መዝሙር 151
ኪጽውዕ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ህይወት ሰባት ሓጻር’ያ ኸም ግመ፡
ህልም ትብል በኒና፣
ከም ዕምባባ ንቕምስል ቀልጢፍና፡
ንጠፍእ’ውን ጸምሊና።
ሰብ እንተ ሞይቱ፡ ይትንስእ ደዀን፧
ቃል ኣምላኽ ’ታይ ይብለና፧
(ኣዝማች)
ኪጽውዕ፡ ኪምልሱ’ዮም፣
ኪዀኑ’ዮም ህያዋን፣
ተግባር ኢዱ ይናፍቕ፡
ሓጥኣን ኰኑ ጻድቃን።
’ሞ እመን፡ ኣይትጠራጠር፡
ኣይጨንቆን’ዩ ኣምላኽና፡
ካብ ሞት ኬተንስኣና፡
ዘልኣለም ኬንብረና።
2. ’ተ ሞቱ’ኳ፡ ፈተውቲ የሆዋ፡
ኣይሓድጎምን’ዩ ኸቶ፣
ኪዝክሮም፡ ኬተንስኦም እዩ፡
ንዓብዪ ምስ ንእሽቶ።
ክንርኢ ኢና ናይ ሓቂ ህይወት፡
ኣብታ ዜቝማ ገነት።
(ኣዝማች)
ኪጽውዕ፡ ኪምልሱ’ዮም፣
ኪዀኑ’ዮም ህያዋን፣
ተግባር ኢዱ ይናፍቕ፡
ሓጥኣን ኰኑ ጻድቃን።
’ሞ እመን፡ ኣይትጠራጠር፡
ኣይጨንቆን’ዩ ኣምላኽና፡
ካብ ሞት ኬተንስኣና፡
ዘልኣለም ኬንብረና።