ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ia ምዕ. 16 ገጽ 135-144
  • ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት
  • ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘እትዛረበሉ ግዜ’ ብጥበብ መረጸት
  • ትዕግስቲ ንፍትሒ መገዲ ትኸፍት
  • ብትብዓት ተዛረበት
  • ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእ ምእንቲ የሆዋን ምእንቲ ህዝቡን ስጕምቲ ወሰደት
  • ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ካብ መጽሓፍ ኣስቴር ዚጐልሕ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
ia ምዕ. 16 ገጽ 135-144
ንግስቲ ኣስቴር

ምዕራፍ ዓሰርተው ሽዱሽተ

ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት

1-3. (ሀ) ኣስቴር ናብ ዝፋን ሰብኣያ ኽትቀርብ ከላ፡ እንታይ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ይኽእል፧ (ለ) እቲ ንጉስ፡ ኣስቴር ናብኡ ምስ መጸት እንታይ ገበረ፧

ኣስቴር ቀስ ኢላ ናብቲ ዝፋን ቀረበት፡ ትርግታ ልባ ኸኣ ወሰኸ። ሽዑ፡ ኣብቲ ኣብ ሱሳን ኣብ ዚርከብ ቤተ መንግስቲ ፋርስ ዝነበረ ዓብዪ ኽፍሊ ንጉስ፡ እንታይ ዓይነት ጸጥታ ሰፊኑ ኸም ዝነበረ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኣዝዩ ጸጥ ካብ ምባሉ እተላዕለ፡ ኣስቴር ንድምጺ እቲ ቐስ እናበለት እትስጕሞ ዝነበረት ስጕምቲ እግራ ዀነ ንሓሸውሸውታ ኽዳና ኽትሰምዖ ትኽእል ነይራ እያ። ብዛዕባ እቲ ምዕሩግ ቤተ መንግስቲ፡ እቲ ውቁብ ኣዕኑድ፡ እቲ ኻብ ርሑቕ ቦታ፡ ማለት ካብ ሊባኖስ ብዝመጸ ጽሕዲ እተቐርጸ ናሕሲ ኽትሓስብ ግዜ ኣይነበራን። ኣብቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ፡ ህይወታ ኣብ ኢዱ ዝወደቐት ሰብኣይ እያ ምሉእ ኣቓልቦኣ ገይራ።

2 ንጉስ፡ ኣስቴር ናብኡ ኽትቀርብ ከላ ኣተኲሩ ይጥምታ ነበረ፡ ነቲ ዘንጊ ወርቁ ድማ ዘርግሓላ። እዚ ቐሊል ዚመስል ምዝርጋሕ ዘንጊ፡ ዓብዪ ትርጉም እዩ ነይርዎ፣ ከመይሲ፡ ንህይወት ኣስቴር ዜድሕን ምልክት እዩ ነይሩ። በዚ ኸምዚ፡ ንጉስ ንኣስቴር ነቲ ብእኡ ኸይተጸውዐት ኣብ ቅድሚኡ ብምቕራባ ዝፈጸመቶ በደል ምሕረት ገበረላ። ኣስቴር ናብቲ ዝፋን ምስ ቀረበት፡ ምስጋናኣ ንምግላጽ ተመጣጢራ ንርእሲ እቲ ዘንጊ ተንከየት።—ኣስ. 5:1, 2።

ንግስቲ ኣስቴር ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ዘንጊ ወርቂ ምስ ዘርግሓላ ናብቲ ዝፋን ክትቀርብ ከላ

ኣስቴር ንምሕረት ንጉስ ብትሕትና ተቐበለቶ

3 ኵለንትና ንጉስ ኣሓሽዌሮስ፡ ኣዝዩ ሃብታምን ሓያልን ሰብኣይ ምዃኑ እዩ ዚሕብር ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ነገስታት ፋርስ ዚኽደንዎ ዝነበሩ ኽዳን፡ ብናይ ሎሚ ገንዘብ ኪትመን ከሎ፡ ኣማእታት ሚልዮናት ዶላራት እዩ ዜውጽእ። ይኹን እምበር፡ ኣስቴር ሰብኣያ ኸም ዝፈተዋ ኻብ ኣዒንቱ ኸተንብብ ክኢላ እያ። ኣሓሽዌሮስ ድማ፡ “ኦ ንግስቲ ኣስቴር፡ እንታይ ኢኺ ዄንኪ፧ እንታይ እዩ ሕቶኺ፧ ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እኳ፡ ኪውሃበኪ እዩ” በላ።—ኣስ. 5:3።

4. ኣስቴር እንታይ በዳሂ ዅነታት እዩ ዚጽበያ ነይሩ፧

4 ኣስቴር ነቲ ንህዝባ ንምጽናቶም እተኣልመ ውዲት ከተፍሽል ኣብ ቅድሚ ንጉስ ብምቕራብ፡ ፍልይቲ እምነትን ትብዓትን ከም ዝነበራ ኣርእያ እያ። ዛጊት ተዓዊታ እኳ እንተ ነበረት፡ ዝዓበየ በዳሂ ዅነታት ይጽበያ ነይሩ እዩ። ነዚ ኽቡር ንጉስ እዚ፡ እቲ ኣዝዩ ዚኣምኖ ኣማኻሪኡ፡ ንዕኡ ኣታሊሉ ንህዝባ ንሞት ከም ዚፍረዱ ዝገበረ እኩይ ሰብኣይ ምዃኑ ኸተእምኖ የድልያ ነበረ። እሞኸ፡ ኣረዲኣ ኸተእምኖ ዝኸኣለት ብኸመይ እያ፧ ካብ እምነታኸ እንታይ ንምሃር፧

‘እትዛረበሉ ግዜ’ ብጥበብ መረጸት

5, 6. (ሀ) ኣስቴር ነቲ ኣብ መክብብ 3:1, 7 ዚርከብ ስርዓት ኣብ ግብሪ ዘውዓለቶ ብኸመይ እያ፧ (ለ) ኣስቴር ንሰብኣያ ዝቐረበትሉ መገዲ ጥበባዊ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

5 ንዅሉ እቲ ጸገማት ኣብ ቅድሚ ዅሎም እቶም ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ዝነበሩ ሰባት ድያ ኽትድርጕሖ ነይሩዋ፧ ከምኡ እንተ ትገብር ነይራ፡ ምናልባት ንጉስ ምተዋረደ፡ እቲ ኣማኻሪኡ ዝነበረ ሃማን ከኣ ኪማጐት ኣጋጣሚ ምተኸፍተሉ ነይሩ። ስለዚ፡ እንታይ ገበረት፧ እቲ ቕድሚ እዚ ፍጻመ እዚ ዘመናት ኣቐዲሙ ዚነብር ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ “ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ፡ . . . ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡ ንምዝራብ ከኣ ግዜ ኣለዎ” በለ። (መክ. 3:1, 7) እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ ማርዶካይ ንኣስቴር ከምዚ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ስርዓት እናመሃረ ኸም ዘዕበያ ኽንግምት ንኽእል ኢና። ኣስቴር፡ ‘እትዛረበሉ ግዜ’ ተጠንቂቓ ኽትመርጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ኸም እተገንዘበት ፍሉጥ እዩ።

6 ኣስቴር፡ “ንንጉስ ባህ እንተ ኣቢልዎስ፡ ንጉስ ምስ ሃማን ኰይኑ ናብቲ ዘዳሎኹሉ ድግስ ሎሚ ይምጻእ” በለት። (ኣስ. 5:4) እቲ ንጉስ ተሰማምዐ፡ ንሃማን እውን ኣጸውዖ። ኣስቴር ብኸመይ ብጥበብ ከም እተዛረበት ኣስተብሂልካዶ፧ ንሰብኣያ ኽብረቱ ሓልያትሉ እያ፡ ሻቕሎታ ኽትነግረሉ እትኽእል ዝያዳ ምሹእ ግዜ ድማ ፈጠረት።—ምሳሌ 10:19 ኣንብብ።

7, 8. ኣስቴር ዘዳለወቶ ቐዳማይ ድግስ እንታይ ዓይነት እዩ ነይሩ፧ ነቲ ንጉስ ቀልጢፋ ልማኖኣ ዘይገለጸትሉኸ ስለምንታይ እያ፧

7 ኣስቴር ነቲ ምሳሕ ንዅሉ ምርጫታት ሰብኣያ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዘዳለወቶ ፍሉጥ እዩ። ባህ ምእንቲ ኺብሎ ኢላ፡ ወይኒ እውን ኣዳለወት። (መዝ. 104:15) ኣሓሽዌሮስ ባህ ስለ ዝበሎ፡ ንኣስቴር ልማኖኣ እንታይ ምዃኑ ኽትገልጸሉ ደጊሙ ሓተታ። እሞኸ፡ ሽዑ እትዛረበሉ ግዜ ድዩ ነይሩ፧

8 ኣስቴር ሽዑ እትዛረበሉ ግዜ ዀይኑ ኣይተሰምዓን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንጽባሒቱ ኻልኣይ ምሳሕ ብምድላው ንንጉስን ንሃማንን ዓደመቶም። (ኣስ. 5:7, 8) ንምንታይ እያ ተደናጕያ፧ ብኣዋጅ ንጉስ፡ ኵሎም ህዝቢ ኣስቴር ሞት ይጽበዮም ከም ዝነበረ ኣይትረስዕ። ኣስቴር ነዚ ሓደገኛ ዅነታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ነቲ እትዛረበሉ ግዜ ተጠንቂቓ እያ መሪጻቶ። ስለዚ ድማ፡ ንሰብኣያ ኽሳዕ ክንደይ ኣዝያ ኸም እተኽብሮ ኸተርኢ ኻልእ ኣጋጣሚ ተጸበየት።

9. ትዕግስቲ እንታይ ዋጋ እዩ ዘለዋ፧ በዚ መዳይ እዚ ነቲ ኣስቴር ዝሓደገቶ ኣብነት ክንስዕብ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

9 ትዕግስቲ ኣብ ብዙሓት ዘይትርከብ፡ ኣዝያ ኽብርቲ ባህርይ እያ። ኣስቴር ተጨኒቓን ሓሳባታ ንምግላጽ ተሃንጥያን እኳ እንተ ነበረት፡ ምሹእ ግዜ ኽሳዕ እትረክብ ብትዕግስቲ ተጸበየት። ኵላትና ኺዕረ ዘለዎ ጌጋታት ኣጋጢሙና ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ካብቲ ኣስቴር ዝገደፈቶ ኣብነት ብዙሕ ክንምሃር ንኽእል ኢና። ንሓደ ብዓል ስልጣን ሓደ ጸገም ኪፈትሓልና ኸነእምኖ ምስ እንደሊ፡ ኣሰር ኣስቴር ብምስዓብ ዕጉሳት ክንከውን ኬድልየና ይኽእል እዩ። ምሳሌ 25:15፡ “ኣዛዚ ብትዕግስቲ ይስነፍ፣ ልእምቲ ልሳን ድማ ዓጽሚ ትሰብር” ትብል። ከምቲ ኣስቴር ዝገበረቶ፡ እንዛረበሉ ግቡእ ግዜ ብትዕግስቲ ብምጽባይ፡ ብልዙብ መልሓስ ምስ እንዛረብ፡ ከም ዓጽሚ ዚተርር ተቓውሞ እውን ከይተረፈ ኺስበር ይኽእል እዩ። የሆዋ ኣምላኽከ ንኣገልጋሊቱ ኣስቴር ብዘርኣየቶ ትዕግስትን ጥበብን ባሪኽዋ ድዩ፧

ትዕግስቲ ንፍትሒ መገዲ ትኸፍት

10, 11. ሃማን ድሕሪ እቲ ቐዳማይ ድግስ እንታይ እዩ ተሰሚዕዎ፧ ሰበይቱን ፈተውቱንከ እንታይ ኪገብር እዮም መኺሮምዎ፧

10 ኣስቴር ብትዕግስታ ንተኸታታሊ ፍጻመታት መገዲ ኸፊታ እያ። ሃማን ኣብቲ ቐዳማይ ምሳሕ ንጉስን ንግስትን ሞገሶም ስለ ዝሃብዎ፡ “ባህ ኢልዎ፡ ልቡ እውን ተሓጒሱ” ወጸ። ግናኸ፡ ብኣፍ ደገ ኣዳራሽ ንጉስ ኪሓልፍ ከሎ፡ ኣዒንቱ ኣብቲ ፍሉይ ኣኽብሮት ከይህቦ ዝኣበየ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኣተኰራ። ከምቲ ኣብታ ዝሓለፈት ምዕራፍ ዝረኣናዮ፡ ማርዶካይ ፍሉይ ኣኽብሮት ከይህቦ ዝኣበየ፡ ካብ ንዕቀት እተላዕለ ዘይኰነስ፡ ንሕልናኡን ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብን ከየበላሹ ኢሉ እዩ። ይኹን እምበር፡ ሃማን ንማርዶካይ ምስ ረኣዮ፡ “ነድሪ መልኦ።”—ኣስ. 5:9።

11 ሃማን ንሰበይቱን ንፈተውቱን ብዛዕባ ማርዶካይ ነገሮም። ሽዑ ንሳቶም፡ ልዕሊ 22 ሜተር ዝምንዋሑ ዓብዪ ጕንዲ ኼዳሉ እሞ፡ ንንጉስ ነጊሩ ንማርዶካይ ኣብኡ ኺሰቕሎ መኸርዎ። ሃማን ንምኽሮም ተሰማምዓሉ፡ ጕንዲ ኸኣ ኣዳለወ።—ኣስ. 5:12-14።

12. እቲ ንጉስ ነቲ ወግዓዊ መዝገብ መንግስቲ ኸም ዚንበበሉ ዝገበረ ስለምንታይ እዩ፧ ምስ ተነብበኸ እንታይ እዩ ፈሊጡ፧

12 እቲ ንጉስ፡ ለይቲ ተረበሸ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “በታ ለይቲ እቲኣ፡ ንጉስ ድቃስ ሰኣነ” ይብለና። ስለዚ ድማ፡ ኣሓሽዌሮስ እቲ ወግዓዊ መጽሓፍ መዘከርታ መንግስቲ ኸም ዚንበበሉ ገበረ፣ ውዲት ተኣሊሙሉ ኸም ዝነበረ ኸኣ ተነብበ። ንጉስ ነቲ ጕዳይ እቲ ዘከሮ። እቶም ውዲት ዝኣለሙሉ ሰባት ተታሒዞም ተቐቲሎም እዮም። እቲ ነቲ ውዲት ዘቃልዖ ማርዶካይከ እንታይ ተገብረሉ፧ ሽዑ ንጉስ፡ ንማርዶካይ እንታይ ከም እተገብረሉ ሓተተ። እንታይ መልሲኸ ተዋህቦ፧ ዋላ ሓንቲ ኸም ዘይተገብረሉ ተነግሮ።—ኣስቴር 6:1-3 ኣንብብ።

13, 14. (ሀ) ንሃማን እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ፧ (ለ) ንሃማን፡ ሰበይቱን ፈተውቱን እንታይ እዮም ኢሎምዎ፧

13 ንጉስ ድማ በዚ ተረቢሹ፡ ነዚ ብዘይፍላጥ እተገብረ ጌጋ ንምእራም ኪሕግዞ ዚኽእል፡ ካብ ሰበ ስልጣን መን ከም ዘሎ ሓተተ። ካብ ኵሎም ሰበ ስልጣን፡ ሃማን ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ነበረ። ንሱ ኣቐዲሙ ኣብኡ እተረኽበሉ ምኽንያት ድማ ንማርዶካይ ንምቕታል ፍቓድ ኪውሃቦ ተሃንጥዩ ስለ ዝነበረ እዩ ዚመስል። ገና ሕቶኡ ኸየቕረበ ኸሎ፡ ንጉስ ኬኽብሮ ንዝደለዮ ሰብ እንታይ ኪግበረሉ ኸም ዚግባእ ንሃማን ሓተቶ። ሃማን ከኣ፡ ንጉስ ብዛዕባኡ ዝሓሰበ ዀይኑ ስለ እተሰምዖ፡ ነቲ ሰብ እቲ ኣዝዩ ሓለፍ ዝበለ ኽብሪ ኺውሃቦ፡ ንጉስ ዚኽደኖ ልብሰ መንግስቲ ኪኸድንዎ፡ ኣብቲ ንጉስ ዚውጥሖ ፈረስ ኣወጢሖም ከኣ ብዝለዓሉ ሰበ ስልጣን ተዓጂቡ ብኣደባባይ ከተማ ሱሳን ኬሕልፍዎ፡ ኵሎም ሰባት እናሰምዑ ድማ ኪውድስዎ ኸም ዚግባእ ምኽሪ ሃበ። ሃማን፡ እቲ ኽብሪ ዚውሃቦ ሰብ ማርዶካይ ምዃኑ ምስ ተነግሮ፡ ገጹ ኺቀያየር ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ንጉስ ንማርዶካይ ኬኽብሮ ሓላፍነት ዝሃቦኸ ንመን እዩ፧ ንሃማን!—ኣስ. 6:4-10።

14 ሃማን ነቲ እተዋህቦ ዕዮ ኸይፈተወ ፈጸሞ፣ ብጓሂ ድማ ተቐላጢፉ ናብ ቤቱ ኸደ። ሰበይቱን ፈተውቱን፡ እዚ ነገር እዚ ሕማቕ ፋል ምዃኑ ሓበርዎ፣ ምስ ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ ኣብ ዚገብሮ ቓልሲ ፈጺሙ ኸም ዘይዕወት ድማ ነገርዎ።—ኣስ. 6:12, 13።

15. (ሀ) ኣስቴር ሳላ ትዕግስታ እንታይ ጽቡቕ ውጺኢት እያ ረኺባ፧ (ለ) ንሕናኸ ብትዕግስቲ ‘ኽንጽበ’ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

15 ኣስቴር ንንጉስ ልማኖኣ ቕድሚ ምቕራባ፡ ብትዕግስቲ ሓንቲ መዓልቲ ሳላ እተጸበየት፡ ንሃማን ንውድቀቱ ዚኸውን ባይታ ኼጣጥሕ መገዲ ኸፈተትሉ። ንንጉስ ከይደቀሰ ኸም ዚሓድር ዝገበሮኸ የሆዋ ኪኸውን ኣይክእልንዶ፧ (ምሳ. 21:1) ቃል ኣምላኽ፡ ብትዕግስቲ ‘ኽንጽበ’ ዜተባብዓና ምዃኑ እምበኣር ኣየገርምን እዩ። (ሚክያስ 7:7 ኣንብብ።) ንኣምላኽ እንተ ተጸቢናዮ፡ እቲ ንጸገማትና ዚገብሮ ፍታሕ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንሕና ኽንሓስቦ እንኽእል ፍታሕ ኣዝዩ ጸብለል ዝበለ ምዃኑ ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።

ብትብዓት ተዛረበት

16, 17. (ሀ) ኣስቴር ‘እትዛረበሉ ግዜ’ ዝበጽሐ መዓስ እዩ፧ (ለ) ኣስቴር ካብታ ነቲ ንጉስ ቀዳመይቲ ሰበይቱ ዝነበረት ዋሽቲ እተፈልየት ዝነበረት ብኸመይ እያ፧

16 ደጊም፡ ኣስቴር ንትዕግስቲ ንጉስ ክትፍትኖ ኣይደለየትን። ንዅሉ እቲ ጸገማት ኣብቲ ዘዳለወቶ ኻልኣይ ምሳሕ ነገረቶ። ብኸመይከ እያ ኽትነግሮ ዝኸኣለት፧ ንጉስ ንኣስቴር፡ ልማኖኣ እንታይ ምዃኑ ኸም ብሓድሽ ብምሕታት ኣጋጣሚ ኸፈተላ። (ኣስ. 7:2) እቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ኣስቴር ‘እትዛረበሉ ግዜ’ እዩ ነይሩ።

17 ኣስቴር፡ “ኦ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበ፡ ንንጉስ ድማ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ህይወተይ ከም ልማኖይ፡ ህዝበይ ከኣ ከም ሕቶይ ይወሃበኒ” ኢላ ንንጉስ ቅድሚ ምዝራባ፡ ብልባ ናብ ኣምላኻ ኽትጽሊ ኸላ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። (ኣስ. 7:3) ኣስቴር፡ “ንንጉስ ድማ ባህ እንተ ኣቢልዎ” ብምባል፡ እቲ ንጉስ ንዚገብሮ ውሳነ ኸም እተኽብር ገሊጻ እያ። ኣስቴር ካብታ ደይመደይ ኢላ ዘዋረደቶ ቐዳመይቲ ሰበይቱ ዝነበረት ዋሽቲ ኣዝያ እተፈልየት እያ ነይራ። (ኣስ. 1:10-12) ብዘይካዚ፡ ነቲ ንጉስ ንሃማን ብምእማኑ ብዝገበሮ ዕሽነት ኣይወቐሰቶን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብቲ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዜውድቕ ኵነታት ኬድሕና እያ ለሚናቶ።

18. ኣስቴር ጸገማ ንንጉስ ዝነገረቶ ብኸመይ እያ፧

18 ልማኖ ኣስቴር ንንጉስ ከም ዘደንጸዎን ስጕምቲ ኺወስድ ድራኸ ኸም ዘሕደረሉን ፍሉጥ እዩ። ‘ንንግስተይ ኣብ ሓደጋ ኼውድቓ ዚደፍር እሞ መን እዩ፧’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣስቴር ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ኣነን ህዝበይንሲ፡ ክንጸንትን ክንቅተልን ክንጠፍእን ተሼጥና ኢና። ተባዕትዮ ባሮትን ኣንስትዮ ባሮትን ኴንና ጥራይ እንተ ንሽየጥ፡ ስቕ ምበልኩ። ግናኸ፡ እዚ ንንጉስ ዚጐድኦ እዩ እሞ፡ እቲ ጭንቂ ግቡእ ኣይኰነን” በለት። (ኣስ. 7:4) ኣስቴር ነቲ ጸገም ኣግሂዳ ኸም ዝገለጸቶ፡ ኣስዒባ ግና እቲ ሽግር ባርነት ጥራይ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ “ስቕ ምበልኩ” ዚብል ሓሳብ ከም ዝሃበት ነስተብህለሉ። ብዛዕባኡ ኸይነገረቶ ስቕ እንተ ኢላ፡ እቲ ጃምላዊ ቕትለት፡ ንዕኡ እውን ጕድኣት ከም ዜስዕበሉ ኣጕልሓትሉ።

19. ንኻልኦት ብዜእምን መገዲ ብምርዳእ ዝመጸ ኻብ ኣስቴር እንታይ ንምሃር፧

19 እቲ ኣስቴር ዝገደፈቶ ኣብነት ንኻልኦት ከመይ ጌርካ ብዜእምን መገዲ ኸተረድእ ከም እትኽእል ዚምህር እዩ። ንሓደ እተፍቅሮ ብጻይካ ወይ ንሓደ ብዓል ስልጣን ብዛዕባ ኸቢድ ጸገም ክትነግሮ ምስ እትደሊ፡ ብትዕግስትን ብኣኽብሮትን ብግልጽን ምዝራብ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።—ምሳ. 16:21, 23።

20, 21. (ሀ) ኣስቴር ንሃማን ዘቃልዓቶ ብኸመይ እያ፧ እቲ ንጉስከ እንታይ ተሰምዖ፧ (ለ) ሃማን ጕዱ ምስ ተቐልዐ እንታይ ገበረ፧

20 ኣሓሽዌሮስ፡ “ከምዚ ኺገብር ዝደፈረ መን እዩ፧ ኣበይከ ኣሎ፧” በላ። ኣስቴር፡ “እቲ ተጻራርን ጸላእንሲ፡ እዚ ኽፉእ ሃማን እዩ” ብምባል ናብ ሃማን ከተመልክት ከላ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሃማን ነዚ ኸቢድ ክሲ እዚ ምስ ሰምዐ እንታይ ተሰሚዕዎ፧ ብራዕዲ ተዋሕጠ። ንጉስ እቲ ዚኣምኖ ኣማኻሪኡ ነታ ዜፍቅራ ሰበይቱ ዜጥፍእ ትእዛዝ ኪፍርም ከም ዘታለሎ ምስ ፈለጠ፡ ገጹ በርበረ ኺመስል ከሎ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ምእንቲ ኺሃድእ ተሃንዲዱ ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸደ።—ኣስ. 7:5-7።

ኣስቴር ኣብቲ ኻልኣይ ድግስ ንንጉስ ኣሓሽዌሮስ ኵሉ ምስ ነገረቶ፡ ብትብዓት ናብ ሃማን ከተመልክት ከላ

ኣስቴር ንእከይ ሃማን ብትብዓት ኣቃልዓቶ

21 ሃማን፡ ጕዱ ምስ ተቐልዐ፡ ኣዝዩ ስለ ዝጃጀወ፡ ኪልምና ኣብ እግሪ ንግስቲ ፈፈው በለ። ንጉስ ናብቲ ኽፍሊ ምስ ተመልሰ እሞ ንሃማን ኣብ ዓራት ኣስቴር ቀሪቡ ኺልምና ኸሎ ምስ ረኣዮ፡ ብቝጥዓ ንንግስቲ ኣብ ቤት ንጉስ ኪዕምጻ ኸም ዝፈተነ ገይሩ ኸሰሶ። እዚ ድማ ሃማን ሞት ከም እተፈርዶ ዚእምት ነበረ፣ ገጹ ሸፊኖም ከኣ ወሰድዎ። ሽዑ፡ ሓደ ኻብቶም ሰበ ስልጣናት፡ ሃማን ንማርዶካይ ኢሉ ዘዳለዎ ነዊሕ ጕንዲ ኸም ዘሎ ንንጉስ ነገሮ። ኣሓሽዌሮስ ከኣ ንሃማን ኣብቲ ጕንዲ እቲ ኺሰቕልዎ ብኡብኡ ኣዘዘ።—ኣስ. 7:8-10።

22. እቲ ኣስቴር ዝሓደገቶ ኣብነት ተስፋ ኸይንቘርጽን እምነትና ኸይነጥፍእን ዚምህረና ብኸመይ እዩ፧

22 ኣብዛ ፍትሒ ዝጐደላ ዓለም፡ ፈጺምና ፍትሒ ኽንረክብ ዘይንኽእል ኰይኑ እንተ ተሰምዓና ኣየገርምን እዩ። ንስኻኸ፡ ከምኡ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ኣስቴር ተስፋ ኣይቈረጸትን፡ እምነታ እውን ኣየጥፍአትን። እትዛረበሉ ግዜ ምስ በጽሐ፡ ብትብዓት ምእንቲ ሓቂ ተዛረበት፡ ኣብ የሆዋ ድማ ተኣመነት። ንሕና እውን ከምኡ ንግበር። የሆዋ ኣይተቐየረን። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ንእኩያትን ንመታለልትን ከምቲ ንሃማን ዝገበሮ ብመጻወድያታቶም ኪፍንጥሮም ይኽእል እዩ።—መዝሙር 7:11-16 ኣንብብ።

ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእ ምእንቲ የሆዋን ምእንቲ ህዝቡን ስጕምቲ ወሰደት

23. (ሀ) እቲ ንጉስ ንማርዶካይን ንኣስቴርን ዓስቦም ዝሃቦም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) እቲ ያእቆብ ቀቅድሚ ሞቱ ብዛዕባ ብንያም እተነበዮ ትንቢት ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ (“ትንቢት ተፈጸመ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

23 ኣብ መወዳእታ፡ ንጉስ፡ ማርዶካይ ካብ ቅትለት እተኸላኸለሉ እሙን ሰብ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣስቴር ኣቦ ዀይኑ ኸም ዘዕበያ እውን ፈለጠ። ንሃማን ተኪኡ ቐዳማይ ሚኒስተር ኪኸውን ከኣ ሸሞ። ንጉስ፡ ቤት ሃማን፡ ምስ ኵሉ እቲ ማእለያ ዘይነበሮ ሃብቱ፡ ንኣስቴር ሃባ፣ ንሳ ኸኣ ንማርዶካይ ኣብ ልዕሊ ቤት ሃማን ሸመቶ።—ኣስ. 8:1, 2።

24, 25. (ሀ) ኣስቴር ውዲት ሃማን ምስ ተቐልዐ ዘይቀሰነት ስለምንታይ እያ፧ (ለ) ኣስቴር እንደገና ህይወታ ኣብ ሓደጋ ዘእተወት ብኸመይ እያ፧

24 ንግስቲ ኣስቴር፡ ንሳን ማርዶካይን ካብ ጥፍኣት ስለ ዝደሓኑ፡ ቀሲና ድያ፧ ኣብ ጥቕሚ ርእሳ ጥራይ ተተኵር ነይራ እንተ ትኸውን፡ ምቐሰነት ነይራ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ሃማን ንዅሎም ኣይሁድ ንምጽናት ዘመሓላለፎ ትእዛዝ ናብ ኵሉ ዅርናዓት እቲ ግዝኣት ተዘርጊሑ ነይሩ እዩ። ሃማን ነቲ ሕሱም መጥቃዕቱ ዚትግብረሉ ምሹእ ኣጋጣሚ ንምውሳን፡ ዕጫ ወይ ጱር ኣውዲቑ ነይሩ፣ እዚ ሓደ ዓይነት ተግባር መናፍስትነት እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል። (ኣስ. 9:24-26) እታ መዓልቲ እቲኣ፡ ገና ኣዋርሕ ተሪፍዋ እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ግዜ ኣዝዩ ይጐዪ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ እቲ ጥፍኣት ኪውገድ ይኽእል ነይሩ ድዩ፧

25 ኣስቴር፡ ሕጂ እውን ብወግዓዊ መገዲ ኸይተጸውዐት ኣብ ቅድሚ ንጉስ ቐረበት። በዚ ኸምዚ፡ ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ኣእተወታ። ሰብኣያ ነቲ ሓደገኛ ትእዛዝ ምእንቲ ኺስርዞ፡ ኣብ ክንዲ ህዝባ እናበኸየት ለመነቶ። ኰይኑ ግና፡ ብስም ንጉስ ፋርስ እተመሓላለፈ ሕግታት ኪስረዝ ኣይክእልን እዩ ነይሩ። (ዳን. 6:12, 15) ስለዚ፡ ንጉስ ንኣስቴርን ንማርዶካይን ሓድሽ ሕግታት ጽሒፎም ኬመሓላልፉ ስልጣን ሃቦም። ካልኣይ ኣዋጅ ከኣ ተመሓላለፈ፣ እዚ ድማ ኣይሁድ ንህይወቶም ኪከላኸሉላ ዚፈቅድ ኣዋጅ እዩ ነይሩ። ፈረሰኛታት ብፍጥነት ናብ ኵሉ ኽፍሊ እቲ ግዝኣት ብምኻድ፡ ነዚ ብስራት እዚ ንኣይሁድ ኣብጽሑሎም። በዚ ኸምዚ ኣብ ኣይሁድ ተስፋ ዓሰለ። (ኣስ. 8:3-16) እዚ ሓድሽ ትእዛዝ እዚ እንተ ዘይመሓላለፍ ነይሩ፡ እቶም ኣብቲ ሰፊሕ ግዝኣት ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ኣጽዋር ተዓጢቖም ንውግእ ኪስለፉ ኣይምኸኣሉን። እሞኸ፡ “የሆዋ ጐይታ ሰራዊት” ምስ ህዝቡ ነይሩ ድዩ፧—1 ሳሙ. 17:45።

ኣስቴርን ሃማንን ንሓደ መንእሰይ ነቲ ኻልኣይ ኣዋጅ ኬጽሕፍዎ ኸለዉ

ኣስቴርን ማርዶካይን ነቶም ኣብ ግዝኣት ፋርስ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ መልእኽቲ ኣዋጅ ለኣኹሎም

26, 27. (ሀ) እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝሃቦም ዓወት ክሳዕ ክንደይ ዓብይን ሰፊሕን እዩ ነይሩ፧ (ለ) ምስ ጥፍኣት ደቂ ሃማን ብዚትሓሓዝ፡ ኣየናይ ትንቢት እዩ ተፈጺሙ፧

26 እታ እተመርጸት መዓልቲ ምስ በጽሐት፡ ህዝቢ ኣምላኽ ድሉዋት እዮም ነይሮም። ማርዶካይ እቲ ኣይሁዳዊ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኪኸውን ከም እተሸመ ዚገልጽ ዜና፡ ኣብ ኵሉ ግዝኣት ፋርስ ስለ እተዘርግሐ፡ ሓያሎ ሰበ ስልጣን ፋርስ እውን ከይተረፉ ንኣይሁድ ሓገዝዎም። የሆዋ ንህዝቡ ዓብዪ ዓወት ሃቦም። እወ፡ ጸላእቲ ህዝቡ፡ ከም ብሓድሽ ኣድብዮም ንህዝቡ ምእንቲ ኸየጥቅዕዎም ምሉእ ብምሉእ ከም ዚሰዓሩ ገይሩ ኪኸውን ኣለዎ።a—ኣስ. 9:1-6።

27 ብዘይካዚ፡ እቶም ዓሰርተ ደቂ እቲ እኩይ ሃማን ብህይወት እንተ ዚሕደጉ ነይሮም፡ ማርዶካይ ቀሲኑ ንቤት ሃማን ኬመሓድር ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ኵሎም ደቂ ሃማን ተቐትሉ። (ኣስ. 9:7-10) በዚ ኸምዚ ኸኣ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ተፈጸመ፣ ከመይሲ፡ ኣምላኽ ኣቐድም ኣቢሉ ንህዝቡ ነቶም እኩያት ጸላእቶም ዝነበሩ ኣማሌቃውያን ምሉእ ብምሉእ ኬጽንትዎም ኣዚዝዎም ነይሩ እዩ። (ዘዳ. 25:17-19) ካብዞም ንኺጠፍኡ እተዀነኑ ህዝቢ፡ እቶም ኣብ መወዳእታ ዝጠፍኡ ደቂ ሃማን እዮም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ።

28, 29. (ሀ) የሆዋ፡ ኣስቴርን ህዝባን ኣብ ውግእ ኪካፈሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኣስቴር ዝሓደገቶ ኣብነት ንዓና በረኸት ዝዀነና ስለምንታይ እዩ፧

28 ኣስቴር ንእሽቶ እኳ እንተ ነበረት፡ ውግእን ቅትለትን ዚሓቍፍ ንጉሳዊ ትእዛዝ ምምሕልላፍ ዚሓትት ከቢድ ጾር ተሰኪማ ነይራ እያ። ኰይኑ ግና፡ ዕላማ የሆዋ ምእንቲ ኺፍጸም ህዝቢ እስራኤል ኪዕቈቡ የድልዮም ነይሩ እዩ፣ ከመይሲ፡ ነቲ ንዅሎም ደቂ ሰብ እንኮ ተስፋ ዝዀነ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ዚፈርዩ ህዝቢ እዮም ነይሮም። (ዘፍ. 22:18) ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ፡ የሱስ እቲ መሲሕ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ንሰዓብቱ ኻብቲ ግዜ እቲ ንነጀው ኣብ ስጋዊ ውግእ ከይካፈሉ ኸም ዝኸልከሎም ምፍላጦም የሐጕሶም እዩ።—ማቴ. 26:52።

29 ይኹን እምበር፡ ክርስትያናት ኣብ መንፈሳዊ ውግእ ይካፈሉ እዮም። ከመይሲ፡ ሰይጣን ነታ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ዘላትና እምነት ኬጥፍኣ ኻብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህርድግ እዩ ዚብል። (2 ቈረንቶስ 10:3, 4 ኣንብብ።) ኣብነት ኣስቴር ምርካብናስ፡ ኣየ ኸመይ ዝበለ በረኸት ኰን እዩ! ንሕና እውን ንኻልኦት ሰባት ብጥበብን ብትዕግስትን ኣረዲእና ኸም ዚኣምኑ ብምግባር፡ ተባዓት ብምዃን፡ ንህዝቢ ኣምላኽ ክንሕለቐሎም ኢልና ድማ ጥቕሚ ርእስና ንምስዋእ ፍቓደኛታት ብምዃን ከም ናይ ኣስቴር ዝኣመሰለት እምነት ነርኢ።

ብዛዕባ ኣስቴር ዚቐርብ ሕቶታት

ማርዶካይ፡ ኣስቴር ንኣረማዊ ኽትምርዖ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

እቲ ምሁራት፡ ማርዶካይ ክብሪ ምእንቲ ኺረክብ ኢሉ፡ ኣስቴር ንንጉስ ክትምርዓዎ ኸም ዝደለያ ገይሮም ዜቕርብዎ ሓሳብ መሰረት የብሉን። ማርዶካይ፡ እሙን ኣይሁዳዊ ስለ ዝነበረ፡ ምእንቲ ኽብሪ ኢሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ መውስቦ ኺድግፍ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። (ዘዳ. 7:3) ጥንታዊ ኣፈ ታሪኽ ኣይሁድ፡ ማርዶካይ እቲ መውስቦ እቲ ኸይፍጸም ጻዕሪ ኸም ዝገበረ ይገልጽ እዩ። ማርዶካይን ኣስቴርን ኣብታ ኸም ኣምላኽ ብዝርአ ውልቀ መላኺ እትምራሕ ሃገር፡ ጓኖት ኰይኖም ይነብሩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብቲ ጕዳይ እቲ ናይ ገዛእ ርእሶም ምርጫ ኺገብሩ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ገለ ግዜ ግና፡ የሆዋ ንመውስቦ ኣስቴር ንህዝቡ ንምዕቋብ ከም እተጠቕመሉ ነጸረ።—ኣስ. 4:14።

እቲ ናይ ብሕቲ ስም ኣምላኽ፡ የሆዋ፡ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ዘይተጠቕሰ ስለምንታይ እዩ፧

ንመጽሓፍ ኣስቴር ብመንፈስ ተመሪሑ ዝጸሓፋ፡ ማርዶካይ ምዃኑ እተረጋገጸ እዩ። እታ መጽሓፍ ናብ የሩሳሌም ቅድሚ ምኻዳ፡ ኣብ ፈለማ ኣብ መዛግብቲ ፋርስ ተዓቂባ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ፡ ስም የሆዋ እንተ ዚጥቀስ ነይሩ፡ እቶም ንኣማልኽቲ ፋርስ ዜምልኹ ዝነበሩ ህዝቢ ነታ መጽሓፍ ኬጥፍእዋ ምተለዓዓሉ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣብቲ ዛንታ የሆዋ ኢዱ ኸም ዘእተወ ንጹር እዩ። እቲ ዜገርም ግና፡ ኣብቲ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ፡ ስም ኣምላኽ ብሕቡእ ተመዝጊቡ ኣሎ። ከመይሲ፡ ኣብ መጀመርታ ወይ መወዳእታ ተኸታታሊ ቓላት ዘሎ ፊደላት፡ ስም ኣምላኽ ከም ዚንበብ ጌርካ ብዕላማ እዩ ተጻሒፉ።

መጽሓፍ ኣስቴር ዘይቅኑዕ ታሪኽ ዝሓዘት መጽሓፍ ድያ፧

ሓያስያን፡ መጽሓፍ ኣስቴር ዘይቅኑዕ ታሪኽ ዝሓዘት መጽሓፍ ከም ዝዀነት እዮም ዚዛረቡ። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም ምሁራት ከም ዜስተውዓሉሉ፡ እቲ ንመጽሓፍ ኣስቴር ዝጸሓፈ ሰብ ብዛዕባ ንጉሳዊ ኣገዛዝኣ፡ ብዛዕባ ስነ ህንጻ ዀነ ብዛዕባ ልምድታት ፋርስ ዜደንቕ ፍልጠት ከም ዝነበሮ ኣንጸባሪቑ እዩ። ኣብ ግዜና ተዓቂቡ ኣብ ዘሎ ዓለማዊ ሰነዳት፡ ንግስቲ ኣስቴር ከም ዘይተጠቕሰት ዚከሓድ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ህዝባዊ መዛግብቲ ዘይተጠቕሰት ኣባል ቤተ መንግስቲ፡ ኣስቴር ጥራይ ከም ዘይኰነት ፍሉጥ እዩ። ብዘይካዚ፡ ማርዱካ (ማርዶካይ ብቛንቋ ፋርስ ዚጽውዓሉ ስም) እተባህለ ሰብኣይ፡ ኣብ ሱሳን ኣብ ዝነበረ ቤተ መንግስቲ፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር እተገልጸ እዋን፡ ብዓል ስልጣን ኰይኑ ይዓዪ ኸም ዝነበረ ኣብ ዓለማዊ መዛግብቲ ተሓቢሩ ኣሎ።

ትንቢት ተፈጸመ

ኣስቴርን ማርዶካይን ምእንቲ ህዝቢ ኣምላኽ ብምቅላሶም፡ ጥንታዊ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሞም እዮም። የሆዋ ሓያሎ ዘመናት ኣቐዲሙ፡ ነቲ ሓደ ኻብ ኣበው ዝነበረ ያእቆብ ብዛዕባ ሓደ ኻብ ደቁ፡ “ብንያም ከም ተዅላ ኺሰላልዕ እዩ። ንግሆ ንግዳዩ ኺበልዖ፡ ምሸት ከኣ ምርኮኡ ኺመቅል እዩ” ኢሉ ኺንበ ብመንፈሱ መሪሕዎ እዩ። (ዘፍ. 49:27) “ንግሆ፡” ማለት ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ምስ ጀመረ፡ እቶም ካብ ዘርኢ ብንያም ዝዀኑ ንጉስ ሳኦልን ካልኦት ሓያላት ተዋጋእትን ምእንቲ ህዝቢ የሆዋ ተዋጊኦም እዮም። “ምሸት፡” ማለት ታሪኽ ነገስታት እስራኤል ምስ ኣቋረጸ ኸኣ፡ እቶም ካብ ነገድ ብንያም ዝዀኑ ኣስቴርን ማርዶካይን፡ ንጸላእቲ የሆዋ ብዓወት ተዋጊኦምዎም እዮም። እቲ ማእለያ ዘይነበሮ ሃብቲ ሃማን ንኣስቴርን ንማርዶካይን ስለ እተዋህበ ድማ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ዝማረኽዎ መቒሎም ኪብሃል ይከኣል እዩ።

a ንጉስ ንኣይሁድ ብኻልአይቲ መዓልቲ እውን ነቶም ዝተረፉ ጸላእቶም ኬጽንትዎም ፈቐደሎም። (ኣስ. 9:12-14) ኣይሁድ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም፡ ነታ መዓልቲ ዓወት እቲኣ፡ ዓመት ዓመት ኣብታ ኣብ መወዳእታ ለካቲትን መጀመርታ መጋቢትን እትውዕል ወርሒ ኣዳር የብዕልዋ እዮም። እቲ በዓል፡ ጱሪም እዩ ዚብሃል፣ እዚ ስም እዚ፡ ካብቲ ሃማን ንእስራኤል ንምጽናት ዘውደቖ ዕጫ ወይ ጱር እተወሰደ እዩ።

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

  • ኣስቴር ‘እትዛረበሉ ግዜ’ ብምምራጽ ዝመጸ ጥበብ ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

  • ትዕግስቲ ኣስቴር እንታይ በረኸት እዩ ኣፍርዩ፧

  • ኣስቴር ተባዕን ጥቕሚ ርእሳ እትስውእን ምዃና ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

  • በየናይ መገድታት ኢኻ ኣስኣሰር እምነት ኣስቴር ክትስዕብ ወሲንካ ዘለኻ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ