብኣኽብሮትን እያ እትገልጽ። ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ንዘይኰነ ሰብኣይ እተመርዓወት እንተ ዀይና፡ ፍሉይ ጸገማት የጓንፋ እዩ። ንሰብኣያ ብፍቕርን ብኣኽብሮትን እንተ ሒዛቶ ግና፡ ምናልባት ሓደ መዓልቲ ንሱ እውን ንየሆዋ ኺፈልጦን ኬምልኾን ይደሊ ይኸውን።—1 ጴጥሮስ 3:1 ኣንብብ።

14. ውሉዳት ንስልጣን ከም ዜኽብሩ ኸመይ ገይሮም የርእዩ፧

14 ውሉዳት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽቡራት እዮም፣ ፍሉይ ኣኽብሮትን መሪሕነትን ድማ የድልዮም እዩ። ውሉዳት ንወለዶም ምስ ዚእዘዙ፡ ንወለዶም የሐጕስዎም እዮም። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ብተኣዛዝነቶም ንየሆዋ የኽብርዎን የሐጕስዎን እዮም። (ምሳሌ 10:1) ኣብ ሓያሎ ስድራ ቤታት፡ ውሉዳት ብሓደ ወላዲ ጥራይ እዮም ዚዓብዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ወላድን ነቶም ውሉዳትን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ግናኸ፡ ውሉዳት እዙዛት ምስ ዚዀኑን ንኣቦኦም ወይ ንኣዲኦም ምስ ዚድግፉን፡ ናብራ ስድራ ቤቶም ብዙሕ ይመሓየሽ እዩ። ሓንቲ ስድራ ቤት ዘላትሉ ዅነታት እዚ ይኹን እቲ፡ ፍጽምቲ ስድራ ቤት የላን። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ንመምርሒ የሆዋ ምስ ዚስዕብ ግና፡ እታ ስድራ ቤት ሓጐስ ኪዓስላ ይኽእል እዩ። እዚ ኸኣ ነቲ ንዅለን ዓሌት ስድራ ቤት ዝፈጠረ የሆዋ ኽብሪ የምጽኣሉ እዩ።—ኤፌሶን 3:14, 15።

ኣብ ጉባኤ ኺህሉ ዚግባእ ኣኽብሮት

15. ኣብ ጉባኤ ንስልጣን ከም እነኽብር ከመይ ጌርና ነርኢ፧

15 የሆዋ ብክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቢሉ መምርሒ ይህበና እዩ፣ ንየሱስ ከኣ ኣብ ልዕሊ እታ ጉባኤ ምሉእ ስልጣን ሂብዎ ኣሎ። (ቈሎሴ 1:18) የሱስ እውን ብግዲኡ ነቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡” ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ኪከናኸን ሓላፍነት ሂብዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:45-47) ሎሚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል እዩ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ።” ኣመሓዳሪ ኣካል እምነትና ንምድልዳል ዜድልየና ዘበለ ኣብ ግዜኡ ይህበና እዩ። ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ሓለውቲ ወረዳን ከኣ ነተን ኣብ መላእ ዓለም ዘለዋ ጉባኤታት ይድግፉ፡ ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እውን መምርሒ ይቕበሉ ኣለዉ። ኵሎም እዞም ኣሕዋት እዚኦም፡ ንዓና ናይ ምክንኻን ሓላፍነት ኣለዎም። በቲ ንሓላፍነቶም ዚፍጽሙሉ መገዲ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተሓተትቲ እዮም። እምበኣር፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ምስ እነኽብሮም፡ ንየሆዋ ኢና እነኽብሮ።—1 ተሰሎንቄ 5:12፣ እብራውያን 13:17 ኣንብብ፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 14 ርአ።

16. ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ብመንፈስ ቅዱስ ተሸይሞም ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

16 ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኣብ ጉባኤ ተኣማንነትን ሓድነትን ኪሰፍን ይዓይዩ እዮም። ልክዕ እዩ፡ ከማና ዘይፍጹማት ሰባት እዮም። እሞ ደኣ ብኸመይ እዮም ዚሕረዩ፧ እዞም ኣሕዋት እዚኦም፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብቕዓታት ኬማልኡ ኣለዎም። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7, 12፣ ቲቶስ 1:5-9) የሆዋ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ፡ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ብቕዓታት እዚ ኸም ዚገልጽዎ ገይሩ እዩ። ሽማግለታት መን ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ኸም ዚሽየም ኪመያየጡ ኸለዉ፡ መንፈስ ቅዱስ ኺውሃቦም ናብ የሆዋ ይጽልዩ እዮም። እምበኣር፡ ጉባኤታት ብንጹር ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስን የሆዋን እየን ዘለዋ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) እቶም ኪድግፉናን ኪከናኸኑናን እተሸሙ ሰባት፡ ካብ ኣምላኽ እተዋህቡና ውህበት እዮም።—ኤፌሶን 4:8።

17. ሓድሓደ ግዜ፡ ሓንቲ ሓብቲ ኣኽብሮት ንምርኣይ እንታይ ክትገብር የድልያ፧

17 ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ዕዮ ዚዓዪ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኣይህሉን ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት፡ ካልኦት ጥሙቓት ኣሕዋት ኪሕግዙ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዝበሉ ኣሕዋት እንተ ዘየልዮም ግና፡ ሓንቲ ሓብቲ ነቲ መብዛሕትኡ ግዜ ጥሙቕ ሓው ዚዓይዮ ዕዮ ኽትዓዪ የድልያ ይኸውን። ከምኡ ምስ ዚኸውን፡ ብመጐልበቢ ርእሳ ኽትጕልብብ ወይ ብቆብዕ ርእሳ ኽትሽፍን ኣለዋ። (1 ቈረንቶስ 11:3-10) በዚ ኸምዚ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ስድራ ቤት ኰነ ኣብ ጉባኤ ዝሰርዖ ስርዓት ርእስነት ዘለዋ ኣኽብሮት ተርኢ።—ተወሳኺ ሓበሬታ 15 ርአ።

ንዓለማዊ ስልጣን ኪህሉ ዚግባእ ኣኽብሮት

18, 19. (ሀ) ካብ ሮሜ 13:1-7 እንታይ ንምሃር፧ (ለ) ንመንግስትታት ዘሎና ኣኽብሮት ከመይ ጌርና ነርኢ፧

18 ሎሚ፡ የሆዋ ንመንግስትታት እተወሰነ ስልጣን ኪህልዎም ፈቒዱሎም ኣሎ፣ ንሕና ድማ ከነኽብሮም ኣሎና። ሰላምን ስርዓትን ምእንቲ ኺሰፍን፡ መንግስትታት ንሃገራትን ንማሕበረሰባትን የመሓድሩ እዮም፣ ንህዝቢ ኸኣ ኣድላዪ ኣገልግሎታት ይህቡ እዮም። ክርስትያናት ነቲ ኣብ ሮሜ 13:1-7 ዚርከብ ትእዛዝ ይሕልውዎ እዮም። (ኣንብብ።) ‘ነቶም ኣብ ልዕሌና ዘለዉ ሰበ ስልጣን’ ነኽብሮም ኢና፣ ንሕግታት እቲ እንነብረሉ ሃገር ወይ ማሕበረሰብ እውን ንሕሉ ኢና። እዚ ሕግታት እዚ ንስድራ ቤትና፡ ንስራሕና፡ ወይ ንጥሪትና ኺጸሉ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ግብሪ ንኸፍል፡ መንግስቲ ዚሓትተና ሓበሬታ እውን ንህብ ኢና። ኰይኑ ግና፡ መንግስቲ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዚጻረር ነገር ክንገብር እንተ ሓቲቱና፡ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ኢና ኽንእዘዝ ዚግባእ” ኢሉ መሊሱ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:28, 29።

19 ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ንኣብነት፡ ምስ ዳኛ ወይ ምስ ፖሊስ ኣብ ዘሎና ርክብ፡ ወትሩ ኣኽብሮት ኪህልወና ይግባእ። ቈልዑን መንእሰያትን ዝዀኑ ክርስትያናት ንመምህራኖምን ንኻልኦት ሰራሕተኛታት ኣብያተ ትምህርቶምን ኣኽብሮት የርእዩ እዮም። ኣብ ስራሕና እውን፡ ዋላ እኳ መሳርሕትና ንኣስራሒና ዘየኽብርዎ እንተ ዀኑ፡ ንሕና ግና ንኣስራሒና ነኽብሮ ኢና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ነቲ ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት እኳ ኸይተረፈ ንሰበ ስልጣን ኣኽብሮት ዝነበሮ ሃዋርያ ጳውሎስ ንመስሎ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 26:2, 25) ዋላ እኳ ካልኦት ጽቡቕ ገይሮም እንተ ዘይሓዙና፡ ንሕና ግና ኣኽብሮት ነርኢ ኢና።—ሮሜ 12:17, 18 ኣንብብ፣ 1 ጴጥሮስ 3:15።

20, 21. ንሰባት ኣኽብሮት ምስ እነርኢ፡ እንታይ ጽቡቕ ፍረ እዩ ዚርከብ፧

20 ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ሰባት ንኻልኦት ዝነበሮም ኣኽብሮት እናጠፍአ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ህዝቢ የሆዋ ግና እተፈልዩ እዮም። ንዅሉ ኸነኽብር ኢና እንደሊ። ነቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ” ኢሉ ዝሃቦ መምርሒ ንስዕቦ ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:17) ንሰባት ምስ እነኽብሮም፡ ንሳቶም ነዚ የስተብህሉሉ እዮም። የሱስ፡ “ነቲ ሰናይ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼሞግስዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” ኢሉና እዩ።—ማቴዎስ 5:16።

21 ኣብ ስድራ ቤትናን ኣብ ጉባኤናን ኣብ ካልእ መዳያት ህይወትናን ኣኽብሮት ምስ እነርኢ፡ እቲ ሰናይ ኣብነትና ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኺምሃሩ ድሌት የሕድረሎም እዩ። ንሰባት ኣኽብሮት ከነርኢ ኸለና ኸኣ፡ ንየሆዋ ኣኽብሮት ነርእዮ ኢና። እዚ ድማ ንየሆዋ የሐጕሶ፡ ከም እነፍቅሮ እውን የርእዮ እዩ።

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ

1 የሆዋ ብሰባት ተጠቒሙ ይመርሓና እዩ

“ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ፡ . . . ንኣምላኽ ፍርህዎ።”—1 ጴጥሮስ 2:17

መምርሒ ምስዓብ ከቢድ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

  • ዘሁልቍ 16:1-3፣ መክብብ 8:9፣ ሮሜ 5:12

    እቶም የሆዋ ኺመርሑና ዚጥቀመሎም ሰባት ከማና ዘይፍጹማት እዮም።

  • ሉቃስ 22:42

    የሱስ ብሉጽ ኣብነት ተኣዛዝነት እዩ። ንየሆዋ ወትሩ እዙዝ እዩ ነይሩ።

  • ምሳሌ 27:11፣ ማርቆስ 12:29, 30

    ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ንስርዓቱ ኸነኽብር ይድርኸና እዩ። ኣብ ስድራ ቤት፡ ርእሲ ስድራ ቤት ኣሎ። ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ መምሃራን ኣለዉ። ኣብ ጉባኤ ድማ፡ ሽማግለታት ኣለዉ።

2 ስርዓት ስድራ ቤት ካብ የሆዋ እዩ

“ንኣቦ ብብርከይ እምብርከኽ ኣለኹ፣ . . . ዅሉ ዓሌት፡ ካብኡ እዩ ዚስመ።”—ኤፌሶን 3:14, 15

የሆዋ ንስርዓት ስድራ ቤት ከነኽብር ዚደልየና ስለምንታይ እዩ፧

  • ምሳሌ 10:1

    የሆዋ፡ ቈልዑ ብጽቡቕ ኪዓብዩን ኵሎም ኣባላት ስድራ ቤት ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኢሉ እዩ ስድራ ቤት ኣቚሙ።

  • ምሳሌ 1:8፣ 1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 6:1-3፣ 1 ጴጥሮስ 3:1

    ነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት ገግዲኡ ምስ ዚገብር፡ እታ ስድራ ቤት ትጥቀም እያ።

3 የሆዋ ንየሱስ ኣብ ልዕሊ ጉባኤ ስልጣን ሂብዎ እዩ

“ክርስቶስ ርእሲ ጉባኤኡ [እዩ]።”—ኤፌሶን 5:23

ምስቲ ኣብ ጉባኤ ዘሎ ስርዓት ክንተሓባበር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ማቴዎስ 24:45-47

    የሱስ በቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ገይሩ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ህዝቢ ኣምላኽ ይከናኸኖም እዩ።

  • 1 ተሰሎንቄ 5:12፣ እብራውያን 13:17

    ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ነታ ጉባኤ የደልድልዋ እዮም። ምስዞም ኣሕዋት እዚኦም ምስ እንተሓባበር ድማ፡ ንስልጣን የሆዋ ኸም እነኽብር ነርኢ።

  • ግብሪ ሃዋርያት 20:28

    ኵላትና ንጉባኤና ምሉእ ብምሉእ ምስ እንድግፍ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ይጥቀም። እዚ የሆዋ ዝሰርዖ ስርዓት ኣምልኾ እዩ።

4 የሆዋ ንመንግስትታት እተወሰነ ስልጣን ኪህልዎም ፈቒድሎም እዩ

“ብዘይካ ብኣምላኽ ስልጣን የልቦን . . . እቶም ዘለዉ ሰበ ስልጣን ከኣ ብኣምላኽ ኣብ በቦታኦም እተሰርዑ እዮም።”—ሮሜ 13:1

ንመንግስትታት ዘሎና ኣኽብሮት ከመይ ጌርና ነርኢ፧

  • ማቴዎስ 5:16፣ 1 ጴጥሮስ 3:15

    ብዘረባናን ብተግባርናን ኣኽብሮት ከነርኢ ኣሎና። እዚ ንየሆዋ የኽብሮ እዩ።

  • ግብሪ ሃዋርያት 26:2, 25፣ ሮሜ 12:17, 18

    ክርስትያናት ንሕግታት እታ ዚነብሩላ ሃገር የኽብሩ እዮም። ካልኦት ጽቡቕ ገይሮም እንተ ዘይሓዝዎም እኳ፡ ኣኽብሮት የርእዩ እዮም።

  • ሮሜ 13:1-4

    ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ስልጣን ዘለዎም ከተኽብሮም ኪሕግዘካ እዩ።

  • ማቴዎስ 22:37-39፣ 26:52፣ ዮሃንስ 18:36፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:27-29፣ እብራውያን 10:24, 25

    መንግስቲ ምስ ሕግታት የሆዋ ዚጻረር ነገር ክትገብር እንተ ሓቲቱካ፡ ንመን ከም እትእዘዝ ክትውስን ኣሎካ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ