ምዕራፍ ዓሰርተው ሓደ
መከራ ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧
1, 2. ብዙሓት ሰባት ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥሞም ከሎ እንታይ ኢሎም እዮም ዚሓትቱ፧
ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይ ንሓንቲ ቝሸት ኣዕነዋ። ሓደ ብዓል ጠበንጃ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣትዩ ብዙሓት ሰባት ኣቝሰለን ቀተለን። ሓንቲ ኣደ ብሰንኪ መንሽሮ ሓሙሽተ ቘልዑ ሓዲጋ ሞተት።
2 ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንወት ወይ ዜሕዝን ነገራት ኬጋጥም ከሎ፡ ብዙሓት ሰባት፡ “ስለምንታይ፧” ይብሉ። ዓለም ብጽልእን ብመከራን ዝመልአት ስለምንታይ ምዃና ይሓትቱ እዮም። ንስኻኸ ብዛዕባ እዚ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧
3, 4. (ሀ) ኣንባቆም እንታይ ኢሉ እዩ ሓቲቱ፧ (ለ) የሆዋ እንታይ ምላሽ እዩ ሂብዎ፧
3 ኣብ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ዝነበረቶም ሰባት እውን ነዚ ሕቶታት እዚ ኸም ዝሓተቱ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። ንኣብነት፡ ነብዪ ኣንባቆም ንየሆዋ፡ “ስለምንታይ ኢኻ ኽፉእ ተግባር እተርእየኒ፧ ስለምንታይከ ኢኻ ጭቈና ስቕ ኢልካ እትርኢ፧ ስለምንታይ እዩ ጥፍኣትን ዓመጻን ኣብ ቅድመይ ዘሎ፧ ስለምንታይከ እዩ ባእስን ግጭትን በዚሑ ዘሎ፧” ኢሉ ሓቲትዎ ነበረ።—ኣንባቆም 1:3።
4 ኣብ ኣንባቆም 2:2, 3 ከኣ፡ ኣምላኽ ንኣንባቆም ምላሽ ከም ዝሃቦን ነቲ ዅነታት ኬዐርዮ ቓል ከም ዝኣተወን ነንብብ ኢና። የሆዋ ንሰባት ኣዝዩ የፍቅሮም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ” ይብል። (1 ጴጥሮስ 5:7) መከራ ኺወርደና ኸሎ፡ ኣምላኽ ካባና ንላዕሊ ይስምዖ እዩ። (ኢሳይያስ 55:8, 9) እሞ ደኣ መከራ ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ኽንመያየጥ ኢና።
መከራ በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧
5. ብዙሓት መምህራን ሃይማኖት ብዛዕባ መከራ እንታይ እዮም ዚብሉ፧ መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ እዩ ዚምህር፧
5 ኣቕሽሽትን ፓስተራትን ካልኦት መምህራን ሃይማኖትን፡ ሰባት ኪሳቐዩ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ይዛረቡ እዮም። ገሊኦም፡ ኵሉ እቲ ንሓደ ሰብ ዜጋጥሞ ጽቡቕን ሕማቕን ነገራት ኣምላኽ ኣቐዲሙ ኸም ዝወሰኖ፡ ከምኡ ዜጋጥመና ስለምንታይ ምዃኑ ድማ ክንርድኦ ኸም ዘይንኽእል ይገልጹ እዮም። ገሊኦም እሞ ኸኣ፡ ሰባት፡ እንተላይ ሕጻናት ዚሞቱ ኣብ ሰማይ ምስ ኣምላኽ ምእንቲ ኺነብሩ ኸም ዝዀነ ይዛረቡ እዮም። እዚ ግና ሓቂ ኣይኰነን። የሆዋ ሕማቕ ነገር ከም ዜጋጥመና ኣይገብርን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ!” ይብለና።—እዮብ 34:10።
6. ብዙሓት ሰባት በዚ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ መከራ ንኣምላኽ ተሓታቲ ዚገብርዎ ስለምንታይ እዮም፧
6 ብዙሓት ሰባት ንዓለም ዝገዝኣ ዘሎ ኣምላኽ ስለ ዚመስሎም፡ በቲ ኣብ ዓለም ዚወርድ ዘሎ መከራ ንኣምላኽ ተሓታቲ ይገብርዎ እዮም። ኣብ ምዕራፍ 3 ኸም እተመሃርናዮ ግና፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።
7, 8. ኣብ ዓለም መከራ ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧
7 መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘላ ዓለም . . . ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ” ይገልጽ እዩ። (1 ዮሃንስ 5:19) እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ ሰይጣን ክፉእን ጨካንን እዩ። ‘ንብዘላ ዓለም ድማ የስሕታ ኣሎ።’ (ራእይ 12:9) ብዙሓት ሰባት ከኣ ይስዕብዎ ኣለዉ። ዓለም ብሓሶትን ብጽልእን ብጭካነን መሊኣትሉ ዘላ ሓደ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ።
8 ኣብ ዓለም መከራ ዝበዝሓሉ ኻልእ ምኽንያታት እውን ኣሎ። ኣዳምን ሄዋንን ምስ ዓለዉ፡ ናብ ዘርኦም ሓጢኣት ኣመሓላሊፎም እዮም። ብሰንኪ ሓጢኣት ድማ ሰባት ኣብ ልዕሊ ሰባት መከራ የውርዱ እዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ ካልኦት በሊጾም ኪረኣዩ ይደልዩ እዮም። ይብኣሱን ይዋግኡን ይጭቍኑን ከኣ እዮም። (መክብብ 4:1፣ 8:9) ሓድሓደ እዋን ከኣ፡ ሰባት ብሰንኪ “ግዜን ኣጋጣምን” መከራ ይወርዶም እዩ። (መክብብ 9:11) ሕማቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ብምጽናሖም፡ ሓደጋን ካልእ ሕማቕ ነገራትን ኬጋጥሞም ይኽእል እዩ።
9. የሆዋ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደሉ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘለዎ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
9 የሆዋ ፈጺሙ መከራ ኣየምጽኣልናን እዩ። በቲ ንሰባት ዜጋጥሞም ዘሎ ውግእን ገበንን ግፍዕን ተሓታቲ ኣይኰነን። ከም ምንቅጥቃጥ ምድርን ህቦብላ ንፋስን ምዕልቕላቕ ማይን ዝኣመሰለ ባህርያዊ ሓደጋታት እውን ኣየምጽኣልናን እዩ። ይኹን እምበር፡ ‘የሆዋ ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ካብ ኵሉ ዝሓየለ ኣምላኽ እንተ ዀይኑ፡ ነዚ ዅሉ መከራ ደው ዘየበሎ ስለምንታይ እዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ኣምላኽ ብዙሕ ከም ዚሓልየልና ስለ ንፈልጥ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደሉ ብቑዕ ምኽንያት ኪህልዎ ኣለዎ።—1 ዮሃንስ 4:8።
ኣምላኽ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደሉ ምኽንያት
10. ሰይጣን ንየሆዋ ዝኸሰሶ ብኸመይ እዩ፧
10 ኣብ ገነት ኤደን፡ ድያብሎስ ንኣዳምን ንሄዋንን ኣስሓቶም። ሰይጣን ንኣምላኽ፡ ክፉእ ገዛኢ ኸም ዝዀነ ገይሩ ኸሰሶ። ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ዝሓብኣሎም ጽቡቕ ነገር ከም ዘሎ ኣምሲሉ እዩ ሰይጣን ተዛሪቡ። ንሱ ኻብ የሆዋ ዚሓይሽ ገዛኢ ኪኸውን ከም ዚኽእል፡ ንኣምላኽ ኪግዝኡ ድማ ከም ዘየድልዮም እዩ ኼእምኖም ደልዩ ነይሩ።—ዘፍጥረት 3:2-5፣ ተወሳኺ ሓበሬታ 27 ርአ።
11. ነየናይ ሕቶ ኢና መልሲ ኽንረኽበሉ ዘሎና፧
11 ኣዳምን ሄዋንን ትእዛዝ የሆዋ ጥሒሶም ዓለዉ። ቅኑዕን ጌጋን ኪውስኑ መሰል ከም ዘለዎም ኰይኑ ተሰምዖም። የሆዋ፡ እቶም ዓለወኛታት ከም እተጋገዩ፡ ንዓና ዚሓይሽ እንታይ ምዃኑ ዚፈልጥ ከኣ ንሱ ምዃኑ ኼረጋግጽ ዚኽእል ደኣ እሞ ብኸመይ እዩ፧
12, 13. (ሀ) የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ብኡብኡ ዘየጥፍኦም ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ኪኸውን፡ ደቂ ሰብ ከኣ ብርእሶም ኪመሓደሩ የሆዋ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
12 የሆዋ ንኣዳምን ንሄዋንን ብኡብኡ ኣየጥፍኦምን። የግዳስ፡ ውሉዳት ኪወልዱ ፈቐደሎም። ድሕሪኡ፡ ንደቂ ኣዳምን ሄዋንን ገዛኢኦም ኪኸውን ንመን ከም ዚሓርዩ ባዕላቶም ኪውስኑ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ዕላማ የሆዋ፡ ምድሪ ብፍጹማት ሰባት ክትመልእ እዩ ነይሩ። ድያብሎስ ዝገበረ ይግበር ከኣ፡ የሆዋ ነዚ ዕላማ እዚ ኺፍጽሞ እዩ።—ዘፍጥረት 1:28፣ ኢሳይያስ 55:10, 11።
13 ሰይጣን ንየሆዋ ዝኸሰሶ፡ ኣብ ቅድሚ ሚልዮናት መላእኽቲ እዩ። (እዮብ 38:7፣ ዳንኤል 7:10) ስለዚ፡ የሆዋ ንሰይጣን፡ ሓቅነት እቲ ዘቕረቦ ኽሲ ኼረጋግጽ ግዜ ሃቦ። ንደቂ ሰብ ከኣ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሰይጣን ብርእሶም ኪመሓደሩ ዚኽእሉ እንተ ዀይኖም፡ ሓገዝ ኣምላኽ ድማ ዘየድልዮም እንተ ዀይኑ ኼርእዩ ግዜ ሃቦም።
14. ድሕሪ ግዜ እንታይ እዩ ተረጋጊጹ፧
14 ሰባት ንኣሽሓት ዓመታት ዚኣክል ብርእሶም ኪመሓደሩ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ኣይሰለጦምን። ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ድማ ተረጋጊጹ እዩ። ሰባት ሓገዝ ኣምላኽ የድልዮም እዩ። ነብዪ ኤርምያስ፡ “ኦ የሆዋ፡ መገዲ ሰብ ናቱ ኸም ዘይኰነት ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን” ኢሉ ዝጸሓፈ እምበኣር ሓቁ እዩ።—ኤርምያስ 10:23።
የሆዋ ንነዊሕ ግዜ እተዓገሰ ስለምንታይ እዩ፧
15, 16. (ሀ) የሆዋ ንነዊሕ እዋን መከራ ኪቕጽል ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ሰይጣን ዝፈጠሮ ሽግር ዘየዐረዮ ስለምንታይ እዩ፧
15 የሆዋ ንነዊሕ ግዜ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ እዩ ሕማቕ ነገራት ከየጋጥም ኢሉ ስጕምቲ ዘይወሰደ፧ ኣገዛዝኣ ሰይጣን ከም ዘይተዓወተ ምእንቲ ኺረጋገጽ ግዜ ኣድልዩ እዩ። ደቂ ሰብ እተፈላለየ ዓይነት ኣገዛዝኣ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ኣይሰለጦምን። ብመዳይ ስነ ፍልጠትን ተክኖሎጅን ብዙሕ ምዕባለታት እኳ እንተ ገበሩ፡ ዘይፍትሓውነትን ድኽነትን ዓመጻን ውግእን ከም ሎሚ ገይሩ ገኒኑ ኣይፈልጥ እዩ። እወ፡ ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ ንርእስና ኸነመሓድር ኣይንኽእልን ኢና።
16 ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቲ ሰይጣን ዝፈጠሮ ሽግር ኣየዐረዮን። እንተ ዜዐርዮ ነይሩ፡ ኣምላኽ ንኣገዛዝኣ ሰይጣን ደጊፍዎ ኺብሃል ምተኻእለ። ከምኡ ኺገብር ድማ ፈጺሙ ኣይደልን እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ሽግር እንተ ዜዐርዮ ነይሩ፡ ደቂ ሰብ ብርእሶም ኪመሓደሩ ኸም ዚኽእሉ ዀይኑ ምተሰምዖም። እዚ እውን ሓሶት ስለ ዝዀነ፡ የሆዋ ነዚ ኺድግፎ ኣይደልን እዩ። ምኽንያቱ፡ ንሱ ፈጺሙ ኣይሕሱን እዩ።—እብራውያን 6:18።
17, 18. የሆዋ ነቲ ብሰንኪ ሰይጣን ዝወረደ ጕድኣት እንታይ ኪገብሮ እዩ፧
17 የሆዋ ነቲ ሰይጣንን ደቂ ሰብን ምስ ዓለዉ ዘስዓብዎ ጕድኣት ኬዐርዮ ይኽእል ድዩ፧ እወ ይኽእል እዩ። ንኣምላኽ ዚስኣኖ የልቦን። የሆዋ ዅሉ እቲ ሰይጣን ዘልዓሎ ሕቶታት ምሉእ ብምሉእ ምላሽ ዚረክብ መዓስ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ድሕሪኡ፡ ከምቲ ኣብ መጀመርታ ሓሲብዎ ዝነበረ፡ ንምድሪ ገነት ኪገብራ እዩ። ኵሎም እቶም ኣብ “መቓብር” ዘለዉ ድማ ኪትንስኡ እዮም። (ዮሃንስ 5:28, 29) ዚሓምም ወይ ዚመውት ሰብ ኣይኪህሉን እዩ። የሱስ ንዅሉ እቲ ብሰንኪ ሰይጣን ዝወረደ ጕድኣት ኬዐርዮ እዩ። የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ፡ ‘ግብሪ ድያብሎስ ኬፍርስ’ እዩ። (1 ዮሃንስ 3:8) ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ንዕኡ ምእንቲ ኽንፈልጦ፡ ገዛኢና ኪኸውን ከም እንደሊ ድማ ምእንቲ ኽንውስን ኢሉ ስለ እተዓገሰና ብዙሕ ነመስግኖ ኢና። (2 ጴጥሮስ 3:9, 10 ኣንብብ።) መከራ ኺወርደና ኸሎ እውን፡ ክንጻወር ይሕግዘና እዩ።—ዮሃንስ 4:23፣ 1 ቈረንቶስ 10:13 ኣንብብ።
18 የሆዋ ገዛኢና ኪኸውን ክንመርጾ ኣየገድደናን እዩ። ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና እዩ። እዚ ኽቡር ውህበት እዚ ንዓና እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ እስከ ንርአ።
ንናይ ምምራጽ ናጽነትካ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኢኻ፧
19. የሆዋ እንታይ ዜደንቕ ውህበት እዩ ሂቡና፧ ብዛዕባ እዚ ውህበት እዚ ኣመስገንቲ ኽንከውን ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧
19 ሰባት ካብ እንስሳታት ኣዝዩ ዚፈልየና ዜደንቕ ውህበት፡ ናይ ምምራጽ ናጽነትና እዩ። እንስሳታት ዚንቀሳቐሱ ብባህረት፡ ማለት ብተፈጥሮኣዊ ባህርይ እዮም፣ ንሕና ግና እንታይ ዓይነት ህይወት ከም እንነብር ክንመርጽ፡ ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ንደሊ እንተ ዄንና ድማ ክንውስን ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 30:24) ነቲ እተሰርሓሉ ዕላማ ጥራይ ከም ዚፍጽም ማሽን እውን ኣይኰንናን። እንታይ ዓይነት ሰብ ከም እንኸውን፡ እንታይ ዓይነት ዕርክነት ከም እንደሊ፡ ኣብ ህይወትና ኸኣ እንታይ ክንገብር ከም እንደሊ ኽንውስን ዜኽእለና ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣሎና። የሆዋ ዜሐጕስ ህይወት ኪህልወና እዩ ዚደልየና።
20, 21. ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ዝበለጸ ምርጫ እንታይ እዩ፧
20 የሆዋ ኸነፍቅሮ ይደልየና እዩ። (ማቴዎስ 22:37, 38) ከምቲ ሓደ ውሉድ ንኣቦኡ፡ ማንም ከየገደዶ ኻብ ልቡ “አፍቅረካ እየ” ኺብሎ ኸሎ እቲ ኣቦ ደስ ዚብሎ፡ የሆዋ እውን ባዕልና ኻብ ልብና ኸነፍቅሮ ኸለና ደስ ይብሎ እዩ። የሆዋ ንዕኡ ኸነገልግሎ እንተ ዄንና ኽንሓሪ ናጽነት ሂቡና ኣሎ። ሰይጣን ኰነ ኣዳምን ሄዋንን ንየሆዋ ኸይእዘዝዎ መሪጾም እዮም። ንስኻኸ ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነትካ ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኢኻ፧
21 ንየሆዋ ኸተገልግሎ ሕረ። ሚልዮናት ሰባት ንኣምላኽ ኬሐጕስዎን ንሰይጣን ኪጻረርዎን ሓርዮም እዮም። (ምሳሌ 27:11) ኣምላኽ ንዅሉ መከራ ኣወጊዱ ኣብ ዜዳልዋ ሓዳስ ዓለም ምእንቲ ኽትኣቱ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ ክትምለስ እያ።