መወከሲታት ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን
© 2023 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
6-12 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 13-14
“ሰብ እንተ ሞይቱ፡ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን ይኽእል እዩ፧”
ወድሰብ ነዊሕ ዕድመ ንምንባር ዝገብሮ ጻዕሪ
ምንም እኳ እዘን ዕምሪ ህይወት ሓጺር ምዃኑ ዝገልጻ ናይ ምስትምሳል ቃላት 3,500 ዓመታት ይገብር እንተ ተጻሕፋ፡ ብዙሓት ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን ይሰማምዑለን ኢዮም። ደቅሰብ ነቲ ሰዊት ዕድሚኦም ከይጸገቡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዝኣርጉን መወዳእትኡ ኸኣ ዝሞቱን ብምዃኖም ዕግበት ረኺቦም ኣይፈልጡን ኢዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ዕድመ ንምንዋሕ ተባሂሉ ኣዝዩ ብዙሕ ሜላታት እተፈተነ።
ኣብ ግዜ እዮብ ግብጻውያን ናብ ንእስነቶም ንምምላስ ፍረ ነብሲ እንስሳታት ይበልዑ እኳ እንተነበሩ ምንም ፋይዳ ክረኽብሉ ኣይከኣሉን። እቲ ኣብ ማእከላይ መዋእል ገኒኑ ዝነበረ ኣልከሚ ዝበሃል ስነ-ቐመም፡ ቀዳማይ ዕላምኡ ነቲ ነዊሕ ዕድመ ከም ዝህብ ዝእመነሉ በይዝ ሜታልስ ተባሂሎም ንዝጽውዑ ዓይነት ብረት ናብ ወርቂ ዝቕይር ኤሊክሲር ዝበሃል ቀመም ምፍራይ ኢዩ ነይሩ። ብዙሓት ኣልከመኛታት እዚ ሰብ ሰርሖ ወርቂ እዚ ዘይትመውት ህይወት ከም እትህልወካ ዝገብር ምዃኑ ከምኡውን ብወርቂ ኣብ እተሰርሐ ብያቲ ምብላዕ ዕድመ የንውሕ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። ጥንታዎት ቻይናውያን ሰዓብቲ ታኦይዝም ንኸም ምስትንታን፡ ናይ ምስትንፋስ ልምምዳት ምግባር፡ ኣብ ኣመጋግባ ምጥንቃቕ ዝኣመሰሉ ሜላታት ተጠቒሞም ነቲ ኣብ ኣካላት ዝርከብ ውህደት ቀመማት ከመዓራርይዎ ከም ዝኽእሉ እሞ ዘይትመውት ህይወት ሒዞም ክቕጽሉ ዝኽእሉ ኰይኑ ይስምዖም ነበረ።
ጁኣን ፖንሰ ዴ ሊዮን እተባህለ ስጳኛዊ ዳህሳሲ፡ በቲ ምንጪ ንእስነት ንምርካብ ዝገበሮ ግን ዘይተዓወተ ጕዕዝኡ ፍሉጥ ኢዩ። ሓደ ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ዶክተር፡ ኣብ እዋን ጽድያ መንእሰያት ደናግል ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኽፍሊ ብምዕጻው ሃፋ ትንፋሰን ኣብ ጠራሙዝ ክውህለል እሞ ከም ዕድመ ዘንውሕ መድሃኒት ክዝውተር ኣብታ ሄርሚፑስ ሬዲቪቩስ እትበሃል መጽሓፉ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ። ካብዚ ሜላታት እዚ ግን ዋላ ሓንቲ እውን ትኹን ውጽኢታዊት ከም ዘይነበረት ፍሉጥ ኢዩ።
እተቘርጸ ኦም መሊሱ ኺጥጥዕ ይኽእልዶ፧
እቲ እተጠዋወየን ሓባጥ ጎባጥ ጕንዲ ዘለዎን ኦም ኣውልዕ፡ ምስቲ ግርማ ዝመልኦ ጽሕዲ ሊባኖስ ኪወዳደር ከሎ፡ ማራኺ ኣይመስልን ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ኦም ኣውልዕ፡ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣየር ኪጻወር ይኽእል እዩ። ዕድመ ገሊኡ ኦም ኣውልዕ፡ 1,000 ዓመት ከም ዝዀነ እዩ ዚግመት። እዚ ኦም እዚ፡ ሰራውሩ ኣስፊሑ ስለ ዚሰድድ፡ ዋላ እኳ ጕንዱ እንተ ተቘርጸ፡ እንደገና ኺበቍል ይኽእል እዩ። እቲ ሱር ክሳዕ ዘይተቘርጸ፡ እንደገና ኺጥጥዕ ይኽእል እዩ።
እቲ ሓደ ኻብቶም ኣበዋት ዝነበረ እዮብ፡ ዋላ እውን እንተ ሞተ፡ እንደገና ኸም ዚትንስእ ይኣምን ነበረ። (እዮ. 14:13-15) ነቲ ኣምላኽ ንዕኡ ኻብ ሞት ንምትንሳእ ዘለዎ ኽእለት ብምትእምማን ኪገልጽ ከሎ፡—ምናልባት ንኦም ኣውልዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ—ከም ኣብነት ተጠቕመ። “ኦምሲ ተስፋ አለዎ፡ እንተ ተቘርጸ እኳ መሊሱ ይጥጥዕ” ድማ በለ። እዋን ደርቂ ሓሊፉ ዝናም ኪዘንም ምስ ጀመረ፡ ነቒጹ ዝነበረ ጕርማጽ ኦም ኣውልዕ ካብ ሱሩ ኺጭብጭብ ይጅምር እዩ፣ እወ፡ “ከም ሓድሽ ተኽሊ ዀይኑ፡ ጨናፍር ይገብር” እዩ።—እዮ. 14:7-9።
“ምናፈቕካዮ ኔርካ”
እቲ እዮብ እተዛረቦ ቓላት፡ የሆዋ ምስቶም ከም እዮብ ዝበሉ፡ ኣብ ኣዒንቱ ተበሃግቲ ምእንቲ ኪዀኑ ኢሎም ንኪቐርጾም ፍቓደኛታት ዚዀኑ ሰባት፡ ፍሉይ ርክብ ዘለዎ ፈቃር ኣምላኽ ምዃኑ ይምህረና። (ኢሳይያስ 64:8) የሆዋ ነቶም እሙናት ኣምለኽቱ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እሙናት ኣገልገልቱ ‘ይናፍቖም’ እዩ። ሓደ ምሁር ከም ዝገለጾ፡ እታ “ምናፈቕካዮ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ሓንቲ ኻብተን ሃንቀው ንእትብሎ ነገር እትገልጸሉ ሓያል ቃላት ከም ዝዀነት ዜጠራጥር ኣይኰነን።” እወ፡ የሆዋ ንኣምለኽቱ ይዝክሮም ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንደገና ህያዋን ንኺገብሮም እውን ሃንቀው ይብል እዩ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
it-1 191
ሓምዅሽቲ
ሓምዅሽቲ ንዘይረብሕ ወይ ዋጋ ንዘይብሉ ነገር የመልክት፣ ንኣብነት፡ ኣብርሃም ኣብ ቅድሚ የሆዋ፡ “ኣነ ሓመድን ሓምዅሽትን ክነሰይ” ኢሉ ተኣሚኑ እዩ። (ዘፍ 18:27፣ ብተወሳኺ ኢሳ 44:20፣ እዮ 30:19 ርአ።) እዮብ እውን ነቲ እቶም ናይ ሓሶት መጸናናዕቱ እተዛረብዎ ዘረባ ምስ “ምስላታት ሓምዅሽቲ” ኣመሳሲልዎ ኣሎ።—እዮ 13:12።
13-19 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 15-17
“ከተጸናንዕ ከለኻ ኣብነት ኤሊፋዝ ኣይትስዓብ”
ንግጉይ ኣተሓሳስባ ተጻረሮ!
ኤሊፋዝ ኣብ ዘቕረቦ ሰለስተ መደረ፡ ኣምላኽ ካብ ዓቕሚ ሰባት ንላዕሊ ዚጽበ፡ ኣገልገልቱ ዝገበሩ እንተ ገበሩ ኸኣ ከም ዘይዓግብ እዩ ገሊጹ። ንእዮብ “እንሆ፡ ነቶም ኣገልገልቱ እኳ ኣይአምኖምን ንመላእኽቱውን ጕድለት ይረኽበሎም” በሎ። (እዮብ 4:18) ጸኒሑ ድማ “እንሆ ነቶም ቅዱሳን እኳ ኣይአምኖምን፡ ሰማያትውን ኣብ ዓይኑስ ንጹህ ኣይኰነን” በለ። (እዮብ 15:15) ቀጺሉ ኸኣ “እቲ ዅሉ ዚኽእልስ ጻድቕ ብምዃንካዶ ባህ ይብሎ እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። (እዮብ 22:3) ቢልዳድ እውን ነዚ ኣረኣእያ እዚ ብምድጋፍ “ወርሒ እኳ ደሚቓ ኣይትበርህን፡ ከዋኽብቲውን ኣብ ቅድሚኡስ [ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ] ጽሩያት ኣይኰኑን” በለ።—እዮብ 25:5-6
ንሕናውን በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ ኸይንጽሎ ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ምኽንያቱ ኸምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኽንገብር ከም ዚጽበየና ዀይኑ ኺስምዓና ኺገብር ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ዚትንክፍ እዩ። ብተወሳኺውን ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ እንተ ሒዝና፡ ነቲ ኣብ ኣድላዪ ግዜ ዚወሃበና ተግሳጽ ብኸመይ ኢና ኽንቕበል፧ ኣብ ክንዲ ብትሕትና ጌጋና እንቕበል፡ ልብና ‘ኣብ እግዚኣብሄር የንጸርጽር’ ወይ ድማ ቂም ይሕዝ ይኸውን። (ምሳሌ 19:3) እዚ ኸኣ ብመንፈሳዊ ኣዝዩ እዩ ዚጐድኣና።
ንትሕትናን ንርሕራሐን የሱስ ቅድሓዮ
16 ርሕራሐ ዝመልኦ ቓላት። ንኻልኦት ንርሕርሓሎም እንተ ዄንና፡ ‘ነቶም እተጨነቑ ንኸነጸናንዖም’ ክንድረኽ ኢና። (1 ተሰ. 5:14) ነዞም ሰባት እዚኦም ምእንቲ ኸነተባብዖም እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ካብ ልብና ኸም እንሓልየሎምን ከም እንግደሰሎምን ብምግላጽ፡ ንመንፈሶም ክንሕድሶ ንኽእል ኢና። ነቲ ዘለዎም ኣወንታዊ ባህርያትን ክእለትን ምእንቲ ኺግንዘብዎ፡ ካብ ልብና ኽንንእዶም ንኽእል ኢና። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ናብ ወዱ ኸም ዝሰሓቦም፡ ከምኡ ዝገበረ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ኽቡራት ስለ ዝዀኑ ምዃኑ ኸነዘኻኽሮም ንኽእል ኢና። (ዮሃ. 6:44) የሆዋ ነቶም “ስቡር ልቢ ዘለዎም” ወይ “ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም” ኣገልገልቱ ኣዝዩ ኸም ዚግደሰሎም እውን ከነረጋግጸሎም ንኽእል ኢና። (መዝ. 34:18) እቲ ርሕራሐ ዝመልኦ ቓላትና፡ ነቶም ምጽንናዕ ዜድልዮም ሰባት፡ ጥዕና ኼምጽኣሎም ይኽእል እዩ።—ምሳ. 16:24።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ካብ መጽሓፍ እዮብ ዚጐልሕ ነጥብታት
7:9, 10፣ 10:21፣ 16:22—እዚ ሓሳባት እዚ እዮብ ኣብ ትንሳኤ ይኣምን ከም ዘይነበረ ዚሕብር ድዩ፧ ኣብዚ እዮብ ብዛዕባ እቲ ብኡንብኡ ዚጽበዮ ዝነበረ ነገራት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እንታይ ማለቱኸ እዩ ነይሩ፧ እንተደኣ ሞይቱ፡ እቶም ኣብ ግዜኡ ዝነበሩ ሰባት ኪርእይዎ ኸም ዘይክእሉ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ብኣረኣእያኦም፡ እቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ኽሳዕ ዚመጽእ እዮብ ናብ ቤቱ ኣይምለስን ወይ ደጊም ዜለልዮ የብሉን። ብዘይካ እዚውን እዮብ፡ ሓደ እኳ ብገዛእ ርእሱ ኻብ ሲኦል ኪምለስ ከም ዘይክእል ንምምልካት ኪኸውን ይኽእል እዩ። እዮብ ትንሳኤ ይጽበ ኸም ዝነበረ ግን ኣብ እዮብ 14:13-15 ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።
20-26 ሕዳር
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 18-19
“ንክርስትያናት ብጾትካ ኣይትጠንጥኖም”
ካብ ንብዓት የሱስ እንምሃሮ ትምህርቲ
9 ንሓዘንተኛታት ክትድግፎም ትኽእል ኢኻ። የሱስ ምስ ማርታን ምስ ማርያምን ኣብ ርእሲ ምንባዑ፡ ኪዛረባ ኸለዋ ሰሚዕወን፡ ብዘረባኡ እውን ኣጸናኒዕወን እዩ። ንሕና እውን ንሓዘንተኛታት ከምኡ ኽንገብረሎም ንኽእል ኢና። ኣብ ኣውስትራልያ ዚነብር ዳን ዚብሃል ሽማግለ ኸምዚ ይብል፦ “ሰበይተይ ምስ ሞተት፡ ደገፍ ኣድልዩኒ ነይሩ። ብዙሓት ሰብ ሓዳር መዓልቲ ዀነ ለይቲ ኺሰምዑኒ ድሉዋት እዮም ነይሮም። ሓዘነይ ክገልጽ ይፈቕዱለይ ነይሮም፣ ብንብዓተይ እውን ኣይሓፈሩን። ብዘይካዚ፡ ከም ማኪና ምሕጻብ፡ ኣስቤዛ ምዕዳግ፡ ምግቢ ምኽሻን ዝኣመሰለ ገሊኡ ዋኒነይ ክገብር ዘይክእል ኰይኑ ኣብ እተሰምዓኒ እዋን፡ ግብራዊ ሓገዝ ሂቦምኒ እዮም። ብዙሕ ሳዕ ምሳይ ጸልዮም እዮም። ናይ ሓቂ ፈተውትን ‘ንግዜ ጭንቂ እተወልዱ’ ኣሕዋትን ምዃኖም ኣርእዮም እዮም።”—ምሳ. 17:17።
ሰብካ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ
16 ነቶም እሙናት ኣባላት ስድራ ቤት ብቐጻሊ ደግፎም። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ፍቕርኻን መተባብዒኻን የድልዮም እዩ። (እብ. 10:24, 25) ሓድሓደ ግዜ፡ ኣባላት ስድራ ቤት ውጉድ፡ ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት ከም ዜርሕቕዎም ኰይኑ ይስምዖም እዩ። ፈጺምካ ኸምኡ ኣይትግበር! ምናዳ ወለዶም ካብ ሓቂ ዝወጽዎም መንእሰያት፡ ናእዳን መተባብዕን የድልዮም እዩ። ማሪያ ሰብኣያ ምስ ተወገደን ንስድራኡ ሓዲጉ ምስ ከደን ብዛዕባ እተገብረላ ነገር ከምዚ ትብል፦ “ገሊኦም ፈተውተይ ናብ ገዛይ መጺኦም ምግቢ ሰሪሖምልና፡ ኣብ መጽናዕቲ ስድራ ቤት እውን ሓጊዞምና። ስቓየይ ስለ እተረድኦም፡ ምሳይ በኽዮም። ናይ ሓሶት ወረ ኺናፈስ ከሎ ኸኣ ተጣቢቖምለይ። ብሓቂ ብዙሕ ኣተባቢዖምኒ እዮም።”—ሮሜ 12:13, 15።
w90 1/9 22 ¶20
ሽማግለ ንኽትከውንዶ ትምነ ኢኻ፧
20 ሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ ዜገልግል ዝነበረ ሓው ካብ ሓላፍነቱ ኪስረዝ ከሎ፡ ወይ ባዕሉ ፈትዩ ፍሉይ መሰሉ ኺሓድግ ከሎ፡ ብዙሕ ከም ዚጕሂ፡ ኣካል ሽማግለታት ኪፈልጡ ይግባእ። እንተ ዘይተወጊዱ እሞ ብዙሕ ከም እተደቝሰ እቶም ኣካል ሽማግለታት እንተ ደኣ ኣስተብሂሎም፡ ብፍቕሪ እተደረኸ መንፈሳዊ ሓገዝ ኪህብዎ ይግባእ። (1 ተሰሎንቄ 5:14) ኣብታ ጉባኤ ዜድሊ ኸም ዝዀነ እውን ኣረዲኦም ኬደዓዕስዎ ይግባእ። ሓደ ትሑትን መማሰውን ሓው፡ ዋላ እኳ ምኽሪ እንተ ተዋህቦ፡ ኣብታ ጉባኤ ኸም ብሓድሽ ተወሳኺ ፍሉይ መሰል ኣገልግሎት ንምርካብ ነዊሕ ግዜ ኸይወስደሉ ይኽእል እዩ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ብለውሃት ዚዝረብ ቃል ዘለዎ ሓይሊ
እንተዀነ ግና፡ እዮብ ምትብባዕ ምስ ኣድለዮ፡ ኤሊፋዝን ብጾቱን ብለውሃት ኣይተዛረብዎን። እቲ ዝወረዶ ጸበባ፡ ብሰንኪ ሕቡእ በደሉ ኸም ዝዀነ ብምእማት ወቐስዎ። (እዮብ 4:8) ብዛዕባ እዚ፡ ዘ ኢንተርፕረተርስ ባይብል ከምዚ ዚብል ሓሳብ ይህብ፦ ‘እዮብ ርሕራሐ ልቢ እዩ ደልዩ ነይሩ። እቲ ኻባታቶም ዝሰምዖ ግና ብተደጋጋሚ ዚዝረብ ዜሰልኪ ምውርዛይ እዩ ነይሩ።’ እዮብ ዘረባ ኤሊፋዝን ብጾቱን ብምስማዕ ኣመና ስለ እተበሳጨወ፡ “ክሳዕ መዓስ ኢኹም ንነፍሰይ ከተበሳጭውዋ፡ ብዘረባ እውን ክትሰባብሩኒ፧” ኢሉ ኣማሪሩ እዩ።—እዮብ 19:2።
እምበኣር፡ ንኣገልጋሊ ኣምላኽ ብዘይ ሓልዮት ወይ ብዘይ ለውሃት ብዚዝረብ ዘረባ ኻብ ምጭናቑ እተላዕለ ኸም ዚጠርዕ ወይ ከም ዜማርር ክንገብሮ የብልናን። (ምስ ዘዳግም 24:15 ኣረኣኢ።) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓደ ምስላ፡ “ሞትን ህይወትን ኣብ ስልጣን ልሳን እየን፣ እቶም ኪጥቀሙላ ዚፈትዉ፡ ፍሪኣ ይበልዑ” ይብል።—ምሳሌ 18:21።
27 ሕዳር–3 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 20-21
“ሃብቲ መለክዒ ጽድቂ ኣይከውንን”
“ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም” ዲኻ፧
12 ኣብቲ የሱስ ዝሃቦ ሓሳባት፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታም ምዃን፡ ንርእስኻ ስጋዊ ጥሪት ምስ ምእካብ እዩ ተነጻጺሩ ዘሎ። ስለዚ የሱስ፡ ኣብ ህይወትና ኼተሓሳስበና ዘለዎ ቐንዲ ነገር ስጋዊ ሃብቲ ምእካብ ወይ ከኣ በቲ ኣቐዲምና እንውንኖ ነገራት ጥራይ ዕግበት ምርካብ ኪኸውን የብሉን እዩ ዚብል ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሃብትና ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንምምሕያሽን ንምህናጽን ክንጥቀመሉ ኣሎና። ከምዚ ምግባር ብርግጽ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሃብታማት ኪገብረና እዩ። ስለምንታይ፧ ካብኡ ብዙሕ በረኸት ንኽንረክብ ኣጋጣሚ ስለ ዚኸፍት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “በረኸት እግዚኣብሄር የሀብትም፡ ሽጋርውን ገለ ኣይውስኸሉን” ይብል።—ምሳሌ 10:22
መንፈሳዊ ሃብቲ
ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ግብርታቱን ምዕዋት
19 ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝነበረ እዮብ ምስቲ ሰይጣን ብኤሊፋዝን ሶፋርን ገይሩ ዘመሓላልፎ ዝነበረ ‘ዝህውኽ ሓሳባት’ ክቃለስ ነበሮ። (እዮብ 4:13–18፣ 20:2, 3) በዚ ኸምዚ እዮብ፡ ብዛዕባ እቲ ንኣእምሮኡ ጐዲኡዎ ዝነበረ “ስምባድ” ‘ዘይግቱእ ዘረባ’ ብምዝራቡ ‘ይትክዝ’ ነበረ። (እዮብ 6:2–4፣ 30:15, 16) ኤሊሁ ብህድኣት ጽን ኢሉ ሰምዖ፡ ከምኡውን ነቲ የሆዋ ኣብ ነገራት ዘለዎ ምሉእ ጥበባዊ ኣረኣእያ ከስተብህለሉ ሓገዞ። ብተመሳሳሊ ሎሚ እውን መስተውዓልቲ ሽማግለታት ንኸምዚኦም ዝበሉ ዝሳቐዩ፡ ዝያዳ “ጸቐጥታት” ብዘይምውሳኽ ይሓልዩሎም ምዃኖም የርእዩ ኢዮም። ብሓቂ ከም ኤሊሁ፡ ብትዕግስቲ ጽን ኢሎም ይሰምዕዎም ከምኡውን በቲ ዘይቲ ናይ ቃል ኣምላኽ የህድእዎም። (እዮብ 33:1–3, 7፣ ያእቆብ 5:13–15) ስለዚ እምበኣር፡ ዝኾነ ሰብ ስምዒታቱ ብናይ ሓቂ ይኹን ወይ ሓሶት ስንባደታት ናይ ኣእምሮ እተረበሸ፡ ወይ ከምቲ እዮብ ዝነበሮ ‘ብሕልምታትን ራእያትን ዝፈርሕ’ እንተድኣ ኮይኑ ኣብ ውሽጢ እታ ጉባኤ ዘህድእ ጽሑፋዊ ምጽንናዕ ይረክብ ይኸውን።—እዮብ 7:14፣ ያእቆብ 4:7
4-10 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 22-24
“ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ፧”
ንግጉይ ኣተሓሳስባ ተጻረሮ!
ኣምላኽ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ እዩ ዚጽበ ምስ ዚብል ኣተሓሳስባ ዚሰማማዕ ካልእ ኣረኣእያ ድማ፡ ኣምላኽ ንሰባት ከም ዘይጠቕሙ ገይሩ እዩ ዚርእዮም ዚብል እዩ። ኤሊፋዝ ኣብ ሳልሳይ መደረኡ “ሰብዶ ንኣምላኽ ኪጠቕሞ ይኽእል እዩ፧ ኣይፋል፡ እቲ ጠቢብ ንርእሱ እዩ ዚጠቅም” በለ። (እዮብ 22:2) ኤሊፋዝ፡ ሰባት ንኣምላኽ ምንም ከም ዘይጠቕምዎ እዩ ዚገልጽ ነይሩ። ቢልዳድ ድማ “ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ፧ ወይ ውሉድ ሰበይቲ ኸመይ ኢሉ ንጹህ ኪኸውን ይኽእል፧” ብምባል ተመሳሳሊ ሓሳብ ገለጸ። (እዮብ 25:4) ከምቲ ንሳቶም ዝበልዎ እንተ ዀይኑ፡ እዮብ ተራን መዋትን ክነሱስ ከመይ ኢሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኪጸድቕ፧
ሎሚ ዘለዉ ገለ ሰባት፡ ብዛዕባ ርእሶም ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ እዩ ዘለዎም። ከም ኣተዓባብያ፡ ኣብ ህይወት ዜጋጥም ጸቕጥታት፡ ኣደዳ ዓሌታዊ ጽልኢ ምዃን ዝኣመሰለ ረቛሒታት፡ ከምዚ ንኺስምዖም ይገብር ይኸውን። ሰይጣንን ኣጋንንቱን እውን ሰባት ኪድቈሱ ኸለዉ ባህ እዩ ዚብሎም። ሓደ ሰብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ነገር፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምንም ከም ዘይጠቕሞ ዚስምዖ እንተ ዀይኑ፡ ብቐሊሉ እዩ ተስፋ ዚቘርጽ። ቀስ ብቐስ ድማ ካብቲ ህያው ኣምላኽ ይጠፍእ ወይ ይርሕቕ።—እብራውያን 2:1፣ 3:12
ዕድመ ምድፋእን ናይ ጥዕና ጸገማትን ንዓቕምና ይድርቶ እዩ። እቲ ሕጂ ኣብ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ እንገብሮ፡ ምስቲ ምስ ጥዕናናን ምስ ሓይልናን ዝነበርናሉ ኣብ እዋን ንእስነት እንገብሮ ዝነበርና ኺወዳደር ከሎ ኣዝዩ ውሑድ ይመስል ይኸውን። ኰይኑ ግን፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኵሉ እቲ እንገብሮ ነገራት ንኣምላኽ ዘየሐጕሶ ዀይኑ ንኺስምዓና ኸም ዚደልዩ ኣይንረስዕ። ንኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኽንቃለሶ ኣሎና።
ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ጸገማት እንረኽቦ ትምህርቲ
እቶም ሰለስተ ብጾቱ ኣምላኻዊ ጥበብ ኣብ ክንዲ ዚዝረቡ፡ ናይ ብሕቶም ሓሳባት ብምዝራብ፡ መሊሶም ንእዮብ ኣጕሃይዎ። ኤሊፋዝ እሞ ኸኣ፡ ‘ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ኣይኣምኖምን’ ክሳዕ ምባልን እዮብ ጻድቕ ይኹን ኣይኹን ንየሆዋ ኸም ዘይግድሶ ኽሳዕ ምዝራብን በጽሐ። (እዮብ 4:18፣ 22:2, 3) ካብዚ ንላዕሊ ተስፋ ዜቝርጽ ወይ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ዘረባ ኽንረክብ ኣይንኽእልን ኢና! ስለዚ፡ የሆዋ ጸኒሑ ንኤሊፋዝን ንብጾቱን፡ ስለቲ እተዛረብዎ ጸርፊ ገንሖም። “ብዛዕባይ ሓቂ ስለ ዘይተዛረብኩም” ኢሉ እውን ተቘጥዖም። (እዮብ 42:7) እቲ ዝገደደ ጐዳኢ ዘረባኦም ግና ድሕርዚ እዮም ተዛሪብዎም።
ንልቢ የሆዋ ዘሐጕሱ መንእሰያት
10 ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ዛንታ ዝሕብሮ ሰይጣን ንተኣማንነት እዮብ ጥራይ ዘይኰነስ ንተኣማንነት ናይ ኵሎም ንኣምላኽ ዘገልግሉ ሰባት እዩ ኣብ ሕቶ ኣእቲዎ። እዚ ንዓኻ እውን ዘጠቓልል እዩ። አረ ብዛዕባ ደቅሰብ ብሓፈሻ ንየሆዋ ኽዛረቦ ከሎስ፡ እዮብ ጥራይ ዘይኰነስ ኵሉ “ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ” ዝበለ። (እዮብ 2:4) ኣብዚ ኣገዳሲ ጕዳይ ዘሎካ ግደ ኣስተውዒልካዶ፧ ከምቲ ኣብ ምሳሌ 27:11 ተጠቒሱ ዘሎ፡ የሆዋ ሓደ ነገር ክትህቦ ኸም እትኽእል እዩ ዝገልጽ ዘሎ። እዚ ኸኣ ነቲ ዝጸርፎ ዘሎ ሰይጣን መልሲ ንኽህበሉ ኣበርክቶ ምግባር እዩ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ እቲ ናይ ኣድማስ ሉዓላዊ ኣብቲ ኻብ ኵሉ ጕዳያት ዝዓቢ ነገር መልሲ ንምሃብ ምስኡ ኽትሓብር እዩ ዝጽውዓካ ዘሎ። ኣየ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ሓላፍነት ኰን እዩ ተዋሂቡካ! ነቲ የሆዋ ኽትገብሮ ዝሓተካ ዘሎ ኽትፍጽሞዶ ትኽእል፧ እዮብ ፈጺምዎ እዩ። (እዮብ 2:9, 10) የሱስን ካልኦት ብዙሓት ሰባትን እንተላይ መንእሰያት እውን ነዚ ገይሮምዎ እዮም። (ፊልጲ 2:8፣ ራእይ 6:9) ንስኻውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን፡ ማእከላይ ኣቕዋም ክትሕዝ ከም ዘይትኽእል ኣይትስሓቶ። ብተግባራትካ ወይ ነቲ ናይ ሰይጣን ጸርፊ፡ ወይ ከኣ ነቲ የሆዋ ዝህቦ ምላሽ ከም እትድግፍ ኢኻ እተርኢ። ነየናይ ክትድግፍ ኢኻ እትመርጽ፧
የሆዋ ይሓልየልካ እዩ!
11 እትገብሮ ምርጫ ንየሆዋ ብሓቂ የገድሶ ድዩ፧ ድሮ ብዙሓት ሰባት እሙናት ብምዃኖም ንሰይጣን እኹል መልሲ ኽህቦዶ ኣይከኣለን እዩ፧ ሓቂ እዩ፡ ድያብሎስ ንየሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዘገልግሎ ኸም ዘየለ እዩ ኸሲሱ፡ እዚ ኽሲ እዚ ኸኣ ሓሶት ምዃኑ ተረጋጊጹ እዩ። ገና ግን የሆዋ ንዓኻ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ስለ ዝሓልየልካ ኣብቲ ናይ ሉዓላውነት ጕዳይ ኣብ ጐድኑ ኽትቀውም እዩ ዝደልየካ። የሱስ “ካብዞም ናእሽቱ ሓደ ኺጠፍእ፡ ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ኣይኰነን” በለ።—ማቴዎስ 18:14
12 እምበኣር፡ የሆዋ እቲ ንስኻ እትመርጾ መገዲ ኸም ዘገድሶ ንጹር እዩ። አረ የገድሶ ጥራይ ዘይኰነስ በቲ እትገብሮ ምርጫ እውን ይትንከፍ እዩ። የሆዋ በቲ ደቅሰብ ዝገብርዎ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ነገራት ስምዒቱ ኸም ዝትንከፍ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ይገልጸልና። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ብተደጋጋሚ ምስ ዓለዉ፡ የሆዋ ‘ጕህዩ’ እዩ። (መዝሙር 78:40, 41) ቅድሚ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ እውን ‘ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ምስ በዝሐ፡ ብልቡ ጐሃየ።’ (ዘፍጥረት 6:5, 6) እዚ እንታይ ማለት ምዃኑ እሞ ሕሰብ። ጌጋ መገዲ እንተ ስዒብካ፡ ንፈጣሪኻ ኸተጕህዮ ትኽእል ኢኻ። ከምዚ ኽበሃል ከሎ ኣምላኽ ድኹም ወይ ብስምዒት ዝምራሕ እዩ ማለት ኣይኰነን። የግዳስ የፍቅረካን ይሓልየልካን እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ቅኑዕ ዘበለ ኽትገብር ከለኻ፡ ንልቡ ተሐጕሶ። ንሰይጣን ተወሳኺ ምላሽ ዝህበሉ ነገር ስለ ዝረኸበ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዓስብኻ ኽህበካ ስለ ዝዀነ እዩ ዝሕጐስ። እወ፡ ወሃብ ዓስቢ ክኸውን እዩ ዝደሊ። (እብራውያን 11:6) ንየሆዋ ኣምላኽ ምስ እትቐርቦሲ ኣየ ኸመይ ዝበለ ፈቃር ኣቦ ዀን እዩ ዝህልወካ!
መንፈሳዊ ሃብቲ
መንፈሳዊ ሸቶታት ብምውጻእ ንፈጣሪኻ ኣኽብሮ
የሆዋ ብኸመይ ከም ዝፈጠረ እስከ ንርአ። ነተን ተኸታቲለን ዝመጻ ናይ ፍጥረት እዋናት “ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ” ብዚብላ ቓላት ከፋፊልወን ነበረ። (ዘፍጥረት 1:5, 8, 13, 19, 23, 31) ኣብ መጀመርታ ነፍሲ ወከፍ እዋን ፍጥረት፡ ነታ መዓልቲ እቲኣ ዘለዎ ሸቶ ወይ ዕላማ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነበረ። ንምፍጣር ዝነበሮ ዕላማ ኸኣ ፈጸሞ። (ራእይ 4:11) እዮብ “[የሆዋ] ነፍሱ እትደልዮ እዩ ዚገብር” ብምባል ተዛረበ። (እዮብ 23:13) የሆዋ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ‘ብዙሕ ጽቡቕ ከም ዝዀነ’ ኺርእዮን “ብዙሕ ጽቡቕ” ኪብሎን ከሎ ኽሳዕ ክንደይ ዓብዪ ዕግበት ኰን እዩ ኣምጺኡሉ!—ዘፍጥረት 1:31
ሸቶታትና ምእንቲ ኽንወቅዕ፡ ንምብጻሑ ሓያል ድሌት ኪሓድረና ኣለዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓያል ድሌት ምእንቲ ኸነማዕብል እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ የሆዋ ምድሪ በረኻን ጥራያን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ጸኒሓ እንታይ ከም እትኸውን ኣቐዲሙ ይርእዮ ነበረ። ኣብ ብምሉኡ ጠፈር ክብርን ውዳሰን እተምጽኣሉ ምልክዕቲ ዕንቊ ኸም እትኸውን ይፈልጥ ነበረ። ብተመሳሳሊ፡ ነቲ ዘውጻእናዮ ሸቶ ንምፍጻም ዘሎና ድሌት፡ ነቲ ሸቶ ምስ በጻሕናዮ ብዛዕባ ዚርከብ ውጽኢታትን ረብሓታትን ብምስትንታን ከነማዕብሎ ንኽእል ኢና። ቶኒ ዚበሃል ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ከምኡ እዩ ገይሩ። ነቲ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ሓደ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ዚርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገበሮ ምብጻሕ ኣይርስዖን እዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ‘ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ቦታ ምንባርን ምግልጋልን ከመይ ይመስል፧’ ዚብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮኡ ይመላለስ ነበረ። ብዛዕባ እዚ ኻብ ምሕሳብ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን፡ ሸቶኡ ንምውቃዕ ከኣ ቀጻሊ ጻዕሪ ገበረ። ድሕሪ እተወሰነ ዓመታት ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኬገልግል ኣመልኪቱ ተቐባልነት ምስ ረኸበ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ተሓጒሱ!
11-17 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 25-27
“ንጽህና ምሕላው ፍጽምና ዚሓትት ኣይኰነን”
it-1 1210 ¶4
ንጽህና
እዮብ። እዮብ ኣብ መንጎ እቲ ድሕሪ ሞት ዮሴፍን ግዜ ሙሴን ዝነበረ እዋን እዩ ዚነብር ነይሩ። ስለምንታይሲ፡ “ንጹህን [ብእብራይስጢ፡ ታም] ቅኑዕን ሰብኣይ ነበረ፣ ንኣምላኽ ይፈርህን ካብ ክፉእ ይርሕቕን ነበረ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ። (እዮ 1:1) ንጽህና ሰብ ክፍሊ እቲ ኣብ መንጎ የሆዋ ኣምላኽን ሰይጣንን እተላዕለ ጕዳይ ምዃኑ፡ ካብቲ ኣምላኽ ነቲ ተጻራሪኡ ዝዀነ ሰይጣን፡ ኣብ መንጎ እቶም መላእኽቲ ምስ ቈመ ዝሓተተሉ መገዲ ንጹር ይኸውን እዩ። ሰይጣን፡ እዮብ ብንጹህ ተወፋይነት ተለዓዒሉ ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ጥቕሙ ኢሉ ንኣምላኽ ከም ዜምልኾ ብምኽሳስ ንኣምልኾ እዮብ ጠቀኖ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ እዮብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮ ንጽህና ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ሰይጣን ንእዮብ፡ ኵሉ ጥሪቱን ደቁን ኪምንዝዕ እኳ እንተ ተፈቕደሉ፡ ንንጽህና እዮብ ግና ኬበላሽዎ ኣይከኣለን። (እዮ 1:6–2:3) ቀጺሉ፡ ‘እዮብ ብዛዕባ ርእሱ ጥራይ ስለ ዚሓስብ፡ ገዛእ ርእሱ ንምድሓን፡ ጥሪቱ ዀነ ደቁ እኳ እንተ ኸፈለ ኣይግድሶን እዩ’ ዚብል ኽሲ ኣምጽአ። (እዮ 2:4, 5) ድሕርዚ፡ እዮብ ብዜሳቒ ሕማም እኳ እንተ ተወቕዐ፡ ሰበይቱ ተስፋ ዜቝርጽ ዘረባ እኳ እንተ ተዛረበቶ፡ ብጾቱ እውን ንመለክዒታትን ንዕላማን ኣምላኽ ዘይውክል ዜስተናዕቕ ነቐፌታ እኳ እንተ ነቐፍዎ (እዮ 2:6-13፣ 22:1, 5-11)፡ ንሱ ግና ብንጽህና ኻብ ምምልላስ ኣየቋረጸን። ስለዚ፡ “ክሳዕ ሞተይ ንጽህናይ ኣይሓድግን እየ! ንጽድቀይ ኣጽኒዐ ኽሕዝ፡ ከቶ እውን ኣይክሓድጎን እየ፣ ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ፡ ልበይ ኣይኪዅንነንን እዩ” በለ። (እዮ 27:5, 6) ንጽህናኡ ብምሕላዉ፡ እቲ ተጻራሪ ኣምላኽ ሓሳዊ ምዃኑ ኣርኣየ።
ንጽህናኻ ሓሉ!
3 ምስ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብዚተሓሓዝ ንጽህና ምሕላው ኪብሃል ከሎ፡ ኣብ ኵሉ ውሳነታትና ንየሆዋ ቐዳምነት ምእንቲ ኽንህቦ ኢልና፡ ንዕኡ ብምሉእ ልቢ ምፍቃርን ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ምዃንን የመልክት። ነዛ ቓል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተዓይየላ እስከ ንርአ። እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጽህና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓል፡ ሓደ ኻብቲ ሒዛቶ ዘላ መሰረታዊ ትርጉም፡ ምሉእ ወይ ጥዑይ ዚብል እዩ። ንኣብነት፡ እስራኤላውያን ንየሆዋ መስዋእቲ እንስሳታት ይስውኡሉ ነይሮም እዮም፣ ኣብ ሕጊ ሙሴ ድማ፡ እቲ ዚስዋእ እንስሳ ጥዑይ ኪኸውን ከም ዘለዎ ተገሊጹ ነይሩ እዩ። (ዘሌ. 22:21, 22) ሓንካስ፡ እዝኑ እተቘርጸ፡ ዕዉር፡ ወይ ሕሙም እንስሳ ኬቕርቡ ኣይፍቀደሎምን እዩ ነይሩ። ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ እንስሳ እዩ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ነይሩ። (ሚል. 1:6-9) የሆዋ ጥዑይ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ እንስሳ ኬቕርቡ ስለምንታይ ትጽቢት ይገብረሎም ከም ዝነበረ ኺርድኣና ይኽእል እዩ። ዝዀነ ይኹን ነገር ክንዕድግ ከለና፡ ንበል ፍረታት፡ መጽሓፍ፡ ወይ መሳርሒ ኽንዕድግ ከለና፡ እተጨራረመ ወይ ጐደሎ ኣይንደልን ኢና። ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ ኢና እንደሊ። የሆዋ ኸኣ ኣብቲ ንዕኡ እነርእዮ ፍቕርን ተኣማንነትን ከምኡ እዩ ዚስምዖ። እቲ እነቕርበሉ ነገር፡ ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ ኪኸውን እዩ ዚደሊ።
4 ንጽህናና ሓሊና ንምንባር፡ ፍጹማት ክንከውን ከም ዘሎና ኽንድምድም ኣሎና ድዩ፧ ልክዕ እዩ፡ ምሉእ ብምሉእ ጥዑያት ከም ዘይኰነና ወይ ብዙሕ ጕድለት ከም ዘሎና ይስምዓና ይኸውን። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ንስክፍታና ዚቕንጥጥ ክልተ ምኽንያት እስከ ንርአ። ቀዳማይ፡ የሆዋ ኣብ ጕድለትና ኣየተኵርን እዩ። ስለዚ ድማ፡ ቃሉ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኦ ያህ፡ ስሕተት ትቋመት ኔርካ እንተ ትኸውን፡ ኦ የሆዋ፡ መን ደው ኪብል ምኸኣለ፧” ይብል እዩ። (መዝ. 130:3) ንሱ ዘይፍጹማትን ሓጥኣንን ምዃንና ይፈልጥ እዩ፣ ብዙሕ ሳዕ እውን ይቕረ ይብለልና እዩ። (መዝ. 86:5) ካልኣይ፡ የሆዋ ዓቕምና ይፈልጥ እዩ፣ ልዕሊ ዓቕምና ኽንገብር እውን ኣይጽበየናን እዩ። (መዝሙር 103:12-14 ኣንብብ።) እሞ ደኣ ኸመይ ኢልና ኢና ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ምሉኣት፡ ጥዑያት፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሎም ክንከውን እንኽእል፧
5 ንኣገልገልቲ የሆዋ ንጽህናኦም ኪሕልዉ እተኽእሎም ወሳኒት ባህርይ ፍቕሪ እያ። እቲ ንኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ወይ እቲ ንሰማያዊ ኣቦና ዘሎና ተወፋይነት፡ ምሉእ፡ ጥዑይ፡ ወይ ጐደሎ ዘይብሉ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ፈተና እውን እንተ ዀነ ፍቕርና እንተ ጸኒዓ፡ ብንጽህና ንመላለስ ኣለና ኺብሃል ይከኣል እዩ። (1 ዜና 28:9፣ ማቴ. 22:37) ነቶም ኣብ መእተዊ እተጠቕሱ ሰለስተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እሞ ንዘክሮም። ስለምንታይ እዮም ንጽህናኦም ሓልዮም፧ እታ ንእሽቶ ጓል ምስ መማህርታ ኽትሕጐስ ስለ ዘይትደሊ፡ ወይ እቲ መንእሰይ ኣደዳ ላግጺ መማህርቱ ኪኸውን ቃሕ ስለ ዝበሎ፡ ወይ እቲ ኣቦ ስድራ ስራሑ ኺስእን ስለ ዝደለየ ድዩ፧ ኣይፋልን። የግዳስ፡ ስርዓታት የሆዋ ቕኑዕ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም፣ ንሰማያዊ ኣቦኦም ከኣ ባህ ኬብልዎ ይደልዩ እዮም። ንዕኡ ዘላቶም ፍቕሪ፡ ኣብ ውሳነታቶም ንዕኡ ቐዳምነት ኪህብዎ ትድርኾም እያ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ብንጽህና ይመላለሱ እዮም።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ብመሰረት ቃል ኣምላኽ እተወደበ ህዝቢ
3 ፍጥረት፡ ኣምላኽ መወዳድርቲ ዘይብሉ ወዳቢ ምዃኑ የረጋግጽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ንምድሪ ብጥበብ ሰረታ። ንሰማያት ከኣ ብምስትውዓል ኣቘሞ” ይብለና። (ምሳ. 3:19) “ጫፍ መገድታት” ኣምላኽ ጥራይ ኢና እንፈልጥ፣ “ብዛዕባኡስ ድኹም ሕሹዅሹዅታ ጥራይ እዩ ተሰሚዑ!” (እዮ. 26:14) ኰይኑ ግና፡ እቲ ብዛዕባ ፕላነታትን ከዋኽብትን ጋላክሲታትን ዘሎና ሒደት ፍልጠት፡ ሰማያዊ ኣካላት ኣዝዩ ብዜደንቕ መገዲ ኸም እተወደበ ኽንእመን ይድርኸና እዩ። (መዝ. 8:3, 4) ጋላክሲታት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኸዋኽብቲ ዝሓዘ እዩ፣ ኵሎም ድማ ኣብ ህዋ ብስርዓት እዮም ዚንቀሳቐሱ። ኣብ ስርዓተ ጸሓይና ዘለዉ ፕላነታት፡ ሕጊ ትራፊክ ብትሕትና ኸም ዚሕልዋ ተሽከርከርቲ ዀይኖም ንጸሓይ ብስርዓት ይዞርዋ እዮም። እዚ ኣብ ዩኒቨርስ ዚርአ ዜስደምም ስርዓት፡ ነቲ ‘ንሰማያትን ንምድርን ብኽእለት ዝገበረ’ የሆዋ ኽንውድሶን እሙናት ክንከውንን ከነምልኾን ከም ዚግብኣና ኽንርዳእ ይሕግዘና እዩ።—መዝ. 136:1, 5-9።
18-24 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 28-29
“ከም ናይ እዮብ ዝበለ ጽቡቕ ስም ኣሎካዶ፧”
ነቶም ጽጉማት ፍቕራዊ ሕያውነት ኣርእዮም
19 እቲ ኣቐዲምና እተመያየጥናሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት፡ ፍቕራዊ ሕያውነት ክግለጽ ዘለዎ ነቶም ሓደ ነገር ኣድልይዎም ባዕላቶም ግን ከማልእዎ ዘይክእሉ ሰባት ምዃኑ እውን ዘጕልሕ ኢዩ። ኣብርሃም ወለዶኡ ንኽቕጽል ናይ ቤቱኤል ምትሕብባር ኣድልይዎ ኢዩ። ያእቆብ ሬስኡ ናብ ከንኣን ንኽውሰድ ሓገዝ ዮሴፍ ኣድልይዎ ኢዩ። ናእሚ ኸኣ ወራሲ ንኽትረክብ ሓገዝ ሩት ኣድልይዋ ኢዩ። ኣብርሃም፡ ያእቆብ፡ ናእሚ ነቲ ዘድልዮም ዝነበረ ነገራት ብዘይ ናይ ካልኦት ደገፍ ከማልእዎ ኣይክእሉን ኢዮም ነይሮም። ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ ብፍላይ ነቶም ጽጉማት ሰባት ፍቕራዊ ሕያውነት ክግበረሎም የድሊ። (ምሳሌ 19:17) ነቲ ርእሲ ኣቦታት ዝነበረ እዮብ ክንመስሎ ኣሎና። እዮብ “ነቲ ዚጠርዕ ጥቑዕ፡ ነቲ ረዳኢ ዜብሉ ዘኽታም” ከምኡውን ነቲ ‘ውጹዕ’ ቈላሕታ ገይሩሎም ኢዩ። እዮብ ‘ንልቢ መበለታት እልል ኣቢልዎ:’ ከምኡውን ‘ዓይኒ ንዝዖረ፡ እግሪውን ንዝሐንከሰ’ ዀይንዎ ኢዩ።—እዮብ 29:12-15
it-1 655 ¶10
ክዳን
ኣብ ብዙሕ ካልኦት ቦታታት እውን ክዳን ምሳልያዊ ትርጉም ከም ዘለዎ ተጠቒሱ ኣሎ። ከምቲ ሓደ ሰብ በቲ ዚኽደኖ ዩኒፎርም ወይ ፍሉይ ክዳን ኣባል ሓደ ውድብ ምዃኑ ወይ ንሓደ ምንቅስቓስ ዚድግፍ ምዃኑ ዚፍለጥ፡ ሓደ ሰብ ዚኽደኖ ኽዳን እውን እንታይ ዓይነት መትከል ከም ዘለዎን ምስኡ ዚሳነ ንጥፈታቱን የመልክት እዩ፣ እቲ የሱስ ዝመሰሎ ምስ ክዳን መርዓ እተተሓሓዘ ምሳሌ፡ ሓደ ኣብነት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ማቴ 22:11, 12፣ ኣብ “መጠምጠምያ፣ ሳእኒ” ርአ።) ኣብ ራእይ 16:14, 15፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ መዳይ ከይድቅስ፡ ከም እሙን ምስክር እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መጠን ዘለዎ መንነት እውን ከይቅንጠጥ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ቀቅድሚ “ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ” ከምዚ ምስ ዜጋጥም፡ ጕድኣቱ ቐሊል ኣይኰነን።
ስም እንታይ ሒዙ ኣሎ፧
ክንውለድ ከለና ዚወሃበና ስም ክንሓሪ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ብግብርና እነጥርዮ ስም ግን፡ ንሕና ባዕልና ጥራይ ኢና እንውስኖ። (ምሳሌ 20:11) ‘የሱስ ወይ ሃዋርያቱ ኣጋጣሚ እንተ ዚኽፈተሎም ነይሩ፡ እንታይ ዚብል ስም ምሓረዩለይ፧ ንቐንዲ ባህርየይ ዚውክል እንታይ ስም ምወጸለይ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።
እዛ ሕቶ እዚኣ ኣርዚንና ኽንሓስበላ ኣሎና። ስለምንታይ፧ እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን፡ “ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 22:1) ኣብ ማሕበረሰብና ጽቡቕ ስም እንተ ኣልዩና፡ ክቡር ሃብቲ ኢና እነጥሪ። ልዕሊ ዅሉ ግን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ስም እንተ ኣልዩና፡ ነባሪ መዝገብ ኢና እነጥሪ። ከመይ ኢሉ ኸምኡ ይኸውን፧ ኣምላኽ ነቶም ዚፈርህዎ ኣብ “መጽሓፍ መዘከርታ” ኸም ዚጽሕፎምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚህቦምን ተመባጺዑ ኣሎ።—ሚልክያስ 3:16፣ ራእይ 3:5፣ 20:12-15።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ፍሽኽታ ጽቡቕ ኢዩ!
ፍሽኽታ ብሓቂ ኣገዳሲዶ ኢዩ፧ ሓደ ሰብ ፍሽኽ ስለ ዝበለ እፎይታ እተሰምዓካ ወይ ፍዅስ ዝበለካ እዋን ይዝከረካዶ፧ ወይ ድማ ፍሽኽ ብዘይምባሉ እተጨነቕካሉ ወይ ከም ዘይትድለ ኰይኑ እተሰመዓካ እዋን ኣሎዶ፧ እወ፡ ፍሽኽታ ኣገዳሲ ኢዩ። ነቲ ፍሽኽ ዝብልን ነቲ ፍሽኽታ ዝርእን ይትንክፎም ኢዩ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዘሎ እዮብ ብዛዕባ ጸላእቱ ክዛረብ ከሎ ከምዚ በለ፦ “ክምስ ምስ በልክዎም፡ ኣይአመኑንን፡ ንፍሽሕውነት ገጸይ ኬጸውግዎ ኣይከአሉን።” (እዮብ 29:24) ኣብ ገጽ እዮብ ዝርአ ዝነበረ ‘ፍሽሕውነት’ ንባህታኡ ወይ ሓጐሱ ዘመልክት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
25-31 ታሕሳስ
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 30-31
“እዮብ ስነ ምግባራዊ ንጽህናኡ ዝሓለወ ብኸመይ እዩ፧”
ንኣዒንትኻ ኻብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን!
8 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍትወት ኣዒንትን ብፍትወት ስጋን ፈጺሞም ዘይጽለዉ ኣይኰኑን። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ቃል ኣምላኽ ምስቲ እንርእዮን እንብህጎን ነገራት ብእተተሓሓዘ፡ ርእስና ኽንግስጽ የተባብዓና እዩ። (1 ቈረ. 9:25, 27፣ 1 ዮሃንስ 2:15-17 ኣንብብ።) እቲ ቕኑዕ ዝነበረ እዮብ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ምርኣይን ምምናይን ዘሎ ሓያል ምትእስሳር ኣስተውዒሉሉ ነበረ። ስለዚ ድማ፡ “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ናብ ቈንጆ ግልጽ ክብል፧” በለ። (እዮ. 31:1) ንሰበይቲ ብርኹስ ኣገባብ ከይትንክፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣእምሮኡ ኸምዚ ዓይነት ሓሳብ ከየእቱ እውን እዩ ቘሪጹ። የሱስ እውን፡ ኣእምሮ ኻብ ርኹስ ሓሳባት ንጹህ ኪኸውን ከም ዘለዎ ኼጕልሕ ከሎ፡ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” በለ።—ማቴ. 5:28።
‘ንዳሕራይካ’ ሕሰብ
ኣብዚ መገዲ እዚ ሓደ ስጕሚ ቕድሚ ምስጓምካ፡ ‘ናበይ እዩ ኺመርሓኒ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። እቲ መገዲ ኣብ ‘ዳሕራዩ’ ሕማቕ ሳዕቤን ኪህልዎ ዚኽእል እንተ ዀይኑ ሓንሳእ ደው ኢልካ ምሕሳብካ ጥራይ ናብ ሕማቕ ሳዕቤን ዚመርሕ ስጕምቲ ንኸይትወስድ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። እቶም ንመጠንቀቕታታት ኣምላኽ ዕሽሽ ዝበሉ ሰባት፡ ኣብ ህይወቶም ከም አይድስን ብጾታዊ ርክብ ዚመሓላለፍ ሕማማትን፡ ዘይተደለየ ጥንሲ፡ ምንጻል ጥንሲ፡ ምስ ሰባት ዘለዎም ርክብ ምብልሻው፡ ከምኡውን ሕማቕ ሕልና ዝኣመሰለ ሕማቕ ነገራት የጋጥሞም እዩ። መወዳእታ መገዲ እቶም ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ዚገብሩ ሰባት ሃዋርያ ጳውሎስ ብንጹር ገሊጽዎ ኣሎ። ንሳቶም “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ተዛረበ።—1 ቈረንቶስ 6:9, 10
ኣቱም መንእሰያት፡ ብቓል ኣምላኽ ተመርሑ
15 ንኣምላኽ ዘሎካ ተኣማንነት ኣዝዩ ዚፍተን መዓስ ይመስለካ፧ ምስ ካልኦት ኣብ እትዀነሉ እዋንዶ ወይስ ኣብ በይንኻ፧ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ስራሕ ከለኻ፡ መንፈሳዊ መከላኸሊኻ ድልዱል ይኸውን። መንፈሳዊ ሓደጋ ኼምጽእ ካብ ዚኽእል ነገራት ድማ ትጥንቀቕ። በይንኻ ኽትዛነ ኸለኻ ግን፡ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታትካ ኽትጥሕስ ትፍተን ኢኻ።
16 በይንኻ ኣብ እትዀነሉ እዋን እውን እንተ ዀነ፡ ንየሆዋ ኽትእዘዞ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧ ንስምዒት የሆዋ ኽትጐድኦ ወይ ከኣ ንልቡ ኸተሐጕሶ ኸም እትኽእል ኣይትረስዕ። (ዘፍ. 6:5, 6፣ ምሳ. 27:11) የሆዋ ‘ይሓልየልካ’ ስለ ዝዀነ፡ ተግባርካ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። (1 ጴጥ. 5:7) ንርእስኻ ምእንቲ ኽትጠቅም፡ ክትሰምዖ ይደሊ እዩ። (ኢሳ. 48:17, 18) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበሩ ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ንኣምላኽ ኣጕሃይዎ። (መዝ. 78:40, 41) ብኣንጻሩ ግን፡ የሆዋ ብነብዪ ዳንኤል ተሓጐሰ፣ ከመይሲ፡ ሓደ መልኣኽ ንዳንኤል “ኣዚኻ እተፈቶኻ ሰብ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ዳን. 10:11) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ዳንኤል ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ህዝቢ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ በይኑ እውን ንኣምላኽ እሙን እዩ ነይሩ።—ዳንኤል 6:10 ኣንብብ።
መንፈሳዊ ሃብቲ
ብፍቕሪ ናይ ምስማዕ ጥበብ
ፈተውቲ እዮብ ካብቲ ንሱ ዝሃቦ መደረታት፡ ብዉሑዱ ዓሰርተ ዚኸውን መደረ ሰሚዖም እዮም። ይኹን እምበር፡ እዮብ “ኣየ ዚሰምዓኒ እንተ ዝረክብ” በለ። (እዮብ 31:35) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሰሚዖም ምንም ኣየጸናንዕዎን። ብዛዕባ እዮብ ኣይግደሱን ከምኡውን ስምዒታቱ ኺርድኡሉ ኣይደልዩን ነበሩ። ሓልዮት ወይ ድንጋጽ ኣይነበሮምን። ሃዋርያ ጴጥሮስ ግን “ኵላትኩም ሓደ ዝሐሳቦም፡ እትዳናገጹ፡ ሕውነት እተፍቅሩ፡ ለዋሃት፡ ትሑታት ኩኑ” ብምባል ምዒዱ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:8) ብኸመይ ኢና ሓልዮት ከነርኢ እንኽእል፧ ሓደ መዳይ፡ ንስምዒታት እቲ ዚዛረበና ሰብ ተገዳስነት ብምርኣይን ስምዒታቱ ኽንርዳኣሉ ብምጽዓርን እዩ። ከም “ናይ ብሓቂ ሓሪቕካ ትኸውን” ወይ “ዝርድኣካ ዘየልቦ ዀይኑ ተሰሚዑካ ይኸውን” ዝኣመሰለ ድንጋጽ ዜንጸባርቕ ርእይቶ ብምሃብ ተገዳስነትና ኸነርእዮ ንኽእል ኢና። ካልእ መዳይ ከኣ ነቲ ዝነገረና ነገር ብናይ ገዛእ ርእስና ኣበሃህላ ብምድጋም፡ ነቲ ዚብሎ ዘሎ ኸም እተረዳእናዮ ምርኣይ እዩ። ብፍቕሪ ምስማዕ፡ ነቲ ቓላት ጽን ኢልካ ምስማዕ ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ስምዒታቱ እውን ምርዳእ የጠቓልል።