መጽናዕቲ 12
ለውሃትን ድንጋጽን
1 ተሰሎንቄ 2:7, 8
ጽማቝ ሓሳባት፦ ናይ ሓቂ ስምዒት ብዜንጸባርቕን ንሰማዕትኻ ኸም እትሓልየሎም ብዜርእን መገዲ ተዛረብ።
ብኸመይ ከም እትገብሮ፦
ብዛዕባ ሰማዕትኻ ሕሰብ። ብዛዕባ እቲ ጸገማቶም ብምሕሳብ፡ ንልብኻ ኣዳልዎ። ከመይ ከም ዚስምዖም ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእል ፈትን።
ቃላትካ ተጠንቂቕካ ምረጽ። ንሰማዕትኻ መንፈሶም ከተሐድሰሎምን ከተጸናንዖምን ከተበርትዖምን ፈትን። ኬጕህዮም ዚኽእል ቃላት ብዘየድሊ ኣይትጠቐም፣ ንዘይኣመንቲ ወይ ነቲ ንሳቶም ዚኣምኑሉ ነገራት ብዜቈናጽብ መገዲ ኣይትዛረብ።
ተገዳስነትካ ኣርኢ። ብጥዑም ቃና ድምጽን ብግቡእ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ጌርካ፡ ንሰማዕትኻ ኸም እትሓልየሎም ኣርእዮም። ኣብ ገጽካ ንዚንበብ መግለጺ ኣስተብህለሉ፣ ብዙሕ ሳዕ ፍሽኽ በል።