መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
1-7 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሁልቍ 7-8
“ካብ ሰፈር እስራኤል እንረኽቦ ትምህርቲ”
it-1 497 ¶3
ጉባኤ
ኣብ እስራኤል፡ ሓላፍነት ዚስምዖም ተወከልቲ ነቲ ህዝቢ ወኪሎም ስጕምቲ ይወስዱ ነይሮም እዮም። (እዝ 10:14) ስለዚ፡ “ሹማምንቲ ነገዳት” ንምቛም እቲ ማሕደር መባእ ኣምጺኦም እዮም። (ዘሁ 7:1-11) ብዘመን ነህምያ እውን ካህናትን ሌዋውያንን ‘ርእስታት እቲ ህዝብን’ ተወከልቲ ብምዃን፡ ነቲ “ቐያዲ ውዕል” ብማሕተሞም ኣረጋጊጾምዎ እዮም። (ነህ 9:38–10:27) እስራኤላውያን ኣብ በረኻ ኣብ ዚጕዓዙሉ ዝነበሩ እዋን፡ 250 “ሹማምንቲ እቲ ኣኼባ፡ ካብቲ ጉባኤ እተሓርዩ ስሙያት ሰባት” ምስ ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን ኦንን ሓቢሮም ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን ተላዒሎም ነይሮም እዮም። (ዘሁ 16:1-3) ሙሴ ኻብ ኣምላኽ መምርሒ ምስ ተዋህቦ ኸኣ፡ ነቲ በይኑ ኺጾሮ ዘይከኣለ “ጾር እቲ ህዝቢ” ኣብ ምጻር ዚሕግዝዎ 70 ዓበይቲ እስራኤል ሓርዩ እዩ። (ዘሁ 11:16, 17, 24, 25) ኣብ ዘሌዋውያን 4:15፡ “ዓበይቲ እቲ ኣኼባ” ተባሂሉ ተጠቒሱ ንረክብ፣ እቶም ተወከልቲ እቲ ህዝቢ፡ ዓበይትን ርእስታትን ፈራዶን ኣሕሉቕን እቲ ህዝቢ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም።—ዘሁ 1:4, 16፣ እያ 23:2፣ 24:1።
it-2 796 ¶1
ሮቤል
ኣብ ሰፈር እስራኤል፡ ብየማነ ጸጋም ሮቤላውያን ደቂ ስምኦንን ደቂ ጋድን እዮም ነይሮም፣ ሰፈሮም ከኣ ብደቡብ እቲ ማሕደር እዩ ነይሩ። እዞም ሮቤል ዝርእሶም ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ነቶም ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን ስዒቦም እዮም ዚጕዓዙ ነይሮም። (ዘሁ 2:10-16፣ 10:14-20) እቲ ማሕደር ኣብ እተመረቐሉ እዋን ድማ፡ እዞም ነገዳት እዚኦም፡ ብመሰረት እዚ መስርዕ እዮም መባኦም ኣቕሪቦም።—ዘሁ 7:1, 2, 10-47።
ካብ ኦሪት ዘሁልቍ ዚጐልሕ ነጥብታት
8:25, 26 ሌዋውያን ኣብ ዚፍጽምዎ ኣገልግሎት ብቑዓት ሰብኡት ጥራይ ምእንቲ ኺሰርሑ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሰብኡት ንዕድሜኦም ኣብ ግምት ብምእታው ካብቲ ግዴታዊ ኣገልግሎት የቋርጹ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ንኻልኦት ሌዋውያን ኪሕግዙ ይኽእሉ ነበሩ። ኣብዚ ግዜና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምስባኽ ዘይነቋርጽ እኳ እንተ ዀንና፡ ኣብዚ ሕጊ እዚ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ግን ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚምህረና። ሓደ ክርስትያን ዕድመ ብምድፋኡ እተወሰነ ሓላፍነታቱ ኺፍጽም ምስ ዘይክእል፡ ኪፍጽሞ ኣብ ዚኽእል መዳይ ኣገልግሎት ኪጽመድ ይኽእል እዩ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 835
በዅሪ
ኣብ እስራኤላውያን፡ በዅሪ ዘበሉ ርእሲ ቤተ ሰብ ኪዀኑ ቐዳምነት ይውሃቦም ስለ ዝነበረ፡ ንብዘለዉ እቶም ህዝቢ ይውክሉ ነይሮም እዮም። የሆዋ ንብዘለዉ እቶም ህዝቢ “በዅረይ” ኢሉ ጸዊዕዎም ኣሎ፣ ሳላ ኺዳን ኣብርሃም ከኣ እዮም በዅሪ ህዝቢ ዀይኖምሉ። (ዘጸ 4:22) ካብ ሞት ስለ ዘድሓኖም ድማ፡ “ካብ እስራኤላውያን ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ ንዓይ ቀድሶ። ተባዕታይ በዅሪ ሰብን እንስሳን ናተይ እዩ” ዚብል ትእዛዝ ሂብዎም ነይሩ። (ዘጸ 13:2) ስለዚ፡ ተባዕታይ በዅሪ ንኣምላኽ እተወፈየ እዩ ነይሩ።
8-14 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሁልቍ 9-10
“የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ ይመርሖም፧”
it-1 398 ¶3
ሰፈር
ኣብቲ እዚ ሰፈር እዚ ኻብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ዚገብሮ ጕዕዞ (ኣብ ዘሁልቍ 33፡ ሙሴ ኣስታት 40 ቦታታት መዝጊቡ ኣሎ)፡ ድንቂ ውዳበ ተራእዩ እዩ። እቲ ደበና ኣብ ልዕሊ እቲ ማሕደር እንተ ጸኒሑ፡ እቲ ሰፈር ኣብኡ ይጸንሕ ነበረ። እቲ ደበና እንተ ነቒሉ ኸኣ፡ እቲ ሰፈር ይግዕዝ ነበረ። “ብትእዛዝ የሆዋ ሰፊሮም ይጸንሑ፡ ብትእዛዝ የሆዋ ድማ ይነቕሉ ነበሩ።” (ዘሁ 9:15-23) ብሞደሻ ተቐጥቂጡ እተሰርሐ ኽልተ መለኸት ብሩር ከኣ ነቲ ኻብ የሆዋ ዚመጽእ ትእዛዝ ናብቲ ሰፈር ንምምሕልላፍ የገልግል ነበረ። (ዘሁ 10:2, 5, 6) ተለዋዋጢ ደሃይ ኪንፋሕ ከሎ፡ እቲ ሰፈራት ይነቅል ነበረ። እዚ ንፈለማ ዝዀነሉ ግዜ፡ “ኣብ ካልአይቲ ዓመት [1512 ቅ.ክ.]፡ ኣብ ካልአይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 20 መዓልቲ እታ ወርሒ” እዩ ነይሩ። ታቦት ኪዳን እናመርሖም እቶም ይሁዳ ዝርእሶም ይሳኮርን ዛብሎንን ዚርከብዎም ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ነቐሉ። ንዓታቶም ስዒቦም ከኣ ጌርሾናውያንን መራራውያንን ነቲ ኻብቲ ማሕደር እተመደበሎም ክፋል ጾይሮም ተጓዕዙ። ድሕሪኦም፡ ሮቤል ዝርእሶም ስምኦንን ጋድን ዚርከብዎም ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ነቐሉ። ድሕሪኦም፡ ቀሃታውያን ነቲ መቐደስ ጾይሮም ተጓዕዙ፣ ድሕሪኦም ከኣ፡ እቶም ሳልሳይ ጕጅለ ሰለስተ ነገድ ኤፍሬምን ምናሴን ብንያምን ተጓዕዙ። ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ዳን ዝርእሶም ኣሴርን ንፍታሌምን ዚርከብዎም ጕጅለ ደጀን ኰይኖም ተጓዕዙ። ስለዚ፡ እቶም ዝበዝሑን ዝሓየሉን ጕጅለ፡ ግምባርን ደጀንን ኰይኖም እዮም ዚጕዓዙ ነይሮም።—ዘሁ 10:11-28።
ንመሪሕነት ኣምላኽ ተስተውዕሎ ዲኻ፧
ንመሪሕነት ኣምላኽ ኣኽቢርና ኸም እንምልከቶ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንመራሕትኹም ተአዘዝዎምን ተገዝእዎምን” በለ። (እብ. 13:17) ከምኡ ምግባር፡ ወትሩ ቐሊል ከይከውን ይኽእል እዩ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ብግዜ ሙሴ ዝነበርካ እስራኤላዊ ኸም ዝዀንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። ንእተወሰነ እዋን ምስ ተጓዓዝካ፡ እቲ ዓንዲ ደው በለ። ኣብቲ ደው ዝበለሉ ቦታ፡ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኢኻ ኽትጸንሕ፧ ንሓደ መዓልቲ ዲኻ፡ ንሓደ ሰሙን ዲኻ፡ ወይስ ንኣዋርሕ፧ ‘ሮዖይ ክፈትሕዶ፡ ወይስ ከም ዘለዎ ይጽናሕ፧’ ኢልካ ኽትሓስብ ትጅምር። ኣብ ፈለማ፡ ነቲ ኣመና ዜድልየካ ኣቕሑ ጥራይ ፈቲሕካ ኸተውጽእ ትጅምር። እተወሰነ መዓልትታት ምስ ሓለፈ ግን፡ ሓንቲ ኣቕሓ ብዝደለኻ መጠን ሮዖኻ ምፍታሕ ስለ ዜሰልክየካ፡ ንዅሉ ትፈትሖ። ፈቲሕካ ምስ ወዳእካ ግን፡ እቲ ዓንዲ ኺለዓል ከሎ ትርኢ፣ ሽዑ እንደገና ሮዖኻ ኽትጥቕልል ትጅምር። ከምኡ ምግባር ቀሊል ወይ ምሹእ ከም ዘይኰነ ኣየተሓታትትን እዩ። ኰይኑ ግን፡ እስራኤላውያን፡ እቲ ዓንዲ ምስ ተላዕለ፡ “ድሕርቲ . . . ይጐዓዙ” ነበሩ።—ዘሁ. 9:17-22።
ንሕናኸ ኻብ ኣምላኽ መምርሒ ኺወሃበና ኸሎ፡ ከመይ እዩ ዚስምዓና፧ ብኡንብኡ ንትግብሮ ዲና፡ ወይስ በቲ ዝለመድናዮ መገዲ ኢና እንመላለስ፧ ንዚወሃበና እዋናዊ መምርሒታት ኣጸቢቕና ንፈልጦ ዲና፧ ንኣብነት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ብዛዕባ ምምራሕ፡ ንወጻእተኛታት ብዛዕባ ምስባኽ፡ ኣዘውቲርና ኣምልኾ ስድራ ቤት ብዛዕባ ምግባር፡ ምስቲ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ብዛዕባ ምትሕብባር፡ ከምኡውን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ኪህልወና ብዛዕባ ዘለዎ ስርዓት መምርሒታት ይወሃበና እዩ። ምኽሪ ኽንቅበል ከለና እውን፡ ንመሪሕነት ኣምላኽ ኣኽብሮት ከም ዘሎና ኢና እነርኢ። ኣገዳሲ ውሳነታት ክንገብር ከለና፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ጥበብ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ የሆዋን ውድቡን ዚህቡና መምርሒ ኽንውከል ኣሎና። ከምቲ ሓደ ቘልዓ፡ ነጕድን በርቅን ዘለዎ ብርቱዕ ዝናም ኪዘንም ከሎ ናብ ወለዱ ዚጽጋዕ፡ ንሕና እውን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ጸገማት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ኣብ ውድብ የሆዋ ኽንምዕቈብ ኣሎና።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 199 ¶3
ኣኼባ
ኣገዳስነት ኣኼባ። ካብቲ የሆዋ ንመንፈሳዊ ጥቕሚ ኢሉ ዝገበሮ ኣኼባ ምሉእ ብምሉእ ምጥቃም፡ ምስቲ ዓመታዊ በዓል ፋስጋ ተተሓሒዙ ጐሊሑ ኣሎ። ሓደ ወዲ ተባዕታይ ንጹህ ክነሱ፡ ወይ ኣብ መገዲ ዘይኰነ ኽነሱ፡ ፋስጋ ዕሽሽ እንተ ኢሉ፡ ካብ ህዝቡ ኺምንቈስ ነይርዎ። (ዘሁ 9:9-14) ንጉስ ህዝቅያስ ንነበርቲ ይሁዳን እስራኤልን በዓል ፋስጋ ኼብዕሉ ናብ የሩሳሌም ኪጽውዖም ከሎ፡ ብኸፊል ከምዚ ኢልዎም እዩ፦ “ኣቱም ህዝቢ እስራኤል፡ . . . ናብ የሆዋ . . . ተመለሱ። . . . ከም ኣቦታትኩም ተረርቲ ኣይትኹኑ። እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ኻባኻትኩም ምእንቲ ኺምለስ፡ ንየሆዋ ኢድኩም ሃቡ፡ ናብታ ንዘለኣለም ዝቐደሳ መቕደሱ ኸኣ ምጹ፡ ንየሆዋ ኣምላኽኩም እውን ኣገልግልዎ። . . . የሆዋ ኣምላኽኩምሲ ርሕሩሕን መሓርን እዩ፣ ንስኻትኩም ናብኡ እንተ ተመሊስኩም ድማ፡ ንሱ ገጹ ኻባኻትኩም ኣይኪመልስን እዩ።” (2ዜና 30:6-9) ኰነ ኢሎም ካብቲ ኣኼባ እንተ በዂሮም፡ ንኣምላኽ ከም ዝሓደግዎ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። ሕጂ ክርስትያናት ከም ፋስጋ ዝኣመሰለ በዓላት ዘየብዕሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ጳውሎስ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ስሩዕ ኣኼባኦም ከይሓድጉ ተማሕጺንዎም ኣሎ፦ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ። እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ።”—እብ 10:24, 25፣ ኣብ “ጉባኤ” ርአ።
15-21 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሁልቍ 11-12
“ናይ ምጕርምራም መንፈስ ከነወግድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧”
ዝርስዑ ሰማዕቲ ኣይትኹኑ
20 ዝበዝሑ ክርስትያናት ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ኣይወድቁን ኢዮም። እንተዀነ ግን፡ ናብቲ መለኮታዊ ስምረት ከም ዘይንረክብ ክገብር ዝኽእል ምጕርምራም ክመርሕ ዝኽእል ኣካይዳ ከይህልወና ክንጥንቀቕ የድሊ። ጳውሎስ “ከምቲ ገሊኣቶም ዝፈተንዎ እሞ በትማን ዝጠፍኡ፡ ንክርስቶስ ኣይንፈትኖ። ከምቲ ገሊኣቶም ዘዕዘምዘሙ እሞ እቲ መጥፍኢ ዘጥፍኦም፡ ኣይነዕዘምዝም” ብምባል ምዒዱና ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 10:9, 10) እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ ብትእምርቲ እተዋህቦም ማና ኣንጻር ሙሴን ኣሮንን—ኣንጻር ኣምላኽ እውን ከይተረፈ—ኣጕረምሪሞም ኢዮም። (ዘሁልቍ 16:41፣ 21:5) የሆዋ እዚ ደሓን ኢዩ ካብ ምንዝር ይሓይሽ ኢሉ ሸለል ኢልዎዶ ኢዩ፧ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ብዙሓት መጕረምረምቲ በትማን ከም እተቐትሉ ኢዩ ዝገልጽ። (ዘሁልቍ 21:6) ኣብቲ ቐዳማይ ፍጻመ ልዕሊ 14,700 ዝዀኑ ዓለወኛታት መጕረምረምቲ ጠፊኦም ኢዮም። (ዘሁልቍ 16:49) ስለዚ እምበኣር ነቲ ንሱ ዝገበሮ ምድላዋት ንዕቐት ብምርኣይ ንትዕግስቲ የሆዋ ኣይንፈትኖ።
‘ኣይተጕረምርም’
7 እስራኤላውያን ዝነበሮም መንፈስ ክሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ተቐዪሩ! እቲ ኣብ መጀመርታ ኻብ ግብጺ ሓራ ድሕሪ ምውጻኦምን ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምስጋሮምን ዝነበሮም ሞሳ፡ ንየሆዋ መዝሙር ውዳሰ ንኺዝምሩሉ ደሪኽዎም ነበረ። (ዘጸኣት 15:1-21) ኣብ በረኻ ዝነበረ ዅነታት ስለ ዘይመሽኦምን ንከነኣናውያን ስለ ዝፈርህዎምን ግን፡ እቲ ዝነበሮም ሞሳ ብቕሬታ ተተክአ። በቲ ናጽነቶም ንኣምላኽ ኣብ ክንዲ ዜመስግንዎ፡ በቲ ተሓሪሙና ኢሎም ዝሓሰብዎ ነገራት ንኣምላኽ ወቐስዎ። ስለዚ፡ ኬጕረምርሙ ኸለዉ፡ ንመሰናድዎ የሆዋ ግቡእ ሞሳ ኸም ዘይነበሮም እዮም ዜርእዩ ነይሮም። የሆዋ እምበኣር፡ “ነዚ ዜጕረምርመለይ ሕሱም ኣኼባ እዚ ኽሳዕ መኣዝ ክጾሮ እየ፧” ኪብል ሓቁ እዩ።—ዘሁልቍ 14:27፣ 21:5
it-2 719 ¶4
ባእሲ
ምጕርምራም። ምጕርምራም፡ ተስፋ የቝርጽን የፍርስን እዩ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ኻብ ዚወጹ ነዊሕ ከይጸንሑ ኣብ መሪሕነት እቶም ኣገልገልቲ የሆዋ ዝነበሩ ሙሴን ኣሮንን ጕድለት ብምእራይ፡ ኣብ ልዕሊ የሆዋ ኣጕረምሪሞም እዮም። (ዘጸ 16:2, 7) ደሓር፡ እቲ መረረኦም ንሙሴ ብዙሕ ስለ ዘጕሃዮ፡ ሞት ተመንዩ ነይሩ እዩ። (ዘሁ 11:13-15) ምጕርምራም ነቲ ኣጕረምራሚ ንህይወቱ ዜስግእ ሓደጋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሆዋ ነቲ እቶም ኣጕረምረምቲ ኣብ ልዕሊ ሙሴ እተዛረብዎ ምጕርምራም፡ ካብ መለኮታዊ መሪሕነቱ ኸም ዝዓለዉ ገይሩ እዩ ቘጺርዎም። (ዘሁ 14:26-30) ኣረይቲ ጕድለት ብምዃኖም ከኣ፡ ብዙሓት ህይወቶም ስኢኖም እዮም።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-2 309
ማና
መግለጺ። ማና “ኸም ፍረ ጻቕዳ . . . ጻዕዳ” እዩ ነይሩ፣ ትርኢቱ ድማ ከም “ትርኢት” ዕንዲዳ ብዶላሕ፡ ማለት ከም ሉል ዝቕርጹ ብርሃን ዜመሓላልፍ ስምዒ እዩ ዚመስል ነይሩ። ጣዕሙ ድማ “ከም ቅጫ ምስ መዓር” ወይ “ብዘይቲ [ኸም] እተገብረ ምቁር ቅጫ” እዩ ነይሩ። እቶም ህዝቢ ብመጥሓን ምስ ጠሓንዎ ወይ ብመጉእ ምስ ጐድእዎ፡ ኣብ ቍራዕ የብስልዎ ወይ ጠፍጢፎም ይስንክትዎ ነይሮም።—ዘጸ 16:23, 31፣ ዘሁ 11:7, 8።
22-28 መጋቢት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሁልቍ 13-14
“እምነት ዜትብዓና ብኸመይ እዩ፧”
ብእምነትን ብፍርሃት ኣምላኽን ዚፈሪ ትብዓት
5 እያሱን ካሌብን ዚበሃሉ ኽልተ ኻብቶም ሰለይቲ ግን፡ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ተሃንጥዮም ነበሩ። ብዛዕባ እቶም ከነኣናውያን “እንጌራና እዮም” በሉ። “እቲ ዜጽልለሎም ካባታቶም ኣግሊሱ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳና እዩ፡ ኣይትፍርህዎም” ድማ በሉ። (ዘሁልቍ 14:9) እያሱን ካሌብን ብዘይ መሰረት ድዮም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ዚሕዙ ዝነበሩ፧ ኣይፋልን። ምስቲ ዅሉ እቲ ህዝቢ ብሓባር ኰይኖም፡ የሆዋ በተን ዓሰርተ መዓት ኣቢሉ ነታ ሓያል ዝነበረት ግብጽን ንኣማልኽታን ኬዋርዳ ኸሎ ርእዮም እዮም። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንፈርኦንን ሰራዊቱን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኼጥሕሎ ኸሎ ረኣዩ። (መዝሙር 136:15) እቶም ዓሰርተ ሰለይቲ ዀኑ እቶም ብኣታቶም እተጸልዉ ሰባት ምፍራሆም እምበኣር ይቕረ ዚበሃል ጕዳይ ኣይነበረን። የሆዋ ኣዝዩ ኸም ዝጐሃየ ኺገልጽ ከሎ፡ “ክሳዕ መኣዝከ እዮም በቲ ዅሉ ኣብ ማእከሎም ዝገበርክዎ ትእምርትታት ዘይአምኑኒ፧” በለ።—ዘሁልቍ 14:1
6 የሆዋ ናብቲ ሱር እቲ ጸገም እዩ ኣተኲሩ፣ እቶም ህዝቢ ምፍራሆም እምነት ከም ዝጐደሎም እዩ ዜርኢ። እወ፡ እምነትን ትብዓትን ኣጸቢቑ ዚዛመድ እዩ። ካብዚ እተላዕለ እኳ ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ክርስትያናዊት ጉባኤን መንፈሳዊ ውግእን፡ “እታ ንዓለም እንስዕረላ ስዕረት ከኣ፡ ንሳ እምነትና እያ” በለ። (1 ዮሃንስ 5:4) ሎሚ፡ ከም ናይ እያሱን ካሌብን ዝኣመሰለት እምነት፡ ብልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ዚዀኑ ንኣሽቱን ዓበይትን፡ ድልዱላትን ድኹማትን ዚርከብዎም መሰኻኽር የሆዋ ኣቢላ ኣብ መላእ ዓለም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዚስበኽ ገይራ ኣላ። ነዚ ሓያልን ተባዕን ሰራዊት ስቕ ኬብል ዝኸኣለ ዋላ ሓደ ጸላኢ የልቦን።—ሮሜ 8:31
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 740
ኣምላኽ ንእስራኤል ዝሃባ ምድሪ
እታ ኣምላኽ ንእስራኤል ዝሃባ ምድሪ ብሓቂ ጽብቕቲ ምድሪ እያ ነይራ። ሙሴ ነታ ምድሪ ተስፋ ኺስልዩን ፍሪኣ ኼምጽኡን ኢሉ ሰለይቲ ምስ ለኣኸ፡ በለስን ሮማንን ዘለላ ወይንን ኣምጺኦም እዮም፣ እቲ ዘለላ ወይኒ ድማ ኣዝዩ ዓብዪ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ኽልተ ሰብኡት ብመጾሪ እዮም ጾይሮምዎ! ብሰንኪ ዘይምእማኖም እኳ እንተ ኣድሓርሓሩ፡ ብዛዕባ እታ ምድሪ፡ “ብሓቂ ጸባን መዓርን እተውሕዝ እያ” ኢሎም እዮም ኣውርዮም።—ዘሁ 13:23, 27።
29 መጋቢት–4 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሁልቍ 15-16
“ከይትዕበን እምብዛ ብርእስኻ ኸይትተኣማመንን ተጠንቀቕ”
የሆዋ ይፈልጠካ ድዩ፧
12 ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ይጐዓዙ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ቆራሕ ኣብ መሰናድዎ የሆዋ እተወሰነ ጸገም ዘሎ ዀይኑ ተሰምዖ። ካልኦት 250 ስሙያት ሰብኡት ከኣ፡ ለውጢ ንምምጻእ ምስኡ ሓበሩ። ንሱን ተሓባበርቱን፡ ምስ የሆዋ ድልዱል ርክብ ዘለዎም ኰይኑ ስለ እተሰምዖም ፡ ንሙሴን ንኣሮንን፡ “ብዘለዉ ኣኼባ ዅሎም ቅዱሳን እዮም፡ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ማእከሎም እዩ እሞ፡ እምብዛ ኣብዚሕኩምዎ” በልዎም። (ዘሁ. 16:1-3) ብርግጽ እምበኣር፡ ኣብ ርእሶም ዚተኣማመኑን ዕቡያትን እዮም ነይሮም። ሙሴ ነቶም ዓለወኛታት፡ “እግዚኣብሄር . . . እቲ ናቱ ዝዀነ . . . መን ከም ዝዀነ፡ ኬፍልጥ እዩ” በሎም። (ዘሁልቍ 16:5 ኣንብብ።) ንጽብሒቱ፡ ቆራሕን እቶም ተሓባበርቱ ዝነበሩ ዓለወኛታት ሰባትን ሞቱ።—ዘሁ. 16:31-35።
የሆዋ ይፈልጠካ ድዩ፧
11 ንመሰናድዎን ንውሳነን የሆዋ ብምኽባር ዝመጸ፡ ሙሴን ቆራሕን ኣመና እዮም ዚፈላለዩ። ዝወሰድዎ ስጕምትታት፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባኦም ዝነበሮ ኣረኣእያ ጸልይዎ እዩ። ቆራሕ ካብ ዓሌት ቃሃታውያን ዝመጸ ሌዋዊ እዩ ነይሩ፡ ሓያሎ ፍሉይ መሰላት ከኣ ነበሮ። እስራኤላውያን ብቐይሕ ባሕሪ ኺሳገሩ ኸለዉ ርእዩ፡ ኣብቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከረን ሲና ዝነበሩ ዘይእዙዛት እስራኤላውያን ዘውረዶ ፍርዲ ተኻፊሉ፡ ታቦት ኪዳን ኣብ ምጕዕዓዝ እውን ሓጊዙ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ዘጸ. 32:26-29፣ ዘሁ. 3:30, 31) ንነዊሕ ዓመታት ንየሆዋ እሙን ኰይኑ ስለ ዘገልገለ፡ በቶም ኣብቲ ሰፈር እስራኤላውያን ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ኣኽቢርካ እዩ ዚርአ ነይሩ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ነቲ ቐዳምነት ዘድልዮ ቀዳምነት ምሃብ ኣይትረስዕ!
የሆዋ ነቲ ጕዳይ ኣቕሊሉ ኣይተመልከቶን። መጽሓፍ ቅዱስ “እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ሰብኣይ እቲ ሞት ይሙት” ከም ዝበሎ ይገልጽ። (ዘሁልቍ 15:35) የሆዋ እቲ ሰብኣይ ብዝገበሮ ነገር ኣዝዩ እተሰምዖ ስለምንታይ ኢዩ፧
እቲ ህዝቢ ዕንጨይቲ ንምእራይ ከምኡውን ንመግብን ክዳንን መዕቈብን ዝምልከት ዘድልዮ ነገራት ንምርካብ ሽዱሽተ መዓልቲ ነይርዎ ኢዩ። እታ ሻብዐይቲ መዓልቲ ንመንፈሳዊ ድሌታቶም እተወፈየት ክትከውን ነበራ። ዕንጨይቲ ምእራይ ጌጋ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ኣብቲ ንየሆዋ ንምምላኽ ክውፈ ዝነበሮ ግዜ ግን ዕንጨይቲ ንምእራይ ክትጥቀመሉ ጌጋ ነበረ። ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ዘይኰና፡ እዚ ፍጻመ እዚ ግን ኣብዚ እዋን እዚ ነቲ ኣድላዪ ነገር ቀዳምነት ክንህቦ ከም ዘሎና ትምህርቲ ዝህበናዶ ኸይኰነ፧—ፊልጲ 1:10
5-11 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሁልቍ 17-19
“ርስትኻ ኣነ እየ”
የሆዋ ግዴኻ ንኪኸውን ትፈቕደሉዶ ኣለኻ፧
9 ብዛዕባ እቶም ርስቲ ዘይተዋህቦም ሌዋውያን እሞ ሕሰብ። ቀንዲ ኣትኵሮኦም ኣብ ንጹህ ኣምልኾ ስለ ዝነበረ፡ እቲ፡ ‘ግዴኻ ኣነ እየ’ ዝበሎም የሆዋ ኸም ዚከናኸኖም ኪተኣማመኑ ነበሮም። (ዘሁ. 18:20) ንሕና እውን፡ ከም ካህናትን ሌዋውያንን ቃል ብቓሉ ኣብ ቤተ መቕደስ ዘይነገልግል እኳ እንተ ዀንና፡ ንኣረኣእያኦም ብምቕዳሕ፡ የሆዋ ኸም ዚከናኸነና ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና። ዳሕሮት መዓልትታት እናተጸንቀቓ ኣብ ዚኸዳሉ እዋን፡ ኣብቲ ኣምላኽ ንኺከናኸነና ዘለዎ ሓይሊ ብዝያዳ ኽንተኣማመን ኣሎና።—ራእ. 13:17።
ግደይ የሆዋ እዩ
4 እዚ ንሌዋውያን እንታይ ትርጕም እዩ ነይርዎ፧ የሆዋ፡ ግዲኦም ከም ዚኸውን ነጊርዎም ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ክንዲ ርስቲ ዚቕበሉ፡ ብዋጋ ዘይሽነን ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ከም ዚወሃቡ ዚሕብር እዩ ነይሩ። እወ፡ “ርስቶም ክህነት እግዚኣብሄር እዩ” ነይሩ። (እያ. 18:7) ኣብ ከባቢ ዘሁልቍ 18:20 ዘሎ ሓሳብ ከም ዚሕብሮ፡ የሆዋ ንሌዋውያን ብስጋዊ መዳይ ዜድልዮም ዘበለ የማልኣሎም ነይሩ እዩ። (ዘሁልቍ 18:19, 21, 24 ኣንብብ።) እቶም ሌዋውያን፡ “ኣብ ክንዲ እቲ ኣገልግሎቶም፡ . . . ኵሉ ዕሽር እስራኤል ንርስቲ” ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። ካብቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ምህርትን ወሰኽ ማልን፡ ዕሽር ይወሃቦም ነበረ። ንሳቶም ከኣ፡ ንኽህነት ንምድጋፍ፡ ካብቲ እተቐበልዎ፡ “ብሉጽ” ዕሽር ኪህቡ ነበሮም። (ዘሁ. 18:25-29) ብዘይካዚ፡ እቲ ደቂ እስራኤል ናብ ቦታ ኣምልኾ ዜምጽእዎ ‘ዅሉ ቕዱስ ነገር’ ንኻህናት ተዋሂብዎም ነበረ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣባላት ክህነት፡ የሆዋ ኸም ዚከናኸኖም ንኺኣምኑ ዜኽእሎም ብቑዕ ምኽንያት ነይርዎም እዩ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ጨው ተደላዪ ማዕድን
ብተወሳኺውን ጨው ምልክት ቀጻልነትን ነባርነትን ከም ዝዀነ ጌርካ ይውሰድ ነይሩ ኢዩ። ስለዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ዘይቅየር ኪዳን፡ “ኪዳን ጨው” ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ፣ ከምዚ እተባህለ ኸኣ እቶም ኪዳን ዝተኣታተዉ ሰባት ነቲ ኺዳን ከጽድቕዎ ኸለዉ ጨው ዘለዎ መግቢ ብሓባር ይምገቡ ብምንባሮም ኢዩ። (ዘሁልቍ 18:19) ብመሰረት ሕጊ ሙሴ ነቲ ኣብ መሰውኢ ዝቐርብ ዝነበረ መስዋእቲ ጨው ይግበረሉ ነበረ፡ እዚውን ዘይተበላሸወ ወይ ዘይመሽመሸ ምዃኑ ንምምልካት ምዃኑ ኣየጠራጥርን ኢዩ።
12-18 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሁልቍ 20-21
“ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ዓቕልኻ ኣይትጸንቅቕ”
ዓቕሊ ድለ እሞ ንየሆዋ ባህ ኣብሎ
19 ካብ ጌጋታት ክንስተር ኢና። ብዛዕባ ሙሴ እሞ መሊስና ንሕሰብ። ንሓያሎ ዓመታት ዓቃል ኰይኑ ብምምልላሱ፡ ንየሆዋ ባህ ኣቢልዎ ነይሩ እዩ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ 40 ዓመት ዝወሰደ ጕዕዞ ግና፡ ሙሴ ዓቕሉ ተወድአ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እታ ኣብ ግብጺ ንህይወቱ ኣብ ምድሓን እጃም ዝነበራ ኽትከውን እትኽእል ሓብቱ ሞይታ ኣብ ቃዴስ ካብ እትቕበር ነዊሕ ኣይገበረን ነይሩ። እስራኤላውያን ከኣ ዜድልዮም ነገራት ከም ዘይተማልኣሎም ብምግላጽ መሊሶም ኬጕረምርሙ ጀመሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ማይ ብምስኣኖም “ንሙሴ ተቛየቝዎ።” የሆዋ ብሙሴ ኣቢሉ ብዙሕ ተኣምራት ገይሩ እኳ እንተ ነበረ፡ ሙሴ እውን ብሓልዮት ይመርሖም እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ህዝቢ ግና ኣጕረምረሙ። ብዛዕባ ስእነት ማይ ጥራይ እውን ኣይኰነን ኣጕረምሪሞም፣ ሙሴ ያኢ ብጽምኦም ተሓታቲ ኸም ዝዀነ ገይሮም ብዛዕባኡ እውን ኣጕረምሪሞም እዮም።—ዘሁ. 20:1-5, 9-11።
ዓቕሊ ድለ እሞ ንየሆዋ ባህ ኣብሎ
20 ሽዑ፡ ሙሴ ስለ እተቘጥዐ፡ ልኡም ምላሽ ኣይኰነን ሂብዎም። ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ብእምነት ነቲ ኸውሒ ኣብ ክንዲ ዚዛረቦ፡ ነቶም ህዝቢ ብምረት እዩ ተዛሪብዎም፣ ባዕሉ ተኣምር ከም ዚገብር ከኣ እዩ ተዛሪብዎም። ድሕሪኡ፡ ነቲ ኸውሒ ኽልተ ሳዕ ወቕዖ፣ ብዙሕ ማይ ከኣ ወጸ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብሰንኪ ትዕቢትን ቍጥዓን ከቢድ ጌጋ ገበረ። (መዝ. 106:32, 33) ስለዚ፡ ሙሴ ንእተወሰነ እዋን ዓቃል ብዘይምዃኑ፡ ናብታ ምድሪ ተስፋ ኺኣቱ ኣይተፈቕደሉን።—ዘሁ. 20:12።
21 ካብዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ኣገዳሲ ትምህርትታት ንረክብ ኢና። ቀዳማይ፡ ወትሩ ዓቃላት ንምዃን ክንጽዕር ኣሎና። ንእተወሰነ እዋን እኳ ዕሽሽ እንተ ኢልናዮ፡ ትዕቢት መሊሱ ሱር ኪሰድድ እሞ ናይ ዕሽነት ዘረባ ኸም እንዛረብን ናይ ዕሽነት ተግባር ከም እንገብርን ኪገብረና ይኽእል እዩ። ካልኣይ፡ ውጥረት ኬዳኽመና ይኽእል እዩ፣ ስለዚ፡ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ እውን እንተ ዀነ፡ ዓቃላት ንምዃን ክንጽዕር ኣሎና።
ብቕንዕና ዚፈርድ ፈራዲ
ቀዳማይ፡ ኣምላኽ ንሙሴ ይትረፍዶ ነቶም ህዝቢ ዓለወኛታት ኢሉ ኺፈርዶም፡ ኪዛረቦም እውን ኣይኣዘዞን። ካልኣይ፡ ሙሴን ኣሮንን ንኣምላኽ ክብሪ ኣይሃቡን። ኣምላኽ፡ “ክትቅድሱኒ ብኣይ ስለ ዘይአመንኩም” በሎም። (ቍጽሪ 12) ሙሴ፡ “ማይ ከነውጽኣልኩም ኢና” ብምባል ነቲ ተኣምራዊ ማይ፡ ኣምላኽ ዘይኰነስ ንሱን ኣሮንን ከም ዝሃብዎም ገይሩ ተዛረበ። ሳልሳይ፡ እቲ እተዋህቦም ፍርዲ ምስቲ ዝሓለፈ ፍርድታት ዚመሳሰል እዩ ነይሩ። ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዓለወኛ ወለዶ ናብ ከነኣን ከይኣቱ ኸልኪልዎ ነበረ፡ ንሙሴን ኣሮንን እውን ከምኡ እዩ ገይርዎም። (ዘሁልቍ 14:22, 23) ራብዓይ፡ ሙሴን ኣሮንን መራሕቲ እስራኤል እዮም ነይሮም። እቶም ብዙሕ ሓላፍነታት ዘለዎም ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝያዳ ተሓታትነት እዩ ዘለዎም።—ሉቃስ 12:48።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ንሰብኣዊ ድኽመት ከምቲ የሆዋ ዚርእዮ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ፧
12 ኣብ ኵሉ እዚ እተጠቕሰ ዅነታት፡ የሆዋ ንኣሮን ሽዑ ንሽዑ ኪቐጽዖ ምኸኣለ ነይሩ። ግናኸ፡ የሆዋ፡ ኣሮን ድኽመት እኳ እንተ ነበሮ፡ ክፍኣት ግና ኸም ዘይነበሮ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኣሮን፡ ንዅነታትን ንጽልዋ ኻልኦት ሰባትን ካብ ቅኑዕ መገዲ ንኼላግሶ ስለ ዝፈቐደሉ እዩ ተጋግዩ። ጌጋኡ ምስ ተነግሮ ግና፡ ዓይኑ ኸይሓሰየ ተኣሚኑ፡ ንፍርዲ የሆዋ ኸኣ ደጊፉ እዩ። (ዘጸ. 32:26፣ ዘሁ. 12:11፣ 20:23-27) የሆዋ ኣብ እምነትን ነስሓን ኣሮን ኬተኵር መረጸ። ድሕሪ ዘመናት ከኣ፡ ኣሮንን ዘርኡን ንኣምላኽ ዚፈርሁ ሰባት ከም ዝነበሩ እዮም ዚጥቀሱ ነይሮም።—መዝ. 115:10-12፣ 135:19, 20።
19-25 ሚያዝያ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሁልቍ 22-24
“የሆዋ ንመርገም ናብ ምረቓ ይቕይሮ”
“ብዛዕባ የሱስ ወንጌል” ምስባኽ
5 ሎሚ እውን ከም ቀዳማይ ዘመን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ ዚወርድ መስጐጕቲ ንስብከቶም ደው ኣየበሎን። ንክርስትያናት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምድጓን ወይ ናብ ካልእ ሃገር ከም ዚስደዱ ምግባር፡ ነቶም ኣብቲ ቦታ እቲ ዚርከቡ ሰባት መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንምብጻሕ ጥራይ እዩ ሓጊዙ። ንኣብነት፡ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ናዚ እተዳጐኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜደንቕ ምስክርነት ኪህቡ ኺኢሎም እዮም። ሓደ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተራኸበ ኣይሁዳዊ፡ “እቶም እሱራት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበሮም ጽንዓት፡ እምነቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም እተመስረተት ኣእሚኑኒ፣ ኣነ እውን ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ” በለ።
it-2 291
ጽላለ
ንየሆዋ ናይ ምጽራር ጽላለ። ነብዪ በላዓም ካብ ባላቅ ንጉስ ሞኣባውያን ገንዘብ ኪረክብ ኢሉ ብዕሽነት ተላዒሉ ንእስራኤል ኪረግሞ ደልዩ ነይሩ እዩ፣ የሆዋ ግና ንጻዕርታቱ ገልቢጥዎን ዓጊትዎን እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ብዛዕባ በላዓም፡ “ዓባስ መጽዓኛ ብድምጺ ሰብ ተዛሪባስ ንጽላለ እቲ ነብዪ ዓጊታቶ እያ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንጽላለ በላዓም ብዚምልከት ፓራፍሮኒያ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እዩ ተጠቒሙ፣ እዛ ቓል እዚኣ ኸኣ “ኣእምሮኻ ምስሓት” ዚብል ሓሳብ ኣለዋ።—2ጴጥ 2:15, 16፣ ዘሁ 22:26-31።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ ኦሪት ዘሁልቍ ዚጐልሕ ነጥብታት
22:20-22—ኵራ የሆዋ ኣብ በላዓም ዝነደደ ስለምንታይ እዩ፧ የሆዋ ንበላዓም፡ ንእስራኤላውያን ኪረግሞም ከም ዘይብሉ ነጊርዎ ነይሩ። (ዘሁልቍ 22:12) ይኹን እምበር፡ እዚ ነብዪ እዚ ንእስራኤላውያን ኪረግም ኢሉ ምስቶም ባላቕ ዝለኣኾም ሰብኡት ከደ። በላዓም ንንጉስ ሞኣብ ኣሐጒሱ ዓስቢ ኪቕበል ደለየ። (2 ጴጥሮስ 2:15, 16፣ ይሁዳ 11) ንእስራኤላውያን ኣብ ክንዲ ዚረግም ኪምርቕ ምስ ተገደደ እውን፡ ንበዓል ዜምልኻ ኣንስቲ ንእስራኤላውያን ሰብኡት ኬስድዓኦም ሓሳብ ብምሃብ ሞገስ እቲ ንጉስ ኪረክብ ጸዓረ። (ዘሁልቍ 31:15, 16) ስለዚ፡ እቲ ነብዪ እዚ ዘይበሃል ስስዐ ስለ ዝነበሮ እዩ ኵራ ኣምላኽ ኣብኡ ዝነደደ።
26 ሚያዝያ–2 ግንቦት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሁልቍ 25-26
“ሓደ ሰብ ጽልዋ ኼሕድር ይኽእል ድዩ፧”
“ካብ ምንዝርና ህደሙ!”
ሓደ ሰብ ዓሳ ኺሕዝ ምስ ደለየ፡ ናብ ሓንቲ ዚደልዮ ዓይነት ዓሳ ዚርከበላ ቦታ ኸደ። ነቲ ዓይነት ዓሳ እትስሕቦ መህረሪ ኣብቲ ዓንቃሪቦ ገይሩ ድማ፡ ነቲ መቝለብ ዓሳ ናብቲ ማይ ደርበዮ። ድሕርዚ፡ ብትዕግስቲ ኺጽበ ጀመረ። ሓደ ዚደልዮ ዓይነት ዓሳ መጺኡ ነቲ መህረሪ ምስ ኰለሶ፡ እቲ ዓንቃሪቦ ኣብ ኣፉ ተሸኽተ። እቲ ገፋፍ ዓሳ ድማ ነቲ እተታሕዘ ዓሳ ስሒቡ ኣውጽኦ።
2 ሰባት እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኺትሓዙ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፊሮምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን፡ ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ቝሩብ እዩ ተሪፍዎም ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ንጉስ ሞኣብ ንሓደ በላዓም ዝስሙ ሰብኣይ፡ ንእስራኤላውያን እንተ ረጊምዎም፡ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዚህቦ ቓል ኣተወሉ። በላዓም ከኣ ንእስራኤላውያን ኣብ ገዛእ ርእሶም መርገም ኬምጽኡሉ ዚኽእሉ መገዲ ረኸበ። ተጠንቂቑ መህረሪ ሓረየ። ኣዋልድ ሞኣብ ንእስራኤላውያን ሰብኡት ምእንቲ ኼስሕታኦም፡ ናብ ሰፈሮም ሰደደን።—ዘሁልቍ 22:1-7፣ 31:15, 16፣ ራእይ 2:14።
“ካብ ምንዝርና ህደሙ!”
4 ብዙሓት እስራኤላውያን ብውዲት በላዓም ዝወደቑ ስለምንታይ እዮም፧ ብዛዕባ ተድላኦም ጥራይ እዮም ዚሓስቡ ነይሮም፣ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝገበረሎም እውን ኣይዘከርዎን። እስራኤላውያን ንኣምላኽ እሙናት ዚዀኑሉ ብዙሕ ምኽንያታት ነይርዎም እዩ። ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ኣውጺእዎም፡ ኣብ በረኻ መጊብዎም፡ ናብ ዶብ እታ ምድሪ ተስፋ እውን ብደሓን ኣብጺሕዎም እዩ። (እብራውያን 3:12) እዚ ዀይኑ ግና፡ ብምንዝርና ስሒቶም እዮም። ስለዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ . . . ዝወደቑ፡ ኣይንመንዝር” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 10:8።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 359 ¶1-2
ዶብ
ነታ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ነገዳት እተማቐሉሉ መገዲ ብኽልተ ረቛሒ፡ ማለት ብዕጫን ብብዝሒ እቲ ነገድን እተጸልወ እዩ ዚመስል። እቲ ዕጫ፡ ርስቲ እቲ ነገድ ኣበየናይ ከባቢ ኸም ዚኸውን፡ ማለት እቲ ርስቲ ኣብ ሰሜን ወይ ደቡብ፡ ኣብ ምብራቕ ወይ ምዕራብ፡ ኣብ ገማግም ወይ ኣኽራን ከም ዚኸውን እዩ ዚውስን ነይሩ ዚኸውን። እቲ ብዕጫ ዚውሰን ካብ የሆዋ ብምዃኑ፡ ኣብ መንጎ እቶም ነገዳት ቅንኢ ወይ ባእሲ ኸም ዘይፍጠር ገይሩ እዩ። (ምሳ 16:33) በዚ ኸምዚ፡ ኣምላኽ ነቲ ዅነታት ብምምራሕ፡ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ምስቲ ኣቦኦም ያእቆብ ኣብ ዘፍጥረት 49:1-33 ኣብ ኣጋ ሙማቱ ብድራኸ መንፈስ እተዛረቦ ትንቢት ከም ዚሰማማዕ ገይርዎ።
ሓደ ነገድ ኣበይ ከባቢ ኪኸውን ከም ዘለዎ ብዕጫ ምስ ተወሰነ፡ ስፍሓት እቲ ርስቱ ብመሰረት እቲ ኻልኣይ ረቛሒ ማለት፡ ብብዝሑ እዩ ዚውሰን ነይሩ። “ነታ ምድሪ ኣብ መንጎ ዓሌታትኩም ብዕጫ ተማቒልኩም ተረስተይዋ። ነቶም ብዙሓት፡ ርስቲ ኣግፍሑሎም፣ ነቶም ሒደት ከኣ፡ ርስቲ ኣንእሱሎም። ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ዕጫኡ ዝበጽሓቶ ይረስተ።” (ዘሁ 33:54) ብመሰረት እቲ ብዕጫ ዚግበር ውሳነ ሓፈሻዊ ኸባቢ ይውሰን እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ግፍሒ እቲ ርስቲ ግና ምትዕርራይ ይግበር ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ብጽሒት ይሁዳ እምብዛ ስለ ዝገፍሐ፡ ገሊኡ መሬት ኻብኡ ተነክዩ ንነገድ ስምኦን ተዋሂቡ እዩ።—እያ 19:9።