ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr21 መስከረም ገጽ 1-10
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 6-12 መስከረም
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 13-19 መስከረም
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 20-26 መስከረም
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 27 መስከረም–3 ጥቅምቲ
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 4-10 ጥቅምቲ
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 11-17 ጥቅምቲ
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 18-24 ጥቅምቲ
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 25-31 ጥቅምቲ
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2021
mwbr21 መስከረም ገጽ 1-10

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

6-12 መስከረም

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘዳግም 33-34

“ኣብ ‘ዘለኣለማውያን ቀላጽም’ የሆዋ መዕቈቢ ድለ”

it-2 51

የሹሩን

ንእስራኤል እተዋህበ ናይ ክብሪ መጸውዒ። ኣብቲ ናይ ግሪኽኛ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት፡ “የሹሩን” ከም መግለጺ ፍቕሪ ዀይኑ እዩ፣ ማለት “ፍቑር” ተባሂሉ ተተርጒሙ እዩ። እቲ “የሹሩን” ዚብል መጸውዒ ንእስራኤል ምስ የሆዋ ኺዳን እተኣታተወ ህዝቢ ምዃኑ፡ ስለዚ ድማ ቅኑዕ ኰይኑ ኺመላለስ ከም ዘለዎ ዜዘክር እዩ ነይሩ። (ዘዳ 33:5, 26፣ ኢሳ 44:2) ኣብ ዘዳግም 32:15፡ እቲ የሹሩን ዚብል ስም ብኣሽካዕላል እዩ ኣትዩ ዘሎ። እስራኤል ከም ስሙ የሹሩን ኣብ ክንዲ ዚኸውን፡ ፈጺሙ ዘይልለ ዀይኑ፡ ንጐይታኡ ሓዲግዎ፡ ንመድሓኒኡ እውን ንዒቕዎ ነይሩ።

rr 120፡ ሳጹን

ብኣእጋርና ደው ክንብል ዚውሃበና ሓገዝ

ካብ ግዜ ህዝቅኤል ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ነብዪ ሙሴ፡ የሆዋ ንህዝቡ ብርታዐኡ ንምጥቃም ዓቕሚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ድሌት እውን ከም ዘለዎ ኺሕብር ከሎ፡ “ካብ ጥንቲ፡ ኣምላኽ መዕቈቢ እዩ፡ ዘለኣለማውያን ቀላጽሙ ኣብ ትሕቴኻ እየን” ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 33:27) እወ፡ ብግዜ ጭንቂ ናብ የሆዋ እንተ ተጸጊዕና፡ ንሱ ነተን ሓለይቲ ቐላጽሙ ኣብ ትሕቴና ገይሩ ብለውሃት ኬልዕለና፡ ብኣእጋርና ደው ክንብል ድማ ኪሕግዘና እዩ።—ህዝ. 37:10።

w11 15/9 19 ¶16

በቲ መቀዳደሚ ብትዕግስቲ ጕየ

16 ሙሴ እውን ከም ኣብርሃም፡ መብጽዓ ኣምላኽ ኪፍጸም ከሎ ኣይረኣየን። እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ቐቅድሚ ምእታዎም፡ ኣምላኽ ንሙሴ፡ “ነታ ኣነ ንደቂ እስራኤል ዝህቦም ምድሪ ኣማዕዲኻ ትርእያ፡ ናብኣ ግና ኣይትአቱን ኢኻ” በሎ። ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያት ድማ፡ ሙሴን ኣሮንን ኣብ ማይ መሪባ ብህዝቢ እስራኤል ተቘጢዖም፡ ንኣምላኽ ‘ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ስለ ዝጠለምዎን ስለ ዘይቀደስዎን እዩ።’ (ዘዳ. 32:51, 52) እሞኸ ሙሴ በዚ ኣማሪሩ ወይ ተቐይሙ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ነቶም ህዝቢ በረኸት የሆዋ ንኺረኽቡ ለሚኑሎም እዩ። “ዎ እስራኤል፡ ብጹእ ኢኻ፡ ብእግዚኣብሄር ዝደሐነ ህዝቢ መን እዩ ኸማኻ፧ ዋልታ ሓገዝካ፡ ንሱ ድማ ሴፍ ሓበንካ እዩ” ብዚብል ቃላት ከኣ ደምደመ።—ዘዳ. 33:29።

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-2 439 ¶3

ሙሴ

ሙሴ ኺመውት ከሎ፡ ወዲ 120 ዓመት እዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንተፈጥሮኣዊ ብርታዐኡ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣዒንቱ ኣይሓመቓን፡ ሓይሉ እውን ኣይደኸመን ነበረ” ይብል። የሆዋ ንዕኡ ኣብ ዘይተፈልጠ ቦታ እዩ ቐቢርዎ። (ዘዳ 34:5-7) ከምኡ ዝገበረ ኸኣ፡ እስራኤላውያን ንመቓብሩ ኸም ቅዱስ ቦታ ገይሮም ብምርኣይ ኣብ መጻወድያ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኸይወድቁ ኢሉ እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ድያብሎስ ንሬሳ ሙሴ፡ ንኸምዚ ዝበለ ዕላማ ኺጥቀመሉ ሓሲቡ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ፣ ከመይሲ፡ እቲ ክርስትያን ወደ መዝሙርን ንየሱስ ብኣደ ሓዉን ዝዀነ ይሁዳ፡ “ሚካኤል እቲ ሊቀ መላእኽቲ ግና፡ ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ ምስ ድያብሎስ ዜከራኽር ኣልይዎ ምስ ተማጐተ፡ ‘የሆዋ ይግናሕካ’ ደኣ በሎ እምበር፡ ብጸርፊ ኺፈርዶ ኣይደፈረን” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ይሁ 9) እስራኤላውያን ብመሪሕነት እያሱ ናብ ከነኣን ቅድሚ ምስጋሮም፡ ንሙሴ 30 መዓልቲ በኽዮምሉ እዮም።—ዘዳ 34:8።

13-19 መስከረም

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እያሱ 1-2

“መገድኻ ብኸመይ ተቕንዕ፧”

w13 15/1 8 ¶7

ትባዕ—የሆዋ ምሳኻ እዩ!

7 ፍቓድ ኣምላኽ ንኽንገብር ትብዓት ምእንቲ ኺህልወና፡ ንቓሉ ኸነጽንዖን ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎን ይግባእ። እያሱ ንሙሴ ኽትክኦ ኸሎ፡ የሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝአዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደኣ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። . . . ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ።” (እያ. 1:7, 8) እያሱ ነዚ ምኽሪ እዚ ስዒብዎ፡ ‘መገዱ እውን ቀኒዕዎ እዩ።’ ንሕና እውን ከምኡ እንተ ጌርና፡ ዓብዪ ትብዓት ኪህልወና፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ከኣ ኪቐንዓና እዩ።

w13 15/1 11 ¶20

ትባዕ—የሆዋ ምሳኻ እዩ!

20 ኣብዛ እከይን ሽግርን ዝመልኣ ዓለም ፈተናታት እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርና ኽንነብር ቀሊል ኣይኰነን። ኰይኑ ግና በይንና ኣይኰንናን። ኣምላኽ ምሳና እዩ። እቲ ርእሲ ጉባኤ ዝዀነ ወዱ እውን ምሳና እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 7,000,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብጾትና ኣለዉ። እምበኣር ምስኣቶም ሓቢርና፡ ነታ ‘ጽናዕ፡ ትባዕ፡ የሆዋ ኣምላኽካ ምሳኻ እዩ’ እትብል ጥቕሲ ዓመት 2013 እናዘከርና፡ ወትሩ እምነት ነርኢ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብቐጻሊ ንስበኽ።—እያ. 1:9።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w04 1/12 9 ¶1

ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት

2:4, 5—ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ንኺደልዩ ንጉስ ዝለኣኾም ሰባት ዜጋገየቶም ስለምንታይ እያ፧ ረሃብ ኣብ የሆዋ እምነት ስለ ዝነበራ ነቶም ሰለይቲ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ብምውዳቕ እያ ኣዕቚባቶም። ነቶም ንህዝቢ ኣምላኽ ኬጥፍኡ ዚደልዩ ዝነበሩ ሰባት ከኣ እቶም ሰለይቲ ኣበይ ከም ዘለዉ ኽትነግሮም ግዴታ ኣይነበራን። (ማቴዎስ 7:6፣ 21:23-27፣ ዮሃንስ 7:3-10) አረ፡ ረሃብሲ ‘ብግብሪ ጸዲቓ እያ።’ እዚ ግብሪ እዚ ኸኣ ነቶም ተወከልቲ እቲ ንጉስ ዜጋገየቶም ምግጋይ እውን ዜጠቓልል እዩ።—ያእቆብ 2:24-26

20-26 መስከረም

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እያሱ 3-5

“የሆዋ እምነት ንዜርእዩ ይባርኾም”

it-2 105

ዮርዳኖስ

መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ብትሕቲ ባሕሪ ገሊላ ዘሎ ኽፋል ዮርዳኖስ፡ ካብ 1 ኽሳብ 3 ሜተር ዝዕምቈቱ፡ 27 ክሳብ 30 ሜተር ከኣ ዝግፍሑ እዩ። ኣብ እዋን ዓጺድ ግና፡ ገማግም ዮርዳኖስ መሊኡ ስለ ዚውሕዝ፡ እቲ ፈለግ ይዓምቝን ይገፍሕን ነይሩ እዩ። (እያ 3:15) ኣብቲ ዝመልኣሉ እዋን፡ እቶም ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዚርከብዎም ህዝቢ እስራኤል ንዮርዳኖስ ኪሰግሩ፡ ምናዳ ኸኣ ብጥቓ ያሪኮ ኣቢሎም ኪሰግሩ ሓደገኛ እዩ ነይሩ። ኣብኡ ዘሎ ውሒዝ ኣዝዩ ብርቱዕ ብምዃኑ፡ ኣብ ቀረባ ግዜያት እኳ ሰብነቶም ዚሕጸቡ ዝነበሩ ብውሒዝ ተወሲዶም እዮም። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ብተኣምር ንዮርዳኖስ ገደቦ፣ እስራኤላውያን ከኣ ብንቑጽ መሬት ኪሰግሩ ኸኣሉ። (እያ 3:14-17) ድሕሪ ዘመናት፡ ሓንሳእ ኤልያስ ምስ ኤልሳእ እናኸደ ከሎ፡ ሓንሳእ ከኣ ኤልሳእ በይኑ ኸሎ፡ ተመሳሳሊ ተኣምር ኰይኑ እዩ።—2ነገ 2:7, 8, 13, 14።

w13 15/9 15-16 ¶17

ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ሓጐስ ልብኻ ግበሮ

17 እቲ ብእምነት እንፍጽሞ ተግባራት፡ ነቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ወይ እምንቶ ዜደልድሎ ብኸመይ እዩ፧ ነቲ፡ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ናብ ምድሪ ተስፋ ኺኣትዉ ኸለዉ ዘጋጠሞም ነገራት ዚገልጽ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዘሎ ጸብጻብ ንመርምር። የሆዋ ነቶም ታቦት ኪዳን ጸይሮም ዝነበሩ ኻህናት ንርባ ዮርዳኖስ ብእግሮም ንኺሳገርዎ ኣዘዞም። ግናኸ፡ እቶም ህዝቢ ናብቲ ርባ እናቐረቡ ምስ ከዱ፡ ብዝናም ጽድያ መሊኡ፡ ከም ዘዕለቕለቐ ኺርእይዎ ኽኢሎም እዮም። እሞኸ፡ እስራኤላውያን ኣብቲ ግዜ እቲ እንታይ ገበሩ፧ ኣብ ወሰን እቲ ርባ ብምስፋር፡ እቲ ማይ ክሳዕ ዚጐድል ንሰሙናት ኪጽበዩ ድዮም ወሲኖም፧ ኣይፋሎምን። ኣብ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ብምውካል ንመምርሒኡ ስዒቦም እዮም። ከምኡ ብምግባሮምከ እንታይ ውጽኢት ተረኽበ፧ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ኣእጋር እቶም ታቦት ኪዳን ዝጾሩ ኻህናት ገምገም ማይ ዮርዳኖስ ምስ ጠምዓ . . . እቲ ኻብ ላዕሊ ዚወርድ ዝነበረ ማይ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ደው በለ . . . እቶም ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ዚጾሩ ኻህናት ከኣ ኣብቲ ማእከል ዮርዳኖስ፡ ኣብቲ ንቑጽ ቀጥ ኢሎም ደው ኢሎም ነበሩ። ብዘሎ እቲ ህዝቢ ፈጺሙ ንዮርዳኖስ ክሳዕ ዚሳገሮ፡ ኵሉ እስራኤል በቲ ንቑጽ ሐለፈ።” (እያ. 3:12-17) እስራኤላውያን፡ እቲ ኣዕለቕሊቑ ዝነበረ ብርቱዕ ማይ ኬቋርጽ ኪርእይዎ ኸለዉ ኽሳዕ ክንደይ ተሓጒሶም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉስ ብኣእምሮኻ እሞ ስኣሎ! እወ፡ እስራኤላውያን ብመምርሒታት የሆዋ ስለ እተኣመኑ፡ እምነቶም ደልዲላ እያ።

w13 15/9 16 ¶18

ንመዘኻኸሪታት የሆዋ ሓጐስ ልብኻ ግበሮ

18 ሎሚ የሆዋ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ተኣምራት ከም ዘይፍጽም ፍሉጥ እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ብእምነት ዚፍጽምዎ ተግባራቶም ግና፡ ይባርኾ እዩ። መንፈስ ቅዱሱ ብምሃብ፡ ንዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ዓለም ንኺፍጽምዎ ሓይሊ ይህቦም እዩ። እቲ ቐንዲ ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኪዱ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ፣ . . . እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መደምደምታ ስርዓት ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል ኣብዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ኸም ዚድግፎም ኣረጋጊጹሎም እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ሓፋራት ከም ዝዀኑ ዚስምዖም ዝነበረ ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንዚረኽብዎም ዘይፈልጥዎም ሰባት ብትብዓት ኪዛረብዎም ከም ዝኸኣሉ ይምስክሩ እዮም።—መዝሙር 119:46፣ 2 ቈረንቶስ 4:7 ኣንብብ።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w04 1/12 9 ¶2

ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት

5:14, 15—እቲ “ሓለቓ ሰራዊት እግዚኣብሄር” መን እዩ፧ እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ኺስዕሩ ኺጅምሩ ኸለዉ ንእያሱ ኼበራትዖ ዝመጸ መስፍን ካብቲ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ “ቓል” ተባሂሉ ዚጽዋዕ ዝነበረ የሱስ ክርስቶስ ሓሊፉ ኻልእ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ። (ዮሃንስ 1:1፣ ዳንኤል 10:13) ኣብዚ ሎሚ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ተጸሚዶምሉ ዘለዉ እዋን እቲ ግርማ ዝለበሰ የሱስ ክርስቶስ ምስኣቶም ምዃኑ ምፍላጥናስ ኣየ ኽንደይ ዜበራትዕ ኰን እዩ!

27 መስከረም–3 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እያሱ 6-7

“ካብ ከንቱነት ርሓቕ”

w10 15/4 20 ¶5

ንኣዒንትኻ ኻብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን!

5 ድሕሪ ሓያሎ ዘመናት፡ ኣካን ብኣዒንቱ ተታሊሉ፡ ካብታ እተሳዕረት ከተማ ያሪኮ እተወሰነ ንብረት ሰረቐ። ብዘይካ እቲ ኣብ ቤት መዝገብ የሆዋ ዚኣቱ እተወሰነ ነገራት፡ ኵሉ እቲ ኣብታ ኸተማ እተረኽበ ዘበለ ኺጠፍእ፡ ኣምላኽ ኣዚዙ ነይሩ እዩ። ንእስራኤላውያን፡ “ካብቲ እተሐርመ ኸይትወስዱ . . . ካብቲ እተሐርመ ነገር ተጠንቀቑ” ዚብል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። ኣካን ነዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ጠሓሰ፡ እስራኤላውያን ብደቂ ኸተማ ዓይ ተሳዕሩ፡ እተወሰኑ ሰባት እውን ሞቱ። ኣካን ስርቁ ኽሳዕ ዚቃላዕ፡ ጌጋኡ ኣይተኣመነን። ኣብ መወዳእታ ግን፡ “[ነቲ እተዘምተ] ምስ ርኤኹ፡ ሽዑ ተመኔኽዎ እሞ ወሰድክዎ” በለ። እቲ ብኣዒንቱ ርእዩ እተመነዮ ነገራት፡ ጥፍኣት ኣምጸኣሉ፣ “ዘለዎ ዅሉ” እውን ምስኡ ጠፍአ። (እያ. 6:18, 19፣ 7:1-26) ኣካን ነቲ ኽልኩል ነገር ብልቡ ተመነዮ።

w97 15/8 28 ¶2

ሕማቕ ነገር ምስ ዝግበር ክንነግር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሓደ ካብቲ እተገብረ ጌጋ ንዝምልከቶም ሰባት ክነግረሉ ዘሎና ምኽንያት ናይታ ጉባኤ ጽፈት ንምሕላው ስለ ዝጠቅም ኢዩ። የሆዋ ጽፉፍ፡ ቅዱስ ኣምላኽ ኢዩ። ኵሎም እቶም ዘምልኽዎ ድማ ብመንፈስን ስነ-ምግባርን ጽፉፋት ክዀኑ ኢዩ ዝደልዮም። እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ከምዚ ኢሉ ይምዕድ፦ “ከም እዙዛት ውሉድ እምበር፡ ከምቲ ብዘመን ድንቍርና ኸሎኹም ዝገበርኩምዎ ናይ ቀደም ትምኒት ኣይትግበሩ፡ ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ።” (1 ጴጥሮስ 1:14-16) ዘይጽፉፍ ወይ ጌጋ ተግባራት ዝገበሩ ውልቀ-ሰባት ንምዕራይ ወይ ንምውጻእ ስጕምቲ እንተ ዘይተወሲዱ ርኽሰት ከምጽኡ ይኽእሉ፡ እታ ጉባኤ ድማ ብምልእታ ስምረት የሆዋ ትስእን።—ምስ እያሱ ምዕራፍ 7 ኣረኣእዮ።

w10 15/4 21 ¶8

ንኣዒንትኻ ኻብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን!

8 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍትወት ኣዒንትን ብፍትወት ስጋን ፈጺሞም ዘይጽለዉ ኣይኰኑን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቃል ኣምላኽ ምስቲ እንርእዮን እንብህጎን ነገራት ብእተተሓሓዘ፡ ርእስና ኽንግስጽ የተባብዓና እዩ። (1 ቈረ. 9:25, 27፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17 ኣንብብ።) እቲ ቕኑዕ ዝነበረ እዮብ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ምርኣይን ምምናይን ዘሎ ሓያል ምትእስሳር ኣስተውዒሉሉ ነበረ። ስለዚ ድማ፡ “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧” በለ። (እዮ. 31:1) ንሰበይቲ ብርኹስ ኣገባብ ከይትንክፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ኸምዚ ዓይነት ሓሳብ ከየእቱ እውን እዩ ቘሪጹ። የሱስ እውን፡ ኣእምሮ ኻብ ርኹስ ሓሳባት ንጹህ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኼጕልሕ ከሎ፡ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” በለ።—ማቴ. 5:28።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w15 15/11 13 ¶2-3

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ብግዜ ጥንቲ፡ መጥቃዕቲ ዚፍንዉ ሰራዊት ንእተዓርደት ከተማ ምኽባብ ልሙድ እዩ ነይሩ። ዕዉት ከበባ ዚጸንሓሉ ንውሓት ብዘየገድስ፡ እቶም ተዓወትቲ ንሃብቲ እታ ኸተማ፡ እንተላይ ንዝተረፈ ቐለብ እታ ኸተማ ይዘምትዎ ነይሮም እዮም። ኣብ ዑናታት ያሪኮ ግና፡ ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ ብዙሕ እኽሊ እዮም ረኺቦም። ብዛዕባ እዚ ኸኣ ቢብሊካል ኣርክዮሎጂ ረቪው ከምዚ ይብል፦ “ኣብቲ ዑና፡ ንስርሓት ካይላ ሓዲግካ ብብዝሒ እተረኽበ ነገር እኽሊ እዩ ነይሩ። . . . ኣብ መዛግብቲ ስነ ጥንቲ ፍልስጥኤም እዚ ፍሉይ ነገር እዩ። ምናልባት ሓደ ሳርማ ወይ ክልተ ሳርማ እኽሊ ዚርከብ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣዝዩ ብዙሕ እኽሊ ምርካብ ግና ተራእዩ ዘይፈልጥ ነገር እዩ።”

ብመሰረት እቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ጸብጻብ፡ እስራኤላውያን ንእኽሊ ያሪኮ ዘይዘመቱሉ ጽቡቕ ምኽንያት ነይርዎም። የሆዋ ኸይዘምቱ ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (እያ. 6:17, 18) እስራኤላውያን ደድሕሪ እቲ ግዜ ዓጺድ፡ እኽሊ ብብዝሒ ኣብ ዚርከበሉ እዋን እዮም መጥቃዕቶም ፈንዮም። (እያ. 3:15-17፣ 5:10) ኣብ ያሪኮ ብዙሕ እኽሊ ኺርከብ ምኽኣሉ፡ ከበባ እስራኤላውያን ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ሓጺር ምንባሩ ይሕብር።

4-10 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እያሱ 8-9

“ካብ ታሪኽ ጊብዖናውያን እንረኽቦ ትምህርቲ”

it-1 930-931

ጊብዖን

ርክብ ምስ እያሱ። ብዘመን እያሱ፡ ሓደ ኻብቶም ኺጠፍኡ እተመደቡ ሸውዓተ ህዝብታት ከነኣን ዝዀኑ ሒዋውያን እዮም ኣብ ጊብዖን ዚነብሩ ነይሮም። (ዘዳ 7:1, 2፣ እያ 9:3-7) ጊብዖናውያን፡ ኣሞራውያን ተባሂሎም እውን ተጸዊዖም ኣለዉ፣ እዚ መጸውዒ እዚ ኣብ ገሊኡ መዳያት ንዅሎም ከነኣናውያን ዚዕየየሉ ዝነበረ እዩ ዚመስል። (2ሳሙ 21:2፣ ምስ ዘፍ 10:15-18፣ 15:16 ኣረኣኢ።) እንተዀነ ግና፡ ጊብዖናውያን ካብ ካልኦት ከነኣናውያን እተፈልየ ኣረኣእያ ኣሕደሩ። ብርቱዓት ተዋጋእቲ እኳ እንተ ነበርዎም፡ ከተማኦም እውን ዓባይ እኳ እንተ ነበረት፡ የሆዋ ንእስራኤላውያን ስለ ዚዋግኣሎም፡ ምሳታቶም ተቓሊሶም ከም ዘይሰልጦም ፈለጡ። ስለዚ፡ ድሕሪ ጥፍኣት ያሪኮን ዓይን፡ ሰብ ጊብዖን ናብ እያሱ ናብ ጊልጋል ልኡኻት ልኢኾም ሰላም ኪገብሩ ለመኑ። እቶም ልኡኻት ነተን ከፊራን ብኤሮትን ቂርያት-የዓሪምን ዚብሃላ ሰለስተ ኸተማታት ሒዋውያን እውን ዚውክሉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። (እያ 9:17) ንሳቶም ድማ ዝበለየ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ዝኣረገ ኣሳእን ወድዮም፡ እተቐድደን እተለገበን ኣሕርብቲ ወይኒ ሒዞም፡ ዝነቐጸን እተረፋረፈን እንጌራ ኣብ ዝኣረገ ኸረጺት ገይሮም ካብ ርሑቕ ሃገር ከም ዝመጹ መሲሎም ቀረቡ፣ በዚ ኸምዚ፡ ኣብታ እስራኤላውያን ኪርስተይዋ ዝደለዩ ዓዲ ኸም ዘይነብሩ ኣምሰሉ። እቲ ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ ግብጺ ዝወረደ ነገር፡ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ልዕሊ ሲሆንን ዖግን ዚብሃሉ ኽልተ ነገስታት ኣሞራውያን ዝወረደ ነገር ሳላ ኢድ የሆዋ ምዃኑ ገለጹ። ኰይኑ ግና፡ ጐራሓት ብምዃኖም ያሪኮን ዓይን እንታይ ከም ዝዀና ኣይጠቐሱን፣ ስለምንታይሲ፡ ካብቲ “ኣዝዩ ርሑቕ ሃገር” ዝበልዎ ቕድሚ ምንቃሎም፡ እቲ ወረ እቲ ኺበጽሖም ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ሹማምንቲ እስራኤል ከኣ ነቲ መርትዖ መርሚሮም ስለ እተቐበልዎ፡ ብህይወት ከም ዚሓድግዎም ኪዳን ኣተዉሎም።—እያ 9:3-15።

w11 15/11 8 ¶14

“ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ”

14 ኵላትና፡ እንተላይ እቶም ምኩራት ሽማግለታት፡ ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና ውሳነታት ክንገብር ከለና ኻብ የሆዋ መምርሒ ኻብ ምድላይ ከይንቝጠብ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ጊብዖናውያን ብጕርሒ መልክዖም ብምቕያርን ካብ ርሑቕ ሃገር ከም ዝመጹ ብምምሳልን ናብቲ ንሙሴ ዝተክኦ እያሱን ናብ ዓበይቲ እስራኤልን ምስ ቀረቡ ብዛዕባ ዘጋጠመ ዅነታት እሞ ርአ። እያሱን እቶም ካልኦትን ንየሆዋ ኸይሓተቱ ስጕምቲ ብምውሳድ፡ ምስ ጊብዖናውያን ሰላም ገበሩ፡ ኪዳን ድማ ኣተዉሎም። ሽሕኳ የሆዋ ነቲ ስምምዕ እንተ ደገፎ፡ ነቲ እያሱን ሰቡን መምርሒኡ ብዘይምድላዮም ዝገበርዎ ስሕተት ንጥቕምና ኢሉ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ዚምዝገብ ገይሩ ኣሎ።—እያ. 9:3-6, 14, 15።

w04 15/10 18 ¶14

‘ነዛ ምድሪ ዙራ’

14 እቶም ልኡኻት “ገላውኻ ምእንቲ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ኣዝዩ ርሑቕ ሃገር ዝመጻእና ኢና” በሉ። (እያሱ 9:3-9) እቲ ኽዳውንቶምን ስንቆምን ካብ ርሑቕ ከም ዝመጹ ዜምስል ነበረ፡ ከም ሓቂ ግን ጊብዖን ካብ ጊልጋል 30 ኪሎ ሜተር ዚኸውን ጥራይ እያ እትርሕቕ። እያሱን እቶም ሹማምትን ስለ ዝኣመንዎም፡ ምስ ጊብዖንን ከባቢኣ ዘለዋ ኸተማታትን ኪዳን ተኣታተዉ። እቲ ጊብዖናውያን ዝገበርዎ ምትላል ካብ ሞት ዜምልጡሉ መገዲ ጥራይ ድዩ ነይሩ፧ ኣይፋልን፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ሞገስ ኣምላኽ እስራኤል ንምርካብ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። የሆዋ ነቶም ጊብዖናውያን ኣብ መሰውኢ ዚነድድ ዕንጨይቲ ኣብ ምድላው ዜገልግሉ፡ “ነቲ ኣኼባን ንመሰውኢ እግዚኣብሄርን . . . ቘረጽቲ ዕጨይትን ወረዲ ማይን” ኪዀኑ ተቐቢልዎም እዩ። (እያሱ 9:11-27) ጊብዖናውያን ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑት ዕዮ ንምዕያይ ዝነበሮም ፍታው ቀጻሊ እዩ ነይሩ። ገሊኣቶም ኣብ መንጎ እቶም ካብ ባቢሎን እተመልሱ ነቲኒም ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም፡ ኣብታ ዳግም እተሃንጸት ቤተ መቕደስ ከኣ ኣገልገሉ። (እዝራ 2:1, 2, 43-54፣ 8:20) ምስ ኣምላኽ ዘሎና ሰላም ንኽንዕቅብ ብምጽዓርን ኣብ ኣገልግሎቱ ትሑት ዕዮ ንምዕያይ ፍቓደኛታት ብምዃንን ነተሓሳስባኦም ክንቀድሖ ንኽእል ኢና።

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-1 1030

ስቕለት

ኣብ ትሕቲ እቲ የሆዋ ንእስራኤል ዝሃቦ ሕጊ፡ ገሊኦም ገበነኛታት ምስ ተቐትሉ፡ ኣብ ጕንዲ ይስቀሉ ነይሮም እዮም። እቲ ዚስቀል ሰብ “ብኣምላኽ እተረግመ” ብምዃኑ፡ ንህዝቢ መሰክሒ ይኸውን ነይሩ እዩ። በዚ ኸምዚ እተሰቕለ ሬሳ፡ ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ኻብቲ ጕንዲ ወሪዱ ይቕበር ነይሩ እዩ፣ ስለምንታይሲ፡ ምሉእ ለይቲ ኣብ ጕንዲ ምሕዳጉ፡ ነታ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ምድሪ የርክሳ ነይሩ እዩ። (ዘዳ 21:22, 23) ዋላ እውን እቲ ዚቕተል ሰብ እስራኤላዊ እንተ ዘይኰነ፡ እስራኤላውያን ነዚ ሕጊ እዚ ይስዕብዎ ነይሮም እዮም።—እያ 8:29፣ 10:26, 27።

11-17 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እያሱ 10-11

“የሆዋ ኣብ ክንዲ እስራኤል ተዋግአ”

it-1 50

ኣዶኒ-ጼዴቅ

እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዝወረሩላ እዋን ዝነበረ ንጉስ የሩሳሌም። ኣዶኒ-ጼዴቅ ንግስጋሰ ወራሪ ሓይልታት እያሱ ደው ኬብል ኢሉ ምስተን ኣብ ምዕራብ ዮርዳኖስ ዝነበራ ንኣሽቱ መንግስትታት ሓበረ። (እያ 9:1-3) እቶም ኣብ ጊብዖን ዝነበሩ ሒዋውያን ግና ምስ እያሱ ሰላም ገበሩ። ኣዶኒ-ጼዴቅን እቶም ኣርባዕተ ኣሞራውያን ነገስታትን ብሓባር ኰይኖም፡ ካልኦት ናብ ጸላኢ ኸይከድዑ ዝሓለነ ስጕምቲ ወሰዱ፣ በዚ ኸምዚ፡ ንጊብዖን ከቢቦም ተዋግእዋ። እያሱ ንጊብዖናውያን ብመስተንክራዊ መገዲ ምስ ኣድሓኖምን ነቶም ጥሙራት ሓይልታት ምስ ደምሰሶምን፡ እቶም ሓሙሽተ ነገስታት ናብ ማቄዳ ሃደሙ፡ ኣብ በዓቲ እውን ተሓብኡ። እያሱ ባዕሉ ኸኣ ንኣዶኒ-ጼዴቅን ነቶም ኣርባዕተ ነገስታትን ካብቲ በዓቲ ኣውጺኡ ኣብ ቅድሚ ተዋጋእቱ ቐተሎም፣ ድሕርዚ ኣብ ጕንዲ ሰቐሎም። ኣብ መወዳእታ፡ ንሬሳታቶም ናብቲ በዓቲ ደርበይዎ፣ በዚ ኸምዚ እቲ በዓቲ መቓብሮም ኰነ።—እያ 10:1-27።

it-1 1020

በረድ

የሆዋ ተጠቒመሉ። በረድ ሓደ ኻብቲ የሆዋ ቓሉ ንምፍጻምን ዓብዪ ሓይሉ ንምርኣይን እተጠቕመሉ ሓይልታት እዩ። (መዝ 148:1, 8፣ ኢሳ 30:30) እዚ ተመዝጊቡሉ ዚርከብ ናይ መጀመርታ ኣጋጣሚ፡ ኣብቲ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ዝወረደ ሻውዓይ መዓት እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ብርቱዕ በረድ ንኣትክልቲ ሰላሊዑ፡ ንኣእዋም ሰባቢሩ፡ ኣብ መሮር ንዝጸንሑ ሰብኡትን እንስሳታትን እውን ቀቲሉ እዩ፣ ኣብቶም ኣብ ጎሼን ዝነበሩ እስራኤላውያን ግና በረድ ኣይወቕዐን። (ዘጸ 9:18-26፣ መዝ 78:47, 48፣ 105:32, 33) ደሓር ኣብ ምድሪ ተስፋ፡ እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ መሪሕነት እያሱ ዀይኖም ንጊብዖናውያን ካብቶም ሓሙሽተ ነገስታት ኣሞራውያን ኬናግፉ ምስ ከዱ፡ የሆዋ ንኣሞራውያን ንምጥቃዕ ዓበይቲ ኣእማን በረድ ተጠቒሙ እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ካብቶም ምስ እስራኤላውያን ኣብ እተገብረ ውግእ ዝሞቱስ፡ እቶም ብበረድ ዝሞቱ በዚሖም እዮም።—እያ 10:3-7, 11።

w04 1/12 11 ¶1

ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት

10:13—ከመይ ገይራ እያ ጸሓይ ክትቀውም ክኢላ፧ ነቲ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ዝዀነ የሆዋዶ “ዚጨንቆ ነገር ኣለዎ፧” (ዘፍጥረት 18:14) የሆዋ እንተደኣ ደልዩ ንዑደት ምድሪ ተቘጻጺሩ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሰብ ጸሓይን ወርሕን ደው ዝበላ ዀይነን ከም ዝረኣያኦ ኺገብር ይኽእል እዩ። ወይ ከኣ ዑደት ምድርን ወርሕን ከየቋረጸ ነቲ ኻብ ጸሓይን ወርሕን ዚመጽእ ጸርጊ ብርሃን ብምቕናን ካብዘን ክልተ ብርሃናት ዚመጽእ ብርሃን ከም ዚቕጽል ገይርዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ይኹን እቲ ግን ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ “ከምታ መዓልቲ እቲኣ ዝበለት . . . ኣይነበረትን።”—እያሱ 10:14

መንፈሳዊ ሃብቲ

w09 15/3 32 ¶5

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ገሊኡ መጻሕፍቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃሱን ከም ምንጪ ዀይኑ ምግልጋሉን፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ነይሩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ኣምላኽ ነቲ “ቓል ኣምላኽና” ዝሓዘ ዅሉ ጽሑፋት ዓቂቡልና ኣሎ፣ እዚ ጽሑፋት ድማ “ንዘለኣለም ይነብር።” (ኢሳ. 40:8) እወ፡ እቲ የሆዋ ኣብቲ 66 መጻሕፍቲ ኼጠቓልሎ ዝመደቦ ጽሑፋት፡ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺምና እተዳሎና፡ ፍጹማት’ ንኽንከውን ዜኽእለና ምሉእ ዘይጕዱል ሓበሬታ ሒዙ ኣሎ።—2 ጢሞ. 3:16, 17።

18-24 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እያሱ 12-14

“ብምሉእ ልብኻ ንየሆዋ ስዓቦ”

w04 1/12 12 ¶2

ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት

14:10-13 ካሌብ ወዲ 85 ዓመት ከሎ ንህዝቢ ኬብሮን ተዋጊኡ ናይ ምስጓጕ ከቢድ ሓላፍነት ኪወሃቦ ሓተተ። እታ ኸተማ ኻብ መጠን ንላዕሊ ገዘፍትን ነዋሕትን ዝነበሩ ዓናቃውያን ዚበሃሉ ሰባት እዮም ዚነብሩላ ነይሮም። እዚ ተዋጋኢ ሰብኣይ ብሓገዝ የሆዋ ተዓወተ፡ ኬብሮን ከኣ ከተማ ዕቝባ ዀነት። (እያሱ 15:13-19፣ 21:11-13) እቲ ካሌብ ዝገደፈልና ኣብነት ከቢድ ቲኦክራሲያዊ ሓላፍነታት ንኸይወሃበና ኢልና ኸይንሃድም ዜተባብዓና እዩ።

w06 1/10 18 ¶11

ብእምነትን ብፍርሃት ኣምላኽን ዚፈሪ ትብዓት

11 ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ሓንሳእ ምስ ኣጥረኻያ ንሓዋሩ ኸምኡ ኢላ እትቕጽል ኣይኰነትን። ህይወትና ብሓቂ ኽንመርሕ ከለና ትዓቢ፡ ረብሓታት ‘ትጥዕም፡’ ንጸሎትና ዚወሃበና መልሲ ‘ትርኢ፡’ ከምኡውን ብኻልእ መገዲ የሆዋ ንህይወትና ዚህበና መምርሒ ተስተውዕል እያ። (መዝሙር 34:8፣ 1 ዮሃንስ 5:14, 15) እምነት እያሱን ካሌብን ኣብቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ጽቡቕ ነገር ከም እተመርኰሰት ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። (እያሱ 23:14) ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት እሞ ሕሰበሉ፦ ከምቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ፡ ድሕሪ እቲ ኣብቲ በረኻ ን40 ዓመት ዝገበርዎ ጕዕዞ ብህይወት ቀጺሎም እዮም። (ዘሁልቍ 14:27-30፣ 32:11, 12) ኣብቲ ንከነኣን ንምስዓር ዝወሰደ ሽዱሽተ ዓመት ብንጥፈት ተሳቲፎም እዮም። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ብጽቡቕ ጥዕና ዕድመ ጸጊቦም እዮም፡ ናይ ብሕቶም ርስቲ እውን ተዋሂብዎም እዩ። የሆዋ ነቶም ብተኣማንነትን ብትብዓትን ዜገልግልዎ ኽሳዕ ክንደይ ኣብዚሑ ዀን እዩ ዓስቦም ዚህቦም!—እያሱ 14:6, 9-14፣ 19:49, 50፣ 24:29

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-1 902-903

ጌባል

የሆዋ ን“ምድሪ ጌባላውያን” ምስቲ እስራኤል ብግዜ እያሱ ኺርስተዮ ዚግባእ ዞባታት ዘርዚርዎ ኣሎ። (እያ 13:1-5) ከተማ ጌባል ካብ እስራኤል ብሰሜን ኣጸቢቓ ርሒቓ ስለ እትርከብ (ብሰሜን ከባቢ 100 ኪሎ ሜተር ካብ ዳን)፡ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት እስራኤላውያን እውን ኣትያ ዘይትፈልጥ ክትከውን ስለ እትኽእል፡ ሓያስያን ነዚ ነጥቢ እዚ ኸም ጕድለት ይጠቕስዎ እዮም። ገሊኦም ምሁራት፡ ኣብዛ ፍቕዲ እዚኣ እቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ኸም እተበላሸወ፡ ጥንቲ ዝነበረ ጽሑፍ “ኣብ ጐድኒ ሊባኖስ ዚርከብ ምድሪ” ወይ ‘ክሳዕ ዶብ ጌባላውያን’ ተባሂሉ ይንበብ ከም ዝነበረ ሓሳብ ይህቡ እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቲ የሆዋ ኣብ እያሱ 13:2-7 ዘተስፈዎ ተስፋ፡ ኣብ ቅድመ ዅነት እተመርኰሰ ምንባሩ ኸነስተብህል ኣሎና። ስለዚ፡ እስራኤል ብሰንኪ ዘይተኣዛዝነቶም ንጌባል ጠሪሶም ኣይተቘጻጸርዋን ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ምስ እያ 23:12, 13 ኣረኣኢ።

25-31 ጥቅምቲ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እያሱ 15-17

“ነቲ ኽቡር ውርሻኻ ተኸላኸለሉ”

it-1 1083 ¶3

ኬብሮን

እስራኤላውያን ኣብ ደቡባዊ ከነኣን ዚገብርዎ ወፈራ ምስ ቀጸሉ፡ ንነበርቲ ኬብሮን፡ እንተላይ ንንጉሶም (ነቲ ሆሃም ዚብሃል ዝተክኦ ኪኸውን ኣለዎ) ኣጥፍእዎም። (እያ 10:36, 37) ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን ብእያሱ እናተመርሑ ንከነኣናውያን እኳ እንተ ሰዓርዎም፡ ነቲ መሬት ንምቍጽጻር ብኡብኡ ጭፍራ ሰራዊት ኣየስፈሩን። ስለዚ፡ እስራኤላውያን ኣብ ካልእ ኪዋግኡ ኸለዉ፡ ዓናቂም ተመሊሶም ኣብ ኬብሮን ሰፊሮም ኪዀኑ ኣለዎም። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ጸኒሑ ካሌብ (ወይ ደቂ ይሁዳ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ካሌብ) ነታ ኸተማ ኻባታቶም ኪምንዝዓ ነይርዎ። (እያ 11:21-23፣ 14:12-15፣ 15:13, 14፣ መሳ 1:10) ኬብሮን ኣብ ፈለማ ነቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ካሌብ እያ ተዋሂባ ነይራ፣ ደሓር፡ ከተማ ዕቝባ ብምዃና፡ ቅድስቲ ኽትከውን ክኢላ እያ። ከተማ ኻህናት እውን ኰይና እያ። “ግራውቲ እታ ኸተማን ሰፈራታን” ግና፡ ርስቲ ካሌብ እያ ነይራ። እያ 14:13, 14፣ 20:7፣ 21:9-13።

it-1 848

ግዴታዊ ሸቕሊ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እተሳዕሩ ኣህዛብ ባሮት ይዀኑ ብምንባሮም፡ ‘ግዴታዊ ሸቕሊ’ (ብእብራይስጢ፡ ማስ) ኣመና ልሙድ ዝነበረ እዩ ዚመስል። (ዘዳ 20:11፣ እያ 16:10፣ 17:13፣ ኣስ 10:1፣ ኢሳ 31:8፣ ድጕ 1:1) እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ እቶም ዚጭቍንዎም ግብጻውያን ኣሕሉቕ ብግዴታ ዚሽቅሉ ባሮት ብምንባሮም፡ ኣብ ጲቶምን ራዕምሴስን መኽዘናት ሃኒጾም እዮም። (ዘጸ 1:11-14) ናብ ምድሪ ተስፋ ምስ ኣተዉ ኸኣ፡ ትእዛዝ የሆዋ ብምስዓብ ንዅሎም እቶም ነበርቲ እታ ምድሪ ዝዀኑ ከነኣናውያን ኣብ ክንዲ ዚሰጕግዎምን ዜጥፍእዎምን፡ ብግዲ የሸቅልዎም ነበሩ። እዚ ንእስራኤላውያን ናብ ኣምልኾ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኸም ዚኣትዉ ብምግባር ሕማቕ ጽልዋ ነይርዎ እዩ። (እያ 16:10፣ መሳ 1:28፣ 2:3, 11, 12) ንጉስ ሰሎሞን ንዘርኢ ከነኣናውያን፡ ማለት ንኣሞራውያንን ንሔታውያንን ንፈረዛውያንን ንሒዋውያንን ንይቡሳውያንን፡ ብግዲ ዚሽቅሉ ባሮት ገይርዎም ነይሩ እዩ።—1ነገ 9:20, 21።

it-1 402 ¶3

ከነኣን

ብዙሓት ከነኣናውያን ካብቲ ሰፊሕ ወራር ብህይወት እኳ እንተ ተረፉን ተገዛእቲ ምዃን እኳ እንተ ኣበዩን፡ “የሆዋ ኸኣ ኵላ እታ ንኣቦታቶም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ንእስራኤል ሃቦ፡” “ኣብ ኵሉ ዙርያኦም ኣዕረፎም፡” ከምኡ ድማ “ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ንቤት እስራኤል ዘተስፈዎ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ተስፋ እኳ ኣይወደቐን፣ ኵሉ ደኣ ተፈጸመ” ኪብሃል ይከኣል እዩ። (እያ 21:43-45) ኣብ ዙርያ እስራኤል ዝነበሩ ጸላእቲ ፈሪሆም ብምንባሮም፡ ንጸጥታኦም ዜስግኡ ኣይነበሩን። እታ ምድሪ ብሃንደበት እንተ ባዲማ፡ ኣራዊት መሮር ምእንቲ ኸይበዝሑ፡ ኣምላኽ ንከነኣናውያን “በብቝሩብ” ከም ዚሰጕጎም ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘጸ 23:29, 30፣ ዘዳ 7:22) ከነኣናውያን ዝሓሸ ኣጽዋር ውግእ፡ እንተላይ ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን ሰረገላታት እኳ እንተ ነበሮም፡ እስራኤላውያን ንገሊኡ ቦታታት ኪቈጻጸርዎ ዘይምኽኣሎም፡ የሆዋ ቓሉ ኸም ዘይፈጸመ ጌርካ ኪኽሰስ ኣይከኣልን እዩ። (እያ 17:16-18፣ መሳ 4:13) ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ እስራኤላውያን እተሳዕሩሉ ሒደት ኣጋጣሚታት፡ ብሰንኪ ዘይተኣማንነቶም ምዃኑ ታሪኽ ይሕብር እዩ።—ዘሁ 14:44, 45፣ እያ 7:1-12።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w15 7/15 32

ትፈልጥዶ፧

ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕብሮ፡ ጥንታዊት እስራኤል ብዱር እተሸፈነት ድያ ነይራ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ገሊኡ ኸባቢ ምድሪ ተስፋ ብዱር እተሸፈነ ስለ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ‘ብዙሕ’ ኣእዋም እዩ ነይሩ። (1 ነገ. 10:27፣ እያ. 17:15, 18) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሎሚ ዘሎ ምብራስ ኣግራብ ዘጋጠሞ ዝበዝሐ ኽፋል እስራኤል ዚርእዩ ተጠራጠርቲ ሰባት፡ ብሓቂ ጥንታዊት እስራኤል ብዱር እተሸፈነት እንተ ነይራ ይሓትቱ እዮም።

ላይፍ ኢን ቢብሊካል ኢዝራኤል ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዱር፡ ካብቲ ሎሚ ዘለዎ ኣዝዩ ዝሰፍሐ እዩ ነይሩ” በለት። እቲ ኣብ ከበሳ ዝነበረ ዱር፡ ብቐንዱ ብጽሕድን (Pinus halepensis) ወትሩ ሓምላይ ብዝዀነ ዳዕሮን (Quercus calliprinos) ተረቢንዝ ብዚብሃል ኦምን (Pistacia palaestina) እተሸፈነ እዩ ነይሩ። ኣብ ቈላ ድማ፡ ማለት ኣብቲ ኣብ መንጎ ማእከላይ ሰንሰለት ኣኽራንን ገማግም መዲተራነያንን ዝነበረ እግሪ እምባታት፡ ሳግላ (Ficus sycomorus) ብብዝሒ ነበረ።

ፕላንትስ ኦቭ ዘ ባይብል ዘርእስታ መጽሓፍ ከም ዝገለጸቶ፡ ገሊኡ ሕጂ ዘሎ ኸባቢታት እስራኤል፡ ጥር እትብል ኦም የብሉን። ነዚ ጠንቁ እንታይ እዩ፧ እታ መጽሓፍ፡ ጠንቂ እቲ ጸገም ቀስ ብቐስ ዝመጸ ምዃኑ ኽትገልጽ ከላ፡ “ደቂ ሰብ ብቐንዱ ንማሕረስን ንመጋሃጫን ዚኸውን መሬት ንምርካብ፡ ኣብ ርእሲኡ እውን ንህንጻታትን ንሓውን ዚኸውን ኦም ንምርካብ፡ ንነዊሕ እዋን ነቲ ዱር ጨፍጪፎምዎ እዮም” በለት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ