ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 15/9 ገጽ 22
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ—መስከረም 2014

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ—መስከረም 2014
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “እቶም ንየሆዋ ዚደልይዎ ግና፡ ገለ ጽቡቕ እኳ ኣይጐድሎምን”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • የሆዋ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ “መናገፊ” ነይሩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • “ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ንዜጋጥመካ ለውጥታት ንኽትዋጽኣሉ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ተወከል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 15/9 ገጽ 22

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

እቲ ኣብ መዝሙር 37:25 ዚርከብ ዳዊት ዝሃቦ ርእይቶን ኣብ ማቴዎስ 6:33 ዚርከብ የሱስ እተዛረቦ ዘረባን፡ የሆዋ፡ ሓደ ክርስትያን እኹል ምግቢ ንኺስእን ፈጺሙ ኸም ዘይፈቅድ ዚሕብር ድዩ፧

ዳዊት፡ “ጻድቕ ተሐዲጉን፡ ዘርኡ እንጌራ ኺልምኑን ከቶ ኣይርኤኹን” ኢሉ ጸሓፈ። ስለዚ፡ ኣብ ተመክሮኡ ተመርኲሱ፡ ሓፈሻዊ ርእይቶ እዩ ዚህብ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣዘውቲሩ ዚገብሮ ኽንክን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (መዝ. 37:25) ይኹን እምበር፡ ቃላት ዳዊት፡ ዝዀነ ይኹን ኣምላኺ የሆዋ፡ ዜድልዮ ነገራት ስኢኑ ኣይፈልጥን ወይ እውን ኣይስእንን እዩ ማለት ኣይኰነን።

ዳዊት ንባዕሉ ኣጸጋሚ ዅነታት ኣጋጢምዎ ነይሩ እዩ። ሓደ ኻብኡ፡ እቲ ኻብ ሳኦል ዚሃድመሉ ዝነበረ እዋን እዩ ነይሩ። ስንቁ ስለ ዝወድአ፡ ንዕኡን ነቶም ምስኡ ዝነበሩን ዚኸውን እንጌራ ኺውሃቦ ሓቲቱ እዩ። (1 ሳሙ. 21:1-6) ስለዚ፡ ኣብታ ህሞት እቲኣ፡ ዳዊት ‘እንጌራ ለሚኑ’ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ጽንኩር እዋን እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይጠንጠኖ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ይኹን እምበር፡ ዳዊት ለማኒ ኸም ዝነበረ ዚሕብር ጸብጻብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይንረክብን ኢና።

የሱስ ኣብ ማቴዎስ 6:33፡ ኣምላኽ ነቶም ምስ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንዚተሓሓዝ ንጥፈታት ቀዳምነት ዚህቡ ሰባት፡ ዜድልዮም ነገራት ከም ዜማልኣሎም መረጋገጺ ሂቡ ኣሎ። “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ፣ እዚ ዅሉ [እንተላይ ምግብን መስተን ክዳንን] ድማ ይውሰኸልኩም” በለ። ይኹን እምበር፡ ‘ኣሕዋቱ’ ብምኽንያት መስጐጕቲ ኸም ዚጠምዩ እውን ሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ማቴ. 25:35, 37, 40) ንሃዋርያ ጳውሎስ ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎ። ዝጠመየሉን ዝጸመኣሉን እዋናት ነይሩ እዩ።—2 ቈረ. 11:27።

ብጥሜት እተጠቕዑ ኣብ መዳጐኒ ደምበ ዝነበሩ ሰብኡት

የሆዋ፡ ብእተፈላለየ መገድታት ከም እንስጐጕ ነጊሩና እዩ። ነቲ ድያብሎስ ዘበገሶ ኽሲ ኣብ እንምልሰሉ እዋን፡ ስእነት ንኼጋጥመና ኺፈቅድ ይኽእል እዩ። (እዮ. 2:3-5) ንኣብነት፡ ከምቶም ኣብ መዳጐኒ ደምበታት ናዚ ዝነበሩ ኣሕዋትና ዝኣመሰሉ ክርስትያን ብጾትና፡ ብምኽንያት መስጐጕቲ ኣብ ሓደገኛ ዅነታት ኣትዮም እዮም። ሓደ ኻብቲ ንንጽህና እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምብልሻው እተገብረ ጻዕሪ፡ እኹል ምግቢ ኸም ዘይረኽቡ ብምግባር እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም እሙናት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንየሆዋ እዙዛት ነበሩ፣ ንሱ ድማ ፈጺሙ ኣይሓደጎምን። የሆዋ ነዞም ክርስትያናት እዚኦም፡ ልክዕ ከምቲ ዅላቶም ክርስትያናት በብዓይነቱ ፈተናታት ንኼጋጥሞም ዚፈቅድ፡ ንዓታቶም እውን ፈተና ኼጋጥሞም ፈቒዱ እዩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቶም ምእንቲ ስሙ ኢሎም መከራ ዜጋጥሞም ሰባት ከም ዚድግፎም ኣየጠራጥርን እዩ። (1 ቈረ. 10:13) ነተን ኣብ ፊልጲ 1:29 ዚርከባ፡ “ምእንቲ ክርስቶስ ሓለፋ እተዋህበ፡ ንዓኻትኩም እዩ፣ እዚ ድማ ምእንታኡ መከራ ኽትጸግቡ እውን እምበር፡ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራይ ኣይኰነን” ዚብላ ቓላት ኣብ ልብና ኸነሕድረን ንኽእል ኢና።

የሆዋ ምስ ኣገልገልቱ ኸም ዚኸውን ተመባጺዑ እዩ። ንኣብነት፡ ኢሳይያስ 54:17፡ “ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኵሉ ኣይኪጠቅምን እዩ” ትብል። እዝን ካልእ ተመሳሳሊ መብጽዓታትን፡ ህዝቢ ኣምላኽ ብደረጃ ጕጅለ ንዚህልዎም ድሕንነት ዜረጋግጽ እዩ። ብደረጃ ውልቀ ሰብ ግና፡ ንሓደ ክርስትያን ፈተናታት ኬጋጥሞ፡ ኪመውት እውን ይኽእል እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ