ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • sjj መዝሙር 151
  • ኪጽውዕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኪጽውዕ
  • ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተስፋ ህይወት ዘለኣለም
    ንየሆዋ ዘምሩሉ
  • ተስፋ ህይወት ዘለኣለም
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ንሓቂ ኣጥርያ
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
  • ገደብ ኣልቦ ህይወት!
    ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
ዝያዳ ርአ
ንየሆዋ ‘ብታሕጓስ ዘምሩሉ’
sjj መዝሙር 151

መዝሙር 151

ኪጽውዕ

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

(እዮብ 14:13-15)

  1. 1. ህይወት ሰባት ሓጻር’ያ ኸም ግመ፡

    ህልም ትብል በኒና፣

    ከም ዕምባባ ንቕምስል ቀልጢፍና፡

    ንጠፍእ’ውን ጸምሊና።

    ሰብ እንተ ሞይቱ፡ ይትንስእ ደዀን፧

    ቃል ኣምላኽ ’ታይ ይብለና፧

    (ኣዝማች)

    ኪጽውዕ፡ ኪምልሱ’ዮም፣

    ኪዀኑ’ዮም ህያዋን፣

    ተግባር ኢዱ ይናፍቕ፡

    ሓጥኣን ኰኑ ጻድቃን።

    ’ሞ እመን፡ ኣይትጠራጠር፡

    ኣይጨንቆን’ዩ ኣምላኽና፡

    ካብ ሞት ኬተንስኣና፡

    ዘልኣለም ኬንብረና።

  2. 2. ’ተ ሞቱ’ኳ፡ ፈተውቲ የሆዋ፡

    ኣይሓድጎምን’ዩ ኸቶ፣

    ኪዝክሮም፡ ኬተንስኦም እዩ፡

    ንዓብዪ ምስ ንእሽቶ።

    ክንርኢ ኢና ናይ ሓቂ ህይወት፡

    ኣብታ ዜቝማ ገነት።

    (ኣዝማች)

    ኪጽውዕ፡ ኪምልሱ’ዮም፣

    ኪዀኑ’ዮም ህያዋን፣

    ተግባር ኢዱ ይናፍቕ፡

    ሓጥኣን ኰኑ ጻድቃን።

    ’ሞ እመን፡ ኣይትጠራጠር፡

    ኣይጨንቆን’ዩ ኣምላኽና፡

    ካብ ሞት ኬተንስኣና፡

    ዘልኣለም ኬንብረና።

(ዮሃ. 6:40፣ 11:11, 43፣ ያእ. 4:14 እውን ርአ።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ