ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwbr21 ሕዳር ገጽ 1-11
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
  • መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2021
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 1-7 ሕዳር
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 8-14 ሕዳር
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 15-21 ሕዳር
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 22-28 ሕዳር
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 29 ሕዳር–5 ታሕሳስ
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 6-12 ታሕሳስ
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 13-19 ታሕሳስ
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 20-26 ታሕሳስ
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
  • 27 ታሕሳስ–2 ጥሪ
  • መንፈሳዊ ሃብቲ
መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን—2021
mwbr21 ሕዳር ገጽ 1-11

መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን

1-7 ሕዳር

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እያሱ 18-19

“የሆዋ ነታ ምድሪ ብጥበብ መቓቐላ”

it-1 359 ¶1

ዶብ

ነታ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ነገዳት እተማቐሉሉ መገዲ ብኽልተ ረቛሒ፡ ማለት ብዕጫን ብብዝሒ እቲ ነገድን እተጸልወ እዩ ዚመስል። እቲ ዕጫ፡ ርስቲ እቲ ነገድ ኣበየናይ ከባቢ ኸም ዚኸውን፡ ማለት እቲ ርስቲ ኣብ ሰሜን ወይ ደቡብ፡ ኣብ ምብራቕ ወይ ምዕራብ፡ ኣብ ገማግም ወይ ኣኽራን ከም ዚኸውን እዩ ዚውስን ነይሩ ዚኸውን። እቲ ብዕጫ ዚውሰን ካብ የሆዋ ብምዃኑ፡ ኣብ መንጎ እቶም ነገዳት ቅንኢ ወይ ባእሲ ኸም ዘይፍጠር ገይሩ እዩ። (ምሳ 16:33) በዚ ኸምዚ፡ ኣምላኽ ነቲ ዅነታት ብምምራሕ፡ ነፍሲ ወከፍ ነገድ ምስቲ ኣቦኦም ያእቆብ ኣብ ዘፍጥረት 49:1-33 ኣብ ኣጋ ሙማቱ ብድራኸ መንፈስ እተዛረቦ ትንቢት ከም ዚሰማማዕ ገይርዎ።

it-1 1200 ¶1

ርስቲ፡ ውርሲ

ርስቲ መሬት። ርስቲ ደቂ እስራኤል ካብ የሆዋ እዩ ተዋሂብዎም፣ ንሱ ድማ ዶባት እታ ምድሪ ንሙሴ ነጊርዎ እዩ። (ዘሁ 34:1-12፣ እያ 1:4) ንደቂ ጋድን ንደቂ ሮቤልን ንፍርቂ ነገድ ምናሴን ሙሴ እዩ ርስቶም ሂብዎም። (ዘሁ 32:33፣ እያ 14:3) ዝተረፉ ነገዳት ከኣ ብመሪሕነት እያሱን ኣልኣዛርን ብእተገብረ ዕጫ እዮም ርስቶም ረኺቦም። (እያ 14:1, 2) ምስቲ ያእቆብ ኣብ ዘፍጥረት 49:5, 7 እተነበዮ ብምስምማዕ፡ ስምኦንን ሌዊን፡ ርእሱ ዝኸኣለ ዞባ ኣይኰነን ከም ርስቲ ተዋሂብዎም። ርስቲ ስምኦን ኣብ ማእከል ርስቲ ይሁዳ ዚርከብ መሬት (ከምኡ እውን እተኸብባ ኸተማታት) እዩ ነይሩ (እያ 19:1-9)፣ ሌዊ ድማ ኣብ ምሉእ እስራኤል 48 ከተማታት ተዋሂብዎ። ሌዋውያን ኣብ መቕደስ ፍሉይ ኣገልግሎት ኬቕርቡ እተሸሙ ስለ ዝነበሩ፡ የሆዋ ርስቶም ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ከም ዓስቢ ኣገልግሎቶም ከኣ፡ ዕሽር ከም ግዲኦም ወይ ከም ርስቶም ተዋሂብዎም ነይሩ። (ዘሁ 18:20, 21፣ 35:6, 7) ዓሌታት ኣብ ውሽጢ ርስቲ ነገዶም ዕዮታት ይውሃቦም ነይሩ እዩ። ዓሌታት ቤተ ሰብ እናበዝሑ ምስ ከዱ እሞ፡ ውሉዳት ምስ ተረስተዩ፡ እታ ምድሪ ናብ ዝነኣሰ መሬት እያ እትመቓቐል ነይራ።

it-1 359 ¶2

ዶብ

ሓደ ነገድ ኣበይ ከባቢ ኪኸውን ከም ዘለዎ ብዕጫ ምስ ተወሰነ፡ ስፍሓት እቲ ርስቱ ብመሰረት እቲ ኻልኣይ ረቛሒ ማለት፡ ብብዝሑ እዩ ዚውሰን ነይሩ። “ነታ ምድሪ ኣብ መንጎ ዓሌታትኩም ብዕጫ ተማቒልኩም ተረስተይዋ። ነቶም ብዙሓት፡ ርስቲ ኣግፍሑሎም፣ ነቶም ሒደት ከኣ፡ ርስቲ ኣንእሱሎም። ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ዕጫኡ ዝበጽሓቶ ይረስተ።” (ዘሁ 33:54) ብመሰረት እቲ ብዕጫ ዚግበር ውሳነ ሓፈሻዊ ኸባቢ ይውሰን እኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ግፍሒ እቲ ርስቲ ግና ምትዕርራይ ይግበር ነይሩ እዩ። ንኣብነት፡ ብጽሒት ይሁዳ እምብዛ ስለ ዝገፍሐ፡ ገሊኡ መሬት ኻብኡ ተነክዩ ንነገድ ስምኦን ተዋሂቡ እዩ።—እያ 19:9።

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-1 359 ¶5

ዶብ

ብዛዕባ እቶም ብምዕራብ ዮርዳኖስ እተረስተዩ ዚገልጽ ዛንታ ኸም ዚሕብሮ፡ ፈለማ ንይሁዳ (እያ 15:1-63)፡ ንዮሴፍ (ኤፍሬም) (እያ 16:1-10)፡ ብምዕራብ ዮርዳኖስ ንእተረስተየ ፍርቂ ነገድ ምናሴ (እያ 17:1-13) ዕጫ በጺሕዎም፡ ዶባቶምን ከተማታቶምን እውን ተጸብጺቡ። ድሕሪኡ፡ ሰፈር እስራኤል ካብ ጊልጋል ናብ ሺሎ ኸም ዝገዓዘ ተሓቢሩ ስለ ዘሎ፡ ነታ ምድሪ ናይ ምምቕቓል ዕዮ ዘቋረጸ እዩ ዚመስል። (እያ 14:6፣ 18:1) እዚ ተቛሪጹ ዝጸንሓሉ ንውሓት ግዜ ኣይተጠቕሰን፣ እያሱ ግና ኣብ መወዳእታ ነቶም ዝተረፉ ሸውዓተ ነገዳት ነታ ምድሪ ንምርስታያ ዕሽሽ ብምባሎም ገኒሕዎም እዩ። (እያ 18:2, 3) ነቲ እቶም ሸውዓተ ነገዳት ዕሽሽ ዝበሉሉ ምኽንያት በበይኑ መግለጺታት ይቐርበሉ እዩ፣ ገሊኦም ወሃብቲ ርእይቶ፡ እስራኤላውያን ነታ ምድሪ ወሪሮም ኪቈጻጸርዋ ኸለዉ ብዙሕ ምርኮ ስለ ዝረኸቡ፡ ከነኣናውያን ከየጥቅዕዎም ካብ ዚብል ስግኣት እውን ብተዛማዲ ናጻ ስለ ዝነበሩ፡ ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እታ ምድሪ ብኡብኡ ኺርስተዩ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ኸም ዘይተሰምዖም ይገልጹ እዮም። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ንዝነበረ ብርቱዕ ተቓውሞ ጸላእቲ ኺገጥሙሉ ስለ ዘይደለዩ እውን፡ ከም ዚደናጐዩ ገይርዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። (እያ 13:1-7) ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ እዚ ኽፋል እታ ምድሪ ተስፋ ዝነበሮም ፍልጠት ካብቲ ኣቐዲሙ እተመቓቐለ ኽፋል ዝነበሮም ፍልጠት ኣጸቢቑ ዚንእስ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

8-14 ሕዳር

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እያሱ 20-22

“ካብ ዘይምርድዳእ እንረኽቦ መለበሚ”

w06 15/4 5 ¶3

ምስ መጻምድትኻ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዚሕግዝ ረቛሒታት

ሓሳብካ ብንጹር ምግላጽ፡ ካልኦት ንሓሳባትካ ብጌጋ ንኸይርድእዎን ግጉይ ትርጕም ንኸይህብዎን ይሕግዝ እዩ። ኣብ መጀመርታ ታሪኽ እስራኤላውያን፡ እቶም ብሸነኽ ምብራቕ ፈለግ ዮርዳኖስ ዚነብሩ ዝነበሩ ነገድ ሮቤልን ነገድ ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን፡ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዮርዳኖስ “ዓብዪ ርኡይ መሰውኢ ሰርሑ።” ካልኦት ነገዳት ግን ነዚ ተግባር እዚ ብጌጋ ተረድእዎ። እቶም ብምዕራብ ዝነበሩ ነገዳት፡ እቶም ስግር ዮርዳኖስ ዘለዉ ኣሕዋቶም ክሕደት ከም ዝፈጸሙ ብምሕሳብ፡ ምስቶም “ዓለወኛታት” ኢሎም ዝሓሰብዎም ኪዋግኡ ተዳለዉ። ናብ ውግእ ቅድሚ ምኻዶም ግን፡ ምስቶም ኣብ ምብራቕ ዝነበሩ ነገዳት ንኺመያየጡ ልኡኻት ለኣኹ። ከመይ ዝበለ ጥበባዊ ስጕምቲ ዀን እዩ! እቲ መሰውኢ ዘይሕጋዊ ዚሓርር መስዋእቲ ወይ ካልእ መስዋእትታት ንኬቕርቡሉ ኢሎም ከም ዘይሰርሕዎ ፈለጡ። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቶም ብምብራቕ ዝነበሩ ነገዳት፡ ኣብ መጻኢ በቶም ዝተረፉ ነገዳት “ኣብ እግዚኣብሄር ግደ የብልኩምን” ከይበሃሉ ኢሎም ከም ዝሰርሕዎ ነገርዎም። እቲ መሰውኢ፡ ንሳቶም እውን ኣምለኽቲ የሆዋ ምንባሮም ምስክር ኪኸውን እዩ ተሰሪሑ። (እያሱ 22:10-29) ነቲ መሰውኢ “ምስክር” ኢሎም ሰመይዎ፡ ከምዚ ዝበሉ ኸኣ የሆዋ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ምስክር ኰይኑ ስለ ዜገልግሎም እዩ ኪኸውን ዚኽእል።—እያሱ 22:34

w08 15/11 18 ¶5

‘ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገር ስዓብ’

ገሊኦም እስራኤላውያን ብዛዕባ እቲ እተገብረ በደል እኹል መርትዖ ኸም ዘሎ፡ ብሃንደበት መጥቃዕቲ እንተ ኣውሪዶም ከኣ ኣብ ሰራዊቶም ብዙሕ ጕድኣት ከም ዘየስዕብ ኰይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቶም ብሸነኽ ምዕራብ ዮርዳኖስ ዝነበሩ ነገዳት ናይ ሃወኽ ስጕምቲ ኣብ ክንዲ ምውሳድ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምስ ኣሕዋቶም ኪመያየጡ ልኡኻት ሰደዱ። “ሎሚ ንእግዚኣብሄር ካብ ምስዓብ እተመለስኩምሲ፡ እዚ ሎሚ ንኣምላኽ እስራኤል ዝበደልኩምዎ በደል እንታይ እዩ፧” ድማ በልዎም። ብሓቂ ግን እቶም መሰውኢ ዚሰርሑ ነገዳት ዝፈጸምዎ በደል ኣይነበረን። ኰይኑ ግን ነዚ ኽሲ እዝስ እንታይ ምላሽ ኰን እዮም ሂቦምሉ፧ ብነድሪ ድዮም መሊሶምሎም ወይስ ንኸየዘራርብዎም እዮም ኣብዮም፧ እቶም እተኸሱ ነገድ ነቲ መሰውኢ ንየሆዋ ንምግልጋል ብዘለዎም ድሌት ተደሪኾም ከም ዝገበርዎ ኣነጺሮም ብምግላጽ ብህድኣት መለሱሎም። እቲ ዝሃብዎ መልሲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ርክብ ሓለወ፡ ህይወት ከኣ ኣድሓነ። እቲ ብህድኣት እተገብረ ምይይጥ ነቲ ዘይምርድዳእ ኣደቂሱ፡ ሰላም ከም ዚፍጠር ገበረ።—እያ. 22:13-34

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-1 402 ¶3

ከነኣን

ብዙሓት ከነኣናውያን ካብቲ ሰፊሕ ወራር ብህይወት እኳ እንተ ተረፉን ተገዛእቲ ምዃን እኳ እንተ ኣበዩን፡ “የሆዋ ኸኣ ኵላ እታ ንኣቦታቶም ኪህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ንእስራኤል ሃቦ፡” “ኣብ ኵሉ ዙርያኦም ኣዕረፎም፡” ከምኡ ድማ “ካብ ኵሉ እቲ የሆዋ ንቤት እስራኤል ዘተስፈዎ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ተስፋ እኳ ኣይወደቐን፣ ኵሉ ደኣ ተፈጸመ” ኪብሃል ይከኣል እዩ። (እያ 21:43-45) ኣብ ዙርያ እስራኤል ዝነበሩ ጸላእቲ ፈሪሆም ብምንባሮም፡ ንጸጥታኦም ዜስግኡ ኣይነበሩን። እታ ምድሪ ብሃንደበት እንተ ባዲማ፡ ኣራዊት መሮር ምእንቲ ኸይበዝሑ፡ ኣምላኽ ንከነኣናውያን “በብቝሩብ” ከም ዚሰጕጎም ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘጸ 23:29, 30፣ ዘዳ 7:22) ከነኣናውያን ዝሓሸ ኣጽዋር ውግእ፡ እንተላይ ማዕጺድ ሓጺን ዘለወን ሰረገላታት እኳ እንተ ነበሮም፡ እስራኤላውያን ንገሊኡ ቦታታት ኪቈጻጸርዎ ዘይምኽኣሎም፡ የሆዋ ቓሉ ኸም ዘይፈጸመ ጌርካ ኪኽሰስ ኣይከኣልን እዩ። (እያ 17:16-18፣ መሳ 4:13) ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ እስራኤላውያን እተሳዕሩሉ ሒደት ኣጋጣሚታት፡ ብሰንኪ ዘይተኣማንነቶም ምዃኑ ታሪኽ ይሕብር እዩ።—ዘሁ 14:44, 45፣ እያ 7:1-12።

15-21 ሕዳር

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እያሱ 23-24

“ናይ መወዳእታ ምሕጽንታ እያሱ”

it-1 75

ኪዳን ምትእትታው

ህዝቢ እስራኤል ናብታ ምድሪ ተስፋ ዝዀነት ከነኣን ምስ ኣተዉ፡ ሓድሽ ኵነታት ሰፊኑ እዩ። እቲ ልዑላዊ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ ከምቲ ንኣቦታቶም ዘተስፈዎም፡ እታ ምድሪ ናቶም ከም ዝዀነት ምሉእ መሰል ሂብዎም እዩ። ስለዚ፡ ከም ጓኖት ኰይኖም ኣይኰኑን ናብኣ ዚኣትዉ ነይሮም፣ የሆዋ ድማ ምስቶም ኣረማውያን ኣህዛብ ኪዳን ከይተኣታተዉ ኸልኪልዎም ነይሩ እዩ። (ዘጸ 23:31-33፣ 34:11-16) ነቶም ኪስጐጉ ዚግብኦም ኣህዛብ ዘይኰነስ፡ ንሕግታትን ንስርዓታትን ኣምላኽ ጥራይ እዮም ኪግዝኡ ነይርዎም። (ዘሌ 18:3, 4፣ 20:22-24) ምናዳ ምስቶም ኣህዛብ ከይዋሰቡ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነይሩ እዩ። ከምዚ ዝበለ መውስቦ ኣረማውያን ኣንስቲ ኸም ዚህልዋኦም ኣብ ርእሲ ምግባር፡ ምስ ኣረማውያን ኣዝማድን ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ልምድታቶምን ባህሎምን የራኽቦም እዩ፣ እዚ ድማ ናብ ክሕደትን መፈንጠራን እዩ ዚመርሕ።—ዘዳ 7:2-4፣ ዘጸ 34:16፣ እያ 23:12, 13።

w07 1/11 26 ¶19-20

ቃል የሆዋ ኸቶ ኣይወድቕን

19 ካብቲ ብዓይንና ዝረኣናዮ ነገራት: “ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ . . . ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ እኳ ኣይወደቐን” ክንብል ከም እንኽእል ዜጠራጥር ኣይኰነን። (እያሱ 23:14) የሆዋ ንኣገልገልቱ የድሕኖምን የዕቍቦምን ይከናኸኖምን እዩ። ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ኸይተፈጸመ ዝተረፈ መብጽዓ ኽትጠቅስዶ ትኽእል፧ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። እምበኣር ቃል ኣምላኽ ከይተፈጸመ ዘይተርፍ ምዃኑ ምትእምማንና ጥበባዊ እዩ።

20 ብዛዕባ መጻኢኸ፧ መብዛሕትና ኣብታ ባህ ናብ እተብል ገነት እትቕየር ምድሪ ንምንባር ተስፋ ኽንገብር፡ የሆዋ ነጊሩና ኣሎ። ሒደት ካባታትና ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማይ ናይ ምግዛእ ተስፋ ኣለዎም። ተስፋና ኣየናይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ከምቲ እያሱ ዝገበሮ እሙናት ንኽንከውን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ተስፋና ዚፍጸመላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ። ድሕሪኡ ንዅሉ እቲ የሆዋ ዝኣተወልና መብጽዓታት ምልስ ኢልና ብምጥማት፡ ‘ኵሉ በጽሐ’ ኽንብል ኢና።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w04 1/12 12 ¶1

ካብ መጽሓፍ እያሱ ዚጐልሕ ነጥብታት

24:2—ታራ ኣቦ ኣብርሃም ጣኦታት ዜምልኽ ድዩ ነይሩ፧ ታራ ኻብ ቀደሙ ንየሆዋ ዜምልኽ ሰብ ኣይነበረን። ነቲ ሲን ዚበሃል ኣብ ኡር ፍሉጥ ዝነበረ ኣምላኽ ወርሒ የምልኽ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብመሰረት ናይ ኣይሁድ ኣፈ-ታሪኽ፡ ታራ ጣኦታት ዚሰርሕ ሰብ እውን ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብርሃም ብትእዛዝ ኣምላኽ ካብ ኡር ኪወጽእ ከሎ፡ ታራ ምስኡ ናብ ካራን ከደ።—ዘፍጥረት 11:31

22-28 ሕዳር

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መሳፍንቲ 1-3

“ታሪኽ ትብዓትን ጕርሕን”

w04 15/3 31 ¶3

ኤሁድ ነርዑት እቲ ጨቋኒ ሰበሮ

ውጥን ኤሁድ ዕዉት ኪኸውን ዝኸኣለ ብብልሑ ወይ ጸላኢ ኸይተዳለወ ብምጽናሑ ኣይኰነን። ፍጻመ ዕላማ ኣምላኽ ኣብ ሰብኣዊ ረቛሒታት ኣይኰነን ዚምርኰስ። ኤሁድ ዕዉት ኪኸውን ዝኸኣለሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ምስቲ ኣምላኽ ንህዝቡ ሓራ ንምግባር ዝነበሮ ዘይፈርስ ዕላማ ብምስምማዕ ስለ ዝዓየየ እዩ። ኣምላኽ እዩ ንኤሁድ ኣተንሲእዎ፡ የሆዋ “መሳፍንቲ ምስ ኣተንስኣሎም [ከኣ]፡ ብዅሉ ዘበን እቲ መስፍን፡ እግዚኣብሄር ምስቲ መስፍን ኰይኑ ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ።”—መሳፍንቲ 2:18፣ 3:15

w04 15/3 30 ¶1-3

ኤሁድ ነርዑት እቲ ጨቋኒ ሰበሮ

ኤሁድ ፈለማ ዝወሰዶ ስጕምቲ ኽልተ ዝኣፋ ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ንኺዕጠቓ ዘይተሸግር ሴፍ ምሓዝ እዩ። ከምዚ ኺገብር ከሎ ኪፍትሽዎ ተጸብዩ ኪኸውን ኣለዎ። እቶም ብየማናይ ኢዶም ዚቃለሱ ሰባት ቀልጢፎም ሰይፎም ምእንቲ ኺምስቱ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣጽዋር ብጸጋማይ ሸነኽ እዩ ዚዕጠቕ ነይሩ። ኤሁድ ዓኼላይ ብምዃኑ ግን ኣብቲ እቶም ሓለውቲ እቲ ንጉስ ኣብ ፈተሻ ዘየተኵሩሉ “ኣብ ትሕቲ ኽዳኑ ኣብ የማናይ ሕቜኡ ዐጠቓ።” ብዘይ ገለ ዕንቅፋት ከኣ “እቲ ገጽ በረኸት ንዔግሎን ንጉስ ሞኣብ ኣቕረበሉ።”—መሳፍንቲ 3:16, 17

እቲ መጀመርታ ምስ ዔግሎን ዝገበሮ ነገር ብዝርዝር ኣይተገልጸን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣሕጽር ኣቢሉ “ነቲ ገጽ በረኸት ኣቕሪቡ ምስ ፈጸመ፡ ነቶም ነቲ ገጽ በረኸት ጾይሮም ዝነበሩ ህዝቢ ሰደዶም” ጥራይ እዩ ዚብል። (መሳፍንቲ 3:18) ኤሁድ ነቲ ገጽ በረኸት ምስ ኣቕረበ፡ ነቶም ጾይሮም ዝመጹ ሰባት ካብቲ ዔግሎን ዚነብረሉ ዝነበረ ቦታ ኣርሒቑ ኣፋነዎም፡ ድሕሪኡ ኸኣ ተመሊሱ መጸ። ስለምንታይ፧ ነዞም ሰባት እዚኣቶም ንኺከላኸሉሉ ድዩ ኣምጺእዎም፡ ንዲፕሎማስያዊ ስርዓት ጥራይ ድዩ ኣምጺእዎም፡ ወይስ ነቲ ገጽ በረኸት ኪስከሙሉ ኢሉ እዩ፧ እቲ ዝወጠኖ ምእንቲ ኺፍጽም ናብ ደሓን ቦታ ንኪኸዱ ድዩ ዚደሊ ነይሩ፧ ሓሲብዎ ዝነበረ ብዘየገድስ፡ ኤሁድ ብትብዓት ንበይኑ ተመልሰ።

“ካብታ ኣብ ጊልጋል ዘላ ስፍራ ምስልታት ተመሊሱ፤ ዎ ንጉስ፡ ሕቡእ ነገር ዝነግረካ አሎኒ፡ በሎ።” ናብ ዔግሎን ብኸመይ ኪቐርብ ከም ዝኸኣለ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይተገልጸን። እቶም ሓለውቲ ጥርጣረ ኼሕድሩዶ ኣይነበሮምን፧ ሓደ እስራኤላዊ ንበይኑ ንጐይታኦም ዋላ ሓንቲ ዘይገብሮዶ መሲልዎም ይኸውን፧ ኤሁድ በይኑ ምምጻኡ ንደቂ ዓዱ ኸም ዝኸድዐዶ መሲልዎም ይኸውን፧ በዚ ዀነ በቲ፡ ኤሁድ ምስቲ ንጉስ በይኑ ኺዘራረብ ደለየ፡ ተፈቕደሉውን።—መሳፍንቲ 3:19

መንፈሳዊ ሃብቲ

w05 15/1 24 ¶7

ካብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ዚጐልሕ ነጥብታት

2:10-12 ‘ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ምእንቲ ኸይንርስዕ’ ኣዘውቲርና መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንገብር ኣሎና። (መዝሙር 103:2) ወለዲ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ኣብ ኣልባብ ደቆም ኪሰርጹ ኣለዎም።—ዘዳግም 6:6-9

29 ሕዳር–5 ታሕሳስ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መሳፍንቲ 4-5

“የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን ክልተ ኣንስቲ ተጠቕመ”

w15 1/8 13 ¶1

‘ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ተንሳእኩ’

እስራኤላውያን፡ “ሲሰራ” ዚብል ስም ጥራይ ኪሰምዑ ኸለዉ እኳ፡ ፍርህን ራዕድን ይስምዖም ነበረ። ባህልን ሃይማኖትን ከነኣናውያን ጭከና ዝመልኦ እዩ ነይሩ፣ ገለ ኻብኡ፡ እቲ ኣብ ቤት መቕደስ ዚግበር ዝነበረ ምንዝርን መስዋእቲ ቘልዑን ኪጥቀስ ይከኣል። እስራኤላውያን ኣብ ትሕቲ እቲ ከነኣናዊ ጀነራልን ሰራዊቱን ኪግዝኡ ኸለዉስ ህይወት ከመይ ኰን እዩ ዚመስል ነይሩ፧ እቲ ዴቦራ ዝዘመረቶ መዝሙር፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ጕዕዞ ቐሊል ከም ዘይነበረን ሰባት ኣብ ገጠራት ምንባር ከም ዝሓደግዎን ዚገልጽ እዩ ነይሩ። (መሳፍንቲ 5:6, 7) ኣብ ዱርን ጎቦታትን ዚቕመጡ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብቲ ብመናድቕ ዘይተዓርደ ገጠራት ኪነብሩ ወይ ኪሓርሱን ዝነበሮም ስግኣት ከምኡ እውን በቲ ቓልዕ ዝዀነ መገድታት ኪጐዓዙ ኸለዉ ኸይጥቅዑን ደቆም ከይውሰድዎምን ኣዋልዶምን ኣንስቶምን ከይዕመጻን ዝነበሮም ፍርሂ ብኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና።

w15 1/8 13 ¶2

‘ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ተንሳእኩ’

የሆዋ፡ እቶም ተረርቲ ኽሳድ ዝነበሩ ህዝቡ ኺልወጡ ድሉዋት ከም ዝዀኑ ዜርኢ መርትዖ ኽሳዕ ዚርኢ፡ ወይ ድማ ከምቲ እቲ ዴቦራን ባራቕን ዝዘመርዎ መዝሙር ዚገልጾ፡ ‘ዴቦራ ኽሳዕ እትትንስእ፡ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይና ኽሳዕ እትትንስእ፡’ ን20 ዓመት ዚኣክል ኣብ እስራኤል ራዕዲ ሰፈነ። ሰበይቲ እቲ ላጲዶት ዚብሃል ሰብኣይ ዝነበረት ዴቦራ፡ ቃል ብቓሉ ኣደ እንተ ነይራ ኣይንፈልጥን ኢና፣ እዚ መግለጺ እዚ ግና ምሳልያዊ ኣዘራርባ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ የሆዋ፡ ከም ኣደ ዀይና ነቶም ህዝቢ ኽትከናኸን እዩ መዚዝዋ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ተባዕን ናይ እምነት ሰብን ዝነበረ መስፍን ባራቕ ብምጽዋዕ፡ ኣንጻር ሲሰራ ንኺዋጋእ መምርሒ ኽትህቦ ኣዚዝዋ ነበረ።—መሳፍንቲ 4:3, 6, 7፣ 5:7።

w15 1/8 15 ¶2

‘ኣነ ኣብ እስራኤል ኣደ ዀይነ ተንሳእኩ’

ያዔል ብቕልጡፍ ክትውስን ነበራ። ንሲሰራ ኼዕርፈሉ ዚኽእል ቦታ ኣዳለወትሉ። ንሱ ኸኣ ንዕኡ ዚደሊ ሰብ እንተ መጺኡ፡ ኣብኡ ኸም ዘየለ ኽትሕብሮ ነገራ። ምስ ደቀሰ ኸደነቶ፡ ማይ ክትህቦ ምስ ሓተታ ኸኣ ጸባ ሃበቶ። ነዊሕ ከይጸንሐ ሲሰራ ዓሚቝ ድቃስ ወሰዶ። ያዔል፡ ነቲ ኣብ ድንኳን ዚቕመጣ ኣንስቲ ኣዘውቲረን ዚጥቀማሉ ናውቲ ቤት ዝዀነ ሽኻልን ሞደሻን ወሰደት። ናብ ርእሲ ሲሰራ ድንን ምስ በለት፡ ከም ፈጻሚት ፍርዲ የሆዋ ዀይና እትፍጽሞ ዜፍርህ ዕማም እዩ ዚጽበያ ነይሩ። ንሓጺር እዋን እውን ከይተረፈ እንተ ተጠራጢራ ወይ ተወላዊላ፡ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ህዝቢ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዚኣክል እዚ ሰብኣይ እዚ ዘውረደሎም ግፍዕን ድያ ትሓስብ ነይራ፧ ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኽትቀውም ብዛዕባ ዝረኸበቶ መሰልከ ሓሲባዶ ትኸውን፧ እቲ ጸብጻብ ኣይነግረናን እዩ። እቲ ተግባር ብቕልጡፍ ከም እተፈጸመ ጥራይ ኢና እንፈልጥ። ሲሰራ ሞተ!—መሳፍንቲ 4:18-21፣ 5:24-27።

መንፈሳዊ ሃብቲ

w05 15/1 25 ¶5

ካብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ዚጐልሕ ነጥብታት

5:20—ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ንባራቅ ደጊፎም እተዋግኡ ብኸመይ እዮም፧ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ኺብል ከሎ ባራቅ ናይ መላእኽቲ ሓገዝ ተዋሂብዎ እንተ ዀይኑ፡ ናይ ሲሰራ ሰብ ጥበብ ሕማቕ ፋል ኢሎም ዝተርጐምዎ ዝወደቐ ፍንጫላት ከዋኽብቲ እንተ ነይሩ፡ ወይ ምናልባት ንሲሰራ ብቘጸርቲ ኸዋኽብቲ እተነግሮ ትንቢት ጌጋ ነይሩ እንተ ዀይኑ ኣይሕብርን እዩ። በዚ ዀነ በቲ ኣምላኽ ኢዱ ኸም ዘእተወ ግን ዜጠራጥር ኣይኰነን።

6-12 ታሕሳስ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መሳፍንቲ 6-7

“በዚ ሓይልኻ እዚ ኺድ”

w02 15/2 6-7

ስርዓታት ኣምላኽ ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ

ብዛዕባ ርእስኻ ጥዑይ ኣረኣእያ ምህላውን ንርእስኻ ግቡእ ግምት ብምሃብን ዝመጸ እቲ ኻብ መሳፍንቲ ጥንታዎት እብራውያን ዝነበረ ጊዴዎን ኣብነት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መራሒ እስራኤል ክኸውን ኣይደለየን። ነዚ ቦታ እዚ ኽሕዞ ምስ ተመዘዘ፡ ብቑዕ ከም ዘይኰነ ሓበረ። “እንሆ ዓሌተይ ካብ ምናሴ እቲ ድኻ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቤት ኣቦይ እቲ ንእሽቶ እየ” ብምባል ገለጸ።—መሳፍንቲ 6:12-16

w05 15/7 16 ¶3

“ሴፍ የሆዋን ጊዴዎንን!”

ሚድያናውያን እቲ ቐጺሉ ዘጋጥሞም ነገር ከመይ ዜሰንብድ ኰን እዩ! ሃንደበት 300 ዳነሱ ተሰብረ፡ 300 መለኸት ተነፍሐ፡ ከምኡውን 300 ሰባት ጨደሩ። እቲ ጸጥታ ዝነበሮ ኸባቢ ህውከት መልኦ። ብሕልፊ በቲ “ሴፍ የሆዋን ጊዴዎንን” ዚብል ጭድርታ ዝሰንበዱ ሚድያናውያን ጨርሑ። ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ሕንፍሽፍሽ መን ጸላኢ መን ብጻይ ምዃኑ ኺፈልዩ ኣይከኣሉን። ኣምላኽ ሴፍ እቶም ጸላእቲ ኣብ ንሓድሕዶም ኪገብሮ ኸሎ፡ እቶም 300 ኣብታ እተመደቡላ ቦታ ደው ኢሎም ነበሩ። እቲ ሰራዊት ሃደመ፡ ኰይኑ ግን መምለጢ ኣይነበረን። ድሕርዚ እስራኤላውያን ንሚድያናውያን ንሓዋሩ ኸም ዘይምለሱ ገይሮም ምእንቲ ኼጥፍእዎም፡ እግሪ እግሮም ስዒቦም ቀተልዎም። እቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸነሐ ወረራ ኸኣ በዚ ኣብቅዐ።—መሳፍንቲ 7:19-25፣ 8:10-12, 28

መንፈሳዊ ሃብቲ

w05 15/1 26 ¶6

ካብ መጽሓፍ መሳፍንቲ ዚጐልሕ ነጥብታት

6:25-27 ጊዴዎን ንተጻረርቱ ብዘየድሊ ምኽንያት ንኸየቘጥዖም ምስትውዓል ተጠቕመ። ነቲ ብስራት ክንሰብኽ ከለና፡ በዘራርባና ብዘየድሊ ነገር ንሰባት ከይነቘጥዕ ክንጥንቀቕ ኣሎና።

13-19 ታሕሳስ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መሳፍንቲ 8-9

“ትሕትና ኻብ ኵርዓት ትበልጽ”

w00 15/8 25 ¶3

ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ብኸመይ ኢኻ እተደቅሶ፧

ጊዴዎን ምስ ሚድያን ብርቱዕ ውግእ ገጢሙ ነበረ፡ ንነገድ ኤፍሬም ከኣ ክሕግዝዎ ጸውዖም። ይኹን እምበር እቲ ውግእ ምስ ኣብቅዐ፡ ሰብ ኤፍሬም ናብ ጊዴዎን ተመሊሶም፡ እቲ ውግእ ክጅምር ከሎ ስለ ዘይጸውዖም ኣማረሩ። እቲ ጸብጻብ “ብሓይሊ ኸኣ ተኸራኸርዎ” ይብለና። ጊዴዎን ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ገይረ እየ፧ ካብ ምቝራጽ ወይኒ ኣቢዔዘርስ ቀሪም ዘለላ ኤፍሬምዶ ኣይበልጽን፧ ኣምላኽ ነቶም ሹማምቲ ሚድያን ዖሬብን ዝኤብን ኣብ ኢድኩም ሂብኩም እዩ። ክንዲ እቲ ናታትኩም እንታይ ክገብር ከአልኩ፧” (መሳፍንቲ 8:1-3) ጊዴዎን በቲ ምሩጽን ዘህድእን ቃላቱ ገይሩ ናብ ሓደገኛ ዓሌታዊ ውግእ ክቕየር ዝኽእል ዝነበረ ኵነታት ኣወገዶ። እቶም ካብ ነገድ ኤፍሬም ዝነበሩ ሰባት ጸገሞም ንርእስኻ ኣልዕል ኣቢልካ ምርኣይን ትዕቢትን ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ንጊዴዎን ሰላማዊ ኵነታት ንምፍጣር ካብ ምጽዓር ኣይዓገቶን። ንሕናኸ ከምኡ ክንገብር ንኽእልዶ፧

w17.01 20 ¶15

ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

15 ጊዴዎን ብትሕትና ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ይዀነና እዩ። መልኣኽ የሆዋ ምስ ተራእዮ፡ “እንዳይ ካብ ምናሴ ዝነኣሰ እዩ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቤት ኣቦይ ዝነኣስኩ እየ” ብምባል ብዛዕባ መበቈሉን ድሕረ ባይታኡን ብትሕትና ተኣመነ። (መሳ. 6:15) ኣብ የሆዋ ተኣሚኑ ዕዮኡ ምስ ተቐበለ ድማ፡ ካብኡ እንታይ ብቕዓት ከም ዚድለ ኣረጋገጸ፡ መምርሒ የሆዋ ኺረክብ ከኣ ለመነ። (መሳ. 6:36-40) ጊዴዎን ተባዕን ቈራጽን እኳ እንተ ነበረ፡ ጥንቁቕን ጐራሕን እውን እዩ ነይሩ። (መሳ. 6:11, 27) ነቲ እተዋህቦ ዕዮ፡ ተፈላጥነት ንምርካብ ኣይተጠቕመሉን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ዕዮኡ ምስ ፈጸመ፡ ብሓጐስ ናብ ናይ ቀደም ቦታኡ ተመልሰ።—መሳ. 8:22, 23, 29።

w08 15/2 9 ¶9

ብመገዲ የሆዋ ተመላለስ

9 ኣዕሩኽ ኣምላኽ ንምዃን፡ “ትሑታት” ክንከውን ኣሎና። (1 ጴጥ. 3:8፣ መዝ. 138:6) ኣገዳስነት ትሕትና ኣብ መሳፍንቲ ምዕራፍ 9 ተገሊጹ ኣሎ። ዮታም ወዲ ጊዴዎን፡ “ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸዱ” በለ። ኣውልዕን በለስን ወይንን ድማ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዚኣቶም ከኣ ነቶም ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ኣሕዋቶም ኪገዝኡ ዘይደልዩ ብቑዓት ውልቀ-ሰባት የመልክቱ። እቲ ኸም ነዳዲ ጥራይ ዜገልግል እሾኽ ግን፡ ንንግስነት እቲ ጨቋንን ቀታልን ዝነበረ ዕቡይ ኣቢሜሌክ ዜመልክት እዩ ነይሩ። “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሰለስተ ዓመት” እኳ እንተ ገዝአ፡ ሃንደበታዊ ሞት ሞተ። (መሳ. 9:8-15, 22, 50-54) ‘ትሑት’ ምዃን ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ!

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-1 753 ¶1

ኤፎድ፡ I

ጊዴዎን ነቲ የሆዋ ንእስራኤል ዝሃቦ ዓወት ንምዝካርን ንኣምላኽ ንምኽባርን ኢሉ ብጽቡቕ ሓሳብ ተላዒሉ ኤፎድ እኳ እንተ ገበረ፡ እስራኤላውያን ነቲ ኤፎድ ብምምላኽ ብመንፈሳዊ መዳይ ስለ ዝመንዘሩ፡ እቲ ኤፎድ “ንጊዴዎንን ንቤተ ሰቡን መፈንጠራ ዀነ።” (መሳ 8:27) ይኹን እምበር፡ ጊዴዎን ነቲ ኤፎድ ከም ዘምለኾ ዚሕብር ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ፣ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ካብቶም “ኽንድዚ ዚኣኽሉ ደበና” ኢሉ ዝጸውዖም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት መሰኻኽር የሆዋ ኸም ዝዀነ ሃዋርያ ጳውሎስ ጠቒስዎ ኣሎ።—እብ 11:32፣ 12:1።

20-26 ታሕሳስ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መሳፍንቲ 10-12

“ይፍታሕ—መንፈሳዊ ሰብኣይ”

w16.04 7 ¶9

ተኣማንነት ናብ ስምረት ኣምላኽ ይመርሕ

9 ከምቲ ነቶም ‘ኪጸልእዎ ዝጀመሩ’ ኣሕዋቱ ዝመሓሮም ዮሴፍ ዝኣመሰሉ እሙናት፡ ነቲ ይፍታሕ ዝሃቦ ምላሽ ጸልዮምዎ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘፍ. 37:4፣ 45:4, 5) ይፍታሕ ብዛዕባ ኸምዚ ዝበለ ኣብነታት ምስትንታኑ፡ ንየሆዋ ባህ ዜብል ስጕምቲ ኺወስድ ሓጊዝዎ ኪኸውን ኣለዎ። ተግባር ኣሕዋቱ ብዙሕ እኳ እንተ ጐድኦ፡ ንየሆዋን ንህዝቡን ካብ ምግልጋል ግና ድሕር ኣይበለን። (መሳ. 11:9) ኣብ ኣዒንቲ ይፍታሕ፡ ንስም የሆዋ ንምክልኻል ዚግበር ቃልሲ፡ ካብ ብሕታዊ ግጭት ዚዛይድ ኣገዳስነት ነበሮ። ንየሆዋ እሙን ንምዃን ቈሪጹ ነበረ፣ እዚ ኸኣ ንዕኡን ንኻልኦትን ጽቡቕ ነገር ኣፍረየ።—እብ. 11:32, 33።

it-2 27 ¶2

ይፍታሕ

ይፍታሕ ናይ ተግባር ሰብ ስለ ዝነበረ፡ ብርቱዕ መሪሕነት ንምሃብ ግዜ ኣይወሰደሉን። ናብ ንጉስ ዓሞን መልእኽቲ ብምልኣኽ፡ ዓሞን ንምድሪ እስራኤል ከም ዝወረረ ሓበሮ። እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ምድሪ እቲ እስራኤል ካብ ዓሞን ዝወሰዶ ኸም ዝዀነ መለሰሉ። (መሳ 11:12, 13) ኣብዚ ይፍታሕ ገታርን ዘይሰልጠነን ተዋጋኢ ዘይኰነስ፡ ታሪኽ ዜጽንዕ፡ ምናዳ ኸኣ ነቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቡ ዘለዎ ርክብ ዜጽንዕ ምዃኑ ኣርእዩ እዩ። ካብቲ ዓሞናዊ ንዝቐረበሉ መጐተ፡ (1) እስራኤል ንዓሞን፡ ንሞኣብ፡ ወይ ንኤዶም ከም ዘየጥቅዐ (መሳ 11:14-18፣ ዘዳ 2:9, 19, 37፣ 2ዜና 20:10, 11)፣ (2) እስራኤል ነቲ ዜባእስ ዘሎ ምድሪ ኺርስተዮ ኸሎ፡ ኣብ ኢድ ናይ ከነኣን ኣሞራውያን ስለ ዝነበረ፡ ኣምላኽ እውን ንንጉሶም ሲሆን ኣብ ኢድ እስራኤል ኣሕሊፉ ስለ ዝሃቦ፡ ዓሞን ኣብኡ ሰፊሩ ኸም ዘይነበረ፣ (3) ዓሞን ኣብ ዝሓለፈ 300 ዓመት ካብ እስራኤል ምድሪ ኺወስድ ስለ ዘይፈተነ፡ ሕጂ ነቲ ምድሪ ኺወስድ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘይብሉ ብምግላጽ መርትዖ ኣቕረበሉ።—መሳ 11:19-27።

it-2 27 ¶3

ይፍታሕ

ይፍታሕ፡ እቲ ቐንዲ ነገር ምስ ኣምልኾ እተተሓሓዘ ምዃኑ ተገንዚቡ እዩ። ስለዚ፡ እስራኤል ምድሩ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ ከም እተዋህቦ፡ ስድሪ መሬት እውን እንተ ዀነ ንኣምለኽቲ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ከም ዘይህብ ገለጸ። ከሞሽ ኣምላኽ ዓሞን ከም ዝዀነ እውን ጠቐሰ። ገሊኦም ኣብዚ ኸም እተጋገየ ገይሮም ርእዮምዎ እዮም። ዓሞን ንሚልኮም፡ ሞኣብ ከኣ ንከሞሽ የምልኹ እኳ እንተ ነበሩ፡ እዞም ዚዛመዱ ኣህዛብ ብዙሓት ኣማልኽቲ የምልኹ ነይሮም እዮም። ሰሎሞን እኳ ብሰንኪ ጓኖት ኣንስቱ፡ ኣምልኾ ከሞሽ ናብ እስራኤል ኣምጺኡ እዩ። (መሳ 11:24፣ 1ነገ 11:1, 7, 8, 33፣ 2ነገ 23:13) ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ገሊኦም ምሁራን፡ “ከሞሽ” ዚብል ቃል “ኣሰናፊ፡ ሰዓሪ” ማለት እዩ። (ገሰንዩስስ ሄብሪው ኤንድ ካልዲ ሌክሲኮን፡ ብሳሙኤል ትረገለስ፡ 1901፡ ገጽ 401።) ይፍታሕ ነዚ ኣምላኾም እዚ ዝጠቐሶ፡ ዓሞናውያን ንኻልኦት ‘ኣሰኒፎም’ ወይ ‘ስዒሮም’ ምድሮም ኪወስዱ ዝኸኣሉ ሳላ እዚ ኣምላኽ ምዃኑ ይኣምኑ ስለ ዝነበሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

መንፈሳዊ ሃብቲ

it-2 26

ይፍታሕ

ይፍታሕ ድቓላ ኣይኰነን። ኣደ ይፍታሕ “ሓንቲ ኣመንዝራ” እኳ እንተ ተባህለት፡ ይፍታሕ ብምንዝርና እተወልደ ወይ ድቓላ እዩ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ከምቲ ረሃብ ኣመንዝራ ዝነበረት እሞ ደሓር ንሰልሞን እተመርዓወቶ፡ ኣደ ይፍታሕ ንጊልዓድ ካልአይቲ ሰበይቱ ዀይና ቕድሚ ምምርዓዋ ኣመንዝራ እያ ነይራ። (መሳ 11:1፣ እያ 2:1፣ ማቴ 1:5) እቶም ኣቦኡ ኻብታ ቐዳመይቲ ሰበይቱ ዝወለዶም ኣሕዋቱ ምሳታቶም ርስቲ ኸይማቐል ኢሎም ምስጓጎም፡ ይፍታሕ ድቓላ ዘይምዃኑ ይሕብር እዩ። (መሳ 11:2) ብተወሳኺ፡ ይፍታሕ ጸኒሑ መራሒ ሰብ ጊልዓድ ኰይኑ እዩ (እቶም ኣሕዋቱ እውን ካብቶም ሰብ ጊልዓድ ኣውራ ዝነበሩ እዩ ዚመስል)። (መሳ 11:11) ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ማሕደር ንኣምላኽ መስዋእቲ ሰዊኡ እዩ። (መሳ 11:30, 31) ድቓላ ነዚ ነገራት እዚ ኺገብር ኣይክእልን እዩ ነይሩ፣ ስለምንታይሲ፡ ሕጊ ሙሴ ብንጹር፡ “ድቓላ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኣይእቶ። ካብ ዘርኡ ኽሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ ናብ ጉባኤ የሆዋ ኣይእቶ” ይብል ነይሩ እዩ።—ዘዳ 23:2።

27 ታሕሳስ–2 ጥሪ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መሳፍንቲ 13-14

“ወለዲ ኻብ ማኖኣን ሰበይቱን እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧”

w13 15/8 16 ¶1

ኣቱም ወለዲ—ንውሉዳትኩም ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዝኩም ኣሰልጥንዎም

ነቲ ኻብ ዓሌት ዳን ዝነበረን ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ኣብ ከተማ ጾርዓ ዚነብር ዝነበረን ማኖኣ ዝስሙ ሰብኣይ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። መልኣኽ የሆዋ ነታ መኻን ዝነበረት ሰበይቲ ማኖኣ፡ ወዲ ኸም እትወልድ ነገራ። (መሳ. 13:2, 3) እቲ እሙን ዝነበረ ማኖኣን ሰበይቱን በዚ ኸም እተሓጐሱ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ሓደ ኣዝዩ ዘተሓሳሰቦም ነገር ስለ ዝነበረ፡ ማኖኣ፡ “ዎ ጐይታይ፡ እቲ ዝለአኽካዮ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ነቲ ዚውለድ ቈልዓ እንታይ ከም እንገብረሉ ኺነግረናስ፡ በጃኻ መሊሱ ይምጽኣና” ኢሉ ጸለየ። (መሳ. 13:8) እወ፡ ማኖኣን ሰበይቱን፡ ንውሉዶም ብኸመይ ከም ዜዕብይዎ ኣተሓሳሲብዎም ነበረ። ንሲምሶን ወዶም ብዛዕባ ሕጊ ኣምላኽ ከም ዝመሃርዎ ኣየጠራጥርን እዩ፣ ተዓዊቶም ከኣ እዮም። ከመይሲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንፈስ እግዚኣብሄር [ንሲምሶን] ኪድርኾ ጀመረ” ይብል እዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ሲምሶን ከም ሓደ ኻብቶም ፈረድቲ እስራኤል መጠን፡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ፈጸመ።—መሳ. 13:25፣ 14:5, 6፣ 15:14, 15።

w05 15/3 25-26

ሲምሶን ብሓይሊ የሆዋ ተዓወተ!

ሲምሶን ዓበየ፡ “እግዚኣብሄርውን ባረኾ።” (መሳፍንቲ 13:24) ሓደ መዓልቲ ናብ ኣቦኡን ኣዲኡን ከይዱ “ኣብ ቲምናታ ኻብ ኣዋልድ ፍልስጥኤማውያን ሓንቲ ሰበይቲ ርእየ አሎኹ እሞ፡ ሕጂ ንእኣ ኣመርዕዉኒ” ኢሉ ነገሮም። (መሳፍንቲ 14:2) ክሳዕ ክንደይ ከም ዝሰምበዱ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ወዶም ንእስራኤል ካብ ኢድ እቶም ጨቈንቲ ኣብ ክንዲ ዜድሕን፡ ምሳታቶም ኪተኣታቶ ደለየ። ካብቶም ንኣረማውያን ኣማልኽቲ ዜምልኹ ህዝቢ ሰበይቲ ምውሳድ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጻረር እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 34:11-16) ስለዚ፡ እቶም ወለዱ “ኬድካ ኻብቶም ዘይግዙራት ፍልስጥኤማውያን ሰበይቲ እተምጽእሲ፡ ኣብ ኣዋልድ ኣሕዋትካ ወይ ኣብ ብዘሎ ህዝበይዶ ሰበይቲ የልቦን፧” በልዎ። ሲምሶን ግን ነቦኡ “ብሂገያ እየ እሞ ንእኣ ደኣ ኣምጽኣለይ” በሎ።—መሳፍንቲ 14:3

መንፈሳዊ ሃብቲ

w05 15/3 26 ¶1

ሲምሶን ብሓይሊ የሆዋ ተዓወተ!

እዛ ፍልስጥኤማዊት ሰበይቲ እዚኣ ብሲምሶን ‘እትበሃግ’ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ ማክሊንቶክን ስትሮንግን ዘዳለዉዎ ሳይክሎፔድያ “ምልክዕቲ፡ ውቅብቲ፡ ማራኺት” ስለ ዝዀነት ዘይኰነስ፡ “ዕላማኡ፡ ሸቶኡ፡ ወይ መደቡ ንምፍጻም እትበሃግ” ስለ ዝዀነት እዩ። እንታይ ዕላማኸ እዩ ነይርዎ፧ መሳፍንቲ 14:4 ሲምሶን “ካብ ፍልስጥኤማውያን ምኽንያት ይደሊ” ምንባሩ ትገልጸልና። ነታ ሰበይቲ እቲኣ ዝደለያ እውን በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ነይሩ። ሲምሶን ምስ ዓበየ፡ “መንፈስ እግዚኣብሄር ኪድርኾ” ወይ ስጕምቲ ንኺወስድ ኬለዓዕሎ ጀመረ። (መሳፍንቲ 13:25) ስለዚ፡ ሰበይቲ ኣምጽኡለይ ኢሉ ዘይተለምደ ሕቶ ኣብ ዝሓተተሉን ኣብ እስራኤል ፈራዲ ዀይኑ ኣብ ዘሕለፈሉን እዋን ብመንፈስ የሆዋ እዩ ዚድረኽ ነይሩ። እሞኸ ነቲ ዝደልዮ ኣጋጣሚ ረኺቡዶ፧ ፈለማ የሆዋ ይድግፎ ምህላዉ ብኸመይ ከም ዘረጋገጸሉ እስከ ንርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ