መዝሙር 147
ተስፋ ህይወት ዘለኣለም
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ተስፋ ናይ ዘልኣለም ህይወት፡
ተዋሂቡ ንሰባት፣
ንምድሪ ኺወርስዋ’ዮም፡
ዓቃላት፡ ትሑታት።
(ኣዝማች)
ዘልኣለም ንምንባር፡
ካብ ልብና ንጽዓር፣
ዘተስፈዎ ዅሉ፡
ሓቂ’ዩ ቓሉ።
2. ኪብጻሕ’ዩ ፍጽምና፣
ኪርከብ’ዩ ሓርነት፣
ምድሪ ሰላም ኬምጽኣላ፡
ናይ የሆዋ ግዝኣት።
(ኣዝማች)
ዘልኣለም ንምንባር፡
ካብ ልብና ንጽዓር፣
ዘተስፈዎ ዅሉ፡
ሓቂ’ዩ ቓሉ።
3. ሰባት ካብ ሞት ምስ ተንስኡ፡
ኣይኪህሉን’ዩ ብኽያት፣
ኣምላኽ ኪሓልየሎም እዩ፣
ኪደርዝ’ውን ንብዓት።
(ኣዝማች)
ዘልኣለም ንምንባር፡
ካብ ልብና ንጽዓር፣
ዘተስፈዎ ዅሉ፡
ሓቂ’ዩ ቓሉ።
(ኢሳ. 25:8፣ ሉቃ. 23:43፣ ዮሃ. 11:25፣ ራእ. 21:4 እውን ርአ።)