ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • jy ምዕ. 105 ገጽ 244-ገጽ 245 ሕ.ጽ. 9
  • ብኦም በለስ ገይሩ ብዛዕባ እምነት መሃረ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኦም በለስ ገይሩ ብዛዕባ እምነት መሃረ
  • የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ወሳኒት ዝዀነት መዓልቲ ትጅምር
    ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ
  • ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱ ክቕመጥ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ነታ ቤተ መቕደስ ዳግም ኣጽረያ
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ሀ7-ሸ ቀንዲ ፍጻመታት ምድራዊ ህይወት የሱስ—የሱስ ኣብ የሩሳሌም ዝገበሮ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት (1ይ ክፋል)
    መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
ዝያዳ ርአ
የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
jy ምዕ. 105 ገጽ 244-ገጽ 245 ሕ.ጽ. 9
የሱስን ደቀ መዛሙርቱን፡ እታ ፍረ ዘይብላ ኦም በለስ ከም ዝነቐጸት ይርእዩ

ምዕራፍ 105

ብኦም በለስ ገይሩ ብዛዕባ እምነት መሃረ

ማቴዎስ 21:19-27 ማርቆስ 11:19-33 ሉቃስ 20:1-8

  • እታ ዝነቐጸት ኦም በለስ—ብዛዕባ እምነት እተዋህበ ትምህርቲ

  • የሱስ ስልጣኑ ኻበይ ከም ዝረኸቦ ሕቶ ቐረበሉ

የሱስ ሰኑይ ድሕሪ ቐትሪ ኻብ የሩሳሌም ወጺኡ፡ ናብታ ብምብራቓዊ ጐቦኡ ንደብረ ዘይቲ ዘላ ቢታንያ ተመልሰ። በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ኣብ እንዳ እቶም ፈተውቱ ዝዀኑ ኣልኣዛርን ማርያምን ማርታን ሓዲሩ ኪኸውን ኣለዎ።

ንግሆ 11 ኒሳን ከኣ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ የሩሳሌም ጕዕዞ ጀመሩ። የሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ንመወዳእታ ግዜ ዝኣተወ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ እዩ ነይሩ። ፋስጋ ቕድሚ ምብዓሉን በዓል ዝኽሪ ሞቱ ቕድሚ ምቛሙን ተፈሪዱ ቕድሚ ሙማቱን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ድማ እያ ነይራ።

ካብ ቢታንያ ብደብረ ዘይቲ ኣቢሎም ናብ የሩሳሌም ኪኸዱ ኸለዉ፡ ጴጥሮስ ነታ ድሮ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ዝነበረት ንግሆ የሱስ ዝረገማ ኦም ረኣያ። “መምህር፡ እንሃ፡ እታ ዝረገምካያ በለስ ነቒጻ” በሎ።—ማርቆስ 11:21።

የሱስ ነታ ኦም ከም እትሓርር ዝገበራ ግና ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ ንሱ ዝሃቦ ምላሽ ከምዚ ብምባል ምኽንያቱ ገሊጹ ኣሎ፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እንተ ኣሚንኩምን እንተ ዘይተጠራጢርኩምን፡ ነዛ ኦም በለስ ዝገበርክዎ ኽትገብሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነዚ ኸረን እዚ፡ ‘ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ኸኣ ተደርበ’ እኳ እንተ ኢልኩምዎ፡ ከምኡ ኪኸውን እዩ። ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዘበለ ድማ፡ ክትረኽቡ ኢኹም።” (ማቴዎስ 21:21, 22) እምበኣር፡ ነቲ ኣቐዲሙ ብዛዕባ እምነት ዝሃቦም ትምህርቲ እዩ ዚደግሞ ነይሩ።—ማቴዎስ 17:20።

ስለዚ፡ የሱስ ነታ ኦም ከም እትሓርር ብምግባሩ፡ ብኣምላኽ ምእማን ዘለዎ ኣገዳስነት ዜጕልሕ ውድዓዊ ትምህርቲ እዩ ዚህብ ነይሩ። ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፡ “ኵሉ እቲ እትጽልይዎን እትልምንዎን፡ ከም እተቐበልኩምዎ ጌርኩም እመኑ እሞ፡ ክትረኽብዎ ኢኹም” በሎም። (ማርቆስ 11:24) እዝስ ንዅሎም ሰዓብቲ የሱስ ከመይ ዝበለ ኣገዳሲ ትምህርቲ ዀን እዩ! ብፍላይ ነቶም ብዙሕ ፈተናታት ዚጽበዮም ዝነበረ ሃዋርያቱ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ ኣብ መንጎ ምሕራር እታ ኦም በለስን እምነትን ካልእ ዝምድና እውን ኣሎ።

ህዝቢ እስራኤል ከምታ ኦም በለስ ዜታልል ትርኢት እዩ ነይርዎም። እቶም ህዝቢ ምስ ኣምላኽ ኪዳን እተኣታተዉ እዮም ነይሮም፣ ብደጊኦም ከኣ ሕጉ ዚሕልዉ እዮም ዚመስሉ ነይሮም። ብሓፈሻ ኺርኣዩ ኸለዉ ግና፡ ዘይኣምኑን ጽቡቕ ፍረ ዘይፈርእዩን ኰይኖም እዮም ተረኺቦም። ሕሉፍ ሓሊፎም ንወዲ ኣምላኽ እውን ኣይተቐበልዎን! ስለዚ፡ የሱስ ነታ ፍረ ዘይፈረየት ኦም በለስ ብምሕራር፡ ነቶም ዘይፈርዩን ዘይኣምኑን ህዝቢ ኣብ መወዳእታ እንታይ ከም ዜጋጥሞም እዩ ኣርእዩ።

ድሕርዚ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ኣብ የሩሳሌም ኣተዉ። የሱስ ድማ ከም ልማዱ ናብ ቤተ መቕደስ ከይዱ ኺምህር ጀመረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ከኣ፡ “በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር ኣለኻ፧ ወይስ ነዚ ኽትገብር ስልጣን ዝሃበካ መን እዩ፧” ኢሎም ፈታኒት ሕቶ ኣቕረቡሉ።—ማርቆስ 11:28።

የሱስ ድማ፡ “ሓንቲ ነገር ክሓትተኩም። መልሱለይ እሞ፡ ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ክነግረኩም እየ። ጥምቀት ዮሃንስ ካብ ሰማይ ድያ ነይራ፡ ወይስ ካብ ሰብ፧ እስከ መልሱለይ” በሎም። በዚ ኸምዚ፡ ተገልቢጡ ነቶም ተጻረርቱ ፈታኒት ሕቶ ኣቕረበሎም። እቶም ካህናትን ዓበይትን እንታይ ኢሎም ከም ዚምልሱሉ ንሓድሕዶም ኪማኸሩ ኸለዉ፡ “‘ካብ ሰማይ’ እንተ ኢልና፡ ‘ስለምንታይ ደኣ ዘይኣመንኩምዎ፧’ ኪብለና እዩ። ‘ካብ ሰብ’ ክንብልዶ፧” እናበሉ ተዛራረቡ። ከምዚ ኢሎም እተዛራረቡ ኸኣ፡ ነቲ ህዝቢ ስለ ዝፈርሁ እዮም፣ ከመይሲ፡ “ኵላቶም ንዮሃንስ ብሓቂ ኸም ነብዪ ይቘጽርዎ ነበሩ።”—ማርቆስ 11:29-32።

እቶም ተጻረርቲ የሱስ እንታይ ኢሎም ከም ዚምልሱሉ ጠፍኦም። ስለዚ፡ “ኣይንፈልጥን” ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ድማ፡ “ኣነ እውን በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር ኣይነግረኩምን እየ” በሎም።—ማርቆስ 11:33።

  • 11 ኒሳን ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዋ ስለምንታይ እያ፧

  • የሱስ በታ ዘንቀጻ ኦም በለስ ኣቢሉ እንታይ ትምህርቲ እዩ ዝሃበ፧

  • የሱስ ነቶም በየናይ ስልጣን ተግባሩ ኸም ዚገብር ዝሓተትዎ ሰባት ብኸመይ መለሰሎም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ