ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • lffi ትምህርቲ 3
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧
  • ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣዕሚቝካ ዅዓት
  • ጽማቝ
  • ዳህስስ
  • ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ—ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ ቅዱስ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዘካ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
lffi ትምህርቲ 3
ትምህርቲ 3. ኣብ ሰደቓ እተነብረ ናይ ጥንቲ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ።

ትምህርቲ 03

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧

ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ተስፋታትን ምኽርን ይህብ እዩ። መሸም እንታይ ከም ዚምህር ክትፈልጥ ትደሊ ኢኻ፣ ግናኸ፡ ዜጠራጥረካ ነገራት ይህሉ ይኸውን። እሞ ደኣ ነቲ ኣብዚ ጥንቲ እተጻሕፈ መጽሓፍ ዘሎ ተስፋታትን ምኽርን ክትኣምኖ ትኽእል ዲኻ፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ሕጂ ህይወትናን ብዛዕባ ናይ መጻኢ ህይወትናን ዚብሎኸ ብሓቂዶ ኽትኣምኖ ትኽእል ኢኻ፧ ሚልዮናት ይኣምንዎ እዮም። ንስኻ እውን ክትኣምኖ ትኽእል እንተ ዄንካ እስከ ንርአ።

1. መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ኣብኡ ሰፊሩ ዘሎ ሓበሬታ፡ “ልክዕ ቃላት ሓቂ” ኸም ዝዀነ ይገልጽ እዩ። (መክብብ 12:10) ናይ ሓቂ ሰባት እተሳተፍዎ ናይ ሓቂ ታሪኽ የዘንቱ እዩ። (ሉቃስ 1:3፣ 3:1, 2 ኣንብብ።) ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽን ተመራመርቲ ስነ ጥንትን ንልክዕነት እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ዕለታትን ሰባትን ቦታታትን ፍጻመታትን ኣረጋጊጾም እዮም።

2. መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዝሓለፎ ኣይኰነን እንብል ስለምንታይ ኢና፧

ኣብ ብዙሕ መዳያት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ግዜኡ ዜፍልጥ ኰይኑ እዩ ተረኺቡ። ንኣብነት፡ ስነ ፍልጠታዊ ነገራት ይተናኺ እዩ። መብዛሕትኡ እቲ ኣብቲ ጕዳይ እቲ ዚብሎ፡ ኣብቲ እተጻሕፈሉ ግዜ ኣከራኻሪ እዩ ነይሩ። ዘመናዊ ስነ ፍልጠት ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ። እወ፡ “ሕጅን ንዘለኣለምን ዜተኣማምን እዩ።”—መዝሙር 111:8።

3. ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚብሎ ኽንኣምኖ እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

መጽሓፍ ቅዱስ “ገና ዘይተገብረ” እተነግረሉ ትንቢታትa ሒዙ ኣሎ። (ኢሳይያስ 46:10) ኣብ ታሪኽ ንእተኸስተ ሓያሎ ነገራት፡ ገና ኸይኰነ ኸሎ ብልክዕ ተነብይዎ ነይሩ እዩ። ነዚ ሎሚ ዘሎ ዅነታት ዓለም እውን ብልክዕ ገሊጽዎ እዩ። ኣብዚ ትምህርቲ እዚ፡ ገለ ኻብ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምር ኢና። ልክዕነቱ ድማ ዜስደምም እዩ!

ኣዕሚቝካ ዅዓት

ዘመናዊ ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚሰማማዕ መርምር፣ ገለ ኻብቲ መሳጢ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ኣጽንዕ።

4. ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ

ጥንቲ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ምድሪ ኣብ ገለ ነገር ከም እተቐመጠት ይኣምኑ ነይሮም። ቪድዮ ኣጻውት።

ቪድዮ፦ ምድሪ ኣብ ገለ ዘይብሉ ተንጠልጢላ (1:13)

ኣስታት 3,500 ዓመት ይገብር ኣብ መጽሓፍ እዮብ እንታይ ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ ኣስተብህል። እዮብ 26:7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እቲ ምድሪ “ኣብ ገለ ዘይብሉ” ኸም እተንጠልጠለት ዚገልጽ ሓሳብ ዜገርም ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

ሰባት ንናይ ምድሪ ዑደት ማይ ክሳዕ 1800ታት ኣጸቢቖም ኣይተረድእዎን ነይሮም። መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ግና እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል። እዮብ 36:27, 28 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • እዚ ብዛዕባ ዑደት ማይ ሰፊሩ ዘሎ ቐሊል መግለጺ ኣገራሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • እዚ ዘንበብካዮ ጥቕስታት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ እምነት ኣደልዲሉልካዶ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንዑደት ማይ ይገልጾ። ከመ ሰዓት ዚዘውር ዑደት ነቲ ማይ ኣብ መንጎ ምድርን ሃዋህውን ዚገብሮ ምንቅስቓስ የርኢ።

5. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣገዳሲ ፍጻመታት ይንበ

ኢሳይያስ 44:27–45:2 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ውድቀት ባቢሎን 200 ዓመት ኣቐዲሙ፡ እንታይ ነገራት እዩ ብዝርዝር ተነብዩ፧

ቪድዮ ኣጻውት።

ቪድዮ፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውድቀት ባቢሎን ተነብዩ (0:58)

ብ539 ቅ.ክ.፡b ቂሮስ ንጉስ ፋርስን ሰራዊቱን ንኸተማ ባቢሎን ከም ዝሰዓርዋ ታሪኽ የረጋግጽ እዩ። ኣብ ፈለማ ነቲ ንኸተማ ባቢሎን ከም መከላኸሊ ዀይንዋ ዝነበረ ፈለግ ኣንፈቱ ቐየርዎ። ድሕሪኡ፡ በቲ ኽፉት ዝጸንሖም ኣፍ ደገታት ምስ ኣተዉ፡ ብዘይ ውግእ ነታ ኸተማ ተቘጻጸርዋ። ሎሚ፡ ድሕሪ 2,500 ዓመት፡ ባቢሎን ዑና ዀይና ኣላ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም እተነበየ ኣስተብህል።

ኢሳይያስ 13:19, 20 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • እቲ ኣብ ልዕሊ ባቢሎን ዝወረደ ነገር ንፍጻመ እዚ ትንቢት እዚ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ ዘመናዊት ዒራቕ ዚርከብ ዑናታት ባቢሎን

ስእልታት፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ‘ዳሕሮት መዓልትታት’ እተነበዮ ዅነታት። 1. ዚባራዕ ዘሎ ህንጻታት። 2. ወተሃደር ይትኵስ። 3. ሲቪል ሰባት ምስ ፖሊስ ይብኣሱ። 4. ክልተ ሰባት ንሓደ ብዓል ድኳን ይዝርፍዎ። 5. ሓንቲ ታንኪ ናብ ሓንቲ ኸተማ ትኣቱ። 6. መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝገበሩ ዝጠመዩ ሰባት ምግቢ ንምርካብ ይስርዑ። 7. ንነዊሕ ርሕቀት እተሰንጠቐ ንቑጽ መሬት። 8. ድሕሪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝዓነወት ቤት።

6. መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ ንእንርእዮ ነገራት ተነብዩ

መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግዜና “ዳሕሮት መዓልትታት” ኢሉ እዩ ዚጽውዖ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ብዛዕባ እዚ እዋን እዚ እንታይ ከም እተነበየ እሞ ኣስተብህል።

ማቴዎስ 24:6, 7 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶ ተመያየጡ፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ዓብዪ ፍጻመታት ከም ዚኸውን እዩ ዚገልጽ፧

ካልኣይ ጢሞቴዎስ 3:1-5 ኣንብብ፡ ድሕሪኡ በዚ ሕቶታት ተመያየጡ፦

  • ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ሰባት እንታይ ባህርያት ከም ዚህልዎም እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ፧

  • ካብዚ ባህርያት እዚኸ ኣየናይ ተዓዚብካ፧

ገሊኦም ከምዚ ይብሉ፦ “መጽሓፍ ቅዱስ ጽውጽዋያትን ኣፈ ታሪኻትን ዝሓዘ መጽሓፍ እዩ።”

  • መጽሓፍ ቅዱስ እሙን ምዃኑ ዜርኢ ዝሓየለ መርትዖ እንታይ ይመስለካ፧

ጽማቝ

ታሪኽን ስነ ፍልጠትን ትንቢትን ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትኣምኖ ኸም እትኽእል ይሕብር።

ክለሳ

  • መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝሓዘ መጽሓፍ ድዩ ወይስ ፈጠራ፧

  • ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማምዓሉ ገለ መዳያት እንታይ እዩ፧

  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚንበዶ ይመስለካ፧ ስለምንታይ፧

ሸቶ

ዳህስስ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ ፍልጠታዊ ጌጋታት ኣሎዶ፧

“ስነ ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ ድዩ፧” (ዓንቀጽ ወብ)

ብዛዕባ “ዳሕሮት መዓልትታት” እንታይ ትፈልጥ፧

“ሕጂ ዚፍጸም ዘሎ 6 ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ” (ግምቢ ዘብዐኛ፡ 1 ግንቦት 2011)

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሃጸያዊ ግዝኣት ግሪኽ እተነበዮ ትንቢታት ብኸመይ ከም እተፈጸመ ርአ።

በቲ “ትንቢታዊ ቓል” ጸኒዕና (5:22)

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሓደ ሰብኣይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ብኸመይ ከም ዝቐየሮ ኣንብብ።

“ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣይኣምንን እየ ነይረ” (ግምቢ ዘብዐኛ ቍ. 5 2017)

a ትንቢት ኪብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ መልእኽቲ እዩ።

b ቅ.ክ. ኪብሃል ከሎ፡ “ቅድሚ ክርስቶስ፡” ድ.ክ. ኪብሃል ከሎ ኸኣ፡ “ድሕሪ ክርስቶስ” የመልክት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ