ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w94 1/12 ገጽ 8-12
  • ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ናብራና ዘለዎ ቅኑዕ ቦታ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ናብራና ዘለዎ ቅኑዕ ቦታ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ እስራኤላውያን ኣምልኾ የሆዋ
  • ናይ ቀዳማይ ዘበን ቅንኢ ንሓቀኛ ኣምልኾ
  • ሎሚ ኣምልኾ የሆዋ ክብ ኢሉ ኣሎ
  • ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንሓጐስካ የዕዝዞ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ኣምላኽ ናይ መን ኣምልኾ ኢዩ ዝቕበል፧
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ነታ ቕንዕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ነቲ ኣብ መንፈሳዊት ቤተ መቕደስ የሆዋ ናይ ምምላኽ ፍሉይ መሰልካ ኣኽቢርካ ርኣዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
w94 1/12 ገጽ 8-12

ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ናብራና ዘለዎ ቅኑዕ ቦታ

“ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካ: ስምካውን ንዘለኣለም ኣለም ክውድስ እየ። ”​— መዝሙር 145:⁠2

1. ብኣምልኾ ዝመጸ የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝደሊ?

“ኣነ የሆዋ ኣምላኽካ ምሉእ ተወፋይነት ኢየ ዝደሊ።” (ዘጸኣት 20:​5 ትሓዓ) ሙሴ ነዚ መግለጺ እዚ ካብ የሆዋ ሰሚዑ ኢዩ ጸኒሑ ንህዝቢ እስራኤል ክዛረቦም ከሎ ዝደገሞ። (ዘዳግም 5:⁠9 ) የሆዋ ኣምላኽ ኣገልገልቱ ምሉእ ብምሉእ ከምልኽዎ ከም ዝደሊ ኣብ ኣእምሮ ሙሴ ምጥርጣር ኣይነበረን።

2, 3. (ሀ) እንታይ ኣብ ጥቓ ከረን ሲናይ ዝተፈጸመ ፍሉይ ነገር ኢዩ ንእስራኤላውያን ዝመሰጦም? (ለ) ብዛ​ዕባ ኣምልኾ ናይ እስራኤላውያንን ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽን እንታይ ሕቶታት ኢና ክንምርምር?

2 እስራኤላውያን ከምኡውን እቶም ካብ ግብጺ ምስኦም ዝወጹ “ሕውስዋስ ህዝቢ” ኣብ ጥቓ እቲ ከረን ሲናይ ሰፊሮም ከለዉ ሓደ ዘይዝውቱር ነገር ርእዮም ኢዮም። (ዘጸኣት 12:​38) ምስቲ ኣምልኾ ናይቶም በቲ ዓሰርተ መዓታት ዝተዋረዱ ኣማልኽቲ ናይ ግብጺ ተመሳሳልነት የብሉን። የሆዋ ንሙሴ ህላዌኡ ክገልጸሉ ከሎ: ንምሉእ እቲ ሰፈር ዘንደቕድቕ ነጐዳ: በርቂ: ዓው ዝበለ ድምጺ መለኸትን ዝተፈጸመሉ ዘርዕድ ትርኢት ነበረ። እቲ ከረን ከንቀጥቅጥ ከሎ ቀጺሉ ሓውን ትክን ወጾ። (ዘጸኣት 19:​16–20፣ እብራውያን 12:​18–21) ዝኾነ እስራኤላዊ እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ፍሉይ ነገር ምዃኑ ንኽርዳእ ተወሳኺ መረጋገጺ ምስ ዘድልዮ: ቐጺሉ ክመጽእ ዘለዎ ነገር ኢዩ ነይሩ። ብዙሕ ከይጸንሐ: ሙሴ እቲ ካልኣይ ቅዳሕ ናይ ሕጊ ኣምላኽ ምስ ተቐበለ ካብቲ ከረን ወረደ። ብመሰረት እቲ መለኮታዊ ጸብጻብ “ቈርበት ገጹ [ናይ ሙሴ] የንጸባርቕ ነበረ እሞ: [እቶም ህዝቢ] ናብኡ ንምቕራብ ፈርሁ።” ብሓቂ: ሓደ ዘይርሳዕ ልዕለ–ሰብኣዊ ተመኵሮ!​—⁠ዘጸኣት 34:⁠30

3 ነቲ ፍሉይ ዝነበረ ህዝቢ ኣምላኽ: ብዛዕባቲ ኣምልኾ የሆዋ ሒዝዎ ዝነበረ ቦታ: ዘተሓታትት ኣይነበረን። ንሱ መድሓኒኦም ኢዩ ነይሩ። አረ ህይወቶም ናቱ ኢያ ነይራ። ከምኡውን ወሃቢ ሕጎም ኢዩ ነይሩ። ግን ንኣምልኾ የሆዋ ቀዳማይ ቦታ ሃብዎዶ? እዞም ሎሚ ዘለዉ ዘመናውያን ኣገልገልቲ ኣምላኽከ? ናይ የሆዋ ኣምልኾ ኣብ ናብራኦም እንታይ ቦታ ኢዩ ዝሕዝ?​—⁠ሮሜ 15:⁠4

ናይ እስራኤላውያን ኣምልኾ የሆዋ

4. ኣብቲ ኣብ በረኻ ዝነበሩሉ ግዜ: ኣቀማምጣ ሰፈር እስራኤል ከመይ ነበረ: ኣብ ማእከል እቲ ሰፈርከ እንታይ ነበረ?

4 ነቲ እስራኤላውያን ሰፊሮምሉ ዝነበሩ በረኻ: ብላዕሊ ኾይንካ እንተትርእዮስ: እንታይ ምረአኻ ኔርካ? ሓደ ሰፊሕ: በብሰለስተ ነገዳት እተኸፋፈለ ኮይኑ ንሰሜን: ንደቡብ: ንምብራቕን ንምዕራብን እተጠርነፈ: ንሰለስተ ሚልዮን ወይ ዝያዳ ሰባት ከንብር ዝኽእል: ብግቡእ እተሰርዔ ድንኳናት። ቅርብ ኢልካ ጥቓ እቲ ማእከል ናይቲ ሰፈር ከኣ: ካልእ ጉጅለ ትርኢ። እዘን ኣርባዕተ ናእሽቱ እኩባት ድንኳናት: ናይ ነገድ ሌዊ ስድራታት መንበሪ ኢየን። ኣብቲ ማእከል ናይቲ ሰፈር ከኣ: ኣብ ሓደ ብዓለባ እተጋረደ ከባቢ: ሓደ ፍሉይ ቅርጺ ነበረ። እዚ: “ጥበበኛ ልቢ ዘለዎም” እስራኤላውያን: ብመሰረት ናይ የሆዋ ንድፊ ዝሃነጽዎ “ድንኳን ምርኻብ” ወይ ማሕደር ኢዩ።​—⁠ዘሁልቍ 1:​52, 53፣ 2:⁠3, 10, 17, 18, 25፣ ዘጸኣት 35:⁠10

5. ኣብ እስራኤል ማሕደር ንምንታይ ዕላማ የገልግል ነበረ?

5 ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ናይ በረኻ: እስራኤላውያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝሰፈርሉ 40 ኣቢሉ ዝኸውን ቦታታት: ነቲ ማሕደር ይተኽልዎ እሞ: ንምስፋሮምን ምንቃሎምን ድማ መምርሒ ይኾኖም ነበረ። (ዘሁልቍ: ምዕራፍ 33) መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ምስ ህዝቡ ኣብ ማእከል ሰፈሮም ከም ዝነብር ገይሩ ክዛረበሉስ ልክዕ ኢዩ። ክብሩ ነቲ ማሕደር ይመልኦ ነበረ። (ዘጸኣት 29:​43–46፣ 40:​34፣ ዘሁልቍ 5:​3፣ 11:​20፣ 16:⁠3) ኣዋር ሊቪንግ ባይብል እተባህለ መጽሓፍ “እዚ ተጸዋሪ ቅዱስ ቦታ: ነቶም ነገዳት: ማእከል ናይ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ ይፈጥረሎም ስለ ዝነበረ: ልዑል ኣገዳስነት ዝነበሮ ኢዩ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ምድረ–በዳ ነዊሕ ዓመታት ናይ ኮለል ኣሕቢርዎምን እተወሃሃደ ምንቅስቓስ ንኽህሉ ድማ ኣኽኢሉን ኢዩ” ዝብል ሓሳብ ይህብ። ካብኡ ዝዓቢ ግን እቲ ማሕደር: እስራኤላውያን ንፈጣሪኦም ከምልኹ: ኣብ ናብራኦም እቲ ቀንዲ ምዃኑ ከም ቀዋሚ መዘኻኸሪ ኮይኑ ኣገልጊሉ ኢዩ።

6, 7. ንማሕደር ተኪኡ ዝመጸ ናይ ኣምልኾ ህንጻ እንታይ ነበረ: እዚኸ ንህዝቢ እስራኤል ከመይ ኢሉ የገልግል ነበረ?

6 እስራኤላውያን ኣብታ ምድሪ ተስፋ ምስ በጽሑውን: እቲ ማሕደር: ቀንዲ ማእከል ናይ ኣምልኾኦም ብምዃን ቀጺሉ ኢዩ። (ኢያሱ 18:⁠1፣ 1 ሳሙኤል 1:⁠3) ድሕሪ ገለ ግዜ ንጉስ ዳዊት ቀዋሚ ህንጻ ክሃንጽ ኣመመ። እዚ እቲ ጸኒሑ ብሰለሞን ወዱ ዝተሃንጽ ቤተ–መቕደስ ነበረ። (2 ሳሙኤል 7:​1–10) ኣብቲ ጽንብል የሆዋ ነቲ ህንጻ ከም እተቐበሎ ከርኢ ደበና ናብታ ቤት ወረደ። ሰለሞን “ንስኻ እትቕመጦ ቤት: ንዘለኣለም እትነብረሉ ስፍራ ብርግጽ ሰሪሔልካ ኣሎኹ” ኢሉ ጸለየ። (1 ነገስት 8:​12, 13፣ 2 ዜና መዋእል 6:⁠2) እቲ ሓድሽ እተሃንጸ ቤተ–መቕደስ ሕጂ: ናይቲ ህዝቢ ሕምብርቲ ናይ ተወፋይነት ኮነ።

7 ኵሎም እስራኤላውያን ተባዕትዮ: በረኸት ኣምላኽ ከም ዘሎ ተገንዚቦም: ናብቲ ኣብቲ ቤተ–መቕደስ ዝግበር ዘሐጕስ በዓላት ክካፈሉ: ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። እዚ ምትእኽኻባት ኣተኵሮኡ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ኣምልኾ ስለ ዝነበረ ‘ምዱብ በዓላት የሆዋ’ ክበሃል ብቑዕ ኢዩ። (ዘለዋውያን 23:​2, 4) ናይ እምነት ኣንስቲ’ውን ምስቶም ካልኦት ኣባላት ስድራ ኮይነን ይካፈላ ነይረን ኢየን።​—⁠1 ሳሙኤል 1:​3-7፣ ሉቃስ 2:​41-44

8. ከመይ ኢሉ ኢዩ መዝሙር 84:​1-12 ንኣገዳስነት ናይ የሆዋ ኣምልኾ ዝምስክር?

8 እቶም ብመንፈስ እተደረኹ ዘመርቲ ብኽእለት ዝመልኦ ኣገባብ: ኣምልኾ ኣብ ናብርኦም ዘለዎ ግደ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣፍልጦ ሂቦምሉ ኢዮም። ደቂ ቆራሕ “ዎ ጐይታ ሰራዊት: ማሕደራትካ ኽንደይ ባህ ዜብላ እየን[!]” ኢሎም ዘመሩ። ብርግጽ ንሳቶም ሞራል ክብ ንምባል ጥራይ ኣይኮኑን ዝውድሱ ዝነበሩ። ኣብ ክንድኡ ንምስጋና የሆዋ ኣምላኽ ድምጾም ዓው ኣቢሎም “[ልበይን ትሓዓ] ስጋይን ንህያው ኣምላኽ እልል ይብላሉ” ኢዮም ዝበሉ። እቲ ናይ ሌዋውያን ኣገልግሎት: ንርእሶም ነቶም ሌዋውያን ዓቢ ሓጐስ ኣምጽኣሎም። “ኣብ ቤትካ ዝነብሩ ብጹኣን እዮም: ኵሉ ጊዜ ይውድሱኻ” ብምባል ድማ ገሊጾሞ ኢዮም። ብሓቂ ኵሎም እስራኤላውያን “ሓይሎም ብኣኻ ዝ[ኾ]ነ ብልቦም ንመገድኻ ዚሓስቡ ሰባት [ሕጕሳት ትሓዓ] እዮም። . . . ካብ ሓይሊ ናብ ሓይሊ ይኸዱ: ኣብ ጽዮን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይ[ቖ]ሙ” ኢሎም ክዝምሩ: ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ሽሕኳ ሓደ እስራኤላዊ ናብ የሩሳሌም ክኸይድ ከሎ: እቲ ጉዕዞ ነዊሕን ኣድካምን እንተኾነ: ኣብታ ርእሲ ከተማ ምስ በጽሐ ሓይሉ ይሕደስ ነበረ። ነቲ ንየሆዋ ከምልኽ ዝረኽቦ መሰል ከሞግስ ከሎ ኸኣ: ልቡ ብሓጐስ ኢዩ ዝመልእ። “ካብ ሽሕሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ ኣጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ: ኣብ ድንኳን ረሲኣን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓላው ደገ ምዃን ይሔሸኒ። . . . ዎ ጐይታ ሰራዊት ኣባኻ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ” ዝብሉ መግለጺታት እስራኤላውያን: ንኣምልኾ ናይ የሆዋ ቀዳምነት ይህቡ ከም ዝነበሩ ዘርእዩ ኢዮም።​—⁠መዝሙር 84:​1–12

9. ህዝቢ እስራኤል ንኣምልኾ የሆዋ ምቅዳም ምስ ሰነፉ እንታይ ኣጋጠሞም?

9 ዘሕዝን ግን እስራኤላውያን ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምቕዳም ሰነፉ። ንሳቶም እቲ ንሓሶት ኣማልኽቲ ዝግበር ተወፋይነት: ነቲ ንየሆዋ ዝነበሮም ቅንኢ ከድክሞ ኣፍቀድሉ። ከም ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ: የሆዋ ንምርኮ ናብ ባቢሎን ኪውሰዱ ናብ ጸላእቶም ኣሕሊፉ ሃቦም። ድሕሪ 70 ዓመት ናብ ዓዶም ምስ ተመለሱ ኸኣ: የሆዋ በቶም እሙናት ነብያቱ ሃጌ: ዘካርያስ: ከምኡውን ሚልክያስ ገይሩ ዘበራብር መዘኻኸሪታት ሃቦም። ካህን እዝራን ምስሌነ ነህምያን ከኣ ንህዝቢ ኣምላኽ ነታ ቤተ–መቕደስ ክሃንጹን ሓቀኛ ኣምልኾ ክመልሱን ኣለዓዓልዎም: እንተኾነ ግን ድሕሪ ዘመናት ከኣ ሓቀኛ ኣምልኾ እንደገና ኣብታ ሃገር ቀዳምነት ዘይወሃቦ ኮነ።

ናይ ቀዳማይ ዘበን ቅንኢ ንሓቀኛ ኣምልኾ

10, 11. የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ: ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ናብራ ናይቶም እሙናት እንታይ ቦታ ነበሮ?

10 ኣብቲ ናይ የሆዋ ምዱብ ግዜ: እቲ መሲህ ተራእየ። የሆዋ ከድሕኖም ዝጽበዩ እሙናት ውልቀ ሰባት ነይሮም ኢዮም። (ሉቃስ 2:​25፣ 3:​15) ናይ ሉቃስ ጸብጻብ ወንጌል ኣነጺሩ: ነታ 84 ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ሃና “ካብ ቤት መቕደስ ከይወጸት: ብጾምን ብጸሎትን ለይትን መዓልትን ንኣምላኽ ተገልግል ነበረት” ኢሉ ይገልጻ።​—⁠ሉቃስ 2:⁠37

11 የሱስ “ብልዐይሲ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ክገብር ዕዮኡውን ክፍጽም ኢዩ” በለ። (ዮሃንስ 4:​34) የሱስ ነቶም ኣብቲ ቤተ–መቕደስ ዝነበሩ ሸረፍቲ ከመይ ገይሩ ከም ዝተጋጠሞም ዘክር። ንሱ ነቲ ሰደቓታቶምን: መንበር ሸየጥቲ ርግብን ደንከለ። ማርቆስ “ሓደ እኳ ኣቕሓ ጸይሩ በታ ቤት መቕደስ ኪሓልፍ [የሱስ] ኣይፈቐደን እሞ፤ ቤተይ ንኹሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት ትበሃል ጽሑፍ ደይኮነን[?] ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ገበርኩምዋ ኢሉውን መሀሮም።” (ማርቆስ 11:​15–17) እወ: የሱስ ዝኾነ ሰብ ኣቕሓ ተሰኪሙ በቲ ኣጸድ ናይቲ ቤተ–መቕደስ ገይሩ ከቋርጽ እውን ኣየፍቀደን። ስጕምቲ ናይ የሱስ ነቲ ኣቐዲሙ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ኢሉ ዝሃቦ ምኽሪ ኣትሪርዎ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:​33) የሱስ: ንየሆዋ ምሉእ ኣምልኾኡ ብምሃብ: ዘደንቕ ኣብነት ገዲፉልና ኣሎ። ነቲ ዝሰበኾ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:⁠21

12. ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኣምልኾ የሆዋ ከም ዘቐደሙ ዘርኣዩ ከመይ ገይሮም ኢዮም?

12 የሱስ በቲ ነቶም እተገፍዑ ግናኸ እሙናት ዝኾኑ ኣይሁድ ካብቲ ዝነበሮም ጾር ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ግብርታት ሓራ ናይ ምውጻእ ተልእኾኡ ክፍጽም እተጠቕመሉ መገዲ: ንደቀ መዛሙርቱ ክስዕብዎ ዘለዎም ኣብነት ሰሪዑሎም ኢዩ። (ሉቃስ 4:​18) እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ምስቲ ደቀ መዛሙርተይ ጌርኩም ኣጥምቕዎም: ዝብል ትእዛዝ የሱስ ብምስምማዕ: ነቲ ምስቲ ዝተንስአ ጐይትኦም ዝተተሓሓዘ ፍቓድ የሆዋ ብትብዓት ሰቢኾሞ ኢዮም። የሆዋ በቲ ንኣምልኾኡ ዝሃብዎ ቀዳምነት ተሓጒሱ ኢዩ። በዚ ኸኣ ኢዩ መልኣኽ ኣምላኽ: ንሃዋርያ ጴጥሮስን ዮሃንስን ብተኣምራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውጺኡ “ኪዱ: ኣብ ቤተ መቕደስ ደው ኢልኩም: እዚ ኹሉ ቃል ህይወት ንህዝቢ ንገሩ” ዝበሎም። በዚ ተተባቢዖም: ተኣዚዞም ኢዮም። መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ–መቕደስ የሩሳሌምን ካብ ቤት ናብ ቤትን “ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:​8፣ 4:​29, 30፣ 5:​20, 42፣ ማቴዎስ 28:​19, 20

13, 14. (ሀ) ካብቲ ናይ መጀመርያ ናይ ክርስትያን ግዜያት ኣትሒዙ ሰይጣን ንኣገልግልቲ ኣምላኽ እንታይ ክገብሮም ኢዩ ዝፍትን ዘሎ? (ለ) እሙናት ኣገልገልቲ አምላኽከ እንታይ ምግባር ኢዮም ዝቐጸሉ?

13 ንስብከቶም ተጻራርነት ምስ በዝሐ: ኣምላኽ ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ እዋናዊ ምኽሪ ንኽጽሕፉ ኣዚዝዎም ኢዩ። ድሕሪ 60 ከ.ኣ.ዘ. ቍሩብ ጸኒሑ ጴጥሮስ “ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ: ንኹሉ ሓልዮትኩም ኣብ [የሆዋ] ኣውድቕዎ። ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም: ዝውሕጦ ደልዩ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ [ኾ]ይኑ ይዘውር አሎ እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም: ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ” ኢሉ ጸሓፈ። እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት: በዘን ቃላት እዚአን መረጋገጺ ረኺቦም ኢዮም። ንሳቶም ቍሩብ ግዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገቡ: ኣምላኽ ነቲ ምልምማዶም ከም ዝውድኦ ፈሊጦም ነበሩ። (1 ጴጥሮስ 5:​7–10) ኣብተን ዳሕሮት መዓልታት ናይ ኣይሁድ ኣገባብ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነቲ ፍቕራዊ ኣምልኾ ናይ የሆዋ: ኣብ ሓድሽ ዝለዓለ ደረጃ ክብ ኣቢሎሞ ነበሩ።​—⁠ቈሎሴ 1:⁠23

14 ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝተነበዮ: ክሕደት: ካብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ምልጋስ: ኣጋጠመ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:​29, 30፣ 2 ተሰሎንቄ 2:⁠3) እቲ ኣብ መወዳእታ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበረ መግለጺታት ናይዚ መረጋገጺ ኣኪቡ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 2:​18, 19) ሰይጣን: ነቶም ከም ስርናይ ዝምሰሉ ክርስትያናት ካብቶም “ክርዳድ” ምፍላዮም ክሳዕ ዘሸግር: ኣምሰሉ ክርስትያናት ኣብ መንጎ እቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት: ብዓወት ዘሪኡ ኢዩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ዝሓለፈ ዘመናት ገለ ውልቀ–ሰባት ንህወቶምውን ሓደገኛ ክንሱ: ኣምልኾ ናይ ኣምላኽ ኣቐዲሞም ኢዮም። ኣምላኽ ግን ክሳዕ መወዳእታ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ ‘እቲ ምዱብ ዘመናት ኣህዛብ’ ሓቀኛ ኣምልኾ ክብ ከብል ኢሉ: ንኣገልገልቱ ኣይኣኻኸቦምን።​—⁠ማቴዎስ 13:​24-30፣ 36-43፣ ሉቃስ 21:⁠24

ሎሚ ኣምልኾ የሆዋ ክብ ኢሉ ኣሎ

15. ከመይ ኢሉ ኢዩ እቲ ኣብ ኢሳይያስ 2:​2–4ን ሚክያስ 4:​1–4ን ዘሎ ትንቢታት ካብ 1919 ኣትሒዙ ዝተፈጸመ?

15 ብ1919 የሆዋ ነቶም ቅቡኣት ተረፍ: ነቲ ንኣምልኾ ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ክብ ዘበለ ዓለምለኻዊ ተባዕ ናይ ስብከት ወፈራ: ክጅምርዎ ሓላፍነት ሃቦም። ምስ ምምጻእ ናይተን ምሳልያውያን “ካልኦት ኣባጊዕ” ካብ 1935 ንነጀው: ዋሕዚ ናይቶም ብመንፈሳዊ ናብ “ከረን ቤት የሆዋ” ዚድይቡ ዘለዉ ሰባት እናዓበየ ኢዩ ኸይዱ። ኣብቲ ናይ 1993 ናይ ኣገልግሎት ዓመት 4,709,889 ዝኾኑ መሰኻኽር የሆዋ: ንኻልኦት ናብቲ ክብ ዝበለ ኣምልኾ እናዓደሙ ኣኽቢሮሞ ኢዮም። እዝስ ምስቲ ናይተን ብመንፈሳዊ ኣብ ዝተሓተ ኵነታት ዘለዋ ኣንቆራውያን “ኵርባታት” ናይ ዓለም ሃጸይ ሓሶት ሃይማኖት ብፍላይ ህዝበ–ክርስትያን ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኮን ኢዩ ዘለዎ!​—⁠ዮሃንስ 10:⁠16፣ ኢሳይያስ 2:​2-4 [ትሓዓ ]፣ ሚክያስ 4:​1-4

16. ብመሰረት እቲ ኣብ ኢሳይያስ 2:​10–22 ዘሎ ትንቢት ኩሎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ክገብሩ ኢዩ ዘድልዮም?

16 ደገፍቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ንኣብያተ–መቓድሶም: ካተድራላቶም: ንኣቕሽሽቶም እውን ከይተረፈ “ልዕል” ዝበሉ ገይሮም ብምርኣይ ኣዝዩ ሰፊሕ መዓርጋትን: ሽመትን ይህብዎም። እንተኾነ ግን ነቲ ኢሳይያስ እተነበዮ እስከ ንገንዘብ:- “እተን ዕቡያት ኣዒንቲ ሰብ ለጠቕ ኪብላ እየን። ትዕቢት ሰባት ከኣ ክዋረድ እዩ: በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚአብሄር በይኑ ልዕል ኪብል እዩ።” እዚ መዓስ ኢዩ ዝኸውን? ኣብቲ እናቐረበ ዚመጽእ ዘሎ: ‘ጥቕሚ ዘይብሎም ኣማልኽቲ ብጥራስ ዝጠፍእሉ’ ዓቢ ጸበባ። ኵሎም ኣገልገልቲ ኣምላኸ ንምቕራብ ናይቲ ዘፍርሕ ግዜ ብምዕዛብ: ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ናብርኦም እንታይ ቦታ ከም ዘለዎ ኣርዚኖም ክምርምሩ የድልዮም ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 2:​10–22

17. ሎሚ ኣገልገልቲ የሆዋ ንኣምልኾ ናይ የሆዋ ቀዳምነት ከም ዝህቡ ብኸመይ ኢዮም ዘርእዩ ዘለዉ?

17 ከም ሓደ ዓለምለኻዊ ሕውነት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ነታ መንግስቲ ንምስባኽ ዘለዎም ቅንኢ ኣጸቢቖም ፍሉጣት ኢዮም። ኣምልኾኦም: ኣብ ሰሙን ዳርጋ ንሓደ ሰዓት ኣቢሉ ዝውሰን: ኣፍኣዊ ሃይማኖት ጥራይ ኣይኮነን። ንሱስ ብም⁠ሉኡ መገዲ ህይወቶም ኢዩ። (መዝሙር 145:⁠2) ብርግጽ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 620,000 ዝኾኑ መሰኻኽር: ኣብቲ ናይ ክርስትያን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንኽካፈሉ ንጉዳያቶም ኣመዓራርዮም ኢዮም። እቶም ካልኦትውን ንኣምልኾ የሆዋ ሸለል ኣይበሉዎን። ዋላ’ኳ ነቲ ናይ ስድራቤት ሓላፍነት ክፍጽሙ ኣብ ዓለማዊ ስርሓት ኣበርቲዖም ዝዓዩ እንተኾኑ: እቲ ኣምልኾኦም ኣብቲ መዓልታዊ ዝርርቦምን ህዝባዊ ስብከቶምን ጐሊሑ ይርአ ኢዩ።

18, 19. ገለ ካብቲ ናይ መሰኻኽር ታሪኽ ህይወት ከተንብብ ከሎኻ ዝረኸብካዮ ናይ ምትብባዕ ኣብነታት ጥቐስ።

18 እቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝሕተም ናይ መሰኻኽር ታሪኽ–ህይወት: ዝተፈላለዩ ኣሕዋትን ኣሓትን: ነቲ ናይ የሆዋ ኣምልኾ ኣብ ናብራኦም ቀዳማይ ቦታ ንምሃብ እተጠቕምሉ መገድታት ከም እተስተብህል ይገብር። ሓንቲ ኣብ ሽዱሽተ ዓመት ዕድሚኣ ህይወታ ንየሆዋ ዝወፈየት መንእሰይ ሓፍቲ ነቲ ሚስዮናዊ ኣገልግሎት ሸቶኣ ገበረቶ። ንስኻትኩም መንእሰያት ኣሓዋትን ኣሓትንከ ነቲ ናይ የሆዋ ኣምልኾ ኣብ ናብራኹም ቀዳምነት ንኽትህቡ ዝሕግዘኩም እንታይ ሸቶ ክትምርጹ ትኽእሉ?​—⁠ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 መጋቢት 1992 [እንግሊዝኛ] ገጽ 26–30 “ኣብ ሽዱሽተ ዓመት ዕድመ ዝተገብረ ሸቶ ምስዓብ” ኣብ ዝብል ዓንቀጽ ርአ።

19 ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት መበለት ሓብቲ ኸኣ ብዛዕባ ንኣምልኾ ናይ የሆዋ ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ምቕማጥ: ካልእ ሰናይ ኣብነት ትህብ። ካብቶም ሓቂ ንኽምሃሩ ዝሓገዘቶም: ክትጽመም ዘኽእላ ዓቢ ምትብባዕ ረኺባ ኢያ። ‘ስድራኣ’ ኢዮም ነይሮም። (ማርቆስ 3:​31–35) እንተድኣ ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ዘሎኻ ኾይንካ: ሓገዝን ደገፍን ናይቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ብዕድመ ዝንእሱኻ ምተቐበልካዶ? (በጃኹም: ሓፍትና ዊንፍረድ ረመ ከመይ ገይራ ንገዛእ ርእሳ ከም ዝገለጸታ ዝነግር “ኣብ ግዜ ቀውዒ መለስኩ” ዝብል ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 ሓምለ 1992 [እንግሊዝኛ] ገጽ 21–23 ዘሎ ተመልከቱ።) ኣቱም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝኾንኩም: ኣብቲ እተመዘዝኩምሉ ትሕት ኢልኩም ብምግልጋልን ነቲ ቲኦክራቲካዊ መምርሒ ፈቲኹም ብምግዛእን ኣብ ናብራኹም ንኣምልኾ የሆዋ ቀዳምነት ከም እትህቡ ኣርእዩ። (በጃኹም ንኣብነት ናይ ሓው ሮይ ሪን ኣብቲ “ምስ ማሕበር ኣምላኽ ምልጋብ” ዝብል ዓንቀጽ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ 1 ታሕሳስ 1991 ገጽ 24–27 ተገሊጹ ዘሎ ተመልከቱ።) ንኣምልኾ የሆዋ ቀዳምነት ክንህብ ከሎና: ክሓልየልና ምዃኑ ውሕስነት ከም ዘሎና ንዘክር። ንህይወት ዘድሊ ነገራት ካበይ ክምጽእ ኢዩ ኢልና ክንሻቐል ኣየድልየናን ኢዩ። ተመኩሮታት ናይ ክልተ ኣሓት: ኣሊቭ ስፕሪጋትን ሶኒ ስፕሪጋትን ነዚ ይገልጾ ኢዩ።​— “ቅድም ነታ መንግስቲ ደሌና” ዝብል ዓንቀጽ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 1 ለካቲት 1994 [እንግሊዝኛ] ገጽ 20–25 ርአ።

20. እንታይ ብቑዕ ሕቶታት ኢና ንገዛእ ርእስና ክንሓታ ዘሎና?

20 እምበኣር በብውልቅና ንገዛእ ርእስና ገለ ምስትውዓል ዘለዎ ሕቶታት ክንሓታዶ ኣይግብኣናን? ኣምልኾ የሆዋ ኣብ ህይወተይ እንታይ ቦታ ኢዩ ሒዙ ዘሎ? ፍቓድ ኣምላኽ ክሳዕ ዝከኣለኒ ብምግበርዶ ከምቲ ወፈያይ ኮይነ እነብር ኣሎኹ? ኣብ ኣየናይ ከባቢታት ናይ ህይወተይ ኢየ ከመሓይሽ ዝኽእል? ነዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ብምስትውዓል እንተድኣ ኣቕሊብናላ: ከመይ ጌርና ነቲ ዘሎና ሃብቲ ምስቲ ዝመረጽናዮ ኣምልኾ ናይቲ ፈቃር ኣቦና: ልዑል ጎይታ ዝኾነ የሆዋ ኣሰማሚዕና ክንጥቀመሉ ኣጋጣሚ ክትህበና ኢያ።​— መክብብ 12:​13፣ 2 ቈረንቶስ 13:⁠5

ድግማ

◻ ብኣምላኾ ዝመጸ የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝደሊ?

◻ እቲ ማሕደር ናይ እንታይ መዘኻኸሪ ኮይኑ ኢዩ ዘገልገለ?

◻ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ከ.ኣ.ዘ. ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ብዝነበሮም ቅንኢ ኣብነት ዝኾኑ መን ነበሩ: ብኸመይከ?

◻ ካብ 1919 ከመይ ኢሉ ኣምልኾ የሆዋ ልዕል ዝበለ?

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ