መዝሙር 121
ርእስና ኽንገትእ ኣሎና
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ፍቕሪ የሆዋ እኳ ’ተ ’ሎና፣
ርእስና ኽንገትእ ግን የድልየና።
ትምኒት ስጋ የፍሪ ህውከት፣
መንፈስ ኣምላኽ ግን ይህብ ህይወት።
2. ወትሩ ድያብሎስ ይፍትነና፣
’ቲ ድኹም ስጋና ይዋግኣና።
ሓቂ ሒዝና ነሰንፍ ሓጥያት፣
ሳላ የሆዋ’ውን ንዕወት።
3. ቃልና፡ ግብርና ኣለዎ ጽልዋ፣
ኬሞግስ ይኽእል ንስም የሆዋ።
ሸቶ ነውጽእ፡ ነሕድር ድሌት፡
ወትሩ ኸነርኢ ርእሰ ግትኣት።
(1 ቈረ. 9:25፣ ገላ. 5:23፣ 2 ጴጥ. 1:6 እውን ርአ።)