መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
© 2023 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
4-10 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኣስቴር 1-2
“ከም ኣስቴር ትሑት ክትከውን ጽዓር”
ኣብ ግዜ ፈተና ብትሕትና ተመላለስ
11 ሽሕጣን ወይ መጠኑ ዝሓለፈ ውዳሰ እውን ትሕትናና ኺፍትን ይኽእል እዩ። ኣስቴር፡ ኵነታታ ብዜደንቕ መገዲ ምስ ተለወጠ እንታይ ከም ዝገበረት እስከ ንርአ። ኣዝያ መልክዐኛ እያ ነይራ፣ ንሓደ ዓመት ዚኸውን ከኣ ንጽባቐ ዜድሊ ኽንክን ረኸበት። መዓልቲ መዓልቲ ድማ፡ ምስተን ካብ ብዘሎ ሃጸያዊት ግዝኣት ፋርስ ዝመጻን እቲ ንጉስ ኪሓርየን ዚወዳደራ ዝነበራን ኣዋልድ ትራኸብ ነበረት። እዚ ዅሉ ግና ንኣረኣእያኣ ኣይቀየሮን። ከም ቀደማ ንሰብ እተኽብርን እድብትን እያ ነይራ። እቲ ንጉስ ንግስቱ ኽትከውን ምስ ሓረያ እውን ኣይተዓበየትን።—ኣስ. 2:9, 12, 15, 17።
ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም
15 ኣስቴር ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ እትቐርበሉ ግዜ ምስ በጽሐ፡ ዜድልያ ዘበለ መሪጻ ኽትወስድ ተፈቒዱላ ነይሩ እዩ፣ እዚ ኸኣ ምናልባት ብዝያዳ ንኽትጸባበቕ ዚሕግዛ ነገራት ዜጠቓልል ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብዘይካ እቲ ሄጋይ ዝበላ ነገር፡ ካልእ ኣይሓተተትን። (ኣስ. 2:15) ጽባቐ ጥራይ ንበይኑ ንልቢ ንጉስ ከም ዘየሐጕስ፡ ትሕትና ድማ ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ኣኽቢርካ እትርአ ባህርይ ምዃና ተገንዚባ ነይራ ኽትከውን ትኽእል እያ። እሞኸ ልክዕ ድያ ነይራ፧
ኣብ ግዜ ፈተና ብትሕትና ተመላለስ
12 ትሕትና ዅሉ ሳዕ ሕንከት ዘለዎን ግቡእን ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ኪህልወና ትሕግዘና እያ። ኣብ ልቢ ሰባት ክንኣቱ እንኽእል፡ ብጃህራ ወይ ዘይግቡእ ትዅረት ናብ ርእስና ብምስሓብ ዘይኰነስ፡ “ብህዱእን ልኡምን መንፈስ” ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (1 ጴጥሮስ 3:3, 4 ኣንብብ፣ ኤር. 9:23, 24) ብዛዕባ ርእስና ብልብና ዚስምዓና ነገር፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ዘረባናን ኣብ ግብርናን ይርአ እዩ። ንኣብነት፡ ፍሉይ መሰላት ከም ዘሎና፡ ምስጢራት ከም እንፈልጥ፡ ወይ ሓላፍነት ምስ ዘለዎም ኣሕዋት ፍሉይ ርክብ ከም ዘሎና ዚእምት ሓሳባት ንዛረብ ንኸውን። ወይ ከኣ ካልኦት ንዘምጽእዎ ሓሳብ ወይ እጃሞም ንዘበርከቱሉ ዕዮ ንሕና ጥራይ ከም ዝገበርናዮ ጌርና ብምግላጽ ክንምስገነሉ ንፍትን ንኸውን። ኣብዚ መዳይ እዚ እውን የሱስ ዜደንቕ ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። መብዛሕትኡ ኻብቲ እተዛረቦ ዘረባ፡ ብቐጥታ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝጠቐሶ ወይ ካብኡ ዝወሰዶ እዩ ነይሩ። ብትሕትና ኸምኡ ዚገብር ዝነበረ፡ ኣብ ፍልጠቱ ወይ ጥበቡ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቃል የሆዋ ተመስሪቱ ኸም ዚዛረብ ሰማዕቱ ምእንቲ ኺፈልጡ ኢሉ እዩ።—ዮሃ. 8:28።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ትፈልጥዶ፧
ተመራመርቲ፡ ማርዱካ (ብትግርኛ ማርዶካይ) ዝስሙ ሰብ እተጠቕሰሉ ናይ ፋርስ ጽሑፍ ኲኒፎርም ረኸቡ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ሱሳን ኣመሓዳሪ፡ ምናልባት እውን ናይ ሕሳብ ተጸባጻቢ ዀይኑ እዩ ዚዓዪ ነይሩ። ክኢላ ታሪኽ ምብራቓውያን ዝዀነ ኣርተር ኡንግናድ ብዛዕባ እዚ ኲኒፎርም እዚ፡ ኣብቲ እዋን እቲ፡ “ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ንማርዶካይ ዚጠቕሶ እንኮ መወከሲ” ኢሉ ጸብጻብ ሂቡ ኣሎ።
ኡንግናድ ጸብጻቡ ኻብ ዜዳሉ ንነጀው፡ ምሁራት ብኣሽሓት ዚቝጸር ካልእ ናይ ፋርስ ኲኒፎርማት ተርጒሞም እዮም። ገለ ኻብዚ ኸኣ እቲ ጽላታት ጰርሰጶሊስ ዚብሃል፡ ኣብ ጥቓ መካበብያ እታ ኸተማ ኣብ ዑናታት ቤተ መዛግብቲ እተረኽበ ኺጥቀስ ይከኣል። እዚ ጽላታት እዚ ብዘመን ንግስና ዘርክሲስ ቀዳማይ ዝነበረ እዩ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ጽሑፍ ብቛንቋ ዔላማውያን እተጻሕፈ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ተጠቒሱ ዚርከብ ስማት እውን ሒዙ ኣሎ።
ኣብ እተፈላለየ ጽላታት ጰርሰጶሊስ፡ ማርዱካ ዝስሙ ሰብ ብዘመን ዘርክሲስ ቀዳማይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ሱሳን ጸሓፊ ንጉስ ኰይኑ ይዓዪ ምንባሩ ተጠቒሱ ኣሎ። ሓደ ጽላት ከኣ ንማርዱካ ኸም ተርጓሚ ገይሩ ጠቒስዎ ኣሎ። እዚ ዝርዝር ሓበሬታ እዚ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማርዶካይ ዚህቦ መግለጺ ይሰማማዕ እዩ። ማርዶካይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንጉስ ኣሓሽዌሮስ (ዘርክሲስ ቀዳማይ) ዜገልግል፡ እንተ ወሓደ ኸኣ ክልተ ቛንቋ ኺዛረብ ዚኽእል ብዓል ስልጣን እዩ ነይሩ። ኣዘውቲሩ ድማ ኣብቲ ኣብ ሱሳን ዚርከብ ቤተ መንግስቲ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ይቕመጥ ነይሩ እዩ። (ኣስ. 2:19, 21፣ 3:3) እቲ ኣፍ ደገ ቤተ መንግስቲ ዓብዪ ህንጻ እዩ ነይሩ፣ ሰበ ስልጣን ቤተ መንግስቲ እውን ኣብኡ ይዓይዩ ነይሮም እዮም።
ኣብ መንጎ እቲ ኣብቲ ጽላታት ተጠቒሱ ዘሎ ማርዱካን ኣብ መንጎ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ ማርዶካይን ዜደንቕ ምስስላት ኣሎ። ኣብ ሕደ እዋን፡ ኣብ ሕደ ቦታ እዮም ዚነብሩ ነይሮም፣ ኣብ ሕደ ስራሕ እውን ሓላፍነት ተሰኪሞም የገልግሉ ነይሮም። እዚ ዅሉ ምስስላት ከኣ፡ እዚ ስነ ጥንታዊ ርኽበታት እዚ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ኣስቴር ተገሊጹ ዚርከብ ማርዶካይ ዚዛመድ ኪኸውን ከም ዚኽእል ይሕብር።
11-17 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኣስቴር 3-5
“ንኻልኦት ዚከኣሎም ኪገብሩ ሓግዞም”
it-2 431 ¶7
ማርዶካይ
ንሃማን ምስጋድ ኣበየ። ድሕርዚ፡ ኣሓሽዌሮስ ንሃማን እቲ ኣጋጋዊ ቐዳማይ ሚኒስተር ገይሩ ሸሞ፣ ኣብ ኣፍ ደገ ንጉስ ዝነበሩ ዅሎም ነቲ ሓድሽ ስልጣን እተዋህቦ ሃማን ኪሰግዱሉ እውን ኣዘዘ። ማርዶካይ ግና ምስጋድ ኣበየ፣ ከምኡ ዘይገብረሉ ምኽንያት ኪገልጽ ከሎ ድማ፡ ኣይሁዳዊ ምዃኑ ሓበረ። (ኣስ 3:1-4) ማርዶካይ ነዚ ምኽንያት እዚ ምጥቃሱ፡ እቲ ጕዳይ ነቲ ኸም ውፉይ ኣይሁዳዊ መጠን ምስ የሆዋ ኣምላኹ ዘለዎ ርክብ ዚትንኪ ምንባሩ እዩ ዜርኢ። ንሃማን ፍግም ኢሉ እንተ ሰጊዱሉ፡ ንሓደ ኣኽቢርካ ዚርአ ሰብ ኣብ ምድሪ ተደፊእካ ኻብ ምስጋድ ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ገይሩ እዩ ርእይዎ። ቅድሚኡ እስራኤላውያን ንሓደ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ገዛኢ ተደፊኦም ከም ዝሰገዱሉ ዚሕብር ታሪኽ ኣሎ። (2ሳሙ 14:4፣ 18:28፣ 1ነገ 1:16) ማርዶካይ ግና ንሃማን ዘይሰገደሉ ጽቡቕ ምኽንያት ነይርዎ እዩ። ሃማን ኣማሌቃዊ እዩ ነይሩ ኪኸውን ዚኽእል፣ የሆዋ ድማ “ንውሉድ ወለዶ” ምስ ኣማሌቅ ከም ዚዋጋእ ገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘጸ 17:16፣ ኣብ “ሃማን” ርአ።) ስለዚ፡ ማርዶካይ ነቲ ነገር እቲ ምስቲ ንኣምላኽ ዘለዎ ተኣማንነት ደኣ እዩ ኣተሓሒዝዎ እምበር፡ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ጕዳይ ኣይኰነን ምስጋድ ኣብዩ።
it-2 431 ¶9
ማርዶካይ
ኣምላኽ ንእስራኤል ኣብ ምድሓን ተጠቕመሉ። ኣብቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዚርከቡ ዅሎም ኣይሁድ ኪጠፍኡ ትእዛዝ ምስ ወጸ፡ ኣስቴር ናብ እንዳ ንጉስ ዝኣተወት ምእንቲ ድሕነት ኣይሁድ ከም ዝዀነ ማርዶካይ እምነቱ ገለጸ። ንኣስቴር ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዋ ሓበራ፡ ካብ ንጉስ ድማ ሞገስን ሓገዝን ክትልምን ኣዘዛ። ኣስቴር ድማ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ እኳ እንተ ነበረ፡ ከምቲ እተባህላ ገበረት።—ኣስ 4:7–5:2።
ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም
22 ኣስቴር ነቲ መልእኽቲ ምስ ሰምዐት፡ ልባ መኺኹ ኪኸውን ኣለዎ። እዚ እምነታ ዚፍተነሉ ዝጸንከረ ዅነታት እዩ ነይሩ። ከምቲ ንማርዶካይ ከይተሰከፈት ዝገለጸትሉ ኸኣ ፈሪሃ እያ ነይራ። ንማርዶካይ ብዛዕባ ሕጊ እቲ ንጉስ ኣዘኻኸረቶ። ኣብ ቅድሚ እቲ ንጉስ ከይተጸዋዕካ ምቕራብ ሞት እዩ ዜስዕብ። እቲ ንጉስ፡ ዘንጊ ወርቂ ዚዝርግሓሉ ጥራይ እዩ ዚድሕን ነይሩ። ብፍላይ ነቲ ዋሽቲ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክትቀርብ ምስ ተሓትተት ብምእባያ ዘጋጠማ ነገር ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣስቴር ምሕረት ክትረክብ ዘይመስል እዩ ነይሩ። ኣስቴር ድማ ንማርዶካይ፡ እቲ ንጉስ ን30 መዓልቲ ዚኣክል ከም ዘይጸውዓ ነገረቶ። ንኽንድዚ ዚኣክል መዓልትታት ከይተጸውዐት ምጽናሓ፡ ምናልባት እቲ ተቐያያሪ ጠባይ ዝነበሮ ንጉስ ሞገሱ ኸም ዝነፈጋ ዀይኑ ተሰሚዕዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—ኣስ. 4:9-11።
23 ማርዶካይ ንኣስቴር እምነታ ምእንቲ ኼደልድለላ ኣትሪሩ መለሰላ። ስጕምቲ እንተ ዘይወሲዳ፡ ድሕነት ካብ ካልእ ምንጪ ኺመጽእ ከም ዚኽእል ኣረጋገጸላ። ግናኸ፡ እቲ ስደት ተወሊዑ ኽነሱ፡ ከመይ ገይራ እያ እሞ ኽትድሕን እትኽእል፧ ማርዶካይ ኣብቲ ህዝቡ ኺጸንቱን ተስፋታቱ ኺፈሽልን ፈጺሙ ዘይፈቅድ የሆዋ፡ ድልዱል እምነት ከም ዝነበሮ ኣርኣየ። (እያ. 23:14) ሽዑ፡ ማርዶካይ ንኣስቴር፡ “ንኸምዚ ዝበለ እዋን መዓርግ ንግስና ረኺብኪ እንተ ዀንኪኸ፡ መን ይፈልጥ፧” ኢሉ ሓተታ። (ኣስ. 4:12-14) ማርዶካይ ሰናይ ኣብነት ደይኰነን ዚዀነና፧ ከመይሲ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ የሆዋ ኣምላኹ ይእመን ነይሩ እዩ። ንሕናኸ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማን ኣሎናዶ፧—ምሳ. 3:5, 6።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ንናጽነት ኣምልኾ ምቅላስ
14 ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ፡ ከምቶም ጥንቲ ዝነበሩ ኣስቴርን ማርዶካይን፡ በቲ የሆዋ ዝኣዘዞም መገዲ ኣቢሎም ንናጽነት ኣምልኾ የሆዋ ይቃለሱ እዮም። (ኣስ. 4:13-16) ንስኻኸ እጃም ኪህልወካ ይኽእልዶ፧ እወ። ነቶም ብሰንኪ ዘይፍትሓውነት መከራ ዚጸግቡ ዘለዉ መንፈሳውያን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ኣዘውቲርካ ኽትጽልየሎም ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ዝበለ ጸሎት፡ ኣብ ትሕቲ ጸገምን መስጐጕትን ንዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዙሕ ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። (ያእቆብ 5:16 ኣንብብ።) የሆዋ ኸምዚ ዝበለ ጸሎት ሰሚዑ ስጕምቲ ይወስድ ድዩ፧ ኣብ ቤት ፍርዲ እንረኽቦ ዓወታት፡ ብርግጽ ከምኡ ኸም ዚገብር እዩ ዚእምት!—እብ. 13:18, 19።
18-24 መስከረም
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኣስቴር 6-8
“ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ንምልውዋጥ ዚሕግዝ ትምህርቲ”
ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት
15 ኣስቴር ንንጉስ ልማኖኣ ቕድሚ ምቕራባ፡ ብትዕግስቲ ሓንቲ መዓልቲ ሳላ እተጸበየት፡ ንሃማን ንውድቀቱ ዚኸውን ባይታ ኼጣጥሕ መገዲ ኸፈተትሉ። ንንጉስ ከይደቀሰ ኸም ዚሓድር ዝገበሮኸ የሆዋ ኪኸውን ኣይክእልንዶ፧ (ምሳ. 21:1) ቃል ኣምላኽ፡ ብትዕግስቲ ‘ኽንጽበ’ ዜተባብዓና ምዃኑ እምበኣር ኣየገርምን እዩ። (ሚክያስ 7:7 ኣንብብ።) ንኣምላኽ እንተ ተጸቢናዮ፡ እቲ ንጸገማትና ዚገብሮ ፍታሕ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ንሕና ኽንሓስቦ እንኽእል ፍታሕ ኣዝዩ ጸብለል ዝበለ ምዃኑ ኽንርእዮ ንኽእል ኢና።
ብትብዓት ተዛረበት
16 ደጊም፡ ኣስቴር ንትዕግስቲ ንጉስ ክትፍትኖ ኣይደለየትን። ንዅሉ እቲ ጸገማት ኣብቲ ዘዳለወቶ ኻልኣይ ምሳሕ ነገረቶ። ብኸመይከ እያ ኽትነግሮ ዝኸኣለት፧ ንጉስ ንኣስቴር፡ ልማኖኣ እንታይ ምዃኑ ኸም ብሓድሽ ብምሕታት ኣጋጣሚ ኸፈተላ። (ኣስ. 7:2) እቲ ኣጋጣሚ እቲ፡ ኣስቴር ‘እትዛረበሉ ግዜ’ እዩ ነይሩ።
ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት
17 ኣስቴር፡ “ኦ ንጉስ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ረኺበ፡ ንንጉስ ድማ ባህ እንተ ኣቢልዎ፡ ህይወተይ ከም ልማኖይ፡ ህዝበይ ከኣ ከም ሕቶይ ይወሃበኒ” ኢላ ንንጉስ ቅድሚ ምዝራባ፡ ብልባ ናብ ኣምላኻ ኽትጽሊ ኸላ ኣብ ኣእምሮና ኽንስእሎ ንኽእል ኢና። (ኣስ. 7:3) ኣስቴር፡ “ንንጉስ ድማ ባህ እንተ ኣቢልዎ” ብምባል፡ እቲ ንጉስ ንዚገብሮ ውሳነ ኸም እተኽብር ገሊጻ እያ። ኣስቴር ካብታ ደይመደይ ኢላ ዘዋረደቶ ቐዳመይቲ ሰበይቱ ዝነበረት ዋሽቲ ኣዝያ እተፈልየት እያ ነይራ። (ኣስ. 1:10-12) ብዘይካዚ፡ ነቲ ንጉስ ንሃማን ብምእማኑ ብዝገበሮ ዕሽነት ኣይወቐሰቶን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ካብቲ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዜውድቕ ኵነታት ኬድሕና እያ ለሚናቶ።
ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት
18 ልማኖ ኣስቴር ንንጉስ ከም ዘደንጸዎን ስጕምቲ ኺወስድ ድራኸ ኸም ዘሕደረሉን ፍሉጥ እዩ። ‘ንንግስተይ ኣብ ሓደጋ ኼውድቓ ዚደፍር እሞ መን እዩ፧’ ኢሉ ሓሲቡ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣስቴር ኣስዕብ ኣቢላ፡ “ኣነን ህዝበይንሲ፡ ክንጸንትን ክንቅተልን ክንጠፍእን ተሼጥና ኢና። ተባዕትዮ ባሮትን ኣንስትዮ ባሮትን ኴንና ጥራይ እንተ ንሽየጥ፡ ስቕ ምበልኩ። ግናኸ፡ እዚ ንንጉስ ዚጐድኦ እዩ እሞ፡ እቲ ጭንቂ ግቡእ ኣይኰነን” በለት። (ኣስ. 7:4) ኣስቴር ነቲ ጸገም ኣግሂዳ ኸም ዝገለጸቶ፡ ኣስዒባ ግና እቲ ሽግር ባርነት ጥራይ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ “ስቕ ምበልኩ” ዚብል ሓሳብ ከም ዝሃበት ነስተብህለሉ። ብዛዕባኡ ኸይነገረቶ ስቕ እንተ ኢላ፡ እቲ ጃምላዊ ቕትለት፡ ንዕኡ እውን ጕድኣት ከም ዜስዕበሉ ኣጕልሓትሉ።
19 እቲ ኣስቴር ዝገደፈቶ ኣብነት ንኻልኦት ከመይ ጌርካ ብዜእምን መገዲ ኸተረድእ ከም እትኽእል ዚምህር እዩ። ንሓደ እተፍቅሮ ብጻይካ ወይ ንሓደ ብዓል ስልጣን ብዛዕባ ኸቢድ ጸገም ክትነግሮ ምስ እትደሊ፡ ብትዕግስትን ብኣኽብሮትን ብግልጽን ምዝራብ ኣዝዩ ሓጋዚ እዩ።—ምሳ. 16:21, 23።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ መጽሓፍ ኣስቴር ዚጐልሕ ነጥብታት
7:4—ምጽናት ኣይሁድ ‘ንንጉስ ጕድኣት’ ዜምጽእ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧ ኣስቴር፡ ኣይሁድ ንባርነት ኪሽየጡ ይኽእሉ ኸም ዝነበሩ ብሜላ ብምጥቃስ፡ ንሳቶም ብምጥፋኦም ነቲ ንጉስ ኬስዕበሉ ዚኽእል ጕድኣት ኣጕልሐት። እቲ ሃማን ንኣሓሽዌሮስ ኪህቦ እተመባጽዓሉ 10,000 ታለንት ብሩር፡ ምስቲ ንባርነት ኪሽየጡ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ እንተ ዚኸውን ኪርከብ ዚኽእል ዝነበረ ሃብቲ ኺነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ትሑት እዩ ነይሩ። እቲ እተኣልመ ውዲት እንተ ዚፍጸም፡ እታ ንግስቲ እውን ምጠፍአት ነይራ።
25 መስከረም–1 ጥቅምቲ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኣስቴር 9-10
“ንስልጣኑ ንጥቕሚ ርእሱ ኣይተጠቕመሉን”
it-2 432 ¶2
ማርዶካይ
ድሕርዚ፡ ማርዶካይ ንሃማን ተኪኡ ቐዳማይ ሚኒስተር ኰነ፣ ሰነዳት መንግስቲ ዚሓትመሉ ቐለቤት ማሕተም ንጉስ እውን ተዋህቦ። ኣስቴር ድማ ነቲ ንጉስ ኣብ ኢዳ ዝሃባ ቤት ሃማን፡ ንማርዶካይ ኣሕሊፋ ሃበቶ። ማርዶካይ ከኣ ብስልጣን ንጉስ ተጠቒሙ ኣይሁድ ንርእሶም ኪከላኸሉ ዚፈቅድ ነቲ ዝቐደመ ትእዛዝ ዜፍሽል ሕጊ ኣውጽአ። በዚ ኸምዚ፡ ንኣይሁድ ብርሃን ድሕነትን ሓጐስን ኰነሎም። ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ምስ ኣይሁድ ወገኑ፣ እታ እቲ ሕግታት ዚፍጸመላ 13 ኣዳር ኣብ ዝኣኸለትሉ እዋን ድማ ኣይሁድ ተዳልዮም ጸንሑ። ማርዶካይ ልዑል ስልጣን ብምሓዙ፡ ዚድግፎም ብዓል ስልጣን ረኸቡ። ኣብ ሱሳን እቲ ግጭት ንጽብሒቱ እውን ቀጸለ። ኣብ ሃጸያዊ ግዝኣት ፋርስ ልዕሊ 75,000 ጸላእቲ ኣይሁድ ተቐትሉ፣ እቶም ዓሰርተ ደቂ ሃማን እውን ተቐትሉ። (ኣስ 8:1–9:18) ማርዶካይ ከኣ ምስ ኣስቴር ድሕሪ ምስምማዑ፡ ዓመት ዓመት ኣብ መበል 14ን 15ን መዓልትታት ኣዳር “መዓልትታት ጱሪም” ኪብዓላ፡ ንሳተን ድማ ንኣይሁድ መዓልትታት ድግስን ሓጐስን ኪዀናሎም፡ ንሓድሕዶምን ንድኻታትን እውን ህያባት ኪውሃሃቡ ኣዘዞም። ኣይሁድ ድማ ነዚ ተቐቢሎም ኣብ ርእሶምን ኣብ ዘርኦምን ምሳታቶም ኣብ ዚሓብሩ ዅሎምን ግዴታ ጸዓኑ። ማርዶካይ ኣብቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ካልኣይ ዝለዓለ ስልጣን ዝሓዝ ብምንባሩ፡ ኣብ መንጎ እቶም ንኣምላኽ ውፉያት ዝዀኑ ኣይሁድ ክቡር ነበረ፡ ንጽቡቕ ህዝቡ እውን ይዓዪ ነበረ።—ኣስ 9:19-22, 27-32፣ 10:2, 3።
it-2 716 ¶5
ጱሪም
ዕላማ። ገሊኦም ወሃብቲ ርእይቶ፡ እዚ ሎሚ ኣይሁድ ዜብዕልዎ ጱሪም ሃይማኖታዊ ዘይኰነስ ዓለማዊ ባህርይ ከም ዘለዎ፡ ሓድሓደ ግዜ ድማ ፈንጣሕጣሕ ዝበዝሖ ኸም ዝዀነ ሓሳቦም እኳ እንተ ሃቡ፡ እቲ በዓል ኣብ ዝቘመሉ እዋንን ቀደም ዝነበረ ኣበዓዕላኡን ግና ከምኡ ኣይነበረን። ማርዶካይን ኣስቴርን ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ እዮም ነይሮም፣ እቲ በዓል እቲ ድማ ንዕኡ ንምኽባር እዩ ቘይሙ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ንኣይሁድ ኣድሒንዎም፣ ስለምንታይሲ፡ ማርዶካይ ንየሆዋ ኣምላኽ በይኑ ጥራይ ዜምልኽ ብምዃኑ እዩ ብሱሩ እቲ ጕዳይ ተላዒሉ። ሃማን ከኣ ምናልባት ኣማሌቃዊ እዩ ነይሩ፣ የሆዋ ድማ ነቶም ህዝቢ እቲኦም ረጊምዎምን ንጥፍኣት ኰኒንዎምን ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ ማርዶካይ ነቲ ቓል ኣምላኽ እቲ ስለ ዘኽበረ፡ ንሃማን ምስጋድ ኣበየ። (ኣስ 3:2, 5፣ ዘጸ 17:14-16) ብዘይካዚ፡ እቲ ማርዶካይ ንኣስቴር እተዛረባ ቓል (ኣስ 4:14)፡ ንኣይሁድ ድሕነት ካብ ዝለዓለ ስልጣን ይጽበ ምንባሩ ይሕብር እዩ፣ ኣስቴር ናብ ንጉስ ቀሪባ ናብቲ ዘዳለወቶ ናይ መጀመርታ ድግስ ኪመጽእ ልማኖ ቕድሚ ምቕራባ ጾም ምጻማ እውን፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ትልምን ምንባራ እዩ ዚሕብር።—ኣስ 4:16።
ኣብ ኣጠቓቕማ ሓይልኹም “ንኣምላኽ ምሰልዎ”
12 የሆዋ ንሽማግለታት ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺመርሑ ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (እብራውያን 13:17) እዞም ብቑዓት ሰብኡት እዚኦም ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦም ስልጣን ነተን መጓሰ ዜድሊ ሓገዝ ንምሃብን መንፈሳዊ ድሕንነተን ንምሕላይን ኪጥቀሙሉ ኣለዎም። ናይ ሓላፍነት ቦታ ስለ ዘለዎም፡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶም ኪጕይተቱ መሰል ኣለዎም ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ኸምኡ ማለት ኣይኰነን። ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ጉባኤ ዘለዎም ሓላፍነት ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ ኺህልዎም ኣለዎ። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) መጽሓፍ ቅዱስ ንሽማግለታት፡ ‘ነታ ብደም ወዱ ዝዓደጋ ጉባኤ ኣምላኽ ኪጓስዩ’ ኸም ዘለዎም ይእዝዞም እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ንነፍሲ ወከፍ ኣባል እታ ጉባኤ ብለውሃት ኪሕዙሉ ዘለዎም ቀንዲ ምኽንያት ከኣ እዚ እዩ።
13 ነዚ ብምሳሌ ኽንገልጾ ንኽእል ኢና። ሓደ ናይ ቀረባ ዓርክኻ፡ ሓደ ክቡር ንብረት ክትሕልወሉ ሓላፍነት ሂቡካ ንበል። ዓርክኻ ነቲ ንብረት እቲ ብዙሕ ገንዘብ ከም ዘውጽኣሉ ስለ እትፈልጥ፡ ከይበላሾ ኣጸቢቕካ ኸም እትጥንቀቐሉ ፍሉጥ እዩ። ብተመሳሳሊ መገዲ ኣምላኽ ንሽማግለታት፡ ንሓደ ኽቡር ንብረት ኪሕልዉ ሓላፍነት ሂብዎም ኣሎ። እዚ ንብረት እዚ ኸኣ፡ እታ ኣባላታ ብኣባጊዕ ተመሲሎም ዘለዉ ጉባኤ እያ። (ዮሃንስ 21:16, 17) የሆዋ ንኣባጊዑ ኣኽቢሩ ስለ ዝርእየን፡ ብኽቡር ደም እቲ ሓደ ወዱ የሱስ ክርስቶስ እዩ ዓዲግወን። ኪኸፍለለን ዚኽእል ካብዚ ዚዓቢ ዋጋ ኸኣ የሎን። ትሑታት ሽማግለታት ነዚ ብምዝካር፡ ንኣባጊዕ የሆዋ ብሓልዮት እዮም ዚሕዝወን።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ መጽሓፍ ኣስቴር ዚጐልሕ ነጥብታት
9:10, 15, 16—እቲ ሕጊ ምርኮ ኺዘርፉ ዜፍቅድ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ኣይሁድ ግን እዚ ኻብ ምግባር እተቘጠቡ ስለምንታይ እዮም፧ ምርኮ ዘይምዝራፎም፡ ዕላማኦም ርእሶም ንምድሓን ደኣ እምበር፡ ንምህብታም ከም ዘይኰነ ብንጹር ዜመልክት ነበረ።
2-8 ጥቅምቲ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 1-3
“ዕምቈት እታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ብቐጻሊ ኣርኢ”
ኣስኣሰር እምነትን ተኣዛዝነትን ኖህን ዳንኤልን እዮብን ስዓብ
16 እዮብ ዘጋጠሞ ብድሆታት። እዮብ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ዓበይቲ ለውጥታት እዩ ኣሕሊፉ። ኣብ ፈለማ፡ “ካብ ኵሎም ሰብ ምብራቕ ዝዓበየ ነበረ።” (እዮ. 1:3) ሃብታምን ፍሉጥን ሕፉርን እዩ ነይሩ። (እዮ. 29:7-16) እዮብ እዚ ዅሉ እኳ እንተ ነበሮ፡ ብዛዕባ ርእሱ ልዑል ኣረኣእያ ኣይነበሮን ወይ ከኣ ኣምላኽ ከም ዘየድልዮ ገይሩ ኣይሓሰበን። የሆዋ ድማ፡ “ጊልያይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ፣ ብዛዕባኡ እውን፡ “ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፉእ ዚርሕቕን ንጹህን ቅኑዕን ሰብ” ኢሉ ኣሎ።—እዮ. 1:8።
17 ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ግና፡ ህይወት እዮብ ብሃንደበት ተቐያየረ። ዝነበሮ ዅሉ ብምስኣኑን ተስፋ ብምቝራጹን ድማ፡ ሞት ተመነየ። ከምቲ እንፈልጦ፡ ሰይጣን ንእዮብ፡ ጥቕሚ ርእሱ ደልዩ ንየሆዋ ኸም ዜምልኾ እዩ ብሓሶት ከሲስዎ። (እዮብ 1:9, 10 ኣንብብ።) የሆዋ ነዚ ብኽፍኣት እተኣልመ ኽሲ እዚ ዕሽሽ ኣይበሎን። የግዳስ፡ ንእዮብ ንጽህናኡ ኼርኢ፡ ማለት ንኣምላኽ ብቕንዕናን ብፍቕርን ተደሪኹ ኸም ዜገልግሎ ኼርኢ ዚኽእለሉ ኣጋጣሚ ሃቦ።
ንጽህናኻ ሓሉ!
10 ሰይጣን ንነፍሲ ወከፍና ተመሳሳሊ ኽሲ እዩ ዚኸስሰና። እሞኸ እዚ ንዓኻ ብኸመይ ይምልከተካ፧ ሰይጣን ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዘይተፍቅሮ፡ ገዛእ ርእስኻ ኸተድሕን ኢልካ ንየሆዋ ምግልጋል ከም እትሓድጎ፡ ንጽህናኻ እውን ከም ዘይትሕሉ እዩ ዚኸስሰካ። (እዮ. 2:4, 5፣ ራእ. 12:10) ብዛዕባ እዚ እሞ ኸመይ ይስምዓካ፧ እዚ ኽሲ እዚ መሸም ዜጕሂ እዩ። ግናኸ፡ ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ ስለ ዚኣምነካ፡ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ኸፊቱልካ ኣሎ። የሆዋ ንሰይጣን፡ ንንጽህናኻ ኺፍትኖ ፈቒዱሉ ኣሎ። ንጽህናኻ ኽትሕሉ ኸም እትኽእልን ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኸተርኢ ኸም እትኽእልን ድማ ይተኣማመነልካ እዩ። ከምኡ ኽትገብር ከለኻ ኸም ዚሕግዘካ ድማ ቃል ኣትዩልካ ኣሎ። (እብ. 13:6) እቲ ልዑላዊ ጐይታ ኺኣምነካስ ዓብዪ ኽብሪ ደይኰነን፧ እሞኸ ንጽህናኻ ምሕላው ዘለዎ ኣገዳስነትሲ ተገንዚብካዮዶ፧ ንጽህናና ምሕላውና፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ መረጋገጺ ንምሃብ፡ ነቲ ጽቡቕ ስም ኣቦና ንምድጋፍ፡ ኣብ ጐድኒ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ድማ ንምቛም የኽእለና እዩ። እሞ ደኣ ንጽህናና ንምሕላው እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብተን የሱስ እተዛረበን ናይ መወዳእታ ቓላት እንምሃሮ ትምህርቲ
9 የሱስ እንታይ ኢሉ፧ የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ፡ “ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧” ኢሉ ጨሪሑ እዩ። (ማቴ. 27:46) የሱስ ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝበለ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጽን እዩ። እዘን ቃላት እዚአን እንታይ ከም ዚነግራና ግና እስከ ንርአ። የሱስ ነዘን ቃላት እዚአን ኬውስእ ከሎ፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 22:1 ዚርከብ ትንቢት እዩ ዚፍጽሞ ነይሩ። ብተወሳኺ ድማ፡ እዘን ቃላት እዚአን፡ የሆዋ ኣብቲ ግዜ እቲ ንወዱ፡ “ዜዕቍቦ ሓጹር” ገይሩሉ ኸም ዘይነበረ ንጹር ይገብራ እየን። (እዮ. 1:10) የሆዋ ንየሱስ፡ ኣብ ሰብ ወሪዱ ብዘይፈልጥ ፈተና ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍተን ኢሉ ኣብ ኢድ ጸላእቱ ጠሪሱ ሓዲግዎ ነይሩ እዩ። የሱስ ድማ ነዚ ተረዲእዎ ነይሩ እዩ። ብተወሳኺ ድማ፡ የሱስ ካብቲ ብሞት ዜቕጽዕ ገበን ንጹህ ከም ዝዀነ፡ እዘን ቃላት እዚአን የረጋግጻ እየን።
9-15 ጥቅምቲ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 4-5
“ንግጉይ ሓበሬታ ተጠንቀቐሉ”
it-1 713 ¶11
ኤሊፋዝ
2. ሓደ ኻብቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ። (እዮ 2:11) ቴማናዊ ተባሂሉ ስለ ዘሎ፡ ካብ ዘርኢ እቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ቍ. 1 ተጠቒሱ ዘሎ ኸይኰነ ኣይተርፍን እዩ፣ ስለዚ፡ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም እዩ ነይሩ፣ ምስ እዮብ እውን ብርሑቕ ይዛመድ ነይሩ እዩ። ንሱን ዘርኡን ብጥበቦም ይምክሑ ነይሮም እዮም። (ኤር 49:7) ካብቶም ሰለስተ “መጸናናዕቲ” ተባሂሎም ዘለዉ፡ ኤሊፋዝ እዩ ኸም ምርኡይን ተሰማዕን ኰይኑ ቐሪቡ ዘሎ፣ ስለዚ፡ ብዕድመ ዝዓበየ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ ብሰለስተ ዙር እተገብረ ኽትዕ፡ ንሱ እዩ ቐዳማይ ተዛሪቡ፣ ዘረባኡ እውን ካብ ናይ ካልኦት ዝነውሐ እዩ።
ንግጉይ ኣተሓሳስባ ተጻረሮ!
ኤሊፋዝ ብዛዕባ ዘጋጠሞ ኻብ ባህርያዊ ፍልይ ዝበለ ነገር ኪዛረብ ከሎ፡ “ሓደ መንፈስ ብቕድመይ ሐለፈ፡ ጸጕሪ ስጋይ ተኸየፈ። ንሱ ቘመ፡ መልክዑ ግና ኣየለሌኽዎን፡ ረቂቅ መንፈስ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ፡ ስቕታ ነበረ፡ ድምጺ ኸኣ ሰማዕኩ” በለ። (እዮብ 4:15, 16) እንታይ ዓይነት መንፈስ እዩ ነተሓሳስባ ኤሊፋዝ ጸልይዎ፧ እቲ ቐጺሉ እተዛረቦ ነገር ከም ዚሕብሮ፡ እቲ መንፈስ ሓደ ኻብቶም ጻድቃን መላእኽቲ ኣምላኽ ከም ዘይነበረ እተረጋገጸ እዩ። (እዮብ 4:17, 18) የግዳስ፡ እኩይ መንፈሳዊ ፍጥረት እዩ ነይሩ። እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ስለምንታይ ደኣ የሆዋ ንኤሊፋዝን ክልተ ኣዕሩኽቱን ሓሲኹም ኢሉ እተቘጥዖም፧ (እዮብ 42:7) ብርግጽ፡ ኤሊፋዝ ብጋኔን እዩ ተጸልዩ። ከመይሲ እቲ ዚዛረቦ ዝነበረ ነገራት ምስ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ዚሰማማዕ ኣይነበረን።
ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ኣየስሕትካ
ሰይጣን ብሓደ ኻብቶም ንእዮብ ኪበጽሕዎ ዝመጹ ሰለስተ ኣዕሩኽ፡ ማለት ብኤሊፋዝ ኣቢሉ፡ ደቂ ሰብ ነቲ ኻብኡ ዝወርዶም መጥቃዕቲ ኺጻወርዎ ኸም ዘይክእሉ ገለጸ። ኤሊፋዝ ንእዮብ ኪዛረቦ ኸሎ፡ ሰባት፡ “መሬት ዝቤቶም፡ ሓመድ ዝመሰረቶም፡ ከም ሓሰኻ ኺጭፍለቑ እዮም። ካብ ንግሆ ኽሳዕ ምሸት ይቝረጹ፡ ንሓዋሩ ይጠፍኡ፡ ዚሐስቦውን የልቦን” በለ።—እዮ. 4:19, 20።
ኣብ ካልእ ክፋል ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ደቂ ሰብ ምስ ተሰባሪ “ኣቕሓ መሬት” ተመሳሲሎም ኣለዉ። (2 ቈረ. 4:7) ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ስለ ዝወረስና ድኹማት ኢና። (ሮሜ 5:12) ብሰሪ እዚ ኸኣ ንመጥቃዕትታት ሰይጣን ብርእስና ጥራይ ክንዋጽኣሉ ኣይንኽእልን። ይኹን እምበር፡ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን ኣብቲ የሆዋ ዚህቦ ሓገዝ ክንውከል ንኽእል ኢና። ዋላ እውን ድኽመታት እንተ ሃለወና፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት ኢና። (ኢሳ. 43:4) ብተወሳኺ፡ የሆዋ ነቶም ዚሓትዎ መንፈስ ቅዱስ ይህቦም እዩ። (ሉቃ. 11:13) እቲ መንፈሱ ድማ፡ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ብምሃብ፡ ሰይጣን ንዜውርደልና ዝዀነ ይኹን መጥቃዕቲ ኽንጻወሮ የኽእለና። (2 ቈረ. 4:7፣ ፊል. 4:13) ‘ብእምነት ጸኒዕና’ ንድያብሎስ እንተ ተቓዊምናዮ፡ ኣምላኽ ኬሐይለናን ኬበርትዓናን እዩ። (1 ጴጥ. 5:8-10) ስለዚ እምበኣር፡ ንሰይጣን ድያብሎስ እንፈርሃሉ ምንም ምኽንያት የብልናን።
ካብ ግጉይ ሓበሬታ ተሓሎ
● ምንጪ እቲ ሓበሬታ ገምግም
መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንዅሉ መርምርዎ።”—1 ተሰሎንቄ 5:21።
ሓደ ሓበሬታ ኣብ ኵሉ ዘስፋሕፍሐ ወይ ኣብ ዜና እተደጋገመ ይኹን ብዘየገድስ፡ ቅድሚ ምእማንካ ወይ ናብ ካልኦት ቅድሚ ምምሕልላፍካ፡ ሓቅነቱ ኣረጋግጽ። ብኸመይ፧
ሓቅነት ምንጪ እቲ ሓበሬታ ገምግም። ትካላት ማዕከናት ዜናን ካልኦት ውድባትን፡ ንሓደ ሓበሬታ ንንግዳዊ ወይ ንፖለቲካዊ ረብሓአን ኢለን ኺጠዋውያኦ ይኽእላ እየን። ሓደ ትካል ማዕከን ዜና ንዝበሎ፡ ምስ ካልእ ትካል ማዕከን ዜና ዝበሎ ኣነጻጽሮ። ሓድሓደ ግዜ፡ ፈተውትና ወይ ኣዕሩኽና ንሓደ ሓበሬታ ግርህ ኢሎም ብኢመይል ኪልእኽዎ፡ ወይ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኺልጥፍዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ምንጪ ሓደ ሓበሬታ ኻበይ ምዃኑ ኸተረጋግጽ እንተ ዘይክኢልካ፡ ነቲ ሓበሬታ እቲ ኣይትእመኖ።
እቲ ትሕዝቶ እዋናውን ልክዕን ምዃኑ ኣረጋግጽ። ብዛዕባ እቲ ዚውረ ነገር፡ እተፈጸመሉ ዕለትን እተረጋገጸ ጭብጥታትን ድልዱል መርትዖን ክትረክብ ጽዓር። ብፍላይ፡ ሰባት ንሓደ እተሓላለኸ ሓበሬታ ኣቕልል ኣቢሎም ምስ ዜቕርብዎ፡ ወይ ከኣ ሓደ ጸብጻብ ንምርስሳን ተባሂሉ ምስ ዚቐርብ ተጠንቀቐሉ ኢኻ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ጽናዕ እሞ ኣብቲ ንህይወት ዝግበር ቅድድም ክትዕወት ኢኻ
ክፍሊ ናይቲ ዓለምለኻዊ ማሕበር ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ምዃን፡ ጸኒዕና ንኽንቅጽል ሓያል ጽልዋ ኽገብር ይኽእል እዩ። ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፈቃራት ኣሕዋት ምቅርራብ ከመይ ዝበለ ዓብዪ በረኸት ኰን እዩ! (1 ጴጥሮስ 2:17) ንሕናውን ንኣመንቲ ብጾትና ዘይነቓነቑ ንክዀኑ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።
በዚ ዝመጸ እቲ ቕኑዕ ዝነበረ እዮብ ዝገበሮ ተግባራት እስከ ንርአ። እቲ ናይ ሓሶት መጸናንዒ ዝነበረ ኤሊፋዝ እውን ከይተረፈ “ዘረባኻ ነቶም ሰንከልከል ዚብሉ ኣቕንዖም፡ ንዝደኸማ ኣብራኽውን ኣጽናዕካየን” ብምባል ኣፍልጦ ሂቡሉ እዩ። (እዮብ 4:4) ኣብዚ መዳይ እዚ ኸመይ ኢና፧ ነፍሲ ወከፍና ነቶም ብመንፈስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ንኽጸንዑ ናይ ምሕጋዝ ሓላፍነት ኣሎና። ኣብቲ ምስኦም ዘለና ርክብ “ነተን ዝሰነፋ ኣእዳው ኣበርትዑ፡ ነተን ወለል ዝበላ ኣብራኽ ድማ ኣደልድሉ” ዝብላ ቓላት ክንዓየለን ኣሎና። (ኢሳይያስ 35:3) ስለዚ፡ ምስ ኣሕዋትካ ኣብ እተራኸብካሉ ዘበለ፡ ንሓደ ወይ ክልተ ክርስትያናት ብጾትካ ምብርታዕን ምትብባዕን ንምንታይ ሸቶኻ ዘይትገብሮ፧ (እብራውያን 10:24, 25) ንየሆዋ ንምሕጓስ ንዝገብርዎ ቀጻሊ ጻዕርታት ምስ እትንእዶ ወይ ምስ እተማስወሉ፡ ኣብቲ ቕድድም ህይወት ኽዕወቱ ተስፋ ብምግባር ንኽጸንዑ ኽሕግዞም ይኽእል እዩ።
16-22 ጥቅምቲ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 6-7
“ህይወት ዘይጽወር ምስ ዚመስል”
ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚጐልሕ ነጥብታት
7:1፣ 14:14—“ሰልፊ” እንታይ ማለት እዩ፧ እዮብ በቲ ዝወረዶ መከራ ኣዝዩ ኻብ ምጭናቑ እተላዕለ፡ ህይወት ልክዕ ከም ሰልፊ ኸቢድን ኣድካምን ኰይኑ ተራእዮ። (እዮብ 10:17) እቲ ሓደ ሰብ ካብ ግዜ ሞቱ ኣትሒዙ ኽሳዕ ትንሳኤኡ ኣብ ሲኦል ዜሕልፎ ግዜ ኸይፈተወ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ እዋን እቲ ምስቲ ብግዴታ ዚግበር ሰልፊ ኣተሓሒዝዎ ኣሎ።
‘የሆዋ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ የድሕኖም’
ሓድሓደ ግዜ፡ ህይወት ሓጺርን “ሽግር ዝመልኦን” ምዃኑ ንሓስብ ኢና። (እዮ. 14:1) ስለዚ፡ ኣብ ገሊኡ እዋን ተስፋ እንተ ቘረጽና ዜገርም ኣይኰነን። ብዙሓት ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ የሆዋ ኸምኡ ተሰሚዕዎም እዩ። ገሊኦም እሞ ኸኣ ሞት ተመንዮም እዮም። (1 ነገ. 19:2-4፣ እዮ. 3:1-3, 11፣ 7:15, 16) ኰይኑ ግና፡ እቲ እተወከልዎ ኣምላኾም የሆዋ ብተደጋጋሚ ኣጸናኒዕዎምን ኣበርቲዕዎምን እዩ። ዛንታኦም ከኣ ንዓና መጸናንዕን ትምህርትን ኪኸውን ተባሂሉ ተመዝጊቡ ኣሎ።—ሮሜ 15:4።
g 1/12 16-17
ብህይወትካ ተስፋ ምስ እትቘርጽ
ኵነታትካ ተስፋ ዘይብሉ እኳ እንተ መሰለ፡ እዚ ጸገም እዚ ንበይንኻ ጥራይ ከም ዘየጓንፈካ፡ ዳርጋ ዅሉ ሰብ እውን ጸገም ከም ዜጋጥሞ ዘክር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ብሓባር የስቈርቍርን ይሳቐን ከም ዘሎስ፡ ንፈልጥ ኣለና” ይብል። (ሮሜ 8:22) ኣብ ሓጺር እዋን፡ ጸገምካ ዘይፍታሕ እኳ እንተ መሰለ፡ ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ ግና መብዛሕትኡ ግዜ ምምሕያሽ ይርከብ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
ስምዒትካ ንእትኣምኖ ብሱል ፈታዊኻ ኣካፍል። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 17:17) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ እዮብ ዚብሃል ጻድቕ ኣብ ትሕቲ ጸበባ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ልቡ ዝዓቘሮ ሓሳባት ንኻልኦት ኣካፊሉ እዩ። “ንህይወተይ ፈንፊነያ” ኣብ ዝበለሉ እዋን፡ “ንመረረተይ መተንፍሶ ኽገብረሉ እየ። ብመሪር ጭንቀይ ክዛረብ እየ!” ኢሉ ተዛሪቡ እዩ። (እዮብ 10:1) ኣብ ልብኻ ዘሎ ንኻልኦት ምክፋል፡ ንጭንቀትካ ኼፍኵሰልካ፡ ንጸገማትካ ብሓድሽ ኣንፈት ምእንቲ ኽትርእዮ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ኣብ ልብኻ ዘሎ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣፍስስ። ገሊኦም ንጸሎት ከም ስነ ኣእምሮኣዊ ምርኩስ ጥራይ ገይሮም ዚርእይዎ እኳ እንተ ዀኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና ካብዚ እተፈልየ ነገር እዩ ዚነግረና። መዝሙር 65:2 ንየሆዋ ኣምላኽ፡ “ሰማዕ ጸሎት” ኢላቶ ኣላ፣ 1 ጴጥሮስ 5:7 ኸኣ፡ “ንሱ ይሓልየልኩም እዩ” ትብል። ናብ ኣምላኽ ክንጽጋዕ ከም ዘሎና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ጐሊሑ ኣሎ። ንኣብነት፦
“ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን፣ ኣብ ኣእምሮኻ ድማ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድታትካ ንዕኡ ኣስተብህለሉ፣ ንሱ ኸኣ ንመገድታትካ ኬቕንዖ እዩ።”—ምሳሌ 3:5, 6።
“[የሆዋ] ትምኒት እቶም ዚፈርህዎ የዕግብ፡ ኣውያቶም ይሰምዕ፡ የናግፎም እውን።”—መዝሙር 145:19።
“እቲ ኣብኡ ዘሎና እምንቶ እዚ እዩ፦ ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ።”—1 ዮሃንስ 5:14።
“የሆዋ ኻብ እኩያት ርሑቕ እዩ፣ ንጸሎት ጻድቃን ግና ይሰምዖ።”—ምሳሌ 15:29።
ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ጸገማት ንኣምላኽ እንተ ነጊርካዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ግዜ ብእኡ ተኣመኑ። ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ” ኢሉ ዜተባብዕ።—መዝሙር 62:8።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ስማዕን ፍለጥን ራሕርሕን
10 ንሕና ድማ ሓዴና ነቲ ሓዴና ኽንርድኣሉ ንጽዕር እንተ ዄንና፡ ንየሆዋ ኽንመስሎ ንኽእል ኢና። ስለዚ፡ ንኣሕዋትካን ንኣሓትካን ፍለጦም። ቅድሚ ኣኼባታትን ድሕሪኡን ኣዕልሎም፡ ኣብ ኣገልግሎት ምሳታቶም ሓቢርካ ኣገልግል፡ እንተ ተኻኢሉ ኸኣ ምሳኻ እኽለ ማይ ኪጥዕሙ ዓድሞም። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ እታ ምስ ሰብ ዘይትቐርብ እትመስል ሓብቲ ሓፋር ምዃና ኽትፈልጥ፡ እቲ ፈታው ገንዘብ ጌርካ ዝሓሰብካዮ ሓው ለጋስ ምዃኑ ኽትርኢ፡ ወይ እቶም ደንጕዮም ናብ ኣኼባታት ዚመጹ ስድራ ቤት ተቓውሞ የጋጥሞም ምህላዉ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። (እዮ. 6:29) እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ “ወልፋሳት” ክንከውን የብልናን። (1 ጢሞ. 5:13) ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብዛዕባ እቲ ንባህርያቶም ዝቐረጾ ነገራትን ምፍላጥ ጽቡቕ እዩ።
23-29 ጥቅምቲ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 8-10
“ብተኣማንነት እትርአ ፍቕሪ ኣምላኽ ካብ ናይ ሰይጣን ሓሶት ተዕቍበና”
ብሓቂዶ ንኣምላኽ ከነሐጕሶ ንኽእል ኢና፧
እዮብ ዘይፍትሓዊ ዚመስል ከቢድ ዝዀነ ተኸታታሊ ሽግራት ኣጋጠሞ። ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ይሓሉ ኣይሓሉ ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ከም ዘይግደሰሉ ገይሩ ብምሕሳብ፡ ኣብ ግጉይ መደምደምታ በጺሑ ነበረ። (እዮብ 9:20-22) ካብ ኣምላኽ ንላዕሊ ንርእሱ ኸም ዘጽደቐ ኽሳዕ ዚመስል፡ እዮብ ብጽድቁ ይተኣማመን ነበረ።—እዮብ 32:1, 2፣ 35:1, 2።
የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንዓኻ እንታይ ትርጉም ኣለዎ፧
14 ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ኣምላኽ መንፈሳዊ ዕቝባ እዩ። ዳዊት ናብ የሆዋ፡ “ንስኻ መሕብእየይ ኢኻ፣ ካብ ጭንቂ ኽትሕልወኒ ኢኻ። ብእልልታ ድሕነት ክትከብበኒ ኢኻ። . . . እቲ ብየሆዋ ዚእመን . . . በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ይኽበብ” ኢሉ ጸልዩ እዩ። (መዝ. 32:7, 10) ከምቲ ንጥንታዊት ከተማ ዚኸብባ መካበብያ ንነበርታ ዜዕቍቦም፡ የሆዋ በቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ኣቢሉ ምስ ዚኸብበና ኸኣ ንንጽህናና ኻብ ዚፍትን መንፈሳዊ ሓደጋታት ዕቝባ ንረክብ ኢና። ብተወሳኺ፡ የሆዋ ብተኣማንነት ብዚርአ ፍቕሩ ተደሪኹ ናብኡ ይስሕበና እዩ።—ኤር. 31:3።
መንፈሳዊ ሃብቲ
‘ሓሳብ የሆዋ ዝፈለጠ እንታዋይ እዩ፧’
19 ብዛዕባ ‘ሓሳብ የሆዋ’ እንታይ ኢና ተማሂርና፧ ቃል ኣምላኽ፡ ነቲ ብዛዕባ ሓሳብ የሆዋ ዘሎና ምርዳእ ንኪቐርጾ ኸነፍቅደሉ ኣሎና። ንየሆዋ ኸማና ድሩት ዓቕሚ ኸም ዘለዎ ጌርና ኸይንሓስብ፡ ብናይ ገዛእ ርእስና መለክዒታትን ኣተሓሳስባን ከኣ ከይንፈርዶ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። እዮብ፡ “ከይመልሰሉ፡ ሐቢርናውን ከይንበያየንሲ፡ [ኣምላኽ] ከማይ ሰብ ኣይኰነን” በለ። (እዮ. 9:32) ልክዕ ከም እዮብ ንሓሳብ የሆዋ ኽንርድኦ ምስ ጀመርና፡ “[ካ]ብቲ መገዱስ እንሆ፡ እዚ ሓደ ጫፍ ጥራይ እዩ፡ እቲ ብዛዕባኡ እንሰምዖ ሕሽዅሽዅስ ክንደይ ቅሩብ እዩ፡ ነቲ ነጕዲ ስልጣኑኸ መን እዩ ኼስተውዕሎ ዚኽእል፧” ንኽንብል ክንድረኽ ኢና።—እዮ. 26:14።
20 ቅዱሳት ጽሑፋት ከነንብብ ከለና፡ ብሕልፊ ምስ ሓሳብ የሆዋ እተተሓሓዘ ንምርዳኡ ዜጸግም ጥቕሲ እንተ ኣጋጢሙና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ምርምር ድሕሪ ምግባርና እውን እንተ ዀነ፡ ንጹር መልሲ እንተ ዘይረኺብና፡ ከም መዐዘቢ እቲ ኣብ የሆዋ ዘሎና ትውክልቲ ጌርና ኽንርእዮ ንኽእል ኢና። ገሊኡ መግለጺታት፡ ኣብ ባህርያት የሆዋ ዘሎና እምነት ንኽንገልጽ ኣጋጣሚ ኸም ዚኸፍተልና ኽንርስዕ የብልናን። ንዅሉ እቲ ንሱ ዚገብሮ ኸም ዘይንርድኦ ብትሕትና ንተኣመን። (መክ. 11:5) በዚ ኸምዚ ምስቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ኸምዚ ዚብል ቃላት ክንሰማማዕ ኢና፦ “ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዚፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧ መንከ እዩ ቐደም ገለ ዝሀቦ እሞ ዚፍደዮ፧ ኵሉ ኻብኡ እዩ ብእኡን ንእኡን ድማ እዩ እሞ፡ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይዅኖ። ኣሜን።”—ሮሜ 11:33-36።
30 ጥቅምቲ–5 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 11-12
“ሰለስተ መገዲ ጥበብን ጥቕምታቱን”
እዮብ ንስም የሆዋ ልዕል ኣበለ
17 ንእዮብ ንጽህናኡ ኺሕሉ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ኵሉ እቲ መዓት ኣብ ልዕሊኡ ቕድሚ ምውራዱ፡ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ከም ዘማዕበለ ዜጠራጥር ኣይኰነን። እዮብ ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘቕረቦ ብድሆ ይፈልጥ ምንባሩ ዚሕብር ዋላ ሓንቲ መርትዖ እኳ እንተ ዘየልቦ፡ ተኣማንነቱ ንኺሕሉ ግን ቈሪጹ ነበረ። “ክሳዕ ሞተይ ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” በለ። (እዮ. 27:5) እዮብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጥብቂ ርክብ ኬማዕብል ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧ ብዛዕባ እቶም ናይ ርሑቕ ኣዝማዱ ዝዀኑ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ከም ዝሰምዐን ነዚ ኣኽቢሩ ይርእዮ ምንባሩን ኣየጠራጥርን እዩ። ንፍጥረት ብምዕዛብ እውን፡ ሓያሎ ባህርያት የሆዋ ኼስተውዕል ክኢሉ እዩ።—እዮብ 12:7-9, 13, 16 ኣንብብ።
ምስ የሆዋ እንተ ዄንካ፡ ከቶ በይንኻ ኣይኰንካን
10 ምስ እሙናት ክርስትያናት ዕርክነት ህነጽ። ኣብ ጉባኤ፡ ኪጠቕሙኻ ዚኽእሉ ኣዕሩኽ ርኸብ። ንሳቶም ከኣ ብዕድመ ወይ ብድሕረ ባይታ ኻባኻ እተፈልዩ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ጥበብ “ኣብ ሽማግለታት [ከም] ዚርከብ” መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። (እዮ. 12:12) ብዕድመ ዝደፍኡ ዘበሉ ድማ ካብቶም ዝነኣሱ እሙናት ብዙሕ ኪምሃሩ ይኽእሉ እዮም። ዳዊት ካብ ዮናታን ኣጸቢቑ ይንእስ ነይሩ እዩ፣ እዚ ግና ናይ ቀረባ ኣዕሩኽ ከይኰኑ ኣይዓገቶምን። (1 ሳሙ. 18:1) ዳዊትን ዮናታንን ከቢድ ጸገማት እናኣጋጠሞም ክነሱ፡ ንየሆዋ ንምግልጋል ንሓድሕዶም ተደጋጊፎም እዮም። (1 ሳሙ. 23:16-18) ኣይሪና ዝስማ ኻብ ስድራ ቤታ በይና ናይ የሆዋ ምስክር ዝዀነት ሓብቲ፡ “ኣሕዋትናን ኣሓትናን መንፈሳውያን ወለድና ወይ ስድራና ኪዀኑልና ይኽእሉ እዮም” ትብል። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “የሆዋ ንዓታቶም፡ ነቲ ዜድልየና ንምምላእ ኪጥቀመሎም ይኽእል እዩ” ትብል።
11 ሓደስቲ ኣዕሩኽ ምግባር፡ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ፣ ምናዳ ሓፋር እንተ ዄንካ ኸኣ፡ ከቢድ እዩ። ራትና ዝስማ ተቓውሞ እናኣጋጠማ ኽነሱ ሓቂ እተማህረት ሓፋር ሓብቲ፡ “ሓገዝን ደገፍን መንፈሳውያን ስድራ ቤተይ ከም ዜድልየኒ፡ ክቕበሎ ነይሩኒ” ትብል። ስምዒታትና ንኻልእ ምክፋል፡ ኪኸብደና ይኽእል እዩ፣ ክፉት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ግና፡ ንናይ ቀረባ ዕርክነት መሰረት ይኸውን እዩ። ፈተውትኻ ኼተባብዑኻን ኪድግፉኻን ይደልዩ እዮም፣ ከመይ ገይሮም ከምኡ ኸም ዚገብሩ ግና ክትሕብሮም ኣሎካ።
12 ሓደ ኻብቲ ፈተውቲ እነጥርየሉ ብሉጽ መገድታት፡ ኣብ ኣገልግሎት ምስ ክርስትያናት ብጾትና ብምግልጋል እዩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ካሮል፡ “ኣብ ኣገልግሎትን ኣብ ካልእ ቲኦክራስያዊ ንጥፈታትን ምስ ኣሓት ግዜ ብምሕላፍ ብዙሕ ጽቡቕ ምሕዝነት መስሪተ እየ። የሆዋ በዘን መሓዙተይ ኣቢሉ ንዓመታት ደጊፉኒ እዩ” ትብል። ምስ እሙናት ክርስትያናት ዕርክነት ምህናጽ፡ ብርግጽ ይኽሕስ እዩ። የሆዋ በቶም ፈተውትኻ ኣቢሉ፡ ከም ጽምዋ ዝኣመሰለ ዜጨንቕ ስምዒታት ንምቅላስ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ምሳ. 17:17።
it-2 1190 ¶2
ጥበብ
መለኮታዊ ጥበብ። ፍጹም ጥበብ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ዚርከብ፣ በዚ ምኽንያት እዚ፡ “በይኑ ጥበበኛ” ተባሂሉ ኣሎ። (ሮሜ 16:27፣ ራእ 7:12) ፍልጠት ብዛዕባ ሓቅታት ዘሎካ ግንዛበ እዩ፣ የሆዋ ድማ “ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም” ዝነበረን ዚነብርን ፈጣሪ ብምዃኑ (መዝ 90:1, 2)፡ ብዛዕባ ዩኒቨርስን ትሕዝቶኡን ታሪኹን ኵሉ ፍልጠት ኣለዎ። ንዅሉ እቲ ሰባት ንምርምሮምን ንምህዞኦምን ከም ባይታ ዚጥቀሙሉ ተፈጥሮኣዊ ሕግታትን ዑደታትን መለክዒታትን ንሱ እዩ ገይርዎ፣ ብዘይ እዚ ሕግታትን ዑደታትን መለክዒታትን እዚ፡ ደቂ ሰብ ዋላ ሓንቲ ኺገብሩ ኣይምኸኣሉን፡ ዚሃንጹሉ ጽኑዕ መሰረት እውን ኣይምረኽቡን። (እዮ 38:34-38፣ መዝ 104:24፣ ምሳ 3:19፣ ኤር 10:12, 13) እምበኣር፡ ደቂ ሰብ ኣብ ህይወቶም ርግኣትን ልቦናን ኣሳልጦን ረኺቦም ምእንቲ ኺነብሩ፡ እቲ ኣምላኽ ዘቘሞ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት የድልዮም እዩ። (ዘዳ 32:4-6፣ ኣብ “የሆዋ” [ናይ ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ኣምላኽ] ዚብል ርአ።) ኣምላኽ ኪርድኦ ዘይክእል ነገር የልቦን። (ኢሳ 40:13, 14) ምስ ስነ ምግባራዊ መለክዒታቱ ዚጻረር ነገራት ኪምዕብልን ንግዜኡ ኼስፋፍሕን እኳ እንተ ፈቐደ፡ ኣብ መጻኢ ዚኸውን ዘበለ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽሩ እዩ፡ ከም ፍቓዱ እውን እዩ ዚኸውን፣ ቃሉ ድማ “ብርግጽ ኬስልጥ እዩ።”—ኢሳ 55:8-11፣ 46:9-11።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ምስ ኣባጽሕ ምዝርራብ
▪ ‘ነቲ ብድሕሪ እቲ ቓላት ዘሎ መልእኽቲ አስተውዕሎ ድየ፧’ እዮብ 12:11 “ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዘስተማቕሮ፡ ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ፧” ትብል። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ፡ ውሉድካ ዚብሎ ‘ኸተለልዮ’ የድልየካ። ኣባጽሕ መብዛሕትኡ ግዜ ንዅሉ ነገራት ውድእ ኣቢሎም እዮም ዚዛረቡ። ንኣብነት፡ ውሉድካ፡ “ወትሩ ኸም ቈልዓ ኢኻ እትርእየኒ!” ወይ “ፈጺምካ ኣይትሰምዓንን ኢኻ!” ይብል ይኸውን። ኣብተን “ወትሩ” ወይ “ፈጺምካ” ዚብላ ቓላት ብምትኳር ልክዕ ከም ዘይኰነ ኣብ ክንዲ እትዛረብ፡ ውሉድካ ቓል ብቓሉ ይዛረብ ከም ዘየሎ ኣስተብህል። ንኣብነት፡ “ወትሩ ኸም ቈልዓ ኢኻ እትርእየኒ” ዚብል ዘረባ፡ “ከም ዘይትኣምነኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ “ፈጺምካ ኣይትሰምዓንን ኢኻ” ዚብል ዘረባ እውን፡ “ናይ ሓቂ ስምዒተይ ክነግረካ እደሊ እየ” ማለት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብድሕሪ እቲ ቓላት ዘሎ መልእኽቲ ኸተስተውዕሎ ጽዓር።