ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb23 መስከረም ገጽ 11
  • የሆዋ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ የድሕኖም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ የድሕኖም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ዜርኢ ውሳነታት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
  • የሆዋ “ልቦም ንእተሰብሩ የሕውዮም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ‘ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸና!’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • የሆዋ ኣብ ኣጸጋሚ ግዜያት ኪሕግዘካ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2023
mwb23 መስከረም ገጽ 11

ክርስትያናዊ ህይወት

የሆዋ ነቶም መንፈሶም እተደቝሰ የድሕኖም

ኵሉ ሰብ ዚጕህየሉ ግዜ ኣሎ። ጓሂ ምልክት መንፈሳዊ ድኽመት ኣይኰነን። የሆዋ እውን ከይተረፈ ሓድሓደ ግዜ ጓሂኡ ይገልጽ እዩ። (ዘፍ 6:5, 6) እንተዀነ ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ወረግ ኵሉ ግዜ ጓሂ ዚስምዓና እንተ ዀይኑኸ፧

ካብ የሆዋ ሓገዝ ሕተት። የሆዋ ብዛዕባ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ጥዕናና ኣዝዩ ይግደስ እዩ። ክንሕጐስን ክንጕህን ከለና ይፈልጥ እዩ። ነቲ እንሓስቦን ዚስምዓናን ይርድኦ እዩ። (መዝ 7:9ለ) ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ የሆዋ ይሓልየልና እዩ፣ ጓሂ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ሕዱር ጭንቀት ኬጋጥመና ኸሎ ኽንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—መዝ 34:18።

ኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ተኸናኸን። ኣሉታዊ ስምዒታት ንሓጐስናን ንኣምልኾናን ኪጸልዎ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ንልብና፡ ማለት ንውሽጣዊ ሰብና ኽንሕልዎ ኣሎና።—ምሳ 4:23።

ነታ ኣሕዋትና ሰላም ረኺቦም ኣለዉ—ሕዱር ጭንቀት እናሃለወ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኒኪ ንሕዱር ጭንቀት ክትጻወር ዝሓገዛ እንታይ ግብራዊ ስጕምቲ እያ ወሲዳ፧

  • ኒኪ ሕክምናዊ ሓገዝ ክትደሊ ኸም ዘለዎ እተሰምዓ ስለምንታይ እያ፧—ማቴ 9:12

  • ኒኪ፡ የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዛ ኣብ ምንታይ መዳያት ኣብኡ ተወኪላ፧

“ኣእምሮኣዊ ጥዕና—መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ሓገዝ” ዘርእስታ “ግምቢ ዘብዐኛ” ቍ. 1 2023።

ሕታም ህዝቢግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 1 2023፡ እንተ ዚረክብ ኪጥቀም ዚኽእል እትፈልጦ ሰብ ኣሎዶ፧

ስምዒታዊ ጥዕናና ኽንከናኸነሉ ኽንወስዶ እንኽእል ገለ ግብራዊ ስጕምትታት እንታይ እዩ፧

(ኣብ ጥቓ እታ ኸተመሓይሾ እትደሊ ልማዳት ዘላ ሳጹን ምልክት ግበር።)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ