ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/3 ገጽ 15-20
  • ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ምግጣሙ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ምግጣሙ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ክንዲ የሆዋ ምጥባቕ
  • ንማሕበር የሆዋ ዘሎና ተኣማንነት
  • ነቶም እሙናት ሽማግለታት ዘሎና ተኣማንነት
  • ናይ መርዓ ተኣማንነት
  • እሙናት ንኽንከውን ዘለዉና ሓገዛት
  • ነቶም እሙናት ኣስተብህሉሎም!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ንመን ኢኻ እሙን ክትከውን ዘሎካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • እሙን ምዃን ረብሓታት የምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/3 ገጽ 15-20

ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ምግጣሙ

“እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን [“ተኣማንነትን: ” ትሓዓ ] ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ [“ሰብነት: ” ትሓዓ ] ልበሱ። ”​—ኤፌሶን 4:​24

1. ንየሆዋ ኣምላኽ ተኣማንነትና ከነርኢ ዝግባእ ስለምንታይ ኢዩ፧

ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ምግጣም ብዙሕ መዳያት ዘለዎ ኢዩ። እቲ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ነቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ተኣማንነት ንምርኣይ ዝመጽእ ብድሆ ምግጣሙ ኢዩ። ብሓቂ: የሆዋ መን ምዃኑ ብምፍላጥ: ነቲ ንዓና ዝገበረልና ብምርኣይ: ከምኡውን ብምኽንያት እቲ ንዕኡ ዝገበርናዮ ወፈያ እሙናት ክንከውን ይጽበየና ኢዩ። እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ብኸመይ ኢና እነንጸባርቖ፧ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መገዲ ነቲ ናይ የሆዋ ጽድቃዊ ስርዓታት እሙናት ብምዃን ኢዩ።

2, 3. ኣብ መንጎ ተኣማንነትን ጽድቅን እንታይ ርክብ ኣሎ፧

2 ነቲ ብድሆ ንምግጣሙ ነቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 1:⁠15, 16 ዘሎ “ኣነ ቅዱስ እየ እሞ: ቅዱሳት ኩኑ: ዚብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ: ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ: ንስኻትኩምውን ብዅሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ” ዝብል ቃላት ከነቕልበሉ ኣሎና። እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ሓሳብና: ቃላትና: ከምኡውን ተግባራትና ምስቲ ቅዱስ ፍቓዱ ብምስምማዕ ኣብ ዝዀነ እዋን ንኽንእዘዞ ክድርኸና ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ከምቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 1:​3-5 “እታ መደምደምታ ትእዛዝ [እተፈለየ ሰረተ⁠-​እምነት ከይንምህር ወይ ድማ ናብ ጽውጽዋያት ከይነቕልብ እተዋህበ ትእዛዝ] ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ: ካብ ሰናይ ሕሊና: ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ” ብምባል ተዋሂቡና ዘሎ ስርዓት ሰናይ ሕሊና ምሓዝ ማለት ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ዋላ ሓደ ካባና ፍጹም የሎን: እንተዀነ ግን: እቲ ዝከኣለና ክንገብር ክንፍትን ኣሎና። ከምኡ ክንገብር ኣይግብኣናን ድዩ፧

3 ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ብስስዐ ተደሪኽና ብዛዕባ እቲ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ንኸይንለማመጥ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ብርግጽ: ተኣማንነት ብውሽጥና ካልእ ብደጌና ድማ ካልእ ኰይንና ንኸይንመላለስ ይሕግዘና ኢዩ። እቲ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ እግዚኣብሄር: ብሓቅኻ ምእንቲ ኽመላለስ: መገድኻ ምሀረኒ: ስምካ ኽፈርህሲ: ንልበይ ኣዳልዎ [“ሓደ ግበረለይ:” ትሓዓ ]” ኢሉ ክዝምር ከሎ ኣብ ኣእምሮኡ ብዛዕባ ተኣማንነት ኢዩ ዝሓስብ ነይሩ። (መዝሙር 86:11) ተኣማንነት ከምቲ “ነቲ ሰባት ኣገዲዶም ከተግብርዎ ዘይክእሉ ሕግታትን ስርዓታትን ምእዛዝ” ተባሂሉ ብጽቡቕ ተገሊጹ ዘሎ ዓይነት ምእዛዝ ዝሓትት ኢዩ።

4, 5. ተኣማንነት እንታይ ጌጋ ስጕምቲ ንኸይንወሰድ ኢያ ጥንቁቓት እትገብረና፧

4 ንየሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ኣብ ልዕሊ ስሙን መንግስቱን ጸርፊ ከምጽእ ዝኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ንኸይንገብር እውን ይሕልወና ኢዩ። ንኣብነት: ሓደ ግዜ ክልተ ክርስትያናት ኣብ መንጎኦም ሽግር ስለ ዝነበሮም ናብ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ተባጽሑ። እቲ ፈራዳይ ‘ክልቴኹም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዲኹም፧’ ኢሉ ሓተቶም። ብርግጽ ድማ ኣብቲ ቤት ፍርዲ እንታይ ክገብሩ ከም ዝመጹ ክርድኦ ኣይከኣለን። እዝስ ኣየ ከመይ ዝበለ ጸርፊ ኰን ኢዩ! ንየሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ነዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ “ብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፈራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጕድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፧ ከመይከ ዘይትግፍዑ፧” ኢሉ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ከም ዘቕልብሉ ምገበሮም ነይሩ። (1 ቈረንቶስ 6:⁠7) ብርግጽ: እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ተኣማንነት ንየሆዋን ንማሕበሩን ጸርፊ ኣብ ክንዲ እነምጽእ ብሕታዊ ጥቕምታት ከም እንገድፍ ኢዩ ዝገብረና።

5 ንየሆዋ ተኣማንነት ምርኣይ ንፍርሒ ሰብ ኢድካ ዘይምሃብውን ዘጠቓለለ ኢዩ። “ንሰብ ምፍራህ ኣብ መፈንጠራ የእቱ: ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ኣብ ደሓን ይነብር።” (ምሳሌ 29:25) ስለዚ ድማ: መስጐጕቲ ከጋጥመና ከሎ ኣይንለማመጥን ኢና: ኣብ ክንድኡስ ነቲ እቶም ኣብ ሕብረት ሶቭየት ነበር: ማላዊ: ኢትዮጵያ: ከምኡውን ኣብ ካልኦት ብዙሓት ሃገራት ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገደፍዎ ኣብነት ኢና እንስዕብ።

6. ተኣማንነት ምስ መን ንኸይንሓብር ኢያ እትሕልወና፧

6 ንየሆዋ ኣምላኽ እሙናት እንተድኣ ኰይንና: ምስ ኵሎም እቶም ጸላእቱ ዝዀኑ ዕርክነት ምግባር ከነወግድ ኢና። ስለዚ ድማ ኢዩ እቲ ወደ መዝሙር ያእቆብ “ኣትን ዘመውቲ: ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑዶ ኣይትፈልጣን ኢኽን: እምበኣርከ ፈታው ዓለም ምዃን ዚደሊ: ንሱ ጸላእ ኣምላኽ እዩ ዚኸውን” ኢሉ ዝጸሓፈ። (ያእቆብ 4:4) ከምቲ ንጉስ ዳዊት “ዎ እግዚኣብሄር: ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽላኣዮም፧ ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖም፧ ፍጹም ጽልኢ እጸልኦም: ጸላእተይ እዮም” ኢሉ ዘረጋገጾ ዓይነት ተኣማንነት ክህልወና ኢና እንደሊ። (መዝሙር 139:⁠21, 22) ምስኦም ምንም ዘራኽብ ስለ ዘይብልና ምስ ኵሎም ኰነ ኢሎም ሓጢኣት ዝገብሩ ሰባት ምንም ሕብረት ክንገብር ኣይንደልን ኢና። ተኣማንነት: ምስ ከምዚኣቶም ዝበሉ ጸላእቲ የሆዋ ዝዀኑ ሰባት ብኣካል ይኹን ብመገዲ ቴሌቭዥን: ኣቢልና ርክብ ከይንገብር ዝሕልወናዶ ኸይኰነ፧

ኣብ ክንዲ የሆዋ ምጥባቕ

7. ተኣማንነት ንየሆዋ ዝምልከት እንታይ ክንገብር ኢያ እትሕግዘና: ኤሊሁኸ ነዚ ብኸመይ ኢዩ ገይርዎ፧

7 ተኣማንነት ኣብ ክንዲ የሆዋ ኣምላኽ ክንጣበቕ ክደፋፍኣና ኢዩ። በዚ ዝመጸ ኤሊሁ ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን ኢዩ! እዮብ 32:​2, 3 ከምዚ ብምባል ትነግረና:- “ኤሊሁ . . . ብዅራ ተናደደ: ንእዮብ ከኣ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንነፍሱ ስለ ዘጽደቓ: ኣበርቲዑ ዀረየሉ። ነቶም ሰለስተ ፈተውቱውን: ንእዮብ ምላሽ ስለ ዘይረኸቡሉ እሞ ስለ ዝፈረድዎ: ኰረየሎም።” ኣብ እዮብ ምዕራፍ 32 ክሳዕ 37: ኤሊሁ ኣብ ክንዲ የሆዋ ይጣበቕ። ንኣብነት ከምዚ በለ:- “ስለ ኣምላኽ ገና ዚዝረብ አሎኒ እሞ: ኣነ ኽምህረካ ቕሩብ ጽናሕ። . . . ፈጣርየይ ጻድቕ ከም ዝዀነ ኸርኢ እየ: . . . ኣዒንቱ ኻብ ጻድቃን ኣይመልሰንን።”​—እዮብ 36:​2-7

8. ኣብ ክንዲ የሆዋ ክንጣበቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧

8 ስለምንታይ ኢዩ ኣብ ክንዲ የሆዋ ምጥባቕ ዘድሊ፧ ሎሚ የሆዋ ኣምላኽና ብብዙሕ መገዲ ይጽረፍ ኣሎ። ኣምላኽ የሎን: ናይ ስላሴ ክፍሊ ኢዩ: ንሰባት ኣብ ዝነድድ ሓዊ ንዘለኣለም የሳቒ ኢዩ: ንዓለም ንኽልውጣ ድኹም ፈተነ ኢዩ ዝገብር: ብዛዕባ ደቅሰብ ኣይግደስን ኢዩ: ዝብልን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለን ብዛዕባኡ ተዘሪቡ ኢዩ። የሆዋ ከም ዘሎ፣ ጥበበኛ: ፍትሓዊ: ኵሉ ዝኽእል: ከምኡውን ፈቃር ኣምላኽ ምዃኑ፣ ንዅሉ ዝመደቦ ኸኣ ግዜ ከም ዘለዎ፣ ከምኡውን እቲ ምዱብ ግዜኡ ምስ ኣኸለ ንዅሉ ክፍኣት መወዳእታ ከም ዝገብረሉን ንብምልእታ ምድሪ ድማ ገነት ከም ዝገብራን ኣብ ክንድኡ ምስ እንጣበቕን እነረጋግጽን ንዕኡ ዘሎና ተኣማንነት ነርኢ። (መክብብ 3:⁠1) እዚ ድማ ንዝረኸብናዮ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ብዛዕባ ስም የሆዋን መንግስቱን ምዝራብ ክሓተና ኢዩ።

ንማሕበር የሆዋ ዘሎና ተኣማንነት

9. ኣብ ከመይ ዝበለ ጕዳያት ኢዮም ገሊኦም ተኣማንነቶም ዝኸሓዱ፧

9 ሕጂ ድማ ነታ እትርአ ማሕበር የሆዋ እሙን ምዃን ዝብል ንርአ። ብርግጽ ንማሕበር የሆዋን ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ መንፈሳዊ መግቢ ዝምግብ ዘሎ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ”ን እሙናት ክንከውን ከድልየና ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45-​47 ትሓዓ) ንኣብነት: ሓደ ንግዜኡ ዘይንርድኦ ወይ ዘይንሰማምዓሉ ነገር ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ወጺኡ ንበል። እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ ኣንጸርጺርና ነታ ማሕበር ክንገድፋ ድዩ ዘሎና፧ ብዙሕ ዓመታት ይገብር: ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ሓድሽ ኪዳን ምስ ሽሓዊ ዓመት ምስ ኣተሓሓዞ ገሊኦም ነታ ማሕበር ገዲፎምዋ ኢዮም። ካልኦት ድማ እቲ ሓደ ግዜ ግምቢ ዘብዐኛ ብዛዕባ ገለልትነት ዝሃቦ ሓሳባት ምስ ረኣዩ ኣንጸርጺሮም ኢዮም። እዞም ሰባት እዚኣቶም ነታ ማሕበርን ነሕዋቶምን እሙናት ነይሮም እንተ ዝዀኑ: የሆዋ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ከነጽሮ ንዕኡ ምተጸበዩ ነይሮም: ነዚ ድማ ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ የሆዋ ኣነጺርዎ ኢዩ። ስለዚ እምበኣር: ተኣማንነት እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ ተወሳኺ ምርዳእ ጽሒፉ ክሳዕ ዘውጽእ ብትዕግስቲ ምጽባይውን ዘጠቓልል ኢዩ።

10. ተኣማንነት ብዛዕባ እንታይ ህንጡያት ንኸይንኸውን ኢያ እትሕልወና፧

10 ንእትርአ ማሕበር የሆዋ እሙን ምዃን ምስ ከሓድቲ ሰባት ምንም ርክብ ዘይምግባር እውን ማለት ኢዩ። እሙናት ክርስትያናት እዞም ከሓድቲ ሰባት እዚኣቶም ዝብልዎ ንምፍላጥ ህንጡያት ኣይኰኑን ኢዮም። ሓቂ ኢዩ: እቶም የሆዋ ናይ ምድሪ ዕዮታቱ ንምምራሕ ዝጥቀመሎም ዘሎ ሰባት ፍጹማት ኣይኰኑን። እንተዀነ ግን: ቃል ኣምላኽ እንታይ ክንገብር ኢዩ ዝነግረና፧ ንማሕበር ኣምላኽ ክንገድፋ ድዩ ዝነግረና፧ ኣይኰነን። ሕውነታዊ ምፍታው: ንማሕበር እሙናት ከም እንኸውን ክገብረና ኣለዎ: ከምኡውን ‘ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድና ብሓቂ እናተፋቐርና’ ክንቅጽል ኣሎና።​—1 ጴጥሮስ 1:22

ነቶም እሙናት ሽማግለታት ዘሎና ተኣማንነት

11. ተኣማንነት ካብ ከመይ ዝበለ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ኢያ እትሕልወና፧

11 ኣብ ጉባኤ ንኽንርድኦ ዘጸግም ሓደ ነገር እንተዝበሃል ወይ እንተዝግበር ተኣማንነት ካብ ምፍራድ ትሕልወና ከምኡውን ምናልባት ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ኢዩ ዝኸውን ኢልና ንኽንድምድም ትሕግዘና ኢያ። ኣብ ክንዲ ናብቲ ናይ ሽማግለታትን ካልኦት ኣመንቲ ብጾትናን ጕድለታት እነተኵር ናብቲ ሰናይ ባህርያቶም እንተ ነተኵር ኣዝዩ ዝበለጸዶ ኣይምዀነን፧ እወ: ምስ እሙን ዘይምዃን እተዛመደ ብምዃኑ ኣንጻር ዅሉ ከምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባታት ክንጥንቀቕ ኣሎና! ተኣማንነት: ብተወሳኺ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ [“ብዝጐድእ ቃላት ከይዛረቡ:” ትሓዓ ]” ኢሉ ዝሃቦ መምርሒ ንኽንእዘዝ እውን ክትሕግዘና ኢያ።​—ቲቶስ 3:​1, 2

12, 13. ሽማግለታት እንታይ ፍሉይ ብድሆታት ኢዮም ክጋጠሙ ዘለዎም፧

12 ተኣማንነት ንሽማግለታት ፍሉይ ብድሆታት ኢያ እተቕርበሎም። ሓደ ካብዚ ብድሆታት እዚ ንምስጢር ዝምልከት ጕዳይ ኢዩ። ሓደ ኣባል ናይታ ጉባኤ ንሓደ ሽማግለ ብዛዕባ ብሕታዊ ጉዳዩ የማኽሮ ይኸውን። እቲ ሽማግለ ዘርእዮ ተኣማንነት ነቲ ጕዳይ ንደገ ከየውጽእ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ኣብ ምሳሌ 25:⁠9 ዘሎ ምኽሪ ከቕልበሉ ኢዩ:- “ምስጢር ካልእ ግና ኣይትቕላዕ።” እዚ ማለት ድማ እቲ ሽማግለ ንሰበይቱ እውን ከይተረፈ ክነግራ የብሉን ማለት ኢዩ!

13 ሽማግለታት ክጋጠምዎ ዘለዎም ካልእ ናይ ተኣማንነት ፈተናታት እውን ኣሎ። ነቶም ምኽሪ ዘድልዮም: ኣዝማድ ወይ ናይ ቀረባ ፈተውቲ እውን እንተዀኑ: ብትብዓትን ብልእመትን ድዮም ዝሕግዝዎም ወይስ ንሰባት ዘሐጕሱ ኢዮም ዝዀኑ፧ እቲ ንማሕበር የሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ነቶም ሽማግለታት ዘበልና ንዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ሓገዝ ዘድልዮ ሰብ ክንሕግዞ ንኽንፍትን ክደፋፍኣና ኢዩ። (ገላትያ 6:​1, 2) ሽሕ’ኳ ሕያዎት ክንከውን እንተ ኣሎና: ተኣማንነት ከምቲ ጳውሎስ ንሃዋርያ ጴጥሮስ ብግልጺ እተዛረቦ ምስ ብጾትና ሽማግለታት ብግልጺ ከም እንዛረብ ክትገብረና ኢያ። (ገላትያ 2:​11-​14) በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ሽማግለታት ብዘይጥበብ ንኸይመላለሱ ወይ ኣድልዎ ከይገብሩ ወይ ድማ ብኻልእ መገዲ ነቲ ዘለዎም ስልጣን ብዘይ ኣገባብ ንኸይጥቀሙ እሞ ነቶም ኣብ ትሕቲ ጕስነቶም ዘለዉ ሰባት ድማ ንማሕበር ኣምላኽ እሙናት ንክዀኑ ዘሽግር ከም ዝኸውን ከይገብሩ ጥንቁቓት ክዀኑ ኣለዎም።​—ፊልጲ 4:5

14, 15. ከመይ ዝበሉ ረቛሒታት ኢዮም ንተኣማንነት ናይቶም ናይ ጉባኤ ኣባላት ክፍትኑ ዝኽእሉ፧

14 ንጉባኤን ንሽማግለታትን ተኣማንነት ምርኣይ ዝምልከት ብድሆ ምግጣም ካልእ መዳያት እውን ኣለዎ። ኣብታ ጉባኤ ገለ ሽግር ዘምጽእ ነገር ምስ ዝፍጸም ንየሆዋን ነቶም ንዕኡ ዝውክልዎን ዘሎና ተኣማንነት ከነርኢ ኣጋጣሚ ዝህብ ኢዩ። (ናይ 15 ሰነ 1987 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 15-17 ርአ።) ምውጋድ ምስ ዝህሉ ኣብ ክንዲ ነቲ እተወስደ ናይ ምውጋድ ስጕምቲ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎ ድዩ የሎን ኢልና ንምፍላጥ እንሓታትት ነቶም ሽማግለታት ንኽንድግፎም ተኣማንነት ይሓተና ኢዩ።

15 ካልእ ንጉባኤ እሙናት እንዀነሉ ድማ ኵነታትናን ዓቕምናን ክሳዕ ዘፍቅደልና ኣብ ሓሙሽቲኡ ሰሙናዊ ኣኼባታት ምክፋል ኢዩ። ተኣማንነት: ኣብቶም ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ክንካፈል ጥራይ ዘይኰነስ ክንዳሎን ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብናሉ ድማ ሃናጺ ዝዀነ ሓሳባት ክንህብን ኢዩ ዝሓተና።​—እብራውያን 10:24, 25

ናይ መርዓ ተኣማንነት

16, 17. እተመርዓዉ ክርስትያናት ከመይ ዝበለ ናይ ተኣማንነት ብድሆታት ኢዮም ክጋጠሙ ዘለዎም፧

16 ካልእከ ንመን ኢና ተኣማንነት ከነርኢ ዘሎና፧ እተመርዓና እንተድኣ ኴንና: ብመሰረት እቲ ኣብ መርዓና ዝገበርናዮ ማሕላ ነቲ ንናይ መርዓ ብጻይና እሙን ናይ ምዃን ብድሆ ክንጋጠሞ ኣሎና። እቲ ንናይ ሓዳር ብጻይና ዘሎና ተኣማንነት ካብ ሰበይትና ወይ ሰብኣይና ንላዕሊ ንኻልኦት ኣንስቲ ወይ ድማ ሰብኡት ዝያዳ ሕያዎት ንኸይንኸውን ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ንናይ መርዓ ብጻይና ዘሎና ተኣማንነት ነቲ ናይ መርዓ ብጻይና ዘለዎ ድኽመት ወይ ጕድለት ኣልዒልና ካብ ምዝራብ ምቍጣብ እውን ዝሓትት ኢዩ። ነቲ ምስቲ ወርቃዊ ሕጊ ተሰማሚዕና ክንገብሮ ዘሎና ኣብ መንጎ ሰብኣይ ሰበይትን ዘሎ ናይ ርክብ መትረብ ክፉት ገይርና ክንሕዞ ኣብ ክንዲ እንጽዕር ናብ ካልኦት ኬድካ ብዛዕባ እቲ ነገር ምጕርምራም ዝያዳ ዝቐለለ ኢዩ። (ማቴዎስ 7:⁠12) ሓቂ ኢዩ: ናይ ሓዳር ኵነታት ነቲ ክርስትያናዊ ተኣማንነትና ናይ ሓቂ ብድሆ ኢዩ ዝዀኖ።

17 ንኸምዚ ዝዓይነቱ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ንምግጣሙ: ከቢድ ዝዀነ በደል ከነርሕቕ ጥራይ ዘይኰነስ ንሓሳባትናን ስምዒታትናን እውን ክንሕሉ ይግብኣና። (መዝሙር 19:⁠14) ንኣብነት: መታለሊ ልብና ባህታን ደስታን ዝሃርፍ ምስ ዝኸውን ብስስዐ ተደሪኽና ካብ ምድናቕ ናብ ምብሃግ ክንሓልፍ ኣዝዩ ቀሊል ኢዩ። ናይ መርዓ ተኣማንነት ክህሉ ብምምዓድ ንጉስ ሰሎሞን ንሰብኡት ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ‘ማይሲ ኻብ ምንጭኻ ደኣ ስተ’ ኢሉ ይመክር። (ምሳሌ 5:​15) የሱስ ድማ ከምዚ በለ:- “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ።” (ማቴዎስ 5:⁠28) ዘይጽፉፍ ዝዀነ ስእልታት ወይ መጻሕፍቲ ዘዘውትሩ ሰብኡት ናብቲ ንኣንስቶም ብጾታዊ ርክብ ዘይእሙናት ዝዀንሉ ከምኡውን ተኣማንነት ዘጥፍእሉ ናይ ዝሙት ደረጃ ይበጽሑ ኢዮም። ብተመሳሳሊ መገዲ: ሓንቲ ሰበይቲ ናይ ዝሙት ፍጻመታት ዝገልጽ ኦፔራታት ኣብ ምርኣይ ምስ እትውሓጥ ንሰብኣያ ዘይእምንቲ ንኽትከውን ክትፍተን ትኽእል ኢያ። ይኹን እምበር: ንናይ መርዓ ብጻይና እሙን ብምዃን ነቲ ናይ መርዓ ማእሰር ነሐይሎ: ከምኡውን ኣብቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ንምሕጓስ እንገብሮ ጻዕሪ ነንሓድሕድና ንተሓጋገዝ።

እሙናት ንኽንከውን ዘለዉና ሓገዛት

18. ብዛዕባ እንታይ ምስ እነማሱ ኢዩ እሙናት ንኽንከውን ክሕግዘና ዝኽእል፧

18 ነዚ ኣብዘን ኣርባዕተ መዳያት ማለት ንየሆዋ: ንማሕበሩ: ንጉባኤ: ከምኡውን ንናይ መርዓ ብጻይ ዘሎና ተኣማንነት ዝምልከት ብድሆ ንምግጣሙ እንታይ ክሕግዘና ይኽእል፧ ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ምግጣሙ: ምስ ምርግጋጽ ሉዓላውነት የሆዋ ኣዝዩ እተኣሳሰረ ምዃኑ ሞሳ ምግላጽ ሓደ ካብቲ ሓገዝ ኢዩ። እወ: እሙናት ምዃንና የሆዋ ናይዚ ኣድማስ ልዑል ገይርና ከም እንርእዮ ዘረጋግጽ ኢዩ። ስለዚ ድማ ንርእስና ነኽብር ከምኡውን ኣብ ናይ የሆዋ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ይህልወና። ካብ የሆዋ ጀሚርካ ክሳዕ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ከምኡውን ኣብ ናይ ዓመት መጽሓፍ ዘሎ ጸብጻባት እውን ሓዊስካ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ተጠቒሶም ዘለዉ ብሉጻት ዝዀኑ ናይ ተኣማንነት ኣብነታት ምሕሳብ እውን እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ።

19. እሙናት ንኽንከውን እምነት እንታይ ግደ ኢዩ ዘለዋ፧

19 ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ሓያል እምነትን ንኸይነጕህዮ ምፍራህን ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ንኽንጋጠሞ ክሕግዘና ይኽእል ኢዩ። ብትግሃት ቃል ኣምላኽ ብምጽናዕን ኣብቲ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ብምክፋልን ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነትና ነበርትዕ ንዕኡ ድማ ንፍራህ። ከምዚ ምግባር ምስቲ ኣብ ኤፌሶን 4:⁠23, 24 ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ምኽሪ ተሰማሚዕና ክንከይድ ይሕግዘና። ከምዚ ይብል:- “በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ: እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን [“ተኣማንነትን:” ትሓዓ ] ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ [“ሰብነት:” ትሓዓ ] ልበሱ።”

20. ንየሆዋን ንዅሎም እቶም ተኣማንነት ከነርእዮም ዝግባእ ሰባትን እሙናት ክንከውን ልዕሊ ዅሉ እትሕግዘና ባህርይ ኣየነይቲ ኢያ፧

20 ነቲ ናይ የሆዋ ባህርያት ሞሳ ምግላጽ እሙናት ንኽንከውን ይሕግዘና ኢዩ። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ንሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ስስዐ ዘይብሉ ፍቕርን ነቲ ዅሉ ዝገበረልና ድማ ምምስጋንን: ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ሓሳብናን ሓይልናን ድማ ምፍቃሩ ንዕኡ እሙናት ኽንከውን ክሕግዘና ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ እታ የሱስ ንሰዓብቱ መለለዪ ክትከውን ኢያ ኢሉ ዝነገሮም ፍቕሪ ምስ እትህልወና ንዅሎም ኣብታ ጉባኤን ኣብ ስድራቤትናን ዘለዉ ክርስትያናት እሙናት ንኽንከውን ትሕግዘና ኢያ። ብኻልእ ኣዘራረባ: ብሓቂ ስሱዕ ወይ ድማ ዘይስሱዕ ምዃን ማለት ኢዩ። ዘይእሙን ምዃን ስሱዕ ምዃን ማለት ኢዩ። ተኣማንነት ድማ ዘይስሱዕ ምዃን ማለት ኢዩ።​—ማርቆስ 12:30, 31፣ ዮሃንስ 13:34, 35

21. ነቲ ንተኣማንነት ዝምልከት ብድሆ ምግጣም ብኸመይ ዝበለ መገዲ ክጠቓለል ይኽእል፧

21 ንምጥቕላል:- ተኣማንነት ብየሆዋ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ: ከምኡውን ብዅሎም ሓቀኛታት ኣገልገልቲ የሆዋ እተንጸባረቐ ብሉጽ ባህርይ ኢዩ። ምስ የሆዋ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንኽህልወና ምስ ጽድቃዊ ስርዓታቱ ተሰማሚዕና ብምንባር: ምስ ጸላእቱ ምንም ሕብረት ብዘይ ምግባር: ብስሩዕን ናይ እግረ⁠-​መገዲ ምስክርነትን ገይርና ኣብ ክንዲ የሆዋ ብምጥባቕ ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ክንጋጠሞ ኣሎና። ነታ እትርአ ማሕበር የሆዋ እሙን ምዃን ዘስዕቦ ብድሆ ድማ ክንጋጠሞ ኣሎና። ንጉባኤታትና እሙናት ንናይ መርዓ ብጾትና ድማ እሙናት ክንከውን ኣሎና። ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ብምግጣምና ኣብቲ ምርግጋጽ ሉዓላውነት የሆዋ ክንካፈል ኢና: ከምኡውን ኣብቲ ዘሎ ክርክር ብወገኑ ክንቀውም ኢና። በዚ ኸምዚ ድማ ስምረቱ ክንረክብ ኢና እቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት ሽልማት ድማ ክንወሃብ ኢና። እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ኣምላኻዊ ተወፋይነት ዝበሎ ነገር ኣብቲ ንናይ ተኣማንነት ብድሆ እንገብሮ ምግጣም እውን ክውዕል ይኽእል ኢዩ። ነዚ ሕጂ ዘሎ ህይወትን ንዝመጽእን ድማ ጠቓሚ ኢዩ።​—መዝሙር 18:25፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:⁠8

ብኸመይ ምመለስካ፧

◻ እቲ ንኣምላኽ ተኣማንነት ናይ ምርኣይ ብድሆ በየኖት መገድታት ክንጋጠሞ ንኽእል፧

◻ ንማሕበር የሆዋ እሙናት ንምዃን ካባና እንታይ ይድለ፧

◻ ሽማግለታት ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ብኸመይ ክገጥምሉ ይኽእሉ፧

◻ እንታይ ንተኣማንነት ዝምልከት ብድሆ ኢዮም ምርዑዋት ክርስትያናት ክጋጠምዎ ዘለዎም፧

◻ ንናይ ተኣማንነት ብድሆ ንኽንጋጠሞ እንታይ ባህርያት ኢዮም ዝሕግዙና፧

[ኣብ ገጽ 17 ዘሎ ስእሊ]

ሽማግለታት ንናይ ጉባኤ ኣባላት ዘርእይዎ ተኣማንነት ምስጢራዊ ጕዳያት ንኸይገልጹ ይሕግዞም ኢዩ

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእሊ]

ንናይ መርዓ ብጻይና ዘሎና ተኣማንነት ነቲ ናይ መርዓ ማእሰር የሐይሎ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ