መዝሙር 128
ክሳዕ መወዳእታ ተጻወር
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ሳላ ቓል ኣምላኽና ኢና
ተጻወርቲ ዄንና፣
ተስፋታቱ ርግጽ እዩ፡
ንፈትዎ ኻብ ልብና።
ነታ መዓልቲ የሆዋ፡
ንጽበ ሃረር ኢልና፣
ንሕሉ ንጽህናና፡
ንጸሪ ብፈተና።
2. ’ታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ፡
ከቶ ኣይትሕደጋ።
ፈተናታት’ውን ተጻወር፣
ዓስቢ ኣለዎ ዋጋ።
ዝመጸ’ኳ እንተ መጸ፡
ጥርጣረ ኣይሰማዕካ።
የሆዋ መናገፊ’ዩ፣
ወትሩ’ዩ ኣብ ጥቓኻ።
3. እቲ ኽሳዕ መወዳእታ
ዚጻወር ይድሕን፣
ኣብ መጽሓፍ ህይወት ይሰፍር፡
ስለ ዝዀነ እሙን።
ተጻዋርነት ኣማዕብል፣
ጽናዕ ከይተሓለልካ።
ኣምላኽ ኪባርኸካ’ዩ፡
ሓጐስካ ኼብዝሓልካ።
(እብ. 6:19፣ ያእ. 1:4፣ 2 ጴጥ. 3:12፣ ራእ. 2:4 እውን ርአ።)